ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • jy ምዕ. 102 ገጽ 238-ገጽ 239 ሕ.ጽ. 9
  • ንጉስ ኣብ ጻዕብ ተወጢሑ ናብ የሩሳሌም ኣተወ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንጉስ ኣብ ጻዕብ ተወጢሑ ናብ የሩሳሌም ኣተወ
  • የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ክርስቶስ ብዓወት ናብ የሩሳሌም ኣተወ
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • “እታ ጊዜ በጺሓ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • የሱስ ከም ንጉስ ኰይኑ ይመጽእ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • የሱስ ከም መሲሕን ንጉስን ተወደሰ!
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
ዝያዳ ርአ
የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
jy ምዕ. 102 ገጽ 238-ገጽ 239 ሕ.ጽ. 9
የሱስ ኣብ ኣድጊ ተወጢሑ ናብ የሩሳሌም ይኣቱ፣ እቶም ህዝቢ ድማ እናወደሱ ኸም ንጉስ ይቕበልዎ

ምዕራፍ 102

ንጉስ ኣብ ጻዕብ ተወጢሑ ናብ የሩሳሌም ኣተወ

ማቴዎስ 21:1-11, 14-17 ማርቆስ 11:1-11 ሉቃስ 19:29-44 ዮሃንስ 12:12-19

  • የሱስ ብዓጀባ ናብ የሩሳሌም ኣተወ

  • ጥፍኣት የሩሳሌም ተነበየ

ንጽብሒቱ ንግሆ 9 ኒሳን፡ የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ኻብ ቢታንያ ወጺኡ ናብ የሩሳሌም ከደ። ኣብ ደብረ ዘይቲ ናብ እትርከብ ቤት-ፋጌ ምስ ቀረቡ፡ ንኽልተ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ኸምዚ በሎም፦

“ኣብ ማዕዶኹም ናብ ዘላ ቝሸት ኪዱ፣ ብኡብኡ ኸኣ እስርቲ ኣድጊ፡ ጻዕብ ድማ ምስኣ ኽትረኽቡ ኢኹም። ፈቲሕኩም ከኣ ኣምጽኡለይ። ዝዀነ ሰብ ገለ እንተ ኢሉኩም፡ ‘ጐይታ ደልይዎም ኣሎ’ በልዎ። ብኡብኡ ኸኣ ኪሰድዶም እዩ።”—ማቴዎስ 21:2, 3።

እቶም ደቀ መዛሙርቱ፡ እዚ ዝበሎም ነገራት ምስ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ዚተሓሕዝ ምዃኑ ኣየስተውዓልዎን። ጸኒሖም ግና ፍጻመ ትንቢት ዘካርያስ ምዃኑ ተገንዚቦም እዮም። ዘካርያስ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ዘተስፈወሉ ንጉስ ናብ የሩሳሌም ዚመጸሉ መገዲ፡ “ትሑት እዩ፡ ኣብ ኣድጊ፡ ኣብ ጻዕብ፡ ኣብ ውላድ ኣድጊ ድማ ተወጢሑ ኣሎ” ኢሉ ተነብዩ ነይሩ እዩ።—ዘካርያስ 9:9።

እቶም ደቀ መዛሙርቲ ናብ ቤት-ፋጌ ምስ ኣተዉ እሞ ጻዕብን ኣዲኡን ኪወስዱ ምስ ጀመሩ፡ ኣብኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ፡ “እንታይ ክትገብሩ ኢኹም ነቲ ጻዕብ እትፈትሕዎ ዘለኹም፧” በልዎም። (ማርቆስ 11:5) ንጐይታ ይወስዱሉ ኸም ዘለዉ ምስ ነገርዎም ግና፡ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ሓደግዎም። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ኣብታ ኣድግን ኣብቲ ውላዳን ክዳውንቶም ጠይቂ ገበሩሉ፣ የሱስ ግና ነቲ ጻዕብ እዩ ተወጢሕዎ።

የሱስ ነቲ ጻዕብ ተወጢሑ ናብ የሩሳሌም ኪኸይድ ከሎ፡ እቶም ህዝቢ እናበዝሑ ኸዱ። ብዙሓት እውን ክዳውንቶም ኣንጸፉ። ካልኦት ከኣ ካብቲ ኣብ ግራውቲ ዚርከብ ኣእዋም “ጨናፍር” ሰሊዖም ነስነሱ። “በጃኻ ኣድሕን! ብስም የሆዋ ዚመጽእ ብሩኽ እዩ! እታ እትመጽእ ዘላ መንግስቲ ኣቦና ዳዊት ብርኽቲ እያ!” እናበሉ እውን ጨደሩ። (ማርቆስ 11:8-10) ኣብ መንጎ እቲ ህዝቢ ዝነበሩ ፈሪሳውያን ከኣ በዚ ተቘጥዑ። ንየሱስ ድማ፡ “መምህር፡ ንደቀ መዛሙርትኻ ግንሓዮም” በልዎ። ንሱ ኸኣ፡ “እብለኩም ኣለኹ፡ እዚኣቶም እኳ ስቕ እንተ በሉ፡ እዚ ኣእማን እዚ ኺጭድር እዩ” ኢሉ መለሰሎም።—ሉቃስ 19:39, 40።

የሱስ ንየሩሳሌም ምስ ረኣያ፡ “ኣየ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ንሰላምኪ ዚኸውን ነገር እንተ ትፈልጢ! ሕጂ ግና ካብ ኣዒንትኺ ተሰዊሩ ኣሎ” ኢሉ በኸየላ። የሩሳሌም እናፈለጠት ብዘይምእዛዛ፡ ዓስባ ኽትቅበል ነይርዋ እዩ። የሱስ ኣስዒቡ ኸምዚ ኢሉ ተነበየ፦ “ጸላእትኺ ኣብ ዙርያኺ ዕርዲ ዓሪዶም ዚኸብቡኺ፡ በዝን በትን ከኣ ዜጽብቡልኪ መዓልትታት ኪመጻ እየን። . . . ንዓኽን ኣባኺ ንዚነብሩ ደቅኽን ኪድዕምኹኹም፡ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኸኣ ኣይኪሓድጉልክን እዮም።” (ሉቃስ 19:42-44) ከምቲ የሱስ እተነበዮ ኸኣ፡ ጥፍኣት የሩሳሌም ብ70 ድ.ክ. መጸ።

የሱስ ናብ የሩሳሌም ምስ ኣተወ ኸኣ፡ “ብምልእታ እታ ኸተማ፡ ‘እዚ መን እዩ፧’ እናበለት ዕግርግር በለት። እቶም ህዝቢ ድማ፡ ‘እዚ ነብዪ የሱስ ብዓል ናዝሬት ናይ ገሊላ እዩ’ ይብሉ ነበሩ።” (ማቴዎስ 21:10, 11) እቶም ንኣልኣዛር ኬተንስኦ ኸሎ ዝረኣዩ ኸኣ ንኻልኦት ብዛዕባ እቲ ተኣምር ይነግሩ ነበሩ። እቶም ፈሪሳውያን ድማ ዋላ ሓንቲ የስልጡ ኸም ዘየለዉ ተዛረቡ። ንሓድሕዶም እውን፡ “ብዓለሙ ደድሕሪኡ ይስዕብ ኣሎ” ተባሃሃሉ።—ዮሃንስ 12:18, 19።

የሱስ ከኣ ከምቲ ናብ የሩሳሌም ኪኸይድ ከሎ ኣዘውቲሩ ዚገብሮ፡ ኪምህር ናብ ቤተ መቕደስ ከደ። ኣብኡ ኸኣ ዕዉራትን ሓንካሳትን ኣሕወየ። ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ነቲ ዚገብሮ ተግባራትን ነቶም ኣብ ቤተ መቕደስ፡ “ንወዲ ዳዊት፡ በጃኻ ኣድሕን!” እናበሉ ዚጭድሩ ኣወዳትን ምስ ረኣዩ፡ ተቘጥዑ። ንየሱስ ድማ፡ “እዚኣቶም ዚብልዎስ ትሰምዕዶ ኣለኻ፧” በልዎ። ንሱ ኸኣ፡ “‘ካብ ኣፍ ቈልዑን ሕጻናትን ውዳሰ ኣውጺእካ’ ዚብል ከቶዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም፧” ኢሉ መለሰሎም።—ማቴዎስ 21:15, 16።

የሱስ ድማ ናብ ቤተ መቕደስ ኣትዩ፡ ግልጽ ግልጽ ኢሉ ጠመተ። መስዩ ብምንባሩ ኸኣ፡ ምስ ሃዋርያቱ ወጸ። 10 ኒሳን ቅድሚ ምጅማራ፡ ናብ ቢታንያ ተመልሰ፣ በታ ለይቲ እቲኣ እውን ኣብኣ ሓደረ።

  • የሱስ ናብ የሩሳሌም ከም ንጉስ ኰይኑ ዝኣተወ መዓስን ብኸመይን እዩ፧

  • የሱስ ንየሩሳሌም ምስ ረኣያ እንታይ ተሰምዖ፧ እንታይ ኢሉ እዩኸ እተነበየ፧

  • የሱስ ናብታ ቤተ መቕደስ ምስ ከደ እንታይ ኰነ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ