ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • jy ምዕ. 58 ገጽ 140-ገጽ 141 ሕ.ጽ. 2
  • ንኣሽሓት መገበ፡ ብዛዕባ ማይ ብሑቝ ድማ ኣጠንቀቐ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንኣሽሓት መገበ፡ ብዛዕባ ማይ ብሑቝ ድማ ኣጠንቀቐ
  • የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እንጌራን ማይ ብሑቝን
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • ብሒደት እንጌራን ዓሳን ገይሩ ኣሽሓት መገበ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • የሱስ ንኣሽሓት ሰባት ብተኣምራታዊ መገዲ ይምግብ
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
jy ምዕ. 58 ገጽ 140-ገጽ 141 ሕ.ጽ. 2
የሱስን ገለ ኻብ ደቀ መዛሙርትን ኣብ ጃልባ ኸለዉ

ምዕራፍ 58

ንኣሽሓት መገበ፡ ብዛዕባ ማይ ብሑቝ ድማ ኣጠንቀቐ

ማቴዎስ 15:32–16:12 ማርቆስ 8:1-21

  • የሱስ ን4,000 ሰብኡት መገበ

  • ብዛዕባ ማይ ብሑቝ ፈሪሳውያን ኣጠንቀቐ

ኣብቲ ብምብራቓዊ ሸነኽ ባሕሪ ገሊላ ዚርከብ ዞባ ደካጶሊስ ብዙሓት ህዝቢ ናብ የሱስ ወሓዙ። ኪሰምዕዎን ካብ ሕማሞም ኪሓውዩን ኢሎም ኪመጹ ኸለዉ ኸኣ፡ ስንቆም ዚሕዙሉ ዓብዪ መሶብ ተማልኡ።

ይኹን እምበር፡ የሱስ ጸኒሑ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “እዞም ህዝቢ እዚኦም ምሳይ ሰለስተ መዓልቲ ስለ ዝገበሩ፡ ዚብላዕ እውን ስለ ዘይብሎም፡ የደንግጹኒ ኣለዉ። ጾሞም ናብ ቤቶም እንተ ኣሰናቢተዮም፡ ኣብ መገዲ ኺሕለሉ እዮም፣ ገሊኣቶም ከኣ ካብ ርሑቕ እዮም” በሎም። ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ “ኣብዚ ጽምዊ ቦታ ደኣ ነዞም ህዝቢ እዚኦም ዜጽግብ እንጌራ ኻበይ ይርከብ፧” ኢሎም ሓተትዎ።—ማርቆስ 8:2-4።

ሓደ ሰብኣይ መሶብ ይሕዝ፡ የሱስ ድማ ነቲ እንጌራ ይቖርሶ

የሱስ ድማ፡ “ክንደይ እንጌራ ኣሎኩም፧” በሎም። ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ “ሸውዓተ፡ ሒደት ንኣሽቱ ዓሳ እውን” በልዎ። (ማቴዎስ 15:34) ድሕሪኡ፡ የሱስ ነቶም ህዝቢ ኣብ ምድሪ ኪቕመጡ ኣዘዘ። ነተን እንጌራን ነቶም ዓሳን ኣልዒሉ፡ ናብ ኣምላኽ ጸልዩ፡ ኪዕድልዎም ንደቀ መዛሙርቱ ሃቦም። እቲ ዜገርም፡ ኵላቶም በሊዖም ጸገቡ። ብዘይ ኣንስትን ቈልዑን ኣስታት 4,000 ሰብኡት እኳ እንተ በልዑ፡ ዝተረፈ ቝርስራስ፡ ሸውዓተ ዓብዪ መሶብ መሊኦም ኣልዓሉ!

የሱስ ነቶም ህዝቢ ምስ ኣሰናበቶም፡ ንሱን ደቀ መዛሙርቱን ናብቲ ብምዕራባዊ ገምገም ባሕሪ ገሊላ ዚርከብ መገዳን ብጃልባ ተሳገሩ። ኣብኡ ፈሪሳውያን ምስ ገለ ኻብ ወገን ሰዱቃውያን ኰይኖም ንየሱስ ኪፍትንዎ መጹ እሞ ካብ ሰማይ ትእምርቲ ኼርእዮም ሓተትዎ።

የሱስ ድማ ሓሳቦም ፈሊጡ፡ “ምስ መሰየ፡ ‘ሰማይ ቀዪሑ ኣሎ እሞ፡ ጻሕያ ኪኸውን እዩ’ ትብሉ፣ ምስ ወግሐ፡ ‘እቲ እተደባነወ ሰማይ ቀዪሑ ኣሎ እሞ፡ ሎሚ ዝናም ኪዘንም እዩ’ ትብሉ። ትርኢት ሰማይ ብኸመይ ከም እተለልዩ ትፈልጡ፣ ምልክት ግዜያት ግና ከተለልዩ ኣይትኽእሉን” ኢሉ መለሰሎም። (ማቴዎስ 16:2, 3) ድሕሪኡ፡ ንፈሪሳውያንን ንሰዱቃውያንን ብዘይካ ትእምርቲ ዮናስ ካልእ ትእምርቲ ኸም ዘይውሃቦም ነገሮም።

የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ኣብ ጃልባ ደዪቦም ናብታ ብሰሜናዊ ምብራቕ ባሕሪ ገሊላ እትርከብ ቤት-ሳይዳ ኸዱ። ኣብ መገዲ ኸለዉ ኸኣ ደቀ መዛሙርቱ እኹል እንጌራ ኸም ዘይተማልኡ፡ ብዘይካ ሓንቲ ኸኣ ከም ዘይብሎም ፈለጡ። የሱስ ነቲ ኣቐድም ኣቢሉ ምስ ፈሪሳውያንን ምስቶም ደገፍቲ ሄሮድስ ዝዀኑ ሰዱቃውያንን እተዘራረቦ ዘኪሩ፡ “ካብ ማይ ብሑቝ ፈሪሳውያንን ካብ ማይ ብሑቝ ሄሮድስን ተጠንቀቑን ተሓለዉን” ኢሉ ኣጠንቀቖም። ደቀ መዛሙርቱ ግና ንማይ ብሑቝ ዝጠቐሰሉ ምኽንያት እንጌራ ብዘይምምላኦም መሰሎም። የሱስ ድማ ከም ዘይተረድኦም ስለ ዘስተብሃለ፡ “እንጌራ ስለ ዘይብልኩም፡ ስለምንታይ ትዛራረቡ ኣለኹም፧” በሎም።—ማርቆስ 8:15-17።

የሱስ ኣቐዲሙ ንኣሽሓት ሰባት እንጌራ ሂብዎም እዩ። ስለዚ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ እቲ ዚብላዕ እንጌራ ኸም ዘየተሓሳሰቦ ኺፈልጡ ይግብኦም ነይሩ። “ኣይትዝክሩንዶኸ ኢኹም፧ እቲ ሓሙሽተ እንጌራ ን5,000 ምስ ቈረስክዎ፡ ቍርስራስ ዝመልአ ኽንደይ መሶብ ኣልዒልኩም፧” ኢሉ ሓተቶም። ንሳቶም ከኣ፡ “ዓሰርተው ክልተ” በልዎ። ቀጺሉ፡ “እቲ ሸውዓተ እንጌራ ን4,000 ምስ ቈረስክዎኸ፡ ቍርስራስ ዝመልአ ኽንደይ ዓብዪ መሶብ ኣልዒልኩም፧” በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ “ሸውዓተ” ኢሎም መለሱሉ።—ማርቆስ 8:18-20።

ድሕርዚ፡ የሱስ፡ “ብዛዕባ እንጌራ ኸም ዘይተዛረብኩኹም ከመይ ዘይተስተውዕሉ፧ ግናኸ ኻብ ማይ ብሑቝ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ተሓለዉ” በሎም።—ማቴዎስ 16:11።

ኣብ መወዳእታ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ እቲ ሓሳቡ ተረድኦም። ማይ ብሑቝ ንእንጌራ ኸም ዚበኵዕን ሓፍ ከም ዚብልን ይገብር እዩ። የሱስ ኣብዚ ንማይ ብሑቝ ከም ተምሳል ብልሽውና ገይሩ እዩ ተጠቒሙሉ። ንደቀ መዛሙርቱ፡ ካብቲ ኼበላሹ ዚኽእል “ትምህርቲ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን” ኪሕለዉ እዩ ኣጠንቂቕዎም።—ማቴዎስ 16:12።

  • ህዝቢ ናብ የሱስ ዝወሓዙ ስለምንታይ እዮም፧

  • የሱስ ብዛዕባ ማይ ብሑቝ ምስ ተዛረበ፡ ደቀ መዛሙርቲ ብጌጋ እንታይ ኢሎም እዮም ሓሲቦም፧

  • የሱስ “ማይ ብሑቝ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን” ኪብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ