ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • th መጽናዕቲ 19 ገጽ 22
  • ልቢ ንምትንካይ ጻዕሪ ተገይሩ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ልቢ ንምትንካይ ጻዕሪ ተገይሩ
  • ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ውዕዉዕ ኣዘራርባ
    ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ
  • ልቢ ንምትንካፍ ምጽዓር
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ግብራዊ ጥቕሚ ነጺሩ
    ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ
  • ሃናጽን ኣወንታውን
    ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ
ዝያዳ ርአ
ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ
th መጽናዕቲ 19 ገጽ 22

መጽናዕቲ 19

ልቢ ንምትንካይ ጻዕሪ ተገይሩ

ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ

ምሳሌ 3:1

ጽማቝ ሓሳባት፦ ሰማዕትኻ ነቲ እተማህርዎ ኼድንቕዎን ኪትግብርዎን ሓግዞም።

ብኸመይ ከም እትገብሮ፦

  • ሰማዕትኻ ገዛእ ርእሶም ኪምርምሩ ሓግዞም። ሰማዕትኻ ስምዒታቶም ምእንቲ ኺምርምሩ፡ ብልቦም ምላሽ ዚህቡሉ ሕቶታት ሕተቶም።

  • ነቲ ጽቡቕ ውሽጣዊ ድራኸታቶም ኣለዓዕሎ። ሰማዕትኻ ስለምንታይ ጽቡቕ ተግባራት ከም ዚገብሩ ኺምርምሩ ተማሕጸኖም። ብሉጽ ውሽጣዊ ድራኸ ኼማዕብሉ ሓግዞም፣ እዚ ኸኣ ፍቕሪ ንየሆዋን ፍቕሪ ንሰባትን ፍቕሪ ንትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስን እዩ። ንሰማዕትኻ ኣረድኣዮም እምበር፡ ክትገንሖም ኣይትፈትን። ኣብ መወዳእታ እቲ ትምህርትኻ፡ ከም ዝበደሉ ዀይኑ ኣብ ክንዲ ዚስምዖም፡ ዚከኣሎም ኪገብሩ ኸም እተተባብዑን እተደረኹን ኰይኑ ኺስምዖም ኣለዎ።

  • ናብ የሆዋ ኸም ዜተኵሩ ግበር። ትምህርትታትን ስርዓታትን ትእዛዛትን መጽሓፍ ቅዱስ ከመይ ገይሩ ንባህርያት ኣምላኽን ነቲ ንሱ ንዓና ዘለዎ ፍቕርን ከም ዜንጸባርቕ ኣጕልሕ። ሰማዕትኻ ንስምዒታት የሆዋ ዚሓልዩን ንዕኡ ባህ ኬብልዎ ዚደልዩን ኪዀኑ ኣተባብዓዮም።

    ግብራዊ ምኽሪ

    ንሰባት ዚስሕቦም የሆዋ​ ምዃኑ ኣይትረስዕ። ንሰማዕትኻ ንምድራኽ ቃሉ ተጠቐም።

ኣብ ኣገልግሎት

ዚከኣል እንተ ዀይኑ፡ ሰማዒኻ ብሓቂ እንታይ ከም ዚኣምን ንምፍላጥ ሕቶታት ሕተት። ናይ ሓቂ ስምዒታት ንምፍላጥ፡ ኣብ ገጹ ንዚንበብ መግለጽን ንቓና ድምጹን ኣስተብህለሉ። ኰይኑ ግና፡ ዕጉስ ኩን። ሰማዒኻ ውሽጣዊ ስምዒቱ ቕድሚ ምግላጹ፡ ኪኣምነካ ኣለዎ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ