ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • YC ትምህርቲ 9 ገጽ 20-21
  • ኤርምያስ ብዛዕባ የሆዋ ኻብ ምዝራብ ኣየቋረጸን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኤርምያስ ብዛዕባ የሆዋ ኻብ ምዝራብ ኣየቋረጸን
  • ንደቅኻ ምሃሮም
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሆዋ ንኤርምያስ ኪሰብኽ ለኣኾ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • “ቃላተይ ኣብ ኣፍካ ኤንብር አሎኹ”
    ብኤርምያስ ኣቢሉ እተዋህበና ቓል ኣምላኽ
  • “ትም ኣይብልን”
    ብኤርምያስ ኣቢሉ እተዋህበና ቓል ኣምላኽ
  • “እዚ ቓል እዚ ንገሮም”
    ብኤርምያስ ኣቢሉ እተዋህበና ቓል ኣምላኽ
ዝያዳ ርአ
ንደቅኻ ምሃሮም
YC ትምህርቲ 9 ገጽ 20-21

ትምህርቲ 9

ኤርምያስ ብዛዕባ የሆዋ ኻብ ምዝራብ ኣየቋረጸን

ኤርምያስ ብእተቘጥዑ ጭፍራ ተኸቢቡ

እቶም ሰባት ንኤርምያስ እተቘጥዕዎ ስለምንታይ እዮም፧

ንኤርምያስ፡ ጭቃ ኻብ ዝመልኦ ዓሚቝ ጕድጓድ የውጽእዎ

የሆዋ ንኤርምያስ ኣድሓኖ

ሓድሓደ እዋን፡ ንሰባት ብዛዕባ የሆዋ ኽንነግሮም ከለና፡ የላግጹልና ወይ ይቝጥዑና እዮም። እዚ ኸኣ ብዛዕባ ኣምላኽ ካብ ምዝራብ ከም እነቋርጽ ኪገብረና ይኽእል እዩ። ከምኡ ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧— መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሓደ ንየሆዋ ዜፍቅሮ ዝነበረ፡ ግናኸ ብዛዕባኡ ኻብ ምዝራብ ኬቋርጽ ኢሉ ዝነበረ ሰብ ይነግረና እዩ። ንሱ ኤርምያስ ይብሃል። ብዛዕባኡ እስከ ንምሃር።

ኤርምያስ መንእሰይ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ነቶም ህዝቢ፡ ሕማቕ ተግባሮም ኪሓድጉ፡ ኬጠንቅቖም የሆዋ ነገሮ። ከምኡ ምግባር ንኤርምያስ ከቢድዎን ኣፍሪህዎን ነበረ። ንሱ ኸኣ ንየሆዋ፡ ‘እንታይ ከም ዝብል ኣይፈልጥን እየ። ገና ቘልዓ እየ’ በሎ። የሆዋ ግና፡ ‘ኣይትፍራህ። ኣነ ኽሕግዘካ እየ’ በሎ።

ስለዚ፡ ኤርምያስ ነቶም ህዝቢ፡ እንተ ዘይተለዊጦም፡ ከም ዚቕጽዑ ኼጠንቅቖም ጀመረ። እቶም ህዝቢኸ ኸምቲ ኤርምያስ ዝበሎም ገይሮምዶ፧— ኣይገበሩን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣላገጹሉ፡ ኣዝዮም ከኣ ተቘጥዕዎ። አረ ገሊኣቶምሲ ኪቐትልዎ እውን ደለዩ! ኤርምያስ እንታይ ተሰሚዕዎ፧— ስለ ዝፈርሀ፡ ‘ድሕሪ ሕጂ ብዛዕባ የሆዋ ኣይዛረብን እየ’ በለ። እሞኸ፡ ተሓሊሉ ምዝራብ ሓዲግዎዶ፧— ኣይሓደጎን። ንየሆዋ ኣዝዩ የፍቅሮ ስለ ዝነበረ፡ ብዛዕባኡ ኻብ ምዝራብ ኣየቋረጸን። ስለ ዘይተሓለለ ድማ፡ የሆዋ ይሕልዎ ነበረ።

ንኣብነት፡ ሓደ እዋን፡ ክፉኣት ሰባት ንኤርምያስ፡ ጭቃ ናብ ዝመልኦ ዓሚቝ ጕድጓድ ደርበይዎ። ኣብኡ ምግብን ማይን ኪረክብ ኣይክእልን ነበረ። እቶም ሰባት፡ ኤርምያስ ኣብኡ ኺመውት ደልዮም ነበሩ። ሳላ ሓገዝ የሆዋ ግና፡ ካብ ሞት ኣምለጠ!

ካብ ኤርምያስ እንታይ ክትምሃር ትኽእል፧— ሓድሓደ እዋን ይፈርህ እኳ እንተ ነበረ፡ ብዛዕባ የሆዋ ኻብ ምዝራብ ግና ኣይቋረጸን። ንስኻ እውን ብዛዕባ የሆዋ ኽትዛረብ ከለኻ፡ ሰባት የላግጹልካን ኣዝዮም ይቝጥዑኻን ይዀኑ። ትሓፍርን ትፈርህን እውን ትኸውን። ብዛዕባ የሆዋ ኻብ ምዝራብ ግና ኣይተቋርጽ። ከምቲ የሆዋ ንኤርምያስ ዝሓገዞ፡ ንዓኻ እውን ኪሕግዘካ እዩ።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስካ ኣንብብ

  • ኤርምያስ 1:4-8፣ 20:7-9፣ 26:8-19, 24፣ 38:6-13

ሕቶታት፦

  • የሆዋ ንኤርምያስ እንታይ ኪገብር ነጊርዎ፧

  • ኤርምያስ ብዛዕባ የሆዋ ኻብ ምዝራብ ኬቋርጽ ኢሉ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

  • የሆዋ ንኤርምያስ ብኸመይ ሓጊዝዎ፧

  • ካብ ኤርምያስ እንታይ ተማሂርካ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ