መዝሙር 162
መንፈሳዊ ህርፋነይ
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
(ማቴዎስ 5:3)
1. ዘየቋርጽ ወሓዚ፡
ዘይነጽፍ’ወ ኸም ባሕሪ፡
ቀሪጽካ ኣብ ልቢ ሰባት፡
መንፈሳዊ ድሌት።
ንዘመናት ዓቂብካ፡
ሂብካና ’ኻ ቃላትካ፡
ተስፋ፡ ሰላም፡ ፍጹም ሓጐስ፡
ረኺብና ኽንሕደስ።
(ኣዝማች)
ኣቤት የሆዋ ኣቦይ፡
ብብርሃንካ ኽመላለስ፡
እምበር እዩ ድልየተይ።
ብቓላትካ ገይረ፡
ከደልድላ ’የ
ነዛ እምነተይ።
2. ብቓልካ ምስትንታነይ፡
ክቡር ሃብቲ’ዩ ንዓይ፡
ትእዛዛትካ ምሕላወይ፡
ዕቝባ’ዩ ዀይኑለይ።
ተኣበዩ ገሊኦም፡
እጽሊ ኽሕግዞም፡
ንኺረኽቡ ሓጐስ ሰላም፡
ከማይ’ውን ንሳቶም።
(ኣዝማች)
ኣቤት የሆዋ ኣቦይ፡
ብብርሃንካ ኽመላለስ፡
እምበር እዩ ድልየተይ።
ብቓላትካ ገይረ፡
ከደልድላ ’የ
ነዛ እምነተይ።
ኣቤት የሆዋ ኣቦይ፡
ብብርሃንካ ኽመላለስ፡
እምበር እዩ ድልየተይ።
ብቓላትካ ገይረ፡
ከደልድላ ’የ
ነዛ እምነተይ።
ኣቤት የሆዋ ኣቦይ፡
ብብርሃንካ ኽመላለስ፡
እምበር እዩ ድልየተይ።
ብቓላትካ ገይረ፡
ከደልድላ ’የ
ነዛ እምነተይ።