ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w94 1/4 ገጽ 14-19
  • ነዚ ጽንኩር ግዜና ዝሕግዝ ትምህርቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ነዚ ጽንኩር ግዜና ዝሕግዝ ትምህርቲ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ካብ ታሪኽ እንመሃሮ ትምህርቲ
  • ብዛዕባ ግዜና ዝተዋህበ ትንቢት
  • ረብሓታትካ ኣኻዕቢትካ ሕፈስ
  • ብሓቂዶ ኣብተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ኢና እንነብር ዘለና፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ዕላማ ኣምላኽ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ክፍጸም ኢዩ
    ዕላማ ህይወት እንታይ ኢዩ፧ ብኸመይ ክትረኽቦ ትኽእል፧
  • ኣብተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ዲና እንነብር ዘለና፧
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • ኵሉ እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ፍጻመታት እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዎ፧
    ንቑሕ ኩን!
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
w94 1/4 ገጽ 14-19

ነዚ ጽንኩር ግዜና ዝሕግዝ ትምህርቲ

“ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ግና ክፉእ ዘመን ከም ዚመጽእ: እዚ ፍለጥ። እቶም እኩያት ሰባትን ጠበርትን ግና እናኣስሐቱን እናሰሐቱን ናብ ዝገደደ ኺበጽሑ እዮም።” — 2 ጢሞቴዎስ 3:1, 13።

1, 2. ኣብቲ እንኽተሎ ዓይነት ትምህርቲ ክንግደስ ዝግብኣናስ ስለምንታይ ኢዩ ?

እናተሓገዝካ ዲኻ ዘሎኻ ወይስ እናተጐዳእካ ? ሽግራትካኸ እናተፈትሑ ድዮም ዘለዉ ወይስ እናገደዱ ኢዮም ዝኸዱ ዘለዉ ? ብምንታይ ? ብትምህርቲ ። እወ : ትምህርቲ እንተ ንጽቡቕ እንተ ንኽፉእ ንህይወትና ኣዝዩ ይነኽኦ ኢዩ ።

2 ትምህርቲ ክሳዕ ክንደይ ንህይወት ናይ ሓደ ሰብ ከም ዝነኽኦ ንምፍላጥ : ሰለስተ ሓቢሮም ዝሰርሑ ፕሮፈሰራት መጽናዕቲ ኣካይዶም ነይሮም : እቲ ውጽኢት ናይ መጽናዕቶም ድማ ኣብታ ጆርናል ፈር ዘ ሳይንቲፊክ ስታዲ ኦቭ ረሊጅን ዝተባህለት ወጺኡ ይርከብ ። ሓቂ ኢዩ ንዓኻ ብብሕትኻ ወይ ንስድራቤትካ ብፍላይ መጽናዕቲ ኣይገበሩልካን ። እንተኾነ ግና : እቲ ረኺቦሞ ዘለዉ ከም ዝሕብሮ: ነዚ ጽንኩር ግዜና ንኽትዋጻኣሉ ኣብ እትገብሮ ቃልሲ ክትዕወት ወይ ክትወድቕ ትምህርቲ ወሳኒ ምዃኑ ኢዩ ። ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ ነቲ ረኺቦሞ ዘለዉ : ብፍሉይ ኣቓልቦ ክንርእዮ ኢና ።

3, 4. ኣብ ሓደ ጽንኩር ግዜ ንነብር ከም ዘሎና : ገለ ካብቶም መረጋገጺታት እንታይ ኢዮም ?

3 ብመጀመርታ ግና ኣብዚ ሓደ ሕቶ ኣሎ :- ኣብ ሓደ ክትዋጽኣሉ ኣዝዩ ጽንኩር ዝኾነ እዋን ከም ዘሎናስ ትሰማምዓሉዶ ኢኻ ? ትሰማምዓሉ እንተደኣ ኴንካስ : እዚ : እዋን እዚኣ እቲ “ንኽትዋጽኣሉ ኣዝዩ ጽንኩር ግዜ” ምዃኑ ዝሕብር መረጋገጺታት : ብርግጽ ክትርእዮም ኢኻ ማለት ኢዩ ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1 – 5) ሰባት ዝንክእሉ መገዲ ዝተፈላለየ ኢዩ ። ንኣብነት : ሕጂ ኣብዛ እዋን እዚኣ ፖለቲካዊ ልዕልነት ንምርካብ ብዝቃለሱ ዘለዉ ዝተፋላለዩ ጉጅለታት ትዓኑ ዘላ ሃገር ትፈልጥ ትኸውን ። ኣብ ካልእ ቦታ ድማ ብምኽንያት ሃይማኖታውን ዓሌታውን ፍልልያት ቅትለት ይፍጸም ኣሎ ። እቶም በዚ ዝጉድኡ ዘለዉ ወተሃደራት ጥራይ ኣይኰኑን ። እስከ ብዛዕባ እተን ሕሱም ግፍዒ ዝወርደን ዘሎ ማእለያ ዘይብለን ኣንስትን ኣዋልድን: ወይ እቶም መግብን ሙቐትን መዕቆብን ተኸሊኦም ዘለዉ ኣረግቶት እሞ ሕስብ ኣብሎ ። ቍጽሪ ዘይብሎም ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት ብሕሱም ይሳቐዩ ስለ ዘለው ብርቱዕ ዋሕዚ ናይ ስደተኛታትን ምስኡ ዝተተሓዘ ጭንቅን ኣስዒቡሎም ኣሎ ።

4 ግዜና ብቁጠባዊ ጸገማት ዝተፈልጠ ኢዩ : ከም ሳዕቤኑ ድማ ምዕጻው ናይ ፋብሪካታት : ስራሕ ምስኣን : መሰልካን ጥሮታኻን ምስኣን : ናይ ገንዘብ ዋጋ ምቕናስ : ከምኡውን ንእሽቶ ወይ ኣዝያ ንእሽቶ ትብላዕ ምህላው ልሙዳት ተርእዮታት ኢዮም ኰይኖም ዘለዉ ። ኣብዚ ዝርዝር ናይ ሽግራት ወሲኽካዶ ክትጠቅስ ምኸኣልካ ? ምናልባት ይህልወካ ይኸውን ። ካልኦት ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ኣብ ዙርያ ዓለም ዘለዉ : ብዋሕዲ መግብን ሕማምን ይሳቐዩ ኣለዉ ። ምናልባት ነቲ ዘስካሕክሕ ስእሊ ናይቶም ዝማሰኑ ሰብኡትን ኣንስትን ቖልዑን ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ርኢኻ ትኸውን ። ኣብ ኤስያውን ሚልዮናት ከምኡ ይሳቐዩ ኢዮም ዘለዉ ።

5, 6. ሕማም : እቲ ዓብላሊ ተርእዮ ናይዚ ጽንኩር ግዜና ክበሃል ዝከኣልስ ስለምንታይ ኢዩ ?

5 ብዛዕባ እቶም ሕጂ እናወሰኹ ዝኸዱ ዘለዉ ዘስካሕከክሑ ዓይነት ሕማማትውን ኩልና ሰሚዕና ኢና ። እታ ናይ 25 ጥሪ 1993 ዘ ኒው ዮርክ ታይምስ ከምዚ ትብል :- “ኣብ ላቲን ኣመሪካ ጾታዊ ብዕልገና : ግብዝና : ከምኡውን ግቡእ መከላኸሊ ስለ ዘይጥቀሙ ሕማም ኤይድስ እናስፋሕፍሐ: ብቑጽሪ ድማ ነቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ ከዕብዮ ኢዩ ። . . . እቲ ቀንዲ ወሰኽ ዘርኣየሉ ዘሎ ምኽንያት ድማ ቍጽሪ ናይተን ዝልከፋ ዘለዋ . . . ኣንስቲ እናወሰኸ ብምኻዱ ኢዩ ።” ብጥቅምቲ 1992 እታ ዩ.ኤስ ኒውስ አንድ ዎርልድ ሪፖርት ዝተባህለት ከምዚ ትብል :- “እቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ ናይ መጥባሕቲ ሓላፊ ‘እቲ ዝዓበየ ዓወት ኣብ ናይ ሕዝባዊ ሕክምና ዝረኸብናዮ : ድሕሪ ደጊም ብተላጋቢ ሕማም ፈጺምና ኣይክንሓስብን ኢና’ ኢሉ ካብ ዘሞግስ እንሆ 20 ዓመታት ጥራይ እየን ሓሊፈን ።” ሕጂኸ እቲ ኩነታት ከመይ ኣሎ ? “ሎሚ ሆስፒታላት በቲ ሓደ ግዜ ተሳዒሩ : ጠፊኡ ዝበሃል ዝነበረ ሕማም : ግዳይ ዝኾኑ ሰባት ኣዕለቕሊቐን እየን ዘለዋ ። . . . እቶም ሕማም ዘምጽኡ ደቀቕቲ ባክተርያ ካብቲ መከላኸሊ ክትባት ንምስራሕ ዘሎ ምዕብልና ብዝተዓጻጸፈ ክከላኸሉን ክባዝሑን ከም ዝኽእሉ ኰይኖም እናተመሓየሹ ኢዮም ዝኸዱ ዘለዉ ። . . . ‘ኣብ ሓደ ሓዲሽ ናይ ተላጋቢ ሕማም ዘለዎ መዋእል ንኣቱ ኣሎና ።’”

6 ንኣብነት ኒውስዊክ ናይ 11 ጥሪ 1993 ከምዚ እናበለት ጸብጻባ ተቕርብ :- “ናይ ሕማም ዓሶ መጻዪ (ፓራሳይት) ሎሚ ዳርጋ ን270 ሚልዮን ዝኣኽሉ ሰባት ኣብ ዓዓመት ትለክፍ ኣላ : ካብዚኣቶም ክሳዕ 2 ሚልዮን ዝኣኽሉ ይሞቱ . . . እንተወሓደ ንገለ 100 ሚልዮን ዝኣኽሉ ድማ ብርቱዕ ሕማም ትገድፈሎም . . . ብተወሳኺ እቲ ሕማም ነቲ ሓደ ግዜ ዘሕውዮ ዝነበረ መድሃኒታት ሎሚ እናተጻወሮ ኢዩ መጺኡ ዘሎ ። . . . ገለ ዓይነት ወጥርታት ድሕሪ ቀረባ ግዜ ፈጺምካ ዘይፍወሱ ክኾኑ ኢዮም ።” እዚ ብፍርሂ ከም እተንቀጥቅጥ ኢዩ ዝገብረካ ።

7. ነዚ ጽንኩር ግዜዚ ሎሚ ብዙሓት ብኸመይ ይገጥምሉ ኣለዉ ?

7 ኣብዚ ንኽትዋጽኣሉ ኣዝዩ ጽንኩር ዝኾነ ግዜ : ብዙሓት ሰባት ሽግራቶም መታን ክፈትሑ ሓገዝ ይደልዩ ከም ዘለዉ ተዓዚብካ ትኸውን ። እስከ ብዛዕባ እቶም : ናብቶም ብዛዕባ ጭንቀት ወይ ሓደ ሓዲሽ ሕማም ከመይ ጌርካ ከም እትዋጽኣሎም ዝዛረቡ መጻሕፍቲ ገጾም ሃሰስ ዝብሉ ሰባት ንሕሰብ ። ካልኦትውን ብዛዕባ ዝብተን ዘሎ ሓዳሮም : ኣብ ልዕሊ ቆልዑ ዝወርድ ግፍዒ : ብዛዕባ ኣልኮል ወይ ናይ ሓሽሽ ሽግራት : ወይ ከመይ ገይሮም ነቲ ናይ ስርሖም ጉዳያትን ኣብ ገዝኦም ዘለዎም ትጽዕኖን ሚዛናዊ ክገብርዎ ከም ዝኽእሉን ምኽሪ ዝህቦም ስኢኖም ኣለዉ ። እወ : ብርግጽ ሓገዝ የድልዮም ኢዩ ! ምስ ናይ ብሕትኻ ጸገማት እትቃለስ ወይ ብምኽንያት ውግእ: ጥሜት : ወይ ሓደጋ ዝመጹ ጸገማት ትሽገር ዘሎኻ ሰብዶ ኢኻ ? ሽሕኳ እዞም ከበድቲ ጸገማት እዚኣቶም ንምፍታሖም ካብ ዓቕምኻ ንላዕሊ እንተኾኑ : ‘ስለምንታይ ኢና ኣብዚ ጽንኩር ኩነታት በጺሕና ?’ ኢልካ ንኽትሓትት ግና ብቑዕ ምኽንያት ኣሎካ ።

8. ምስትውዓልን መምርሕን ክንረክብ ኢልናስ ገጽና ናብ መጽሓፍ ቅዱስ ክንመልስ ዝግብኣና ስለምንታይ ኢዩ ?

8 እወ : ብዓወት ክንዋጽኣሉን ኣብ ህይወትና ድማ ንሕጅን ንዝመጽእን ሓጐስ ክንረክብ ምእንቲ ክንክእል : ኣቐዲምና ስለምንታይ ጽንኩር ግዜ ኣጋጢሙና ከም ዘሎ ክንፈልጥ የድልየና ። ብግልጺ እምበኣር እዚ ንመጽሐፍ ቅዱስ ክንውከስ ንኹልና ብቑዕ ምኽንያት ይህበና ኢዩ ። ስለምንታይ ኢና ግና ናብ መጽሐፍ ቅዱስ ዘተኰርና ? ምኽንያቱ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ኢዩ ጌና ከይተፈጸመ ከሎ ዝተጻሕፈ ታሪኽ ዝሓዘ: ናይ ሓቂ ትንቢት ዝንበን ምኽንያት ናይዚ ኩሉ ጸገማትናን ኣበየናይ እዋን ከም ዘሎናን እንታይ ይጽበየና ከም ዘሎን ክገልጸልና ትኽእል ።

ካብ ታሪኽ እንመሃሮ ትምህርቲ

9, 10. እቲ ኣብ ማቴዎስ ምዕራፍ 24 ዘሎ ናይ የሱስ ትንቢት : ብኸመይ ኢዩ ኣብቲ ቀዳማይ ዘመን ፍጻሜኡ ዝረኸበ ?

9 ግንቢ ዘብዐኛ 15 ለካቲት 1994 ሓደ ከነስተብህለሉ ዝግብኣና ሰፊሕ መግለጺ ብዛዕባ እቲ ኣብ ማቴዎስ ምዕራፍ 24 ዘሎ ግሉጽ ትንቢት ናይ የሱስ ሒዛ ወጸት ። መጽሐፍ ቅዱስካ ገንጺልካ ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣ ኣብ ቍጽሪ 3 እንተደኣ ርኢኻ : ሃዋርያት ናይ የሱስ ምልክት ናይቲ ዝመጽእ ህላዌኡን መደምደምታ ናይዚ ኣገባብ እዝን ከም ዝሓተትዎ ክትረክብ ትኽእል ። ቀጺሉ የሱስ ካብ ቍጽሪ 5 ክሳዕ 14 ብዛዕባ ናይ ሓሶት ክርስቶሳትን ውግእን ዋሕዲ መግብን ስደት ናይ ክርስትያናትን ዓመጻን ምስኡውን ጽዑቕ ስብከት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን ክርአ ምዃኑ ተነብዩ ኣሎ ።

10 እዞም ነገራት እዚኣቶም : ኣብቲ ናይ ኣይሁድ ኣገባብ ናይ መደምደምታ ግዜ ናይዚ ከም ዝተፈጸሙ ታሪኽ የረጋግጸልና ኢዩ ። ኣብቲ ግዜቲ እንተ ትነብርስ : እዚስ ኣዝዩ ጽንኩር እዋንዶ ኣይኰነን ? ይኹን እምበር እቲ ኩነታት ናብቲ ዝለዓለ ጫፉ ኢዩ ዝቕጽል ነይሩ : ማለት ሓደ ከምኡ ዝበለ ዘይተራእየ ዓቢ ጸበባ ኣብ ልዕሊ የሩሳሌምን ናይ ኣይሁድ ስርዓትን ክወርድ ነበሮ ። ካብ ቍጽሪ 15 ጀሚርና ድማ ካብቲ ሮማውያን ብ66 ከኣዘ ንየሩሳሌም ምስ ኣጥቅዕዋ ዝተፈጸመ ነገራት ኢና እነንብብ ። እዞም ነገራት እዚኣቶም ኣብቲ የሱስ ኣብ ቍጽሪ 21 ጠቒስዎ ዘሎ ዓቢ ጸበባ ማለት እቲ ንየሩሳሌም ብ70 ከኣዘ ካብቲ ቅድሚኡ ዝበጽሓ ጥፍኣት: እቲ ዝኸበደ ጸበባ ምስ ወረዳ ኣብቲ ናይ መጨረሻ ጫፉ በጽሐ ። ከም እትፈልጦ ጌና ታሪኽ ኣብኡ ደው ኣይበለን : የሱስውን ደው ክብል ኢዩ ኣይበለን ። ካብ ቍጽሪ 23 ክሳዕ 28 ነቲ ድሕሪ ናይ 70 ከኣዘ ዘሎ ጸበባ ስዒቡ ዝመጽእ ካልእ ነገራት ገሊጹ ኣሎ ።

11. እቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ፍጻሜ ዝረኸበ ትንቢት ናይ ማቴዎስ ምዕራፍ 24 ምስ ግዜና እንታይ ዝምድና ኣለዎ ?

11 ገለ ሰባት ሎሚ ነዚ ኣብ ጥንቲ ዝተፈጸመ ነገር ብምቅላል ‘እንታይ ኢዩ እሞ እዚ ?’ ይብሉ ይኾኑ ። እዚ ግና ጌጋ ኢዩ ። እቲ ኣብቲ ቀዳማይ ዘበን ዝተፈጸመ ትንቢት ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ ። ስለምንታይ ? ከመይሲ እቲ ኣብ መደምደምታ ናይ ኣይሁድ ስርዓት ዝተራእዩ ውግኣት : ጥሜት : ምንቅጥቃጥ ምድሪ : ሕማም ተላገብን ከምኡውን ስደት ናይ ክርስትያናትን ሕጂ ድሕሪ ምውዳእ ናይቲ “ምዱብ ዘመናት ኣህዛብ” ካብ 1914 ጀሚሩ ብዓቢኡ ክፍጸም ስለ ዘለዎ ኢዩ ። (ሉቃስ 21:24 ት.ሓ.ዓ.) እዚ ዘመናዊ ፍጻሜኡ ክጅምር ከሎ ኣብ ግዜ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ብህይወት ዝነበሩ ብዙሓት ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ኣለዉ ። ምንም እኳ ድሕሪ 1914 ዝተወለድካ እንተኾንካ ናይ የሱስ ትንቢት ይፍጸም ከም ዘሎ ግና ምስክር ኢኻ ። እዚ ኣብ መበል 20 ዘበንና ዝተፈጸመ ኩነታት ብዘየጠራጥር መገዲ ኣብ መደምደምታ ናይዚ ሕጂ ዘሎ እኩይ ኣገባብ ከም ዝበጻሕና የረጋግጸልና ኢዩ ።

12. ብመሰረት እቲ የሱስ ዝበሎ : እንታይ ክንርኢ ኢና ሕጂ እንጽበ ዘሎና ?

12 እዚ ማለት እቲ ኣብ ማቴዎስ 24:29 ተገሊጹ ዘሎ “መከራ” ኣብ ቅድሜና ኣሎ ማለት ኢዩ ። ክግመት ዘይከኣል ሰማያውያን ተርእዮታት ዘጠቓለለ ኢዩ ክኸውን ። ኣብ ቍጽሪ 30 ተገሊጹ ከም ዘሎ ሽዑ ሰባት ሓደ ፍሉይ ምልክት ክርእዩ ኢዮም ። እዚ ድማ ጥፍኣቶም ከም ዝበጽሐ ዘረጋግጽ ኢዩ ። ኣብቲ ተመሳሳሊ ጸብጻብ ሒዙ ዘሎ ሉቃስ 21:25 – 28 ኣብቲ ግዜ እቲ ‘ሰባት ብፍርሃትን ኣብ ዓለም ብዚመጽእ ምጽባይን ልቦም ክጠፍኦም ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ ። እቲ ናይ ሉቃስ ጸብጻብ ኣስዒቡ ክርስትያናት ድሕነቶም ምስ ቐረበ ርእሶም ቅንዕ ከብሉ ምዃኖም ገሊጹ ኣሎ ።

13. ከመይ ዝበሉ ክልተ ነጥብታት ኢዮም ኣቓልቦና ክስሕቡ ዘለዎም ?

13 ‘ሕራይ : እዝስ ጽቡቕ ተቐቢለዩ ኣሎኹ : እንተኾነ ግና እቲ ቀንዲ ከቢዱኒ ዘሎስ ከመይ ገይረ ነዚ ጽንኩር ግዜ ክርድኦን ክጋጠሞን ከም ዝኽእል እዩ ?’ ትብል ትኸውን ። ግርም : እምበኣር እቲ ናይ መጀመርታ ነጥቢ ክንሕዞ ዘሎና እቲ ቀንዲ ጸገም እንታይ ምዃኑን ብኸመይ ከነወግዶ ከም እንኽእልን ምልላይ ክኸውን ከሎ : እቲ ምስኡ ዝተተሓዘ ካልአይ ነጥቢ ድማ ትምህርቲ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ሕጂ ዝሓሸ ህይወት መታን ከነሕልፍ ብኸመይ ክሕግዘና ከም ዝኽእል ምፍላጥ ኢዩ ። ኣብዚ ጉዳይ እዚ ድማ መጽሐፍ ቅዱስካ ገንጺልካ እቲ ኣብ ካልኣይ 2 ጢሞቴዎስ ምዕራፍ 3 ዘሎ ቃላት ናይ ሃዋርያ ጳውሎስ : ብኸመይ ነዚ ጽንኩር ግዜ ንኽትዋጽኣሉ ክሕግዘካ ከም ዝኽእል እስከ ርአ ።

ብዛዕባ ግዜና ዝተዋህበ ትንቢት

14. ን2 ጢሞቴዎስ 3:1 – 5 ከነጽንዖ ጠቓሚ ኢዩ ኢልና ክንኣምን እንታይ ምኽንያታት ኣሎና ?

14 ኣምላኽ ንሃዋርያ ጳውሎስ ብመንፈሱ መሪሑ ነቲ እሙን ዝነበረ ጢሞቴዎስ ኣዝዩ ዕዉትን ሕጉስን ህይወት መታን ክህልዎ ዝሕግዞ ምኽሪ ከም ዝጽሕፈሉ ገይርዎ ኢዩ ። ገለ ክፋል ናይቲ ጳውሎስ ዝጸሓፎ : እቲ ቀንዲ ፍጻሜኡ ዝረክብ ኣብዚ ግዜና ኢዩ ። ሽሕኳ ቅድሚ ሕጂ ትፈልጦም ኰይኑ ይስምዓካ እንተኾነ : ሕጂ ግና ተጠንቂቕካ ነቶም ትንቢታውያን ቃላት ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 3:1 – 5 ዘለዉ ኣስተብህለሎም ኢኻ ። ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ :- “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ግና ክፉእ ዘመን ከም ዚመጽእ : እዚ ፍለጥ ። ሽዑ ሰባት ፈተውቲ ርእሶም ኪኾኑ እዮም እሞ : ፈተውቲ ገንዘብ : ተጀሃርቲ : ዕቡያት : ተጻረፍቲ : ንወለዶም ዘይእዘዙ : ዘየማስዉ : ርኹሳት : ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም እኳ ዜብሎም : ተቐየምቲ : ሓመይቲ : ቀለልቲ : ጨካናት : ሰናይ ዘይፈትዉ : ኣሕሊፎም ዚህቡ : ህዉኻት : ተፈኽነንቲ : ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ኣዕዚዞም ተድላ ዚፈትዉ : እቶም መልክዕ ኣምልኾ ዘለዎም : ነቲ ሓይሉ ግና ዚኽሕድዎ” ።

15. 2 ጢሞቴዎስ 3:1 ብፍላይ ከተገድሰና ዘለዋስ ስለምንታይ ኢዩ ?

15 ኣብዚ 19 ነገራት ተዘርዚሮም ከም ዘለዉ : በጃኻ ኣስተብህል ኢኻ ። ቅድሚ ነዞም ነገራት እዚኣቶም ምምርማርና ካብኡ ድማ ክንጥቀም ቅድሚ ምኽኣልና : እስከ ቅሩብ ህድእ ኢልካ ብሓፈሻ እቲ ትንቢት እንታይ ይብል ከም ዘሎ ኣስተብህለሉ ። ኣብ ቍጽሪ 1 እንተረኤኻ : ጳውሎስ ከምዚ እናበለ ይንበ :- “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ግና ክፉእ ዘመን [ንኽትዋጽኣሉ ኣዝዩ ጽንኩር ዝኾነ ግዜ ት.ሓ.ዓ.] ከም ዝመጽእ እዚ ፍለጥ ።” እንታይ ኢዩ እዚ “ዳሕሮት መዓልትታት” ተባሂሉ ዘሎ ? ብዙሕ ዳሕሮት መዓልትታት ኢዩ ተራእዩ : ንኣብነት ዳሕሮት መዓልትታት ናይ ጥንታዊት ፖምፐይ (ዓዲ ጥልያን) ወይ ዳሕሮት መዓልትታት ናይ ሓደ ንጉስ ወይ ንጉሳዊ ቤተሰብ ። መጽሓፍ ቅዱስውን እንተኾነ ብዛዕባ ብዙሓት ዳሕሮት መዓልትታት ይዛረብ ኢዩ ። ከም እኒ ዳሕሮት መዓልትታት ናይ ኣይሁድ ኣገባብ ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:16, 17) ይኹን እምበር : የሱስ ነቲ ጳውሎስ “ዳሕሮት መዓልትታት” ዝብሎ ዘሎ: ነዚ ግዜና ዘመልክት ከም ዝኾነ ገይርና ክንርድኦ ዘኽእለና ጽቡቕ መሰረት ሂቡና ኣሎ ።

16. እታ ምሳሌ ናይ ስርናይን ክርዳድን : ብዛዕባ ኸመይ ዝበለ ኣብ ግዜና ዝርአ ኵነታት እያ እትንበ ?

16 የሱስ ነዚ ኣብቲ ብዛዕባ ስርናይን ክርዳድን ዝሃቦ ምስላ ገሊጽዎ ኣሎ ። እዚኣቶም ኣብ ሓደ ግራት ተዘሪኦም ብሓደ ክዓብዩ ዝተሓድጉ ኢዮም ። እቲ ስርናይን ክርዳድን ንሰባት: ማለት ንሓቀኛታትን ሓሰውትን ክርስትያናት ዘመልክት ምዃኑ ተዛሪቡ ኣሎ ። ነዛ ምስላ እዚኣ ዘልዓልናሉ ምኽንያት : ቅድሚ እዚ ጠቕላላዊ እኩይ ኣገባብ ምድምዳሙ ሓደ ነዊሕ ግዜ ክሓልፍ ምዃኑ ተረጋግጸልና ስለ ዝኾነት ኢዩ ። እታ ናይ መደምደምታ እዋን ምስ በጽሔት ግና ሓደ ኣዝዩ ዓምቢቡን በዚሑን ዝርአ ነገር ኣሎ ። እዚ እንታይ ኢዩ ? እዝስ ካብቲ ናይ ሓቂ ክርስትና ምኽሓድ ወይ ምዕልው ኢዩ : እዚ ድማ ኣዝዩ ብዙሕ ዓጺድ ናይ እከይ ዘፍሪ ኢዩ ። ካልኦት ትንቢታት ናይ መጽሐፍ ቅዱስ እዚ ዝኾነሉ ግዜ ኣብቲ መወዳእታ መዓልትታት ናይዚ እኩይ ኣገባብ ምዃኑ የረጋግጹልና ኢዮም ። እዚ ዘሎናዮ ግዜ እቲ መደምደምታ ናይዚ ኣገባብ እዚ ዝተባህለ ኢዩ ። — ማቴዎስ 13:24 – 30, 36 – 43 ።

17. ብዛዕባ መደምደምታ ናይዚ ኣገባብ እዚ 2 ጢሞቴዎስ 3:1 – 5 ከመይ ዝበለ ተመሳሳሊ ሓበሬታ ኢዩ ዝህበና ?

17 ኣገዳስነት ናይዚ ነገር እዝስ ተስተውዕሎዶ ኣሎኻ ? እቲ ተመሳሳሊ ጸብጻብ ሒዙ ዘሎ ካልኣይ ጢሞቴዎስ 3:1 – 5 ኣብዚ መደምደምታ ናይዚ ኣገባብ እዚ ወይ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ንክርስትያናት ብኹሉ ወገን ኣካቢቡዎም ዘሎ ፍረ : ክፉእ ጥራይ ምዃኑ ይገልጸልና ኢዩ ። ጳውሎስ እቲ ቀንዲ መለለዪ ናይተን ዳሕሮት መዓልትታት እተን ዝጠቐሰን 19 ነገራት ጥራይ እየን ኣይበለን ። ኣብ ክንድኡስ : ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ምስ እንታይ ክንቃለስ ምዃንና ኢዩ መጠንቀቕታ ዝሃበ ። ቍጽሪ 1 ብዛዕባ እቲ ‘ንኽትዋጽኣሉ ኣዝዩ ጽንኩር ግዜ’ ትዛረብ ። እዘን ቃላት እዚኣተን ካብ ግሪኽ ዝተተርጐማ እየን : ቃል ንቃለን ክትርጐማ ከለዋ ድማ “ኣቐዲሙ ዝተመደበ ከቢድ ግዜ” (ኪንግዶም ኢንተርሊኒያር) እዚ “ከቢድ” ዝብልሲ ነዚ ሎሚ ዘጋጥመና ዘሎ ብትኽክል ከም ዝገልጾስ አይትሰማማዓሉንዶ ? እዚ መንፈስ ዝነፈሶ ጽሑፍ ብዛዕባ እዚ ግዜና መለኮታዊ ምስትውዓል ከነጥሪ ዘኽእለና ሓሳባት ብምሃብ ይቕጽል ኢዩ ።

18. ነዚ ናይ ጳውሎስ ትንቢታዊ ቃላት ከነጽንዕ እንከሎና : ኣቓልቦና ኣብ እንታይ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ ?

18 እዚ ኣብዚ ትንቢት እዚ ዘርኣናዮ ተገዳስነት : እዚ ግዜና ክሳዕ ክንደይ ጽንኩር ወይ ጨካን ምዃኑ ዝሕብሩ ገለ ኣሰቀቕቲ ኣብነታት ከነለሊ ከኸእለና ኣለዎ ። ነቶም ክልተ ቀንዲ ነጥብና ዘክሮም (1) እዞም ንግዜና ከቢድ ገይሮሞ ዘለዉ ሽግራት ኣየኖት ምዃኖም ምልላይን ከመይ ገይርና ከነወግዶም ከም እንኽእል ምፍላጥን ። (2) ነቲ ብሓቂ ተግባራውን ዝሐሸ ህይወት ንኽህልወካ ዝሕግዘካን ትምህርቲ ምስዓብ ። ስለዚ እምበኣር : ኣብ ክንዲ ናብቶም ነዚ ግዜና ጽንኩር ገይሮሞ ዘለዉ ኣሉታዊ ነገራት እነተኩር : ኣብቶም ንዓናን ንስድራቤትናን ነዚ ጽንኩር ግዜ ንኽንዋጽኣሉ ዝሕግዙና ትምህርትታት ኢና ኣቓልቦና እንገብር ።

ረብሓታትካ ኣኻዕቢትካ ሕፈስ

19. ሰባት ፈተውቲ ርእሶም ኮይኖም ይመላለሱ ከምዘለው እንታይ መረጋገጺታት ተዓዚብካ ኣሎኻ ?

19 ጳውሎስ ነቲ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ዝርአ ክዝርዝር ከሎ ኣብ መጀመርታ “ሽዑ ሰባት ፈተውቲ ርእሶም ኪኾኑ እዮም” ኢሉ ተነበየ ። (2 ጢሞቴዎስ 3:2) እንታይ ማለቱ ኰን ይኸውን ? ኣብ ኵሉ ታሪኽ ናይ ወዲ ሰብ ብዙሓት ንዩታትን ንርእሶም ዝጥዕሞም ጥራይ ዝገብሩን ሰብኡትን ኣንስትን ተራእዮም ኢዮም እንተበልካ አይተጋጌኻን ። እነተኾነ ግና እዚ ግድላት እዚ ከም ሎሚ ገይሩ ገኒኑን በዚሑን ከም ዘይፈልጥ ብዘይጥርጥር ትሰማማዓሉ ኢኻ ። እዚ ነገርዚ ኣብ ብዙሓት ሰባት ኣብቲ ዝለዓለ ደረጅኡ ኢዩ ዝርከብ ። አረ ኣብቲ ናይ ፖለቲካውን ንግዳውን ዓለምስ ከምኡ ምግባር ከም ቅቡል ስነ ምግባር ኢዩ ዝርአ ። ሰብኡትን ኣንስትን ስልጣንን ዝናን ንምርካብ ኣሎ ዝበሃል ዋጋ ይኸፍሉ ኣለዉ ። መብዛሕትኡ ግዜ ንኻልኦት ኢዮም ከም ዋጋ ዝኸፍልዎም : ከመይሲ እዞም ፈተውቲ ርእሶም ዝኾኑ ሰባት ብዛዕባ እቲ ኣብ ካልኦት ዝወርድ ጉድኣት ፈጺሞም ኣይግደሱን ኢዮም ። ኣብ ቤት ፍርዲ ንምክሳስ ኣዝዮም ፈጣናት ወይ ድማ ንኻልኦት ንምጥፍፋእ ድልዋት ኢዩም ። ስለዚ እምበኣር ስለምንታይ ብዙሓት ሰባት ነዚ ግዜ እዚ “ናይ ንዓይ ንዓይ ወለዶ” “ኣቦ ጽናሕ ኣነ ኽዛረብ” ኢሎም ከም ዝጽውዕዎን ከምኡውን ስሱዓት በዚሖምሉ ዘለዉ ምኽንያትን ከተስተውዕሎ ትኽእል ኢኻ ።

20. ምስ እዚ ገኒኑ ዘሎ መንፈስ ናይ ርእስኻ ምፍታው እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽሪ ብኸመይ እዩ ዝነጻጸር ?

20 ነቲ ምስቶም “ፈተውቲ ርእሶም” ዝኾኑ ሰባት ክንመላለስ ከሎና ዘሕለፍናዮ መሪር ተሞኵሮ ክንዝክሮ ኣይንደልን ኢና ። ግናኸ : ነዚ ሽግር እዚ ብግልጺ እንተድኣ ተኣሚንናሉ : ብሓቂ መጽሐፍ ቅዱስ ይሕግዘና ኢዩ : ከመይሲ ነዚ መፈንጠራ እዚ ከመይ ገይረና ከም እነወግዶ ይምህረና ስለ ዝኾነ ኢዩ ። መጽሐፍ ቅዱስ ከምዚ ኢዩ ዝብል :- “ሓንቲ እኳ ንርእሰይ ይጥዐመኒ ብምባል ወይስ ንውዳሴ ኸንቱ ኣይትግበሩ : ብትሕትና ግና እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ኻብ ርእሱ ኣብሊጹ ይርአዮ ። ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ድማ እምበር : ነፍሲ ወከፍ ንርእሱ ዚሔሾ ኣይጠምት ።” ነፍሲ ወከፍ “ብዛዕባ ርእሱ ብልክዕ ይሕሰብ እምበር : ካብቲ ዚግብኦ ኣዕዚዙ ኸይሓስብ ።” እዚ ብሉጽ ምኽሪዚ ኣብ ፊልጲ 2:3, 4ን ሮሜ 12:3 ይርከብ ።

21, 22. (ሀ) እዚ ከምዚ ዝበለ ምኽሪ ሎሚ ኣዝዩ ጠቓሚ ምዃኑ ከመይ ዝበለ ሰፊሕ መረጋገጺ ኢዩ ዘሎ ? (ለ) ኣብዞም ተራ ሰባት ምኽሪ ናይ ኣምለኽ ከመይ ዝበለ ጽልዋ ኢዩ ዘለዎ ?

21 ምናልባት ሓደ ሰብ ‘እዚ ሕራይ ጽቡቕ ነይሩ : እንተኾነ ግና ተግባራዊ ኣይኰነን’ ኢሉ ይከራኸር ይኸውን ። እወ : ልክዕ ከምኡ ኢዩ ። ግን እዚ ክሰርሕ ዝኽእል ስለ ዝኾነ : ብተራ ሰባት ሎሚ ይግበር ኣሎ ። ኣብታ ብ1990 በቶም ጸሓፍቲ ናይ ኦክስፎርድ ዩኒቨርስቲ ዝተጻሕፈት ዘ ሶሻል ዳይመንሽን ኦቭ ሰክተሪያኒዝም ዘርእስታ ኣብ ምዕራፍ 8 ኣብ ትሕቲ “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ካቶሊካዊት ሃገር” ዝብል ኣርእስቲ ኣብ በልጁም ዝተገብረ መጽናዕቲ ትገልጽ ። ኣብዚ ከምዚ ነንብብ :- “ናብቲ መሰኻኽር ንኽኾኑ ዝሰሓቦም ብዘይካ ‘እታ ሓቂ’ ንባዕላ : ኣወንታዊ ነገራት እንተኣስተብሃልና : እቶም ዝተቐበልዎም ሰባት ካብ ሓደ ንላዕሊ ዝኾኑ ኩሉ ግዜ ዘጠቕስዎም ባህርያት ኣለዉ ካብዚኣቶም . . . ሙቐት : ምሕዝነት : ፍቕሪ : ከምኡውን ሕብረት ዝኣመሰሉ ነገራት ይርከቡዎም ኢዮም ። እቲ መሰኻኽር ተኻናኺኖም ዝሕዝዎ ካልእ ነገር : ብቅንዕናን ብናይ ብሕቲ ኣኽብሮትን ንስርዓታት ናይ መጽሐፍ ቅዱስ ኣብ ህይወቶም ክሰርሕሉ ኢዩ ።”

22 እዚ ከምዚ ዝበለ ርእይቶ ምስ ሓደ ኣብ ርሑቕ ቦታ ኰይኑ እተሳእለ ፎቶግራፍ ክመሳሰል ይኽእል ። እንተደኣ ነታ መስኣሊት ኣቕሪቡን ኣግዚፉን ዘርኢ መሳርሒ ኣእቲና ስኢልናላ ግና ናይ ሓቂ ተሞክሮታት ናይ ሰባት ብቐረባ ክንዕዘብ ንኽእል ኢና ። ካብዚኣቶም እቶም ቀደም ደረቐኛታት : ናይ ምፍርራህን ምልክን ጠባይ ዝነበሮም : ዕሉላት ስሱዓት ዝነበሩ ሰብኡት ሕጂ ግና ህዱኣት ሰብሓዳርን ኣቦታትን ኰይኖም ካብቲ ናይ ቅድም ብዝበለጸ ነንስቶምን ደቆምን ከምኡውን ንኻልኦትን ርሕራሔ ዝመልኦ ፍቕርን ሕያውነትን ዘርእዩ ይርከብዎም እዮም ። ከምኡውን እተን ሓደ ግዜ ክመልካ ዝደልያ ወይ ዘይርሕሩሓት ዝነበራ ኣንስቲ ሕጂ ግና ነቲ ናይ ሓቂ መገዲ ክርስትና ካልኦት መታን ክመሃሩ ዝሕግዛ ዘለዋ ይርከባኦም ። ከምዚኦም ዝበሉ ኣብነታት በማእታት ኣሻሕ ኢዮም ዘለዉ ። ሕጂ : እስከ በጃኻ ግልጺ ኹን ። ኣብ ክንዲ ምስቶም ልዕሊ ኹሉን ቅድሚ ኹሉን ንርእሶም ዝፈትዉ ሰባት : ኣብ ማእከል እዞም ከምዚ ዝበሉ ሰባት ክትርከብዶ ዝሐሼ ኰይኑ ኣይምረኸብካዮን ? ነዚ ጽንኩር ግዜ ንኽትዋጽኣሉ ምስኣቶም እንተኾንካዶኸ ኣይምቐለለልካን ? ነዞም ከምዚ ዝበሉ ትምህርትታት ናይ መጽሐፍ ቅዱስ ምስዓብስ ሕጉስዶ ኣይገብረካን ?

23. ን2 ጢሞቴዎስ 3:2 – 5 ተወሳኺ ኣቓልቦ ክንህባ ኣዝዩ ጠቓሚ ዝኸውንስ ስለምንታይ ኢዩ ?

23 ይኹን እምበር : እቲ ክሳዕ ሕጂ ተመያይጥናሉ ዘሎና ካብቲ ጳውሎስ ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 3:2 – 5 ዝሃቦ ዝርዝር እቲ ናይ መጀመርታ ጥራይ ኢዩ ። እቲ ካልእከ ? እቲ ብዛዕብኡ እትገብሮ ጥንቁቕ መጽናዕትስ እቲ ቀንዲ ሽግር ናይ ግዜና እንታይ ምዃኑ ንምፍላጥን : ፈሊጥካ ድማ ንምውጋዱን ከምኡውን ኣየናይ መገዲ ምኽታል ንዓኻን ንፍቑራትካን ዝበለጸ ሓጐስ ከም ዘምጽኣልካ መታን ከተስተውዕልስ ይሕግዘካዶ ይኸውን ? እዛ እትስዕብ ዓንቀጽ መልሲ ናይዞም ሕቶታት እዚኣቶም ክትረክብን ሃብታም በረኸታት ድማ ክትሓፍስን ክትሕግዘካ እያ ።

ክዝከሩ ዘለዎም ነጥብታት

◻ ኣብ ሓደ ጽንኩር ግዜ ንነብር ከም ዘሎና ገለ ካብቶም መረጋገጺታት እንታይ ኢዮም ?

◻ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ንነብር ከም ዘሎና : ከመይ ገይርና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ?

◻ ካብ መጽናዕቲ ናይ 2 ጢሞቴዎስ 3:1 – 5 እንታይ ክልተ ቀንዲ ነጥቢ ኢና ከነውጽእ እንኽእል ?

◻ ኣብዚ ብዙሓት ፈተውቲ ርእሶም ዘለዉዎ ግዜ : ብኸመይ ኢዩ ትምህርቲ ናይ መጽሐፍ ቅዱስ ንህዝቢ የሆዋ ዝሓገዞም ?

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Photo top left: Andy Hernandez/Sipa Press; photo bottom right: Jose Nicolas/Sipa Press

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ