ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ጸሎት ክምርመር ዝግብኦ ኢዩ
ሓንቲ ዝጐሃየት ሰበይቲ: ሓደ ንጉስ: ከምኡውን ወዲ ኣምላኽ ባዕሉ: ሕጂ ቐጺልና ክንምርምሮ ዘሎና ጸሎት ኣቕሪቦም ኢዮም። ነፍሲ ወከፍ ጸሎት ብእተፈላለየ ኵነታት እተለዓዓለ ኢዩ። ገና ግን: ከምዚ ዝበለ ኵነታት ሎሚ ንዓና ክትንክፈና ይኽእል ኢዩ። ካብዚ ኣብነታት እዚ እንታይ ክንማሃር ንኽእል?
‘ውርደት ባርያኻ ኣጸቢቕካ ርአ’
ምስ ቀጻሊ ግድልዶ ኢኻ ትቃለስ ዘሎኻ? ወይስ ብጭንቀት ኢኻ ተጻዒንካ ዘሎኻ? እምበኣር ምስቲ ሃና በኹሪ ወዳ ሳሙኤል ቅድሚ ምውላዳ ዝነበረ ዝመሳሰል ኵነታት ኢዩ ዘሎካ። ንሳ ውላድ ዘይብላን ብኻልእ ሰበይቲ እትጽረፍን ኢያ ነይራ። ብሓቂ ሃና: ኵነታታ ኣዝዩ ስለ ዘተሓሳሰባን ዘጕሃያን ኣይትበልዕን ኢያ ነይራ። (1 ሳሙኤል 1:2–8, 15, 16) ንየሆዋ ለመነት: እዚ ዝስዕብ ምህለላ ኸኣ ኣቕረበት።
“ዎ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት: ውርደት ባርያኻ ኣጸቢቕካ ርኢኻ እንተ ዘከርካኒ: ንባርያኻውን እንተዘይረሳዕካኒ: ንባርያኻ ተባዕታይ ውሉድ እንተድኣ ሀብካኒ: ኣነ ድማ ኵሉ ዘበን ህይወቱ ንእግዚኣብሄር እውፍዮ: ናብ ርእሱ ኸኣ መላጸ ኣየሕልፎን።”—1 ሳሙኤል 1:11
ሃና ሓፈሻዊ ጥራይ ከም ዘይተዛረበት ኣስተብህል። ንየሆዋ ንጹር ልማኖ (ተባዕታይ ውሉድ) ኢያ ሓቲታቶ: ነዚ ኸኣ ምስ ንጹር ዝኾነ ውሳኔ (ንዕዮ የሆዋ ከም እትውፍዮ) ኢያ ኣተኣሳሲራቶ። እዚ ንዓና እንታይ ኢዩ ዝምህረና?
ኣብ ሽግር ምስ እትህሉ: ጸሎትካ ነቲ ነገር ፈልዩ ዝጠቅስ ይኹን። ግድልካ—ናይ ውሽጢ: ናይ ጽምዋ: ወይ ጉድለት ጥዕና እውን ይኹን ብዘየገድስ—ብዛዕባኡ ናብ የሆዋ ጸሊ። እቲ ልክዕ ዓይነት ናይቲ ጸገምካን ከመይ ከም ዝስማዓካን ግለጸሉ። ሎይስ እተባህለት መበለት ሰበይቲ “ነፍሲ ወከፍ ምሸት ኵሉ ጸገማተይ ንየሆዋ አሰክሞ: ሓድ ሓደ ግዜ ብዙሕ እውን ይኹን ንነፍሲ ወከፍ በብሓደ ኣነጺረ ኢየ ዝጠቕሶ” ትብል።
ብንጹር ቃላት ገይርካ ምስ የሆዋ ምዝራብ ጥቕምታት የምጽእ ኢዩ። ከምዚ ምግባር: ንግድላትና ኣነጺርና ክንርድኦ ይሕግዘና እሞ ድሕርዚ ካብቲ ዝነበሮ ፍኹስ ኢሉ ክርአ ይኽእል ይኸውን። ሃና: ገና ጸሎታ ቅድሚ ምምላሹ ምትእምማን ተሰምዓ: ከምኡውን “ገጻ ጕህይቲ መሲላ አይተራእየትን።” (1 ሳሙኤል 1:18) ኣብ ርእሲ እዚ: ፈሊኻ ምጥቃስ ነቲ መልሲ ናይ ጸሎትና ንምልላይ ትኵራት ይገብረና። ቤርንሃርት: ኣብ ጀርመን ዘሎ ሓደ ክርስትያን “ንጸሎተይ ፈልየ ብዝጠቐስክዎ መጠን: እቲ መልስታት ንጹር ኢዩ ዝኸውን” ይብል።
“ንእሽቶ ጐበዝ እየ”
ይኹን እምበር: ሓደ ሰብ ኣይበቕዖን ኢየ ኢሉ ንዝሓስቦ መዝነት እንተድኣ ተቐቢሉ ፍልይ ዝበለ ዓይነት ጸገም ይስምዖ ይኸውን። ሓድሓደ ግዜ በቲ ካብ የሆዋ እተዋህብካዮ ሓላፍነት ትጽዓን ዲኻ? ወይ ገለ ገለ ሰባት ነቲ መዝነትካ ዘይትበቅዕ ገይሮምዶ ይርእዩኻ ኢዮም? መንእሰይ ሰሎሞን ከም ንጉስ ናይ እስራኤል ኰይኑ ክቕባእ ከሎ ኣብ ከምኡ ዝበለ ኵነታት ኢዩ ነይሩ። ገለ ገለ ምርኡያት ሰባት ካልእ ሰብ ኣብ ዝፋን እንተ ዝቕመጥ ይሓይሽ በሃልቲ ኢዮም ነይሮም። (1 ነገስት 1:5–7, 41-46፣ 2:13–22) ሰሎሞን ኣብ መጀመርታ ግዝኣቱ: ብጸሎት ከምዚ ኢሉ ለመነ:-
“እግዚኣብሄር ኣምላኸይ: ንባርያኻ . . . ኣንገስካኒ: ኣነ ኸኣ መውጽእየይን መእተውየይን ዘይፈልጥ ንእሽቶ ጐበዝ እየ። . . . ኣብ መንጐ ጽቡቕን ክፉእን ፈልዩ ንህዝብኻ ምእንቲ ኺፈርድሲ: ንባርያኻ ኣስተውዓሊ ልቢ ሃቦ።”—1 ነገስት 3:7–9
ሰሎሞንን ጸሎቱ ኣብቲ ምስ የሆዋ ዝነበሮ ዝምድና: ኣብቲ ተዋሂቡዎ ዝነበረ መሰል: ከምኡውን ኣብቲ መዝነቱ ምእንቲ ክፍጽም ዝነበሮ ክእለት ኢዩ ኣተኲሩዎ ነይሩ። ብተመሳሳሊ መገዲ ካብ ክእለትና ንላዕሊ ኰይኑ ንዝስምዓና ሓላፍነት እንተድኣ ተቐቢልና: ኣምላኽ ነቲ ዕዮ ንኽንገብሮ ምእንቲ ከዕጥቐና ክንልምኖ ኣሎና። ነዚ ዝስዕብ ተመኵሮ እስከ ንርአ:-
“ኣብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ንዝዓበየ ሓላፍነት ክዓዪ ምስ ተሓተትኩ:” ይብል ኣውገን ክገልጽ ከሎ: “ፈጺመ ዘይበቅዕ ምኽዋነይ ተሰማዓኒ። ካልኦት ዝያዳ ዝበቕዑን ዝያዳ ተመኵሮ ዝነበሮምን ነይሮም ኢዮም። ኣብተን ቀጺለን ዝነበራ ክልተ ለይቲ: ድቃስ ዘይብለይ ኢየ ሓዲረ: መብዛሕትኡ ካብቲ ግዜ ኸኣ ብጸሎት ኢየ ኣሕሊፈዮ: እዚ ድማ ሓይልን ኣድላዪ መረጋገጽን ሃበኒ።”
ሮይ: ኣብ ሃንደበታውን ዘሕዝንን ሞት ናይ ሓደ ኣዝዩ ፍሉጥ ዓርኩ ናይ ቀብሪ ዝርርብ ክህብ ተሓተተ። ኣብኡ ኣማእታት ሰባት ከም ዝህልዉ ርግጽ ኢዩ ነይሩ። ሮይ እንታይ ገበረ? “ሓይልን ክእለት ናይ ግቡእ ቃላት ምርካብን: ሃናጺ ሓሳባት ንምግላጽ ከምኡውን ምጽንናዕ ንምሃብን: ከም ሽዑ ገይረ ጸልየ ኣይፈልጥን።”
ፈጣሪ ‘ንነገራት ከቀላጥፎ’ ከሎ ከምኡውን ማሕበሩ እናሰፍሐት ክትከይድ ከላ: ብዙሓት ካብ ኣገልገልቱ ሓላፍነት ከም ዝወሃቡ ርዱእ ኢዩ። (ኢሳይያስ 60:22) ተወሳኺ ግደ ክህልወካ እንተድኣ ተሓቲትካ: የሆዋ ነቲ ብወገንካ ዝጐደለ ተመኵሮ: ምልምማድ: ወይ ክእለት: ክምልኦ ምኽዋኑ ኣረጋግጽ። ልክዕ ከምቲ ሰሎሞን ዝቐረቦ ኣገባብ ገይርካ ንኣምላኽ ቅረቦ: ነቲ መዝነትካ ክትፍጽም ድማ ከዕጥቐካ ኢዩ።
‘ኵላቶም ሓደ ምእንቲ ኪኾኑ’
እቲ ሎሚ ዝለዓል ሳልሳይ ኵነታት ድማ ንጉጅለ ተወኪልካ ብጸሎት ክትቀርብ ምስ እትድለ ኢዩ። ኣብ ክንዲ ካልኦት ክንጽሊ ምስ እንሕተት እንታይ ኢልና ኢና ክንጽሊ ዘሎና? ኣብ ዮሃንስ ምዕራፍ 17 ተመዝጊቡ ዘሎ ናይ የሱስ ጸሎት እስከ ንርአ። ነዚ ጸሎት እዚ ኣብታ ከም ሰብ ናይ መወዳእታ ምሸቱ ዝነበረት: ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ዝነበርሉ ኢዩ ጸልይዋ። ናብ ሰማያዊ ኣቦኡ እንታይ ለመና ኢዩ ዘቕረበ?
የሱስ ነቲ ናይ ሓባር ሸቶን ምምቓል ተስፋ ናይቶም ኣብኡ ዝነበሩን ኢዩ ዘጕልሕ። ምኽባር ስም የሆዋ ኣምላኽን ምፍላጥ ናይታ መንግስትን ከኣ ጠቒሱ ነበረ። የሱስ ነቲ ኣብ ፍልጠት ቅዱሳት ጽሑፋት እተመስረተ ጥቕሚ ናይ ርክብ ምስ ኣቦን ወድን ኣጕሊሕዎ ኢዩ። ብዛዕባ እቲ ንሰዓብቱ ንተጻራርነት ዘዳልዎም ካብ ዓለም ፍሉይ ምኽዋን ከኣ ተዛሪቡ ኢዩ። ክርስቶስ ንኣቦኡ: ንደቀ መዛሙርቱ ክሕልዎምን ኣብ ሓቀኛ ኣምልኾ ከሕብሮምን እውን ሓቲትዎ ኢዩ።
እወ: የሱስ ንሓድነት ኣጕሊሕዎ ኢዩ። (ዮሃንስ 17:20, 21) ኣብታ ምሸት እቲኣ ኣቐድም ኣቢሉ: እቶም ደቀ መዛሙርቲ ካብ ዘይብስለት እተለዓለ ኣብ ምስሕሓብ ኣትዮም ነይሮም ኢዮም። (ሉቃስ 22:24–27) ይኹን እምበር: የሱስ ኣብቲ ጸሎት: ክወቓቐሱ ዘይኰነስ ክሓብሩ ኢዩ ሓቲቱ። ብተመሳሳሊ መገዲ: ናይ ስድራቤትን ጉባኤን ጸሎት: ፍቕሪ ዘተባብዕ ከምኡውን ኣብ መንጐ ውልቀ ሰባት ዘሎ ምስሕሓብ ንኸደቅስ ዝልምን ክኸውን ኣለዎ። እቶም ዝውከሉ ዘለዉ ብሕብረት ክጥርነፉ ኣለዎም።—መዝሙር 133:1–3
እዚ ሕብረት እዚ ዝግለጽ እቶም ዝሰምዑ ዘለዉ ኣብ መደምደምታ “ኣሜን” ወይ “ከምኡ ይኹን” ክብሉ ኸለዉ ኢዩ። እዚ ምእንቲ ከምኡ ክኸውን: ንነፍሲ ወከፍ እተዘርበ ክርድእዎን ክሰማምዕሉን ኣለዎም። ስለዚ እምበኣር: ኣብ ጸሎት ገለ ካብቶም ኣብኡ ዘለዉ ዘይፈልጡዎ ነገር ምጥቃስ ግቡእ ኣይኰነን። ንኣብነት: ንጉባኤ ወኪሉ ዝጽሊ ሽማግለ ንሓደ ብጽኑዕ ዝሓመመ ወይ ዝሓመመት መንፈሳዊ ሓው ወይ ሓብቲ የሆዋ ምሕረት ከውርድ ክሓትት ይኽእል። ይኹን እምበር: ካብቶም ዝውክሎም ዘሎ: እቶም ዝበዝሑ ነቲ ሰብ ዝፈልጥዎ ወይ ብዛዕባ እቲ ሕማም ዝፈልጡ ምስ ዝኾኑ ጥራይ ኢዩ እዚ ዝበለጸ ዝኸውን።
የሱስ ንብሕታዊ ድልየት ናይ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ናይቲ ጉጅለ ከም ዘይዘርዘረ እውን ኣስተብህል። ከምዚ ምግባር ገለ ገለ ውልቀ ሰባት ጥራይ ዝፈልጥዎ ውልቃዊ ነገራት ምጥቃስ ዘጠቓለለ ክኸውን ኢዩ። ብሕታዊ ጉዳያት ከም ድልየትካ ክነውሑን ክጥቀሱን ዝኽእሉ ኣብ ብሕታዊ ጸሎት ኢዩ።
ሓደ ሰብ ንብዝሕ ዝበሉ ጉጅለ ኣምለኽቲ ኣብ ጸሎት ምእንቲ ክውክል ንገዛእ ርእሱ ብኸመይ ኢዩ ከዳልዋ ዘለዎ? ሓደ ተመኵሮ ዘለዎ ክርስትያን ከምዚ ኢሉ ይገልጽ:- “ኣቐዲመ ብዛዕባ እንታይ ከም ዘመስግን: ኣሕዋት እንታይ ዝሓትዎ ክህልዎም ከም ዝኽእል: ኣብ ክንድኦም ድማ እንታይ ለመና ክጠቅስ ከም ዝኽእል እሓስብ። ሓሳባተይ: ከምኡውን መግለጺታት ናይ ምስጋናይ: ብልክዕ መስርዕ ገይረ ኣብ ኣእምሮይ አቐምጦ። ቅድሚ ህዝባዊ ጸሎት ምቕራበይ: ንኣሕዋት ብኽቡር ኣገባብ ንምውካል ምእንቲ ክሕግዘኒ ብምሕታት: ሓጺር ጸሎት እገብር።”
ኵነታትካ ዝኾነ ይኹን ብዘየገድስ: ንስኻውን ብተመሳሳሊ ልክዕ ኣብ ከም ናትካ ዝመስል ኵነታት ብሓደ ሰብ እተዘርበ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ጸሎት ክትረክብ ኢኻ። ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘለዉ ሰፊሕ ዝርጋሐ ዘለዎም ጸሎት: ናይ ኣምላኽ ፍቕራዊ ሕያውነት መረጋገጺ ኢዮም። ነዞም ጸሎት እዚኦም ምንባብን ብዛዕባኦም ምስትንታንን ጸሎትካ ከተመሓይሽ ክሕግዘካ ኢዩ።
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ሳጹን]
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዉ ፍሉጣት ጸሎት
ኣገልገልቲ የሆዋ ኣብ ትሕቲ እተፈላለየ ኵነታት ጸሎት ኣቕሪቦም ኢዮም። ንርእስኻ ካብዞም ዝስዕቡ ኵነታት ምስ ሓደ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ከተተሓሕዞዶ ምኸኣልካ?
ከምቲ ኣልኣዛር ዝገበሮ ካብ ኣምላኽ መሪሕነት ትደሊዶ ኢኻ?—ዘፍጥረት 24:12–14
ከምቲ ያእቆብ ዝነበሮ ክወርድ ተቐሪቡ ኣብ ዘሎ ሓደጋዶ ኢኻ ዘሎኻ?—ዘፍጥረት 32:9–12
ከምቲ ሙሴ ዝገበሮ ንኣምላኽ ዝያዳ ክትፈልጦ ትደሊዶ ኢኻ?—ዘጸኣት 33:12–17
ከምቲ ኤልያስ ዝነበሮ ምስ ተጻረርቲ ትፋጠጥዶ ኢኻ ዘሎኻ?—1 ነገስት 18:36, 37
ከምቲ ንኤርምያስ ዘጋጠሞ ንዓኻኸ ምስባኽ ይጽግመካ ድዩ?—ኤርምያስ 20:7–12
ከምቲ ዳንኤል ዝገበሮ ሓጢኣትካ ክትናዘዝን ይቕሬታ ክትሓትትንዶ ትደሊ ኢኻ?—ዳንኤል 9:3–19
ከምቲ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ዝገበርዎ ንመስጐጕቲ ክትጋጠሞ ትደሊዶ ኢኻ?—ግብሪ ሃዋርያት 4:24–31
ከምኡውን ማቴዎስ 6:9–13፣ ዮሃንስ 17:1–26፣ ፊልጲ 4:6, 7፣ ያእቆብ 5:16 ርአ።
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሳጹን]
ምስ ሱር ዝሰደደ ኣመል ክትቃለስ ከሎኻ እንታይ ኢልካ ከም እትጽሊ
ምስ ተደጋጋሚ ድኻም ዲኻ ትቃለስ ዘሎኻ? ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቦም ዘለዉ ጸሎትከ ብኸመይ ክሕግዙኻ ምኸኣሉ? ካብቲ ብዛዕባ ድኽመቱ ኣብ እተፈላለየ እዋናት ዝጽሊ ዝነበረ ዳዊት: ተማሃር።
ዳዊት ከምዚ ኢሉ ዘመረ:- “ዎ ኣምላኽ: መርምረኒ: ልበይ ከኣ ፍለጥ: ፈትነኒ: ሓሳበይውን ፍለጥ።” (መዝሙር 139:23) የሆዋ ኣምላኽ: ዘይግቡእ ባህግታት: ሰምዒታት: ወይ ድራኼታት ክምርምር: ድሌት ዳዊት ኢዩ ነይሩ። ብኻልእ ኣዘራርባ: ዳዊት ሓጢኣት ንኸወግድ ሓገዝ የሆዋ ካብ ልቡ ደለየ።
ይኹን እምበር: ድኽመታቱ ስለ ዘሰነፎ: ኣዝዩ ሓጥአ። ኣብዚ ግዜ እዚ እውን እንተኾነ:—ምስ ኣምላኽ ዝነበሮ ዝምድና ክምለሰሉ—ጸሎት ኢዩ ሓጊዝዎ። ዳዊት ብመሰረት መዝሙር 51:2 “ካብ ኣበሳይ ኣጸቢቕካ ሕጸበኒ ካብ ሓጢኣተይውን ኣጽርየኒ” ብምባል ለመነ።
ንሕናውን ንጉጉይ ዝንባሌታት ምእንቲ ክንገትእ ደገፍ የሆዋ ክውሃበና ብትሕትና ክንጽሊ ንኽእል ኢና። እዚ ድማ ሱር ዝሰደደ ድኽመት ምእንቲ ከነሰንፍ ከበርትዓናን ሓጢኣት ከነርሕቕ ክሕግዘናን ይኽእል ኢዩ። እንተድኣ ደጊሱና ድማ: ነቲ ቃልሲ ምእንቲ ክንቅጽሎ ክሕግዘና ናብ የሆዋ እንደገና ብጸሎት ክንቀርብ ኣሎና።
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ክንዲ ጉጅለ ዝቐርብ ጸሎት ቅዱስ ጽሑፋዊ ተስፋታትን ሓባራዊ መንፈሳዊ ሸቶታትን ከጕልሕ ኣለዎ