ምዕራፍ 1
ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ
ኣብ መላእ ዓለም እተፈላለየ ባህርያትን ዕላማታትን ኣረኣእያታትን ፍልስፍናታትን ዘለወን ሓያሎ ሃይማኖታውያንን ፖለቲካውያንን ንግዳውያንን ማሕበራውያንን ውድባት ኣለዋ። ግናኸ፡ ካብዚ ዅሉ ኣመና እተፈልየት ሓንቲ ውድብ ኣላ። ነታ ውድብ እቲኣ ዜቝሙ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምዃኖም፡ ቃል ኣምላኽ ይሕብር እዩ።
2 እቲ ዜሐጕስ፡ ንስኻ እውን ምስ ውድብ የሆዋ ሓቢርካ ኣለኻ። ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ መርሚርካ ስለ ዝፈለጥካዮ፡ ሕጂ ትገብሮ ኣለኻ። (መዝ. 143:10፣ ሮሜ 12:2) ፍቕሪ ምስ ዝዓሰሎ ዓለምለኻዊ ሕውነት ብሓደ እተገልግል ዘለኻ ንጡፍ ኣገልጋሊ ኢኻ። (2 ቈረ. 6:4፣ 1 ጴጥ. 2:17፣ 5:9) እዚ ኸኣ ከምቲ ቓል ኣምላኽ ዘተስፈዎ፡ ብዙሕ በረኸትን ሓጐስን የምጽኣልካ እዩ። (ምሳ. 10:22፣ ማር. 10:30) ሕጂ ብተኣማንነት ፍቓድ የሆዋ ብምግባር፡ ነቲ ነባርን ዜደንቕን መጻኢ ኢኻ እትዳሎ ዘለኻ።—1 ጢሞ. 6:18, 19፣ 1 ዮሃ. 2:17።
3 እቲ ዓብዪ ፈጣሪና ብቲኦክራስያዊ መገዲ ዚመሓደር ፍሉይ ዓለምለኻዊ ውድብ ኣለዎ። ከምዚ ኺብሃል ከሎ፡ የሆዋ ኣብቲ ውድብ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ርእሲ ብምዃን ይገዝእ ማለት እዩ። ንሕና ድማ ኣብኡ ምሉእ እምንቶ ኣሎና። ንሱ ፈራዲናን ሓጋግ ሕግናን ንጉስናን እዩ። (ኢሳ. 33:22) ናይ ስርዓት ኣምላኽ ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ ኣብ ምፍጻም ዕላማኡ ‘ምስኡ ኽንዓዪ’ ምድላዋት ገይሩ ኣሎ።—2 ቈረ. 6:1, 2።
4 መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ብዝያዳ እናቐረበ ኪኸይድ ከሎ፡ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት እቲ እተሸመ ንጉስ ዝዀነ ክርስቶስ የሱስ፡ ንቕድሚት ንስጕም ኢና። (ኢሳ. 55:4፣ ራእ. 6:2፣ 11:15) ሰዓብቱ ኻብቲ ንሱ ኣብ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ዝፈጸሞ ዕዮ ዚዓቢ ኸም ዚገብሩ ኣቐዲሙ ዝነገረ እውን የሱስ እዩ። (ዮሃ. 14:12) እዚ ዚኸውን ድማ፡ ሰዓብቲ የሱስ ኣብ ዝነውሐ ግዜን ብዝያዳ ብዝሕን፡ ዝሰፍሐ ኽሊ ስለ ዚሽፍኑ እዩ። ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ፡ ክሳብ ወሰናት ምድሪ ይሰብኩ እዮም።—ማቴ. 24:14፣ 28:19, 20፣ ግብ. 1:8።
5 እዚ ነገር እዚ፡ ብሓቂ ተፈጺሙ እዩ። ይኹን እምበር፡ ከምቲ የሱስ ብንጹር ዝገለጾ፡ እቲ ብስራት ናይ ምእዋጅ ዕዮ፡ ኣብቲ የሆዋ ዝመደቦ ግዜ ኼብቅዕ እዩ። ኵሉ እቲ ትንቢታዊ ቓል ኣምላኽ ከም ዚሕብሮ ድማ፡ እታ ዓባይን እተፍርህን መዓልቲ የሆዋ ቐሪባ እያ።—ዮኤ. 2:31፣ ጸፎ. 1:14-18፣ 2:2, 3፣ 1 ጴጥ. 4:7።
ኣምላኽ ዚደልዮ ዘበለ ንምግባር ጻዕርታትና ኸነሐይል ኣሎና። ከምኡ ንምግባር ከኣ ነቲ ውድብ ኣምላኽ እትሰርሓሉ መገዲ ኣጸቢቕና ኽንፈልጦ ኣሎና
6 ኣብዚ ናይ መወዳእታ ሰዓት እዚ፡ ፍቓድ የሆዋ እንታይ ምዃኑ ተገንዚብና፡ ኣምላኽ ዚደልዮ ዘበለ ንምግባር ጻዕርታትና ኸነሐይል ኣሎና። ከምኡ ንምግባር ከኣ ነቲ ውድብ ኣምላኽ እትሰርሓሉ መገዲ ኣጸቢቕና ኽንፈልጦን ምስኡ ምሉእ ብምሉእ ክንተሓባበርን ኣሎና። ኣሰራርሓ እታ ውድብ፡ እንተላይ ትእዛዛታን ሕግታታን መምርሒታታን ትምህርትታታን ኣብ መሰረታዊ ስርዓታት ቅዱሳት ጽሑፋት እተመስረተ እዩ።—መዝ. 19:7-9።
7 ህዝቢ የሆዋ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ መምርሒ ብምኽባርን ብምስዓብን፡ ብሰላምን ብሓድነትን ይነብሩ፡ ከምኡ እውን ይዓይዩ እዮም። (መዝ. 133:1፣ ኢሳ. 60:17፣ ሮሜ 14:19) ነቲ ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ኵሉ ቦታ ዚርከቡ ኣሕዋት ዘሎ ማእሰር እተደልድሎ እንታይ እያ፧ ፍቕሪ እያ። ብፍቕሪ ንድረኽን ንፍቕሪ ንለብሳን ኢና። (ዮሃ. 13:34, 35፣ ቈሎ. 3:14) ኣብዚ ስምረት ኣምላኽ ዘለዎ መገዲ፡ ምስቲ ሰማያዊ ኽፍሊ ውድብ የሆዋ ንስጕም ኢና።
ሰማያዊ ኽፍሊ ውድብ የሆዋ
8 ነብዪ ኢሳይያስን ነብዪ ህዝቅኤልን ነብዪ ዳንኤልን ብዛዕባ እቲ ሰማያዊ ኽፍሊ ውድብ የሆዋ ራእያት ርእዮም እዮም። (ኢሳ. ምዕ. 6፣ ህዝ. ምዕ. 1፣ ዳን. 7:9, 10) ብተመሳሳሊ፡ ሃዋርያ ዮሃንስ ብዛዕባ እቲ ሰማያዊ ስርዓት ራእይ ርእዩ እዩ፣ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ድማ እተወሰነ መግለጺ ሂቡና ኣሎ። ንየሆዋ በቶም “እቲ ዝነበረን ዘሎን ዚመጽእን ኵሉ ዚኽእል የሆዋ ኣምላኽ ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ እዩ” ዚብሉ መላእኽቲ ተሰንዩ ኣብ ክቡር ዝፋኑ ርእይዎ እዩ። (ራእ. 4:8) ብዘይካዚ፡ “ኣብ ማእከል እቲ ዝፋን . . . ገንሸል ደው ኢሉ” ርእዩ እዩ፣ ንሱ ድማ ገንሸል ኣምላኽ፡ ማለት የሱስ ክርስቶስ እዩ።—ራእ. 5:6, 13, 14፣ ዮሃ. 1:29።
9 እቲ የሆዋ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ እተራእየሉ ራእይ፡ ንሱ ርእሲ እቲ ውድብ ምዃኑ ይሕብር። 1 ዜና መዋእል 29:11, 12 ብዛዕባኡን ብዛዕባ እቲ ኻብ ኵሉ ዝለዓለ ቦታኡን ክትገልጽ ከላ ኸምዚ ትብል፦ “ኦ የሆዋ፡ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ ዅሉ ናትካ እዩ እሞ፡ ዕቤትን ሓይልን ጽባቐን ግርማን ክብርን ናትካ እዩ። ኦ የሆዋ፡ እታ መንግስቲ ናትካ እያ። ኣብ ልዕሊ ዅሉ ኸም ርእሲ ልዕል ዝበልካ ንስኻ ኢኻ። ሃብትን ክብርን ካባኻ እዩ፣ ንስኻ ድማ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ትገዝእ ኢኻ፣ ኣብ ኢድካ ሓይልን ብርታዐን ኣሎ፣ ኢድካ ኸኣ ንዅሉ ኸተዕብን ከተበርትዕን ትኽእል እያ።”
10 የሱስ ክርስቶስ መዓይይቲ የሆዋ ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ሰማይ ልዕል ዝበለ ቦታ ኣለዎ፣ ብዙሕ ስልጣን እውን ተዋሂብዎ ኣሎ። እወ፡ ኣምላኽ “ንዅሉ . . . ኣብ ትሕቲ እግሩ ኣግዚእዎ እዩ፣ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እቲ ንጉባኤ ዚምልከት ድማ ርእሲ ገይርዎ እዩ።” (ኤፌ. 1:22) ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ የሱስ ከምዚ ኢሉ ኣሎ፦ “ኣምላኽ ናብ ዝለዓለ ቦታ ልዕል ኣቢልዎ፡ ካብ ኵሉ ስም ልዕል ዝበለ ስም እውን ብለውሃት ሂብዎ። ከምኡ ዝገበረ፡ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ዘሎ ዅሉ ብርኪ ብስም የሱስ ምእንቲ ኺምብርከኽ፡ ኵሉ ልሳን እውን ንኽብሪ ኣቦና ኣምላኽ ኢሉ የሱስ ክርስቶስ ጐይታ ምዃኑ ምእንቲ ኺእመን እዩ።” (ፊል. 2:9-11) እምበኣር፡ ኣብቲ ቕኑዕ መሪሕነት የሱስ ክርስቶስ ምሉእ እምንቶ ኺህልወና ይኽእል እዩ።
11 ነብዪ ዳንኤል ኣብ ዝረኣዮ ራእይ፡ እቲ ጥንታዊ ዝመዓልቱ ኣብ ሰማያዊ ዝፋኑ ተቐሚጡ ነበረ፣ መላእኽቲ ድማ “ሽሕ ግዜ ሽሕ የገልግልዎ ነበሩ፣ እልፊ ግዜ እልፊ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ቘይሞም ነበሩ።” (ዳን. 7:10) መጽሓፍ ቅዱስ ነዞም ሰራዊት መላእኽቲ እዚኦም፡ “ነቶም ድሕነት ዚወርሱ ኼገልግሉ ዚለኣኹ መናፍስቲ ቕዱስ ኣገልግሎት” ኢሉ ይገልጾም። (እብ. 1:14) ኵሎም እዞም መንፈሳውያን ፍጡራት ከኣ፡ ‘ዝፋናትን ጕይትነትን መንግስትታትን ስልጣናትን’ ዘለዎም ብምዃኖም፡ ብስርዓት ተወዲቦም ኣለዉ።—ቈሎ. 1:16።
12 ነዚ ሰማያዊ ኽፋል ውድብ የሆዋ ግዜ ወሲድና ምስ እነስተንትነሉ፡ እቲ ኢሳይያስ ን“የሆዋ ኣብ በሪኽን ልዕል ዝበለን ዝፋን ተቐሚጡ፡” “ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ሱራፌል ቈይሞም” ምስ ረኣየ፡ ዝሃቦ ምላሽ ኪርድኣና ይኽእል እዩ። ኢሳይያስ፡ “ወይለይ! ኣብ መንጎ ርኹስ ዝኸናፍሩ ህዝቢ ዝነብር ርኹስ ዝኸናፍሩ ሰብ እየ፣ ኣዒንተይ ከኣ ንንጉስ፡ ንየሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ርእየናኦ እየን እሞ ጠፋእኩ!” ኢሉ እዩ። እወ፡ ንስፍሓት ውድብ የሆዋ ምስ ተገንዘበ፡ ኣኽብሮታዊ ፍርሃትን ትሕትናን ኣሕዲሩሉ እዩ። በዚ ኣዝዩ ስለ እተተንከየ ድማ፡ ብዛዕባ ሓደ ንፍርድታት የሆዋ ምእዋጅ ዚምልከት ፍሉይ ዕዮ ዚገልጽ ጻውዒት ምስ ቀረበ፡ “እነኹ፡ ልኣኸኒ!” ኢሉ መሊሱ እዩ።—ኢሳ. 6:1-5, 8።
13 ህዝቢ የሆዋ እውን ንውድብ የሆዋ ምፍላጦምን ምርዳኦምን፡ ከምኡ ዝኣመሰለ ድራኸ የሕድረሎም እዩ። እታ ውድብ ንቕድሚት ክትስጕም ከላ፡ ንሕና ማዕሪኣ ንምስጓም ንጋደል ኢና። ሎሚ ኣብ ውድብ የሆዋ ዘሎና ምትእምማን ከነርኢ ንጽዕር ኢና።
ውድብ የሆዋ ንቕድሚት ትጕዓዝ ኣላ
14 ኣብ ትንቢት ህዝቅኤል ምዕራፍ 1፡ የሆዋ ኣብ ሓደ ኣዝዩ ገዚፍ ሰማያዊ ሰረገላ ኸም እተወጥሐ ጌርካ ተገሊጹ ኣሎ። እዚ ድንቂ መጓዓዝያ እዚ ነቲ ብዓይኒ ዘይርአ ኽፍሊ ውድብ የሆዋ የመልክት። የሆዋ ነዚ ሰረገላ እዚ ምውጣሑ፡ ንውድቡ ምስ ዕላማኡ ተሰማሚዑ ብሕያውነቱ ኸም ዚመርሓን ዚጥቀመላን ዜመልክት እዩ።—መዝ. 103:20።
15 ነፍሲ ወከፍ መንኰርኰር እቲ ሰረገላ፡ ካልእ መንኰርኰር ኣብ ውሽጡ ኣለዎ፣ ንሱ ድማ ማዕረ ዝሰንጣቒቱ ዀይኑ ብመስቀላዊ መገዲ ምስኡ ዝገጠመ እዩ። ስለዚ ኸኣ እዩ እቲ መንኰራዅር “ብዝዀነ እቲ ኣርባዕተ ኣንፈት ኪኸይድ ይኽእል” እተባህለ። (ህዝ. 1:17) እቲ መንኰራዅር ብኡብኡ መገዱ ኺልውጥ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ነዚ ሰረገላ እዚ ኣስተውዓሊ ተቘጻጻሪ ኣለዎ። የሆዋ ንውድቡ በቲ እታ ውድብ ቃሕ ዝበላ ኣንፈት ክትከይድ ኣይሓድጋን እዩ። ህዝቅኤል 1:20፡ “ናብቲ እቲ መንፈስ ኪኸድዎ ዘበሎም . . . ይኸዱ ነበሩ” ትብል። ስለዚ፡ ንውድቡ ናብቲ እቲ መንፈስ ዚድርኾ ኸም እትኸይድ ዚገብራ የሆዋ እዩ። እቲ ንሕና ኽንሓትቶ ዘሎና ሕቶ እምበኣር፡ ‘ምስታ ውድብ እስጕም ኣለኹ ድየ፧’ ዚብል ኪኸውን ኣለዎ።
16 ምስ ውድብ የሆዋ ምስጓም፡ ኣብ ኣኼባታት ካብ ምእካብን ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኻብ ምስታፍን ንላዕሊ የጠቓልል። እምበኣር፡ ማዕሪኣ ኽንስጕም እንተ ዄንና፡ ብቐዳምነት ክንመሓየሽን መንፈሳዊ ዕቤት ክንገብርን ኣሎና። ነቲ ‘ዚሓይሽ ክንምርምርን’ ነቲ በብእዋኑ ዚወጽእ መንፈሳዊ ምግቢ ኽንምገብን ኣሎና። (ፊል. 1:10፣ 4:8, 9፣ ዮሃ. 17:3) ውድብ ኣብ ዘለዎ፡ ጽቡቕ ምውህሃድን ምትሕብባርን ከም ዜድሊ እውን ክንርስዕ የብልናን። ስለዚ፡ ነቲ የሆዋ ዕዮኡ ኽንፍጽም ብሕድሪ ዝሃበና መንፈሳውን ስጋውን ንብረት ብግቡእ ክንጥቀመሉ ኣሎና። ምስቲ ሰማያዊ ሰረገላ የሆዋ ኽንስጕም ከለና፡ ህይወትና ምስቲ እንሰብኮ መልእኽቲ ዚሰማማዕ ይኸውን።
17 ብሓገዝ ውድብ የሆዋ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ብምግባር ንቕድሚት ንስጕም ኣለና። እቲ ነዚ ሰማያዊ ሰረገላ ተወጢሕዎ ዘሎ የሆዋ ምዃኑ ኣይንረስዕ። ስለዚ፡ ምስቲ ሰረገላኡ ምስጓምና፡ ንየሆዋ ኣኽብሮት ከም ዘሎናን ኣብቲ ኸውሕና እምንቶ ኸም ዘሎናን የርኢ። (መዝ. 18:31) መጽሓፍ ቅዱስ፡ “የሆዋ ንህዝቡ ብርታዐ ኺህቦ እዩ። የሆዋ ንህዝቡ ብሰላም ኪባርኾ እዩ” ይብል እዩ። (መዝ. 29:11) ሎሚ ኽፍሊ ውድብ የሆዋ ስለ ዝዀንና፡ የሆዋ ብርታዐ ይህበና፡ ነቲ ንእተወደቡ ህዝቡ ዚባርኸሉ ሰላም ድማ ንረክብ ኢና። እወ፡ ብርግጽ ሕጅን ንዘለኣለምን ፍቓድ የሆዋ ምግባር ክንቅጽል ከለና ብዙሕ በረኸት ክንረክብ ኢና።