ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • YC ትምህርቲ 13 ገጽ 28-29
  • ጢሞቴዎስ ንሰባት ኪሕግዝ ይደሊ ነበረ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ጢሞቴዎስ ንሰባት ኪሕግዝ ይደሊ ነበረ
  • ንደቅኻ ምሃሮም
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እቲ ንምግልጋል ድሉውን ፍቓደኛን ዝነበረ ጢሞቴዎስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ጳውሎስን ጢሞቴዎስን
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ጢሞቴዎስ ‘ብእምነት ናይ ሓቂ ውሉድ’
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • “ብጐይታ ፍቑረይን እሙን ውሉደይን”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
ዝያዳ ርአ
ንደቅኻ ምሃሮም
YC ትምህርቲ 13 ገጽ 28-29
ኣዲኡ ኤውንቄን ዓባዩ ሎኢስን ንጢሞቴዎስ ይምህራኦ

ትምህርቲ 13

ጢሞቴዎስ ንሰባት ኪሕግዝ ይደሊ ነበረ

ጢሞቴዎስ ንሰባት ኪሕግዝ ዚደሊ መንእሰይ ነበረ። ንኻልኦት ምእንቲ ኺሕግዝ፡ ናብ ብዙሕ ቦታታት ተጓዕዘ። ስለዚ ኸኣ፡ ኣዝዩ ዜሐጕስ ህይወት ነበሮ። ብዛዕባ እዚ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧—

ጢሞቴዎስ ካብ ኣዲኡን ዓባዩን ብዛዕባ የሆዋ ተማህረ

ጢሞቴዎስ፡ ልስጥራ ኣብ እትብሃል ከተማ ዓበየ። ገና ሕጻን ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ዓባዩ ሎኢስን ኣዲኡ ኤውንቄን ብዛዕባ የሆዋ ኺምህራኦ ጀመራ። ጢሞቴዎስ ኪዓቢ ኸሎ ድማ፡ ሰባት ብዛዕባ የሆዋ ምእንቲ ኺምሃሩ፡ ኪሕግዞም ይደሊ ነበረ።

ጢሞቴዎስ ገና መንእሰይ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ጳውሎስ፡ ምስኡ ተጓዒዙ ኣብ ካልእ ቦታታት ኪሰብኽ ሓተቶ። ጢሞቴዎስ ከኣ፡ ‘ሕራይ’ በሎ። ከይዱ ንሰባት ኪሕግዝ ድሉው ነበረ።

ጢሞቴዎስ ምስ ጳውሎስ ሓቢሩ፡ ናብታ ኣብ መቄዶንያ እትርከብ ተሰሎንቄ እትብሃል ከተማ ኸደ። ናብኣ ኺበጽሑ፡ ብእግሮምን ብመርከብን ነዊሕ ተጓዕዙ። ኣብኡ ምስ በጽሑ ኸኣ፡ ንብዙሓት ሰባት ብዛዕባ የሆዋ ኺምሃሩ ሓገዝዎም። ገሊኦም ሰባት ግና ተቘጥዑ፣ ኪጐድእዎም እውን ደለዩ። ስለዚ ድማ፡ ጳውሎስን ጢሞቴዎስን ካብኡ ነቒሎም፡ ኣብ ካልእ ቦታታት ሰበኹ።

ጢሞቴዎስ ምስ ሃዋርያ ጳውሎስ ኰይኑ ብመርከብ ይጐዓዝ

ጢሞቴዎስ ዜሐጕስ ህይወት ነበሮ

ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ፡ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ ናብ ተሰሎንቄ ኸይዱ ነቶም ኣሕዋት ከመይ ከም ዘለዉ ኺርእዮም ሓተቶ። መቸም ናብታ ሓደገኛ ኸተማ ንምኻድ፡ ሓያል ትብዓት የድሊ! ጢሞቴዎስ ግና ንኣሕዋቱ ይሓልየሎም ስለ ዝነበረ፡ ናብኣ ኸደ። ብስራት ሒዙ ድማ ናብ ጳውሎስ ተመልሰ። እቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ኣሕዋት ደሓን ነበሩ።

ጢሞቴዎስ ምስ ጳውሎስ ንብዙሕ ዓመታት ኣገልገለ። ሓደ ግዜ ጳውሎስ ብዛዕባ ጢሞቴዎስ፡ ንጉባኤታት ንምሕጋዝ ኪልእኮ ዚኽእል ዝበለጸ ሰብ ምዃኑ ጸሓፈ። ጢሞቴዎስ ንየሆዋን ንሰባትን ፍቕሪ ነበሮ።

ንስኻኸ ንሰባት ተፍቅሮም ዲኻ፧ ብዛዕባ የሆዋ ኺምሃሩኸ ትደሊ ዲኻ፧— ከምኡ ትደሊ እንተ ዄንካ፡ ከም ጢሞቴዎስ ዜሐጕስ ህይወት ኪህልወካ ይኽእል እዩ!

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስካ ኣንብብ

  • 2 ጢሞቴዎስ 1:5፣ 3:15

  • ግብሪ ሃዋርያት 16:1-5፣ 17:1-10

  • 1 ተሰሎንቄ 3:2-7

  • ፊልጲ 2:19-22

ሕቶታት፦

  • ጢሞቴዎስ ኣበይ እዩ ዓብዩ፧

  • ጢሞቴዎስ ምስ ጳውሎስ ኪጐዓዝ ይደሊዶ ነይሩ፧ ስለምንታይከ፧

  • ጢሞቴዎስ ናብ ተሰሎንቄ ተመሊሱ ዝኸደ ስለምንታይ እዩ፧

  • ከም ጢሞቴዎስ ዜሐጕስ ህይወት ኪህልወካ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ