ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w95 1/3 ገጽ 29-31
  • ንየሆዋ ከተመስግኖዶ ኢኻ?

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንየሆዋ ከተመስግኖዶ ኢኻ?
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ነቲ ብስራት ብምእዋጅ ንየሆዋ ኣመስግን
  • ክርከብ ዝከኣል ሓገዝ
  • ውሉዳት ንየሆዋ ከመስግኑ ሓግዞም
  • ዘለኣለማዊ ርክብ ምስ የሆዋ
  • ኣብ መላእ ዓለም ሕጕሳት ወደስቲ ንምዃን እተፈለዩ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ኣቱም መንእሰያት: ንየሆዋ ኣመስግንዎ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ንየሆዋ ኣምላኽና ወድስዎ!
    ንየሆዋ ዘምሩሉ
  • ንየሆዋ ኣምላኽና ወድስዎ!
    ንየሆዋ ‘ብታሕጓስ ዘምሩሉ’
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
w95 1/3 ገጽ 29-31

ንየሆዋ ከተመስግኖዶ ኢኻ?

“ዎኣምላኽ: ከምቲ ስምካ ከምኡ ምስጋናኻ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ እዩ።” እዚ ቃላት እዚ ካብቲ ትንቢታዊ መዝሙር ናይ ደቂ ቆራሕ ኢዩ። (መዝሙር 48:​10) ሎሚ: ዓቢ ሓባራዊ ድምጺ ናይ ሚልዮናት መሰኻኽር የሆዋ: ንኣምላኽ የመስግንን ብስብከት ብስራት ናይ መንግስቱ ገይሩ ኸኣ ስሙ የፍልጥ ኣሎ። ነዚ ኣብ 232 ዓድታትን ደሴታት ባሕርን ብልዕሊ 300 ቋንቋታት ገይሮም ብምፍጻም: ቃል ብቃሉ “ኽሳዕ ወሰን ምድሪ” ይበጽሑ ኣለዉ።

ነዞም እተፈላለየ ባህላዊ: ማሕበራዊ: ከምኡውን ናይ ቋንቋ መበቈል ዘለዎም ሰባት ንየሆዋ ከመስግንዎ ዝድርኾም ዘሎስ እንታይ ኢዩ? እቲ ቀንዲ ምኽንያት: ነቲ ቅኑዕ ፍልጠት ናይ ቃል ኣምላኽ: መጽሓፍ ቅዱስ: ዘለዎም ሞሳ ኢዩ። መንፈሳዊ ሓቂ ካብ ማሪትን ካብ ከምኡ ዝኣመሰለ ከም ዘለኣለማዊ ስቓይ ዝበለ ባርነት ናይ ሃይማኖታዊ እምነት ሓራ ኣውጺእዎም ኢዩ። (ዮሃንስ 8:​32) ቃል ሓቂ: ንኸም ፍቕሪ: ሓይሊ: ጥበብ: ምሕረት ዘለዎ ፍትሒ ዝኣመሰለ ኣገራሚ ባህርያት ናይ ኣምላኽ ንኸማስዉሉ እውን ሓጊዝዎም ኢዩ። ኣምላኽ ነቲ ሓደ ወዱ: የሱስ ክርስቶስ: ንወድሰብ ኢሉ ንበጅነታዊ መስዋእቲ ከም ዝሃቦ ምርድኦም ንብዙሓት ቅኑዓት ሰባት ንየሆዋ ከመስግንዎን ከገልግልዎን የለዓዕሎም ኢዩ።

ብመሰረት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽሓፍ ራእይ ዮሃንስ: ሓደ ሰማያዊ ሓባራዊ ድምጺ:- “ንብዘሎ ንስኻ ፈጢርካዮ: ስለ ፍቓድካውን ኰይኑን ተፈጢሩን እዩ እሞ: ንስኻ ኽብርን ስብሓትን ስልጣንን ንምውሳድ ብቑዕ ኢኻ” ኢሉ ይጭድር። (ራእይ 4:​11) እዚ ከምዚ ዝበለ ምስጋና ካብ ስምዒት ናይ ግዴታ ዝነቐለ ኣይኰነን። ኣብ ክንድኡስ: ካብ ንየሆዋ ዘሎካ ኣኽብሮት እተላዕለ ድኣ ኢዩ።

ነቲ ብስራት ብምእዋጅ ንየሆዋ ኣመስግን

ሓደ ሰብ ንየሆዋ ብምምስጋን: ነቲ ቀንዲ ኣብነት: ኣውራ ኣመስጋኒ ኣምላኽ ዝኾነ የሱስ ክርስቶስ ይመስሎ። ኣስኣሰር ናይ የሱስ ምስዓብ ኣብ ዕዮ ናይ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምክፋል ዘጠቓለለ ኢዩ። (ማቴዎስ 4:​17, 23፣ 24:14) እዚ ናይ ስብከት ዕዮ ንየሆዋ ኣብ ምምስጋን እቲ ዝዓበየ ዓለምለኻዊ ስራሕ ኢዩ ኰይኑ ዘሎ።

እዚ ናይ ስብከት ዕዮ እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ብምኽዋኑ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ድሕነት ኢዩ ዘተሓሕዞ። ሮሜ 10:​13–15 ከምዚ ይንበብ:- “ነፍሲ ወከፍ ስም እግዚኣብሄር ዚጽውዕ ዘበለ ኺድሕን እዩ: . . . ግናኸ ነቲ ብእኡ ዘይኣመኑ ኸመይ ኢሎም ኪጽውዕዎ እዮም[?] ብዛዕባኡ ኸይሰምዑኸ: ከመይ ገይሮም ብእኡ ኺኣምኑ[?] ብዘይ ሰባኺኸ ከመይ ገይሮም ኪሰምዑ[?] ከመዮ: ኣእጋር እቶም ሰናይ ዜበስሩ [ኽ]ንደይ ጽቡቕ እዩ: ዚብል ጽሑፍ: እንተ ዘይተላእኩስ: ከመይ ገይሮምዶ ኺሰብኩ እዮም[?]”

ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ኣብ ዕዮ ስብከት ልዕሊ ቢልዮን ሰዓታት ወፍዮም ኢዮም። ካብ ከምዚ ዝበለ ንኣምላኽ ምምስጋን: ከመይ ዝበለ ጽቡቕ ፍረ ኰን ኢዩ እተረኽበ! ገለ 314‚000 ዝኾኑ ሰባት ነቲ ንየሆዋ ዝገበርዎ ወፈያኦም: ብማይ ጥምቀት ብምርኣይ ነቲ ሓባራዊ ድምጺ ናይ ኣመስገንቲ ሓበርዎ።

ይኹን እምበር: ብዛዕባ እቶም ኣብ ናይ 1994 ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ እተኻፈሉ 12,288,917 ዝኾኑ ሰባትከ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ? ካብዚኣቶም ልዕሊ 7,000,000 ዝኾኑ ገና ከም ሰበኽቲ ናይቲ ብስራት ኰይኖም ንየሆዋ ዘየመስገንዎ ሰባት ኢዮም ነይሮም። ይኹን እምበር እቲ ኣብዚ ኣገዳሲ ኣጋጣሚ እዚ ምክፋሎም ኣብ መወዳእታ ናይቲ ሓባራዊ ድምጺ ናይቶም ኣመስገንቲ ዝውሰኹ ሚልዮናት ከፍሪ ኢዩ። ነዞም ተገደስቲ ሰባት ንየሆዋ ዘመስግኑ ክኾኑ ንምሕጋዞም እንታይ ክግበር ምተኻእለ?

ክርከብ ዝከኣል ሓገዝ

ብዙሓት ተገደስቲ ሰባት ንየሆዋ ከመስግንዎ ባህጊ ይህልዎም ይኸውን: ግናኸ ነቲ ዘድሊ ነገራት ክመልእዎ ከም ዘይክእሉ ኸኣ ይስምዖም። ነቲ ቃላት ናይቲ መዝሙራዊ ክዝክሩ ሰናይ ኢዩ:- “ኣዒንተይ ናብ ኣኽራን ኤልዕል አሎኹ። ረዲኤተይ ካበይ እዩ ዚመጻኒ[?] ረዲኤተይሲ ኻብቲ ሰማይን ምድርን ዝገበረ እግዚኣብሄር እዩ ዚመጸኒ።” (መዝሙር 121:​1, 2) ብርግጽ: እቲ መዝሙራዊ ናብቲ ቤት መቅደስ የሆዋን ምድራዊ መንበር ናይታ ቲኦክራቲካዊት መንግስትን እተነብሮ ኣኽራናት የሩሳሌም ኢዩ ኣዒንቱ ዘልዓለን። ካብዚ ንኣምላኽ ንምምስጋንን ንመልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ንምእዋጅን ዘድሊ ሓገዝ ካብ የሆዋን ምሕበሩን ጥራይ ከም ዝመጽእ ኢና ብልክዕ ክንድምድም እንኽእል።​—⁠መዝሙር 3:​4፣ ዳንኤል 6:​10

ሎሚ እቶም ንየሆዋ ከመስግኑ ዝብህጉ ካብታ ምድራዊት ማሕበሩ ፍቕራዊ ደገፍ ክጽበዩ ይኽእሉ ኢዮም። ንኣብነት: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንተገደስቲ ሰባት ናጻ ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ብምምራሕ ሓገዝ ይህቡ ኢዮም። እዚ ትምህርታዊ መደብ እዚ: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሰረተ–እምነታት ካብ ምምሃር ንላዕሊ ዘጠቓለለ ኢዩ። እቲ ተማሃራይ ነቲ ዝማሃሮ ዘሎን ነታ የሆዋ ዝጥቀመላ ዘሎ ማሕበርን ሞሳ ንኸማዕብል ይሕግዞ።

ምስ እዚ ብምስምማዕ: እቶም ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ዝመርሑ መሰኻኽር: ነቲ ሓድሽ እተረኽበ ሓቂ ኣብ ኣእምሮ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ልቢ እውን ከም ዝበጽሕ ከረጋግጹ ይፍትኑ ኢዮም። እቲ መምህር ነቲ ተማሃራይ: የሆዋ ዕላማኡ ኣብ ምድሪ ንምፍጻም ነታ ማሕበሩ ብኸመይ ይጥቀመላ ከም ዘሎ ካብ ምርኣይ ክቑጠብ የብሉን። እታ ናይ የሆዋ መሰኻኽር​—⁠ኣብ ብዘላ ዓለም ሓቢሮም ፍቓድ ኣምላኽ ይፍጽሙ እትበሃል ብሮሹር [እንግሊዝኛ] ከምኡውን ናይ የሆዋ መሰኻኽር​—⁠እታ ድሕሪ እቲ ስም ዘላ ማሕበር እትበሃል ቪድዮ ካሴት [እንግሊዝኛ] መብዛሕትኡ ግዜ ነዚ ንምግባር ሓገዝቲ ኰይነን ተረኺበን ኢየን።

ክርስትያናዊ ኣኼባታት እውን ነቶም ተስፋ ዘለዎም ኣመስገንቲ የሆዋ ኣብ ምሕጋዝ ኣገዳሲ ግደ ኣለዎ። እቲ ተማሃራይ ኣብቲ ናይ መጀመሪያ እዋን ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክካፈል ክዕደም ይከኣል ኢዩ። ሓደ ግዜ ስርዓታዊ ኴንካ ኣብ ኵሉ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ምእካብን ምስታፍን ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምኽዋኑ ኪማሃር ኢዩ። (እብራውያን 10:​24, 25) ሽማግለታት: ብመንፈስ ዝሃንጹን ጠቐምትን ኣኼባታት ብምድላው ንኣመንቲ ብጾቶምን ነቶም ኣመስገንቲ የሆዋ ንኽኾኑ ትጽቢት ዝግበረሎምን ብሉጽ ሓገዝ ክህቡ ይኽእሉ ኢዮም።

ውሉዳት ንየሆዋ ከመስግኑ ሓግዞም

ውሉዳት ካብ መንጎ እቶም ኣብዚ ቐረባ መጻኢ ኣስፋሕቲ ናይቲ ብስራት ክኾኑ ዝኽእሉ ብዙሓት ሰባት ኢዮም። ብፍላይ ኣቦታት: ንደቆም “ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን” ከዕብይዎም መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሓላፍነት ኣለዎም። (ኤፌሶን 6:​4) ፍርሃት ኣምላኽ ብዘለዎም ወለዲ: ብግቡእ ምስ ዝለማመዱ: ኣዝዮም ንኣሽቱ ውሉዳት እውን እንተኾኑ: ንየሆዋ ናይ ምምስጋን ባህጊ ከዕብዩ ይኽእሉ ኢዮም።

ኣብ ኣርጀንቲና እትርከብ ሓንቲ ንእሽቶ ጓል: ብቕዕቲ ኣስፋሒት መንግስቲ ንምኽዋን ንኽትክእል ምእንቲ ክሕግዝዋ ብምሕታት ብተደጋጋሚ ንነዊሕ ኣዋርሕ ንናይ ጉባኤ ሽማግለታት ቀረበቶም። ድሕሪ ገለ ግዜ: ወለዳን እቶም ሽማግለታትን ዘይተጠመቐት ኣስፋሒት ክትከውን ከፍቅዱላ ተሰማምዑ። ድሮ ኣብ ኣባይቲ ንመልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ብኣሳልጦ ተብጽሕ ኣላ። ሽሕ’ኳ እዛ ንእሽቶ ጓል ዕድሜኣ ሓሙሽተ ዓመት ከምኡውን ኣንቢባ ዘይትኽእል እንተኾነት ንገለ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስታት ዝርከበሉ ቦታ ትዝክሮ ኢያ። ጥቅሲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ረኸበት: ነቲ በዓል ቤት ከንብቦ ትሓቶ: ድሕርቲ ንሳ መግለጺ ትህብ።

ሽማግለታትን ወለድን ነቶም ኣመስገንቲ የሆዋ ንምኽዋን ዝጕልምሱ ዘለዉ ብምትብባዕን ብምሕጋዝን ብዙሕ ጽቡቕ ክገብሩ ከም ዝኽእሉ ብሩህ ኢዩ።​—⁠ምሳሌ 3:⁠27

ዘለኣለማዊ ርክብ ምስ የሆዋ

እንተኾነ ግን: ንስኻ ንገዛእ ርእስኻ ንገለ ግዜ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝሓበርካ ግናኸ ገና ኣብቲ ናይ ስብከት ዕዮኦም ዘይሓበርካዮም እንተድኣ ኴንካኸ? ንርእስኻ እዚ ዝስዕብ ሕቶ ክትሓታ ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል ኢዩ:- ‘ሓቂ ከም ዝረኸብክዋን የሆዋ በይኑ ኸኣ ሓቀኛ ኣምላኽ ምኽዋኑንዶ እኣምን ኢየ? ንናይ ወድሰብ ግድላት እታ እንኮ መፍትሒ መንግስቲ ኣምላኽ ምኽዋና ተረዲአዮዶ ኢየ? ንየሆዋ ዘኾርዩ ኵሉ ናይ ሓሶት ሃይማኖትን ዓለማዊ ልምድታትን ተግባራትን ሓዲገዮዶ ኢየ? ንኣምላኽን ነቲ ዝደልዮ ናይ ጽድቂ ነገራትን ዓሚቍ ፍቕሪዶ ኣሎኒ?’ (መዝሙር 97:​10) ብቕንዕና ነዞም ሕቶታት እዚኣቶም እወ ኢልካ እንተድኣ መሊሽካ: ንየሆዋ ካብ ምምስጋን ዝኽልክለካ እንታይ ኢዩ?​—⁠ምስ ግብሪ ሃዋርያት 8:⁠36 ኣነጻጽሮ።

ንየሆዋ ምምስጋን ካብ ስብከት ብስራት ንላዕሊ ዘጠቓለለ ኢዩ። ቅኑዕ ፍልጠት እንተድኣ ወሲድካ: ሓቀኛ እምነት እንተድኣ ኣልዩካ: ከምኡውን ህይወትካ ምስቲ መለኮታዊ ተደላይነት እንተድኣ ኣሰማሚዕካ: ብሕታዊ ዝምድናኻ ምስ ኣምላኽ ከተጽንዖ ከድልየካ ኢዩ። ብኸመይ? ብጸሎት ቀሪብካ ናብኡ ወፈያ ብምግባርን ድሕሪኡ ድማ ነዚ ብማይ ጥምቀት ብምርኣይን። ዘለኣለማዊ ህይወት ተዳልዩ ኢዩ ዘሎ። ስለዚ እምበኣር: ነቲ ናይ የሱስ ምኽሪ ሕጂ ዕየየሉ:- “እታ ናብ ጥፍኣት እትወስድ ደገ ርሕብቲ: መገዳውን ገፋሕ እያ: እቶም ብኣኣ ዚኣትዉ ድማ ብዙሓት እዮም። እታ ናብ ህይወት እትወስድ ደገ ግና ጸባብ መገዳውን ቀጣን እያ: እቶም ዚረኽብዋ ኸኣ ሒደት እዮም እሞ: በታ ጸባብ ደገ እተዉ።”​—⁠ማቴዎስ 7:​13‚ 14

ምስ ምቕራብ ናይቲ መቕዘፍታዊ መወዳእታ ናይዚ ኣገባብ እዚ: ሕጂ ዘሎ ግዜ እትጠራጠረሉ ኣይኰነን። ዘለኣለማዊ ዝምድና ምስ የሆዋ ክህልወካ ህጹጽ ስጉምቲ ውሰድ። ብርግጽ: ነቲ ንየሆዋ ከተመስግኖዶ ኢኻ? ዝብል ሕቶ ብኣወንታ እትምልሸሉ ግዜ ሕጂ ኢዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ