ጨካናት ኣማልኽቲ ሰባት
[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]
ጥንታውያን ኣማልኽቲ: መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ደም ጽምኢ ዘለዎምን ህሩፋትን ከም ዝኾኑ ኢዩ ዝዝረበሎም። ንዓታቶም ንምህዳእ: ወለዲ ንደቆም ብህይወቶም ኣብ ሓዊ ኣቃጸልዎም። (ዘዳግም 12:31) በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ ኣረማውያን ፈላስፋታት: ኣምላኽ ቍጥዓ ወይ ድንጋጽ ከም ዘይብሉ ገይሮም ኢዮም ዝምህሩ።
እቲ ብመንፈስ ኣጋንንቲ እተመልአ ኣረኣእያ ናይዞም ፈላስፋታት እዚኣቶም: ነቶም ህዝቢ ኣምላኽ ኢና ዝብሉ ዝነበሩ ኣይሁድ ጸልይዎም ኢዩ። ብመዓልትታት የሱስ ዝነብር ዝነበረ ፊሎ እተባህለ ኣይሁዳዊ ፈላስፋ: ኣምላኽ “ንዝኾነ ይኹን ብርቱዕ ስምዒታት ዝንባለ ዘለዎ ኣይኮነን” ኢሉ ገለጸ።
እቶም ኣዝዮም ኣብቲ ናይ ኣይሁድ ኣንቆራ ጠቢቖም ዝነበሩ ፈሪሳውያን ከይተረፉ: ካብቲ ጽልዋ ናይ ግሪኽ ፍልስፍና ኣየምለጡን። ነቲ ሰብሲ በታ ኣብ ሰብኣዊ ኣካላቱ እትርከብ ዘይትመውት ነፍሲ ዝቖመ ኢዩ ዝብል ናይ ፕላቶ ትምህርትታት: ተቐቢሎምዎ ኢዮም። ብዘይካዚውን ብመሰረት እቲ ኣብ ቀዳማይ ክፈለ ዘበን ዝነብር ዝነበረ ጸሓፍ ታሪኽ ጆሴፋስ ዝበሎ: እቶም ፈሪሳውያን: ነፍሳት ናይ እኩያት ሰባት “ብናይ ዘለኣለም ቅጽዓት” ኢየን ዝሳቐያ ኢሎም ኢዮም ዝኣምኑ ነይሮም። ይኹን እምበር መጽሓፍ ቅዱስ ንኸምዚ ዝበለ ኣረኣእያ መሰረት ኣይህበሉን ኢዩ።—ዘፍጥረት 2:7፣ 3:19፣ መክብብ 9:5፣ ህዝቅኤል 18:4
ብዛዕባ እቶም ሰዓብቲ የሱስከ እንታይ ክበሃል ይከኣል? በቲ ናይ ኣረማውያን ፍልስፍና ክጽለዉዶ ኣፍቂዶም ኢዮም? ነዚ ሓደጋ እዚ ብምግንዛብ: ሃዋርያ ጳወሎስ ንሰዓብቱ ክርስትያናት ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ኣጠንቀቖም:- “ከም ናይ ክርስቶስ ዘይኰነስ: ብልማድ ሰብ: ከም ምህሮ ቑልዕነት እዛ ዓለም እዚኣ: ብጥበብ ዓለምን ብኸንቱ ምጥባርን ሓደ እኳ ኸይማርኸኩምሲ: ተጠንቀቑ።”—ቈሎሴ 2:8፣ ከምኡውን 1 ጢሞቴዎስ 6:20 ተመልከት።
ዘሕዝን ግን: ብዙሓት ኣብ ካልኣይን ሳልሳይን ክፍለ ዘበን ዝነበሩ ክርስትያናት ተዓዘብቲ ኢና በሃልቲ: ነዚ መጠንቀቕታ እዚ ነጺጎም ኣምላኽ ስምዒት የብሉን ኢሎም መሃሩ። ኢንሳይክሎፐድያ ኦቭ ረሊጅን ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ብጠቕላላ: ብዛዕባ ባህርያት ኣምላኽ ዝነበረ ምርዳእ: ከምቲ በቲ ግዜ እቲ ዝእመነሉ ዝነበረ ኣይሁዳውን ፍልስፍናውን ኣተሓሳስባ ኢዩ . . . ኣምላኽ: እቲ ኣቦ: ከም እኒ ድንጋጸ ዝአመሰሉ ስምዒታት ክህልዎ ይኽእል ኢዩ ዝብል ሓሳብ: . . . እንተወሓደ ክሳዕ ናይ መበል ዕስራ ክፍለ ዘበን መወዳእታ: ዳርጋ ከም ዘይቅቡል ኮይኑ ኢዩ ዝውሰድ ነይሩ።”
በዚ ምኽንያት እዚ እምበኣር: ህዝበ ክርስትያን ንሓጢኣተኛታት ብህይወቶም ንዘለኣለም ከም ዝሳቐዩ ብምግባር ዚቐጽዕ ናይ ሓደ ጨካን ኣምላኽ ናይ ሓሶት ትምህርቲ ተቐቢላቶ ኢያ። በቲ ሓደ ወገን ግና የሆዋ ኣምላኽ ኣብ ቃሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ዓስቢ ሓጢኣተሲ ሞት” ድኣ እምበር ዘለኣለማዊ ስቓይ ከም ዘይኮነ ኣነጺሩ ገሊጽዎ ኣሎ።—ሮሜ 6:23
ኣብ ላዕሊ:- Acropolis Museum, Greece
Courtesy of The British Museum