መዝሙር 116
ለውሃት እተሕድሮ ጽልዋ
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
1. የሆዋ ኣምላኽ ንውድሰካ፡
ድንቂ’ዩ ለውሃትካ፣
ሓይልኻ ዓብዪ፡ ጥበብካ ብዙሕ፡
’ኳ ’ተ ዀነ ፈቃር ኢኻ።
2. የሱስ ዓዲሙ ንእተገፍዑ፡
ጾሮም ኪጾረሎም፣
ኣርዑቱ ምሹእ፡ ልቡ’ውን ትሑት፡
ዕረፍቲ ዚህብ’ዩ ልኡም።
3. ንያህ ኣምላኽናን ንክርስቶስን
ክንመስሎም ኣሎና፣
ለውሃት ’ተ ዀይና ኽፍሊ ህይወትና፡
ኣምላኽ ይረክብ ምስጋና።
(ሚክ. 6:8፣ ማቴ. 11:28-30፣ ቈሎ. 3:12፣ 1 ጴጥ. 2:3 እውን ርአ)