ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • jy ምዕ. 17 ገጽ 44-ገጽ 45 ሕ.ጽ. 1
  • ንኒቆዲሞስ ብለይቲ መሃሮ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንኒቆዲሞስ ብለይቲ መሃሮ
  • የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንኒቆዲሞስ ምምሃር
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • ካብ ኒቆዲሞስ ተመሃር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ሓድሽ ልደት ብኸመይ እዩ ዚግበር፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
ዝያዳ ርአ
የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
jy ምዕ. 17 ገጽ 44-ገጽ 45 ሕ.ጽ. 1
የሱስ ምስ ኒቆዲሞስ ብለይቲ ይዛራረብ

ምዕራፍ 17

ንኒቆዲሞስ ብለይቲ መሃሮ

ዮሃንስ 2:23–3:21

  • የሱስ ንኒቆዲሞስ ተዛረቦ

  • ሰብ ‘ዳግም ተወሊዱ’ ኺብሃል ከሎ፡ እንታይ ማለት ምዃኑ

የሱስ ነቲ ብ30 ድ.ክ. ዝወዓለ ፋስጋ ኼብዕል ኣብ የሩሳሌም ከሎ፡ ዜደንቕ ትእምርትታት ገበረ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ብዙሓት ሰባት ብእኡ ኣመኑ። ኒቆዲሞስ ዚብሃል ኣባል እቲ ዋዕላ፡ ማለት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣይሁድ፡ ዝዀነ እውን በዚ ተገረመ። ዝያዳ ኺፈልጥ ብምድላዩ፡ ብጸልማት ናብ የሱስ ከደ፣ ከምኡ ዝገበረ ኸኣ እንተ ተራእዩ፡ ስሙ ኣብቶም መራሕቲ ኣይሁድ ከይበላሾ ስለ ዝፈርሀ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ኒቆዲሞስ ንየሱስ፡ “መምህር፡ ብዘይካ እቲ ኣምላኽ ምስኡ ዝዀነ፡ ነዚ ንስኻ እትገብሮ ዘለኻ ትእምርትታት ኪገብሮ ዚኽእል የልቦን እሞ፡ ንስኻ መምህር ኴንካ ኻብ ኣምላኽ ከም ዝመጻእካ፡ ንፈልጥ ኢና” በሎ። የሱስ ድማ፡ ሰብ “ዳግም እንተ ዘይተወሊዱ” ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣቱ ኸም ዘይክእል ነገሮ።—ዮሃንስ 3:2, 3።

ከመይ ገይሩ እዩ ግና ሰብ ዳግም ዚውለድ፧ ስለዚ፡ ኒቆዲሞስ፡ “ካልኣይ ሳዕ ናብ ከርሲ ኣዲኡ ኣትዩስ፡ ኪውለድዶ ይኽእል እዩ፧” ኢሉ ሓተተ።—ዮሃንስ 3:4።

ሰብ ዳግም ይውለድ ኪብሃል ከሎ፡ ከምኡ ማለት ኣይኰነን። የሱስ ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ሰብ ካብ ማይን ካብ መንፈስን እንተ ዘይተወሊዱ፡ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣቱ ኣይክእልን እዩ” በለ። (ዮሃንስ 3:5) የሱስ ምስ ተጠምቀ እሞ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሊኡ ምስ ወረደ፡ “ካብ ማይን ካብ መንፈስን” ተወሊዱ እዩ። ሽዑ፡ ካብ ሰማይ፡ “ዝሰምሮ ፍቑር ወደይ እዚ እዩ” ዚብል ድምጺ መጺኡ እዩ። (ማቴዎስ 3:16, 17) በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ኣምላኽ ብዛዕባ የሱስ ናብታ ሰማያዊት መንግስቲ ኺኣቱ ዚኽእል መንፈሳዊ ወዱ ምዃኑ ገሊጹ እዩ። ደሓር ብጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ.፡ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ካልኦት ጥሙቓት ፈሲሱ እዩ፣ ንሳቶም እውን በዚ ኸምዚ መንፈሳውያን ደቂ ኣምላኽ ኰይኖም ዳግም ተወሊዶም እዮም።—ግብሪ ሃዋርያት 2:1-4።

ኒቆዲሞስ ነቲ የሱስ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዚምህሮ ዝነበረ ምርዳኡ ኸቢድዎ ነበረ። ስለዚ፡ የሱስ ብዛዕባ እቲ ንሱ ኸም ሰብኣዊ ወዲ ኣምላኽ መጠን ዘለዎ ፍሉይ ግደ ኸምዚ ዚስዕብ ብምባል ተወሳኺ ሓበሬታ ሃቦ፦ “ከምቲ ሙሴ ኣብ በረኻ ተመን ዝሰቐለ ኸኣ፡ ወዲ ሰብ ኪስቀል ኣለዎ፣ ከምኡ ዚኸውን ድማ፡ ብእኡ ዚኣምን ኵሉ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እዩ” በሎ።—ዮሃንስ 3:14, 15።

ብመርዛማት ኣትማን እተነኽሱ እስራኤላውያን ብነሓሲ ናብ እተሰርሐ ተመን ይጥምቱ

ነዊሕ ይገብር እቶም ብመርዛማት ኣትማን እተነኽሱ እስራኤላውያን ምእንቲ ኺድሕኑ፡ ናብቲ ብነሓሲ እተሰርሐ ተመን ኪጥምቱ ነበሮም። (ዘሁልቍ 21:9) ብተመሳሳሊ፡ ኵሎም ሰባት ካብ ሞት ድሒኖም ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምርካብ፡ ብወዲ ኣምላኽ ኪኣምኑ ኣለዎም። የሱስ ነቲ የሆዋ ዘለዎ ፍቕራዊ ግደ ብምጕላሕ፡ ንኒቆዲሞስ፡ “ኣምላኽሲ በቲ ሓደ ወዱ ዚኣምን ኵሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቂርዋ እዩ” በሎ። (ዮሃንስ 3:16) ስለዚ፡ የሱስ ካብቲ ኣብ የሩሳሌም ኣገልግሎቱ ዝጀመረሉ ኣስታት ሽዱሽተ ወርሒ ጸኒሑ፡ መገዲ ድሕነት ደቂ ሰብ ምዃኑ ንጹር ገይሩ እዩ።

የሱስ ቀጺሉ ንኒቆዲሞስ፡ “ኣምላኽ ንወዱ፡ ንዓለም ኪፈርዳ ዘይኰነስ፡ ዓለም ብእኡ ኽትድሕን ኢሉ እዩ ናብ ዓለም ዝለኣኾ” በሎ። እዚ ማለት ከኣ ንዅሎም ሰባት ንጥፍኣት ኪፈርድ ከም ዘይተላእከ ዜጕልሕ እዩ።—ዮሃንስ 3:17።

ኒቆዲሞስ ፈሪሁ ብጕልባብ ጸልማት እዩ ናብ የሱስ መጺኡ። ስለዚ፡ የሱስ ነቲ ምስኡ ዝገበሮ ዝርርብ ኪዛዝሞ ኸሎ ኸምዚ በሎ፦ “ንፍርዲ መሰረት ዚኸውን ከኣ እዚ እዩ፦ ብርሃን [ንሱ ድማ እቲ ብህይወቱን ብትምህርቱን ዘብርሀ የሱስ እዩ] ናብ ዓለም መጺኡ ኣሎ፣ ሰባት ግና ግብሮም እኩይ እዩ እሞ፡ ካብ ብርሃንሲ ጸልማት እዮም ፈትዮም። እቲ ኽፉእ ዚገብርሲ፡ ብርሃን ይጸልእ እዩ፣ ግብሩ ምእንቲ ኸይቅላዕ ከኣ፡ ናብ ብርሃን ኣይመጽእን እዩ። እቲ ሓቂ ዚገብር ግና፡ ግብሩ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ተሰማሚዑ ኸም እተገብረ ምእንቲ ኺግሃድ፡ ናብ ብርሃን ይመጽእ እዩ።”—ዮሃንስ 3:19-21።

ድሕሪዚ፡ እቲ ፈሪሳውን መምህር እስራኤልን ዝነበረ ኒቆዲሞስ፡ ብዛዕባ እቲ የሱስ ኣብ ዕላማ ኣምላኽ ዘለዎ ግደ ኼስተንትን ነበሮ።

  • ኒቆዲሞስ ናብ የሱስ ኪኸይድ ዘለዓዓሎ እንታይ እዩ፧ ብለይቲ ዝኸደኸ ስለምንታይ እዩ፧

  • ሰብ ‘ዳግም ተወሊዱ’ ኺብሃል ከሎ፡ እንታይ ማለት እዩ፧

  • የሱስ ‘ንዓለም ኪፈርዳ ኣይኰነን ዝመጸ’ ኺብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ