ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lfb ትምህርቲ 82 ገጽ 192-ገጽ 193 ሕ.ጽ. 2
  • የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ምጽላይ መሃሮም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ምጽላይ መሃሮም
  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣምላኽ ብዛዕባ ዚሰምዖ ጸሎት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ፍሉይ መሰል ጸሎት
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧
  • ናብ የሱስ ክንጽሊ ይግባእ ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ብጸሎት ኣቢልካ ንኣምላኽ ቅረቦ
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
ዝያዳ ርአ
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
lfb ትምህርቲ 82 ገጽ 192-ገጽ 193 ሕ.ጽ. 2
ሓደ ፈሪሳዊ ኣብ ኣደባባይ ይጽሊ፡ ሰባት ከኣ ደው ኢሎም ይጥምትዎ

ትምህርቲ 82

የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ምጽላይ መሃሮም

ፈሪሳውያን ንዅሉ ተግባራቶም፡ ብሰብ ኪርኣየሎም ኢሎም እዮም ዚገብሩ ነይሮም። ሓደ ጽቡቕ ተግባር እንተ ገይሮም፡ ካልኦት ኪርእይዎም ኢሎም እዮም ከምኡ ዚገብሩ ነይሮም። ብሰብ ኪርኣዩ ኢሎም ኣብ ኣደባባያት ይጽልዩ ነበሩ። ነዊሕ ጸሎት ሸምዲዶም ከኣ ሰባት ኪሰምዕዎም ኣብ ዚኽእሉ ምኵራባትን መኣዝናት ጐደናታትን ይደግምዎ ነበሩ። ስለዚ፡ የሱስ ነቶም ህዝቢ ኸምዚ ዚስዕብ ምስ በሎም፡ እቶም ህዝቢ ተገሪሞም እዮም፦ ‘ከም ናይ ፈሪሳውያን ጌርኩም ኣይትጸልዩ። ኣምላኽ ብብዙሕ ቃላት ዚሕጐስ ይመስሎም እዩ፣ ከምኡ ግና ኣይኰነን። ጸሎት ኣብ መንጎኹምን ኣብ መንጎ የሆዋን ጥራይ እዩ። ሕደ ቓላት ኣይትደጋግሙ። የሆዋ ነቲ ኣብ ውሽጥኹም ዘሎ ኽትነግርዎ እዩ ዚደሊ።’

ሓደ ቘልዓ ተምበርኪኹ ይጽሊ

የሱስ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ ‘ከምዚ ኢልኩም ደኣ ጸልዩ፦ “ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ ስምካ ይቀደስ። መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን”’ በሎም። ብተወሳኺ እውን፡ ብዛዕባ ናይ ዕለት እንጌራኦምን ብዛዕባ ሕድገት ሓጢኣቶምን ብዛዕባ ካልእ ብሕታዊ ጕዳያቶምን ኪጽልዩ ነገሮም።

የሱስ ቀጺሉ፡ ‘ምጽላይ ኣይተቋርጹ። ካብ ኣቦኹም የሆዋ ጽቡቕ ውህበት ንምርካብ ብቐጻሊ ለምኑ። ኵሉ ወላዲ ንውሉዱ ጽቡቕ ነገር ኪህቦ ይደሊ እዩ። ወድኻ እንጌራ እንተ ለሚኑካ፡ እምኒዶ ትህቦ፧ ዓሳ እንተ ለሚኑካኸ፡ ተመንዶ ትህቦ፧’ በለ።

ድሕሪኡ፡ የሱስ፡ ‘ንስኻትኩም ንደቅኹም ብኸመይ ጽቡቕ ውህበት ከም እትህቡ ኻብ ፈለጥኩም፡ ኣቦኹም የሆዋ ግዳ ኽንደይ ኣብዚሑ መንፈስ ቅዱስ ዘይህበኩም፧ ክትልምንዎ ጥራይ እዩ ዘሎኩም’ ብምባል ኬመሓላልፎ ዝደለየ ትምህርቲ ገለጸ። ንስኻኸ ነቲ የሱስ ዝሃቦ ምኽሪ ትስዕቦ ዲኻ፧ ብዛዕባ እንታይ ኢኻ እትጽሊ፧

“ብቐጻሊ ለምኑ እሞ፡ ኪውሃበኩም እዩ፣ ብቐጻሊ ድለዩ እሞ፡ ክትረኽቡ ኢኹም፣ ብቐጻሊ ዃሕኵሑ እሞ፡ ኪኽፈተልኩም እዩ።”—ማቴዎስ 7:7

ሕቶታት፦ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ምጽላይ ንምምሃር እንታይ እዩ ኢሉ፧ ንዓኻ ብዛዕባ ዜገድሰካ ነገራት ትጽሊዶ፧

ማቴዎስ 6:2-18፣ 7:7-11፣ ሉቃስ 11:13

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ