ትምህርቲ 13
ጢሞቴዎስ ንሰባት ኪሕግዝ ይደሊ ነበረ
ጢሞቴዎስ ንሰባት ኪሕግዝ ዚደሊ መንእሰይ ነበረ። ንኻልኦት ምእንቲ ኺሕግዝ፡ ናብ ብዙሕ ቦታታት ተጓዕዘ። ስለዚ ኸኣ፡ ኣዝዩ ዜሐጕስ ህይወት ነበሮ። ብዛዕባ እዚ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧—
ጢሞቴዎስ ካብ ኣዲኡን ዓባዩን ብዛዕባ የሆዋ ተማህረ
ጢሞቴዎስ፡ ልስጥራ ኣብ እትብሃል ከተማ ዓበየ። ገና ሕጻን ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ዓባዩ ሎኢስን ኣዲኡ ኤውንቄን ብዛዕባ የሆዋ ኺምህራኦ ጀመራ። ጢሞቴዎስ ኪዓቢ ኸሎ ድማ፡ ሰባት ብዛዕባ የሆዋ ምእንቲ ኺምሃሩ፡ ኪሕግዞም ይደሊ ነበረ።
ጢሞቴዎስ ገና መንእሰይ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ጳውሎስ፡ ምስኡ ተጓዒዙ ኣብ ካልእ ቦታታት ኪሰብኽ ሓተቶ። ጢሞቴዎስ ከኣ፡ ‘ሕራይ’ በሎ። ከይዱ ንሰባት ኪሕግዝ ድሉው ነበረ።
ጢሞቴዎስ ምስ ጳውሎስ ሓቢሩ፡ ናብታ ኣብ መቄዶንያ እትርከብ ተሰሎንቄ እትብሃል ከተማ ኸደ። ናብኣ ኺበጽሑ፡ ብእግሮምን ብመርከብን ነዊሕ ተጓዕዙ። ኣብኡ ምስ በጽሑ ኸኣ፡ ንብዙሓት ሰባት ብዛዕባ የሆዋ ኺምሃሩ ሓገዝዎም። ገሊኦም ሰባት ግና ተቘጥዑ፣ ኪጐድእዎም እውን ደለዩ። ስለዚ ድማ፡ ጳውሎስን ጢሞቴዎስን ካብኡ ነቒሎም፡ ኣብ ካልእ ቦታታት ሰበኹ።
ጢሞቴዎስ ዜሐጕስ ህይወት ነበሮ
ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ፡ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ ናብ ተሰሎንቄ ኸይዱ ነቶም ኣሕዋት ከመይ ከም ዘለዉ ኺርእዮም ሓተቶ። መቸም ናብታ ሓደገኛ ኸተማ ንምኻድ፡ ሓያል ትብዓት የድሊ! ጢሞቴዎስ ግና ንኣሕዋቱ ይሓልየሎም ስለ ዝነበረ፡ ናብኣ ኸደ። ብስራት ሒዙ ድማ ናብ ጳውሎስ ተመልሰ። እቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ኣሕዋት ደሓን ነበሩ።
ጢሞቴዎስ ምስ ጳውሎስ ንብዙሕ ዓመታት ኣገልገለ። ሓደ ግዜ ጳውሎስ ብዛዕባ ጢሞቴዎስ፡ ንጉባኤታት ንምሕጋዝ ኪልእኮ ዚኽእል ዝበለጸ ሰብ ምዃኑ ጸሓፈ። ጢሞቴዎስ ንየሆዋን ንሰባትን ፍቕሪ ነበሮ።
ንስኻኸ ንሰባት ተፍቅሮም ዲኻ፧ ብዛዕባ የሆዋ ኺምሃሩኸ ትደሊ ዲኻ፧— ከምኡ ትደሊ እንተ ዄንካ፡ ከም ጢሞቴዎስ ዜሐጕስ ህይወት ኪህልወካ ይኽእል እዩ!