ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • hf ክፋል 2 ክፋል 1-2
  • ንሓድሕድኩም እሙናት ኩኑ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንሓድሕድኩም እሙናት ኩኑ
  • ስድራ ቤትካ ሕጕስቲ ኽትከውን ትኽእል እያ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • 1 ንሓዳርካ ቐዳምነት ሃቦ
  • 2 ንልብኻ ሓልዎ
  • ብሓዳርካ ንኽትሕጐስ፡ መምርሒ ኣምላኽ ድለ
    ስድራ ቤትካ ሕጕስቲ ኽትከውን ትኽእል እያ
  • ድሕሪ መዓልቲ መርዓ
    ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ብኸመይ ትጸንዕ፧
  • ኣብ ቃል ኪዳን ምጽናዕ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ንመጻምድትኻ ኣኽብሮ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
ዝያዳ ርአ
ስድራ ቤትካ ሕጕስቲ ኽትከውን ትኽእል እያ
hf ክፋል 2 ክፋል 1-2
ሓደ ሰብኣይ ንሰበይቱ ጽላል ሒዙ ማዕጾ ማኪና ይኸፍተላ

2ይ ክፋል

ንሓድሕድኩም እሙናት ኩኑ

“ነቲ ኣምላኽ ዝጸመዶስ፡ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይፍለዮ።”—ማርቆስ 10:9

የሆዋ ‘ተኣማንነት ክንፈቱ’ እዩ ዚደልየና። (ሚክያስ 6:8) እዚ ብፍላይ ኣብ ሓዳር ኣገዳሲ እዩ፣ ከመይሲ፡ ጥልመት እንተ ኣልዩ፡ ምትእምማን ኪህሉ ኣይክእልን እዩ። ፍቕሪ ምእንቲ ኽትዓቢ ኸኣ፡ ተኣማንነት ኣድላዪ እዩ።

ሎሚ፡ ኣብ ሓዳር እሙን ምዃን እናጠፍአ ይኸይድ ኣሎ። ስለዚ፡ ንሓዳርካ ምእንቲ ኸተዕቍቦ፡ ክልተ ነገራት ክትገብር ኣሎካ።

1 ንሓዳርካ ቐዳምነት ሃቦ

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ ‘እቲ ዚሓይሽ መርምር።’ (ፊልጲ 1:10) ሓዳርካ፡ ኣብ ህይወትካ ሓደ ኻብቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገራት እዩ። ስለዚ፡ ቀዳምነት ክትህቦ ኣሎካ።

የሆዋ፡ ኣብ መጻምድትኻ ኸተተኵርን ብሓባር ‘ክትሕጐሱን’ እዩ ዚደሊ። (መክብብ 9:9) ንሓድሕድኩም ክትተሓጓጐሱ ደኣ እምበር፡ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ሸለል ኪብሎ ኸም ዘይግባእ ብንጹር ገሊጹ ኣሎ። (1 ቈረንቶስ 10:24) ንመጻምድትኻ፡ ዚድለን ዚፍቀርን ኰይኑ ኸም ዚስምዖ ግበር።

ሓደ ሰብኣይ ንሰበይቱ ውዑይ ዚስተ የምጽኣላ፣ ሰብኣይ ናብ ቤቱ ይኣቱ፡ ሰበይቱ ኽትክሽን ከላ ድማ ይርእያ

እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

  • ወትሩ ብሓባር ኴንኩም ግዜ ኣሕልፉ፣ ንመጻምድትኻ ድማ ጽን ኢልካ ስምዓዮ

  • “ኣነ” ኢልካ ዘይኰነስ፡ “ንሕና” ኢልካ ሕሰብ

ሰብኣይን ሰበይትን ብሓደ ይዘናግዑ

2 ንልብኻ ሓልዎ

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “ንሰበይቲ ብፍትወት ዚጥምታ ዅሉ፡ ብልቡ ድሮ ምስኣ ዘምዩ እዩ።” (ማቴዎስ 5:28) ሓደ ሰብ ብተደጋጋሚ ብዛዕባ ርኽሰት ዚሓስብ እንተ ዀይኑ፡ ንመጻምድቱ ዘለዎ ተኣማንነት እዩ ዜጕድል።

የሆዋ፡ “ንልብኻ ሓልዎ” ኢሉ መኺሩካ ኣሎ። (ምሳሌ 4:23፣ ኤርምያስ 17:9) ከምኡ ኽትገብር እንተ ደሊኻ፡ ንኣዒንትኻ እውን ክትሕልወን ኣሎካ። (ማቴዎስ 5:29, 30) ነቲ ሓደ ኻብቶም ኣበው ዝነበረ እዮብ ዝሓደጎ ሰናይ ኣብነት ስዓቦ፣ ንሱ ንኻልእ ሰበይቲ ብፍትወት ምእንቲ ኸይጥምታ፡ ምስ ኣዒንቱ ኺዳን ተኣታተወ። (እዮብ 31:1) ፈጺምካ ስእለ ጽዩፍ ከይትርኢ ቝረጽ። መጻምድትኻ ምስ ዘይኰነ ዝዀነ ይኹን ሰብ፡ ፍቕራዊ ርክብ ከይትምስርት ድማ ወስን።

ሓደ ሰብኣይ፡ ስእሊ ሰበይቱ ኣብ ሰደቓኡ ገይሩ ይሰርሕ

እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

  • ካልኦት ሰባት፡ ምሉእ ብምሉእ ንመጻምድትኻ እሙን ምዃንካ ኸም ዚፈልጡ ግበር

  • ንስምዒት መጻምድትኻ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ባህ ከም ዘይብሎ ኺገብር ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ርክብ ብቕልጡፍ ኣቋርጾ

እጃምካ ግበር

ንገዛእ ርእስኻ ብቕንዕና ብምምርማር፡ ድኽመትካ ኣለሊ። (መዝሙር 15:2) ከይተሰከፍካ ሓገዝ ሕተት። (ምሳሌ 1:5) ርኹስ ሓሳባት ናብ ኣእምሮኻ ዚመጽእ እንተ ዀይኑ፡ ተቓለሶ። ተስፋ ድማ ኣይትቝረጽ። (ምሳሌ 24:16) የሆዋ ነቲ ንመጻምድትኻ እሙን ንምዃን እትገብሮ ጻዕሪ ኺባርኾ እዩ።

ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተታ፦

  • ምስ መጻምድተይ ዝያዳ ግዜ ኸሕልፍ ዝኽእል ብኸመይ እየ፧

  • መጻምድተይ ናይ ቀረባ ዓርከይ ድዩ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ