ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lfb ትምህርቲ 20 ገጽ 52-ገጽ 53 ሕ.ጽ. 3
  • እቲ ዝሰዓበ ሽዱሽተ መዓት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እቲ ዝሰዓበ ሽዱሽተ መዓት
  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እቲ ቐዳማይ ሰለስተ መዓት
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ሙሴን ኣሮንን ምስ ፈርኦን ይራኸቡ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ‘ያህ ምድሓን ኰነኒ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ሙሴ ከምኡውን ኣሮን ተባዓት ኣወጅቲ ቃል ኣምላኽ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
ዝያዳ ርአ
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
lfb ትምህርቲ 20 ገጽ 52-ገጽ 53 ሕ.ጽ. 3
ዕስለታት ኣንበጣ

ትምህርቲ 20

እቲ ዝሰዓበ ሽዱሽተ መዓት

ሙሴን ኣሮንን ናብ ፈርኦን ከይዶም፡ ‘ንህዝበይ እንተ ዘይሰዲድካዮም፡ ናብ ምድርኻ ጽንጽያ ኸልቢ ኽሰድድ እየ’ ኢሎም ካብ ኣምላኽ እተላእከ መልእኽቲ ኣብጽሑሉ። ጽንጽያ ኸልቢ ተናኸስቲ ዓይነት ጽንጽያ እዮም። ሽዑ፡ ዕስለታት ጽንጽያ ኸልቢ ንኣባይቲ ሃብታማትን ድኻታትን ግብጻውያን መልእዎ። ብምልእታ እታ ምድሪ ብጽንጽያ ኸልቢ መልአት። ኣብታ እስራኤላውያን ዚነብሩላ ምድሪ ጎሼን ግና ጽንጽያ ኸልቢ ኣይነበረን። ፈርኦን ከኣ፡ ‘የሆዋ ነዞም ጽንጽያ ኼርሕቐለይ ለምኑለይ። ህዝብኹም ድማ ኪኸዱ ይኽእሉ እዮም’ ኢሉ ለመነ። የሆዋ ነቶም ጽንጽያ ኸልቢ ምስ ኣርሓቖም ግና፡ ፈርኦን ሓሳቡ ቐየረ። ፈርኦን እዚ ዅሉ መቕጻዕቲ ርእዩ ኣይተማህረን።

የሆዋ ኸኣ፡ ‘ፈርኦን ንህዝበይ ምስዳድ እንተ ኣብዩ፡ እንስሳታት ግብጻውያን ኪሓምማን ኪሞታን እየን’ በለ። ንጽብሒቱ፡ እተን እንስሳታት ኪሞታ ጀመራ። እንስሳታት እስራኤላውያን ግና ኣይሞታን። ይኹን እምበር፡ ፈርኦን ነቓጽ ነበረ፡ ምስማዕ እውን ኣበየ።

ድሕሪኡ፡ የሆዋ ንሙሴ፡ ናብ ፈርኦን ከይዱ ሓምዅሽቲ ናብ ኣየር ኪብትን ነገሮ። እቲ ሓምዅሽቲ ድማ ከም ደሮና ዀነ እሞ ነቲ ኣየር መልኦ፣ ኣብቶም ግብጻውያን እውን ዓረፈ። ብሰንኪ እቲ ደሮና ኸኣ፡ ንዅሎም ግብጻውያንን እንስሳታቶምን ዜቐንዙ ምጕልንጭዋ ወይ ኣቝሳል ወጾም። ይኹን እምበር፡ ፈርኦን ንእስራኤላውያን ምስዳዶም ኣበየ።

ኣብ ልዕሊ ግብጺ ዝወረደ ኻብ 4ይ ክሳዕ 6ይ መዓት፦ ጽንጽያ ኸልቢ፡ ሞት ማል፡ ምጕልንጭዋ

የሆዋ ድማ መሊሱ ንሙሴ ናብ ፈርኦን ለኣኾ እሞ፡ ‘ክሳዕ ሕጂዶ ንህዝበይ ምስዳድ ትኣቢ ኣለኻ፧ ጽባሕ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ በረድ ኺዘንም እዩ’ በለ። ንጽብሒቱ፡ የሆዋ በረድን ነጐዳን ሓውን ሰደደ። ኣብ ግብጺ ቕድሚኡ ተራእዩ ዘይፈልጥ ብርቱዕ ዝናም ዘነመ። ኵሉ ኣእዋምን ኣእካልን ድማ ጠፍአ፣ ኣብ ጎሼን ግና ከምኡ ኣይኰነን። ፈርኦን ድማ፡ ‘የሆዋ ነዚ ደው ኬብሎ ለምንዎ። ድሕሪኡ ትኸዱ’ በሎም። እቲ በረድን ዝናምን ደው ምስ በለ ግና፡ ፈርኦን ሓሳቡ ቐየረ።

ድሕሪኡ፡ ሙሴ፡ ‘ሕጂ ኣንበጣ ነቲ ኻብ በረድ ዝተረፈ ዅሉ ኣትክልቲ ኺበልዖ እዩ’ በለ። ሚልዮናት ኣንበጣ መጺኦም ከኣ ነቲ ኣብ ግራውትን ኣብ ኣእዋምን ዝተረፈ ዅሉ በልዕዎ። ፈርኦን ድማ፡ ‘የሆዋ ነዞም ኣንበጣ ኼርሕቖም ለምኑለይ’ በለ። ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ነቶም ኣንበጣ ምስ ኣርሓቖም እውን እንተ ዀነ፡ ፈርኦን ንቕጽናኡ ቐጸለ።

ሽዑ፡ የሆዋ ንሙሴ፡ ‘ኢድካ ናብ ሰማይ ዘርግሕ’ በሎ። ብኡብኡ ኸኣ እቲ ሰማይ ድቕድቕ ጸልማት ኰን። ንሰለስተ መዓልቲ፡ ግብጻውያን ዋላ ሓንቲ ኺርእዩ ኣይከኣሉን። እስራኤላውያን ጥራይ እዮም ኣብ ኣባይቶም ብርሃን ዝነበሮም።

ኣብ ልዕሊ ግብጺ ዝወረደ ኻብ 7ይ ክሳዕ 9ይ መዓት፦ በረድ፡ ኣንበጣ፡ ጸልማት

ፈርኦን ከኣ ንሙሴ፡ ‘ንስኻን ህዝብኻን ክትከዱ ትኽእሉ ኢኹም። እንስሳታትኩም ጥራይ ይትረፋ’ በሎም። ሙሴ ድማ፡ ‘እንስሳታትና ንኣምላኽ መስዋእቲ ምእንቲ ኽንገብረን፡ ምሳና ኽንወስደን ኢና’ በሎ። ፈርኦን ከኣ በዚ ኣመና ተቘጥዐ። ‘ካባይ ርሓቕ! ድሕሪ ሕጂ እንተ ርእየካ፡ ክቐትለካ እየ’ ኢሉ ጨደረ።

“ንስኻትኩም ከኣ ከም ብሓድሽ ነቲ ኣብ መንጎ ጻድቕን እኩይን፡ ኣብ መንጎ እቲ ንኣምላኽ ዜገልግሎን ዘየገልግሎን ዘሎ ፍልልይ ክትርእዩ ኢኹም።”—ሚልክያስ 3:18

ሕቶታት፦ የሆዋ ቐጺሉ እንታይ መዓታት እዩ ዘምጽአ፧ እዚ መዓታት እዚ ኻብቲ ቐዳማይ ሰለስተ መዓት ብምንታይ ይፍለ ነይሩ፧

ዘጸኣት 8:20–10:29

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ