ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lfb ትምህርቲ 52 ገጽ 126-ገጽ 127 ሕ.ጽ. 1
  • ናይ የሆዋ ሰራዊት ሓዊ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ የሆዋ ሰራዊት ሓዊ
  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኤልሳእ ሰረገላታት ሓዊ ርእዩ ንስኻኸ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • “ወድኺ ውሰዲ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ናይ ርእሰ-መስዋእትነትን ተኣማንነትን ኣብነት
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
ዝያዳ ርአ
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
lfb ትምህርቲ 52 ገጽ 126-ገጽ 127 ሕ.ጽ. 1
ኤልሳእን ጊልያኡን ብሰራዊት ሶርያ ይኽበቡ

ትምህርቲ 52

ናይ የሆዋ ሰራዊት ሓዊ

ቤን-ሃዳድ ንጉስ ሶርያ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ብተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ይፍኑ ነበረ። ነብዪ ኤልሳእ ግና ወትሩ ንንጉስ እስራኤል የጠንቅቖ ብምንባሩ፡ እቲ ንጉስ ኬምልጥ ከኣለ። ስለዚ፡ ቤን-ሃዳድ ንኤልሳእ ኪጨውዮ ወሰነ። ኤልሳእ ኣብ ከተማ ዶታን ከም ዘሎ ድማ ፈለጠ፣ ንሰራዊት ሶርያ ኸኣ ኪሕዝዎ ናብኡ ለኣኾም።

ሶርያውያን ድማ ብለይቲ ናብ ዶታን መጹ። ንጽብሒቱ ንግሆ፡ ጊልያ ኤልሳእ ናብ ደገ ምስ ወጸ፡ እታ ኸተማ ብዓብዪ ሰራዊት ተኸቢባ ረኣየ። በዚ ፈሪሁ ድማ፡ ‘ኤልሳእ፡ እንታይ ክንገብር ኢና፧’ ኢሉ ጨደረ። ኤልሳእ ከኣ፡ ‘ካብቶም ምሳታቶም ዘለዉስ ምሳና ዘለዉ ይበዝሑ’ በሎ። ሽዑ ድማ፡ የሆዋ ንጊልያ ኤልሳእ፡ እቲ ኣብ ዙርያ እታ ኸተማ ዚርከብ ኣኽራን ብኣፍራስን ሰረገላታትን ሓዊ መሊኡ ኸም ዝነበረ ኣርኣዮ።

ኤልሳእን ጊልያኡን ኣብ ዙርያኦም ሰራዊት መላእኽቲ ይርእዩ

እቶም ሰራዊት ሶርያ ንኤልሳእ ኪሕዝዎ ምስ ፈተኑ፡ ንሱ፡ ‘ኦ የሆዋ፡ በጃኻ ኣዕውሮም’ ኢሉ ጸለየ። እቶም ሰራዊት ድማ ዋላ እኳ ኺርእዩ ዚኽእሉ እንተ ነበሩ፡ ኣበይ ከም ዘለዉ ግና ጠፍኦም። ኤልሳእ ከኣ ነቶም ተዋጋእቲ፡ ‘እታ እትደልይዋ ኸተማ እዚኣ ኣይኰነትን። ስዓቡኒ እሞ ናብቲ እትደልይዎ ሰብኣይ ክወስደኩም እየ’ በሎም። ንሳቶም ድማ ንኤልሳእ ስዒቦም ናብታ ንጉስ እስራኤል ዚነብረላ ኸተማ ሰማርያ ኸዱ።

እቶም ሶርያውያን ከኣ ኣብ ኣፉን ዕርበቱን ኣበይ ከም ዘለዉ ፈለጡ። ንጉስ እስራኤል ድማ ንኤልሳእ፡ ‘ክቐትሎምዶ፧’ ኢሉ ሓተቶ። እሞኸ ኤልሳእ በዚ ኣጋጣሚ እዚ ተጠቒሙ ኣብ ልዕሊ እቶም ኪጐድእዎ ዝሓሰቡ ሰባት ሕነኡ ፈድዩዶ፧ ከምኡ ኣይገበረን። የግዳስ፡ ኤልሳእ፡ ‘ኣይትቕተሎም። ዚብላዕ ሃቦም እሞ መገዶም ስደዶም’ በሎ። ስለዚ፡ እቲ ንጉስ ዓብዪ ድግስ ገበረሎም፣ ድሕሪኡ፡ ናብ ዓዶም ሰደዶም።

ሶርያውያን ተዋጋእቲ ኣብ ሰማርያ ይበልዑ

“እቲ ኣብኡ ዘሎና እምንቶ እዚ እዩ፦ ከም ፍቓዱ ጌርና እንልምኖ ዘበለ ይሰምዓና እዩ።”—1 ዮሃንስ 5:14

ሕቶታት፦ የሆዋ ንኤልሳእን ንጊልያኡን ብኸመይ እዩ ኣዕቊብዎም፧ የሆዋ ንዓኻ እውን ኬዕቍበካ ዚኽእልዶ ይመስለካ፧

2 ነገስት 6:8-24

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ