ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • od ምዕ. 15 ገጽ 157-161
  • ካብ ቲኦክራስያዊ ተገዛእነት ተጠቐም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ካብ ቲኦክራስያዊ ተገዛእነት ተጠቐም
  • ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ቲኦክራስያዊ ተገዛእነት ዚርኣየሉ መዳያት
  • ኣፍልጦ ክትህበሉ ዝግብኣካ ስልጣን ናይ መን ኢዩ፧
    ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት
  • ኣትን ኣንስቲ፡ ንርእስነት እትግዝኣ ስለምንታይ ኢኽን፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ኣትን ኣንስቲ: ንሰብኡትክን ኣኽብራ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ
od ምዕ. 15 ገጽ 157-161

ምዕራፍ 15

ካብ ቲኦክራስያዊ ተገዛእነት ተጠቐም

ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደብና ኽንከውን እንተ ዄንና፡ ነቲ ናይ ኵሉ ፍጥረት ልዑላዊ ዝዀነ ኣምላኽ ተገዛእቲ ኽንከውን ኣሎና። ወዱ ርእሲ እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ምዃኑ ኽንቅበሎ ኣሎና፣ ኣብ ካልእ መዳያት ህይወትና እውን ስርዓት ርእስነት ክንስዕብ ኣሎና። ከምዚ ዝኣመሰለ ቲኦክራስያዊ ተገዛእነት ንዚምልከቶ ዘበለ ዅሉ ይጠቅም እዩ።

2 ቈይሙ ንዘሎ ስልጣን ተገዛኢ ምዃን ዚብልዎ ሓሳብ፡ ደቂ ሰብ ካብ ግዜ ገነት ኤደን ኣትሒዞም እዮም ዚፈልጥዎ። እዚ ድማ ኣብቲ ኣብ ዘፍጥረት 1:28፣ 2:16, 17 ዚርከብ ትእዛዛት ተጠቓሊሉ ኣሎ። እንስሳታት ንሰባት ኪግዝኡ ነይርዎም፣ ኣዳምን ሄዋንን ከኣ ንፍቓድን ንስልጣንን ኣምላኽ ኪግዝኡ ነይርዎም። ንስልጣን ኣምላኽ እዙዝ ምዃን፡ ሰላምን ጽቡቕ ስርዓትን የስፍን እዩ። እቲ ናይ ርእስነት ስርዓት ጸኒሑ ኣብ 1 ቈረንቶስ 11:3 ጐሊሑ ኣሎ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ርእሲ ሰብኣይ ዘበለ ክርስቶስ፡ ርእሲ ሰበይቲ ኸኣ ሰብኣይ፡ ርእሲ ክርስቶስ እውን ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ክትፈልጡ እደሊ ኣለኹ” ኢሉ ጸሓፈ። እዚ ኸኣ ብዘይካ የሆዋ፡ ኣብዚ ሓፈሻዊ ስርዓት እዚ፡ ኵሉ ንርእስነት ተገዛኢ ምዃኑ ዚሕብር እዩ።

3 ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ንስርዓት ርእስነት ኣይፈልጥዎን ወይ ኣይሕልውዎን እዮም። ስለምንታይ፧ እቲ ጸገም ዝጀመረ፡ ወለዲ ደቂ ሰብ ኣብ ኤደን ደይ መደይ ኢሎም ካብ ትሕቲ ርእስነት እቲ ልዑላዊ ኣምላኽ ምስ ወጹ እዩ። (ዘፍ. 3:4, 5) ይኹን እምበር፡ ዝያዳ ናጽነት ኣይረኸቡን። የግዳስ፡ ተገዛእቲ እቲ እኩይ መንፈሳዊ ፍጥረት ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ እዮም ኰይኖም። እቲ ቐዳማይ ዕልወት ንደቂ ሰብ ካብ ኣምላኽ እዩ ፈልይዎም። (ቈሎ. 1:21) በዚ ምኽንያት እዚ፡ ሎሚ መብዛሕትኦም ደቂ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር እቲ እኩይ እዮም ዘለዉ።—1 ዮሃ. 5:19።

4 ንሕና ግና ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎ ሓቂ ስለ እንፈልጥን ንዕኡ ኣብ ግብሪ ስለ እነውዕሎን፡ ካብ ጽልዋ ሰይጣን ሓራ ዄንና ኢና። ርእስና ዝወፈናን እተጠመቕናን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ምዃንና መጠን፡ ንየሆዋ ልዑላዊ ገዛኢ ህይወትና ምዃኑ ተቐቢልናዮ ኢና። ምስቲ ንጉስ ዳዊት ዝገለጾ ሓሳብ ንሰማማዕ ኢና፣ ንሱ ንየሆዋ፡ “ኣብ ልዕሊ ዅሉ ኸም ርእሲ ልዕል ዝበልካ” ኢልዎ እዩ። (1 ዜና 29:11) እወ፡ “የሆዋስ ኣምላኽ ምዃኑ ፍለጡ። ዝገበረና ንሱ እዩ፣ ንሕና ድማ ናቱ ኢና። ንሕና ህዝቡን ኣባጊዕ መጓሰኡን ኢና” ኢልና ብትሕትና ንእመን ኢና። (መዝ. 100:3) የሆዋ ንዅሉ ስለ ዝፈጠረ፡ ዓብዪን ምሉእ ተገዛእነት ዚግብኦን ምዃኑ ንኣምን ኢና። (ራእ. 4:11) ኣገልገልቲ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከም ምዃንና መጠን፡ ነቲ ንኣምላኽ ፍጹም ተገዛኢ ብምዃን ኣብነት ዝሓደገልና የሱስ ክርስቶስ ንስዕቦ ኢና።

5 የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን በቲ ዘሕለፎ መከራ እንታይ እዩ ተማሂሩ፧ እብራውያን 5:8፡ “ወዲ እኳ ኽነሱ፡ በቲ ዘሕለፎ መከራ ተኣዛዝነት ተማሂሩ እዩ” ኢላ ትምልሰልና። እወ፡ የሱስ ኣብ ትሕቲ ጸበባ እውን እንተ ዀነ፡ ንሰማያዊ ኣቦኡ ብተኣማንነት ተገዚኡ እዩ። ብዘይካዚ፡ ካብ ርእሱ ሓንቲ እኳ ኣይገበረን። ካብ ርእሱ ኣይተዛረበን፡ ክብሪ ርእሱ እውን ኣይደለየን። (ዮሃ. 5:19, 30፣ 6:38፣ 7:16-18) ኣብ ኣገልግሎቱ፡ ተቓውሞን መስጐጕትን እኳ እንተ ኣጋጠሞ፡ ፍቓድ ኣቦኡ ብምግባሩ ደስ ይብሎ ነይሩ እዩ። (ዮሃ. 15:20) የሱስ ንኣምላኽ ዘለዎ ተገዛእነት ኣርእዩ እዩ። “ኣብ ጕንዲ ስቅያት ክሳዕ ሙማት እኳ” “ርእሱ ኣትሒቱ እዩ።” ንየሆዋ ምሉእ ብምሉእ ተገዛኢ ምዃኑ፡ ንደቂ ሰብ ዘለኣለማዊ ድሕነት ስለ ዘምጽአ፡ ንዕኡ ልዕል ስለ ዘበሎ፡ ንኣቦኡ እውን ስለ ዘኽበሮ፡ ብዙሕ ዓስቢ ኣፍርዩ እዩ።—ፊል. 2:5-11፣ እብ. 5:9።

ቲኦክራስያዊ ተገዛእነት ዚርኣየሉ መዳያት

6 ፍቓድ ኣምላኽ እናገበርና ርእስና ንኣምላኽ ምስ እነግዝእ፡ ካብቲ ነቶም ንልዑላውነት የሆዋ ተገዛእቲ ምዃን ዚኣብዩ ሰባት ዜጋጥሞም ብዙሕ ጭንቀትን ብስጭትን ነምልጥ ኢና። ድያብሎስ እቲ መጻርርትና ኺውሕጠና ብቐጻሊ እዩ ዚጽዕር ዘሎ። እንተ ተቓዊምናዮን ንየሆዋ ብፍታው ተገዛእቱ ብምዃን ርእስና ትሕት እንተ ኣቢልናን፡ ካብቲ እኩይ ክንድሕን ኢና።—ማቴ. 6:10, 13፣ 1 ጴጥ. 5:6-9።

7 ኣብ ውሽጢ ክርስትያናዊት ጉባኤ፡ ንርእስነት ክርስቶስን ነቲ ንሱ ን“እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ዝሃቦ ስልጣንን ንቕበል ኢና። እዚ ድማ ነቲ ንሓድሕድና ዘሎና ኣረኣእያን ርክብን ይጸልዎ እዩ። ኣብታ ጉባኤ ንኣምላኽ ተገዛእቲ ምዃንና፡ ኣብ ኵሉ መዳያት ኣምልኾና ንቓል ኣምላኽ እዙዛት ክንከውን ይድርኸና እዩ። እዚ ተኣዛዝነት ከኣ ንኣገልግሎትና፡ ነቲ ኣብ ኣኼባ ተኣኪብና እንገብሮ ተሳትፎ፡ ነቲ ምስ ሽማግለታት ዘሎና ርክብ፡ ከምኡ እውን ነቲ ምስ ውድባዊ ስርዓታት ዘሎና ምትሕብባር የጠቓልል እዩ።—ማቴ. 24:45-47፣ 28:19, 20፣ እብ. 10:24, 25፣ 13:7, 17።

8 ንኣምላኽ ተገዛእቲ ምዃንና፡ ንሰላምን ንደሓንን ንስርዓትን ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣበርክቶ ይገብር እዩ። ባህርያት የሆዋ ኣብቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ተገዛእቱ ይንጸባረቕ እዩ። (1 ቈረ. 14:33, 40) ኣብ ውድብ የሆዋ ዝረኣናዮ ነገር፡ ከምቲ ንንጉስ ዳዊት እተሰምዖ ዓይነት ስምዒት ክንገልጽ ደሪኹና እዩ። ዳዊት ኣብ መንጎ ኣገልገልቲ የሆዋን ኣብ መንጎ እኩያትን ዘሎ ፍልልይ ድሕሪ ምዕዛቡ፡ “የሆዋ ዝኣምላኹ ህዝቢ ሕጉስ እዩ!” ኢሉ ብታሕጓስ ተዛሪቡ እዩ።—መዝ. 144:15።

9 ኣብ ውሽጢ ስርዓት መውስቦን ስድራ ቤትን፡ “ርእሲ ሰበይቲ . . . ሰብኣይ” እዩ። ሰብኡት እውን ብግዲኦም ንክርስቶስ ኪግዝእዎ ኣለዎም፣ ርእሲ ክርስቶስ ድማ ኣምላኽ እዩ። (1 ቈረ. 11:3) ኣንስቲ ንሰብኡተን ኪግዝኣኦም፡ ውሉዳት እውን ንወለዶም ኪግዝእዎም ኣለዎም። (ኤፌ. 5:22-24፣ 6:1) ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራ ቤት ነዚ ስርዓት ርእስነት ምስ ዚስዕብ ሰላም ይሰፍን።

10 ሰብኣይ ንርእስነቱ ኣብነት ክርስቶስ እናሰዓበ ብፍቕራዊ መገዲ ኺጥቀመሉ ይግባእ። (ኤፌ. 5:25-29) ንርእስነቱ ብሕማቕ ዘይጥቀመሉ ወይ ሓላፍነቱ ዚስከም እንተ ዀይኑ፡ ሰበይቱን ውሉዳቱን ደስ ኢልዎም እዮም ዚግዝእዎ። ሰበይቲ፡ ሓጋዚት ወይ መመላእታ ናይ ምዃን ግደ ኣለዋ። (ዘፍ. 2:18) ንሰብኣያ ብትዕግስቲ እንተ ደጊፋቶን እንተ ኣኽቢራቶን፡ ሞገሱ ትረክብ፡ ንኣምላኽ ድማ ውዳሰ ተምጽኣሉ እያ። (1 ጴጥ. 3:1-4) ሰብኡትን ኣንስትን ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ርእስነት ዚህቦ ምኽሪ ምስ ዚስዕቡ፡ ንኣምላኽ ተገዛእቲ ብምዃን ንደቆም ኣብነት ይዀኑ እዮም።

ቲኦክራስያዊ ተገዛእነት ንዅሉ መዳያት ህይወትና ይጸሉ

11 ንኣምላኽ ተገዛእቲ ምዃንና፡ ነቲ ብዛዕባ እቶም “ብኣምላኽ ኣብ በቦታኦም እተሰርዑ” “ሰበ ስልጣን” ዘሎና ኣረኣእያ እውን ይጸልዎ እዩ። (ሮሜ 13:1-7) ክርስትያናት ሕጊ ዜኽብሩ ዜጋታት ስለ ዝዀኑ፡ ግብሪ ይኸፍሉ፡ ከምኡ ድማ “ናይ ቄሳር ንቄሳር፡ ናይ ኣምላኽ እውን ንኣምላኽ” ይህቡ እዮም። (ማቴ. 22:21) ብተወሳኺ፡ ክሊ ንምሽፋን ዚግበር መሰናድዎ፡ ምስቲ ዚዕየየሉ ዘሎ ሕግታት ምሕላው ሓበሬታ ኸም ዚሰማማዕ ይግበር እዩ። ቈይሞም ንዘለዉ ሰበ ስልጣን፡ ምስ ሕጊ የሆዋ ኣብ ዘይጋጮ ዘበለ ዅሉ ተገዛእትን ተኣዘዝትን ብምዃንና፡ ኣደዳ መቕጻዕቶም ኣይንኸውንን ኢና፣ በዚ ኸምዚ ድማ፡ ጻዕርታትናን ጕልበትናን ኣብ ዕዮ ስብከት ንገብር።—ማር. 13:10፣ ግብ. 5:29።

12 ቲኦክራስያዊ ተገዛእነት ንዅሉ መዳያት ህይወትና ይጸሉ እዩ። ኵሎም ደቂ ሰብ ንየሆዋ ኣምላኽ ዚግዝኡሉ እዋን ብናይ እምነት ዓይንና ንርእዮ ኢና። (1 ቈረ. 15:27, 28) ንልዑላውነት የሆዋ ብሓጐስ ዚቕበሉን ንዘለኣለም ኣለም ንዕኡ ተገዛእቱ ዀይኖም ዚነብሩንሲ ኸመይ ዝበለ በረኸትን ሞገስን ኰን እዮም ኪረኽቡ!

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ