ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w94 1/11 ገጽ 22-27
  • ዓስቢ እዮብ —ምንጪ ናይ ተስፋ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዓስቢ እዮብ —ምንጪ ናይ ተስፋ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እዮብ ትብዓት ዝመልኦ ምስክርነት ይህብ
  • ኤሊሁ ይዛረብ
  • የሆዋ ንእዮብ ይምልሰሉ
  • ብህሞትን ሌዋታንን
  • ናይቲ መብጽዓ ዓስቢ: ተስፋ ይህበና
  • የሆዋ ኻብ ስቓዩ ኣሕወዮ
    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
  • እዮብ ንስም የሆዋ ልዕል ኣበለ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • መአረምታ እተቐበለ ኣብነታዊ ሰብኣይ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ካብ መጽሓፍ እዮብ ዚጐልሕ ነጥብታት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
w94 1/11 ገጽ 22-27

ዓስቢ እዮብ ​—⁠ምንጪ ናይ ተስፋ

“እግዚአብሄር ድማ ንእዮብ ካብቲ ቐዳማዩስ ነቲ ዳሕራዩ ኣብሊጹ ባረኸሉ። ” ​—⁠እዮብ 42:⁠12

1. ፈተናታት ኣዝዩ እንተጐድኦም እኳ የሆዋ ንህዝቡ እንታይ ይገብረሎም?

የሆዋ ‘ነቶም ዚደልይዎ ዓሰቢ ይህቦም ኢዩ።’ (እብራውያን 11:⁠6) ነቶም ውፉያት ኣገልገልቱ ፈተና ክሳብ ከም ምዉታት ዝኾኑ እኳ እንተ ገበሮም: ብትብዓት ንኽምስክሩ ይድርኾም። (እዮብ 26:⁠5፣ ራእይ 11:⁠3, 7, 11) እዚ ኣብ ኵነታት ናይቲ ዝሳቐ ዝነበረ እዮብ ሓቂ ምዃኑ ኣመስኪሩ ኢዩ። ዋላኳ እቶም ሰለስተ ናይ ሓሶት መጸናናዕቲ እንተ ኣጸለምዎ: ፍርሒ ሰብ ግና ስቕ ከም ዝብል ኣይገበሮን። ኣብ ክንድኡስ ትብዓት ዝመልኦ ምስክርነት ሃበ።

2. ዋላኳ ብመስጐግትን ሽግርን እንተተሳቐዩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብቲ ፈተናኦም ከመይ ኮይኖም ወጹ?

2 ብዙሓት ዘመናውያን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኣፍ ሞት ክሳብ ዝበጽሑ ብመስጐግትታትን ሽግርን ተሳቕዮም ኢዮም። (2 ቈረንቶስ 11:⁠23) ዝኾነ ኾይኑ ግን ከም እዮብ ንኣምላኽ ፍቕሪ ኣርእዮም: ብቕንዕናውን ተመላሊሶም ኢዮም። (ህዝቅኤል 14:⁠14, 20) ነቲ ፈተና ምስ ተዋጽኡሉ ኸኣ: ንየሆዋ ንኸሐጕስዎ ከም ዝቖርጹን ትብዓት ዝመልኦ ምስክርነት ንኽህቡ ሓይሊ ከም ዝረኽቡን ብሓቀኛ ተስፋ ከም ዝመልኡን ይገብሮም።

እዮብ ትብዓት ዝመልኦ ምስክርነት ይህብ

3. ኣብቲ ናይ መወዳእታ ዘረባኡ እዮብ እንታይ ዓይነት ምስክርነት ኢዩ ዝሃበ?

3 ኣብታ ናይ መወዳእታ ዘረብኡ እዮብ ካብቲ ቅድሚኡ ሂብዎ ዝነበረ ዝዓበየ ምስክርነት ሃበ። ምሉእ ብምሉእ ነቶም ናይ ሓሶት መጸናናዕቲ ስቕ ኣበሎም። እዮብ ብመሪር ምሽምጣጥ ገይሩ ከምዚ በለ:- “ነቲ ሓይሊ ዜብሉ ኸመይ ዝበለ ሓገዝ ሐገዝካዮ[!]” (እዮብ 26:⁠2) እዮብ ንየሆዋ: እቲ ብሓይሉ ንምድሪ ኣብ ባዶ ዝዘርግሐን: ማይ ዝሓዘ ደበናውን ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዘንጠልጠለን: ይውድሶ። (እዮብ 26:⁠7-9) ይኹን እምበር እዮብ እዚ ከምዚ ዝበለ መስተንክራትሲ ‘ሓደ ጫፍ ናይቲ መገዱ ጥራይ እዩ’ በለ።​—⁠እዮብ 26:⁠14

4. ብዛዕባ ንጽህና: እዮብ እንታይ በለ: ንገዛእ ርእሱ ከምኡ ገይሩ ዝገለጸኸ ስለምንታይ ኢዩ?

4 ብዛዕባ ንጽህንኡ ርግጽ ብምዃን ከኣ እዮብ ከምዚ ይብል:- “ክሳዕ ሞተይ ካብታ ብዘይ ጕድለት ምዃነይ ኣየግልስን።” (እዮብ 27:⁠5) ኣንጻር እቲ እተወርወረሉ ናይ ሓሶት ክስታት: ዝግብኦ ኢዩ ወሪድዎ ዘብል ዋላ ሓንቲ ኣይገበረን። የሆዋ ጸሎት ናይ ክሓድቲ ከም ዘይሰምዕ: ነቶም ንጽህንኦም ዝሕልዉ ግን ዓስቢ ከም ዝህቦም እዮብ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። እዚ ኸኣ ድሕሪ ቀረባ ናይ ኣርማጌዶን ማዕበል: ንእኩያት ካብ ቦታ ስልጣኖም ክድርብዮም ምዃኑን ካብቲ ዘይንሕፍ ኢድ ኣምላኽውን ከም ዘየምልጡን የዘኻኽረና። ክሳብ ሽዑ ግን ህዝቢ የሆዋ ብንጽህና ክመላለሱ ኢዮም።​—⁠እዮብ 27:⁠11-23

5. እዮብ ናይ ሓቂ ጥበብ ብኸመይ ገሊጸዋ?

5 እዞም ሰለስተ ብዓለም ለባማት ዝኾኑ ሰባት: እዮብ: ሰብ ንጥበቡ ወርቅን ብሩርን ካልእ ሃብትን ካብ መሬትን ባሕርን ንምርካብ ከም እተጠቕመሉ ከመልክተሎም ከሎ ንሳቶም ከኣ ክሰምዕዎ እሞ ሕሰቦ። “ምጥራይ ጥበብስ ካብ ሉል ዚበልጽ እዩ” በሎም። (እዮብ 28:⁠18) ሓሰውቲ መጸናናዕቲ እዮብ ናይ ሓቂ ጥበብ ክዕድጉ ኣይከኣሉን። ምንጫ እቲ ፈጣሪ ናይ ንፋስን ዝናብን መብረቕን ነጐዳን ኢዩ። ብርግጽ እኳ ደኣ ኣኽብሮኣዊ “ፍርሃት እግዚአብሄርሲ ጥበብ እዩ: ካብ ክፉእ ምርሓቕ ከኣ ምስትውዓል እዩ።”​—⁠እዮብ 28:⁠28

6. እዮብ ብዛዕባ ናይ ቅድም ህይወቱ እተዛረበ ስለምንታይ ኢዩ?

6 ይሳቐ’ኳ እንተ ነበረ: እዮብ ንየሆዋ ካብ ምግልጋል ኣየቋረጸን። እዚ ናይ ተኣማንነት ሰብ እዚ ካብቲ ልዑል ኣብ ክንዲ ዝርሕቕ: ነቲ “ምስ ኣምላኽ ማሕርሮ ርክብ” ዝነበሮ ግዜ ኢዩ ብናፍቖት ዝዘከረ። (እዮብ 29:⁠4 ትሓዓ ) እዮብ ‘ንጥቑዕ ኣናጊፈ: ጽድቂ ለቢሰ: ንድኻ ናይ ሓቂ ኣቦ ኰይነ’ ምባሉስ ይጅሃር ኣይነበረን። (እዮብ 29:⁠12-16) ኣብ ክንድኡስ ከም እሙን ኣገልጋሊ የሆዋ መጠን ናይ ህይወቱ ክዉን ነገራት ኢዩ ዝጠቅስ ዝነበረ። ከምዚ ዝበለ ሰናይ ጸብጻብዶ ኣማዕቢልካ ኣሎኻ? ርግጽ ኢዩ እዮብ ነቲ በቶም ሰለስተ ግቡዛት መታለልቲ ዝቐረበሉ ክስታት ሓሶት ምዃኑ የቃልዕ ነይሩ ኢዩ።

7. እዮብ እንታይ ዓይነት ሰብ ኢዩ ነይሩ?

7 ‘ነቦታቶም ምስቶም ኣኽላባት መጓሲኡ እኳ ዘየሕብሮም’ መንእሰያት ሰብኡት: ንእዮብ ይስሕቅዎ ነይሮም። ተፈንፊኑን ጡፍ ተባሂሉሉን። ኣዝዩ ተጐዲኡኳ እንተነበረ: ንእዮብ ዝሓለየሉ ግን ማንም ኣይነበረን። (እዮብ 30:⁠1, 10, 30) ንየሆዋ ብምልኣት ተወፍዩ ስለ ዝነበረ ግና ጽሩይ ሕልና ነይርዎ: ከምዚ ክብል ከኣ ይኽእል ነይሩ:- “ኣምላኽ ንጹህ ምዃነይ ምእንቲ ኺፈልጥሲ: ኣነ ብቕኑዕ ሚዛን እምዘን።” (እዮብ 31:⁠6) እዮብ ዘማውን ተንኮለኛን ኣይነበረን: ነቶም ዘድልዮም ካብ ምሕጋዝ ከኣ ንድሕሪት ኣይበለን። ሃብታም እኳ እንተነበረ ትውክልቱ ኣብ ስጋዊ ሃብቲ ኣይነበረን። ብተወሳኺውን እዮብ ንኸም ወርሒ ዝኣመሰሉ ህይወት ዘይብሎም ነገራት ተወፋይነት ብምርኣይ ኣብ ኣምልኾ ጣኦት ኣይተጸምደን። (እዮብ 31:⁠26–28) ኣብ የሆዋ ብምውካል ናይ ንጽህና ምሕላው ጽቡቕ ኣብነት ሓዲጉ ኣሎ። ሽሕኳ ስቓይ እንተነበሮ: እቶም ናይ ሓሶት መጸናናዕቲውን እንተነበሩ: እዮብ ብኽእለት ገይሩ ተኻላኸለ: ግሩም ዝኾነ ምስክርነት ከኣ ሃበ። ዘረባኡ ክውድእ ከሎ ኸኣ ንየሆዋ ከም ፈራዲኡን ወሃብ ጻምኡን ገይሩ ረኣዮ።​—⁠እዮብ 31:⁠35-40

ኤሊሁ ይዛረብ

8. ኤሊሁ መን ኢዩ ነይሩ: ኣኽብሮትን ትብዓትንከ ብኸመይ ኢዩ ዘርኣየ?

8 ኤሊሁ ዝተባህለ መንእሰይ ሰብኣይ ካብ ዘርኢ ቡዝ ወዲ ናሆር: ስለዚ ኸኣ ርሕቕ ዝበለ ዘመድ ናይቲ ፈታዊ ኣምላኽ ዝነበረ ኣብርሃም: ኣብ ጥቓኦም ነበረ። (ኢሳይያስ 41:⁠8) ኤሊሁ ንኽልቲኦም ወገን ኣብቲ ክርክር ጽን ኢሉ ብምስምዑ ነቶም ዓበይቲ ሰባት ኣኽብሮቱ ኣርኣዮም። ብዛዕባ እቲ ተጋግዮሞ ዝነበሩ ነገራት ዝምልከት ግን ብትብዓት ተዛረበ። ንኣብነት “እዮብ [ኣብ ክንዲ ንኣምላኽ ትሓዓ ] ንነፍሱ ስለ ዘጽደቓ” ተቖጥዖ። ናይ ኤሊሁ ቍጥዓ ግና ብፍላይ ኣብቶም ናይ ሓሶት መጸናናዕቲ ኢዩ ዘመልክት ነይሩ። እቲ ዘረባኦም ንኣምላኽ ዘልዕል ይመስል እኳ እንተነበረ ብሓቂ ግን ኣብቲ ክርክር ወገን ሰይጣን ብምዃኖም ኣዋሪዶሞ ኢዮም። ኤሊሁ ‘ቃላት መሊእዎን’ ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኹን: ዘየዳሉ ምስክር ናይ የሆዋ ኢዩ ነይሩ።​—⁠እዮብ 32:⁠2, 18, 21

9. ኤሊሁ ንእዮብ ናይ ምድሓን ጩራ ዝሃቦ ከመይ ኢሉ ኢዩ?

9 እዮብ ካብ ናይ ኣምላኽሲ: ብዛዕባ ናይ ገዛእ ርእሱ ሓቅነት ምርግጋጽ ኢዩ ዝያዳ ዝግደስ ነይሩ። ምስ አምላኽ ይማጐት እኳ ደኣ ነበረ። ይኹን እምበር ኣብቲ እዮብ ንኽመውት ተቓሪቡሉ ዝነበረ ኵነታት: ጩራ ምድሓን ነበረ። በየናይ መገዲ ኢዩ እዚ ዝኾነ? ኤሊሁ የሆዋ ንእዮብ ከም ዝሰመሮ በዚ መልእኽቲ እዚ ተዛረበ:- “ካሕሳ ተቐቢለ እየ እሞ: ናብ መቓብር ካብ ምውራድ ኣድሕኖ . . .። ስጋኡ ኻብ ናይ ሕጻን ይልምልም: ናብ መዓልትታት ጕብዝናኡ ይምለስ።”​—⁠እዮብ 33:⁠24,⁠25

10. እዮብ ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ክፍተን ነይርዎ: ብመሰረት 1 ቈረንቶስ 10:⁠13 ግና ብዛዕባ እንታይ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል?

10 ነቲ እዮብ ንጽህናኻ ብምሕላው ንኣምላኽ ባህ ምባልሲ ጥቕሚ የብሉን ኢልዎ ዝነበረ: ኤሊሁ ኣረሞ። ከምዚ በለ:- “ረሲእነት ካብ ኣምላኽ ይርሐቕ: ክፍኣትውን ካብቲ [ኹ]ሉ ዚኽእል ይርሐቕ። ንሰብ ደኣ ከከምታ ግብሩ ይፈድዮ።” እዮብ ጽድቁ ንምግናን ሃወኽ ኣርእዩ ኢዩ: እዚ ኸኣ ስኣን ግቡእ ፍልጠትን ኣእምሮን ኢዩ ገይርዎ። ኤሊሁ ከምዚ ኢሉ ይውስኽ:- “ከምቶም ረሲኣን ገይሩ ምላሽ ስለ ዝሀበስ ክሳዕ ፍጻሜ ይፈተን።” (እዮብ 34:⁠10, 11, 35, 36) ብተመሳሳሊ ንሕናውን ብገለ መገዲ ክሳዕ ‘ፍጻሜ እንተተፈተንና’ ጥራይ ኢያ እምነትናን ንጽህናን ብምልኣት ክረጋገጻ ዝኽእላ። ይኹን እምበር እዚ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ካብቲ ክንስከሞ እንኽእል ንላዕሊ ክንፍተን ኣይገድፈናን ኢዩ።​—⁠1 ቈረንቶስ 10:⁠13

11. ከቢድ ፈተና ምስ ዝወርደና እንታይ ኢና ክንዝክር ዘሎና?

11 ቀጺሉ ኸኣ ኤሊሁ: እዮብ ንናይ ገዛእ ርእሱ ቅንዕና ካብ መጠን ንላዕሊ ከም ዘጋነነ ኣመልከተሉ። ኣትኵሮ ኣብቲ ዓቢ ፈጣሪና ኢዩ ክግበር ዘለዎ። (እዮብ 35:⁠2, 6, 10) ኤሊሁ ኣምላኽ “ንህይወት ረሲእ ኣይሕልዋን: ንመሳኺን ግና ፍትሒ የውጽኣሎም” በለ። (እዮብ 36:⁠6) ሓደኳ ይኹን ንኣምላኽ ኣይቅኑዕን ኢዩ ብምባል: መገዲ ዝሓበሮ የልቦን። ካብቲ ክንፈልጦ እንኽእል ንላዕሊ ልዑል ኢዩ: ዓመታቱ ኸኣ ዘይምርመርን መወዳእታ ዘይብሉን ኢዩ። (እዮብ 36:⁠22-26) ከቢድ ፈተና ምስ ዝወርደና እቲ ዘለኣለማዊ ኣቦና ቅኑዕ ምዃኑን በቲ ንዕኡ ክብሪ ዘምጽእ እሙን ተግባራትና ኸኣ ዓስቢ ክህበና ምዃኑን ንዘክር።

12. እቲ መዛዘሚ ዘረባ ናይ ኤሊሁ ብዛዕባ ፍርዲ ኣምላኽ ኣብቶም እኩያት እንታይ የመልክት?

12 ኤሊሁ ክዛረብ ከሎ ህቦብላ ተላዕለ። እናቐረበ ምስ ከደ ኸኣ ልቡ ክተንቀጥቅጥን ክትናወጽን ጀመረት። የሆዋ ዝገበሮ ዓበይቲ ነገራት ተዛረበ: ከምዚውን በለ:- “ዎ እዮብ: ነዚ ስማዕ: ንተኣምራት ኣምላኽ ህድእ ኢልካ ኣስተንትኖ።” ከም እዮብ ንሕናውን ነቲ ናይ ኣምላኽ መስተንክር ስርሓትን ዘፍርህ ግርማን ከነስተብህለሉ ኣሎና። ኤሊሁ ከምዚ በለ:- “ነቲ [ኹ]ሉ ዚኽእል ክንረኽቦ ኣይንኽእልን ኢና: ንሱ ብሓይሊ: ብፍርዲ: ብፍትሒ ዓብዪ: እዩ ንሓደ እኳ ኣይጭቍንን። ስለዚ እዩ ሰባት ዚፈርህዎ።” (እዮብ 37:⁠1, 14, 23, 24) እተን ናይ ኤሊሁ ናይ መዕጸዊ ዘረባ: ኣምላኽ ድሕሪ ቀረባ ግዜ ኣብቶም እኩያት ፍርዱ ከውርድ ከሎ: ንፍትሕን ቅንዕናን ከም ዘየናእስ: ከምኡውን ነቶም ንዕኡ ዝፈርሑ ኸኣ ከም ክቡራት ኣምለኽቱ ገይሩ ከድሕኖም ምዃኑን የዘኻኽራና። ኣብ ሞንጎ እዞም ንየሆዋ ከም ኣድማሳዊ ልዑል ኣፍልጦ ዝህቡ ንጽህንኦም ዝሕልዉ ክንከውን ከመይ ዝበለ መሰል ኢዩ! ከም እዮብ ተጸመም: ድያብሎስ ካብቲ ኣብ መንጎ እዞም ሕጕሳት ጭፍራ ረኺብካዮ ዘሎኻ እተባረኸ ቦታ ክምሕወካ ፈጺምካ ኣይትፍቀደሉ።

የሆዋ ንእዮብ ይምልሰሉ

13, 14. (ሀ) ብዛዕባ እንታይ ኢዩ የሆዋ ንእዮብ ክሓቶ ዝጀመረ? (ለ) ካብቲ የሆዋ ንእዮብ ዝሓተቶ ካልእ ሕቶታት እንታይ ኢና እንማሃር?

13 የሆዋ ካብ መንጎ እቲ ህቦብላ ምስ ተዛረቦስ: እዮብ ክሳዕ ክንደይ ኰን ተገሪሙ ይኸውን! ከምቲ ሰይጣን ነቲ ገዛ ንኸፍርስን ንደቂ እዮብ ንኽቐትልን እተጠቕመሉ ብርቱዕ ንፋስ ዘይኮነስ: እቲ ህቦብላ ተግባር ኣምላኽ ኢዩ ነይሩ። የሆዋ “ኣነ ንምድሪ ኽስርታ ኸሎኹስ: ኣበይ ነበርካ[?] . . . ከዋኽብቲ ጽባሕ ሓቢሮም ኬመስግኑ: ኵሎም ደቂ ኣምላኽ እልል ኪብሉ ኸለዉ: መሰረታ ኣብ ምንታይ ተሰረተ[?]” ኢሉ ክሓቶ ኸሎ እዮብ ምንም ኣይመለሰን። (እዮብ 38:⁠4, 6, 7) የሆዋ ንእዮብ ሓንቲ ደድሕሪ እታ ሓንቲ እናገበረ ብዛዕባ ባሕሪ: ልብሱ ደበና ዝኾነ: ወጋሕታ: ደጌታት ሞት: ብርሃንን ጸልማትን: ከምኡውን እኩባት ከዋኽብቲ: ሓተቶ። እዮብ “ንሕጋጋት ሰማይ ትፈልጦ ዲኻ[?]” ተባሂሉ ምስ ተሓተ ምንም ኣይመለሰን።​—⁠እዮብ 38:⁠33

14 ካልእ ሕቶታት ከኣ: ሰብ ቅድሚ ምፍጣሩን: ኣብ ልዕሊ ዓሳን ኣዕዋፍን ኣራዊትን ለመምታን ምልኪ ቅድሚ ምርካቡን: የሆዋ​—⁠ብዘይ ናይ ሰብ ሓገዝን ምኽርን ይኣልዮም ከም ዝነበረ ዘመልክቱ ኢዮም። ቀጺሉ ዝነበረ ናይ የሆዋ ሕቶታት ከኣ ብዛዕባ ጐባይን ሰገንን ፈረስን ኢዩ። እዮብ: “ንስሪ ንላዕሊ ዚዐርግ: ቤቱውን ኣብ ላዕሊ ዝሰርሕከ ብትእዛዝካ ድዩ[?]” ተባሂሉ ተሓተ። (እዮብ 39:⁠27) ኣይፋሉን! ኣምላኽ “እቲ ወቓሲ ምስቲ [ኹ]ሉ ዚኽእልዶ ኺማጐት እዩ” ኢሉ ምስ ሓተቶስ: እዮብ እንታይ ከም ዝበለ እሞ ሕስብ ኣብሎ። “እንሆ: ኣነ ምናምን እየ: እንታይ ኢለኸ ኽመልሰልካ[?] ንኣፈይ ብኢደይ ሒዘያ እየ” ምባሉስ ኣይገርመናን ኢዩ። (እዮብ 40:⁠2, 4) ኣንጻር የሆዋ ከነጕረምርም እንተ ተፈተንና: ንሱ ኹሉ ግዜ ቅኑዕ ስለ ዝኾነ ‘ንኣፍና ብኢድና ንሓዛ።’ እተን ኣምላኽ ዝሓተተን ሕቶታት ነቲ ኣብ ፍጥረቱ ዝርአ ልዕልነትን ግርማን ሓይልን እውን ኣጕሊሐን ኢየን።

ብህሞትን ሌዋታንን

15. ብህሞት ብሓፈሻኡ ኣየናይ እንስሳ ኢዩ ዝብሃል: ገለ ካብቲ ባህርያቱኸ እንታይ ኢዩ?

15 የሆዋ ቀጺሉ ነቲ ብሰፊሑ ጉማረ ተባሂሉ ዝሕሰብ ብህሞት ይጠቅስ። (እዮብ 40:⁠15-24) እዚ “ሳዕሪ” ዝምገብ እንስሳ እዚ ብግዝፉን ክብደቱን ብናይ ምሕባእ ክእለቱን ፍሉጥ ኢዩ። ምንጪ ናይ ጉልበቱን ሓይሉን ከኣ ሕቑኡን ጭዋዳታት ከብዱን ኢዩ። ምብርታዕ ኣዕጽምቲ ኣእጋሩ ኸኣ ከም “ሻምብቆ ኣስራዚ” ኢዩ። ብህሞት ብርቱዕ ወሓዚ ማያትውን ኣየሸብሮን ኢዩ: ኣብ ክንድኡ ግን ኣንጻር እቲ ውሕጅ ገጹ ብህድኣት ይሕምብስ።

16. (ሀ) እቲ ናይ ሌዋታን መግለጺ ምስ ኣየናይ እንስሳ ኢዩ ዝሰማማዕ: ገለ ካብቲ ናቱ ነገራትከ እንታይ ኢዮም? (ለ) እቲ ናይ ብህሞትን ሌዋታንን ጉልበት ብዛዕባ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዕዮኻ ምፍጻም እንታይ የመልክት?

16 ኣምላኽ ንእዮብ “ንሌዋታን ብመ[ቑ]ለብዶ ትስሕቦ[?] ንመልሓሱ ብገመድ ትኣስሮዶ ኢኻ[?]” ኢሉውን ሓተቶ። እቲ ናይ ሌዋታን መግለጺ ሓርገጽ ምዃኑ ኢዩ ዘመልክት። (እዮብ 40:⁠25-41:⁠26) text adjusted ምስ ዋላ ሓደ ናይ ሰላም ኪዳን ኣይገብርን ኢዩ: ማንም ለባም ሰብ ከኣ ነዚ እንስሳ እዚ ክቕስቅሶ ዝደፍር የለን። ፍላጻ ኣየህድሞን “ንምውርዋር ኲናት ከኣ ይስሕቆ።” ቁጥዓ ሌዋታን ንመዓሙቕ ከም ኣብ ድስቲ ዝፈልሕ ቅብኣት ይገብሮ። ሌዋታንን ብህሞትን ካብ እዮብ ንላዕሊ ሓያላት ብምንባሮም ንኽትሕት ሓጊዞሞ። ንሕናውን ንርእስና ሓያላት ከም ዘይኮንና ትሕት ኢልና ኣፍልጦ ክንህብ ኣሎና። ካብቲ በሊሕ ኣስናን ናይ ሰይጣን: እቲ ተመን: ምእንቲ ከነምልጥን ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዘሎና ዕዮ ምእንቲ ከነማልእን: አምላኽ ዝህበና ጥበብን ሓይልን የድልየና ኢዩ።​—⁠ፊልጲ 4:⁠13፣ ራእይ 12:⁠9

17. (ሀ) እዮብ ‘ንኣምላኽ ዝረኣዮ’ ብኸመይ ኢዩ? (ለ) በቲ እዮብ ክምልሶ ዘይከኣለ ሕቶታት እንታይ ተረጋጊጹ: እዚኸ ንዓና ብኸመይ ይሕግዘና?

17 ፈጺሙ ብምትሓት እዮብ ነቲ ግጕይ ኣረኣእይኡ ኣፍልጦ ሂቡሉ ከምኡውን ብዘይ ፍልጠት ከም እተዛረበ ተቐበሎ። ይኹን እምበር ‘ንኣምላኽ ክርእዮ ኢየ’ ብምባል እምነት ኣርእዩ ነይሩ ኢዩ። (እዮብ 19:⁠25-27) ሰብ ንኣምላኽ ርእዩ ክነብር ዘይክእል ስለ ዝኾነስ እዚ ከመይ ኢሉ ኪኸውን ይኽእል? (ዘጸኣት 33:⁠20) ብሓቂ እዮብ ኣስተርእዮ ናይቲ መለኮታዊ ሓይሊ ርእዩ ኢዩ: ቃል ናይ ኣምላኽ ሰሚዑ: ንናይ የሆዋ ሓቂ ኸኣ ናይ ምርዳእ ኣዒንቱ ኸፊቱ። ስለዚ ኸኣ እዮብ ‘ንርእሱ ፈንፈነ: አብ ሓመድን ሓመኹስትን ኰይኑ ኸኣ ተናስሐ።’ (እዮብ 42:⁠1-6) እቲ ክምልሶ ዘይክኣለ ብዙሕ ሕቶታት: ኣምላኽ ኣዝዩ ልዑል ከም ዝኾነን: ሰብ ከኣ ዋላ ከም እዮብ ዝበለ ንየሆዋ እተወፈየ ይኹን: ክሳዕ ክንደይ ንኡስ ከም ዝኾነን ኣረጋገጸ። እዚ ኸኣ ንረብሓታትና: ካብ ምቕዳስ ስም የሆዋን ምርግጋጽ ሉዓላዊነቱን ንላዕሊ ጌርና ከይንርእዮ ክንርዳእ ይሕግዘና። (ማቴዎስ 6:⁠9, 10) እቲ ቀዳማይ ከገድሰና ዘለዎ ኣብ የሆዋ ዘሎና ንጽህና ምዕቃብን ንስሙ ምኽባርን ክኸውን ኣለዎ።

18. እቶም ናይ ሓሶት መጸናናዕቲ እዮብ እንታይ ክገብሩ ነበሮም?

18 ብዛዕባ እቶም ርእሶም ዘጽደቑ ናይ ሓሶት መጸናናዕቲኸ? የሆዋ ንኤሊፋዝን ቢልዳድን ሶፋርን ከምቲ እዮብ እተዛረቦ ሓቂ ብዛዕብኡ ስለ ዘይተዛረቡ እንተ ዝቐትሎም ቅኑዕ ኢዩ ነይሩ። ኣምላኽ “ሾብዓተ ዝራብዕን ሾብዓተ ድዑልን ሒዝኩም ናብ እዮብ ባርያይ ኪዱ እሞ ብናይ ርእስኹም መስዋእቲ ምሕራር ኣዕርጉ። እዮብ ባርያይ ኪጽልየልኩም እዩ” በሎም። እዞም ሰለስተ እዚኣቶም ንኽእዘዙ ርእሶም ከትሕቱ ነበሮም። እቲ ንጽህናኡ ዝሓለወ እዮብ ምእንትኦም ክጽሊ ነበሮ: የሆዋ ኸኣ ነቲ ጸሎቱ ቅቡል ኮይኑ ረኸቦ። (እዮብ 42:⁠7-9) ብዛዕባ እታ ንኣምላኽ ክኽሕድ ዝገደደቶ ሰበይቲ እዮብከ ደኣ? ብምሕረት ኣምላኽ ምስ እዮብ እተዓርቀት ኢዩ ዝመስል።

ናይቲ መብጽዓ ዓስቢ: ተስፋ ይህበና

19. የሆዋ ካብ ድያብሎስ ዝለዓለ ምዃኑ ምስ እዮብ ብዝተተሓሓዘ ብኸመይ ኣርኣዮ?

19 እዮብ ብዛዕባ እቲ ስቅያቱ ምሽጋር ምስ ገደፎ: ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ኸኣ ምስ ተሓደሰ: የሆዋ ነቲ ኵነታት ለወጠሉ። እዮብ ምእንቲ እቶም ሰለስተ ምስ ጸለየ ኣምላኽ ‘ንምርኮ እዮብ መለሶ: ኣብ ልዕሊ እቲ ቐደም ዝነበሮ ኸኣ ዕጽፊ ገይሩ ወሰኾ።’ የሆዋ ነታ መሕመሚት ኢድ ሰይጣን ደው ኣቢሉ ንእዮብ ብተኣምራታዊ መገዲ ብምፍዋሱ: ካብ ድያብሎስ ከም ዝበልጽ ኣርእዩ ኢዩ። ኣምላኽ መሊሱ ንእዮብ ብመላእኽቱ ገይሩ ብምሕጻር: ነቶም ናይ ኣጋንንቲ ጭፍራ ንድሕሪት ብምምላስ ኣብ መጻብቦ ኣእተዎም።​—⁠እዮብ 42:⁠10፣ መዝሙር 34:⁠7

20. የሆዋ ንእዮብ ዓስቡ ዝሃቦን ዝባረኾን በየናይ መገዲ ኢዩ?

20 ኣሕዋት እዮብን ኣሓቱን ከምኡውን ቀደም ዝፈልጥዎ ዝነበሩን መጺኦም ምስኡ በልዑን ሓዘኑሉን በቲ የሆዋ ኣብ ልዕሊኡ ንኽወርድ ዘፍቀዶ መዓት ከኣ ኣጸናንዕዎ። ነፍስ ወከፎም ከኣ ንእዮብ ገንዘብን ቀለቤት ወርቅን ሃብዎ። የሆዋ ንእዮብ ካብ ቀዳማዩ እቲ ዳሕራዩ ዝያዳ ባረኸሉ: ስለዚ ኸኣ 14,000 ኣባጊዕ: 6,000 ኣግማል: 1,000 ጽምዲ ብዕራይ: 1,000 ኣንስተይቲ ኣድጊ ነበሮ። ልክዕ ከምቲ ቀደም ዝነበርዎ: እዮብ ሾብዓተ ኣወዳትን ሰለስተ ኣዋልድን ወለደ። ኣዋልዱ​—⁠ሚማ: ቅጺዓ: ቄርን–ሃጱኽ​—⁠ኣብ ኵላ እታ ምድሪ እተን ዝጸበቓ ኢየን ነይረን: እዮብ ከኣ ምስ ኣሕዋተን ኣውረሰን። (እዮብ 42:⁠11-15) ብተወሳኺውን እዮብ 140 ዓመት ጸንሐ: ኣርባዕተ ወለዶ ኸኣ ረኣየ። እቲ ጸብጻብ ከምዚ ኢሉ ይድምድም:- “ድሕርዚ እዮብ ሸምጊሉ ዕድመ ጸጊቡ ሞተ።” (እዮብ 42:⁠16, 17) ምውሳኽ ዕድሚኡ ተኣምራታዊ ዕዮ ናይ የሆዋ ኣምላኽ ኢዩ ነይሩ።

21. እቲ ጽሑፋዊ ጸብጻብ ብዛዕባ እዮብ ብኸመይ ይሕግዘና: እንታይ ንኽንገብርከ ኢና ክንቆርጽ ዘሎና?

21 እዚ ብዛዕባ እዮብ ዘሎ ጸሑፋዊ ጸብጻብ: ነቲ ናይ ሰይጣን ውዲታት ዝያዳ ከም እንግንዘቦን ናይ ደቂ ሰባት ንጽህና ከኣ ምስቲ ኣድማሳዊ ሉዓላዊነት ከመይ ኢሉ ከም ዝተሓሓዝን ክንርዳእ ይሕግዘና። ኩሎም ንኣምላኽ ዘፍቅሩ ከም እዮብ ክፍተኑ ኢዮም። ከምቲ እዮብ ዝገበሮ ግን ክንጽመም ንኽእል ኢና። ካብቲ ፈተናታቱ እምነትን ተስፋን ሒዙ ወጸ እቲ ዓስቡውን ብዙሕ ኢዩ ነይሩ። ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ሎሚ ናይ ሓቂ እምነትን ተስፋን ኣሎና። እዚ ልዑል ወሃብ ዓስቢ ከመይ ዝበለ ዓቢ ተስፋ ኢዩ ኣብ ቅድሚ ነፍስ ወከፍና ኣንቢሩ ዘሎ! እቶም ቅቡኣት ነቲ ሰማያዊ ዓስቢ ኣብ ኣእምሮኦም ምሓዝ: እቲ ዝተረፈ ምድራዊ ህይወቶም ብተኣማንነት ንኣምላኽ ኸገልግሉ ክሕግዞም ኢዩ። ብዙሓት ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ፈጺሞም ኣይክሞቱን ኢዮም: እቶም ዝሞቱ ኸኣ: እዮብውን ምሳታቶም: ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ናይ ምትሳእ ዓስቢ ክረኽቡ ኢዮም። ኩሎም ንኣምላኽ ዘፍቅሩ እምበኣር: ከምዚ ዝበለ ተስፋ ኣብ ልብን ኣእምሮን ብምሓዝ: ከም ንጽህናኦም ዝሕልዉን እሙናት ደገፍቲ ናይቲ ኣድማሳዊ ልዑላዊነትን ብምዃን ብጎኒ የሆዋ ደው ብምባል ንሰይጣን ሓሳዊ ይግበርዎ።

ከመይ ጌርካ ምመለስካ?

◻ ኣብቲ ነቶም ናይ ሓሶት መጸናናዕቱ ዝሃቦም ናይ መወዳእታ መልሲ: እዮብ ዝበለን ገለ ነጥብታት እንታይ ኢየን ነይረን?

◻ ኤሊሁ ዘየዳሉ ምስክር ናይ የሆዋ ከም ዝነበረ ብኸመይ ኣረጋገጸ?

◻ ገለ ካብቲ የሆዋ ንእዮብ ዝሓተቶ ሕቶታት እንታይ ነበረ: እንታይ ውጽኢትከ ነበሮ?

◻ ካብቲ ጽሑፋዊ ጸብጻብ ብዛዕባ እዮብ ብኸመይ ተጠቒምካ?

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ብዛዕባ በህሞትን ሌዋታንን ዝተዛረቦ ንእዮብ ክትሕት ሓጊዝዎ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ