ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • jy ምዕ. 92 ገጽ 216-ገጽ 217 ሕ.ጽ. 7
  • ዓሰርተ ድዉያት እኳ እንተ ሓወዩ፡ ሓደ ጥራይ ኣመስገነ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዓሰርተ ድዉያት እኳ እንተ ሓወዩ፡ ሓደ ጥራይ ኣመስገነ
  • የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሱስ ንመወዳእታ ግዜ ናብ የሩሳሌም ገጹ ክጓዓዝ ከሎ ዓሰርተ ደዌ ዝሓዞም ሓወዩ
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • ተመስግን ዲኻ፧
    ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር
  • የሱስ ብዙሕ ተኣምራት ገበረ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ኣብዚ “መዓልቲ ብስራት” ኣቓልቦኻ ኻብ ዚሰርቕ ነገራት ርሓቕ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
ዝያዳ ርአ
የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
jy ምዕ. 92 ገጽ 216-ገጽ 217 ሕ.ጽ. 7
ካብቶም የሱስ ዘሕወዮም ዓሰርተ ድዉያት፡ እቲ ሓደ ንየሱስ ኬመስግኖ ይምለስ

ምዕራፍ 92

ዓሰርተ ድዉያት እኳ እንተ ሓወዩ፡ ሓደ ጥራይ ኣመስገነ

ሉቃስ 17:11-19

  • የሱስ ዓሰርተ ድዉያት ኣሕወየ

የሱስ ካብቲ እቲ ዋዕላ ንምቕታሉ ዝገበሮ ውዲት ንምምላጥ፡ ናብታ ብሰሜናዊ ምብራቕ የሩሳሌም እትርከብ ኤፍሬም እትብሃል ከተማ ኸደ። ካብ ጸላእቱ ርሒቑ ድማ፡ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ኣብኡ ጸንሐ። (ዮሃንስ 11:54) ይኹን እምበር፡ ፋስጋ 33 ድ.ክ. ቀሪቡ ብምንባሩ፡ የሱስ ከም ብሓድሽ ኪጐዓዝ ነበሮ። ብሰማርያ ኣቢሉ ናብ ሰሜን ገጹ ተጓዒዙ ኸኣ ናብ ገሊላ ኸደ፣ ቅድሚ ሞቱ ድማ ናብቲ ቦታ እቲ ንመወዳእታ ግዜ እዩ ኸይዱ።

የሱስ ኣብቲ ጕዕዞኡ ኻብ ሓንቲ ቝሸት ናብ ካልእ ኪጐዓዝ ከሎ፡ ዓሰርተ ድዉያት ተጓነፍዎ። ገሊኡ ዓይነት ደዌ፡ ኣጻብዕ፡ ኣእዛን፡ ወይ ካልእ ክፋል ኣካላት በብቝሩብ ይቘማምጥ እዩ። (ዘሁልቍ 12:10-12) ብመሰረት ሕጊ ኣምላኽ፡ ሓደ ድዉይ፡ “ርኹስ፡ ርኹስ!” ኢሉ ኺጭድርን ካብ ሰብ ተፈልዩ ኪነብርን ነይርዎ።—ዘሌዋውያን 13:45, 46።

ስለዚ፡ እቶም ዓሰርተ ድዉያት ኣብ ርሑቕ ደው ኢሎም፡ “ኦ የሱስ፡ መምህር፡ ምሓረና!” እናበሉ ጨርሑ። የሱስ ነቶም ድዉያት ምስ ረኣዮም፡ “ኪዱ፡ ርእስኹም ንኻህናት ኣርእዩ” በሎም። (ሉቃስ 17:13, 14) በዚ ኸምዚ፡ ንሕጊ ኣምላኽ ዘለዎ ኣኽብሮት እዩ ኣርእዩ። ከመይሲ፡ ብመሰረት እቲ ሕጊ፡ ድዉያት ከም ዝሓወዩ ኼረጋግጹ ስልጣን ዝነበሮም፡ ካህናት እዮም ነይሮም። ድሕሪኡ፡ ድዉያት ምስ ጥዑያት ተጸምቢሮም ኪነብሩ ይኽእሉ ነበሩ።—ዘሌዋውያን 13:9-17።

ዓሰርተ ድዉያት፡ ንየሱስ ተጓነፍዎ

እቶም ዓሰርተ ድዉያት ኣብ ተኣምራታዊ ሓይሊ የሱስ እምንቶ ነበሮም። ስለዚ፡ ገና ኸይሓወዩ፡ ናብ ካህናት ኪኸዱ ጀመሩ። ኪኸዱ ኸለዉ ኸኣ፡ ዓስቢ እታ ኣብ የሱስ ዝነበረቶም እምነት ረኸቡ። ከም ዝጠዓዩ ኺርእዩን ኺስምዖምን ጀመረ!

ትሽዓተ ኻብቶም ዝሓወዩ ድዉያት መገዶም ቀጸሉ። ሓደ ግና ከምኡ ኣይገበረን። ንሱ ኸኣ ሳምራዊ እዩ ነይሩ፣ ንየሱስ ኪደልዮ ድማ ተመልሰ። ስለምንታይ፧ ብዛዕባ እቲ እተገብረሉ ነገር ኬመስግን ስለ ዝደለየ እዩ። ከም ዚሓዊ ዝገበሮ ኣምላኽ ምዃኑ ስለ ዘስተውዓለ እውን፡ “ድምጹ ዓው ኣቢሉ ንኣምላኽ እናኣሞገሰ ተመልሰ።” (ሉቃስ 17:15) ንየሱስ ምስ ረኸቦ ድማ፡ እናኣመስገኖ ኣብ እግሪ የሱስ ተደፍአ።

የሱስ ድማ ነቶም ኣብ ጥቓኡ ዝነበሩ፡ “ዝነጽሁስ ዓሰርተ ደይኰኑን፧ እቶም ትሽዓተ ደኣ ኣበይ ኣለዉ፧ ብዘይካ እዚ ኻልእ ዝዓሌቱስ ንኣምላኽ ክብሪ ኺህብ እተመልሰዶ የልቦን፧” በሎም። ድሕሪኡ ኸኣ ነቲ ሳምራዊ፡ “ተንስእ እሞ ኺድ፣ እምነትካ ኣሕውያትካ” በሎ።—ሉቃስ 17:17-19።

የሱስ ነቶም ዓሰርተ ድዉያት ብምሕዋይ፡ ደገፍ የሆዋ ኣምላኽ ከም ዘለዎ ኣርእዩ እዩ። ሓደ ኻብቶም ዓሰርተ ኸኣ በቲ የሱስ ዝገበሮ ሓውዩ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ መገዲ ህይወት እውን ኣትዩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሎሚ፡ ኣምላኽ ብየሱስ ኣቢሉ ብተኣምር ኣብ ዜሕውየሉ ግዜ ኣይኰንናን እንነብር ዘለና። ግናኸ፡ ብየሱስ ምስ እንኣምን፡ ኣብ መገዲ ህይወት፡ እወ፡ ኣብ መገዲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክንኣቱ ንኽእል ኢና። እሞኸ ኸምቲ ሳምራዊ ኣመስገንቲ ዲና፧

  • የሱስ ካብቲ ኪቐትልዎ ዝኣለምዎ ውዲት ንምምላጥ ናበይ ከደ፧

  • እቶም ዓሰርተ ድዉያት ኣብ ርሑቕ ደው ዝበሉ ስለምንታይ እዮም፧ የሱስ ናብ ካህናት ኪኸዱ ዝኣዘዞምከ ስለምንታይ እዩ፧

  • ካብቲ ሳምራዊ እንታይ ኢና እንምሃር፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ