ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lfb ትምህርቲ 88 ገጽ 206
  • የሱስ ተታሕዘ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሱስ ተታሕዘ
  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ክርስቶስ ኣሕሊፍካ ተዋህበን ተታሕዘን
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ኣሕሊፍካ ምውሃብን ምእሳርን
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • የሱስ ኣብቲ ጀርዲን
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • እታ ኣብ ሰብኣዊ ህይወት የሱስ ዝነበረት ናይ መወዳእታ መዓልቲ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
ዝያዳ ርአ
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
lfb ትምህርቲ 88 ገጽ 206
ይሁዳ ንየሱስ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ጌተሴማኔ ኣሕሊፉ ይህቦ

ትምህርቲ 88

የሱስ ተታሕዘ

የሱስን ሃዋርያቱን ንስንጭሮ ቄድሮን ሰጊሮም ናብ ደብረ ዘይቲ ኸዱ። ፍርቂ ለይቲ ሓሊፉ ነበረ፣ ወርሒ እውን ደሚቓ ነበረት። ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ጌተሴማኔ ምስ በጽሑ፡ የሱስ፡ “ኣብዚ ኹኑ፡ ምሳይ እውን ንቕሑ” በሎም። ቍሩብ ርሕቕ ኢሉ ተምበርከኸ እሞ፡ ብዙሕ እናተጨነቐ፡ “ፍቓድካ ይኹን” ኢሉ ናብ የሆዋ ጸለየ። ሽዑ፡ የሆዋ መልኣኹ ልኢኹ ንየሱስ ኣተባብዖ። የሱስ ናብቶም ሃዋርያት ምስ ተመልሰ፡ ሰለስተ ኻባታቶም ደቂሶም ረኸቦም። ንሱ ኸኣ፡ ‘ተበራበሩ! እዚኣ ሰዓት ድቃስ ኣይኰነትን! ኣብ ኢድ ጸላእተይ ዝውሃበላ ሰዓት በጺሓ ኣላ’ በሎም።

ንይሁዳ ገንዘብ ይውሃቦ

ድሕሪኡ፡ ይሁዳ ኣስያፍን ኣባትርን ንዝሓዙ ህዝቢ መሪሕዎም መጸ። ናብታ ስፍራ ኣታኽልቲ ብዙሕ ሳዕ ይኸዱ ብምንባሮም፡ ንየሱስ ኣበይ ከም ዚረኽቦ ይፈልጥ ነበረ። ይሁዳ ኸኣ ነቶም ወተሃደራት፡ ንየሱስ ኬለልይዎ ምልክት ከም ዚህቦም ነጊርዎም ነበረ። ትኽ ኢሉ ናብ የሱስ ከይዱ ድማ፡ ‘ሰላም፡ መምህር’ ኢሉ ሰዓሞ። የሱስ ከኣ፡ ‘ይሁዳ፡ ብምስዓም ኣሕሊፍካዶ ትህበኒ ኣለኻ፧’ በሎ።

የሱስ ድማ ንቕድሚት ሰጒሙ፡ “ንመን ትደልዩ ኣለኹም፧” በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ “ንየሱስ እቲ ናዝሬታዊ” ኢሎም መለሱሉ። ንሱ ድማ፡ “ኣነ እየ” በሎም። ንሳቶም ከኣ ኣድሓርሓሩ፡ ናብ ምድሪ እውን ወደቑ። የሱስ ድማ ከም ብሓድሽ፡ “ንመን ትደልዩ ኣለኹም፧” ኢሉ ሓተቶም። ንሳቶም ከኣ መሊሶም፡ “ንየሱስ እቲ ናዝሬታዊ” በሉ። የሱስ ድማ፡ ‘“ኣነ እየ” ኢለ እኮ ነጊረኩም እየ። ነዚኣቶም ይኺዱ ሕደግዎም’ ኢሉ መለሰሎም።

ጴጥሮስ እንታይ ይኸውን ከም ዘሎ ምስ ተረድኦ፡ ሰይፉ መሊሑ ንሓደ ማልኮስ ዝስሙ ባርያ ሊቀ ኻህናት እዝኑ ቘረጾ። የሱስ ግና ንእዝኒ እቲ ሰብኣይ ተንክዩ ኣሕወዮ። ድሕሪኡ፡ ንጴጥሮስ፡ ‘ንሰይፍኻ ምለሳ። ብሰይፊ እንተ ተዋጊእካ፡ ብሰይፊ ኽትመውት ኢኻ’ በሎ። ሽዑ፡ እቶም ወተሃደራት ንየሱስ ሒዞም ኣእዳዉ ኣሰርዎ፣ እቶም ሃዋርያት ከኣ ሃደሙ። ድሕሪኡ፡ እቶም ህዝቢ ንየሱስ ናብ ሃና እቲ ሊቀ ኻህናት ወሰድዎ። ሃና ድማ ንየሱስ ብሕቶታት መርመሮ፣ ናብ ቤት ቀያፋ እቲ ሊቀ ኻህናት እውን ሰደዶ። ሽዑ ግና ነቶም ሃዋርያት እንታይ ኣጋጠሞም፧

“ኣብ ዓለም ጸበባ ኣሎኩም፣ ግናኸ፡ ኣጆኹም! ኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ።”—ዮሃንስ 16:33

ሕቶታት፦ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ጌተሴማኔ እንታይ እዩ ዀይኑ፧ ካብቲ የሱስ በታ ለይቲ እቲኣ ዝገበሮ፡ እንታይ ትምሃር፧

ማቴዎስ 26:36-57፣ ማርቆስ 14:32-50፣ ሉቃስ 22:39-54፣ ዮሃንስ 18:1-14, 19-24

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ