መዝሙር 52
ክርስትያናዊ ወፈያ
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
1. የሆዋ ንዅሉ ፍጥረት
ስለ ዝፈጠሮ፡
ንብረቱ’ዩ ምድረ ሰማይ
ባዕሉ ዝገበሮ።
ውዳሰን ኣምልኾን ኵሉ
ይግባእ ንዕኡ፣
እስትንፋስ ህይወት ሂቡና’ዩ፡
ንነብር ብሳላኡ።
2. የሱስ ተጠሚቑ ብማይ፡
ጽድቂ ንኺዓምም፣
ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቃል ኣትዩ
ፍቓዱ ኺፍጽም።
ኰይኑ ወዲ ኣምላኽ፡ ቅቡእ፡
ምስ ወጸ ኻብቲ ማይ፡
ኣገልግሎቱ’ውን ጀሚሩ፡
ኰይኑ ንኣምላኽ ውፉይ።
3. የሆዋ ኽንውድሰካ፡
ነቕርብ ርእስና፣
ገዛእ ነፍስና ቐቢጽና፡
ንውፊ ህይወትና።
ክቡር ዋጋ ዝኸፈለ፡
ወድኻ ሂብካና፣
ደጊም ንዓኻ’ና ንነብር፡
ኣይኰነን ንርእስና።
(ማቴ. 16:24፣ ማር. 8:34፣ ሉቃ. 9:23 እውን ርአ።)