ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lfb ትምህርቲ 78 ገጽ 184-ገጽ 185 ሕ.ጽ. 1
  • የሱስ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ሰበኸ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሱስ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ሰበኸ
  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ኪዱ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ”
    “ንዓ እውን ሰዓብየይ ኩን”
  • የሱስ ን70 ደቀ መዛሙርቱ ኺሰብኩ ለኣኾም
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ኣብ ገሊላ ኣገልግሎቱ ኣስፍሐ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • የሱስ ኣብ ምድሪ ዝመጸሉ ምኽንያት
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
ዝያዳ ርአ
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
lfb ትምህርቲ 78 ገጽ 184-ገጽ 185 ሕ.ጽ. 1
የሱስን ሓደ ወደ መዝሙሩን ይሰብኩ

ትምህርቲ 78

የሱስ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ሰበኸ

የሱስ ምስ ተጠምቀ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ‘መንግስቲ ኣምላኽ ቀሪባ ኣላ’ ኢሉ ኺሰብኽ ጀመረ። ኣብ ገሊላን ይሁዳን ኪዘውር ከሎ ድማ፡ ደቀ መዛሙርቱ ይስዕብዎ ነበሩ። የሱስ ናብታ ዝዓበየላ፡ ናብ ናዝሬት ምስ ተመልሰ፡ ናብ ምኵራብ ኣተወ እሞ፡ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ኢሳይያስ ቀሊዑ፡ ‘ብስራት ምእንቲ ኽሰብኽ፡ የሆዋ መንፈስ ቅዱሱ ሂቡኒ እዩ’ ኢሉ ዓው ኢሉ ኣንበበ። እዚ እንታይ ማለት እዩ ነይሩ፧ ሰባት ንየሱስ ተኣምራት ኪገብር ይደልይዎ እኳ እንተ ነበሩ፡ መንፈስ ቅዱስ እተቐበለሉ ቐንዲ ምኽንያት ግና ብስራት ንምስባኽ ከም ዝነበረ እዩ ዜመልክት ነይሩ። ኣስዒቡ፡ ነቶም ዚሰምዕዎ ዝነበሩ ሰባት፡ ‘ሎሚ፡ እዚ ትንቢት እዚ ተፈጺሙ’ በሎም።

ድሕሪኡ፡ የሱስ ናብ ባሕሪ ገሊላ ኸደ፣ ኣብኡ ኸኣ ገፈፍቲ ዓሳ ዀይኖም ንዚዓይዩ ዝነበሩ ኣርባዕተ ደቀ መዛሙርቱ ረኸቦም። ንዓታቶም ድማ፡ ‘ምሳይ ንዑ እሞ፡ ገፈፍቲ ሰብ ክገብረኩም እየ’ በሎም። ንሳቶም ከኣ ጴጥሮስን እንድርያስን ያእቆብን ዮሃንስን ነበሩ። ብኡብኡ ዕዮ ምግፋፍ ዓሳ ሓዲጎም ሰዓብዎ። ብዛዕባ መንግስቲ የሆዋ እናሰበኹ ኸኣ ኣብ ብዘላ ገሊላ ዞሩ። ኣብ ምኵራባትን ኣብ ዕዳጋን ኣብ ጐደናታትን ድማ ይሰብኩ ነበሩ። ብዙሕ ህዝቢ እውን ኣብ ዝኸድዎ ዘበለ ይስዕቦም ነበረ። ብዛዕባ የሱስ ዚውረ ወረ ኸኣ ኣብ ኵሉ ቦታ፡ ክሳብ ሶርያ በጽሐ።

ድሕርዚ፡ የሱስ ንሰዓብቱ፡ ሕማማት ኬሕውዩን ኣጋንንቲ ኼውጽኡን ሓይሊ ሃቦም። ኣብ ከከተማን ኣብ ቈቍሸትን እናሰበኸ ኺዘውር ከሎ ድማ፡ ገሊኦም ምስኡ ነበሩ። ማርያም መግደላዊትን ዮሃናን ሱሳናን ዚርከባአን ብዙሓት እሙናት ኣንስቲ ንየሱስን ንሰዓብቱን ይከናኸናኦም ነበራ።

የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ምስ ኣሰልጠኖም፡ ኪሰብኩ ለኣኾም። ብዅላ ገሊላ ኺዞሩ ኸለዉ፡ ብዙሓት ሰባት ደቀ መዛሙርቲ ዀይኖም ተጠምቁ። ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት ደቀ መዛሙርቲ ኪዀኑ ይደልዩ ብምንባሮም እውን፡ የሱስ ንዓታቶም ንዓጺድ ምስ ዝቐረበ እኽሊ ኣመሳሰሎም። ምስኡ ኣተሓሒዙ ድማ፡ ‘የሆዋ ናብቲ እኽሊ ተወሰኽቲ ዓየይቲ ምእንቲ ኽልእኽ ጸልዩ’ በለ። ኣብ ካልእ ግዜ፡ 70 ደቀ መዛሙርቱ ሓርዩ በብኽልተ ገይሩ ኣብ ኵላ ይሁዳ ኺሰብኩ ለኣኾም። ንሳቶም ድማ ንዅሎም ዓይነት ሰባት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ መሃሩ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ምስ ተመልሱ፡ እንታይ ከም ዘጋጠሞም ንየሱስ ኪነግርዎ ተሃንጥዮም ነበሩ። ድያብሎስ ነቲ ዕዮ ስብከት ደው ንምባል ዋላ ሓንቲ ኺገብር ኣይከኣለን።

የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ንሱ ናብ ሰማይ ምስ ተመልሰ፡ ነዚ ኣገዳሲ ዕዮ ኺዓይይዎ ይደልዮም ነበረ። ስለዚ፡ ‘ኣብ ኵላ ምድሪ ብስራት ስበኹ። ንሰባት ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ እናመሃርኩም ኣጥምቕዎም’ በሎም።

“ስለዚ እየ እተለኣኽኩ እሞ፡ ንኻልኦት ከተማታት እውን ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ከበስረን ይግብኣኒ እዩ።”—ሉቃስ 4:43

ሕቶታት፦ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ እንታይ ዕዮ እዩ ሂብዎም፧ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ እቲ ዕዮ እንታይ ይስምዖም ነይሩ፧

ማቴዎስ 4:17-25፣ 9:35-38፣ 28:19, 20፣ ማርቆስ 1:14-20፣ ሉቃስ 4:14-21፣ 8:1-3፣ 10:1-22

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ