ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lmd ትምህርቲ 12
  • ግልጽነት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ግልጽነት
  • ሰባት ኣፍቅር—ደቀ መዛሙርቲ ግበር
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሱስ እንታይ ገይሩ፧
  • ካብ የሱስ እንታይ ንምሃር፧
  • ንየሱስ ምሰሎ
  • ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጥሙቓት ደቀ መዛሙርቲ ኪዀኑ ሓግዞም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2021
  • ናብ ጥምቀት ዜብጽሕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ትመርሕ፧—ካልኣይ ክፋል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
  • ናብ ጥምቀት ዜብጽሕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ትመርሕ፧—ቀዳማይ ክፋል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
  • “ኪዱ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
ዝያዳ ርአ
ሰባት ኣፍቅር—ደቀ መዛሙርቲ ግበር
lmd ትምህርቲ 12

ደቀ መዛሙርቲ ምግባር

የሱስ ንሓደ ኣብ ቅድሚኡን ኣብ ቅድሚ ደቀ መዛሙርቱን እተምበርከኸ ጐበዝ ብለውሃት ይዛረቦ።

ማር. 10:17-22

ትምህርቲ 12

ግልጽነት

ስርዓት፦ “ዘይትን ዕጣንን ንልቢ የሐጕሶ፣ ካብ ሓቀኛ ምኽሪ ዚምንጩ ጥዑም ምሕዝነት ከኣ ከምኡ እዩ።”—ምሳ. 27:9።

የሱስ እንታይ ገይሩ፧

የሱስ ንሓደ ኣብ ቅድሚኡን ኣብ ቅድሚ ደቀ መዛሙርቱን እተምበርከኸ ጐበዝ ብለውሃት ይዛረቦ።

ቪድዮ፦ የሱስ ነቲ ሃብታም ጐበዝ መኸሮ

1. ቪድዮ ርአ፡ ወይ ማርቆስ 10:17-22 ኣንብብ። ድሕሪኡ ነዚ ሕቶታት መርምሮ፦

  1. ሀ. የሱስ ኣብቲ ጐበዝ እንታይ ጽቡቕ ባህርያት እዩ ርእዩ፧

  2. ለ. የሱስ ነቲ ጐበዝ ብፍቕርን ብግልጽን ኪመኽሮ ዝነበሮ ስለምንታይ እዩ፧

ካብ የሱስ እንታይ ንምሃር፧

2. ተምሃሮና መንፈሳዊ ዕቤት ምእንቲ ኺገብሩ፡ ብፍቕርን ብግልጽን ክንዛረቦም ኣሎና።

ንየሱስ ምሰሎ

3. ተምሃራይካ ሸቶታት ኬውጽእን ንሸቶታቱ ኺወቕዖን ሓግዞ።

  1. ሀ. ነቲ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ኣብ እትብሃል ጽሕፍቲ ኣብ ተትምህርቲ ዚርከብ “ሸቶ” ዚብል ክፋል ተጠቐመሉ።

  2. ለ. ተምሃራይካ ነቲ ናይ ሓጺር ግዜ ሸቶታቱን ናይ ነዊሕ ግዜ ሸቶታቱን ምእንቲ ኺወቕዖ ሓግዞ።

  3. ሐ. ስለቲ ዚገብሮ ዕቤት ኣዘውቲርካ ንኣዶ።

4. ዕንቅፋታት ኣለሊ፣ ንተምሃራይካ እውን ነቲ ዕንቅፋታት ኪሰግሮ ሓግዞ።

  1. ሀ. ከምዚ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት፦

    • ‘ተምሃራየይ ናብ ጥምቀት ዕቤት ይገብር እንተ ዘየልዩ፡ እንታይ እዩ ዚዓግቶ ዘሎ፧’

    • ‘እንታይ ግብራዊ ሓገዝ ክህቦ እኽእል፧’

  2. ለ. ተምሃራይካ እንታይ ኪገብር ከም ዘለዎ ብግልጽን ብፍቕርን ንምምይያጥ ዜኽእል ትብዓት ምእንቲ ኽትረክብ ጸሊ።

5. ፍረ ንዘይፈሪ መጽናዕቲ ኣቋርጾ።

  1. ሀ. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስካ ፍረ ይፈሪ ኸም ዘሎ ወይ ከም ዘየሎ ንምፍላጥ፡ ከምዚ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት፦

    • ‘ተምሃራየይ ነቲ እተማህሮ ይትግብሮዶ ኣሎ፧’

    • ‘ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ይእከብን ብዛዕባ ሓቂ ንኻልኦት ይነግርን ድዩ፧’

    • ‘ንንውሕ ዝበለ እዋን ድሕሪ ምጽናዑ፡ ናይ የሆዋ ምስክር ኪኸውን ይደሊ ድዩ፧’

  2. ለ. እቲ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ዕቤት ኪገብር ዘይደሊ እንተ ዀይኑ፦

    • እንታይ ዓጊትዎ ኸም ዘሎ ኺሓስብ ሕተቶ።

    • ነቲ መጽናዕቲ ስለምንታይ ተቋርጾ ኸም ዘለኻ ብሜላ ግለጸሉ።

    • ዳግም መጽናዕቲ ንምጅማር እንታይ ኬመሓይሽ ከም ዘለዎ ኣፍልጦ።

ኣብዚ እውን ርአ

መዝ. 141:5፣ ምሳ. 25:12፣ 27:6፣ 1 ቈረ. 9:26፣ ቈሎ. 4:5, 6

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ