ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • jy ምዕ. 53 ገጽ 130-ገጽ 131 ሕ.ጽ. 7
  • ንተፈጥሮኣዊ ሓይልታት ዚቈጻጸር ገዛኢ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንተፈጥሮኣዊ ሓይልታት ዚቈጻጸር ገዛኢ
  • የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ልዕሊ ሰብ ዝዀነ ሓይሊ ዘለዎ ተደላዪ ገዛኢ
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • የሱስ ኬዕቝበና ይኽእል እዩ
    ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር
  • የሱስ ብማየ ማይ ከደ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ምስ ፍርህን ጥርጣረን ተቓለሰ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
ዝያዳ ርአ
የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
jy ምዕ. 53 ገጽ 130-ገጽ 131 ሕ.ጽ. 7
ጴጥሮስ ብማየ ማይ ይኸይድ፡ ኪጥሕል ምስ ጀመረ ኸኣ የሱስ ኢዱ ዘርጊሑ ይሕዞ

ምዕራፍ 53

ንተፈጥሮኣዊ ሓይልታት ዚቈጻጸር ገዛኢ

ማቴዎስ 14:22-36 ማርቆስ 6:45-56 ዮሃንስ 6:14-25

  • ሰባት ንየሱስ ኬንግስዎ ደለዩ

  • የሱስ ብማየ ማይ ከደ፡ ንፋስ ኣህድአ

የሱስ ብተኣምራዊ መገዲ ንኣሽሓት ምስ መገበ፡ እቶም ህዝቢ ተገረሙ። “እዚ ብሓቂ እቲ ናብ ዓለም ኪመጽእ ዘለዎ ነብዪ [መሲሕ] እዩ” ኢሎም ደምደሙ፣ እዚ ኸኣ፡ ብርግጽ ተብሃጊ ገዛኢ ኪዀኖም ይኽእል ማለት እዩ። (ዮሃንስ 6:14፣ ዘዳግም 18:18) ስለዚ፡ ንየሱስ ሒዞም ኬንግስዎ ሓሰቡ።

የሱስ ግና፡ እቶም ሰባት ዝሓስብዎ ዝነበሩ ፈለጠ። ስለዚ፡ ነቶም ሰባት ኣሰናቢቱ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ናብ ጃልባ ኺምለሱ ኣዘዞም። ናበይ ኣቢሎምከ እዮም ዚጕዓዙ፧ ናብ ቤት-ሳይዳ፡ ካብኡ ናብ ቅፍርናሆም እዮም ኪኸዱ ነቒሎም። የሱስ ግና በታ ለይቲ እቲኣ ኺጽሊ ናብ ከረን ደየበ።

ቅድሚ ምውጋሑ፡ የሱስ ነታ ጃልባ ኻብ ማዕዶ ብብርሃን ወርሒ ረኣያ። እቲ ባሕሪ ብብርቱዕ ንፋስ ተናዊጹ ነበረ፣ እቶም ሃዋርያት ከኣ፡ ‘ንፋስ ኣንጻሮም ስለ ዝነበረ፡ ንምቕዛፍ ይቃለሱ ነበሩ።’ (ማርቆስ 6:48) የሱስ ድማ ካብቲ ኸረን ወሪዱ ብእግሩ ኣብ ልዕሊ እቲ ማዕበል ናባታቶም ኪኸይድ ጀመረ። ክሳዕ ሽዑ፡ “ሓሙሽተ ወይ ሽዱሽተ ኪሎ ሜተር” ዚኣክል ጀሊቦም ነበሩ። (ዮሃንስ 6:19) እቶም ደቀ መዛሙርቱ ምስ ረኣይዎ፡ ሓሊፍዎም ዚኸይድ መሰሎም፣ “ምትሃት እዩ!” ኢሎም እውን ጨደሩ።—ማርቆስ 6:49።

የሱስ ድማ፡ “ኣጆኹም፡ ኣነ እየ፣ ኣይትፍርሁ” ኢሉ ኣጸናንዖም። ጴጥሮስ ከኣ፡ “ጐይታይ፡ ንስኻ እንተ ዄንካስ፡ ብማየ ማይ ክመጸካ ኣዝዘኒ” በሎ። የሱስ ድማ፡ “ንዓ!” በሎ። ሽዑ ጴጥሮስ ካብታ ጃልባ ወሪዱ፡ ብማየ ማይ ናብ የሱስ ገጹ ኸደ። ነቲ ህቦብላ ንፋስ ምስ ረኣየ ግና ፈርሀ፡ ኪጥሕል እውን ጀመረ። ሽዑ፡ “ጐይታይ፡ ኣድሕነኒ!” ኢሉ ኣእወየ። የሱስ ከኣ ኢዱ ሓዞ እሞ፡ “ኣታ ጐደሎ ዝእምነቱ፡ ስለምንታይ ተጠራጢርካ፧” በሎ።—ማቴዎስ 14:27-31።

ጴጥሮስን የሱስን ናብታ ጃልባ ምስ ደየቡ፡ እቲ ንፋስ ሃድአ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ተገረሙ፣ ግናኸ፡ በዚ ኺግረሙ ነይርዎም ድዩ፧ “ትርጉም እቲ እንጌራ፡” ማለት ትርጉም እቲ የሱስ ቅድሚ ሒደት ሰዓታት ንኣሽሓት ብምምጋብ ዝገበሮ ተግባር እንተ ዚርድኡ ነይሮም፡ የሱስ ብማየ ማይ ምኻዱን ነቲ ንፋስ ምህዳኡን ኣይምገረሞምን ነይሩ። ዝዀነ ዀይኑ፡ “ንስኻ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ” እናበሉ ሰገዱሉ።—ማርቆስ 6:52፣ ማቴዎስ 14:33።

ድሕሪ ሓጺር ግዜ፡ ናብቲ ኣብ ደቡብ ቅፍርናሆም ዚርከብ ውቁብን ፈራይን ጐልጐል ጌንሳሬጥ በጽሑ። ኣብኡ ኸኣ መልህቕ ደርብዮም ነታ ጃልባ ምስ ኣቘምዋ፡ ናብ ገምገም ወረዱ። ሽዑ፡ ሰባት ንየሱስ ኣለለይዎ እሞ ካብቲ ጐደቦታት ዝሓመሙ ናብኡ ኼምጽኡ ጀመሩ። ንሳቶም ከኣ ዘፈር ክዳን የሱስ ጥራይ ተንክዮም ምሉእ ብምሉእ ሓወዩ።

እቶም ንኣሽሓት ኪምግብ ከሎ ዝረኣይዎ ህዝቢ ኸኣ፡ የሱስ ከም ዝኸደ ፈለጡ። ስለዚ፡ ኣብ ጢቤርያስ ዝነበራ ንኣሽቱ ጀላቡ ናባታቶም ምስ መጻ፡ እቶም ህዝቢ ኣብአን ደዪቦም ንየሱስ ኪረኽብዎ ናብ ቅፍርናሆም ከዱ። ምስ ረኸብዎ ኸኣ፡ “መምህር፡ መዓስ ናብዚ መጺእካ፧” ኢሎም ሓተትዎ። (ዮሃንስ 6:25) የሱስ ድማ ቀጺልና ኸም እንርእዮ ዚግብኦም መግናሕቲ ሃቦም።

  • የሱስ ንኣሽሓት ምስ መገቦም፡ እቶም ህዝቢ እንታይ ኪገብርዎ ደለዩ፧

  • የሱስ ብማየ ማይ ምኻዱን ንንፋስ ምህዳኡን ንደቀ መዛሙርቱ ኼገርሞም ዘይነበሮ ስለምንታይ እዩ፧

  • የሱስ ኣብቲ ኣብ ጥቓ ቅፍርናሆም ዚርከብ ገምገም ምስ በጽሐ እንታይ ኰነ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ