ብየሆዋ ተሓጐሱ!
“ብጐይታ ኹሉ ሳዕ ተሐጐሱ: ደጊመ፤ ተሐጐሱ: እብል አሎኹ።”—ፊልጲ 4:4
1. ጳውሎስ ክርስትያናት ኵሉሳዕ ክሕጐሱ ኣለዎም ክብል ከሎ እንታይ ማለቱ ከም ዘኾነ ንምርድኡ ግር ክብለና ዝኽእል ስለምንታይ ኢዩ?
ኣብዚ ግዜ’ዚ ንኽትሕጐስ ዝገብረካ ምኽንያት ዳርጋ ዘየለ ይመስል ይኸውን። ካብ ሓመድ ዝኾኑ ሰባት: ሓቀኛታት ክርስትያናት እውን ከይተረፉ ጓሂ ዘምጽኡ ኩነታት ከም እኒ:- ስራሕ ምስኣን: ጉድለት ጥዕና: ሞት ናይ ፍቑራትካ: ብሕታዊ ግድላት: ወይ ከኣ ካብቶም ዘይኣምኑ ኣባላት ስድራቤት ከምኡውን ካብ ናይ ቀደም ኣዕሩኽ ዝመጽእ ተቓውሞ ይገጠምዎም ኢዩም። ከምዚ ካብ ኮነ እምበኣር: ነቲ “ኵሉ ሳዕ ተሓጐሱ” ዝብል ምሕጽንታ ጳውሎስ ድኣ ከመይ ጌርና ክንርድኦ ኢና? ብመሰረት እቲ ኵላትና ክንቃለሶ ዝግብኣና ዘየሐጕስን ፈታንን ኵነታት ተመልኪትካ ክትርእዮ ከሎኻ: እዝስ ይከኣል ድዩ? እቲ ኣብ ከባቢ ናይዘን ቃላት እዚኣተን ዘሎ ሓሳባት ነዚ ነገር እዚ ኣነጺርና ንኽንርድኦ ክድግፈና ኢዩ።
ተሓጐሱ: ስለምንታይን ብኸመይን?
2, 3. ኣብ የሱስን ኣብ ጥንታውያን እሰራኤላውያንን ከም እተራእየ: ሓጐስ ኣገዳስነቱ እንታይ ኢዩ?
2 “ብጐይታ ኹሉ ሳዕ ተሐጐሱ: ደጊመ፤ ተሐጐሱ: እብል አሎኹ።” እዚ ነቲ 24 ክፍለ ዘበናት ይገብር ንእስራኤላውያን እተነግሮም ቃላት የዘኻኽረና:- “ሓጐስ እግዚኣብሄር ሓይልኹም እዩ፣” ወይ ብመሰረት ትርጉም ሞፋት “በቲ ዘለኣለማዊ ክትሕጐሱ: ሓይልኹም ኢዩ።” (ነህምያ 8:10) ሓጐስ ሓይሊ ይህብ ኢዩ: ሓደ ሰብ ምጽንናዕን ዕቍባን ምእንቲ ክረክብ ኢሉ ዝጽገዓሉ ዕርዲ መሰል ከኣ ኢዩ። ሓጐስ ንየሱስ ነቲ ፍጹም ዝነበረ ሰብኣይ ከየተረፈ’ኳ ከም ሓጋዚ ኰይኑ ንኽጽመም ደጊፍዎ ኢዩ። “ሕፍረት ንዒቑ: ስለቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ መስቀል [ዕንጨይቲ ስቓይ ትሓዓ] [ተዓገሰ]።” (እብራውያን 12:2) እምበኣርከስ ሽግራት እናኣጓነፈካ ክትሕጐስ ምኽኣል ንድሕነት ኣድላዪ ኢዩ።
3 ቅድሚ ናብ ምድሪ ተስፋ ምእታዎም እስራኤላውያን “በቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንኣኻን ንቤትካን ዝሀበካ ኹሉ ጽቡቕ ነገር: ንስኻ: እቲ ሌዋውን ኣብ ማእከልካ ዚነብር ስደተኛን ከኣ ክትሕጐስ ኢኻ [ይግብኣካ ትሓዓ]” ዝብል ትእዛዝ ተዋሂብዎም ነበረ። ንየሆዋ ከይተሓጐስካ ናይ ምግልጋል ሳዕቤን ድማ ከቢድ ክኸውን ነበሮ። “እዚ ኹሉ መርገም ኪወርደካ: ክሳዕ እትጠፍእ ድማ ኪሰጐካን ኬርክበካን እዩ። . . . ኵሉ መሊኡካ ኸሎስ: ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ባህ ኢሉካ ብጽቡቕ [ብሕጉስ ትሓዓ ] ልቢ ስለ ዘየገለገልካዮ።”—ዘዳግም 26:11፣ 28:45-47
4. ካብ ሓጐስ ክንጥለ እንኽእል ስለምንታይ ኢና ?
4 ስለዚ እምበኣር ነዞም ናይ ሎሚ ቅቡኣት ተረፍን ነቶም ብጾቶም ዝኾኑ “ካልኦት ኣባጊዕን” እቲ ተሓጐሱ ዝብል ትእዛዝ የድልዮም ኢዩ! (ዮሃንስ 10:16) ጳውሎስ ንምኽሩ “ደጊመ፤ . . . እብል አሎኹ” ኢሉ ብምድጋሙ በቲ የሆዋ ዝገበረልና ኵሉ ሰናይ ነገራት ክንሕጐስ ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ከም ዝኾነ ኣጕሊሕዎ ኣሎ። እሞኸ ንሕጐስዶ ኢና? ወይስ ኣብቲ መዓልታዊ ናይ ናብራ ሃለኽለኽ: አረ ሓደ ሓደ ግዜስ ነቲ ዘሐጕሰና ብዙሕ ምኽንያታት ክሳዕ እንርስዖዶ ኣዚና ብእኡ ንጽመድ ኢና? ግድላት ነቲ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽን እተምጽኦ በረኸታትን ዘሎና ኣረኣእያ ክሳዕ ዘጸልምትዎዶ ክንዲ ጎቦ ኰይኖም ይረኣዩና ኢዮም? ካልኦት ነገራት ከም እኒ:- ሕግታት ኣምላኽ ዘይምሕላው: ንመለኮታዊ መምርሒታት ዕሽሽ ምባል: ወይ ከኣ ንክርስትያናዊ ዕዮታት ሸለል ምባል ንሓጐስና ክዝርፍዎዶ ነፍቀደሎም ኢና?
5. ሓደ መስተውዓሊ ዘይኰነ ሰብ ንኽሕጐስ ዘጸግሞ ሰለምንታይ ኢዩ?
5 “እቲ ለውሃትኩም [ምስተውዓልኩም ትሓዓ ] ኣብ ኵሉ ሰብ ይፈለጥ: እግዚኣብሄር ቀረባ እዩ።” (ፊልጲ 4:5) ምስትውዓል ዘይብሉ ሰብ: ሚዛን ይጐድሎ ኢዩ። ንኣካላቱ ኣብ ዘየድሊ ውጥረትን ጭንቀትን ብምስጣሕ ንጥዕናኡ ግቡእ ሓልዮት ኣይገብርን ይኸውን። ምናልባት ነቲ ዘለዎ ውሱን ደረት ተቐቢሉ ብእኡ መሰረት ድማ ተሰማሚዑ ክነብር ከም ዘለዎ: ኣይተረደአን ይኸውን። ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ዝኾኑ ሸቶታት ይገብር እሞ ዘስዕቦ ክሳራታት ከየገደሶ ክበጽሖም ኢሉ ይህቅን ይኸውን። ወይ ድማ ነቲ ውሱን ዓቕሙ ከም ምኽንያት ተጠቒሙ ኣእዳዉ የሰልኪ ይኸውን። ሚዛን ስለ ዘጕደለን መስተውዓሊ ብዘይምዃኑን ንኽሕጐስ ኣጸጋሚ ኮይኑ ይረኽቦ ።
6. (ሀ) ክርስትያን ብጾትና እንታይ ክርእዩልና ኢዩ ዝግብኦም? መዓስ ጥራይከ ኢዮም ክርእዩልና ዝኽእሉ? (ለ) እተን ኣብ 2 ቈረንቶስ 1:24 ከምኡውን ኣብ ሮሜ 14:4 ዘለዋ ቃላት: ብኸመይ ኢየን መስተውዓልቲ ንኽንከውን ዝሕግዛና?
6 ሽሕኳ ተቓወምቲ ከም ቃጭዋናት ወይ ሕሉፋት ገይሮም ዝርእዩና እንተኾኑ: ክርስትያናት ብጾትና ግን ኵሉ ግዜ ነቲ ምስትውዓልና ክርእይዎ ክኽእሉ ኣለዎም። ሚዛንና እንሕሉን ካብ ገዛእ ርእስና ይኹን ካብ ካልኦት ፍጽምና ዘይንጽበ እንተደኣ ኾይንና ብርግጽ ከምኡ ገይሮም ክርእዩና ኢዮም። ልዕሊ ኹሉ ድማ ክንየው እቲ ቃል ኣምላኽ ዝሓቶ ሓሊፍና ኣብ ልዕሊ ኻልኦት ሸኸም ካብ ምጽዓን ክንቁጠብ ይግብኣና። ሃዋርያ ጳወሎስ “ደገፍቲ ሓጐስኩም ደኣ ኢና እምበር: ኣብ ልዕሊ እምነትኩም ክንጕይተት ኣይኰንናን” በለ። (2 ቈረንቶስ 1:24) ጳውሎስ ቅድም ፈሪሳዊ ስለ ዝነበረ: በቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ እተሰርዐን እተጻዕነን ተሪር ሕግታት ንሓጐስካ ከም ዝዕፍን በቶም መተዓይይቲ ብጾት ዝወሃብ ደጋፊ ርእይቶታት ግን ሓጐስ ከም ዝውስኽ: ኣጸቢቑ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። እተን “እግዚኣብሄር ቀረባ እዩ” ዝብላ ቃላት ንሓደ መስተውዓሊ ሰብ ‘ኣብ ጊልያ ኻልእ ክንፈርድ ከም ዘይብልና ከመይሲ ንሱ ደው ዝብልን ዝወድቕን ንጐይትኡ ከም ዝኾነ’ ከዘኻኽራኦ ይግባእ።—ሮሜ 14:4
7, 8. ክርስትያናት ግድላት ክገጥሞም ክጽበዩ ዝግብኦም ስለምንታይ ኢዮም? ይኹን እምበር ከመይ ኢሎም ኢዮም ብቐጻሊ ክሕጐሱ ዝኽእሉ?
7 “ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር: ብገለ እኳ አይትጨነቑ።” (ፊልጲ 4:6) ሎሚ ንሕና ነቲ ጳውሎስ ኣብ ጽሑፉ ኣመልኪትዎ ዘሎ “ንኽትዋጽኣሉ ዘሸግር ጽንኩር ግዜ” ኣብ መዓልታዊ ናብራና ንጋጠሞ ኢና ዘሎና። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5) ስለዚ እምበኣር ክርስትያናት ግድላት ክገጥሞም ክጽበይዎ ኣለዎም። እተን “ኵሉ ሳዕ ተሓጐሱ” ዝብላ ቃላት ጳውሎስ ሓደ እሙን ክርስትያን ሓደ ሓደ ግዜ ናይ ምሕላል ወይ ናይ ተስፋ ምቍራጽ እዋናት ከጋጥሞ የብሉን ማለት ኣይኰነን። ጳወሎስ ንሱ ንባዕሉ ብግብሪ ዘጋጠሞ ነገራት ተኣሚኑሉ ኣሎ:- “ብኹሉ ወገን ንጽቀጥ: ግናኸ ኣይጸበናን: እንገብሮ ይጠፍኣና። ግናኸ ተስፋ ኣይንቐብጽን ኢና። ንስጐጕ: ድርቡያት ግና ኣየኰንናን: ይደፍኡና: ግናኸ ኣይንጠፍእን ኢና።” (2 ቈረንቶስ 4:8, 9) ይኹን እምበር ናይ ሓደ ክርስትያን ሓጐስ ነቲ ናይ ጭንቀትን ጓህን ግዝያዊ እዋናት ኣህዲኡ መወዳእታኡ ኸኣ ዓብላሊ ኰይኑ ኢዩ ዚርከብ። ነቲ ከሐጕሰካ ዝኽእል ብዙሕ ምኽንያታት ፈጺምካ ከይረሳዕካ ብቐጻሊ ንቕድሚት ክትግስግስ ዝሕግዘካ ሓይሊ ድማ ይህበካ።
8 ሓደ ሕጉስ ክርስትያን: ግድላት ክለዓሉ ከለዉ እንታይነቶም ብዘየገድስ: ብጸሎት ቀሪቡ ብትሕትና ንየሆዋ ይልምኖ ደኣ እምበር: ብዘይ መጠን ብምጭናቕ ኢዱ ኣይህብን ኢዩ። ነቲ ግድል ንኽፈትሖ ብምስትውዓል ዝከኣሎ ድሕሪ ምጽዓሩ: ነቲ ውጽኢት ምስቲ “ጾርካ ናብ እግዚኣብሄር ደርብዮ: ንሱ ኺድግፈካ እዩ” ዝብል ዕድመ ብምስምማዕ ኣብ ኢድ የሆዋ ኢዩ ዝገድፎ። ኣብ መንጐ እዚ ድማ እቲ ክርስትያን ንየሆዋ ስለቲ ሕያውነቱ ከየባተኸ የመስግኖ።—መዝሙር 55:22፣ ከምኡውን ማቴዎስ 6:25-34 ርአ።
9. ፍልጠት ሓቂ ከመይ ኢሉ ኢዩ ናይ ኣእምሮ ሰላም ከምጽእ ዝኽእል? እዚኸ ኣብ ክርስትያናት ከመይ ኢሉ ኢዩ ሰናይ ሳዕቤን ክህልዎ ዝኽእል?
9 “እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ።” (ፊልጲ 4:7) ፍልጠት ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ንኣእምሮ ናይ ሓደ ክርስትያን ካብ ግጉይ ሓሳባት ሓራ ይገብሮ: ጥዑይ ኣተሓሳስባ ንኸማዕብል ድማ ይሕግዞ። (2 ጢሞቴዎስ 1:13) በዚ ኸምዚ ድማ ነቲ ምስ ካልኦት ዘለዎ ሰላማዊ ርክብ ከበላሽወሉ ዝኽእል ግጉይ ወይ ናይ ዕሽነት ጠባያት ንኽውግዶ ይሕገዝ። ብቄናን ፍትሕን ብእከይን ተስፋ ኣብ ክንዲ ዝቖርጽ: ኣብቲ የሆዋ በታ መንግስቲ ኣቢሉ ንናይ ወድሰብ ግድላት ንምፍታሕ ዘለዎ ዕላማ ኢዩ ዝእመን። እዚ ናይ ኣእምሮ ሰላም እዚ ንልቡ ይሕልዎ: ጽሩይ ድራኼ የሕድረሉ: ንኣተሓሳስባኡ ድማ ብመገዲ ጽድቂ ይመርሖ። ሽሕኳ በዛ ናይ ሕንፍሽፍሽ ዓለም ዝመጽእ ግድላትን ጸቕጥታትን እንተሎ ጽሩይ ድራኼን ቅኑዕ ኣተሓሳስባን ብግዲኡ ንኽትሕጐስ ዝገብርካ ማእለያ ዘይብሉ ምኽንያታት የዳልወልካ።
10. ናይ ሓቂ ሓጐስ ብዛዕባ እንታይ ብምዝራብ ወይ ብምሕሳብ ጥራይ ኢዩ ክመጽእ ዝኽእል?
10 “ብዝተረፈስ: ኣሕዋተየ: ሓቂ ዘበለ: ርዝነት ዘለዎ ዘበለ: ቅኑዕ ዘበለ: ንጹህ ዘበለ: ተፈታዊ ዘበለ: ጽቡቕ ወረ ዘለዎ ዘበለ: ገለ ደግነት እንተኾይኑ: ገለ ንእዶውን እንተ ኾይኑ: ብእኡ ሕሰቡ።” (ፊልጲ 4:8) ሓደ ክርስትያን ብዛዕባ ሕማቕ ነገራት ምዝራብ ኮነ ምሕሳብ ኣየሐጕሶን ኢዩ ። ከምኡ ብምዃኑ ንመብዛሕትኡ ዓለም እተቕርቦ መዘናግዒታት ብቕጽበት ኢዩ ዝነጽጎ። ዝኾነ ይኹን ሰብ ንኣእምሮኡን ንልቡን ብሓሶትን ብናይ ዕሽነት ዋዛን ብሓጥእን ርኹስን ውርዝውና ዘይብሉን ጽሉእን ዘፈንፍንን ነገራት ዝመልኦ እንተድኣ ኾይኑ: ክርስትያናዊ ሓጐስ ክረክብ ኣይክእልን ኢዩ። ንኣእምሮኡን ንልቡን ብጐሓፍ መሊኡ ናይ ሓቂ ሓጐስ ክረክብ ዝኽእል ዋላ ሓደ ከም ዘየሎ ንጹር ኢዩ። ኣብዛ ናይ ሰይጣን ብልሽውቲ ዓለም: ክርስትያናት ዝሓስቡሉን ዝመያየጥሉን ኣዝዩ ብዙሕ ነገራት ከም ዘለዎም ምፍላጥሲ ኣየ ክንደይ ዝሃንጽ ኢዩ!
ከም እትሕጐስ ዝገብረካ ማእለያ ዘይብሉ ምኽንያታት
11. (ሀ) ኣፍኲስካ ክረአ ዘይብሉ ነገር እንታይ ኢዩ? ስለምንታይከ? (ለ) ሓደ ልኡኽ ናይ ማሕበር ምስ ሰበይቱ ኣብ ኣህጉራዊ ኣኼባ ምስታፎም እንታይ ለውጢ ኣምጺኡሎም?
11 ብዛዕባ እቲ ከሕጕሰና ዝኽእል ምኽንያታት ክንዛረብ ከሎና: ነቲ ኣህጉራዊ ሕውነት ኣይንረስዓዮ። (1 ጴጥሮስ 2:17) ዓለማውያን ብምኽንያት ሃገራውን ዓሌታውን ጉጅለታት ኣብ ንሓድሕዶም ብመሪር ጽልኢ ክጸላልኡ ኸለዉ: ህዝቢ ኣምላኽ ግን ኣብ ንሓድሕዶም ብፍቕሪ ኢዮም ዝተኣሳሰሩ። ሕብረቶም ብፍላይ ዝረኣየሉ ኣብ ኣህጉራዊ ዓበይቲ ኣኼባታት ኢዩ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ከይቭ ኡክረይን እተኻየደ ኣኼባ ካብ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ ዝመጸ ልኡኽ ከምዚ ክብል ጸሓፈ:- “እቲ ናይ ሓጐስ ንብዓትን ብሩሃት ኣዒንትን እቲ ብቐጻሊ ዝርአ ልክዕ ከም ናይ ስድራ ቤት ዝመስል ምትሕቑቓፍን እቲ በቶም ብሕብሪ እተሰለመ ጽላላትን መናዲልን እናምበልበሉ ኣብቲ ሜዳ ዘርእይዎ ናይ ሰላምታ ምልውዋጥን ብግልጺ ብዛዕባ ቲኦክራቲካዊ ሕብረት ኢዩ ዝዛረብ። ኣልባብና በቲ የሆዋ ብተኣምራት ዝፈጸመልና ዓለምለኸ ሕውነት ይኾርዕ ኢዩ። እዚ ንዓይን ንሰበይተይን ኣዕሚቑ ተንኪፉና: ኣብ እምነትና ድማ ሓድሽ ትርጉም ኣምጺኡልና ኢዩ።”
12. ኢሳይያስ 60:22 ከመይ ኢሉ ኢዩ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትና ዝፍጸም ዘሎ?
12 እዞም ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ተፈጺሙ ክርእዩ ከለዉስ ኣየ ክንደይ ንእምነቶም ዘደልድል ኢዩ! ንኣብነት ነተን ኣብ ኢሳይያስ 60:22 ዘለዋ ቃላት እስከ ንመርምረን:- “እቲ ንእሽቶስ ሽሕ: እቲ ኣዝዩ ውሑድ ከኣ ብርቱዕ ህዝቢ ኪኸውን እዩ። ኣነ እግዚኣብሄር ነዚ ብጊዜኡ ቐልጢፈ ኽገብሮ እየ።” እታ መንግስቲ ብ1914 ክትውለድ ከላ ንእሽቶ ማለት 5, 100 ጥራይ ኢዮም ብንጥፈት ዝሰብኩ ነይሮም። ኣብዚ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ግን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ብገምጋም 5, 628 ዝኣኽሉ ሓደሽቲ እተጠምቁ መሰኻኽር ይውሰኹ ብምህላዎም እቲ ዓለምለኸ ሕውነት ይሰፍሕ ኢዩ ዘሎ! ኣብ 1993 ናይቶም ፍጡናት ኣገልገልቲ ዝለዓለ ቍጽሪ ኣብ 4,709,889 በጺሑ ነይሩ። ሕስብ እሞ ኣብሎ! እቲ ብ1914 ዝነበረ “ንእሽቶ” ቃል ብቓሉ ናብ “ሽሕ” ተጸጊዑ ማለት ኢዩ።
13 ከምኡውን እቲ ኣብ እግሪ ዘሎ ጽሑፍ። (ሀ) ካብ 1914 ኣትሒዙ እንታይ ኢዩ ዝፍጸም ዘሎ? (ለ) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ኣብ 2 ቆሮንቶስ 9:7 ብቃላት ጳወሎስ ቀሪቡ ዘሎ ስርዓት: ብኸመይ ኢዮም ዘኽብርዎ?
13 ካብ 1914 ንነጀው እቲ መሲሓዊ ንጉስ ኣብ ማእከል ጸላእቱ ይገዝእ ኢዩ ዘሎ። ግዝኣቱ በቶም ነቲ ንናይ ዓለምለኸ ምስፍሕፋሕ ዕዮን ከምኡውን ነቲ ኣህጉራዊ ናይ ህንጻ ወፈራን ግዜኦምን ሓይሎምን ገንዘቦምን ብፍታው ዝውፍዩ ሰብኣውያን ሰዓብቱ እተደገፈ ኢዩ። (መዝሙር 110:2, 3) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሽሕኳ ብዛዕባ ገንዘብ ኣብ ኣኼባታቶም ሳሕቲ እንተኾነ ዝጥቀስ ናይ ገንዘብ ወፈያ ነዚ ንጥፈታት እዚ ኣብ መፈጸምትኡ ስለ ዘብጽሖ የሐጕሶም ኢዩ።a (ምስ 1 ዜና መዋእል 29:9 ኣነጻጽሮ።) ሓቀኛታት ክርስትያናት ንኽህቡ ክግደዱ የብሎምን። ንንጉሶም ኵነታቶም ብዘፍቅደሎም መጠን “ነፍሲ ወከፍ ብጓሂ ወይስ ብግዲ ዘይኰነስ: ከምቲ ብልቡ ዝሐለኖ” ብምሃብ ክድግፍዎ ከም መሰል ኢዮም ዝቖጽርዎ።—2 ቈረንቶስ 9:7
14. ካብ 1919 ንነጀው እንታይ ኵነታት ኢዩ ኣብ ማእከል ህዝቢ ኣምላኽ ዝርአ ዘሎ? እዚኸ እንታይ ከም ዝሕጐሱ ዝገብሮም ምኽንያት ኢዩ ዝህቦም?
14 እቲ ኣቐዲሙ እተነግረ ዳገመ–ህንጻ ናይቲ ኣብ ማእከል ህዝቢ ኣምላኽ ዝርከብ ሓቀኛ ኣምልኾ መንፈሳዊ ገነት ከም ዝፍጠር ገበረ። ካብ 1919 ንነጀው ድማ እናማዕበለ ንዶባቱ ብቐጻሊ ኣስፊሕዎ ኣሎ። (መዝሙር 14:7። ኢሳይያስ 52:9, 10) ፍሪኡኸ እንታይ ኰነ? ሓቀኛታት ክርስትያናት “ደስታን ሓጐስን” ይረኽቡ ኣለዉ። (ኢሳይያስ 51:11) እቲ ውጽኢታዊ ጽቡቕ ፍረ ድማ ፍረ መንፈስ ኣምላኽ በዞም ዘይፍጹማት ደቂ ሰብ ገይሩ እንታይ ክፍጽም ክእለት ከም ዘለዎ ዝገልጽ መርትዖ ኢዩ። ኩሉ ጽቡቐ ስምን ክብርን ዝወሃብ ንየሆዋ እኳ እንተኾነ መተዓይይቲ ኣምላኽ ካብ ምዃን ዝበልጽ መሰል እንታይ ኣሎ? (1 ቈረንቶስ 3:9) የሆዋ ሓያል ከም ምዃኑ መጠን እንተደኣ ኣድልዩ ነእማን ነቲ መልእኽቲ ሓቂ ከም ዝጭድሩ ክገብር ይኽእል ኢዩ። ይኹን ደኣ እምበር በዚ መገዲ እዚ ክጥቀም ኣይመረጸን። ኣብ ክንድኡስ ነቶም ካብ መሬት እተገብሩ ፍቓደኛታት ዝኾኑ ፍጥረታት ፍቓዱ ንኽፍጽሙ ክድርኾም ኢዩ ዝመርጽ።—ሉቃስ 19:40
15. (ሀ) ንኸመይ ዝበለ ዘመናዊ ፍጸሜታት ኢና ብተገዳስነት እንከታተሎ? (ለ) ነየናይ ፍጻሜ ኢና ብሓጐስ ኣማዕዲና እንጥምቶ ዘሎና?
15 ኣገልገልቲ ኣምላኽ: ኵነታት ዓለም ምስ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ እተዛመደ ስለ ዝኾነ ብምሉእ ፍርሃት ነቒሖም ኢዮም ዝከታተልዎ። መንግስታት ዓለም ነባሪ ሰላም ከምጽኡ ንብላሽ ይፍትኑ ኣለዉ ። ዘጋጥሙ ዘለዉ ፍጻሜታት : እዞም መንግስታት እዚኣቶም ኣብቲ ሽግር ዘለዎ ከባቢታት ዓለም ስጕምቲ ምእንቲ ክትወስድ ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝጽውዑ ይገብሮም ኣሎ ። (ራእይ 13:15-17) ኣገልገልቲ ኣምላኽ ግን ነቲ እናቐረበ ዝመጽእ ዘሎ ሓደ ካብቶም ክፍጸሙ ዘለዎም ኣዝዮም ዘሐጕሱ ፍጻሜታት ብዓቢ ሃንቀውታ እናተጸበዩ ኣማዕድዮም ይጥምቱ ኣለዉ። “መርዓ እቲ ገንሸል በጺሑ: መርዓቱውን ተዳለያ እያ እሞ: ንተሐጐስ ባህ ድማ ይበለና: ንእኡውን ክብሪ ንሀቦ።”—ራእይ 19:7
ስብከት: ጾር ድዩ ሓጐስ?
16. ሓደ ክርስትያን ንዝተማህሮ ኣብ ተግባር ዘየውዕሎ እንተደኣ ኾይኑ: ከመይ ገይሩ ሓጐሱ ክዝረፍ ከም ዝኽእል ብምሳሌ ግለጾ።
16 “ነቲ ኻባይ እተመሀርኩምዎን እተቐበልኩምዎን ዝሰማዕኩምዎን ኣባይውን ዝረኤኹምዎን እዚ ግበርዎ እሞ ኣምላኽ ሰላም ምሳኻትኩም ኪኸውን እዩ።” (ፊልጲ 4:9) ክርስትያናት ነቲ እተመሃርዎ ኣብ ተግባር ብምውዓል በረኸት ኣምላኽ ክጽበዩ ይኽእሉ ኢዮም። ሓደ ካብቲ እተመሃርዎ ኣዝዩ ኣገደስቲ ነገራት: ነቲ ብስራት ናብ ካልኦት ምብጻሕ ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ ኢዩ። ነቶም ህይወቶም ንዕኡ ኣብ ምስማዕ እተጸገዐ ቅኑዓት ሰባት ሓበሬታ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ ከብቅዕ ናይ ኣእምሮ ሰላም ክረክብ ወይ ክሕጐስ ዝኽእልከ መን ኣሎ?—ህዝቅኤል 3:17-21፣ 1 ቈረንቶስ 9:16፣ 1 ጢሞቴዎስ 4:16
17. ናይ ስብከት ዕዮና ኵሉ ግዜ ምንጪ ሓጐስ ክኸውን ዝኽእል ስለምንታይ ኢዩ?
17 ብዛዕባ የሆዋ ንኽመሃሩ ፍቓደኛታት ዝኾኑ ኣባጊዕ መሰል ሰባት ክትረክብሲ ከመይ ዝበለ ሓጐስ ኰን ኢዩ! ብርግጽ ድማ እቶም ብቕኑዕ ድራኼ ዘገልግሉ ኩሉ ግዜ ነቲ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ምንጪ ናይ ሓጐስ ከም ዝኾነ ገይሮም ኢዮም ዝረኽብዎ። እዚ ክኸውን ዝኸኣለ ድማ ናይ የሆዋ ምስክር እትኾነሉ ቀንዲ ምኽንያት ስሙ ንምውዳስን ነቲ ከም ሉኡላዊ ገዛኢ መጠን ሒዝዎ ዘሎ ቦታ ድማ ክብ ምእንቲ ከተብሎን ኢዩ። (1 ዜና መዋእል 16:31) እቲ ነዚ ሓቂ እዚ ዝቕበሎ ዘበለ ሰብ: ዋላ እኳ ሰባት ብዕሽነት ነቲ ዘምጽኣሎም ብስራት እንተነጸግዎ ይሕጐስ ኢዩ። ንዘይኣመንቲ ምስባኽ ሓደ መዓልቲ ኣብ መወዳእታኡ ክበጽሕ ምዃኑ ንስም የሆዋ ምውዳስ ግን ንዘለኣለም ክቕጽል ምዃኑ ይፈልጥ ኢዩ።
18. ንሓደ ክርስትያን ፍቓድ የሆዋ ንምግባር ዝድርኾ እንታይ ኢዩ ?
18 ሓቀኛ ሃይማኖት ንኣባላታ ነቲ ብየሆዋ ዝድለ ነገራት ግድን ኰይንዎም ዘይኮነስ ፈትዮም ንኽገብረዎ ኢያ እትድርኾም። (መዝሙር 40:8፣ ዮሃንስ 4:34) ብዙሓት ሰባት እዚ ንምርድኡ የጸግሞም። ሓንቲ ወይዘሮ ንሓንቲ ክትምስከረላ ኢላ ዝኸደታ ሓብቲ ከምዚ ብምባል ተዛረበታ:- “ንስኺ ክትነኣዲ ዝግበኣኪ ኢዩ። ከምቲ እትገብርዮ ዘሎኺ ብዛዕባ ሃይማኖተይ ክሰብኽ ኢለ ካብ ቤት ናብ ቤት ፈጺመ ኣይምኸድኩን።” እታ ሓብቲ ፍሽኽ እናበለት ከምዚ ብምባል መለሸትላ:- “ከመይ ከም እተሰምዓኪ ተረዲኡኒ ኣሎ። ቅድሚ ናይ የሆዋ ምስክር ምዃነይ ንኻልኦት ሰባት እናኸድኩ ብዛዕባ ሃይማኖት ከም ዝዛረቦም ክገብረኒ ዝኽእል ኣይነበረን። ሕጂ ግን ከምኡ ክገብር ድልየት ኣሎኒ።” እታ ወይዘሮ ዝግ በለት እሞ ከምዚ ብምባል ደምደመት:- “ሃይማኖትኪ እትልግሶ ገለ ነገር ከም ዘለዋ ናተይ ግን ከም ዘይብላ ንጹር ኢዩ። ምምርማረይ ከኣ ኣይተርፈንን ኢዩ።”
19. ሎሚ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝተፈልየ እነሕጐሰሉ ግዜ ዝኾነ ስለምንታይ ኢዩ?
19 እታ ብጕሉሕ ኣብ መንግስቲ ኣደራሻትና ተሰቒላ ዘላ ናይ 1994 ዓመታዊት ጥቕሲ: ኵሉ ግዜ “ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር [ብየሆዋ ትሓዓ] ተአመን: ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ” እናበለት ኢያ እተዘኻኽረና። (ምሳሌ 3:5) ኣብቲ እንዕቆበሉ ዕርድና ዝኾነ የሆዋ ክንእመን ምኽኣልና ካብዚ ንላዕሊ ገይሩ ንኽንሕጐስ ምኽንያት ዝኾነና ነገር ክህሉ ይኽእልዶ? መዝሙር 64:10 ከምዚ ብምባል ትገልጽ:- “ጻድቕ ብእግዚኣብሄር ኪሕጐስ: ኣብኡ ኸአ ኪውከል [ኢዩ]።” ሎሚ ነግፈረግ እንብለሉ ወይ ኢድና እንህበሉ ግዜ ኣይኮነን። ነፍሲ ወከፍ እትሓልፍ ወርሒ ናብቲ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ካብ መዓልትታት ኣቤል ጀሚሮም ንኽርእይዎ ክናፍቑ ዝጸንሑ ክዉንነት ኢያ እተቕርበና። ቅድሚ ሕጂ ከም ሎሚ ገይሩ ክንሕጐሰሉ ዘሎና ብዙሕ ምኽንያታት ከም ዘይነበረ ብምፍላጥ: ሕጂ ብምሉእ ልብና ኣብ የሆዋ እንእመነሉ ግዜ ኢዩ!
[እግረ-ጽሑፍ]
a ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታትን ሓንሳእ ኣብ ወርሒ ድማ ኣብ ጉባኤታት: መጠን ናይቲ ብወለንታ እተወፈየ ገንዘብን እተገብረ ወጻኢታትን ዝገልጽ ሕጽር ዝበለ ሓሳባት ይንበብ። ሳሕቲ ድማ እዚ ህያብ እዚ ኣብ እንታይ ይውዕል ከም ዘሎ ዝገልጽ ደብዳቤታት ይለኣኽ ኢዩ ። በዚ ኸምዚ ድማ ነፍሲ ወከፍ ብዛዕባ ኵነታት ገንዘብ ዓለምለካዊ ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይዘኻኸር ።
ብኸመይ ምመለስካ
◻ ብመሰረት ነህምያ 8:10 ስለምንታይ ኢና ክንሕጐስ ዝግብኣና?
◻ ዘዳግም 26:11 ከምኡውን 28:45–47 ብኸመይ ኢዩ ናይ ምሕጓስ ኣድላይነት ዘርእየና?
◻ ፊልጲ 4:4-9 ብኸመይ ኢዩ ኵሉ ግዜ ንኽንሕጐስ ዝሕግዘና?
◻ እታ ናይ 1994 ዓመታዊት ጥቕሲ እንታይ ዘሓጕሰና ምኽንያታት ኢያ እትህበና?
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]
ሩስያውያንን ጀርመናውያንን መሰኻኽር ክፍሊ ናይ ኣህጕራዊ ሕውነት ብምዃኖም ይሕጐሱ
[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]
ሓቂ ንኻልኦት ምክፋሎም ምኽንያት ናይ ሓጐስ ኢዩ