ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w94 1/10 ገጽ 24-29
  • ከምቲ ናይ የሆዋ ጌርካዶ በደል ትሓድግ ኢኻ?

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ከምቲ ናይ የሆዋ ጌርካዶ በደል ትሓድግ ኢኻ?
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሙሴ የማልድ: የሆዋ ድማ ጽን ኢሉ ይሰምዕ
  • ናይ ምናሴ ኣምልኾ ጣኦትን ናይ ዳዊት ዝሙትን
  • ሰሎሞን ነታ ቤተ–መቕደስ ይጽንብል
  • ይቕረ ምባል ኣብ ክርስትያን ግሪኽ ጽሑፋት
  • ‘ንሓድሕድኩም ብኸምኡ ይቕረ ተበሃሃሉ’
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • የሆዋ: ‘ንይቕረታ ድሉው’ ዝዀነ ኣምላኽ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • የሆዋ—ካብ ኵሉ ዝዓበየ ይቕረ በሃሊ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
  • ስለምንታይ ይቕረ እንብል?
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
w94 1/10 ገጽ 24-29

ከምቲ ናይ የሆዋ ጌርካዶ በደል ትሓድግ ኢኻ?

“ንሰብ በደሎም እንተ ሐደግኩምሎም: ንኣኻትኩም ድማ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ኪሐድገልኩም እዩ። ንሰብ በደሎም እንተ ዘይሐደግኩምሎም ግና: ንኣኻትኩም ድማ ኣቦኹም ኣይሐድገልኩምን እዩ። ”​—⁠ማቴዎስ 6:​14, 15

1, 2. እንታይ ዝዓይነቱ ኣምላኽ ኢዩ ዘድልየና: ስለምንታይከ?

“እግዚኣብሄር ርሕሩሕን መሓርን እዩ: ን[ኹ]ራ ደንጓዪ: ብሳህሊ ድማ ምሉእ እዩ። ኩሉ ግዜ ኣይገንሕን: ንዘለኣለም ከኣ ኣይቅየምን። ከም መጠን ሓጢኣትና ኣይገብረናን: ከም መጠን ኣበሳና ድማ ኣይፈድየናን እዩ። ሰማይ ካብ ምድሪ ልዕል ከም ዚብል: ከምኡ ምሕረቱ ናብቶም ዚፈርህዎ ይስልጥን። ምብራቕ ካብ ምዕራብ ከም ዚርሕቕ: ከምኡ ንኣበሳና ኻባና ኣርሐቖ። ከምቲ ወላዲ ንውሉዱ ዚርሕርሓሎም ከምኡ እግዚኣብሄር ንዚፈርህዎ ይርሕርሓሎም እዩ። ፍጥረትና ይፈልጥ እዩ እሞ ሓመድ ምዃንና ይዝክር እዩ።”​—⁠መዝሙር 103:​8-14

2 ብሓጢኣት ተጠኒስና ብኣበሳ ዝተወለድና ስለዝኾንና እቲ ዝወረስናዮ ዘይፍጽምና ድማ ኵሉሳዕ ኣብ ሕጊ ሓጢኣት ገጹ ኪማርኸና ስለ ዝጽዕር ‘ካብ ሓመድ ከም ዝተፈጠርና ዝዝክር’ ኣምላኽ ብዘይመጠን ኢዩ ዘድልየና። ዳዊት ብኸምዚ ዝበለ ዉቁብ ኣገባብ ገይሩ ኣብ መበል 103 መዝሙር ድሕሪ ምግላጹ: ሰለስተ ሚእቲ ዓመታት ጸኒሑ ካልእ ሚክያስ ዝተባህለ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸሓፊ ነዚ ኣምላኽ እዚ ነቲ ሓደ ግዜ ዝተፈጸመ ሓጢኣት መሓርን ይቕረ በሃሊ ምዃኑን ብምጥቃስ ኣሞጊስዎ ኣሎ:- “ከማኻ ዝበለ አምላኽ: ኣበሳ ዚሓድግ: ነቲ በደል ካብቶም ተረፍ ርስቱ ዜሕልፍ መን እዩ[?] ምሕረት እዩ ዝፈቱ እሞ [ኩ]ራኡ ንዘለኣለም ኣይዐቍርን። መሊሱ ይርሕርሓልና: ንኣበሳና ኣብ ትሕቲ እግሩ ይረግጾ። ን[ኹ]ሉ ሓጢኣቶም ናብ መዓሙ[ቕ] ባሕሪ ትድርብዮ።”​—⁠ሚክያስ 7:​18, 19

3. በደል ምሕዳግ እንታይ ማለት ኢዩ?

3 ኣብ ጽሑፋት ግሪኽ: እታ “ይቕረ ምባል” እትብል ቃል “ይኺድ ምግዳፉ” ዝብል ትርጉም እዩ ዘለዋ። እዞም ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለዉ ዳዊትን ሚክያስን ማራኽን ገላጽን ብዝኾነ ቃላት ገይሮም ነዚ ትርጉም እዚ እዮም ዘመሓላልፉ። ነቲ ናይ የሆዋ ምሕዳግ በደል ዘገርም ስፍሓት መሊእና ምእንቲ ከነማስወሉ: ካብቲ ብዙሕ ኣብነታት ገለ ሒደት ከመይ ኢሉ ኣብ ግብሪ ከም እተራእየ እስከ ንመርምሮ። እታ ቐዳመይቲ: ናይ የሆዋ ኣእምሮ ካብ ጥፍኣት ናብ ይቕሬታ ኪምለስ ከም ዝኽእል እተመልክት ኢያ።

ሙሴ የማልድ: የሆዋ ድማ ጽን ኢሉ ይሰምዕ

4. እቶም እስራኤላውያን ከመይ ዝበለ ናይ የሆዋ ሓይሊ መግለጺታት ድሕሪ ምርኣዮም እዮም ገና ነታ ምድሪ ተስፋ ንምእታው ፈሪሆም ዝነበሩ?

4 የሆዋ ንህዝቡ እስራኤል ካብ ግብጺ ኣውጺኡ ኣብ ጥቓ እቲ ዘተስፈዎም ምድሪ ተስፋ ኣምጽኦም: ግናኸ ንሰብ ከንኣን ስለ ዝፈርሁ ንቕድሚት ከይጎዓዙ ኣበዩ። የሆዋ ብዓሰርተ መዓት ገይሩ ካብ ግብጺ ከድሕኖም ከሎ ድሕሪ ምርኣዮም: ብቐይሕ ባሕሪ መህደሚ መገዲ ኸፊቱ: ነቶም ክስዕብዎም ዝፈተኑ ሰራዊት ግብጻውያን ደምሲሱ: ኣብ ከረን ሲናይ ነቶም ሕሩያት ህዝቡ ዝገበረሎም ሕጊ ኪዳን ምሳታቶም ኮይኑ ድሕሪ ምጽንባሉ: መታን ከጽንዖም ድማ ማና ካብ ሰማይ እናውረደ መዓልቲ መዓልቲ ብተኣምራት መጊብዎም ከብቅዕ: ገዘፍቲ ከንኣናውያን ስለ ዝረኣዩ ኣብታ ምድሪ ተስፋ ንምእታው ፈርሁ!​—⁠ዘሁልቅ 14:​1-4

5. ከመይ ኢሎም እዮም ክልተ እሙናት ሰለይቲ ንእስራኤል ከበራትዕዎም ዝፈተኑ?

5 ሙሴን ኣሮንን ብጓሂ ገጾም ተደፍኡ። ኢያሱን ካሌብን: ክልተ እሙናት ሰለይቲ: ንእስራኤል ሓይሎም ኪመልሱሎም ፈተኑ:- ‘እታ ምድሪ ኣዝያ ኣዝያ ጽብቕቲ ምድሪ እያ: ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ኢያ: ነቶም ህዝቢ ኣይትፍርህዎም: የሆዋ ምሳና ኢዩ!” በዚ ቃላት እዚ ኣብ ክንዲ ዝጸናንዑ: እቶም ፈራሃት ዓለወኛታት ህዝቢ ንኢያሱን ካሌብን በእማን ክፍግጽዎም ፈተኑ።​—⁠ዘሁልቍ 14:​5-10

6, 7. (ሀ) እስራኤል ናብታ ምድሪ ተስፋ ምምራሽ ምስ ኣበዩ የሆዋ እንታይ ክገብር ኢዩ ዝወሰነ? (ለ) ሙሴ ነቲ የሆዋ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝበየኖ ፍርዲ ዝተቓዎሞ ስለምንታይ ኢዩ: ምስ እንታይ ፍረኸ?

6 የሆዋ ድማ ተቖጥዐ! “እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ: እዚ ህዝቢ እዚ ኽሳዕ መኣዝ እዩ ዚንዕቀኒ[?] ክሳዕ መኣዝከ እዮም በቲ ኹሉ ኣብ ማእከሎም ዝገበርክዎ ትእምርትታት ዘይኣምኑኒ[?] ብፌራ ኪወቕዖምን ከጥፍኦምን እየ: ንኣኻ ግና ካባታቶም ዚዐብን ዚብርትዕን ህዝቢ ኽገብረካ እየ: በሎ።” ሙሴ ግና ንየሆዋ ከምዚ በሎ:- “እቶም ግብጻውያን: ንስኻ እኳ ነዚ ህዝቢ ካብ ማእከሎም ብሓይልኻ ዘደየብካዮ: እዚ ኺሰምዑ እዮም: ነዞም ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ዚነብሩ ድማ ኪነግሩ እዮም: . . . ሕጂ ኸኣ ነዚ ህዝቢ እዚ ኸም ንሓደ ሰብ ጌርካ እንተቐተልካዮ: ሽዑ እቶም ወሬኻ ዝሰምዑ ህዝብታት: እግዚኣብሄር ነዚ ህዝቢ እዚ ናብታ ዝመሓለሎም ምድሪ ኬእትዎም ስለ ዘይከኣለ: ኣብ በረኻ ሓረዶም ኢሎም ኪዛረቡ እዮም።”​—⁠ዘሁልቍ 14:​11–16

7 ሙሴ ምእንቲ ስም የሆዋ ተሰጊጉ ይቕሬታ ለመነ:- “ነዚ ህዝቢ እዚ ኸምቲ ኻብ ግብጺ ሒዝካ ኽሳዕ ናብዚ ይቕረ ዝበልካሉ ሕጂ ኸኣ እልምነካ ኣሎኹ: ነዚ ህዝቢ እዚ ኸምቲ ዓብዪ ምሕረትካ ሓጢኣቱ ሕደገሉ። እግዚኣብሄር ድማ በለ፤ ከምቲ ቓልካ ይቕረ ኢለ እየ።”​—⁠ዘሁልቍ 14:​19, 20

ናይ ምናሴ ኣምልኾ ጣኦትን ናይ ዳዊት ዝሙትን

8. ንጉስ ምናሴ ናይ ይሁዳ ከመይ ዝበለ ታሪኽ ኢዩ ዘለዎ?

8 የሆዋ ይቕረ ኸም ዝብል ሓደ ጕሉሕ ኣብነት ኪኾነና ዝኽእል ኣብቲ ኣብ ጉዳይ ምናሴ ወዲ እቲ ሕያዋይ ንጉስ ህዝቅያስ ዝተራእየ ኢዩ። ምናሴ ኣብ የሩሳሌም ኪነግስ ኪጅምር ከሎ ወዲ 12 ዓመት ኢዩ ነይሩ። በረኽቲ ሰሪሑ: ንበዓል ዝኸውን መሰውኢታት ሰሪሑ: ቅዱስ ኣዕኑድ ሰሪሑ: ንኸዋኽብቲ ሰማይ ሰጊዱ: ጥንቆላን ድጋምን የዘውትር ነይሩ: መውደቕቲ ዛዕጐልን ጠንቆልትን ገይሩ: ኣብ መቕደስ የሆዋ እተወቕረ ምስሊ ኣቐመጠ ንደቁ ድማ ኣብ ለሰ ወዲ ሂኖም ብሓዊ ኣሕለፎም። “ምእንቲ ኬ[ኾ⁠]ርዮ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብዙሕ ክፉእ ገበረ።” ከምኡውን “ንይሁዳን ኣብ የሩሳሌም ንዚነብሩን ካብ ናይ እቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዘጥፍኦም ኣህዛብ ዝገደደ ኺገብሩ ኣስሓቶም።”​—⁠2 ዜና መዋእል 33:​1-9

9. የሆዋ ንምናሴ ዝራሕርሓሉ ከመይ ኢሉ ኢዩ: ምስ እንታይ ፍረኸ?

9 ኣብ መወዳእታ ኸኣ የሆዋ ንኣሶራውያን ኣንጻር የሆዋ ከም ዝትንስኡ ገበሮም። ንምናሴ ማሪኾም ከኣ ናብ ባቢሎን ወሰድዎ። “ዓቕሉ ምስ ጸበቦ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ጸለየ: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣቦታቱውን ኣዝዩ ርእሱ ኣትሐተ: ናብኡ ኸኣ ተማህለለ: ንሱ ድማ ራሕረሓሉ: ጸሎቱ ኸኣ ሰምዖ: ናብታ መንግስቱውን ናብ የሩሳሌም መለሶ።” (2 ዜና መዋእል 33:​11-13) ብድሕርዚ ምናሴ ነቶም ጓኖት ኣማልኽትን ነቲ ምስሊ ጣኦትን ነቲ መሰውእን ካብታ ከተማ ኣውጽኦ። ኣብቲ መሰውኢ የሆዋ ኸኣ መስዋእትታት ከቕርብ ጀመረ: ንይሁዳ ኸኣ ነቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ኣብ ምግልጋል መርሖም። እዚ: ትሕትናን ጸሎትን ኣራሚ ስጕምትን ንንስሓ ዘብቅዕ ፍረ እንተደኣ ኣፍርዮም የሆዋ ድማ ይቕረ ኪብል ፍቓደኛ ምዃኑ ዝገልጽ ዘደንቕ መርኣያ ኢዩ!​—⁠2 ዜና መዋእል 33:​15, 16

10. ዳዊት ነቲ ምስ ሰበይቲ ኡርያ ዝፈጸሞ ሓጢኣቱ ከመይ ገይሩ ኢዩ ክሓብኦ ዝፈተነ?

10 እቲ ንጉስ ዳዊት ምስ ሰበይቲ ኡርያ ሔታዊ ዝፈጸሞ ናይ ዝሙት ሓጢኣት ኣዝዩ ፍሉጥ ሓጢኣት እዩ። ምስኣ ዝሙት ምፍጻሙ ጥራይ ዘይኮነስ: ምስ ጠነሰትውን ነቲ ጥንሲ ክሸፋፍን ረቂቕ ሜላ ኣለመ። እቲ ንጕስ ንኡርያ ናብ ቤቱ ብምኻድ ምስ ሰበይቱ ጾታዊ ርክብ ክገብር ይጽበዮ ስለ ዝነበረ ካብ ውግእ ዕረፍቲ ክረክብ ኣፍቀደሉ። ኡርያ ግን ነቶም ኣብ ዓውዲ ውግእ ዝነበሩ ብጾቱ ወተሃደራት ክብሪ ብምርኣይ ከምኡ ምግባር ኣበየ። ብድሕርዚ ዳዊት መግቢ ክበልዕ ዓደሞ: መስተ ሰትዩ ከም ዝሰክርውን ገበሮ። ኡርያ ግን ሕጂውን ናብ ሰበይቱ ኣይከደን። ብድሕርዚ ዳዊት ናብቲ ሓለቓ ሰራዊት ልኢኹ ንኡርያ ናብቲ ጽዕጹዕ ውግእ ከእትዎ እሞ ኣብኡ ከም ዝቕተል ክገብሮ ኣዘዞ: ከምኡ ከኣ ኮነ።​—⁠2 ሳሙኤል 11:​2-25

11. ከመይ ኢሉ ኢዩ ዳዊት በቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ንኽጥዓስ ኣጋጣሚ ዝረኸበ: ይኹን እምበር ክጽመም ዝነበሮ እንታይ ኢዩ?

11 የሆዋ ሓጢኣት ናይቲ ንጉስ ክቐልዕ ንናታን ነቢኡ ናብ ዳዊት ለኣኾ። “ሽዑ ዳዊት ንናታን፤ ንእግዝኣብሄር በደልኩ: በሎ። ናታን ድማ ንዳዊት፤ እግዚኣብሄር ከኣ በደልካ አርሒቑልካ እዩ: ኣይትመውትን ኢኻ . . . በሎ።” (2 ሳሙኤል 12:​13) ዳዊት ብሓጢኣቱ ኣዝዩ ስለ ዝተጸጸተ ካብ መዓሙቕ ልቡ ብዝገንፈለ ጸሎት ገይሩ ንየሆዋ ጣዕስኡ ገለጸሉ:- “መስዋእቲ ባህ ኣየብለካን እዩ:​—⁠እንተዘይኮነስ መቕረብኩልካ ነይረ:​—⁠ንመስዋእቲ ምሕራር ኣይትብህጎን ኢኻ እሞ መስዋእቲ ኣምላኽ ስቡር መንፈስ እዩ። ዎ ኣምላኽ: ንስቡርን ቅጥቁጥን ልቢ ኣይትንዕቆን ኢኻ።” (መዝሙር 51:​16, 17) የሆዋ ነቲ ካብ ስቡር ልቢ ዝቐረበ ጸሎት ዳዊት ኣይነዓቖን። ይኹን ደኣምበር ምስቲ የሆዋ ኣብ ዘጸኣት 34 :6, 7 ብዛዕባ ይቕረ ምባል ሓሳብ ክህብ ከሎ “ንበዳሊ ኸም ንጹህ ዘይርኢ” ዝበሎ ብምስምማዕ ኣብ ልዕሊ ዳዊት ከቢድ መቕጻዕቲ ወሪዱ እዩ።

ሰሎሞን ነታ ቤተ–መቕደስ ይጽንብል

12. እታ ቤተ–መቕደስ ክትጽምበል እንከላ ሰለሞን እንታይ ኢሉ ኢዩ ዝጸለየ: ናይ የሆዋ ምላሽከ እንታይ ነበረ?

12 ሰሎሞን ነቲ ህንጻ ናይ ቤተ–መቕደስ የሆዋ ሰሪሑ ምስወድአ ኣብቲ ኣብ ናይ ምጽንባል ስነ–ስርዓት ዘቕረቦ ጸሎቱ ከምዚ በለ:- “ነቲ ባርያኻን ህዝብኻ እስራኤልን ናብዛ ቦታ እዚኣ ኣቢሎም ዚምህለልዎ ጸሎት ስምዓዮ እወ ንስኻ ኣብታ እትነብረላ ዘሎኻ ቦታ ኣብ ሰማይ ኴንካ ስምዓዮ ብዝሰማዕካውን ይቕረ በል።” የሆዋ ድማ ከምዚ ብምባል መለሰ:- “ንሰማይ ዝናም ከየውርድ እንተዐጸኽዎ: ነንበጣውን ንምድሪ ኺበልዓ እንተ አዘዝክዎ: ወይ ኣብ መንጎ ህዝበይ ፌራ እንተ ሰደድኩ: እዚ ብስመይ እተሰምየ ህዝበይ ከኣ ትሕት እንተበለ: እንተ ለመነ ገጸይውን እንተ ደለየ: ካብ ክፉእ መገዱ ድማ እንተ ተመልሰ: ሽዑ ኣነ ኻብ ሰማይ ክሰምዕ እየ: ሓጢኣቶም ከኣ ይቕረ ክብለሎም: ምድሮምውን ክፍውሰሎም እየ።”​—⁠2 ዜና መዋእል 6:​21፣ 7:​13, 14

13. ህዝቅኤል 33:​13-16 የሆዋ ብዛዕባ ሓደ ሰብ ዘለዎ ኣረኣእያ እንታይ ከም ዝኾነ ኢዩ ዘርእየና?

13 የሆዋ ኪዕዘበካ ኸሎ በቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበርካዮ ዘይኮነስ በዚ ሕጂ ዘሎኻዮ ኵነታት እዩ ዝቕበለካ። ከምቲ ኣብ ህዝቅኤል 33:​13-16 ዝብሎ እዩ : “ነቲ ጻድቕ: ብርግጽ ብህይወት ክትነብር ኢኻ እንተበልክዎ: ንሱ ኸኣ ብጽድቁ ተኣሚኑ እንተ ኣበሰ: ንሱ ብሰሪ እቲ ዝገበሮ ኣበሳኡ ኺመውት እዩ እምበር: እቲ ኩሉ ጽድቁ ኣይኪዝከረሉን እዩ። ነቲ ረሲእ ድማ: ብርግጽ ሞት ክትመውት ኢኻ እንተ በልክዎ: ንሱ ኸአ ካብ ሓጢአቱ እንተ ተመልሰ: ፍርድን ጽድቅንውን እንተገበረ ረሲእሲ ታሕዚ እንተመለሰ: ዝዘመቶ እንተኸሓሰ: ግፍዒ ኸይገበረ ብሕጋጋት ህይወት እንተተመላለሰ: ንሱ ብርግጽ ብህይወት ኪነብር: ኣይኪመውትን ከኣ እዩ። እቲ ዝገበሮ ዘበለ [ኵ]ሉ ሓጢኣቱ ኣይኪዝከረሉን እዩ። ፍርድን ጽድቅን ገይሩ እዩ እሞ: ርግጽ ብህይወት ኪነብር እዩ።”

14. ነቲ ናይ የሆዋ በደል ምሕላፍ ፍሉይ ዝገብሮ እንታይ: ኢዩ?

14 እቲ የሆዋ ኣምላኽ ዝገብረልና ይቕሬታ: ካብቲ ሰባት ኣብ ነንሓድሕዶም ዘርእይዎ ይቕሬታ ፍልይ ዝበለ ባህርይ ዘለዎ እዩ: የሆዋ ይቕረ ይብልን ይርስዕን እዩ: ንሰባት ግን እዚ ይኸብዶም እዩ። ገለ ሰባት ‘ዝበደልካኒ ይቕረ ክብለልካ እኽእል እየ ዝገበርካኒ ግን ክርስዖ ኣይክእልን እየ’ እዮም ዝብሉ። የሆዋ ግን ምሳታቶም ክነጻጸር ከሎ እንታይ ከም ዝብል ኣስተብህል:- “ኣነ ኣበሳኦም ይቕረ ክብለሎም: ሓጢኣቶም ድማ ድሕርዚ ኣይክዝክሮን እየ።”​—⁠ኤርምያስ 31:⁠34

15. የሆዋ ብዛዕባ በደል ምሕላፍ እንታይ ታሪኽ ኢዩ ዘለዎ?

15 የሆዋ ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ኣምለኽቱ ንኣሽሓት ዓመታት ዝኣክል ይቕረ ክብለሎም ጸኒሑ እዩ። ነቲ ዝፈልጥዎ ሓጢኣቶም ጥራይ ዘይኮነስ ነቲ ዝተሰወሮም ብዙሕ ሓጢኣት ከይተረፈ ይቕረ ክብለሎም ጸኒሑ እዩ። ምሕረቱን ትዕግስቱን ከምኡውን ይቕረ ምባሉን ወሰን ኣይነበሮን። ኢሳይያስ 55:​7 ከምዚ ይብል:- “ረሲእ መገዱ: ዓመጸኛ ኸኣ ሓሳቡ ይሕደግ: ናብ እግዚኣብሄር ይመለስ: ንሱ ከአ ኪምሕሮ እዩ: ኣዝዩ ይቕረ ይብል እዩ እሞ: ናብ ኣምላኽናውን ይመለስ።”

ይቕረ ምባል ኣብ ክርስትያን ግሪኽ ጽሑፋት

16. እቲ ናይ የሱስ በደል ናይ ምሕላፍ ልምዲ ምስቲ ናይ የሆዋ ዝሰማማዕ ኢዩ ክንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና?

16 እቲ ናይ የሆዋ ይቕረ ናይ ምባል ጸብጻብ ኣብቲ ናይ ግሪኽ ክርስትያን ጽሑፋት ኣዕለቕሊቑ እዩ ዘሎ። የሱስ ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ ይቕረ ምባል ተዛሪቡ ኣሎ: ከምኡ ብምግባሩ ኸኣ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ምስ የሆዋ ከም ዝስማማዕ እዩ ዘርኣየ። ናይ የሱስ ኣተሓሳስባ ካብ የሆዋ ኢዩ ዝመጽእ: ንሱ ንየሆዋ የንጸባርቖ እዩ: ከመይሲ ንሱ ብቐንዱ ንናይ የሆዋ ህላዌ ፍጹም ነጸብራቕ እዩ። ንዕኡ ምርኣይ: ንየሆዋ ምርኣይ ማለት አዩ።​—⁠ዮሃንስ 12:​45-50፣ 14:9፣ እብራውያን 1:⁠3

17. የሆዋ “ኣብዚሑ” በደል ከም ዝሓድግ ከመይ ገይሩ ኢዩ የሱስ ብምሳሌ ገይሩ ገሊጽዎ ዘሎ?

17 የሆዋ ብሰፊሕ መገዲ ይቕረ ከም ዝብል ኣብ ሓንቲ ካብተን ናይ የሱስ ምሳሌታት ተገሊጹ ኣሎ። ኣብኡ ሓደ ንጉስ ንሓደ ባርያ ናይ 10,000 መክሊት (ዳርጋ $33,000,000 ናይ ኣሜሪካ) ዕዳ ከም ዝሓደገሉ ኣዘንትዩ ኣሎ። እቲ ባርያ እቲ ግን ንሓደ ሚእቲ ዲናር ($60 ናይ ኣሜሪካ) ዝእውዶ ዝነበረ ብጻዩ ባርያ ምሕረት ከይገብረሉ ስለ ዝኣበየ እቲ ንጉስ ኣዝዩ ተናደደ። “ኣታ ኽፉእ ባርያ: ኣነ ኽንዲ ዝለመንካኒ ብዘሎ ዕዳኻ ሐደግኩልካ። ንስኻኸ ኸምቲ ኣነ ዝመሓርኩኻዶ: ነቲ ብጻይካ ኽትምሕሮ ኣይምተገበኣካን[?] በሎ። ጎይታኡ [ኾ]ርዩ: ኵሉ ዕዳኡ ኽሳዕ ዚፈዲ: ንዜጽብቡሉ ኣሕሊፉ ሃቦ።” ብድሕርዚ የሱስ ነዚ ነገርዚ ኣመልኪቱ ከምዚ በለ:-“ነፍሲ ወከፍኩም ነንሓዉ ነቲ በደሉ በብልብኹም ይቕረ እንተዘይበልኩምሉ: እቲ ናይ ሰማይ ኣቦይ ድማ ከምኡ ኺገብረኩም እዩ።”​—⁠ማቴዎስ 18:​23-35.

18. እቲ ጴጥሮስ ብዛዕባ በደል ምሕዳግ ዝነበሮ ኣረኣእያ ምስቲ ናይ የሱስ ኣረኣእያ ብኸመይ ኢዩ ዝነጻጸር?

18 የሱስ ነዛ ኣብ ላዕሊ ዘላ ምሳሌ ቀቅድሚ ምሃቡ ጴጥሮስ ናብ የሱስ ቅርብ ኢሉ:- “ጎይታይ ሓወይ እንተበደለንስ: ክንደይ ሳዕ ክሓድገሉ: ክስዕ ሾብዓተዶ” በሎ። ጴጥሮስ ኣዝዩ ምሕረተኛ ከም ዝኾነ ኮይኑ እዩ ተሰሚዑዎ ነይሩ። ሽሕ እኳ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ኣብ በደል ምሕዳግ ደረት ገይሮም እንተ ነበሩ: የሱስ ንጴጥሮስ “ክሳዕ ሰብዓ ሳዕ ሾብዓተ እምበር ክሳዕ ሾብዓተ ሳዕ ኣይብለካን” በሎ። (ማቴዎስ 18:​21, 22) ከምቲ የሱስ ገሊጽዎ ዘሎ ሾብዓተ ግዜ ፈጺሙ እኹል ኣይኮነን:- “ንርእስኹም ተጠንቀቁ: ሓውኻ እንተበደለካ: ግንሐዮ: እንተ ተጣዕሰ ሕደገሉ። አብ መዓልቲ ሾብዓተ ሳዕ እንተበደለካ: ተጣዒሰ እናበለ ኸኣ ኣብ መዓልቲ ሾብዓተ ሳዕ ናባኻ እንተ ተመልሰ: ሕደገሉ።” (ሉቃስ 17:​3, 4) የሆዋ በደልና ክሓድገልና ኸሎ ሓጢኣትና ዘይጸባጸብ ምዃኑ ምፍላጥናስ ኣየ ክንደይ እዩ ዘሐጕሰና።

19. የሆዋ በደልና ምእንቲ ክሓድገልና እንታይ ክንገብር ኢዩ ዝግብእና?

19 ንኽንጠዓስን ሓጢኣትና ክንናዘዝን ዘኽእለና ትሕትና እንተደኣ ኣልዩና: የሆዋ ድማ ሞጎሱ ከርእየና እዩ:- “ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና: ንሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና: ካብ ኩሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ።”​—⁠1 ዮሃንስ 1:​9

20. እስቲፋኖስ በደል ክሓድግ ፍቓደኛ ከምዝነበረ ብኸመይ ኢዩ ዘርኣየ?

20 እስጢፉኖስ ሰዓቢ የሱስ: ብቑጥዓ ዝነደዱ እኩባት ሰባት ብእምኒ እናፈገጽዎ ኸለዉ: ብጉሉሕ መንፈስ ናይ ይቕረ ምባል ተደሪኹ “ጎይታይ የሱስ: መንፈሰይ ተቐበል:” በለ: “ተንበርኪኹ ኸኣ ብዓብይ ድምጺ: [የሆዋ ትሓዓ ] እዚ ሓጢኣት እዚ ኣይትሓዘሎም: ኢሉ ጨደረ። እዚ ምስ በለውን ዓረፈ።”​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 7:​59, 60

21. እቲ የሱስ ነቶም ሮማውያን ወተሃደራት በደሎም ክሓድገሎም ፍቓደኛ ምንባሩ ኣዝዩ ዘስደምም ዝኾነ ስለምንታይ ኢዩ?

21 የሱስውን በደል ክሓድግ ፍቓደኛ ከም ዝነበረ ሓደ ዘስደምም ኣብነት እዩ ሓዲጉ ዘሎ። ጸላእቱ ኣሲሮሞ: ብዘይሕጊ ፈሪዶሞ: ከሲሶሞ: ኣላጊጾምሉ: ጡፍ ኢሎምሉ: ኣብ ጫፉ በላሕቲ ኣዕጽምትን ሓጺንን ዝተቖጽሮ ጩግራፍ ገይሮም ገሪፎሞ: ኣብ መወዳእታ ኸኣ ኣብ ዕጨይቲ ሸንኪሮም ንነዊሕ ሰዓታት ሓደግዎ። ኣብዚ ብብዝሒ ኢዶም ኣእትዮም ዝነበሩ እቶም ሮማውያን እዮም። ይኹን እምበር የሱስ ኣብቲ ዕጨይቲ ስቓይ እንከሎ: ብዛዕባ እቶም ዝሸንከርዎ ወተሃደራት ንሰማያዊ ኣቦኡ “ኣቦይ ዚገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ: ሕደገሎም” በሎ።​—⁠ሉቃስ 23:⁠34

22. ካብቲ ናይ ከረን ስብከት ንኸመይ ዝበሉ ቃላት ኢና ኣብ ግብሪ ከነውዕሎም ዝግብኣና?

22 ኣብቲ ናይ ከረን ስብከቱ የሱስ “ንዚጸልኡኹም ጽቡቕ ግበሩ: ስለቶም ዚጸርፉኹምን ዚሰጉኹምን ጸልዩ” ኢሉ ነበረ። ክሳዕ መወዳእታ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ድማ ነዚ ስርዓት እዚ ባዕሉ ተኣዚዙዎ እዩ። ንዓና ነዞም ምስ እዚ ሓጥእ ስጋና እንቃለስ ሰባትከ እዝስ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ድዩ? እንተወሓደ ነቲ የሱስ ንሰዓብቱ ነታ ናይ ኣብነት ጸሎት ድሕሪ ምሃቡ ዝመሃሮም ቃላት ኣብ ግብሪ ከነውዕሎ ክንጽዕር ይግብኣና:- “ንሰብ በደሎም እንተ ሐደግኩምሎም: ንኣኻትኩም ድማ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ኪሓድገልኩም እዩ። ንሰብ በደሎም እንተዘይሓደግኩምሎም ግና: ንኣኻትኩም ድማ ኣቦኹም ኣይሓድገልኩምን እዩ።” (ማቴዎስ 5:44: 6:​14, 15) ከምቲ የሆዋ በደል ዝሓድግ: ንሕና ድማ በደል ንሓድግ እንተደኣ ኾይንና: በደል ክንሓድግን ክንርስዕን ኢና።

ትዝክርዎዶ?

◻ ሓጢኣት ምስ እንገብር የሆዋ ከመይ ኢሉ ኢዩ ስጕምቲ ዝወስድ: ስለምንታይከ?

◻ ስለምንታይ ኢዩ ምናሴ ናብ ንግስነቱ ዝተመልሰ?

◻ ኣብ በደል ምሕላፍ ከመይ ዘበለ የሆዋ ዘርኣዮ ባህርይ ኢዩ ንሰባት ኽቐድሕዎ ዝኸብዶም?

◻ የሱስ በደል ክሓድግ ፍቓደኛ ኮይኑ ምርካቡ ዘስደምም ክኸውን ዝኸኣለ ከመይ ኢሉ ኢዩ?

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]

ናታን ንዳዊት ካብ ኣምላኽ ምሕረት ክሓትት ከም ዘድልዮ ከስተውዕል ሓገዞ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ