ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • od ምዕ. 4 ገጽ 24-29
  • ኣወዳድባን ኣመሓዳድራን ጉባኤ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣወዳድባን ኣመሓዳድራን ጉባኤ
  • ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብቲኦክራስያዊ መገዲ እተወደበት
  • ሎሚ ዘለዋ ጉባኤታት ኣብነት ሃዋርያት ይስዕባ
  • ሃይማኖታዊ ኮርፖረሽናት ዘለወን ግደ
  • መዋቕር ኣወዳድባ ጨንፈር
  • እታ ጉባኤ ትተሃነጽ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • እታ ጉባኤ ንየሆዋ ትወድሶ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ነተን መጓሰ ዚጓስዩ ሓለውቲ
    ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ
  • ነቲ “ኣምላኽ ሰላም” ኬገልግሉ እተወደቡ
    መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ኣላ!
ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ
od ምዕ. 4 ገጽ 24-29

ምዕራፍ 4

ኣወዳድባን ኣመሓዳድራን ጉባኤ

ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብታ ናብ ሰብ ቈረንቶስ ዝለኣኻ ናይ መጀመርታ መልእኽቱ፡ “ኣምላኽሲ ናይ ሰላም እምበር፡ ናይ ህውከት ኣምላኽ ኣይኰነን” ኢሉ ኺጽሕፍ ከሎ፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ሓደ ኣገዳሲ ሓቂ ገሊጹ እዩ። ድሕሪኡ፡ ብዛዕባ ኣኼባታት ጉባኤ፡ “ኵሉ ብኣገባብን ብስርዓትን ይኹን” ኢሉ ተወሳኺ ሓሳብ ሂቡ ኣሎ።—1 ቈረ. 14:33, 40።

2 ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ መጀመርታ እታ መልእኽቲ እቲኣ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ጉባኤ ቈረንቶስ ዝነበረ ፍልልይ ማዕዳ ሃበ። ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ኣሕዋት፡ “ሓደ ዘረባ ኽትዛረቡ፡ ብሓደ ኣእምሮን ብሓደ ሓሳብን ፍጹም ሓድነት ኪህልወኩም” ኢሉ ተላበዎም። (1 ቈረ. 1:10, 11) ድሕሪኡ፡ ብዛዕባ እቲ ንሓድነት እታ ጉባኤ ዚጸሉ እተፈላለየ ጕዳያት ምኽሪ ሃቦም። ንሰብነትና ኸም ምሳሌ ተጠቒሙ ኸኣ፡ ሓድነትን ምትሕብባርን ከም ዜድሊ ኣርኣዮም። ንዅሎም እቶም ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝነበሩ ድማ፡ እጃሞም ብዘየገድስ ንሓድሕዶም ብፍቕሪ ኺተሓላለዩ ተማሕጸኖም። (1 ቈረ. 12:12-26) ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብ መንጎ እቶም ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ክርስትያናት ዚህሉ ስኒትን ምትሕብባርን ከኣ፡ እታ ጉባኤ እተወደበት ክትከውን ከም ዘለዋ ይእምት።

3 እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ግና ብኸመይ እያ እትውደብ፧ መን እዩ ዚውድባ፧ እንታይ ዓይነት መዋቕር እዩ ዚህልዋ፧ መንከ እዮም ሓላፍነት ዚውሃቦም፧ ነዚ ሕቶታት እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንጹር መልስታት ንረኽበሉ ኢና።—1 ቈረ. 4:6።

ብቲኦክራስያዊ መገዲ እተወደበት

4 እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ብመዓልቲ ጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ. እያ ተመስሪታ። ብዛዕባ እታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ጉባኤ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧ ብቲኦክራስያዊ መገዲ እተወደበትን እተመሓደረትን እያ ነይራ፡ እዚ ማለት ከኣ ብኣምላኽ (ብግሪኽኛ፡ ቲኦስ) እትግዛእ (ክራቶስ) ማለት እዩ። እዘን ክልተ ቓላት እዚአን ኣብ 1 ጴጥሮስ 5:10, 11 ይርከባ እየን። እቲ ዳርጋ 2,000 ዓመት ይገብር ኣብ የሩሳሌም ብዛዕባ እተፈጸመ ነገር ዚገልጽ ብድራኸ መንፈስ እተጻሕፈ ዛንታ፡ ኣምላኽ ነታ ጉባኤ ቕቡኣት ክርስትያናት ከም ዝመስረታ ብዘየማትእ መገዲ ይሕብር እዩ። (ግብ. 2:1-47) እታ ጉባኤ ንኣምላኽ ህንጻኡን ቤተ ሰቡን ተባሂላ ተገሊጻ ኣላ። (1 ቈረ. 3:9፣ ኤፌ. 2:19) እታ ሎሚ ዘላ ክርስትያናዊት ጉባኤ ድማ፡ ነቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን እተመስረተ ኣወዳድባን ኣሰራርሓን ጠቢቓ ትስዕቦ ኣላ።

እታ ሎሚ ዘላ ክርስትያናዊት ጉባኤ ነቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን እተመስረተ ኣወዳድባን ኣሰራርሓን ጠቢቓ ትስዕቦ ኣላ

5 እታ ቐዳመይቲ ጉባኤ ብ120 ደቀ መዛሙርቲ እያ ጀሚራ። ከም ፍጻመ እቲ ኣብ ዮኤል 2:28, 29 ዚርከብ ትንቢት ከኣ፡ መንፈስ ቅዱስ ፈለማ ኣባታቶም ፈሰሰ። (ግብ. 2:16-18) በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ፡ ኣስታት 3,000 ኻልኦት ብማይ ተጠምቁ፡ ናብ ጉባኤ እቶም ብመንፈስ እተወልዱ ድማ ተጸምበሩ። ነቲ ብዛዕባ ክርስቶስ ዚምህር ቃል ተቐበልዎ፣ “ብትምህርቲ ሃዋርያት . . . ከኣ ጸኒዖም ነበሩ።” “የሆዋ ድማ ዚድሕኑ መዓልቲ መዓልቲ ይውስኸሎም ነበረ።”—ግብ. 2:41, 42, 47።

6 እታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ጉባኤ፡ ቅልጡፍ ዕቤት ካብ ምግባራ እተላዕለ፡ እቲ ሊቀ ኻህናት ኣይሁድ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ፡ “ንየሩሳሌም ብትምህርትኹም መሊእኩምዋ” በሎም። ካብቶም ኣብ የሩሳሌም ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ብምዃን ክፍሊ እታ ጉባኤ ዝዀኑ፡ ብዙሓት ካህናት ኣይሁድ ይርከብዎም ነበሩ።—ግብ. 5:27, 28፣ 6:7።

7 የሱስ “ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ኵላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን ክሳብ ወሰናት ምድርን መሰኻኽር ክትኰኑኒ ኢኹም” ኢሉ ነይሩ እዩ። (ግብ. 1:8) ድሕሪ ሞት እስጢፋኖስ ኣብ የሩሳሌም ብርቱዕ መስጐጕቲ ምስ ተላዕለ እሞ፡ እቶም ኣብኡ ዚነብሩ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ ናብ ብዘላ ይሁዳን ሰማርያን ፋሕ ምስ በሉ፡ ከምቲ የሱስ ዝበሎ እዩ ዀይኑ። ኣብ ዝኸድዎ ዘበለ፡ ነቲ ብስራት ምስባኽን ተወሰኽቲ ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን ቀጸሉ፣ ገሊኦም እውን ንሳምራውያን ሰበኹሎም። (ግብ. 8:1-13) ጸኒሑ ኸኣ እቲ ብስራት ነቶም ዘይተገዝሩ፡ ማለት ኣይሁድ ዘይኰኑ ኣህዛብ ተሰብከሎም፣ እዚ ድማ ጽቡቕ ፍረ ኣፍረየ። (ግብ. 10:1-48) እዚ ዅሉ ንጥፈታት ስብከት ብምስልሳሉ ኸኣ፡ ብዙሓት ደቀ መዛሙርቲ ኪዀኑን ካብ የሩሳሌም ወጻኢ ሓደስቲ ክርስትያናዊ ጉባኤታት ኪቘማን ከኣላ።—ግብ. 11:19-21፣ 14:21-23።

8 እሞ ደኣ ሓዳስ ጉባኤ መምስ ቈመት፡ ብመገዲ ኣምላኽ ወይ ብቲኦክራስያዊ መገዲ ምእንቲ ኽትውደብን ክትመሓደርን እንታይ ተገብረ፧ መንፈስ ኣምላኽ ብዚሰርሖ ስራሕ ኣቢሉ፡ ንኡሳን ጓሶት ነቲ መጓሰ ኺሓልዩ መሰናድዎ ተገብረ። ጳውሎስን በርናባስን ነተን ኣብ ቀዳማይ ሚስዮናዊ ጕዕዞኦም ዝበጽሕወን ጉባኤታት፡ ሽማግለታት ይሸሙለን ነበሩ። (ግብ. 14:23) ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ሉቃስ ብዛዕባ እቲ ጳውሎስ ምስ ሽማግለታት ኤፌሶን ዝገበሮ ኣኼባ ኣዘንትዩ ኣሎ። ጳውሎስ፡ “ንርእስኹምን ንዅሉ እቲ መንፈስ ቅዱስ ሓለውቲ ገይሩ ኣብኡ ዝሸመኩም መጓሰን ተጠንቀቑ። እዚ ሽመት እዚ እተዋህበኩም፡ ነታ ብደም ወዱ ዝዓደጋ ጉባኤ ኣምላኽ ምእንቲ ኽትጓስዩ እዩ” በሎም። (ግብ. 20:17, 28) እዚኣቶም ሽማግለታት ኪዀኑ ዝኸኣሉ፡ ነቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ ብቕዓታት ስለ ዘማልኡ እዩ። (1 ጢሞ. 3:1-7) እቲ መዓይይቲ ጳውሎስ ዝነበረ ቲቶስ ድማ፡ ኣብ ጉባኤታት ቅሬጥስ ሽማግለታት ኪሸይም ስልጣን ተዋሂብዎ ነበረ።—ቲቶ. 1:5።

9 ተወሰኽቲ ጉባኤታት ምስ ቈማ፡ እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሃዋርያትን ሽማግለታትን፡ ቀንዲ ሓለውቲ እታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ብዘላ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዀይኖም የገልግሉ ነበሩ። ከም ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይኖም ድማ ኣገልገሉ።

10 ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ኤፌሶን ንእትርከብ ጉባኤ ኺጽሕፈላ ኸሎ፡ እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ምስ መንፈስ ኣምላኽ ተሰማሚዓ እንተ ዓይያ፡ በቲ ንርእስነት የሱስ ክርስቶስ ዘለዋ ተኣማንነት ኣቢላ ሓድነታ ኽትዕቅብ ከም እትኽእል ገለጸ። ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ክርስትያናት ከኣ ትሕትና ኼማዕብሉ፡ ምስ ኵሎም እቶም ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ክርስትያናት ኣብ ዘለዎም ሰላማዊ ሕብረት ድማ ነቲ “ሓደ መንፈስ” ኪሕልውዎ ተማሕጸኖም። (ኤፌ. 4:1-6) ድሕሪኡ፡ ካብ መዝሙር 68:18 ድሕሪ ምጥቃስ፡ የሆዋ መንፈሳዊ ብቕዓት ዘለዎም ሰባት ኣብታ ጉባኤ ኸከም ኣድላይነቱ ሃዋርያትን ነብያትን ወንጌላውያንን ጓሶትን መምህራንን ኰይኖም ኬገልግሉ ኸም ዘዳለወ ገለጸ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ኻብ የሆዋ እተዋህቡ ውህበት ሰባት፡ ብምልእታ እታ ጉባኤ ንኣምላኽ ዜሐጕስ መንፈሳዊ ብስለት ከም ዚህልዋ ገይሮም ይሃንጽዋ እዮም።—ኤፌ. 4:7-16።

ሎሚ ዘለዋ ጉባኤታት ኣብነት ሃዋርያት ይስዕባ

11 ሎሚ ኣብ ኵለን ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተመሳሳሊ ኣብነት ኣወዳድባ እዩ ዚሰዓብ። እዛ ሓድነት ዘለዋ ዓለምለኻዊት ጉባኤ፡ ኣብቶም ከም ሕምብርቲ ዝዀኑ ብመንፈስ እተቐብኡ ቕቡኣት እተሃንጸት እያ። (ዘካ. 8:23) እዚ ኪኸውን እተኻእለ፡ ከምቲ የሱስ ክርስቶስ ዝበሎ፡ “ክሳዕ መደምደምታ እቲ ስርዓት ኵሉ መዓልቲ” ብተኣማንነት ምስቶም ቅቡኣት ደቀ መዛሙርቱ ስለ ዝዀነ እዩ። እቶም ናብታ እናዓበየት እትኸይድ ጉባኤ ዚጽምበሩ ሰባት፡ ብስራት ኣምላኽ ተቐቢሎምን ህይወቶም ብዘይ ገደብ ንየሆዋ ወፍዮምን እተጠምቁ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኰይኖምን እዮም። (ማቴ. 28:19, 20፣ ማር. 1:14፣ ግብ. 2:41) ብዘይካዚ፡ ነቲ “ሕያዋይ ጓሳ” ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ርእሲ ዅለን እተን መጓሰ፡ ማለት ርእሲ እቶም ቅቡኣት ክርስትያናትን ርእሲ እተን “ካልኦት ኣባጊዕ”ን ምዃኑ ኣሚኖም ይቕበልዎ እዮም። (ዮሃ. 10:14, 16፣ ኤፌ. 1:22, 23) እዘን “ሓደ መጓሰ” ንርእስነት ክርስቶስ ብተኣማንነት ብምቕባለን ነቲ ክርስቶስ ዝሸሞ ውድባዊ መትረብ ዝዀነ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ዚግዝኣ ብምዃንን፡ ሓድነተን ይሕልዋ እየን። እምበኣር፡ ንሕና እውን ወትሩ ኣብዚ መትረብ እዚ ምሉእ እምንቶን ትውክልትን ነሕድር።—ማቴ. 24:45።

ሃይማኖታዊ ኮርፖረሽናት ዘለወን ግደ

12 መንፈሳዊ ምግቢ ብግዜኡ ንምቕራብን መወዳእታ ቕድሚ ምምጻኡ ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምስባኽን፡ እተወሰነ ኮርፖረሽናት ቈይመን ኣለዋ። እተን ሕጋዊ ትካላት ብሕግታት እተፈላለያ ሃገራት ተፈላጥነት ረኺበን እየን፣ ንሓድሕደን እውን ይተሓባበራ እየን። ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ዚካየድ ስብከት እቲ ብስራት ድማ የሳልጣ እየን።

መዋቕር ኣወዳድባ ጨንፈር

13 ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኪምስረት ከሎ፡ ነቲ ኣብ ትሕቲ እታ ጨንፈር ዚርከብ ሃገር ወይ ሃገራት ዚሓልዩ ሰለስተ ወይ ዝያዳ ሽማግለታት፡ ኮሚተ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኰይኖም ይሽየሙ። ሓደ ኣባል እቲ ኮሚተ ኸኣ ኣተሓባባሪ ኮሚተ ጨንፈር ኰይኑ የገልግል።

14 ኣብ ትሕቲ ጨጨንፈር ዚርከባ ጉባኤታት ብወረዳታት ይጥርነፋ። ወረዳታት ከኣ ብመሰረት እቲ ጂኦግራፍያዊ ኣቀማምጣን ቋንቋን ብዝሒ እተን ኣብ ትሕቲ እታ ጨንፈር ዘለዋ ጉባኤታትን ስለ ዚቘማ፡ እተፈላለየ መጠን ኪህልወን ይኽእል እዩ። ኣብ ወረዳ ንዚርከባ ጉባኤታት ንምግልጋል ድማ፡ ሓላው ወረዳ ይሽየም። ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ከኣ ንሓላው ወረዳ፡ ሓላፍነታቱ ብኸመይ ከም ዚፍጽም መምርሒ ይህቦ።

15 እተን ጉባኤታት ነቲ ንጥቕሚ ዅሉ ተባሂሉ ዝወጸ ውድባዊ ኣሰራርሓታት ይቕበላኦ እየን። ኣብ ትሕቲ ጨናፍርን ወረዳታትን ጉባኤታትን ዘሎ ዕዮ ብሓላፍነት ኪመርሑ ንዝሽየሙ ሽማግለታት ድማ ይቕበላኦም እየን። መንፈሳዊ ምግቢ ብግዜኡ ንምርካብ ካብቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ እየን ዚጽበያ። እቲ ሎሚ ዘሎ እሙን ባርያ እውን ብግዲኡ፡ ንርእስነት ክርስቶስ ብተኣማንነት ለጊቡ ይስዕብ፡ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ይሕሉ፡ ነቲ መንፈስ ቅዱስ ዚህቦ መምርሒ ድማ ይሰምዕ እዩ። ኵላትና ብሓድነት ክንዓዪ ኸለና፡ ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበራ ጉባኤታት ዝረኸባኦ ዓይነት ፍረ ንረክብ ኢና። ብዛዕባአን ከምዚ ዚብል ነንብብ፦ “ሽዑ፡ እተን ጉባኤታት ብእምነት ይጸንዓ፡ መዓልቲ መዓልቲ ድማ ብቝጽሪ ይውስኻ ነበራ።”—ግብ. 16:5።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ