ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • jy ምዕ. 6 ገጽ 20-ገጽ 21 ሕ.ጽ. 8
  • እቲ ኣምላኽ ዘተስፈወሉ ሕጻን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እቲ ኣምላኽ ዘተስፈወሉ ሕጻን
  • የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እቲ መብጽዓ እተገብሮ ቈልዓ
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • ‘ኣብ ልባ ትሓስቦ ነበረት’
    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
  • ካብ ማርያም እንመሃሮ ትምህርቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ‘ኣብ ልባ ትሓስቦ ነበረት’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
ዝያዳ ርአ
የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
jy ምዕ. 6 ገጽ 20-ገጽ 21 ሕ.ጽ. 8
ስምኦን ንየሱስ ሓቚፍዎ ኸሎ፡ ዮሴፍን ማርያምን ነብዪት ሃናን ይርእይዎ

ምዕራፍ 6

እቲ ኣምላኽ ዘተስፈወሉ ሕጻን

ሉቃስ 2:21-39

  • የሱስ ተገዝረ፡ ናብ ቤተ መቕደስ ተወስደ

ዮሴፍን ማርያምን ናብ ናዝሬት ኣብ ክንዲ ዚምለሱ፡ ኣብ ቤት-ልሄም ተረፉ። የሱስ ወዲ ሸሞንተ መዓልቲ ምስ ኰነ፡ ከምቲ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ዝሃቦም ሕጊ ገዘርዎ። (ዘሌዋውያን 12:2, 3) እስራኤላውያን ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ንሕጻናት ደቂ ተባዕትዮ ስም ናይ ምውጻእ ልምዲ ነበሮም። ስለዚ፡ ዮሴፍን ማርያምን ንወዶም ከምቲ ገብርኤል መልኣኽ ኣቐዲሙ ዝበሎም፡ የሱስ ኢሎም ሰመይዎ።

ድሕርዚ፡ ልዕሊ ሓደ ወርሒ ሓለፈ፣ የሱስ ድማ ወዲ 40 መዓልቲ ዀነ። ሽዑ፡ ወለዱ ናበይ እዮም ወሲዶምዎ፧ ናብቲ ኻብ ቤት-ልሄም ብዙሕ ዘይርሕቕ ኣብ የሩሳሌም ዘሎ ቤተ መቕደስ እዮም ወሲዶሞ። ብመሰረት ሕጊ ሙሴ፡ ሓንቲ ኣደ ወዲ ምስ ወለደት ድሕሪ 40 መዓልቲ፡ መስዋእቲ ምንጻህ ኣብ ቤተ መቕደስ ከተቕርብ ነበራ።—ዘሌዋውያን 12:4-8።

ማርያም ከኣ ከምኡ እያ ገይራ። ንመስዋእቲ፡ ክልተ ንኣሽቱ ኣዕዋፍ ኣቕረበት። እዚ ኸኣ ብዛዕባ ደረጃ መነባብሮ ዮሴፍን ማርያምን ዚሕብር እዩ። ሕጊ ሙሴ እቲ ኻብ ኣዕዋፍ ኣዝዩ ዝኸበረ ገንሸል ኪቐርብ ከም ዚግባእ እዩ ዚገልጽ። እታ ኣደ እዚ ከተቕርብ ዓቕሚ ዘይብላ ምስ እትኸውን ግና፡ ክልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ርግቢ ኸተቕርብ ትኽእል ነይራ። ማርያም ዓቕሚ ስለ ዘይነበራ፡ ከምኡ እያ ኣቕሪባ።

“መዓልትታት ምንጻሆም ምስ ኣኸላ”

ዮሴፍን ማርያምን መስዋእቲ ምንጻህ ኬቕርቡ ንየሱስ ናብ ቤተ መቕደስ ወሰድዎ

እስራኤላውያን ምስ ወለዳ፡ ንእተወሰነ ግዜ ኸም ዝረኸሳ እየን ዚቝጸራ ነይረን። ኣብ መወዳእታ እቲ ግዜ እቲ፡ ዜንጽህ መስዋእቲ ዚኸውን ዚሓርር መስዋእቲ ይቐርብ ነበረ። በዚ ኸምዚ፡ ዘይፍጹምን ሓጥእን ህይወት ከም እተመሓላለፈ ዅሎም ይዘኻኸሩ ነበሩ። የሱስ ካብ ሕጻንነቱ ኣትሒዙ ፍጹምን ቅዱስን እዩ ነይሩ። (ሉቃስ 1:35) ኰይኑ ግና፡ ማርያምን ዮሴፍን ከምቲ ብሕጊ ሙሴ እተኣዘዘ፡ “መዓልትታት ምንጻሆም ምስ ኣኸላ፡” ናብ ቤተ መቕደስ “ወሰድዎ።”—ሉቃስ 2:22።

ኣብቲ ቤተ መቕደስ ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብኣይ ናብ ዮሴፍን ማርያምን ቀረበ። ስሙ ስምኦን እዩ። ነቲ የሆዋ ዘተስፈወሉ ክርስቶስ ወይ መሲሕ ከይረኣየ ከም ዘይመውት፡ ኣምላኽ ገሊጹሉ ነይሩ እዩ። ስምኦን በታ መዓልቲ እቲኣ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ ናብ ቤተ መቕደስ መጸ፣ ኣብኡ ድማ ንዮሴፍን ንማርያምን ምስቲ ሕጻን ረኸቦም። ሽዑ፡ ስምኦን ነቲ ሕጻን ኣብ ኢዱ ሓቘፎ።

ስምኦን ንየሱስ ሓቚፉ፡ “ኦ ልዑላዊ ጐይታ፡ ሕጂ ኸምቲ ዝበልካዮ ንባርያኻ ብሰላም ተፋንዎ ኢኻ፣ ኣዒንተይሲ ነቲ ንስኻ እተድሕነሉ መገዲ ርእየን እየን፣ ንሱ እቲ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ህዝብታት ዘዳሎኻዮ፡ ነቲ ንኣህዛብ ጋሪድዎም ዘሎ ዚቐልዕ ብርሃንን ክብሪ ህዝብኻ እስራኤልን እዩ” ኢሉ ንኣምላኽ ኣመስገነ።—ሉቃስ 2:29-32።

ዮሴፍን ማርያምን እዚ ምስ ሰምዑ፡ ተገረሙ። ድሕርዚ፡ ስምኦን ባረኾም፡ ንማርያም ከኣ ወዳ “ኣብ እስራኤል ንብዙሓት መውደቒኦምን መተንስኢኦምን ኪኸውን” ከም ዝዀነ፡ ከም በሊሕ ሰይፊ ዝኣመሰለ ሓዘን ድማ ናብኣ ኸም ዚኣቱ ነገራ።—ሉቃስ 2:34።

በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ካልእ ሰብ እውን ኣብኡ ነይራ እያ። ንሳ ድማ እታ ጓል 84 ዓመት ዝነበረት ሃና ዝስማ ነብዪት እያ። ንሳ ኻብ ቤተ መቕደስ ኣይትጠፍእን ነበረት። በታ ሰዓት እቲኣ፡ ናብ ዮሴፍን ማርያምን እቲ ሕጻን ዝነበረ የሱስን ቀሪባ፡ ንኣምላኽ ኣመስገነቶ፡ ንዚሰምዑ ዘበሉ ዅሎም ከኣ ብዛዕባ የሱስ ነገረቶም።

ዮሴፍን ማርያምን በቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዝዀነ ነገር ክሳዕ ክንደይ ከም እተሓጐሱ ኽትግምቶ ትኽእል ኢኻ። እዚ ዅሉ፡ ወዶም እቲ ኣምላኽ ዘተስፈወሉ ኸም ዝዀነ ኣረጋጊጹሎም እዩ።

  • ሓንቲ እስራኤላዊት ኣደ፡ ወዳ 40 መዓልቲ ምስ ገበረ፡ እንታይ ክትገብር እዩ ዝነበራ፧ እቲ ማርያም ዝገበረቶኸ ብዛዕባ ደረጃ መነባብሮኣ እንታይ ይገልጽ፧

  • ንሓደ እስራኤላዊ ሕጻን ብልምዲ ስም ዝወጸሉ ዝነበረ መዓስ እዩ ነይሩ፧

  • ኣብታ ቤተ መቕደስ፡ መን እዮም ንመንነት የሱስ ዘለለዩ፧ ነዚኸ ብኸመይ ኣርኣይዎ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ