ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lfb ትምህርቲ 18 ገጽ 48-ገጽ 49 ሕ.ጽ. 4
  • እታ እትነድድ ቈጥቋጥ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እታ እትነድድ ቈጥቋጥ
  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እቲ ዝነድድ ቈጥቋጥ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ሙሴ ዝሃደመሉ ምኽንያት
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • መገድታት የሆዋ ምፍላጡ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ሙሴ ፈቃር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
ዝያዳ ርአ
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
lfb ትምህርቲ 18 ገጽ 48-ገጽ 49 ሕ.ጽ. 4
ሙሴ ጥቓ እታ እትነድድ ቈጥቋጥ

ትምህርቲ 18

እታ እትነድድ ቈጥቋጥ

ሙሴ ን40 ዓመት ኣብ ሚድያን ነበረ። ተመርዕዩ ኸኣ ውሉዳት ወለደ። ሓደ መዓልቲ፡ ኣብ ጥቓ ኸረን ሲና ኣባጊዕ ኪጓሲ ኸሎ፡ ሓደ ዜገርም ነገር ረኣየ። ሓንቲ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ትነድድ ነበረት፣ እቲ ሓዊ ግና ኣይበልዓን ወይ ኣየሕረራን! ሙሴ ነዚ ኺርኢ ምስ ቀረበ፡ ካብታ ቘጥቋጥ፡ ‘ሙሴ፡ ናብዚ ኣይትቕረብ። ኣብ ቅድስቲ ቦታ ኢኻ ዘለኻ እሞ፡ ኣሳእንካ ኣውጽእ’ ዚብል ድምጺ ሰምዐ። የሆዋ እዩ ብመልኣኽ ገይሩ ዚዛረቦ ነይሩ።

ሙሴ ስለ ዝፈርሀ፡ ገጹ ኸወለ። እቲ ድምጺ ኸኣ፡ ‘መከራ እስራኤላውያን ርእየ እየ። ካብ ግብጻውያን ኣድሒነ ናብ ጽብቕቲ ምድሪ ኽወስዶም እየ። ንስኻ ንህዝበይ ካብ ግብጺ መሪሕካ ኸተውጽኦም ኢኻ’ በሎ። እዝስ ንሙሴ ዘይተጸበዮ ዝዀኖዶ ኣይመስለካን፧

ሙሴ ድማ፡ ‘እቶም ህዝቢ፡ መን ከም ዝለኣኸኒ ምስ ሓተቱኒ እንታይ ክብሎም እየ፧’ ኢሉ ሓተተ። ኣምላኽ ከኣ፡ ‘የሆዋ፡ ኣምላኽ ኣብርሃም፡ ኣምላኽ ይስሃቅ፡ ኣምላኽ ያእቆብ ልኢኹኒ በሎም’ ኢሉ መለሰሉ። ሽዑ ሙሴ፡ ‘እቶም ህዝቢ እንተ ዘይሰምዑኒኸ፧’ በለ። የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸም ዚሕግዞ መርትዖ ሃቦ። በትሩ ናብ ምድሪ ኺድርብያ ነገሮ። ሽዑ፡ እታ በትሪ፡ ተመን ኰነት! ሙሴ ነቲ ተመን ብጭራኡ ምስ ሓዞ ኸኣ፡ በትሪ ዀነ። የሆዋ ኸኣ፡ ‘እዚ ትእምርቲ እዚ ምስ ገበርካ፡ ኣነ ኸም ዝለኣኽኩኻ መርትዖ ኪኸውን እዩ’ በሎ።

ሙሴ ድማ፡ ‘ኣነ ንፉዕ ተዛራባይ ኣይኰንኩን’ በለ። የሆዋ ኸኣ፡ ‘እንታይ ከም እትብል ክነግረካ እየ፡ ንሓውካ ኣሮን እውን ምእንቲ ኺሕግዘካ ኽልእኮ እየ’ በሎ። ሽዑ ሙሴ፡ የሆዋ ምስኡ ምዃኑ ምስ ፈለጠ፡ ንሰበይቱን ንደቁን ሒዙ ናብ ግብጺ ኪኸይድ ነቐለ።

“እንታይ ከም እትዛረቡ በታ ሰዓት እቲኣ ኺውሃበኩም እዩ እሞ፡ ከመይ ወይስ እንታይ ከም እትዛረቡ ኣይትጨነቑ።”—ማቴዎስ 10:19

ሕቶታት፦ ሙሴ፡ ኣባጊዕ ኪጓሲ ኸሎ እንታይ እዩ ርእዩ፧ የሆዋ ንሙሴ፡ እንታይ ኪገብር እዩ ደልይዎ፧

ዘጸኣት 3:1–4:20፣ ግብሪ ሃዋርያት 7:30-36

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ