ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • rr ገጽ 14
  • ትሕዝቶ መጽሓፍ ህዝቅኤል

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትሕዝቶ መጽሓፍ ህዝቅኤል
  • ንጹህ ኣምልኾ የሆዋ—ኣማስያኡስ ተመሊሱ!
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ሕጂ መወዳእታ ኣብ ልዕሌኺ እዩ”
    ንጹህ ኣምልኾ የሆዋ—ኣማስያኡስ ተመሊሱ!
  • ካብ ትንቢት ህዝቅኤል ዚጐልሕ ነጥብታት—2ይ ክፋል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ካብ ትንቢት ህዝቅኤል ዚጐልሕ ነጥብታት—1ይ ክፋል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • “ነታ ቤተ መቕደስ ግለጸሎም”
    ንጹህ ኣምልኾ የሆዋ—ኣማስያኡስ ተመሊሱ!
ዝያዳ ርአ
ንጹህ ኣምልኾ የሆዋ—ኣማስያኡስ ተመሊሱ!
rr ገጽ 14

ሳጹን ትምህርቲ 1ለ

ትሕዝቶ መጽሓፍ ህዝቅኤል

ብሓፈሻኡ፡ መጽሓፍ ህዝቅኤል ከምዚ ዚስዕብ ክትከፋፈል ትኽእል፦

ምዕራፋት መጽሓፍ ህዝቅኤል ብመሰረት እቲ ትሕዝቶኡ እተኻፋፈለሉ በበይኑ ሕብሪ ዘለዎ ትርብዒታት።

ካብ ምዕራፍ 1 ኽሳብ 3

ብ613 ቅ.ክ.፡ ህዝቅኤል ኣብ ባቢሎን ምስ ምሩኻት ኣይሁድ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ራእያት የሆዋ ርእዩ፡ ነቶም ኣብ ጥቓ ፈለግ ኬባር ዝነበሩ ኣይሁድ ኪንበየሎም ድማ ተመዚዙ።

ካብ ምዕራፍ 4 ኽሳብ 24

ካብ 613 ክሳዕ 609 ቅ.ክ.፡ ህዝቅኤል ኣንጻር የሩሳሌምን ኣንጻር እቶም ዓለወኛታትን ኣምለኽቲ ጣኦትን ዝዀኑ ህዝባን ትንቢታዊ መልእኽቲ ፍርዲ ተዛሪቡ።

ካብ ምዕራፍ 25 ክሳብ 32

ካብ 609 ቅ.ክ.፡ ማለት ካብታ የሩሳሌም ኣብ ትሕቲ ናይ መወዳእታ ኸበባ ባቢሎናውያን ዝኣተወትላ ዓመት ኣትሒዙ፡ እቲ ህዝቅኤል እተዛረቦ መልእኽቲ ፍርዲ ኻብ የሩሳሌም ናብቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ጸላእቲ ዝዀኑ ህዝቢ ዓሞንን ኤዶምን ግብጽን ሞኣብን ፍልስጥኤምን ሲዶንን ጢሮስን ዞይሩ።

ካብ ምዕራፍ 33 ክሳብ 48

ካብ 606 ቅ.ክ. ንደሓር፡ የሩሳሌምን ቤተ መቕደሳን ዓንየን ኣብ ዝነበራሉ እዋን፡ ህዝቅኤል ካብቲ ኣማእታት ኪሎ ሜተራት ርሒቑ ዝነበረሉ ቦታ ዀይኑ መልእኽቲ ተስፋ፡ ማለት ንጹህ ኣምልኾ የሆዋ ኣምላኽ ናብ ቦታኡ ኸም ዚምለስ ኣዊጁ።

ስለዚ እምበኣር፡ መጽሓፍ ህዝቅኤል ብመስርዕ ግዜን ብርእሰ ነገርን እያ ተሰሪዓ። መብዛሕትኡ እቲ ብዛዕባ ምምላስ ንጹህ ኣምልኾ ዚገልጽ ትንቢት፡ ድሕሪ እቲ ብዛዕባ ጥፍኣት የሩሳሌምን ቤተ መቕደሳን ዚገልጽ ትንቢት እዩ ሰፊሩ ዘሎ። ከምኡ ምዃኑ ኸኣ ግቡእ እዩ፣ ከመይሲ፡ እቲ ኣብታ ቤተ መቕደስ ዚቐርብ ዝነበረ ኣምልኾ ኸይተቛረጸ፡ ብዛዕባ ምምላሱ ዚገልጽ ትንቢት ኪንገር ኣይግባእን እዩ።

ብተወሳኺ ድማ፡ እቲ ህዝቅኤል ኣንጻር እቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ጸላእቲ ዝዀኑ ኣህዛብ እተነበዮ ትንቢት፡ (ምዕራፍ 25 ክሳብ 32) ኣብ መንጎ እቲ መልእኽቲ ፍርዲ የሩሳሌምን ትንቢት ምምላስ ንጹህ ኣምልኾን እዩ ሰፊሩ ዘሎ። ሓደ ምሁር ብዛዕባ እቲ ህዝቅኤል ነቶም ኣህዛብ እተዛረቦ መልእኽትታት ፍርዲ ኸምዚ ይብል፦ “[እቲ መልእኽትታት፡] ካብ ምእዋጅ ቍጥዓ ኣምላኽ ናብቲ ንህዝቡ ዜርእዮም ምሕረት ጽቡቕ መሰጋገሪ ዀይኑ እዩ፣ ከመይሲ፡ መቕጻዕቲ ጸላእቶም እውን እንተ ዀነ፡ ንህዝቡ ድሕነቶም እዩ።”

ናብ ምዕራፍ 1፡ ሕጡብ ጽሑፍ 18 ተመለስ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ