ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w94 1/4 ገጽ 8-13
  • ንመንፈስ ዓለም ትቃወሞዶ ኣሎኻ?

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንመንፈስ ዓለም ትቃወሞዶ ኣሎኻ?
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንመንፈስ እዛ ዓለም ኣዚኣ ኣርሕቆ
  • “መንፈስ ዓለም” ዝግለጸሉ መገድታት
  • ንመንፈስ ዓለም ብኸመይ ከም እትቃወሞ
  • ን“መንፈስ ዓለም” ተጻረሮ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • መንፈስ ኣምላኽ እምበር፡ መንፈስ ዓለም ኣይትቀበል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • መንእሰያት—ንመንፈስ ዓለም ተጻረርዎ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ብመንፈስ ኣምላኽ እንምራሕ ስለምንታይ ኢና፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
w94 1/4 ገጽ 8-13

ንመንፈስ ዓለም ትቃወሞዶ ኣሎኻ?

“ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዚኸውን መንፈስ እምበር: መንፈስ ዓለም ኣይተቐበልናን።” — 1 ቈረንቶስ 2:​12።

1, 2. ኣብ ህንዲ እትርከብ ቦፓል ዝተባህለት ከተማ በቲ መርዛም ጋዝ እንታይ ዘሕዝን ኵነታት ኢዩ ዘጋጠማ? ይኹን እምበር እንታይ ካብኡ ዝገደደ መርዛም “ጋዝ” ኢዩ ኣብ ብዘላ ዓለም ዝርከቡ ሰባት ዘስተንፍስዎ ዘለዉ?

ኣብ ታሕሳስ ናይ 1984 ሓደ ምሸት ዛሕሊ ከትከት እናበለ ኸሎ: ኣብ ህንዲ እትርከብ ቦፓል ዝተባህለት ከታማ ሓደ ዘሰንብድ ነገር ተረኽበ። ኣብታ ከተማ እቲኣ ናይ ከሚካል ትካል ኣሎ። ኣብታ ናይ ታሕሳስ ምሸት ድማ ሓደ ካብቶም ጋዝ ዝመልኡ ኣጋንእ መገጣጠሚኡ ስለ ዝዘለቐ ብሃንደበት ዓሰርተታት ኵንታላት ዝምዘን ሜታይል ኣይዞሳነይት እተባህለ ከሚካላዊ ጋዝ ናብ ኣየር ክፍኖ ጀመረ። ንፋስ ድማ ነዚ ቀታሊ ጋዝ እዚ ተሰኪሙ ናብ ኣባይትን ናብተን ደቂሰን ዝነበራ ስድራቤታትን እናተጠዋወየ ክኣቱ ጀመረ። በሽሓት ዝቑጸሩ ክሞቱ ከለዉ ብዙሓት ካልኦት ድማ ኣካለስንኩላት ኮይኖም ተረፉ። ክሳዕ ሽዑ ካብ ዘጋጠሙ ናይ ኢንዱስትሪ ሓደጋታት እዚ እቲ ዝኸፍአ ኢዩ ነይሩ።

2 ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ከተማ ቦፓል ምስ ሰምዑ ጒህዮም ኢዮም። ይኹን እምበር እቲ ጋዝ እቲ ኣዝዩ ቀታሊ እኳ እንተ ነበረ: እቶም በቲ ሽዑ እተፈነወ ጋዝ እተቐትሉ ምስቶም ብምኽንያት እዚ ኣብ ብዘላ ዓለም ዝርከቡ ዘለዉ ሰባት በብመዓልቱ ዘተንፍስዎ ዘለዉ “ጋዝ” ብመንፈሳዊ መገዲ እተቐትሉ ሰባት ከተነጻጽሮ ከሎኻ ቍጽሮም ኣዝዩ ውሑድ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ነዚ ቐታሊ ጋዝ እዚ “መንፈስ ዓለም” ኢሉ ኢዩ ዝጽውዖ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነዚ ቀታሊ አየር ምስቲ ካብ ኣምላኽ ዝኾነ መንፈስ ከነጻጽሮ ኸሎ ከምዚ ኢሉ ኣሎ:- “ንሕና ግና: እቲ ብኣምላኽ እተዋህበና ምእንቲ ኽንፈልጥሲ: ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዚኸውን መንፈስ እምበር: መንፈስ ዓለም ኣይተቐበልናን።”​—⁠1 ቈረንቶስ 2:⁠12።

3. “መንፈስ ዓለም” ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ?

3 እዚ “መንፈስ ዓለም” ተባሂሉ ዘሎ እንታይ ኢዩ? ብመሰረት እቲ ዘ ኒው ታየርስ ግሪክ ኢንግሊሽ ሌክሲኮን ኦቭ ዘ ኒው ተስታመንት እተባህለ መጽሓፍ: እቲ “መንፈስ” (ብግሪኽ ኔዩማ) ዝብል ቃል ሓፈሻዊ ትርጉሙ “ንናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ነፍሲ መሊኡን ተቖጻጺሩን ዝሕዝ ውሽጣዊ ዝንባሌ ወይ ጽልዋ” ዝብል ኢዩ። ሓደ ሰብ ጽቡቕ ወይ ሕማቕ መንፈስ ወይ ከኣ ውሽጣዊ ዝንባሌ ክህልዎ ይኽእል ኢዩ። (መዝሙር 51:10። 2 ጢሞቴዎስ 4:22) ገለ ጕጅለ ሰባት መንፈስ ወይ ከኣ ዝዕብልል ዝንባሌ ክህልዎም ይኽእል ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ንፊልሞን ፈታዊኡ ከምዚ ብምባል ጸሓፈሉ:- “ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ መንፈስኩም ይኹን። ኣሜን።” (ፊልሞን 25) ብተመሳሳልን ብዝተዓጻጸፈ መገድን ዓለም ብሓፈሻ ዓብሊሉ ዝሕዝ ዝንባሌ ኢዩ ዘለዋ: እዚ ኸኣ እቲ ብጳውሎስ ተጠቒሱ ዘሎ “መንፈስ ዓለም” ምዃኑ ኢዩ። ቪንሰንት ኣብታ ዎርልድ ስታዲስ ኢን ዘ ኒው ተስታመንት እትብል መጽሓፎም ብዝበልዎ መሰረት “እዚ ሓሳብ እዚ ትርጉሙ: ነዛ ዝሩግ መንፈስ ሒዛ ዘላ ዓለም ዘለዓዕል እኩይ መምርሒ ማለት ኢዩ።” ስለዚ እምበኣር “መንፈስ ዓለም” ክበሃል ከሎ እቲ ኣብ አተሓሳስባ ናይዛ ዓለም ኣዚኣ ሰሪጹ ኣብ ናይ ሰባት ተግባራት ብርቱዕ ጽልዋ ዝገብር ዘሎ ሓጥእ ዝንባሌ ማለት ኢዩ።

4. መንፈስ ዓለም ካበይ ኢዩ ዝምንጭ? እዚ መንፈስ እዚኸ ኣብ ደቂ ሰብ እንታይ ሳዕቤን ኢዩ ዝገብር ዘሎ?

4 እዚ መንፈስ እዚ መርዛም ኢዩ። ስለምንታይ? ምኽንያቱ ካብቲ “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” ዝኾነ ሰይጣን ስለ ዝመጽእ ኢዩ። ብርግጽ እኳ ድኣ “መንፈሱ ሕጂ ኣብቶም ደቂ ዘይምእዛዝ ዚገብር ዘሎ ሓለቓ ስልጣን ኣየር” ኢዩ ተባሂሉ ዘሎ። (ዮሃንስ 12:31። ኤፌሶን 2:⁠2) ካብዚ “ኣየር” እዚ ወይ ከኣ ካብቲ “መንፈሱ ሕጂ ኣብቶም ደቂ ዘይምእዛዝ ዚገብር ዘሎ” ከተምልጥሲ ኣሸጋሪ ኢዩ። ኣብ ናይ ደቂ ሰብ ማሕበረ ሰብ ድማ ኣብ ኵሉ ስፍራ ኢዩ ዝርከብ ዘሎ። እንተድኣ ኣስተንፊስናዮ ኣተሓሳስባኡን ዕላማታቱን ክንቀድሖ ንጅምር። መንፈስ ዓለም ‘ከም ስጋ ንኽንነብር’ ማለት ምስቲ ሓጥእ ዘይፍጽምናና ተሰማሚዕና ንኽንነብር ኢዩ ዘተባብዕ። ናብ ሞት ዝመርሕ ድማ ኢዩ: ከመይሲ “ከም ስጋ እንተ ነበርኩም: ክትሞቱ ኢኹም።”​—⁠ሮሜ 8:⁠13።

ንመንፈስ እዛ ዓለም ኣዚኣ ኣርሕቆ

5. ኣብ ቦፓል መዓት ክወርድ ከሎ እቲ ኣብኡ ዝነበረ ሓው ብጥበብ እንታይ ኢዩ ዝገበረ?

5 ኣብ ከተማ ቦፓል መዓት ዝወረደሉ ግዜ: ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር በቲ ንሓደጋ ዘመልክት ድምጽን በቲ ዝዕብልኽ ጨና ናይቲ መርዛም ጋዝን ተበራበረ። ተቐላጢፉ ንስድራቤቱ ኣተሲኡ ድማ ብጉያ ንደገ ኣውጽኦም። ሓንሳእ ደው ኢሉ እቲ ንፋስ ናበይ ገጹ ከም ዘብል ድሕሪ ምዕዛቡ ብማእከል እቲ ዓቕሉ ጸቢብዎ ዝነበረ ህዝቢ እናተጸቓቐጠ ስድራቤቱ ሒዙ ካብ ከተማ ወጻኢ ኣብ እትርከብ ጎቦ ደየበ። ኣብኡ ምስ በጽሑ ካብቲ ኣብ ጥቓኦም ዝነበረ ቀላይ ዝመጽእ ዝነበረ ዘይተመረዘ ንጹህ ኣየር ከስተንፍሱ ኸኣሉ።

6. ካብ መንፈስ ዓለም ኣምሊጥና ኣበይ ኢና ክንከይድ እንኽእል?

6 ካብዚ መርዛም “ኣየር” ናይዛ ዓለም እዚኣኸ ርሒቕና ክንዕቆበሉ እንኽእል ክብ ዝበለ ስፍራ አሎዶ? ከምኡ ዝበለ ቦታ ከም ዘሎ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና ኢዩ። ነብዪ ኢሳይያስ ናብዚ ግዜና እናጠመተ ከምዚ ብምባል ይጽሕፍ:- “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ኪኸውን እዩ: ናይ ቤት እግዚኣብሄር ከረን ኣብ ርእሲ ኣኽራን ኪቐውም: ኣብ ልዕሊ ኹድኹዶታት ድማ ልዕል ኪብል: ኵሎም ኣህዛብውን ናብኡ ኺውሕዙ እዮም። ሕጊ ኻብ ጽዮን: ቃል እግዚኣብሄር ከኣ ካብ የሩላሌም ኪወጽእ እዩ እሞ: ብዙሓት ህዝብታት ኪኸዱ፤ ንዑናይ ናብ ከረን እግዚኣብሄር: ናብ ቤት ኣምላኽ ያእቆብ ንደይብ: ንሱ ጐደናታቱ ኺምህረና: ብመገድታቱውን ክንመለላለስ ኢና: ድማ ኪብሉ እዮም።” (ኢሳይያስ 2:​2, 3) ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ካብቲ ዓቢሱ ክቐትለካ ዝኽእል መርዛም መንፈስ ናይዛ ዓለም እዚኣ ርሒቕና ክንዕቆበሉ እንኽእል ንጹህ ስፍራ እንተልዩ እቲ ክብ ዝበለ ንጹህ ኣምልኾ ዝርከቦ ቦታ ማለት እቲ ልዕል ዝበለ ‘ናይ ቤት የሆዋ ከረን’ ጥራይ ኢዩ። ኣብኡ ጥራይ ኢዩ መንፈስ የሆዋ ኣብ ማእከል እቶም እሙናት ክርስትያናት ናጻ ኾይኑ ዝውሕዝ ዘሎ።

7. ብዙሓት መንፈስ ዓለም ዘስተንፍሱ ዝነበሩ ብኸመይ ኢዮም ክድሕኑ ኽኢሎም?

7 ብዙሓት ካብቶም ቅድሚ ሕጂ ንመንፈስ ናይዛ ዓለም እዚኣ ዘስተንፍሱ ዝነበሩ ሕጂ ካብኡ ርሒቖም ዕረፍቲ ረኺቦም ኣለዉ። እዚ ድማ ምስቲ ኣብ ላዕሊ ዝርአናዮ ተሞክሮ ናይቲ ኣብ ቦፓል ዝነብር ሓው ዝመሳሰል ኢዩ። ብዛዕባ እቶም ንኣየር ወይ ንመንፈስ ናይዛ ዓለም እዚኣ ዘስተንፍሱ “ደቂ ዘይምእዛዝ” ምስ ተዛረበ: ሃዋርያ ጳውሎስ ቀጺሉ ከምዚ ይብል:- “ንሕና ኹላትና ኸኣ ነቲ ናይ ስጋን ናይ ሓሳባትን ድሌት እናገበርና: ቀደም ብትምኒት ስጋና ምሳታቶም ንነብር ነበርና: ከምቶም ካልኦትውን ብባህርይና ደቂ ቑጥዓ ነበርና። ግናኸ እቲ ብምሕረት ሃብታም ዝኾነ ኣምላኽ ምእንቲ እታ ብእኣ ዘፍቀረና ዓባይ ፍቕሩ: ንኣና: ብበደልና ምዉታት ከሎናስ: ምስ ክርስቶስ ህያዋን ገበረና።” (ኤፌሶን 2:​3-5) እቶም ነቲ ምሩዝ ኣየር ናይዚ ኣገባብዚ ጥራይ እንተ ዘይኮይኑ ካልእ ዘየስተንፍሱ ሰባት ብመንፈሳዊ መገዲ ምዉታት ኢዮም። ይኹን እምበር ኣብዚ ግዜ እዚ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ካብቲ ናብ ሞት ዘብጽሕ ሓደገኛ ኵነታት ኣምሊጦም ናብቲ ብመፈሳዊ መገዲ ክብ ዝበለ ስፍራ ይሃድሙ ብምህላዎም ንየሆዋ ምስጋና ይብጽ⁠ሓዮ።

“መንፈስ ዓለም” ዝግለጸሉ መገድታት

8, 9. (ሀ) መንፈስ ዓለም ምእንቲ ከይለግበና ከየቋረጽና ክንነቅሕ ዘድልየና ስለምንታይ ኢዩ? (ለ) መንፈስ ሰይጣን ከመይ አሉ ኢዩ ከበላሽወና ዝኽእል?

8 እቲ ቀታሊ ዝኾነ ናይ ሰይጣን ዘራጊቶ አብ ከባቢና ይሸብብ ኢዩ ዘሎ። ስለዚ እምበኣር ካብቲ ክብ ዝበለ ንጹህ ኣምልኾ ዝርከቦ ስፍራ ንታሕቲ ገጽና እናኣንቆልቆልና ምእንቲ ከይንጠፍእ ምናልባትውን ብመንፈሳዊ መገዲ ተዓቢስና ምእንቲ ከይንመውት ኣዚና ክንጥንቀቕ ይግብኣና። እዚ ድማ ዘየቋርጽ ጥንቁቕ ሓለዋ ምግባር ይሓትት። (ሉቃስ 21:36። 1 ቈረንቶስ 16:13) ንኣብነት ነዚ ዝስዕብ ክዉን ዝኾነ ነገር እስኪ ነቕልበሉ። ኵሎም ክርስትያናት ነቲ ብዛዕባ ሞራል ዝምልከት ስርዓታት የሆዋ ይፈልጥዎ ኢዮም። ከም እኒ ዝሙት: ምንዝር: ግብረ–ሰዶም ዝኣመሰሉ ርኹስ ተግባራት ቅቡላት ኢዮም ንዝብል ኣተሓሳስባ ፈጺሞም አይሰማምዑሉን ኢዮም። ይኹን እምበር ኣብ ዓዓመቱ ካብ 40,000 ንላዕሊ ዝኾኑ ውልቀ ሰባት ካብ ማሕበር የሆዋ ይውገዱ ኣለዉ። ስለምንታይ ኰን ይኾኑ? መብዛሕትኦም ምስ እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ዝመሳሰል ርኹስ ተግባርት ስለ ዝፈጸሙ ኢዮም። እዝስ ከመይ ኢሉ ክፍጸም ይኽኣል?

9 ምኽንያቱ ኵልና ዘይፍጹማት ኢና። ስጋ ድኹም ስለ ዝኾነ ኸኣ ኩልና ኣንጻር እቲ ናብ ልብና ዝመጽእ እኩይ ዝንባሌታት ብቐጻሊ ክንቃለስ ይግብኣና። (መክብብ 7:20። ኤርምያስ 17:⁠9) ይኹን እምበር መንፈስ እዛ ዓለም እዚኣ ነዚ ግጉይ ዝምባሌታት እዚ ንኽፍጸም ኢዩ ዘተባብዕ። ኣብዛ ዓለም እዚኣ መብዛሕትኦም ሰባት ብዕልግና ምፍጻም ኣበሳ ከም ዘይኮነ ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ: እቲ ኩሉ ተፈቒዱለይ ኢዩ ዝብል ሓሳብ ድማ: ክፍሊ ኣተሓሳስባ ናይዚ ሰይጣናዊ ኣገባብ ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ኣተሓሳስባ ንኽህልወና ነፍቅድ እንተድኣ ኰይንና ብዘይጥርጥር ከም ኣተሓሳስባ ዓለም ኽንሓስብ ክንጅምር ኢና። ነዊሕ ከይጸንሐ ኸኣ እዚ ርኹስ ኣተሓሳስባ እዚ ግጉይ ባህግታት ኣሕዲሩ ኣብ ከቢድ ሓጢኣት ኢዩ ዘውድቕ። (ያእቆብ 1:​14, 15) ድሕርዚ ካብቲ ክብ ዝበለ ንጹህ ኣምልኾ ዝርከቦ ከረን የሆዋ ርሒቕና ናብ ታሕቲ ገጽና ማለት ናብቲ ምሩዝ ናይ ሰይጣን ዓለም ክንኩብልል ወይ ክንህውትት ኢና። እቲ ብፍቓዱ ኣብኡ ዝጸንሕ ድማ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣይክወርስን ኢዩ።​—⁠ኤፌሶን 5:​3-5, 7።

10. ሓደ ካብቲ መግለጺ ናይ ሰይጣን ኣየር እንታይ ኢዩ? ክርስትያናትከ ስለምንታይ ኢዮም ነዚ ከወግድዎ ዘለዎም?

10 መንፈስ ዓለም ኣብ ከባቢና ከም ዘሎ ብቐሊሉ ክርኣየሉ ዝኽእል ብዙሕ መገድታት አሎ ። ንኣብነት ብዙሓት ሰባት ግዲ ዘይብልካ ኾይንካ እናላገጽካ ወይ እናሸምጠጥካ ምንባር ይመርጹ። በቶም ብልሹዋት ወይ ሰነፋት ፖለቲካውያንን በቶም ብዕሉጋትን ስሱዓትን መራሕቲ ሃይማኖት ስለ ዝተታለሉ ነቲ ረዚን ነገራት እኳ ከይተረፈ ብላግጺ ኢዮም ዝዛረቡሉ። ክርስትያናት ነዚ ከምዚ ዝበለ ዝንባሌ ይቃወምዎ ኢዮም። ጽፈት ዘለዎ ዋዛ እኳ ንዋዘ እንተኾንና ነቲ ክብሪ ዘይህብ ናይ ምሽምጣጥ ወይ ናይ ምልጋጽ መንፈስ ግን ኣብ ጉባኤ ክቐርብ ኣይንደልን ኢና። ሓደ ክርስትያን ኣዘራርባኡ ነቲ ኣብ የሆዋ ዘለዎ ፍርሃትን ነቲ ንጹህ ልብን ኢዩ ዘንጸባርቕ። (ያእቆብ 3:​10, 11። ምስ ምሳሌ 6:14 አነጻጽሮ።) ንኣሽቱ ንኹን ዓበይቲ ብዘየገድስ ‘ንነፍሲ ወከፍ ከም ዚግባእ ከመይ ገይርና ከም እንመልስ ምእንቲ ኽንፈልጥ: ዘረባና ብጨው እተቓመመ ኹሉ ሳዕ ብጸጋ’ ክኸውን ይግብኦ። — ቈሎሴ 4:⁠6.

11. (ሀ) ካልኣይ መዳይ ናይ መንፈስ ዓለም እንታይ ኢዩ? (ለ) ክርስትያናት ካብቶም ነዚ መዳይ እዚ ዘንጸባርቑ እተፈልዩ ዝኾኑ ስለምንታይ ኢዮም?

11 ካልእ መንፈስ ዓለም ዘንጸባርቕ ወትሩ ዝርአ ዝንባሌ ጽልኢ ኢዩ። ዓለም ብምኽንያት ትውልዳዊ: ዓሌታዊ: ሃገራውን ብሕታውን ምፍልላይ ዝመጽእ ብርቱዕ ጽልኢ ተኸፋፊላ ኢያ ዘላ። እቲ መንፈስ ኣምላኽ ዝዓሰሎ ቦታ ግን ኣየ ክሳዕ ክንደይ ፍልይ ዝበለ ኾን ኢዩ! ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “ነቲ ኣብ ቅድሚ ኹሉ ሰብ ጽቡቕ ዚኸውን ደኣ ሓሰቡ እምበር: ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎ። ዚከኣል እንተ ኾይኑስ: ብኣኻትኩም ዝመጸ: ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ። ፍቁራተይ፤ ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ: ኣነ ኽፈድዮ እየ: ይብል እግዚኣብሄር: ጸሑፍ እዩ እሞ: ነቲ መዓትሲ ስፍራ ሕደጉሉ እምበር: ባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ። ጸላኢኻ እንተ ጠመየ ግና ኣብልዓዩ: እንተ ጸምኤውን ኣስትዮ። እዚ ብምግባርካ ጕሁር ሓዊ ኣብ ርእሱ ኽትእክብ ኢኻ። ነቲ እከይ ደኣ ብሰናይ ጌርካ ስዐሮ እምበር: በቲ እከይ ኣይትሰዐር።”​—⁠ሮሜ 12:​17-21።

12. ክርስትያናት ንመንፈስ ናይ ስጋዊ ጥሪት ከርሕቕዎ ዘለዎም ስለምንታይ ኢዮም?

12 መንፈስ እዛ ዓለም እዚኣ ፍቕሪ ናይ ስጋዊ ጥሪትውን የለዓዕል ኢዩ። ብዙሓት ሰባት ብናይ ንግዲ ዓለም ተማሪኾም ሓዲሽ ኤሌክትሮኒካዊ መሳርሒታት: ሓዲሽ ቅዲ: ሓዳስ ዘመናዊት ማኪና ክህልወና ኣለዎ ብዝብል ኣታሓሳስባ ተዋሒጦም ይርከቡ ኣለዉ። ባሮት ናይ “ፍትወት ኣዒንቲ” ኰይኖም ኣለዉ። (1 ዮሃንስ 2:16) መብዛሕትኦም ሰባት: ሰፊሕ ቤትን ኣብ ባንክ ብዙሕ ገንዘብ ምህላውን ከም መለክዒ ናይ ዕዉት ህይወት ገይሮም ይሓስብዎ። እቶም ኣብቲ ንጹህ ኣምልኾ ዝርከቦ ክብ ዝበለ ከረን የሆዋ ኮይኖም ንጹህ መንፈሳዊ ኣየር ዘስተንፍሱ ዘለዉ ክርስትያናት ነዚ ዝንባሌ እዚ ይቃወምዎ ኢዮም። ደድሕሪ ስጋዊ ጥሪት መኪትካ ምጕያይ መወዳእታኡ ጥፍኣት ከስዕበልካ ከም ዝኽእል ይግንዘብዎ ኢዮም። (1 ጢሞቴዎስ 6:​9, 10) የሱስ ንሃዋርያቱ ከምዚ ብምባል ኣዘኪርዎም ኣሎ:- “ህይወት ሰብ ብብዝሒ ገንዘብ ኣይኰነትን።”​—⁠ሉቃስ 12:⁠15።

13. ካልእ ተወሳኺ መግለጺታት ናይ መንፈስ ዓለም እንታይ ኢዩ?

13 እዚ ዘይጥዑይ “ኣየር” ናይዛ ዓለም እዚኣ ዝግለጸሉ ካልእ መገድታትውን ኣሎ። (2 ጢሞቴዎስ 3:​1-3) ሎሚ ብዙሓት ሰባት ንሰበ ስልጣናት ይእዘዙ ከም ዘየለዉ ኣስተብሂልካዶ አሎኻ? መሳርሕትኻ ኣብ ቅድሚ ሓለቓኦም ጥራይ እንተዘይኮይኖም ንሱ ከልግስ ከሎ ፈጺሞም ከም ዘይሰርሑ ተዓዚብካዶ አሎኻ? ሕጊ ጥሒሶም ዝመላለሱ: ምናልባት ኣብ ምኽፋል ግብሪ እናኣታለሉ ወይ ከኣ ካብቲ ዝሰርሕሉ ቦታ እናሰረቑ ዝነብሩ ክንደይ ሰባት ትፈልጥ? ገና ተምሃራይ አንተድኣ ኾይንካ ድማ መማህርትኻ ነቶም ንፉዓት ተምሃሮ ስለዘቃልልዎም ኣበርቲዕኻ ንኸይተጽንዕ ተስፋ ኣቍሪጾምኻዶ ይፈልጡ? ኵሉ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝርኣናዮ ነገራት መንፈስ ዓለም ዝግለጸሉ መገድታት ስለ ዝኾነ: ክርስትያናት ክቃወምዎ ይግብኦም።

ንመንፈስ ዓለም ብኸመይ ከም እትቃወሞ

14. ክርስትያናት ካብቶም ክርስትያን ዘይኮኑ በየናይ መገድታት ኢዮም ዝፍለዩ?

14 ይኹን እምበር ኣብ ዓለም እናነበርናሲ ከመይ ገይርና ኢና ንመንፈስ ዓለም ክንቃዎሞ እንኽእል? ብኣካል ኣብ ዝሃሎና ንሃሉ ብዘየገድስ ብመንፈስ ካብ ዓለም ከም ዘይኮንና ክንዝክር ይግብኣና። (ዮሃንስ 17:​15, 16) ናይዛ ዓለም እዚኣ ሸቶ ሸቶና አይኮነን። ኣብ ነገራት ዘሎና ኣመለኻኽታ ፍልይ ዝበለ ኢዩ። መንፈሳውያን ሰባት ስለ ዝኾንና “መንፈሳዊ ነገር ምስ መንፈሳዊ እናኣሰማማዕና: መንፈስ ቅዱስ ብዚምህረሉ ቓል እምበር: ጥበብ ሰብ ብዚምህረሉ ቓል ኣይኰንናን” እንሓስብን እንዛረብን ዘሎና።​—⁠1 ቈረንቶስ 2:⁠13።

15. ንመንፈስ ዓለም ክንቃወሞ እንኽእል ብኸመይ ኢና?

15 ሓደ ሰብ ኣብ ሓደ ብመርዛም ጋዝ እተመረዘ ከባቢ እንተዝህሉ እንታይ ክገብር ምኸኣለ? ንጹህ ኣየር ዝወጸሉ: ናይ መተንፈሲ ማስኬራ ኣብ ርእሱ ክገብር ኣለዎ። ወይ ከኣ ካብቲ ከባቢ ክሃድም ኣለዎ። ካብ ናይ ሰይጣን ኣየር ክንርሕቕ ድማ ነዚ ኽልተ መገዲታት እዚ ከነጣምሮ የድልየና። ብዝከኣለና መጠን ካብ ዝኾነ ይኹን ነተሓሳስባና ክትንክፍ ዝኽእል መንፈስ ዓለም: ብኣካልውን እንተኾነ ክንርሕቕ ኢና እንፍትን። በዚ ምኽንያት እዚ ካብ ሕማቕ ምሕዝነት ንርሕቕ ኢና: ከምኡውን ኣብ ዝኾነ ይኹን ንዓመጽን ብዕልግናን ጥንቍልናን ዕልወትን ወይ ካልእ ዝኾነ ይኹን ግብሪ ስጋ ዘተባብዕ መዘናግዒ ክንርከብ ኣይንደልን ኢና። (ገላትያ 5:​19-21) ይኹን እምበር ኣብ ዓለም ንነብር ስለ ዘሎና ካብዚ ነገራት እዚ ምሉእ ብምሉእ ክንክወል ኣይንኽእልን ኢና። ስለዚ እምበኣር ኣብቲ መንፈሳዊ ንጹህ ኣየር ዝርከቦ ቦታ ክንጠብቕ ይግብኣና። ስርዓታውያን ኮይንና ኣብ ኣኼባታት ብምክፋልን ብሕታዊ መጽናዕቲ ብምግባርን ከምኡውን ኣብ ክርስትያናዊ ዕዮን ሕብረትን ጸሎትን ብምጽማድ ንመንፈሳዊ ሰናቡእና ብጽሩይ መንፈሳዊ አየር ክንመልኦ ንኽእል ኢና። በዚ መገዲ እዚ ኸኣ ካብ ናይ ሰይጣን ኣየር ሰሊኹ ናብ መንፈሳዊ ሰናቡእና ምስ ዝኣቱ: መንፈስ ኣምላኽ ድማ ንኽንቃወሞ ሓይሊ ይህበና።​—⁠መዝሙር 17:​1-3። ምሳሌ 9:9። 13:20። 19:20። 22:⁠17።

16. መንፈስ ኣምላኽ ከም ዘሎና ብኸመይ ኢና ከነርኢ እንኽ⁠እል?

16 መንፈስ ኣምላኽ ንሓደ ክርስትያን ካብቶም ክፍሊ ናይዛ ዓለም እዚኣ ዝኾኑ ሰባት ፍልይ ኢሉ ከም ዝርአ ኢዩ ዝገብሮ። (ሮሜ 12:​1, 2) ጳውሎስ ከምዚ በለ:- “እቲ ፍረ መንፈስ ግና ፍቕሪ: ሓጐስ: ዕርቂ: ዓቕሊ: ለውሃት: ሕያውነት: እምነት: ህድኣት: ይአኽለኒ ምባል እዩ። ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ ዚጻረሮ ሕጊ የልቦን።” (ገላትያ 5:​22, 23) ከምኡውን መንፈስ ኣምላኽ ንሓደ ክርስትያን ንነገራት ኣዕሚቑ ንኽርድኦም ይሕግዞ ኢዩ። ጳውሎስ ከምዚ በለ:- “መንፈስ ኣምላኽ እንተ ዘይኰይኑስ: ነቲ ኣብ ኣምላኽ ዘሎ ሓደ እኳ ዚፈልጦ የልቦን።” (1 ቈረንቶስ 2:11) እቲ “ኣብ ኣምላኽ ዘሎ” ተባሂሉ ዘሎ ብሓፈሻ ነቲ ብዘዕባ መስዋእታዊ በጅነት: እታ ብክርስቶስ እትግዛእ መንግስቲ ኣምላኽ: ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት: ከምኡውን ኣብዚ ቐረባ ግዜ እዛ እክይቲ ዓለም ክትጠፍእ ምዃና ዝገልጽ ሓቂ ዘጠቓለለ ኢዩ። ክርስትያናት ብሓገዝ መንፈስ ኣምላኽ ነዚ ነገራት እዚ ፈሊጦምዎን ከም ሓቂ ገይሮም ከኣ ተቐቢሎምዎ ስለዝኾኑ ኣብ ህይወት ዘለዎም ኣመለኻኽታ ካብቲ ናይ ዓለማውያን ኣመለኻኽታ ፍልይ ዝበለ ኢዩ። ሕጂ ንየሆዋ እናኣገልገሉ ንዝመጽእውን ንዘለኣለም ከገልግልዎ ምዃኖም ብተስፋ እናተጸበዩ ብዝረኽብዎ ዘሎዉ ሓጎስ ቅሱናት ኢዮም።

17. መንፈስ ዓለም ንምቅዋም እቲ ዝለዓለ ኣብነት ዝኾነና መን ኢዩ? ብኸመይከ?

17 የሱስ ነቶም ንመንፈስ ዓለም ዝቃወምዎ ዘለዉ እቲ ብሉጽ ኣርኣያኦም ኢዩ። የሱስ ምስ ተጠምቀ: ሰይጣን ብኡንብኡ ንየሆዋ ካብ ምግልጋል ምእንቲ ከርሕቖ ኢሉ ሰለስተ ፈተናታት ኣቕረበሉ። (ማቴዎስ 4:​1-11) እታ ሳልሰይቲ ፈተና የሱስ ንሰይጣን ሓንቲ ግብሪ ኣምልኾ እንተድኣ ሂብዎ ዓስቡ ብዘላ ዓለም ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ ክትከውን ምዃና እትሕብር ኢያ ነይራ። የሱስ ‘ደሓን: እታ ዝሓተተኒ ግብሪ ኣምልኾ ሓንሳእ ክህቦ ኢየ እሞ ድሕሪኡ ግዝኣት ዓለም ምስ ረኸብኩ ተናሲሐ እንደገና ንየሆዋ ከምልኾ ኢየ። ገዛኢ ዓለም እንተድኣ ኾይነ እኮ ካብዚ ሕጂ ኣብ ናዝሬት ከም ጸራባይ ኮይነ ዝዓዮ ዘለኹ ብዝበለጸ ንሰባት ክጠቕሞም ኣብ ዝኽእለሉ ቦታ ክቕመጥ ኢየ ማለት ኢዩ’ ኢሉ ከመኻኒ ምኸኣለ ነይሩ። እንተኾነ ግና የሱስ ከምኡ ኢሉ ኣየመኻነየን። የሆዋ ግዝኣት ዓለም ክሳዕ ዝህቦ ክጽበ ፍቓደኛ ኢዩ ነይሩ። (መዝሙር 2:⁠8) ኣብታ ኣጋጣሚ እቲኣን ኣብ ኵሉ እቲ ኻልእ ኣብ ህይወቱ ዘጓነፎ ኣጋጣሚታትን ነቲ መርዛም ጽልዋ ናይ ሰይጣን ኣየር ተቓዊምዎ ኢዩ። ነዛ ብመንፈሳዊ መገዲ ተመሪዛ ዘላ ዓለም በዚ ኸምዚ ኢዩ ስዒርዋ።​—⁠ዮሃንስ 16:⁠33።

18. ንመንፈስ ዓለም እንተድኣ ተቓዊምናዮ ከመይ ኢልና ኢና ንየሆዋ ክብሪ ከነምጽኣሉ እንኽእል?

18 ሃዋርያ ጴጥሮስ ጠቢቕና ኣስኣሰር ክርስቶስ ክንስዕብ ኢዩ ነጊሩና ዘሎ። (1 ጴጥሮስ 2:21) ካብዚ ዝበልጽ ኣርኣያ እሞ ኣበይ ኢና ክንረክብ? ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ሰባት ብመንፈስ ዓለም እናተጸልዉ ንታሕቲ ገጾም ኢዮም ዝንቈቱ ዘለዉ። ኣብ ማእከል እዛ ዓለም እዚኣ እቲ ናይ የሆዋ ኣምልኾ ዝርከቦ ክብ ዝበለ ቦታ: ንጹህን ጽሩይን ኰይኑ ኢዩ ቆይሙ ዘሎ! (ሚክያስ 4:​1, 2) ሎሚ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ነቲ እናለሓመ ዝኸይድ መንፈስ ናይዛ ዓለም እዚኣ ተቓዊሞም ናብቲ ናይ ኣምላኽ ቦታ ኣምልኾ እናወሓዙ ንየሆዋ ክብርን ውዳሴን የምጽእሉ ብምህላዎም መንፈስ ኣምላኽ ክሳዕ ከንደይ ሓያል ምዃኑ ይርአ አሎ! (1 ጴጥሮስ 2:​11, 12) ኵልና እቲ ብየሆዋ እተቐብአ ንጉስ ነዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ኣጥፊኡ ንሰይጣን ድያብሎስን ኣጋንንቱን ኣብ መዓሙቕ ክሳዕ ዝድርብዮም ኣብቲ ክብ ዝበለ ቦታ ኣምልኾ ብቖራጽነት እንጸንሕ ይግበረና። (ራእይ 19:​19 — 20:​3) ድሕሪኡ መንፈስ ናይዛ ዓለም እዚኣ ፈጺሙ ኣይክህሉን ኢዩ። እቲ ግዜ እትስ ክንደይ እተባረኸ ግዜ ኾን ክኸውን ኢዩ!

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ?

◻ መንፈስ ዓለም ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ?

◻ መንፈስ ዓለም ኣብ ውልቀ ሰባት እንታይ ሳዕቤን ኢዩ ዝገብር ዘሎ?

◻ ገለ ካብቲ መንፈስ ዓለም ዝግለጸሉ መገድታት እንታይ ኢዩ? ብኸመይከ ከነወግዶ ምኸኣልና?

◻ መንፈስ ኣምላኽ ከም ዘሎና ብኸመይ ኢና ከነርኢ እንኽእል?

◻ እቶም ንመንፈስ ዓለም ዝቃወምዎ እንታይ በረኸታት ኢዩ ዝመጾም?

[ኣብ ገጽ 10, 11 ዘሎ ስእሊ]

መንፈስ ዓለም ምንጩ ካብ ሰይጣን ኢዩ

መንፈስ ዓለም ንኸተርሕቕ ናብቲ ናይ የሆዋ ኣምልኾ ዝርከቦ ክብ ዝበለ ቦታ ህደም

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ