የሆዋ ከበርተዓካ ይኽእል ኢዩ
“ ንድኹም ሓይሊ ይህብ: ንስኑፍ ከኣ ብርታዔ ይውስኽ” —ኢሳይያስ 40:29
1, 2. ናይቲ መጠን ዘይብሉ ሓይሊ የሆዋ ገለ መረጋገጺታት እንታይ ኢዮም?
የሆዋ “ብሓይሊ ብርቱዕ” ኣምላኽ ኢዩ። እቲ ናይ ኣምላኽ “ናይ ዘልኣለም ሓይሉን [ኣምላኽነቱን ትሓዓ ]” መረጋገጺ: ኣብቲ ናይ ነገራዊ ፍጥረቱ ዕቤት ክንርእዮ ንኽእል ኢና። እቶም ነዚ መረጋገጺ ናይ ፈጣሪነቱ ኣፍልጦ ምሃብ ዝኣብዩ ኣይክናሓፉን ኢዮም።—መዝሙር 147:5፣ ሮሜ 1:19, 20
2 ሊቃውንቲ: ንኣድማስ ምስቲ ንኣማእታት ሚልዮናት ናይ ብርሃን ዓመታት ዝዝርጋሕ ቁጽሪ ዘይብሉ ጋላክስታት ኣዕሚቖም ክምርምሩ ከለዉ: ናይ የሆዋ ሓይሊ ኣዝዩ እናተጋህደ ኢዩ ዝኸይድ። ናብቲ ጸልማት ግን ደበና ዘይብሉ ምሸት ናብ ሰማይ ኣቢልካ ጠምት እሞ ከምቲ ነቲ ዘማሪ እተሰምዖ ክስመዓካ ኢዩ:- “ንሰማያትካ: ነቲ ስራሕ ኣጻብዕካ: ንስኻ ዘቖምካዮ: ወርሕን ከዋኽብትን እንተጠመትኩ: እቲ ንስኻ እትዝክሮ ሰብ: እቲ እትሐልየሉ ወዲ ሰብሲ እንታይ እዩ?” (መዝሙር 8:3, 4) ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኢዩ የሆዋ ንሰብ ጽቡቕ ጌሩ ዝከናኸኖ! ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ምልክዕቲ ምድራዊት ገነት ሃቦም። እቲ ሓመዳ ቡቕሊ ከተቡቁልን ዘይተበከለ መኣዛታት ዘለዎ መግቢ ከተፍርን ሓይሊ ነበሮ። ሰብን እንስሳታትን ኣካላዊ ሓይሊ ካብዚ ግሁድ መርኣያ ናይ ሓይሊ ኣምላኽ ኢዮም ዝወስዱ።—ዘፍጥረት 1:12፣ 4:12፣ 1 ሳሙኤል 28:22
3. ብዘይካ እቲ ነገራዊ ፍጥረት ናይዚ ኣድማስ: ሓይሊ ኣምላኽ ዝገልጽ ካልእ እንታይ ኣሎ?
3 ኣብ ርእሲ እቲ ሰማያት ዘደንጽዉ: እቶም ናይ ተኽልን እንስሳን ህይወት ድማ ኣዝዮም ዘሐጕሱ ምዃኖም: ንዓና ሓይሊ ኣምላኽ ኢዮም ዝገልጹልና። ሃዋርያ ጳወሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “እቲ ኻብ ፍጥረት ዓለም ጀሚሩ ብግብሩ ዚፍለጥ ዘይርኤ ባህረዩ: እዚ ኸኣ እቲ ናይ ዘልኣለም ሓይሉን [ኣምላኽነቱን ትሓዓ ] ኣጸቢቑ ይርኤ።” (ሮሜ 1:20) ይኹን እምበር: ኣቓልቦናን ሞሳናን ክንህቦ ዝግባእ ካልእ መረጋገጺ ናይ ሓይሉውን ኣሎ። ‘ካብዚ ኣድማስዚ ንላዕሊ ንሓይሊ እምላኽ ክገልጽ ዝኽእል እንታይ ኣሎ?’ ኢልካ ትግረም ትኸውን። እቲ መልሲ የሱስ ክርስቶስ ኢዩ። አረ ሃዋርያ ጳውሎስ ብመንፈስ ተመሪሑ እቲ እተሰቕለ ክርስቶስ “ሓይሊ ኣምላኽን ጥበብ ኣምላኽን” ኢዩ በለ። (1 ቈረንቶስ 1:24) ‘እዝስ ስለምንታይ ኢዩ? ሕጂኸ ምስ ህይወተይ እንታይ ርክብ ኣለዎ?’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን።
ሓይሊ ብወዱ ይግለጽ
4. ምስ ወዱ ብዝተታሓሓዘ ሓይሊ ኣምላኽ ብኸመይ ተራእየ?
4 ሓይሊ ኣምላኽ መጀመርታ ነቲ ሓደ ወዱ ብመልክዑ ጌሩ ክፈጥሮ ከሎ ተገልጸ። እዚ መንፈሳዊ ውሉድ እዚ ነቲ ናይ ኣምላኽ ማእለያ ዘይብሉ ሓይሊ ተጠቒሙ ከም “[ቀንዲ ትሓዓ ] ሰራሕተኛ” ኰይኑ ንየሆዋ ኣገልገሎ። (ምሳሌ 8:22, 30) ጳወሎስ ነቶም ኣብ ቈሎሴ ዝነበሩ ክርስትያናት ኣሕዋቱ “ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ: ዚርኤን ዘይርኤን: . . . ኵሉ ብእኡን ንእኡን እዩ እተፈጥረ” ኢሉ ጸሓፈሎም።—ቈሎሴ 1:15, 16
5-7. (ሀ) ኣብ ዝሓለፈ: ሰባት ሓይሊ ኣምላኽ ኣብ ምግላጽ ከመይ ኢሎም ኢዮም እትዋት ዝኾኑ? (ለ) ሓይሊ ኣምላኽ ኣብዞም ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ክግለጽ ከም ዝኽእል እንታይ ዘእምን ምኽንያታት ኣሎ?
5 ንሕና ክፍሊ ናይቲ ‘ኣብ ምድሪ ተፈጢሩ ዘሎ ነገራት’ ኢና። ስለዚ እቲ ናይ ኣምላኽ ሓይሊ ናባና ሰባት ክበጽሕ ይኽእልዶ? ልክዕዩ: ኣብቲ ኣምላኽ ምስ ዘይፍጹማት ሰባት ዝገበሮ ምምልላስ: የሆዋ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ኣገልገልቱ ዕላምኡ ምእንቲ ክፍጽሙ ሓለፍ ዝበለ ሓይሊ ሂቡዎም ኢዩ። ብሓፈሻ: ዘይፍጹማት ሰባት 70 ወይ 80 ዓመታት ከም ዝነብሩ ሙሴ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። (መዝሙር 90:10) ብዛዕባ ሙሴኸ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ? ንሱ 120 ዓመት ገበረ: ገና ግን “ኣዒንቱ ኣይሓመቓን ሓይሉውን ኣይደኸመን ነበረ።” (ዘዳግም 34:7) ምንም እኳ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ኣገልገልቱ ነዊሕ ክነብሩ ወይ ድማ ኣካላዊ ጉልበት ክዕቅቡ እንተዘየኽኣሎም: የሆዋ ንሰባት ከም ዘሐይሎም ከረጋግጸልና ይኽእል ኢዩ።
6 ኣምላኽ ንሰብኡት ይኹን ነንስቲ: ሓይሊ ክህቦም ከም ዝኽእል ተወሳኺ መረድኢ ድማ እቲ ምስ ሰበይቲ ኣብርሃም ዝገበሮ ኢዩ። “ሳራ እኳ ጊዜኣ ምስ ሐለፈ: ነቲ ተስፋ ዝሀባ እሙን ገይራ ስለ ዝረአየቶ: ዘርኢ ንምትካል ብእምነት ሓይሊ ረኸበት።” ወይ ድማ ኣምላኽ ነቶም መሳፍንቲ ናይ እስራኤልን ካልኦትን ከመይ ገይሩ ከም ዘሐየሎም እሞ ሕሰብ:- “እኒ ጊዴዎን: እኒ ባራቕ: እኒ ሳምሶን: እኒ ይፍታሄ: እኒ ዳዊትን ሳሙኤልን ነብያትን . . . ካብ ድኻም [ሓየሉ ትሓዓ ]።”—እብራውያን 11:11, 32-34
7 ከምዚ ዓይነት ሓይሊ ኣባናውን ክዓዪ ይኽእል ኢዩ። ብተኣምራት ቆልዑ ክንወልድ ኣይንጽበን ኢና: ወይ ድማ ከም ናይ ሳምሶን ዝበለ ብርታዔ ኣይነርእን ንኸውን። ይኹን እምበር ከምቲ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቈሎሴ ዝነበሩ ተራ ሰባት ዝበሎም ሓያላት ክንከውን ንኽእል ኢና። እወ: ጳውሎስ ነቶም ከምዞም ሕጂ ኣብ ጉባኤታት እንረኽቦም ሰብኡት: ኣንስትን ቆልዑን ጸሓፈሎም: “ብኹሉ ሓይሊ በርታዕኩም” ድማ በሎም።—ቈሎሴ 1:11
8, 9. ኣብቲ ቀዳማይ ክፍለ ዘበን ሓይሊ የሆዋ ኣብ ከማና ሰባት ከም ዝውዕል ብኸመይ ተጋህደ?
8 ኣብ ግዜ ምድራዊ ኣገልግሎት የሱስ: የሆዋ ሓይሉ ብወዱ ይዓዪ ከም ዝነበረ ኣረጋጊጹዎ ኢዩ። ንኣብነት ኣብ ቅፍርናሆም ኣዝዮም ብዙሓት ህዝቢ ናብ የሱስ ምስ መጹ “ሓይሊ እግዚአብሄርውን ንምሕዋይ ምስኡ ነበረት።”—ሉቃስ 5:17
9 ደድሕሪ ትንሳኤኡ የሱስ ንሰዓብቱ ‘መንፈስ ቅዱስ ናባታቶም ምስ ወረደ ግና: ሓይሊ ክቕበሉ’ ከም ዝኾኑ ኣረጋገጸሎም። (ግብሪ ሃዋርያት 1:8) እዚ ብርግጽ ሓቂ ኮይኑ ተረኺቡ ኢዩ! ሓደ ናይ ታሪኽ ጸሓፊ ብዛዕባቲ ሒደት መዓልታት ድሕሪ ጴንጠቆስጠ ብ33 ከ.ኣ.ዘ. ዝነበረ ምዕባሌታት ከምዚ ኢሉ ጸብጻብ ይህብ:- “እቶም ሃዋርያት ብዓቢ ሓይሊ ብዛዕባ ትንሳኤ ጐይታ የሱስ ምስክርነት ምሃብ ቀጸሉ።” (ግብሪ ሃዋርያት 4:33) ጳውሎስ ንርእሱ ነቲ ኣምላኽ ዝኣዘዞ ዕዮ ክዓዪ ሓይሉ ኢዩ። ድሕሪ ምልዋጡን ዓይኑ ምስ ሓወየሉን “እናበርትዔ ኸደ: ነቶም ኣብ ደማስቆ ዚነበሩ ኣይሁድ ከኣ የሱስ እቲ ክርስቶስ ምዃኑ ብምግሃድ ኣፎም የትሕዞም ነበረ።”—ግብሪ ሃዋርያት 9:22
10. ካብ ኣምላኽ ዝመጽእ ሓይሊ ንጳውሎስ ሓጋዚ ዝነበረ ብኸመይ ኢዩ?
10 ጳወሎስ ነቲ ኣሽሓት ኪሎ ሜትራት ዝሽፍን ሰለስተ ሚስዮናዊ ጕዕዞ ክፍጽም ዘድልዮ ዝነበረ መንፈሳውን ኣእምሮኣውን ሓቦ እንተድኣ ሓሲብናዮ: ብርግጽ ተወሳኺ ሓይሊ ኣድልይዎ ነበረ። ከምኡውን ማእሰርትን ሰማእትነት ገጽ ንገጽ ብምግጣምን ተጸሚሙ ንኹሉ ዓይነት መከራ ብዘይ ምጕርምራም ተጻወሮ። ነዚ ብኸመይ ገበሮ? ከምዚ ኢሉ ይምልሽ:- “እቲ ስብከት ብኣይ ምእንቲ ኺምላእ . . . ጐይታ ቖመለይ: ኣበርታዓኒ።”—2 ጢሞቴዎስ 4:6–8, 17፣ 2 ቈረንቶስ 11:23-27
11. ሓይሊ ኣምላኽ ብዝምልከት: ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቈሎሴ ዝነበሩ መገላግልቱ እንታይ ተስፋ ጸሓፈሎም?
11 ስለዚ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቈሎሴ ዝነበሩ ‘ብክርስቶስ ኣመንቲ ኣሕዋቱ’ ‘ብሓጐስ ብጽንዓት ዘበለ ኹሉ: ንብዘሎ ትዕግስትን ዓቕልን ብሓይሊ ኽብሩ [ናይ የሆዋ] ክብርትዑ’ ምዃኖም ከረጋግጸሎም ከሎ ኣየገርምን ኢዩ። (ቈሎሴ 1:2, 11) ምንም እኳ እዘን ቃላት እዚአን ብቐዳምነት ናብቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ዝተጻሕፋ እንተኾና: ኵሎም እቶም ኣስኣሰር ክርስቶስ ክስዕቡ ዝደልዩ ካብዚ ጳውሎስ ዝጸሓፎ ብዙሕ ክጥቀሙ ይኽእሉ ኢዮም።
ኣብ ቈሎሴ በርትዑ
12, 13. እታ ንሰብ ቈሎሴ እተጻሕፈት ደብዳበ መጽሓፊኣ ምኽንያት እንታይ ኢዩ: እቲ ዝተዋህባ መልሲኸ እንታይ ነበረ?
12 እታ ኣብ እስያ ኣብ ናይ ሮማ ግዝኣት እትርከብ ዝነበረት ጉባኤ ናይ ቈሎሴ ምናልባት ብስብከት ናይቲ እሙን ክርስትያን ኤጳፍራስ ዝቖመት ክትከውን ኣለዋ። ጳወሎስ ኣብ ከባቢ ናይ 58 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ ሮማ ከም እተኣስረ ምስ ሰምዐ: ኤጳፍራስ ነቲ ሃዋርያ ክበጽሖን በቲ ናይቶም ኣብ ቈሎሴ ዘለዉ ኣሕዋቱ ሰናይ ጸብጻብ ናይ ፍቕርን ጽንዓትን ከተባብዖ ዝወሰነ ይመስል። ከምኡውን ኤጳፍራስ ብዛዕባ እቲ ምትኽኻል ዘድልዮ ኣብ ጉባኤ ቈሎሴ ዝነበረ ገለ ሽግር ርግጽ ዝኾነ ጸብጻብ ኣዘንትዩሉ ኪኸውን ይኽእል ኢዩ። ጳውሎስ እውን ብወገኑ ነታ ጉባኤ ናይ መተባብዕን ማዕዳን ደብዳበ ክጽሕፈላ ተደፋፍአ። ንስኻውን እንተኾነ ካብ ምዕራፍ 1 ናይዛ መልእኽቲ እዚኣ ብዙሕ መተባብዒ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ: ከመይሲ የሆዋ ነገልገልቱ ከመይ ገይሩ ሓያላት ከም ዝገብሮም እተብርህ ስለ ዝኾነት ኢያ።
13 ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቈሎሴ ዝነበሩ ኣሕዋትን ኣሓትን “ብክርስቶስ ኣመንቲ ኣሕዋት” ኢሉ ክገልጾም ከሎ ከመይ ከም ዝተሰምዖም ክትግምቶ ትኽእል ኢኻ። ነቲ ‘ንኹሎም ቅዱሳን ዝነበረቶም ፍቕርን’ ካብታ ክርስትያናት ዝኾኑላ ግዜ ኣትሒዞም ‘በቲ ብስራት ምፍራዮምን’ [ትሓዓ ] ክምስገኑ ነይሩዎም ኢዩ! ከምዚ ዝመሰለ ኣገላልጻስ ንጉባኤናን ንዓና ብውልቅናን ክበሃለልና ይኽእልዶ?—ቈሎሴ 1:2-8
14. ንሰብ ቈሎሴ ብዝምልከት ናይ ጳውሎስ ድሌት እንታይ ነበረ?
14 ጳውሎስ በቲ ዝተቐበሎ ጸብጻብ ኣዝዩ ስለ እተለዓዓለ ኢዩ “በቲ ፍልጠት ፍቓዱ ብኹሉ መንፈሳዊ ጥበብን ኣእምሮን ኪመልኣኩም . . . ንእግዚአብሄር ባህ ከተብሉ” እናበለ ከየቋረጸ ክጽልን ክልምንን ምዃኑ ንሰብ ቈሎሴ ዝነገሮም። “ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ኹሉ: ፍረ እናፈሬኹምን ብፍልጠት ኣምላኽ እናዐቤኹምን ብኹሉ . . . ንእኡ ብቑዓት ኴንኩም ክትመላለሱ: . . . ብሓጐስ ብጽንዓት ዘበለ ኹሉ: ንብዘሎ ትዕግስትን ዓቕልን ብሓይሊ ኽብሩ በርቲዕኩም” ኢሉ ጸለየሎም።—ቈሎሴ 1:9-11
ሎሚውን ኣበርትዖም
15. ከምቲ ጳውሎስ ንሰብ ቈሎሴ ክጽሕፈሎም ከሎ እተራእየ ዓይነት ኣመለኻኽታ ከመይ ገይርና ከነንጸባርቕ ንኽእል?
15 ኣየ ከመይ ዝበለ ሰናይ ኣብነት ኢዩ ጳውሎስ ንዓና ገዲፉልና ዘሎ! ኣብ ምልእቲ ምድሪ ዘለዉ ኣሕዋትና ዋላኳ ሰቓይ የጋጥሞም እንተኾነ ክጽመሙን ሓጐሶም ክዕቅቡን ጸሎትና የድልዮም ኢዩ። ኣብ ካልእ ጉባኤ ወይ ኣብ ካልእ ሃገር ዘለዉ ኣሕዋትና ጸገም ከም ዘለዎም እንተድኣ ሰሚዕና: ኣብ ጸሎትና ልክዕ ከም ጳውሎስ ፈሊና እንጠቅስ ክንከውን ይግበኣና። ሓንቲ ኣብ ቀረባ ዘላ ጉባኤ ብናይ ባህርያዊ ሓደጋ ወይ ድማ ብመንፈሳዊ ጸገም ተሃስያ ክትከውን ትኽእል ኢያ። ወይ ድማ ክርስትያናት ኣብ ሓንቲ ብሓድሕዳዊ ውግእ ወይውን ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ቀቢላታት ብዝግበር ምቅትታል እትሳቐ ዘላ ሃገር ይጽመሙ ይህልዉ። ኣሕዋትና ‘ንእግዚአብሄር ባህ ከብሉ’: እናተጸመሙ ናይ መንግስቲ ፍረ ክፈርዩን ብፍልጠት ክዓብዩን ክሕግዞም ኣብ ጸሎትና ንኣምላኽ ክንልምኖ ይግብኣና። ብኸምዚ ዝበለ መገዲ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ‘ብሓይሊ ዘበርትዖም’ ሓይሊ መንፈሱ ይቕበሉ። ኣቦኻ ከም ዝሰምዓካን ዝምልሸልካን ርግጸኛ ክትከውን ትኽእል ኢኻ።—1 ዮሃንስ 5:14, 15
16, 17. (ሀ) ከምቲ ጳውሎስ ዝጸሓፎ: ብዛዕባ እንታይ ኢና መመስገንቲ ክንከውን ዝግብኣና? (ለ) በየናይ መገዲ ኢዮም ህዝቢ ኣምላኽ ዝተፈትሑን ሕድገት ዝረኸቡን?
16 ጳውሎስ ንሰብ ቈሎሴ ‘ነቲ ናብ ግደ ርስቲ ቅዱሳን ኣብ ብርሃን ዘብቅዖም ኣቦ እናአመስገንዎ’ እናበለ ጸሓፈሎም። ንሕናውን ነቲ ኣብታ መንግስቱ ኣብ ሰማያዊ ወይ ድማ ምድራዊ ግዝኣት ሰሪዑልና ዘሎ ቦታ ነቲ ሰማያዊ ኣቦና ነመስግኖ። ኣምላኽ ነቶም ዘይፍጹማት ሰባት ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ቅቡላት ከም ዝኾኑ ዝገብሮም ከመይ ጌይሩ ኢዩ? ጳውሎስ ነቶም ቅቡኣት ኣሕዋቱ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈሎም:- ‘ንሱ ኻብ ስልጣን ጸልማት ዘውጽኣና: ናብታ መንግስቲ ፍቁር ወዱውን ኣእተወና። ኣብኡ ምድሓንና: ማለት ሕድገት ሓጢያት: ኣሎና።’—ቈሎሴ 1:12-14
17 ኣብቲ ክቡር ምስንዳእ መስዋእቲ በጅነት ናይቲ ፍትው ወዲ የሆዋ ብምእማንና ዝርከብ: ተስፋና ምድራዊ ይኹን ሰማያዊ ብዘየገድስ: ካብዚ ጸልማት ዝኾነ ክፉእ ስርዓት ስለ ዝደሓንና ንኣምላኽ መዓልቲ መዓልቲ ነመስግኖ ኢና። (ማቴዎስ 20:28) እቶም ብመንፈስ ዝተቐብኡ ክርስትያናት ‘ናብ መንግስቲ ናይቲ ፍቑር ወዱ ክኣትዉ’ ምእንቲ ክኽእሉ: እቲ በጅነት ፍልይ ብዝበለ መገዲ ኣብኦም ብምውዓሉ ተጠቒሞም ኢዮም። (ሉቃስ 22:20, 29, 30) እቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” እውን እንተኾኑ ሕጂ ካብቲ በጅነት ይጥቀሙ ኢዮም። (ዮሃንስ 10:16) ከም ኣዕሩኹ ኣብ ቅድሚኡ ጻድቕ ኣቃውማ ክህልዎም ካብ ኣምላኽ ሕድገት ክረኽቡ ይኽእሉ ኢዮም። ኣብዚ ናይ መወዳእታ ግዜ “እዚ ወንጌል መንግስቲ” ኣብ ምስባኽ ዓቢ እጃም ኣለዎም። (ማቴዎስ 24:14) ኣብ ልዕሊ እዚ ኵሉ ድማ እቲ ሽሓዊ ግዝኣት ክውዳእ እንከሎ ምሉእ ብምሉእ ጻድቃናትን ብኣካል ፍጹማትን ክኾኑ ኣዝዩ ዘደንቕ ተስፋ ኣለዎም። ነቲ ኣብ ራእይ 7:13-17 ዘሎ ኣገላልጻ ከተንብቦ ከሎኻ: እቲ ኣብኡ ተጻሒፉ ዘሎ ከም እተገላገልካን እተባረኽካን መረጋገጺ ክኾነካ ይኽእል ኢዩ።
18. እንታይ ኣብ ቈሎሴ ተጠቒሱ ዘሎ ዕርቂ ኢዩ አምላኽ ጌና ዝፍጽሞ ዘሎ?
18 እታ ናይ ጳውሎስ ደብዳበ ነቲ ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ: ሰብ ዕድኡ ምዃንና ክንግንዘብ ትሕግዘና። አምላኽ ብክርስቶስ ገይሩ እንታይ ኢዩ ዝፍጽም ነይሩ? “ብእኡ ብደም መስቀሉ ገይሩ ሰላም ምስ ገበረ ኸኣ: ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎን ኣብ ሰማያት ዘሎን ዘበለ ኹሉ ንርእሱ ተዐሪቕዎ እዩ።” ዕላማ ኣምላኽ ከምቲ ቅድሚ ኣብ ኤደን ዕልወት ምፍጻሙ ዝነበረ ንብምሉኡ እቲ ፍጥረት ምስኡ ናብ ፍጹም ስኒት ክመልስ ኢዩ። እቲ ንኹሉ ክፈጥር ዝተጠቕመሉ ሕጂውን ነዚ ዕርቂ እዚ ከምጽእ ተጠቕመሉ።—ቈሎሴ 1:20
ንምንታይ ዕላማ ኢዮም ዝሓየሉ?
19, 20. ቅዱሳትን ብዘይ ኣበርን ምዃንና ኣብ እንታይ ዝተመስረተ ኢዩ?
19 እቶም ምስ ኣምላኽ ዕርቂ ዝገበርና ሓላፍነት ኣሎና። ሓደ ግዜ ሓጥኣንን ካብ ኣምላኽ ዝረሓቕናን ኢና ኔርና። ሕጂ ግን ኣብ ናይ የሱስ መስዋእቲ ኣሚንናን ብኣእምሮና ድማ ካብቲ እኩይ ዝኾነ ዕዮታት ርሒቕናን: ብመሰረቱ ‘ቅዱሳትን ብዘይ ኣበርን’ ኴንና ‘ኣብ ቅድሚ [አምላኽ] ብዘይ መንቅብ’ [ትሓዓ ] ጠጠው ኢልና ኣሎና። (ቈሎሴ 1:21, 22) ኣምላኽ ከምቲ በቶም ናይ ቀደም እሙናት መሰኻኽሩ ዘይሓፈረ: ኣምላኽና ተባሂሉ ክጽዋዕ ብኣና ዘይምሕፋሩ ክትሓስቦ ከሎኻስ ኣየ ክንደይ ኮን ዘገርም ኢዩ። (እብራውያን 11:16) ሎሚ ነቲ ክቡር ስሙ ብጌጋ ተጠቒምኩምሉን ክሳዕ መወዳእታ ምድሪ ከይትሰብኩ ፈሪሕኩምን ኢሉ ክኸሰና ዝኽእል ዋላ ሓደ የለን!
20 ነቲ ጳውሎስ ኣብ ቈሎሴ 1:23:- “ከምቲ ዝሰማዕክምዎ ተስፋ ናይቲ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ኹሉ ፍጡር እተሰብከ ወንጌል . . . ከይተነቓነቕኩም: ተሰሪትኩምን ደልዲልኩምን ብእምነት እንተ ጸናዕኩምሲ” ኢሉ ወሲኹ ኣጠንቂቕዎ ዘሎ ኣስተብህልሉ። ኣስኣሰር እቲ ክቡር ወዱ እናሰዓብና ንየሆዋ እሙናት ኰይንና ክንጸንሕ ብዙሕ ይሓተና። የሆዋን የሱስን ንዓና ኣዝዩ ብዙሕ ገይሮምልና ኢዮም! ነዚ ናይ ጳውሎስ ምኽሪ ብምስዓብ ፍቕርና እነርእዮም ይግበረና።
21. ሎሚ ንኽንሕጐስ ዓቢ ምኽንያት ዘሎናስ ስለምንታይ ኢዩ?
21 ሰብ ቈሎሴ እቲ ‘ዝሰምዕዎ ወንጌል’ “አብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ኹሉ ፍጡር እተሰብከ” ምዃኑ ምስ ሰምዑ ተደኒቖም ክኾኑ ኣለዎም። (ቈሎሴ 1:23) ሕጂ እቲ ብስራት መንግስቲ ብልዕሊ ኣርባዕተ ሚልዮንን ፈረቓን መሰኻኽር ኣብ ልዕሊ 230 ሃገራት ይስበኽ ምህላዉ ክትሰምዕ ዝያዳ ዘሐጕስ ኢዩ። በዚ ድማ ኢዩ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ዳርጋ 300,000 ዝኣኽሉ ካብ ኵሎም ኣህዛብ እተዋጽኡ ሰባት ምስ ኣምላኽ ዝዕረቑ ዘለዉ!—ማቴዎስ 24:14፣ 28:19, 20
22. ጸበባ እኳ እንተ ተሞከርና ኣምላኽ እንታይ ክገብረልና ኢዩ ዝኽእል?
22 ምንም እኳ ጳውሎስ ነታ ደብዳቤ ንሰብ ቈሎሴ ክጽሕፈሎም ከሎ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንተነበረ ብዛዕባ እቲ ዘጓነፎ ኵነታት ብዝኾነ ይኹን መገዲ ኣየስቆርቆረን። ኣብ ክንድኡስ “ሕጂ በቲ ምእንታኹም ዝኾነ ጸበባይ እሕጐስ ኣሎኹ” ኢዩ ዝበለ። ጳውሎስ ‘ብሓጐስ . . . ምዕጋስን ዓቕሊ ምግባርን’ እንታይ ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። (ቈሎሴ 1:11, 24) ይኹን እምበር ነዚ ብሓይሉ ይገብሮ ከም ዘይነበረ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። የሆዋ ኣበርቲዕዎ ኢዩ! ሎሚውን ከምኡ ኢዩ። በሽሓት ዝቑጸሩ ዝተኣስሩን ዝተሰጕን መሰኻኽር ንየሆዋ ከገልግልዎ ከለዉ ሓጐሶም ኣየጥፍኡን። ኣብ ክንድኡስ ነቲ ኣብ ኢሳይያስ 40:29-31 ዘሎ ሓቅነት ዘለዎ ቃል ኣምላኽ የማስውሉ ኢዮም:- “ንድኹም ሓይሊ ይህብ . . . እቶም ንእግዚአብሄር ዚጽበዩ . . . ሓይሎም ይሕደስ።”
23, 24. እቲ ኣብ ቈሎሴ 1:26 ተጠቒሱ ዘሎ ቅዱስ ምስጢር እንታይ ኢዩ?
23 እቲ ኣብ ክርስቶስ ዘተኰረ ኣገልግሎት ናይቲ ወንጌል ንጳወሎስ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነበረ። ካልኦት ንዋጋ ናይቲ ክርስቶስ ኣብ ዕላማ ኣምላኽ ዘለዎ ግደ ከማስውሉ ይደሊ ስለ ዝነበረ “እቲ ኻብ ዘለኣለምን ካብ ውሉድ ወለዶን ተሰዊሩ ዝነበረ . . . [ቅዱስ ትሓዓ ] ምስጢር” እናበለ ይገልጾ። ይኹን እምበር ንኹሉ ግዜ ምስጢር ኣይነበረን። ጳውሎስ ወሲኹ:- “ሎሚ ግና ንቕዱሳኑ እተገልጸ” በለ። (ቈሎሴ 1:26) ኣብ ኤደን ዓመጽ ምስ ኮነ የሆዋ ‘ዘርኢ ናይታ ሰበይቲ ርእሲ ናይቲ ተመን ክጭፍልቕ’ ምዃኑ ብምትንባይ ዝሓሸ ነገራት ከመጽእ ከም ዝኾነ መብጽዓ ሃበ። (ዘፍጥረት 3:15) እዝኸ እንታይ ማለት ነበረ? ንወለዶታትን ንዘመናትን ምስጢር ኰይኑ ጸንሐ። ድሓር የሱስ መጺኡ ኢዩ “ንህይወትን ንዘይምጥፋእን ብወንጌል ናብ ብርሃን ዘውጸኦ።”—2 ጢሞቴዎስ 1:10
24 እወ: እቲ “ቕዱስ ምስጢር” ኣብ ክርስቶስን ኣብታ መሲሓዊት መንግስትን ኢዩ ዘተኵር። ጳውሎስ ኣብ “ሰማያት ዘሎ” ኢሉ ክጠቅስ ከሎ ነቶም ምስ ክርስቶስ ኣብቲ ናይ መንግስቲ ግዝኣት ግደ ዝህልዎም ኢዩ ዘመልክት ዝነበረ። እዚ ንኹሎም እቶም ዘለኣለማዊ ገነት ዘስተማቕሩ ‘ኣብ ምድሪ ዘለዉ’ ክቑጸር ዘይኽእል በረኸታት ኣብ ምምጻእ መሳርሒ ክኸውን ኢዩ። ጳወሎስ ‘ሃብቲ ክብሪ ናይቲ [ቕዱስ ትሓዓ ] ምስጢር’ ክብሎ ከሎ ክሳዕ ክንደይ ዝሰማማዕ ከም ዝነበረ ክትርኢ ትኽእል ኢኻ።—ቈሎሴ 1:27
25. ኣብ ቈሎሴ 1:29 ተመልኪቱ ከም ዘሎ ሕጂ ኣረኣእያና ከመይ ክኸውን ኣለዎ?
25 ጳውሎስ ነቲ ኣብታ መንግስቲ ዝነበሮ ቦታ ሃንቀው ኢሉ ይጽበ ነበረ። ይኹን እምበር ኢድካ ኣጣሚርካ ኮፍ ኢልካ ተስፋ እትገብረሉ ከም ዘይኮነ ይርድኦ ነይሩ ኢዩ። “ኣነ: ብመጠን እቲ ኣባይ ብሓይሊ ዚገብር ዘሎ ግብሩ እናተጋደልኩ: እጽዕር ኣሎኹ።” (ቈሎሴ 1:29) የሆዋ ንጳውሎስ ብክርስቶስ ገይሩ ናይ ህይወት ኣድሕን ኣገልግሎት ምእንቲ ክፍጽም ከም ዘሐየሎ ኣስተብህል። ሎሚውን ንዓና የሆዋ ከምኡ ክገብረልና ይኽእል ኢዩ። ግን ‘ከምቲ መጀመርታ ሓቂ ክሰምዕ ከሎኹ ዝነበረኒ መንፈስ ናይ ወንጌላውነት ኣለኒዶ?’ ኢልና ንገዛእ ርእስና ክንሓታ ይግብኣና። መልስኻ እንታይ ኢዩ? ‘ምስቲ ዝዓዪ ዘሎ ሓይሊ የሆዋ ተሳኒና እናተጋደልናን እናጽዓርናን’ ክንቅጽል ንነፍሲ ወከፍና እንታይ ክሕግዘና ይኽእል? እዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ልክዕ ነዚ ነገር እዚ ክትምርምር ኢያ።
ኣስተብሂልካዶ?
◻ የሆዋ ንጥቕሚ ሰባት ኢሉ ሓይሉ ከም ዘንጸባርቖ ርግኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና?
◻ እተን ኣብ ቈሎሴ ምዕራፍ 1 ዘለዋ ናይ ጳውሎስ ቃላት ዝተጻሕፋሉ ምኽንያት እንታይ ኢዩ?
◻ ኣምላኽ ነቲ ኣብ ቈሎሴ 1:20 ዘሎ ዕርቂ ብኸመይ ኢዩ ዝፍጽሞ ዘሎ?
◻ የሆዋ ብሓይሉ ገይሩ: ብኣና እንታይ ክፍጽም ይኽእል?
[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ካርታ/ስእሊ]
(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)
ቈሎሴ