ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lff ትምህርቲ 8
  • ዓርኪ የሆዋ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዓርኪ የሆዋ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ
  • ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣዕሚቝካ ዅዓት
  • ጽማቝ
  • ዳህስስ
  • ጥዑያት ኣዕሩኽ ክንመርጽ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ኣምላኽ ዓርኩ ንኽትከውን ይዕድመካ
    ዓርኪ ኣምላኽ ክትከውን ትኽእል ኢኻ!
  • ኣዕሩኽካ ተጠንቂቕካ ምረጽ
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ኣዕሩኽ ከተጥርየሉ እትኽእል መገድታት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
ዝያዳ ርአ
ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
lff ትምህርቲ 8
ትምህርቲ 8. ሓደ ሰብኣይ ኣብ መንበር ኮፍ ኢሉ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪሩ ይጥምት።

ትምህርቲ 08

ዓርኪ የሆዋ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ

ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ

የሆዋ ብዝያዳ ኽትፈልጦ ይደልየካ እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ብዛዕባ ባህርያቱን መገድታቱን ዕላማኡን ብዝያዳ ብዝፈለጥካ መጠን፡ ዓርኩ ኽትከውን ዝያዳ ድሌት ከተሕድር ተስፋ ይገብር እዩ። ግናኸ፡ ብሓቂዶ ዓርኪ ኣምላኽ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ፧ (መዝሙር 25:14 ኣንብብ።) ዓርኩ ንምዃን እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ይህብ እዩ። ምስ የሆዋ እትምስርቶ ዕርክነት ካብ ኵሉ ንላዕሊ ኣገዳሲ ዝዀነሉ ምኽንያት እውን ይገልጽ እዩ።

1. የሆዋ እንታይ ዕድመ እዩ ኣቕሪቡልካ ዘሎ፧

“ንኣምላኽ ቅረብዎ፡ ንሱ እውን ኪቐርበኩም እዩ።” (ያእቆብ 4:8) እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ የሆዋ ዓርኩ ኽትከውን እዩ ዚዕድመካ ዘሎ። ገሊኦም ንኣምላኽ ኪርእይዎ ስለ ዘይክእሉ፡ ምስኡ ዕርክነት ምምስራት ኣጸጋሚ ይመስሎም እዩ። የሆዋ ግና ኣብ ቃሉ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኵሉ እቲ ናብኡ ንምቕራብ ክንፈልጦ ዜድልየና ባህርያቱ ገሊጹልና ኣሎ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዝለኣኸልና መልእኽቲ ኸነንብብ ከለና፡ ዋላ እኳ ርኢናዮ ዘይንፈልጥ እንተ ዀንና፡ ምስኡ ዘሎና ዕርክነት ይዓቢ እዩ።

2. የሆዋ ብሉጽ ዓርኪ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ከም የሆዋ ገይሩ ዜፍቅረካ ኻልእ የልቦን። ሕጉስ ክትከውንን ሓገዝ ኬድልየካ ኸሎ ናብኡ ኽትቀርብን ይደልየካ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኡ፡ “ንሱ ይሓልየልኩም እዩ እሞ፡ ንዅሉ ጭንቀትኩም ናብኡ ደርብይዎ” ይብል። (1 ጴጥሮስ 5:7) የሆዋ ንፈተውቱ ንምድጋፍን ንምጽንናዕን ንምስማዕን ወትሩ ድሉው እዩ።—መዝሙር 94:18, 19 ኣንብብ።

3. የሆዋ ኻብ ኣዕሩኹ እንታይ ይጽበ፧

የሆዋ ንሰባት ብሓፈሻ የፍቅሮም እዩ፣ “ናይ ቀረባ ዕርክነቱ ግና ምስቶም ቅኑዓት እዩ።” (ምሳሌ 3:32) ስለዚ፡ ንኣዕሩኹ ጽቡቕ ኪገብሩን ካብ ሕማቕ ኪርሕቁን ይጽበዮም እዩ። ገሊኦም ሰባት በቲ የሆዋ ብዛዕባ ጽቡቕን ክፉእን ዘለዎ መለክዒታት ኪመላለሱ ኸም ዘይክእሉ ይስምዖም እዩ። የሆዋ ግና ንድኻምና ይርድኣልና እዩ። ብሓቂ ዜፍቅሮን ንዕኡ ባህ ንምባል ዚከኣሎ ዚገብርን ዘበለ ብእኡ ቕቡል እዩ።—መዝሙር 147:11፣ ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35።

ኣዕሚቝካ ዅዓት

ከመይ ጌርካ ዓርኪ የሆዋ ኽትከውን ከም እትኽእልን ንሱ ስለምንታይ ብሉጽ ዓርኪ ኸም ዝዀነን ፍለጥ።

4. ኣብርሃም ዓርኪ የሆዋ እዩ ነይሩ

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዛንታ ኣብርሃም (ኣብራም እውን ዚብሃል)፡ ዓርኪ የሆዋ ብዛዕባ ምዃን ክንፈልጥ ይሕግዘና። ብዛዕባ ኣብርሃም ኣብ ዘፍጥረት 12:1-4 ኣንብብ። ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • የሆዋ ንኣብርሃም እንታይ ኪገብር እዩ ኣዚዝዎ፧

  • የሆዋ እንታይ ኢሉ እዩ ቓል ኣትዩሉ፧

  • ኣብርሃም ነቲ ኻብ የሆዋ እተዋህቦ መምርሒ እንታይ ምላሽ እዩ ሂቡ፧

5. የሆዋ ንኣዕሩኹ እንታይ ኪገብሩ ኸም ዚጽበዮም

መብዛሕትኡ ግዜ ኻብ ኣዕሩኽና ገለ ነገር ንጽበ ኢና።

  • ንስኻ ንኣዕሩኽካ እንታይ ኪገብሩልካ ኢኻ እትጽበ፧

ቀዳማይ ዮሃንስ 5:3 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • የሆዋ ኻብ ኣዕሩኹ እንታይ እዩ ዚጽበ፧

ንየሆዋ ምእንቲ ኽንእዘዞ፡ ኣካይዳና ወይ ባህርያትና ኽንቅይር የድልየና ይኸውን። ኢሳይያስ 48:17, 18 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • የሆዋ ንኣዕሩኹ ለውጥታት ኪገብሩ ዚጽበዮም ስለምንታይ እዩ፧

ሓደ ሰራሕተኛ ህንጸት ንኻልእ ሰራሕተኛ ንድሕነቱ ዚከላኸል ቆብዕ ይህቦ።

ጥዑይ ፈታዊ ንዕቝባናን ንጥቕምናን ዚኸውን ነገር የዘኻኽረና። የሆዋ እውን ንኣዕሩኹ ኸምኡ እዩ ዚገብረሎም

6. የሆዋ ንኣዕሩኹ እንታይ ከም ዚገብረሎም

የሆዋ ንኣዕሩኹ፡ ጸገማቶም ኪጻወሩ ይሕግዞም እዩ። ቪድዮ ኣጻውት፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

ቪድዮ፦ የሆዋ ብዙሕ እዩ ገይሩለይ (3:20)

  • የሆዋ ነታ ኣብታ ቪድዮ እተራእየት ጓል ኣንስተይቲ፡ ንኣሉታዊ ሓሳባታን ስምዒታታን ከተሰንፍ ብኸመይ ሓጊዝዋ፧

ኢሳይያስ 41:10, 13 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • የሆዋ ንዅሎም ኣዕሩኹ እንታይ ከም ዚገብረሎም እዩ ቓል ኣትዩ ዘሎ፧

  • የሆዋ ንፉዕ ዓርኪ ዚኸውንዶ ይመስለካ፧ ስለምንታይ፧

ስእልታት፦ ኣዕሩኽ ንሓድሕዶም ይዳጋገፉ። 1. ሓደ ሰብኣይ ንኻልእ ሰብኣይ ዓብዪ ሰደቓ ንምግዓዝ ይሕግዞ። 2. ሓንቲ ሰበይቲ ንኻልእ ሰበይቲ ምስጢራ ተካፍላ። 3. ሓደ ሰብኣይ ንሓደ ብምርኩስ ዚኸይድ ካልእ ሰብኣይ ይድግፎ።

ናይ ቀረባ ኣዕሩኽካ ብግዜ ሽግርካ ይድግፉኻ እዮም። የሆዋ እውን ይሕግዘካ እዩ

7. ኣዕሩኽ የሆዋ ንምዃን፡ ምስኡ ሓሳብ ንሓሳብ ክንለዋወጥ ኣሎና

ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ፡ ዕርክነት የደልድል እዩ። መዝሙር 86:6, 11 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • ከመይ ጌርና ኢና ንሕና ንየሆዋ እንዛረቦ፧

  • ከመይ ገይሩ እዩ የሆዋ ንዓና ዚዛረበና፧

ስእልታት፦ 1. ሓንቲ ሰበይቲ ትጽሊ። ሓደ መሐበሪ ፍላጻ ኻብ ርእሳ ናብ ላዕሊ የመልክት። 2. ሓንቲ ሰበይቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተንብብ። ሓደ መሐበሪ ፍላጻ ኻብ ላዕሊ ናብ ርእሳ የመልክት።

ንየሆዋ ብጸሎት ንዛረቦ፣ ንሱ ድማ ብመጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ ይዛረበና

ገሊኦም ከምዚ ይብሉ፦ “ንኣምላኽ ክትቀርቦ ኣይከኣልን እዩ።”

  • ኣዕሩኽ የሆዋ ኽንከውን ከም እንኽእል ዜርኢ እንታይ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ምተጠቐምካ፧

ጽማቝ

የሆዋ ዓርክኻ ኪኸውን ይደሊ እዩ፡ ናብኡ ኽትቀርብ እውን ይሕግዘካ እዩ።

ክለሳ

  • የሆዋ ንኣዕሩኹ ብኸመይ ይሕግዞም፧

  • የሆዋ ንኣዕሩኹ ለውጥታት ኪገብሩ ዚደልዮም ስለምንታይ እዩ፧

  • የሆዋ ኻብ ኣዕሩኹ ዚጽበዮ ነገር ኣመና ኸቢድ ድዩ ዚመስለካ፧ ስለምንታይ፧

ሸቶ

ዳህስስ

ምስ ኣምላኽ እትምስርቶ ዕርክነት ንህይወትካ ብኸመይ ኪጸልዎ ይኽእል፧

“የሆዋ—ክትፈልጦ ዘሎካ ኣምላኽ” (ግምቢ ዘብዐኛ፡ 15 ለካቲት 2003)

ከመይ ጌርካ ምስ ኣምላኽ ዕርክነት ከተማዕብል ከም እትኽእል ተምሃር።

“ከመይ ገይረ እየ ዓርኪ ኣምላኽ ክኸውን ዝኽእል፧” (መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ፡ ምዕራፍ 35)

ሓንቲ ሰበይቲ ምስ ኣምላኽ ዕርክነት ብምምስራታ፡ ህይወታ ብኸመይ ከም ዝደሓነ ፍለጥ።

“ክመውት ኣይደልን እየ ነይረ!” (ግምቢ ዘብዐኛ ቍ. 1 2017)

መንእሰያት ብዛዕባ የሆዋ ዘለዎም ስምዒት ኪገልጹ ኸለዉ ስማዕ።

ዓርኪ ኣምላኽ ምዃን ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ (1:46)

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ