ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lfb ትምህርቲ 43 ገጽ 104
  • ሓጢኣት ንጉስ ዳዊት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሓጢኣት ንጉስ ዳዊት
  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ ቤት ዳዊት እተላዕለ ሽግር
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ንዜጋጥመካ ለውጥታት ንኽትዋጽኣሉ ኣብ መንፈስ ኣምላኽ ተወከል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • ናብ መንፈሳዊ ጥዕና ዝመርሕ ምንዛዝ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • “ስቡርን ቅጥቁጥን ልቢ” ይቕረታ ምስ ዚሓትት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
ዝያዳ ርአ
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
lfb ትምህርቲ 43 ገጽ 104
ነብዪ ናታን ንንጉስ ዳዊት ይግስጾ

ትምህርቲ 43

ሓጢኣት ንጉስ ዳዊት

ንጉስ ሳኦል ምስ ሞተ፡ ዳዊት ነገሰ። ሽዑ ዳዊት ወዲ 30 ዓመት ነበረ። ንገለ ዓመታት ንጉስ ኰይኑ ድሕሪ ምግዛኡ፡ ሓደ ምሸት ኣብ ናሕሲ ቤተ መንግስቱ ዀይኑ፡ ጽብቕቲ ሰበይቲ ረኣየ። ብዛዕባኣ ምስ ሓተተ ድማ፡ ስማ ባትሴባ ምዃኑ፡ ኡርያ ንዚብሃል ተዋጋኢ እውን ሰበይቱ ምዃና ተነግሮ። ዳዊት ንባትሴባ ናብ ቤተ መንግስቱ ኣምጽኣ። ምስኣ ኸኣ ደቀሰ፡ ንሳ እውን ጠነሰት። ሽዑ፡ ዳዊት ነቲ ዝገበሮ ነገር ኪሓብኦ ፈተነ። ንሓለቓ ሰራዊቱ እውን፡ ንኡርያ ኣብ ግምባር ውግእ ኬእትዎ እሞ እቶም ሰራዊት ካብ ድሕሪኡ ኼንሳሕቡ ኣዘዞ። ኡርያ ኣብ ውግእ ምስ ተቐትለ፡ ዳዊት ንባትሴባ ተመርዓዋ።

ንጉስ ዳዊት ምሕረት ኪግበረሉ ይጽሊ

የሆዋ ግና ንዅሉ እቲ እተገብረ ኽፉእ ረኣዮ። እሞኸ እንታይ ገበረ፧ የሆዋ ንነብዪ ናታን ናብ ዳዊት ለኣኾ። ናታን ከኣ፡ ‘ሓደ ሃብታም ብዙሓት ኣባጊዕ ነበራኦ፣ ሓደ ድኻ ድማ ሓንቲ ኣዝዩ ዚፈትዋ ንእሽቶ በጊዕ ጥራይ ነበረቶ። እቲ ሃብታም ከኣ ነቲ ድኻ፡ ነታ ዘላቶ ሓንቲ በጊዕ ወሰደሉ’ በሎ። ዳዊት ድማ ተቘጢዑ፡ ‘እቲ ሃብታም ኪመውት ይግብኦ እዩ!’ በለ። ሽዑ ናታን ንዳዊት፡ ‘እቲ ሃብታም ሰብኣይ፡ ንስኻ ኢኻ’ በሎ። ዳዊት በዚ ብዙሕ ሓዘነ፡ ንናታን ከኣ፡ ‘ንየሆዋ በዲለዮ እየ’ በሎ። እዚ ሓጢኣት እዚ፡ ንዳዊትን ንስድራ ቤቱን ብዙሕ ሽግር ኣምጺኡሎም እዩ። የሆዋ ንዳዊት ቀጺዕዎ እዩ፣ ቅኑዕን ትሑትን ስለ ዝነበረ ግና፡ ብህይወት ኪቕጽል ፈቒዱሉ እዩ።

ዳዊት ከኣ ንየሆዋ ቤተ መቕደስ ኪሃንጸሉ ደለየ፣ የሆዋ ግና፡ እታ ቤተ መቕደስ ብሰሎሞን ወዲ ዳዊት ክትህነጽ ደለየ። ዳዊት ድማ ንሰሎሞን ዜድልዮ ዘበለ ኼዳልወሉ ጀመረ፣ ‘ቤተ መቕደስ የሆዋ ዓባይ ክትከውን ኣለዋ። ሰሎሞን ከኣ ገና ንእሽቶ እዩ፣ ስለዚ፡ ከዳልወሉ እየ’ እውን በለ። ንዕዮ ህንጸት ድማ ብዙሕ ገንዘብ ወፈየ። ክኢላታት ሰራሕተኛታት ከኣ ረኸበ። ወርቅን ብሩርን ድማ ኣከበ፣ ካብ ጢሮስን ሲዶንን እውን ዕንጨይቲ ቄድሮስ ኣምጽአ። ኣብ ኣጋ መወዳእታ ህይወቱ ድማ፡ ንሰሎሞን ንድፊ እታ ቤተ መቕደስ ሃቦ። ‘ነዚ ነገራት እዚ፡ የሆዋ እዩ ኣጽሒፉኒ። የሆዋ ኺሕግዘካ እዩ። ኣይትፍራህ። በርትዕን ስራሕን’ ኢሉ እውን ተዛረቦ።

ዳዊትን ሰሎሞንን ብዛዕባ ንድፊ እታ ቤተ መቕደስ ይዛራረቡ

“ኣበሳኡ ዚሓብእ፡ ኣይሰልጦን፣ ዚናዘዘሉን ዚሓድጎን ግና፡ ምሕረት ይረክብ።”—ምሳሌ 28:13

ሕቶታት፦ ዳዊት እንታይ ሓጢኣት እዩ ገይሩ፧ ዳዊት ንወዱ ሰሎሞን ንምሕጋዝ እንታይ እዩ ገይሩ፧

2 ሳሙኤል 5:3, 4, 10፣ 7:1-16፣ 8:1-14፣ 11:1–12:14፣ 1 ዜና መዋእል 22:1-19፣ 28:11-21፣ መዝሙር 51:1-19

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ