ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w94 1/1 ገጽ 6-15
  • ኣብ የሆዋ ተማዕቆብ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብ የሆዋ ተማዕቆብ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እቶም ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብርቱዓት ዘመርቲ ኢዮም
  • ክንዓርፈሉ እንኽእል ዕርዲ
  • ብትብዓት ምስባኽ
  • ‘መዝገብ ለውሃት’
  • ‘ኣብ ስም የሆዋ ተማዕቈቡ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
w94 1/1 ገጽ 6-15

ኣብ የሆዋ ተማዕቆብ

“ዎ የሆዋ ኣባኻ እዕቆብ ኣለኹ።” — መዝሙር 31:1። (ት.ሓ.ዓ. )

1. ከመይ ኢላ ኢያ መዝሙር 31: የሆዋ ከዕቁብ ክእለት ከም ዘለዎ ኣረጋጊጻ ትገልጽና?

ሓደ ሰብኣይ በእምሮን ብኣካልን ድኽም ኢልዎ ተሓሊሉ ክነሱ: ብሙኡዝ ጣዕመ ዜማ ዝመልኦ መዝሙር ገይሩ ነብሱ ናብ የሆዋ ድርብይ ኣበላ። እቲ ግጥምታት ናይዛ ቅድስቲ መዝሙር እዚኣ: እምነት ትዕወት ዝብል ኢዩ። እዚ ሰብኣይዚ: ካብቶም ዝሃድንዎ ዝነበሩ መሳጐግቲ: ኣብተን ዝጽበይኦ ዝነበራ ቀላጽም ናይቲ ኹሉ ዝኽእል: መዕቆቢ ይረክብ። “ዎ እግዚኣብሄር [የሆዋ (ት.ሓ.ዓ.)] ኣባኻ እውከል ኣሎኹ” ትብል እታ ብሓባር እትዝመር ሓረግ ናይታ መዝሙር። “ከቶ ኣይተሕፍረኒ: ስለ ጽድቅኻ ኢልካ ኣናግፈኒ።” — መዝሙር 31:1።

2. (ሀ) ንየሆዋ ከም ዕርድና ጌርና ክንኣምኖ እንኽእል ኣብ እንታይ ክልተ ኣዕኑድ ዝተመርኰሰ ኢዩ? (ለ) የሆዋ እንታይ ዝዓይነቱ ኣምላኽ ኢዩ?

2 እቲ ንቃላት ናይዛ ናይ ሓባር ሓረግ ዘውስእ ዘማራይ: ሓደ ኣዝዩ ዝበለጸ ዑቕባ ኣለዎ። ብዙሕ ዘጣራጥር ነገራትኳ እንተሃለወ ሓደ ርግጽ ዝኾነ ነገር ግን ኣሎ:- ዕርዱን ጸግዑን የሆዋ ኢዩ። እምንቶኡ ኣብ ክልተ ኣዕኑድ ዝተመርኰሰ ኢዩ። እታ ቀዳመይቲ እምነቱ ኢያ: ነዚኣ ድማ የሆዋ ኣየስተሓፍራን ኢዩ። እታ ኻልኣይቲ ድማ ናይ የሆዋ ጽድቂ ኢያ: እዚ ማለት ድማ የሆዋ ንባርያኡ ንሓዋሩ ኣይድርብዮን ኢዩ ማለት ኢዩ። የሆዋ: ነቶም እሙናት ኣገልገልቱ ዘስተሓፍር ኣምላኽ ኣይኰነን: መብጽዕኡ ዝጠልምውን አይኰነን። ኣብ ክንድኡስ: ኣምላኽ ሓቂ ኢዩ ከምኡውን ነቶም ኣብኡ ጽኑዕ እምነት ዘሕድሩ ዓስቢ ዝህብ ኣምላኽ ኢዩ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ እምነት ዓስቢ ክትረክብ ኢያ! ድሕነት ክመጽእ ኢዩ! — መዝሙር 31:5, 6።

3. ከመይ ገይሩ ኢዩ እቲ ዘማራይ ንየሆዋ ክብ ኣቢሉ ዘዕበዮ?

3 እቲ ዘማራይ ንሙዚቃኡ ክደርሶ ኸሎ ካብ ዓሚቍ ጓህን ዋይታን ጀሚሩ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ናይ እምንቶ ስለ ዘደየቦ ውሽጣዊ ሓይሊ ይረክብ። ንየሆዋ ስለቲ እሙን ፍቕሩ ክብ ኣቢሉ የሞጉሶ። “ኣብ ጽንዕቲ ከተማ ዜደንቕ ሳህሉ ኣርእዩኒ ኢዩ እሞ: እግዚኣብሔር [የሆዋ (ት.ሓ.ዓ.)] ይባረኽ” እናበለ ድማ ይዝምር። — መዝሙር 31:21።

እቶም ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብርቱዓት ዘመርቲ ኢዮም

4, 5. (ሀ) ሎሚ ከመይ ዝበሉ ብርቱዓት ዘመርቲ ኢዮም ንየሆዋ ዝውድስዎ ዘለዉ? ኣብዚ ዝሓለፈ ናይ ኣገልግሎት ዓመትከ ነዚ ከመይ ገይሮም ኣርኣይዎ? (ቻርት ተመልከት) (ለ) እቲ ናይ ዝኽሪ በዓል ከመይ ኢሉ ኢዩ: ኣብቶም ዘመርቲ ናይቶም ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ካልኦት ክሕወሱ ዝደልዩ ውልቀሳባት ከም ዘለዉ ዝሕብር? (ቻርት ተመልከት) (ሐ) ኣብታ ጉባኤኹምከ: ከመይ ዝበሉ ጉጅለ ኢዮም ኣብቶም ዘመርቲ ናይ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ክጽንበሩ ዝኽእሉ?

4 ሎሚ እተን ናይዛ መዝሙር እዚኣ ቃላት: ተወሳኺ ትርጉም ረኺበን ኣለዋ። እቲ ንየሆዋ ዝዘመረሉ መዝሙር ምስጋና ብዝኾነ ይኹን እኩይ ተጻራሪ: ብዝኾነ ይኹን ባህርያዊ ዕንወት ወይ ብዝኾነ ይኹን ቍጠባዊ ወዮ ኣይዕፈንን ኢዩ። ብሓቂ እቲ ናይ የሆዋ ፍቕራዊ ሕያውነት ንህዝቡ ዘደንቕ ኰይኑ ተረኺቡ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣገልገሎት ኣብ ኵሉ ዓለም: 4, 709,889 ዝበጽሑ ብርቱዓት ዘመርቲ ኣብ 231 ሃገራት ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዘመርዎ። እታ ብክርስቶስ የሱስ እትመሓደር ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ: እታ ተስፋ ዘይተቑርጾም ዑቕባ ኢያ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት: እዞም ኣብተን 73,070 ጉባኤታት ዝርከቡ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብቲ ዕዮ ወንጌላውነት ብድምር 1, 057,341,972 ስዓታት ኣሕለፉ። ፍረ ናይዚ ድማ 296, 004 ሰባት ህይወቶም ንየሆዋ ብምውፋይ ብማይ ጥምቀት ኣርኣይዎ። እቶም ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ ኣብቲ ኣብ ኬቭ: ዩክረይን ዝተገብረ መለኰታዊ ትምህርቲ ዘርእስቱ ኣህጉራዊ ዓቢ ኣኼባ ዝተሳተፉ ኵሎም ኣኼበኛታት ድማ: ኣየ ከመይ ዝበለ ዘደንቕ ነገር ኢዮም ዝተዓዘቡ። ኣብ ታሪኽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣዚዩ ጉሉሕ ዝኾነ ፍጻሜ ርእዮም ኢዮም። እቲ ዝተዓዘብዎ ኸኣ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ብዝሒ ናይ ሓቀኛታት ክርስትያናት ጥምቀት ኢዩ ነይሩ። ከምቲ ኣብ ኢሳያስ 54:2, 3 ብትንቢት ዝተነግረ ህዝቢ ኣምላኽ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ቍጽሪ ኢዮም እናወሰኹ ዝኸዱ ዘለዉ።

5 ዝኾነ ኰይኑ ግን ካልኦት ተወሰኽቲ ዜጋታት መንግስቲ ኣምላኽ ክኾኑ ዝደልዩ ነቶም ዘመርቲ ክጽንበርዎም መስርዖም ሒዞም ይጽበዩ ኣለዉ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት: ኣብ በዓል ዝኽሪ ሞት የሱስ ብጠቕላላ ዘስደምም ቍጽሪ ናይ 11,865,765 ሰባት ተኣኪቦም ነይሮም። ብዙሓት ካብዚኣቶም ከኣ: ኣብዚ ናይ ኣገልግሎት ዓመት እዚ ካብ ቤት ናብ ቤት እናኸዱ ነቲ መዝሙር መንግስቲ ኣምላኽ ንምዝማሩ ክበቕዑ ተስፋ ንገብር። ኣየወ እዚስ ነቲ ጸላእ ሓቂ ዝኾነ ሰይጣን ድያብሎስ ከመይ ዝበለ ቍጥዓ ይመልኦ ይኸውን! — ራእይ 12:12, 17።

6, 7. ሓደ ብኣጋንንቲ ዝጭነቕ ዝነበረ ተገዳሲ ሰብኣይ: ብሓገዝ የሆዋ ከመይ ገይሩ ክዕወት ከም ዝኽኣለ ግለጽ።

6 ሰይጣን ንገሊኦም ድምጾም ኣብቶም ብርቱዓት ዘመርቲ መታን ከይጽንብሩ ክዓግቶም ክጽዕር ኢዩ። ንኣብነት ኣብ ታይላንድ ቍጽሮም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ህዝቢ: ብናይ ኣጋንንቲ ምህዋኽ ይጭነቑ ከም ዘለዉ ኣስፋሕቲ ፈሊጦም ኣለዉ። ዝኾነ ኾይኑ ግን ብዙሓት ቅኑዓት ሰባት ብሓገዝ የሆዋ ካብዚ ክላቐቑ ክኢሎም ኣለዉ። ሓደ ሰብኣይ ተሃንጥዩ ንሓንቲ ጠንቋሊት ክበጽሓ ኢሉ ምስ ከደ: ካብቲ ግዜቲ ጀሚሩ ንዓሰርተ ዓመት ዝኣክል ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ኣጋንንቲ ጸንሐ። ብሓገዝ ናይ ሓደ መራሕ ሃይማኖት ካብ ቍጽጽሮም ክላቐቕ ኢሉኳ እንተፈተነ ዘዕግብ ለውጢ ክገብር ኣይከኣለን። ሓደ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ካብ መሰኻኽር የሆዋ ምስቲ ሰብኣይ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመሩ እሞ: ካብ ቍጽጽር ኣጋንንቲ ክላቐቐላ ዝኽእል እንኮ መገዲ: ቅኑዕ ፍልጠት ሓቂ ብምውሳድ ብየሆዋ ክኣምን ብጸሎት ድማ ናብኡ ክቐርብን ከም ዝኾነ መሃሮ። — 1 ቈረንቶስ 2:5። ኤፌሶን 4:6, 7። 1 ጢሞቴዎስ 2:3, 4።

7 ድሕርዚ ምዝርራብዚ ንለይቱ እቲ ሰብኣይ’ቲ ኣብ ሕልሙ: እቲ ምዉት ኣቦኡ ኣብ ጥንቁልናኻ እንተዘይተመሊስካ ወይለኻ እናበለ ከፈራርሖ ኸሎ ሓለመ። ስድራቤቱ ድማ ክሳቐዩ ጀመሩ። እቲ ሰብኣይ በዚ ከይሰንበደ: ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቀጸለ ኣብ ኣኼባታት ድማ ክካፈል ጀመረ። ኣብ ሓንቲ ካብተን ጽንዓታቱ: እቲ ፓይነር ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ናይ ጥንቆላ ተግባራት ዘገልግል ኣቕሑት: ንኣጋንንቲ ነቶም ካብ ቁጽጽሮም ክወጹ ዝጽዕሩ ሰባት ንምጭናቕ መገዲ ከም ዝኸፍተሎም ገለጸሉ። እቲ ሰብኣይ ንስራይ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ገለ ቍሩብ ዘይቲ ከም ዝነበሮ ዘከረ። ሕጂ ግን ክድርብዮ ከም ዝነበሮ ተገንዘበ። ካብ ዝጉሕፎ ጀሚሩ ድማ ብእኩያት መናፍስቲ እንደገና ተጨኒቑ ኣይፈልጥን። (ምስ ኤፌሶን 6:13። ያእቆብ 4:7, 8 ኣነጻጽሮ) ንሱን ሰበይቱን ኣብ ትምህርቶም ጽቡቕ ይስጉሙ ኣለዉ: ስርዓታውያን ኰይኖም ድማ ኣብቲ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝካየደሉ ኣኼባታት ይሳተፉ ኣለዉ።

8, 9. ገሊኦም ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽከ እንታይ ካልእ ዕንቅፋታት ኢዮም ከሸንፉ ዝኸኣሉ?

8 ንድምጺ ናይቲ ብስራት ካልእ ዕንቅፋታትውን ክዓብሶ ይኽእል ኢዩ። ኣብ ጋና ኣዝዩ ጭቆና ዝመልኦ ቍጠባዊ ኵነታት ስለ ዘሎ: ሰራሕተኛታት ካብ ስርሖም ክሰናበቱ: ጸኒሖም ኢዮም። ዋጋ ሃለኽቲ ስለ ዝነሃረ: ካብቶም ንምንባር ዘድልዩ ነገራት: ቁሩብ ንምርካብ እኳ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ኰይኑ ኣሎ። ህዝቢ የሆዋኸ ነዚ ብኸመይ ክዋጽእሉ ጸኒሖም? ኣብ ገዛእ ርእሶም ዘይኰነስ ንየሆዋ ብምእማን ኢዮም ክዋጽኡሉ ዝኸኣሉ። ንኣብነት: ሓደ ግዜ ሓደ ሰብኣይ ኣብቲ ናይ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት መቐበሊ ጠረጴዛ ሓንቲ ዕሽግቲ ሰታሪት ገደፈ። ኣብታ ሰታሪት ድማ $200 (ናይ ኣመሪካ ዶላር) ዝኸውን ወይ ከኣ ናይ ሰለስተ ወርሒ ደሞዝ ዝኣክል ገንዘብ ነበረ። እታ ሰታሪት ካብ ሓደ ስሙ ክገልጽ ዘይደለየ ለጋስ ወሃቢ ዝተላእከት ኢያ ነይራ። ኣብታ መጠቕለሊት ናይተን ገንዘብ ግን እዚ ዝስዕብ ተጻሒፉ ነበረ:- “አነ ስርሐይ ኣቋሪጸ ዝነበርኩ ሰብ እየ: ሕጂ ግን የሆዋ ብኻልእ ተኪኡኒ። ንእኡን ንወዱ ክርስቶስ የሱስን ከኣ አመስግን ኣሎኹ። ቅድሚ መወዳእታ ምምጽኡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምዝርጋሕ ምእንቲ ክሕግዝ: በጃኹም ነቲ ትሑት ኣበርክቶይ ተቐበልዎ።” — ምስ 2 ቈረንቶስ 9:11 ኣነጻጽርዎ።

9 ኣብ ኣኼባታት ምስታፍ ነቶም ኣብቶም ብርቱዓት ዘመርቲ ናይ ውዳሴ የሆዋ ዝጽንበሩ ሰባት የለማምዶም ኢዩ። (ምስ መዝሙር 22:22 ኣነጻጽርዎ) ስለዚ ኸኣ: ኣብ ደቡባዊ ክፍሊ ናይ ሆንድራስ ሓንቲ ኤል ሆርዳን ዝተባህለት ንእሽቶ ጉባኤ ኣላ። ነዛ ንእሽቶ ጉጅለ እዚኣ ፍልይቲ ዝገብራ እንታይ ኢዩ? እሙናት ኰይኖም ኣብ ኣኼባታት ምክፋሎም ኢዩ። ካብ 19 ኣስፋሕቲ: እቶም 12 ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ኣብቲ ኣኼባ ምእንቲ ክርከቡ: ንሓደ ሰፊሕ ፈለግ ክሰግሩ ኣለዎም። እዚ ኣብ ግዜ ሓጋይ እኳ ከቢድ ነገር ኣይኮነን: ከመይሲ መሰጋገሪ ከውሒ እናረገጹ ክሰግርዎ ይኽእሉ ኢዮም። ኣብ ግዜ ክረምቲ ግን ኵነታት ይለዋወጥ ኢዩ። እቲ ሓደ ግዜ ለጥ ኢሉ ዝውሕዝ ዝነበረ ሕጂ ኣብ ቅድሚኡ ዝጸንሖ ጸራሪጉ ዝኸይድ ብርቱዕ ውሕጅ ይኸውን። ነዚ ዕንቅፋት እዚ ንምስዓር: እቶም ኣሕዋትን ኣሓትን ክኢላታት ሓምበስቲ ንምዃን ተማሂሮም ኢዮም። ቅድሚ ምስጋሮም: ነቲ ኣብ ኣኼባ ዝኽደንዎ ክዳውንቶም: ኣብ ሓደ ቲና ዝተባህለ ብሓጺን ዝተሰርሐ ኣቕሓ አእትዮም ብናይ ፕላስሰቲክ ሳንጣ ገይሮም ይሽፍንዎ። እቲ ዝሓየለ ሓምባሳይ ነቲ ቲና ከም ሓባር መገዲ ገይሩ ይጥቀመሉ እሞ ነቶም ጉጅለ ድማ መሪሑዎም ይሰግር። ኣብቲ ሓደ ስግር ብሰላም ምስ ሰገሩ ኸኣ ነብሶም ኣዝፊፎም ክዳውንቶም ቀይሮም ኣብቲ ኣደራሽ መንግስቲ ሕጉሳትን ብጽርየት ዘብለጭልጩን ኰይኖም ይበጽሑ። — መዝሙር 40:9

ክንዓርፈሉ እንኽእል ዕርዲ

10. ስለምንታይ ኢና ኣብ ግዜ ጸቕጢ ናብ የሆዋ ክንጥምት ዝግብኣና?

10 ግሁድ ናይ ኣጋንንቲ መጥቃዕቲ ይኹን ካብ ካልእ ምንጪ ብዝመጽእ ጸቕጢ ትጭነቕ እንተደኣ ኣሊኻ ኴንካ: የሆዋ ዕርድኻ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ብጸሎት ጌርካ ቅረቦ። ነቲ ዝደኸመ ድምጺ ቑዝማ ህዝቡ ከይተረፈ ኣጸቢቑ ይሰምዖ ኢዩ። እቲ ዘማራይ ነዚ ሓቂ ኰይኑ ረኺቡዎ ኢዩ: ከምዚ ኢሉ ድማ ጸሓፈ:- “እዝንኻ ናባይ ኣድንን: ቀልጢፍካ ኣናግፈኒ። ጽኑዕ ከውሒ: ዕርዲ ምድሓነይ ኩነኒ። እምባይን ዕርደይን ንስኻ ኢኻ እሞ: ስለ ስምካ ኢልካ ምርሓኒ ኣሳልየኒውን። ንስኻ ጸግዐይ ኢኻ እሞ: ካብቲ ብሕቡእ ዘጻወዱሉይ መፈንጠራ ኣውጽኣኒ።” — መዝሙር 31:2–4።

11. ዕርዲ የሆዋ ግዝያዊ ቦታ ከም ዘይኰነ ግለጽ።

11 የሆዋ: ግዝያዊ ዑቕባ ጥራይ ዘይኰነስ ሃዲእና ክንዓርፈሉ እንኽእል ዘይጥቃዕ ዕርዲ ኢዩ ዘዳልወልና። ኣመራርሕኡን መምርሒታቱን ንህዝቡ ኣየፍሽሎምን። እቲ መለኰታዊ ሓይሊ ንኹሉ እቲ ጉርሒ ዝመልኦ ግብርታት ሰይጣንን ጭፍርኡን ከንቱ ክገብሮ ኢዩ። (ኤፌሶን 6:10, 11) ኣብቲ የሆዋ ዝመደቦ ግዜ ኸኣ ብሓይሉ ገይሩ ካብ መጻወድያ ሰይጣን ስሒቡ ከውጽኣና ኢዩ። (2 ጴጥሮስ 2:9) ኣብዘን ዝሓለፋ ኣርባዕተ ዓመታት 35 ሃገራት ነቲ ዕዮ ስብከት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሕጋዊ ገይረንኦ ኢየን። ከምኡውን ኣብቲ ማሕበራውን ቁጠባውን ወይ ፖለቲካውን ኵነታት ንዕዮ ስብከት ዕንቅፋት ኣብ ዝኾነሉ ክፍልታት ዓለም: ገለ ኣባጊዕ መሰል ሰባት ናብቲ ብነጻ ክሰምዕሉ ዝኽእሉ ቦታታት ተንቀሳቒሶም ኢዮም። ሓንቲ ካብአን ጃፓን ኢያ።

12. ከመይ ኢሉ ኢዩ ሓደ ፓይነር ኣብ ጃፓን ንየሆዋ ዕርዱ ዝገበረ?

12 ጃፓን ሓንቲ ካብተን ብኢንዱስትሪ ዝማዕበላ ሃገራት ብምዃና: ካብ ወጻኢ ዝመጹ ሰራሕተኛታት ብብዝሒ ኢዮም ዝረኣይዋ: ብዙሓት ናይ ወጻኢ ቋንቋ ዘለወን ጉባኤታት ከኣ ተቋቊመን ኣለዋ። እዚ ናይ ወጻኢ ቋንቋ ግራት ክሳዕ ክንደይ ፈራዪ ኰይኑ ከም ዘሎ ድማ ካብ ተመኵሮ ናይ ሓደ ኣብ ሓንቲ ናይ ጃፓን ጉባኤ ዘሎ ሓው ክርአ ይከኣል ኢዩ። ኣብቲ ዝያዳ ዝድለየሉ ቦታ ከይዱ ከገልግል ደለየ። እንተኾነ ግን ኣብቲ ዝነበሮ ቦታ ድማ ዛጊት ዓሰርተ ጽንዓታት ነበርዎ። ሓደ ካብ ኣዕሩኽቱ እናተዋዘየ “ኣብቲ ዝያዳ ዝድለየሉ ክትከይድ እንተ ደኣ ኴንካ: ኣብኡ 20 ጽንዓታት ክትመርሕ ኢኻ ማለት ኢዩ!” በሎ። መደቡ ተቐቢሉ ከኣ ናብ ሂሮሽማ ኸደ። ዝኾነ ኾይኑ ድሕሪ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ሓደ ጽንዓት ረኸበ። ሓደ መዓልቲ ሓደ ካብ ብራዚል ዝመጸ ቋንቋ ፖርቱጋል ዝዛረብ ሰብኣይ ረኸበ። እቲ ሓው ምስቲ ሰብኣይ ክረዳዳእ ስለ ዘይከኣለ: ብዛዕባ ቋንቋ ፖርቱጋል እትገልጽ መምሃሪት መጽሓፍ ዓደገ። ንምዝርራብ ዝጠቅም ገለ ቅልል ቅልል ዝበለ ዘረባ ምስ ተማህረ: እንደገና ነቲ ሰብኣይ ክበጽሖ ከደ። እቲ ሓው ነቲ በዓል ገዛ ብቋንቋ ፖርቱጌዝ ገይሩ ሰላምታ ምስ ኣቕረበሉ እቲ በዓል ቤት ኣዝዩ ብምግራም: ብዓቢ ፈገግታ ነቲ ማዕጾ ጋህ ኣቢሉ ኸፊቱ ንገዛ ክኣቱ ዕድመ ኣቕረበሉ። ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተጀመረ። ድሕሪ ሓጺር ግዜ ኸኣ እቲ ሓው ብጠቕላላ 22 ጽንዓታት: 14 ብፖርቱጌዝ: 6 ብስጳኛ: 2 ኸኣ ብጃፓን ክመርሕ ጀመረ።

ብትብዓት ምስባኽ

13. ንየሆዋ ብምግልጋልና: ስለምንታይ ኢዩ ማንም ከሕፍረና ዘይክእል?

13 ህዝቢ የሆዋ: ነቲ መዝሙር መንግስቲ ኣምላኽ: የሆዋ ዕርዶም ከም ዝኾነ ምሉእ እምነት ብምግባር ኢዮም ዝዝምርዎ። (መዝሙር 31:14) ኣይክሓፍሩን ኢዮም: የሆዋ ኣይከሕፍሮምን ኢዩ: ከመይሲ ቃሉ ክፍጸም ኢዩ። (መዝሙር 31:17) ድያብሎስን ጭፍርኡን ክሓፍሩ ኢዮም። ህዝቢ የሆዋ ክሰብክዎ ተላኢኾምሉ ዘለዉ መልእኽቲ ዘየሕፍር ስለ ዝኾነ: ክሰብኩ ከለዉ ብኻልኦት ሰባት ኣይሓፍሩን ኢዮም። የሆዋ ንህዝቡ ብሕፍረት ከምልኽዎ ኣይኰነን ዝድርኾም: ወዱውን ከምኡ ኣይገብርን ኢዩ። ኣልባብ ናይ ሰባት ነቲ ለውሃት የሆዋን ፍቕራዊ ሕያውነቱን ምሉእ እምነትን ሞሳን ምስ ኣርኣየ እቲ ጽቡቕ ኵነታት ናይ ልቦም ኢዩ ንኣፎም ክዛረብ ዝድርኾ። (ሉቃስ 6:45) ስለዚ ኸኣ እቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ኣብ ኣገልግሎት እነሕልፎ ግዜ: ብሕልፊኳ እቲ ግዜቲ እቲ ዓቕምና ዝፈቕዶ ኩሉ እንተደኣ ኰይኑ ጽቡቕ ኢዩ እምበር ዘሕፍር ኣይኰነን። ናይታ መበለት ለብጦንከ ብየሱስን ኣቦኡንዶ ብዙሕ ከይተመስገነት? — ሉቃስ 21:1–4።

14. በዛዕባ ዕዮ ፓይነር እንታይ ሓሳባት ምሃብካ? (ቻርት ተመልከት)

14 ነቶም ቍጽሮም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ፓይነራት ኣብ ኣምልኾኦም ምሉእ ነፍሶም ወፈያ ምርኣይ ማለት ስርዓታዊ ኴንካ ኣብ ዕዮ ፓይነር ምስታፍ ዘጠቓልል ኢዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝለዓለ ቍጽሪ 890, 231 ነይሮም: ወሰኽ ከም ናይ ቅድሚኡ ዓመት እንተዝኸውን ነይሩ እዚ ቍጽሪ እዚ ካብ 1, 000, 000 ምዛየደ ነይሩ። እዚ ዝስዕብ ተመኩሮ ሓንቲ ኣብ ናይጀርያ ዘላ ሓብቲ ከመይ ኢላ ኣብ ደረጃ ፓይነር ከም ዝኣተወት ዘረድእ ኢዩ። ከምዚ ኢላ ትጽሕፍ:- “ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ክውድእ ኣብ ዝቀራረበሉ ዝነበርኩ እዋን: ነቶም ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቤት ትምህርቲ ፓይነር ዝካፈሉ ዝነበሩ ዝኸውን መግቢ ኣብ ምስራሕ ክሕግዝ ኢለ ኸድኩ። ኣብኡ ኸኣ ከልተ ካብ ዓባየይ ዝዓብያ ኣሓት ረኸብኩ። ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ዝመሃራ ፓይነራት ምዃነን ምስ ፈለጥኩ ኸኣ: ንገዛእ ርእሰይ ‘እዘን ክልተ እዚአን ፓይነራት ኰይነን ከገለግላ ካብ ዝኽእላ ድኣ ንዓይከ እንታይ ክዓግተኒ ይኽእል’ ብምባል ተወከስክዋ። ስለዚ ኸኣ ትምህርተይ ምስ ወዳእኩ: ኣነውን ስርዓታዊት ፓይነር ኰንኩ።

15. ናይ ኣጋጣሚ ምስክርነት በየናይ መገዲ ኢዩ ንኻልኦት ኣብ የሆዋ ክዕቆቡ ዘኽእሎም?

15 ኵላቶም ፓይነር ክኾኑኳ እንተዘይከኣሉ ክምስክሩ ግና ይኽእሉ ኢዮም። ኣብ በልጅዩም ሓንቲ 82 ዓመት ዝዕድሚኣ ሓብቲ ስጋ ክትዕድግ ከደት። ሰበይቱ ነቲ በዓል እንዳ ስጋ በዚ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ዝተገብረ ፖለቲካዊ ለውጥታት ትጭነቕ ከም ዝነበረት ኣስተብሃለትላ። ስለዚ ኸኣ እታ ሓብቲ ገንዘብ እናኸፈለት ከላ ምስቲ ገንዘብ መሰኻኽር የሆዋ እንታይ ይኣምኑ? ትበሃል ንእሽቶ ጽሕፍቲ ገዲፋትላ ከደት። እታ ሓብቲ ኣብቲ እንዳ ስጋ ምስ ተመልሰት እታ ሰበይቲ እቲ በዓል እንዳ ስጋ: ብዘይ ምውልዋል መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ናይ ሳልሳይ ውግእ ዓለም ምልዓል እንታይ ከም ዝብል ሓተተታ። እታ ሓብቲ ድማ ሓቀኛ ሰላምን ድሓንን ከመይ ጌርካ ክርከብ ይከኣል? እትበሃል መጽሓፍ ኣምጽኣትላ። ድሕሪ ሒደት መዓልታት እታ ዝሸምገለት ሓብቲ ኣብቲ እንዳ ስጋ ምስ መጸት እታ ሰበይቲ በዓል እንዳ ስጋ ብዙሕ ሕቶታት ኣቕረበትላ። እታ ሓብቲ ነታ ሰበይቲ ደንገጸትላ እሞ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክትጅምር ዓደመታ። ንሳ ድማ ተቐበለታ። ሕጂ እታ ሰበይቲ እቲ ብዓል እንዳ ስጋ ክትጥመቕ ትቀራረብ ኣላ። እቲ በዓል እንዳ ስጋኸ? ንሱ ኸኣ ነታ ንእሽቶ ጽሕፍቲ ኣንቢብዋ: ሕጂ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ የጽንዕ ኣሎ።

‘መዝገብ ለውሃት’

16. ከመይ ኢሉ ኢዩ የሆዋ: ንህዝቡ መዝገብ ሰናይ መዲቡሎም ዘሎ?

16 ኣብዘን ዘጨንቓ ዳሕሮት መዓልታት: የሆዋ ነቶም ኣብኡ ዝተማዕቆቡዶ “ዘደንቕ ፍቕራዊ ሕያውነት ኣየርኣዮምን ኢዩ?” ከም ሓደ ፈቃር መዕቆቢ ዝኾነ ኣቦ: የሆዋ ነቶም ምድራውያን ደቁ: መዝገብ ለውሃት ፈልዩሎም ኣሎ። ኣብ ቅድሚ ኹሎም ተዓዘብቲ ሓጐስ ከዝንመሎም ጸኒሑ ኢዩ: እዚ ኸኣ ልክዕ ከምቲ እቲ ዘማራይ ዝብሎ ኢዩ:- “ነቶም ዝፈርሁኻ ዝዓቖርካሎም: ነቶም ኣባኻ ዝምሕጸኑ (ዝምዕቆቡ ት.ሓ.ዓ.) ኣብ ቅድሚ ደቂ ሰብ ዘዳሎኻዮ ለውሃትካ ኽንደይ ዓብዪ ኢዩ።” — መዝሙር 31:19, 21።

17-19. ኣብ ጋና: ሓደ ሽማግለ ሰብኣይ ንመርዕኡ ሕጋዊ ብምግባሩ እንታይ ሰናይ ነገር ኣፍረየ?

17 በዚ ምኽንያትዚ ኸኣ: ዓለማውያን ሰባት ብዛዕባ ቅንዕና ናይቶም ንየሆዋ ዘምልኽዎ ዘለዉ ሰባት ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ኢዮም: በዚ ኸኣ ይድነቑ ኢዮም። ንኣብነት ኣብ ጋና ሓደ 96 ዓመት ዝዕድሚኡ ሰብኣይ: ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ናይ መርዓ መዝገብ ከይዱ እቲ ናይ 70 ዓመት ባህላዊ መርዕኡ ሕጂ ክምዝገበሉ ሓተተ። እቲ ናይ መርዓ በዓል መዚ: ብዙሕ ስለ ዝተገረመ “ብልብኻ ዲኻ ኣብዚ ዕድመዚ ከምኡ ክትገብር?” ኢሉ ሓተቶ።

18 እቲ ሰብኣይ ከምዚ ክብል ገለጸሉ:- “ኣነ ሓደ ካብ መሰኻኽር የሆዋ ክኸውንን ቅድሚ መወዳእታ ዓለም ከኣ ኣብቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ዕዮ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክካፈል ደልየ ኣለኹ። እዚ ዕዮዚ ኣብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ዕዮ ኢዩ። መሰኻኽር የሆዋ ነቲ ሲቪልያዊ ሕጊ: ከምኡውን ነቲ ብዛዕባ መርዓ ዝምልከት ሕጊ ይእዘዝዎ ኢዮም። ስለዚ በጃኻ መዝግበኒ ኢኻ።” እቲ በዓል መዚ ኣዝዩ ደንጸዎ። ካብዚ ቀጺሉ ነቲ ናይ ምምዝጋብ ዕዮኡ ፈጸመ: እቲ ሽማግለ ሰብኣይ ድማ: ሕጂ መርዕኡ ሕጋዊ ብምዃኑ እናተሓጐሰ ኸደ። — ምስ ሮሜ 12:2 ኣነጻጽርዎ።

19 ብድሕርዚ እቲ ናይ መርዓ መዝጋቢ በቲ ሰሚዕዎ ዝነበረ ነገራት ከስተንትን ጀመረ። “መሰኻኽር የሆዋ  . . .እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዕዮ  . . . መወዳእታ ዓለም  . . . መንግስቲ ኣምላኽ  . . . ዘለኣለማዊ ህይወት” እዚ ኹሉ ቃላት እዚ ኣብ ህይወት ናይቲ 96 ዓመት ዝዕድሚኡ ሰብኣይ እንታይ ትርጕም ከም ዘለዎ ከተሓሳስቦ ጀመረ: ነቲ ጉዳይ ኣጸቢቑ መታን ክምርምሮ ኸኣ: ነቶም መሰኻኽር ክደልዮም ወሰነ። ሎሚ: እቲ ናይ መርዓ መዝጋባይ እቲ: ዝተጠመቐ ምስክር ኰይኑ ኣሎ። ስለዚ: ኣብቲ ንሰባት ንእሽቶ ነገር መሲሉ ዝረኣዮም ጉዳያት ከይተረፈ: ንየሆዋ እንተደኣ ተኣዚዝና: ንዓናን: ነቶም ዝዕዘቡናን ማእለያ ዘይብሉ ፍረ ከፍርየልና ይኽእል ኢዩ። — ምስ 1 ጴጥሮስ 2:12 ኣነጻጽሮ።

20. ኣብ ሚያንማር: ሓንቲ መንእሰይ ሓብቲ ዘርኣየቶ ቅንዕና ከመይ ኢሉ ኢዩ ኣብ ጽቡቕ ምስክርነት ዘብጽሐ?

20 እቶም ንሓቂ ቅኑዓት ሰባት ገይራ ክትምልምሎም ዘፍቅዱላ ዘለዉ ብዕድመ ዓበይቲ ዝኾኑ ኣብዛ ቅንዕና ዘይብላ ዓለም ነቶም መንእሰያት ሰናይ ኣብነት ይኾንዎም ኣለዉ። ኣብ ምያንማር: ከምኡ ዝመሰለት መንእሰይ ሓብቲ ኣላ። ንሳ ካብ ሓንቲ ዓሰርተ ቆልዑ ዘለዉዋ ድኻ ስድራቤት ዝመጸት ኢያ። እቲ ኣቦኣ: ጥሮተኛ ኰይኑ ስርዓታዊ ፓይነር ኢዩ። ሓደ ግዜ እታ ሓብቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ካብ ኣልማዝ ዝተሰርሐት ካትም ረኸበት እሞ ተቓላጢፋ ናብ መምህራ ኣምጽኣታ። ንጽባሒቱ እቶም ተመሃሮ ምስ ተኣከቡ: እታ መምህር ነቶም ክፍሊ: እታ ካትም ከመይ ኢላ ከም ዝተረኽበትን ኣብ ዋንኣ ከም ዝተመልሰትን ነገረቶም። ድሕርዚ እታ መምህር: ካልኦት ቆልዑ እንተ ዝኾኑ ምስኦም ከም ዝሕዝዋ ስለ ዝፈለጠት: ነታ መንእሰይ ሓብቲ ኣብ ቅድሚ እቶም ክፍሊ ደው ክትብል እሞ: ነታ ካቲም ስለምንታይ ከም ዝመለሰታ ክትገልጽ ሓተተታ። እታ ሓብቲ ድማ: ንሳ ናይ የሆዋ ምስክር ምዃናን: ኣምላኻ ድማ ስርቂ ወይ ዝኾነ ይኹን ቅጥፈት ከም ዘይፈቱ ገለጸትሎም። ብምሉኡ እቲ ቤት ትምህርቲ ኸኣ ብዛዕብኡ ሰምዐ እሞ: ሓብትና ድማ ንመማህራን ይኹን ተመሃሮ ክትምስክረሎም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ረኸበት።

21. መንእሰያት ኣብ የሆዋ እምነት ክገብሩ ኸለዉ: ከመይ ኢሉ ኢዩ ጠባዮም ንዕኡ ዘንጸባርቕ?

21 ኣብ በልጅዩም: ሓደ መምህር ኣብ ክፍሊ ብዛዕባ መሰኻኽር የሆዋ ዘሐጕስ ርእይቶ ኣቕረበ። ናይ ሓንቲ ተምሃሪቱ ጠባይ ተዓዚቡ ነበረ: እዚኣውን ሓንቲ መንእሰይ ሓብቲ ኢያ። ከምዚ ኸኣ በለ:- “ሕጂ ብዛዕባ መሰኻኽር የሆዋ ፍልይ ዝበለ ኣተሓሳስባ ኢዩ ዘሎኒ። ብግጉይ ኣመለኻኽታ እርእዮም ስለ ዝነበርኩ: እቶም ዝተሓተ ምጽዋር ዘለዎም ህዝቢ ገይረ ኢየ ዝሓስቦም ነይረ። ሕጂ ግን ካብ መትከሎም ከይተናቓነቑ እቶም ዝለዓለ ናይ ምጽዋር ክእለት ዘለዎም ህዝቢ ኰይኖም ረኺበዮም።” ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት እቶም ብሉጻት ተመሃሮ ብመማህራኖም ብልጫ ይወሃቡ ኢዮም። ኣብ መንጐ እቲ ኻልእ ትምህርትታት: ብናይ ትምህርቲ ስነ–ሞራል ዝወሃብ ብልጫውን ኣሎ። እዚ መምህር እዚ ንሰለስተ ዓመታት ኣከታቲሉ: እቲ ነቶም ሰለስተ ብሉጽ ነጥብታት ዘምጽኡ ዝወሃብ ብልጫ ንደቂ ናይ የሆዋ መሰካኽር ኢዩ ዝሃቦም። እቶም ብተኣማንነት ናብ የሆዋ ዝውከሉ ኵሉ ሳዕ ከምኡ ኢዩ ዘጋጥሞም። — መዝሙር 31:23።

22. እቲ ኣብ መዝሙር 31 ዘሎ ዕዉት መደምደምታ እንታይ ኢዩ? እዚ ከመይ ኢሉ ኢዩ ኣብዘን መዕጸዊ መዓልታት ናይዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ዝሕግዘና?

22 መዝሙር 31 ብናይ ፍስሃ ዝመልኦ ናይ ዓወት መደምደምታ ከምዚ ዝስዕብ መቓልሕ ትህብ:- “ኣቱም ብእግዚኣብሄር [ብየሆዋ (ት.ሓ.ዓ.) ] ተስፋ እትገብሩ ኵሉኹም: በርትዑ: ልብኹምውን ይጽናዕ።” (መዝሙር 31:24) ስለዚ: ነዘን መዕጸዊ መዓልታት ናይ ሰይጣን እኩይ ኣገባብ ክንጋጠመን ከሎና: ኣብ ክንዲ ዝሓድገና የሆዋ ኣጸቢቑ ኢዩ ዝቐርበናን ሓይሉ ድማ ዝህበና። የሆዋ እሙን ኢዩ ኣየሕፍረናን ድማ ኢዩ። ንሱ ዑቕባና ኢዩ: ንሱ ዕርድና ኢዩ። — ምሳሌ 18:10።

ትዝክርዎዶ?

◻ ስለምንታይ ኢና ተኣማሚንና ኣብ የሆዋ ክንዕቆብ እንኽእል?

◻ ብርቱዓት ዘመርቲ: መዝሙር መንግስቲ ኣምላኽ ብትብዓት ይዝምሩ ከም ዘለዉ እንታይ መረጋገጺ ኢዩ ዘሎ?

◻ ሰኪዔት ሰይጣን: ንህዝቢ የሆዋ ከም ዘይሕዞም: ክንተኣማመን እንኽእል ስለምንታይ ኢና?

◻ የሆዋ ነቶም ኣብኡ ዝምዕቆቡ እንታይ መዝገብ ኢዩ ኣዳልዩሎም ዘሎ?

[ኣብ ገጽ 8-11 ዘሎ ሰሌዳ]

ናይ 1993 ዓለምለኸ ጸብጻብ ኣገልግሎት ናይ የሆዋ መሰኻኽር

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

እቶም ኣብ የሆዋ ዝምዕቆቡ ብርቱዓት ዘመርቲ ናይ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ — 4,709,889 ሓያላት!

1. ሰነጋል

2. ብራዚል

3. ቺለ

4. ቦሊቭያ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ