ካብቲ “ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕ” ዝርከብ ደበስ
“ኣምላኽ: ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ: ኣቦ ምሕረትን ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕን: ብጸበባና ዘበለ ዜጸናንዓና ይባረኽ።”—2 ቈረንቶስ 1:3, 4
1, 2. ዝሓዘኑ ሰባት እንታይ ዓይነት ምጽንናዕ ኢዮም ዝደልዩ?
ኣብ ሓዘን ዘለዉ ሰባት ናይ ሓቂ ምጽንናዕ—ተደጋጋምን ዘሰልቹን ዘይኰነ ዘረባ— ይደልዩ ኢዮም። ኵልና ‘ግዜ ምስ ሓለፈ ዘይርሳዕ ነገር የለን’ ዝብል ዘረባ ሰሚዕና ኣሎና: ይኹን እምበር: እዚ ኣብቲ ናይ መጀመርያ እዋን ሓዘን: እቲ ዝሓዘነ ሰብ ዝጸናንዓሉ ዘረባ ድዩ? ክርስትያናት ኣምላኽ ትንሳኤ ተመባጺዑ ከም ዘሎ ይፈልጡ ኢዮም: ይኹን እምበር እዚ ነቲ ብምኽንያት ሃንደበታዊ ሞት ናይ ሓደ ሰብ ዝመጽእ ዓሚቝ ስምዒታዊ ጸቕጢ ኣይክልክሎን ኢዩ። ከምኡውን ሓደ ቈልዓ እንተደኣ ሞይቱካ እቶም ብህይወት ዘለዉ ቈልዑት ነቲ ዝሞተ ኣዝዩ ፍትው ቈልዓ ክትክእዎ ኣይክእሉን ኢዮም።
2 እነፍቅሮ ሰብ ክሞተና ከሎ: በቲ ኣብ መብጽዓታት ኣምላኽ እተመስረተ ናይ ሓቂ ምጽንናዕ: ንጸናናዕ ኢና። ድንጋጽ እውን ንደሊ ኢና። እዚ ኣብ ህዝቢ ሩዋንዳ: ብፍላይውን ኣብቶም በማእታት ዝቝጸሩ ስድራቤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ሰይጣናዊ ናይ ዓሌት ጃምላዊ ቅትለት ዘፍቅርዎም ሰባት ዝሰኣኑ ሓቂ ዀይኑ ተረኺቡ ኢዩ። ኵሎም እቶም ዝሓዘኑ ካብ መን ኢዮም ምጽንናዕ ክረኽቡ ዝኽእሉ?
የሆዋ—ኣምላኽ ምጽንናዕ
3. የሆዋ ብዛዕባ ምጽንናዕ ምሃብ ዝምልከት ብኸመይ ኢዩ ኣብነት ሂቡ ዘሎ?
3 የሆዋ ንዅልና ምጽንናዕ ብምሃብ ኣብነት ኰይኑና ኣሎ። ዘለኣለማዊ ምጽንናዕን ተስፋን ምእንቲ ክህብ: ነቲ ሓደ በይኑ ወዱ: የሱስ ክርስቶስ ለኣኾ። የሱስ “ኣምላኽ: በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ክረክብ እምበር: ከይጠፍእሲ: ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ: ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ” ኢሉ መሃረ። (ዮሃንስ 3:16) ነቶም ሰዓብቱ እውን “ሰብ ንህይወቱ ኣብ ክንዲ ኣዕሩኹ በጃ ኼሕልፍ: ካብዚ ዝዓቢ ፍቕሪ የልቦን” ኢሉ ነገሮም። (ዮሃንስ 15:13) ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ከኣ “ወዲ ሰብ ድማ: ኬገልግልን ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ ኼሕልፍን እምበር ኬገልግልዎ ኢሉ ኣይመጸን” በለ። (ማቴዎስ 20:28) ጳውሎስ ድማ “ግናኸ ንሕና ገና ሓጥኣን ከሎና: ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ሞይቱ እዩ እሞ: ኣምላኽ እታ ፍቕሩ ንኣና በዚ የርኢ ኣሎ” በለ። (ሮሜ 5:8) በዝን ብኻልእ ብዙሕ ጥቕስታትን: ፍቕሪ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ንግንዘብ።
4. ሃዋርያ ጳውሎስ ብፍላይ ንየሆዋ በዓል ዕዳኡ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ?
4 ሃዋርያ ጳውሎስ ብፍላይ ብዛዕባ እቲ ዘይንበቕዖ ሕያውነት ናይ የሆዋ ይርዳእ ነይሩ ኢዩ። ብመንፈሳዊ መገዲ ካብ ናይ ሞት ኵነታት ኢዩ ድሒኑ: ማለት ካብ ሕሉፍ ሰጓግ ሰዓብቲ ክርስቶስ ንገዛእ ርእሱ ዝስጐግ ክርስትያን ኢዩ ኰይኑ። (ኤፌሶን 2:1-5) ከምዚ ብምባል ድማ ተመኵሮኡ ይገልጽ:- “ኣነስ ነታ ማሕበር ኣምላኽ ስለ ዝሰጐጕክዋ: ምንኣስ ኵላቶም ሃዋርያት እየ እሞ ሃዋርያ ክስመ ብቑዕ ኣይኰንኩን። እቲ ዘሎኽዎ ግን ብጸጋ ኣምላኽ እየ ዘሎኹ። ካብ ኵላቶም ዚበዝሕ ደኣ ጸዐርኩ እምበር: እቲ ንኣይ እተዋህበ ጸጋኡ ኸንቱ ኣይኰነን። እቲ ምሳይ ዘሎ ጸጋ ኣምላኽ ደኣ እዩ እምበር: ኣነ ኣይኰንኩን።”—1 ቈረንቶስ 15:9, 10
5. ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ካብ ኣምላኽ ዝርከብ ምጽንናዕ እንታይ ኢሉ ኢዩ ጽሒፉ ዘሎ?
5 እምበኣር ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ክጽሕፍ ግቡእ ኢዩ ነይሩ “ኣምላኽ: ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ: ኣቦ ምሕረትን ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕን: ይባረኽ: በቲ ንርእስና ኻብ ኣምላኽ እንጸናንዓሉ ምጽንናዕ: ነቶም ኣብ ጸበባ ዘለዉ ዅላቶም ከነጸናንዕ ምእንቲ ኺከአለናስ: ብጸበባና ዘበለ ዜጸናንዓና ንሱ እዩ። ከምቲ ስቓይ ክርስቶስ ኣባና ዚዐዝዝ ዘሎ: ከምኡ ድማ ብክርስቶስ ዚዀነልና ምጽንናዕና ይዐዝዝ እዩ። ግናኸ እንተ ጸበበና እኳ: ንምጽንናዕኩምን ምድሓንኩምን እዩ። እንተ ተጸናናዕና ድማ: ነቲ ንሕናውን እንስቀዮ ዘሎና ስቓይ ብትዕግስትኹም ዚጋደል ምጽንናዕኩም እዩ። ከምቲ ተማቐልቲ ስቓይ: ከምኡ ኸኣ ተማቐልቲ ምጽንናዕ ከም ዝዀንኩም ፈሊጥና: ተስፋና ኣባኻትኩም ጽንዕቲ እያ።”—2 ቈረንቶስ 1:3-7
6. እታ “ምጽንናዕ” ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል እንታይ ኢያ እተመልክት?
6 ከመይ ዝበለ ዘተባብዕ ቃላት ኰን ኢዩ! እታ “ምጽንናዕ” ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል ምስ “ኣብ ጐድኒ ሓደ ሰብ ምዃን” እተተሓሓዘት ኢያ። ስለዚ እምበኣር: “ሓደ ሰብ መሪር ፈተና ከሐልፍ ከሎ ንኸተተባብዖ ኢልካ ኣብ ጐድኑ ምዃን ማለት ኢያ።” (ኤ ሊንጉስቲክ ኪ ቱ ዘ ግሪክ ኒው ተስታመንት ) ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር “እታ ቓል . . . ኵሉ ግዜ ካብ ዝእብድ ድንጋጽ ንላዕሊ ማለት ኢያ። . . . እቲ ናይ ክርስትያን ትብዓት ዘምጽእ ምጽንናዕ: ንሓደ ሰብ ምስ ኵሉ እቲ ህይወት ከምጽኦ ዝኽእል ጸገማት ንኽጋጠም ዘኽእሎ ምጽንናዕ ኢዩ” ኢሉ ጸሓፈ። ኣብቲ ርግጽ መብጽዓን ተስፋን—ናይ ትንሳኤ ምዉታት—እተመስረተ ዘጸናንዕ ቃላት እውን ዘጠቓልል ኢዩ።
የሱስን ጳውሎስን —ዝድንግጹ መጸናናዕቲ
7. ጳውሎስ ነቶም ክርስትያን ኣሕዋቱ ከመይ ገይሩ ኢዩ ዘጸናንዖም ዝነበረ?
7 ጳውሎስ ምጽንናዕ ብምሃብ ዝመጸ ከመይ ዝበለ ዘደንቕ ኣብነት ኰን ኢዩ! ነቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ኣሕዋት ከምዚ ኢሉ ክጽሕፈሎም ክኢሉ ኢዩ “ኣብ ማእከልኩምሲ: ከምታ ውሉዳ እትሓቍፍ መጥበዊት ኴንና እኳ ደኣ: ርሕሩሓት ነበርና። ከምዚ ኣዚኹም ፍቁራትና ስለ ዝዀንኩም: ገዛእ ነፍስና ድማ እምበር: ወንጌል ኣምላኽ ጥራይ ኣይኰናን: ከነካፍለኩም እንፈቱን እንምነን ዝነበርና።. . . ከምቲ እትፈልጥዎ: ነቲ ንመንግስቱን ክብሩን ዚጸወዓኩም ኣምላኽ ብቑዓት ኴንኩም ክትመላለሱ: ንነፍሲ ወከፍኩም ከም ኣቦ ንውሉዱ ኸመይ ጌርና ንምዕደኩምን ነፋጥነኩምን ንምስክረልኩምን ነበርና።” ልክዕ ከም ፈቃራትን ሓለይትን ወለዲ ብምዃን: ልባዊ ተገዳስነትናን ፍልጠትናን ኣብቲ ዘድልዮም ግዜ ንኻልኦት ከነካፍሎም ንኽእል ኢና።—1 ተሰሎንቄ 2:7, 8, 11
8. ናይ የሱስ ትምህርቲ ነቶም ዝሓዘኑ ሰባት መጸናንዒ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ?
8 ጳውሎስ ከምዚ ዝኣመሰለ ተገዳስነትን ሕያውነትን ብምርኣይ: ነቲ ዓቢ ኣርኣያኡ ዝዀነ የሱስ ጥራይ ኢዩ ዝቐድሖ ነይሩ። ከምቲ ኣብ ማቴዎስ 11:28-30 ተመዝጊቡ ዘሎ ነቲ የሱስ ንዅልና ዝዘርግሓልና ናይ ድንጋጽ ዕድመ ዘክሮ:- “ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን: ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ። ኣነ ለዋህ እየ: ልበይውን ትሑት: ኣርዑተይ ፈኲሽ: ጾረይውን ቀሊል እዩ እሞ: ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩ: ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።” እወ: ናይ የሱስ ትምህርቲ ተስፋን መብጽዓን—ናይ ትንሳኤ መብጽዓ—ዝሓዘ ብምዃኑ ዘበራትዕ ኢዩ። ንኣብነት: ነታ እተፍቅሮ ሰብ ክሞተካ ከሎ እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ ብሮሹር ንሰባት ክንሓድገሎም ከሎና እዚ ተስፋ እዝን እዚ መብጽዓ እዝን ኢና እንህቦም። እዚ ተስፋ እዚ ንነዊሕ እዋን ዝሓዘንና እውን ንኹን ንዅልና ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ።
ነቶም ዝሓዘኑ ብኸመይ ከም እተጸናንዕ
9. ምስቶም ዝሓዘኑ ሰባት ዘይዕጕሳት ክንከውን ዘይብልና ስለምንታይ ኢዩ?
9 ሓዘን ደድሕሪ ሞት ናይ ፍቑርካ ንዘሎ ገለ ድሩት ግዜ ዝውሰን ኣይኰነን። ገለ ሰባት ብሕልፊ እኳ እቶም ውሉዳት ዝሞትዎም ምሉእ ህይወቶም ኢዮም ነቲ ናይ ሓዘን ጾር ዝስከምዎ። ኣብ ስፐይን ዝርከቡ ክልተ እሙናት ክርስትያናት ሰብ ሓዳር ብ1963 ብምኽንያት ሕማም ኣንቅጺ ወዲ 11 ዓመት ወዶም ሰኣኑ። ክሳዕ ሎሚ ኸኣ ብዛዕባ ፓኲቶ ክዛረቡ ከለዉ ይነብዑ ኢዮም። ዓመት ዓመት እቲ ሰብ ዝሞተላ ግዜ ክትመጽእ ከላ: ስእልታትን መዘከርታታትን ዘሕዝኑ ተዘክሮታት ከለዓዕሉ ይኽእሉ ኢዮም። ስለዚ ፈጺምና ዘይዕጉሳት ኣይንኹን: ሕጅስ ጓሂኦም ሓሊፍሎም ክኸውን ኣለዎ ኢልና ኣይንሕሰብ። ሓደ ናይ ሕክምና ፈላጥ “ጭንቀትን ስምዒታዊ ምልውዋጥን ንነዊሕ ዓመታት ክቕጽል ይኽእል ኢዩ” ኢሉ ይእመን። ስለዚ እምበኣር: ከምቲ ኣካላዊ በሰላ ኣብ ስጋና ንምሉእ ዕድሜና ዝጸንሕ ከምኡውን ብዙሕ ስምዒታዊ በሰላታት ንነዊሕ ግዜ ክቕጽል ዝኽእል ምዃኑ ዘክር።
10. ነቶም ሕዙናት ሰባት ምእንቲ ክንሕግዝ እንታይ ክንገብር ኣሎና?
10 ነቶም ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘለዉ ዝሓዘኑ ሰባት ንምጽንናዕ እንታይ ተግባራዊ ነገራት ክንገብር ምኸኣልና? ብምሉእ ቅንዕና ንሓደ ምጽንናዕ ዘድልዮ ሓው ወይ ሓብቲ “ክሕግዞ ዝኽእል ነገር እንተደኣ ኣልዩ ዀይኑ: ንገረኒ” ክንብሎ ንኽእል ኢና። ይኹን እምበር ብሓቂ ሓደ ኣብ ሓዘን ዘሎ ሰብ: ክሳዕ ክንደይ ኢዩ “ንስኻ ክትሕግዘኒ እትኽእል ነገር ሓሲበ ኣሎኹ” ክብለና ዝኽእል? ብርግጽ: ነቲ ሕዙን ከነጸናንዖ እንተደኣ ኴንና እቲ ዘድሊ ተበግሶ ባዕልና ክንወስድ የድሊ። ስለዚ ጠቓሚ ብዝዀነ መገዲ እንታይ ክንገብር ምኸኣልና? ቀጺሉ ገለ ተግባራዊ ዝዀኑ ርእይቶታት ኣለዉ።
11. ጽን ኢልና ምስማዕና ንኻልኦት ምጽንናዕ ክኸውን ዝኽአል ብኸመይ ኢዩ?
11 ጽን በል:- ሓደ ካብቲ ክትገብሮ እትኽእል ኣዝዩ ሓጋዚ ዝዀነ ነገር ጽን ኢልካ ብምስማዕ ኣብቲ ስቓይ ናይቲ ሓዘንተኛ ተኻፋሊ ምዃን ኢዩ። ከምዚ ኢልካ ክትሓትት ትኽእል:- “ብዛዕባኡ ክትዛረብ ትደሊ ዲኻ?” ክውስን ሕደጎ። ሓደ ክርስትያን ኣቦኡ ምስ ሞተ “ካልኦት እንታይ ከም እተፈጸመ ክሓቱንን ናይ ሓቂ ክሰምዑንን ከለዉ ብሓቂ ሓጊዙኒ ኢዩ” ብምባል ይዝክር። ከምቲ ያእቆብ ዝሃቦ ምኽሪ: ንምስማዕ ቅልጡፍ ኵን። (ያእቆብ 1:19) ብትዕግስትን ብድንጋጸን ጽን በል። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሮሜ 12:15 “ምስቶም ዚበኽዩ ብኸዩ” ኢሉ ይመኽረና። የሱስ ምስ ማርታን ማርያምን ኰይኑ ከም ዝበኸየ ዘክር።—ዮሃንስ 11:35
12. ነቶም ዝሓዘኑ ሰባት እንታይ ዝዓይነቱ መረጋገጺ ኢና ክንህቦም እንኽእል?
12 መረጋገጺ ሃብ:- ኣብ ናይ መጀመርያ እዋን እቲ ሓዚኑ ዘሎ ሰብ ካብቲ ክገብሮ ዝኽእል ዝያዳ ምገበርኩ ነይረ ኢሉ ብምሕሳብ: ናይ ገበን ስምዒት ክህልዎ ይኽእል ምዃኑ ዘክር። ነቲ ሰብ: እቲ ኽግበር ዝከኣል ከም እተገብረ (ወይ ከኣ እትፈልጦ ናይ ሓቅን ኣወንታውን ኢዩ እትብሎ ነገር) ኣረጋግጸሉ። እቲ ዝስምዖ ዘሎ ልሙድ ምዃኑ ኣረጋግጸሉ። ካልኦት እትፈልጦም ሰባት ነቲ ከም ናቱ ዝኣመሰለ ኵነታት ክጸርዎ ከም ዝኸኣሉ ንገሮ። ብኻልእ ኣዘራርባ: ስምዒት ዘሎካን ደንጋጽን ኵን። እቲ ናይ ሕያውነት ደገፍና ብዙሕ ክጠቅም ይኽእል ኢዩ! ሰሎሞን “ብግቡእ ግዜ እተዘርበ ቓል ከም ሮማን ወርቂ ኣብ ጻሕሊ ብሩር እዩ” ኢሉ ጸሓፈ።—ምሳሌ 16:24፣ 25:11፣ 1 ተሰሎንቄ 5:11, 14
13. እግሪ ዘይምሕጻር: ሓጋዚ ክኸውን ዝኽእል ከመይ ኢሉ ኢዩ?
13 እግሪ ኣይተሕጽር:- ኣብቲ ብዙሓት ፈተውትን ኣዝማድን ዘለዉሉ ናይ መጀመርያ እዋን ጥራይ ዘይኰነስ: ኣድላዪ እንተደኣ ዀይኑ ኣዋርሕ ጸኒሑውን: ኵሉ ነናብ ውራዩ ምስ ተመልሰ እግሪ ኣይተሕጽር። እቲ ናይ ሓዘን እዋን ከከም ዓይነት ናይቲ ሰብ ክፈላለ ይኽእል ኢዩ። ክርስትያናዊ ሓልዮትናን ድንጋጽናን ኣብቲ ዝድለየሉ ግዜ ብዙሕ ክጠቅም ይኽእል ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ካብ ሓው ኣብሊጹ ጥብቂ ዝዀነ ፈታዊ አሎ” ኢዩ ዝብል። እቲ “ኣብ ግዜ ጸገምካ ዝርከብ ዓርኪ: ናይ ሓቂ ዓርኪ ኢዩ” ዝበሃል ዘረባ ብግብሪ ከነርእዮ ኣሎና።—ምሳሌ 18:24፣ ምስ ግብሪ ሃዋርያት 28:15 ኣነጻጽሮ።
14. ነቲ ሕዙን ምእንቲ ከነጸናንዕ ብዛዕባ እንታይ ኢና ክንዛረብ እንኽእል?
14 ብዛዕባ ጽቡቕ ባህርያት ናይቲ ዝሞተ ሰብ ኣዕልል:- እዚ ኣብ ልክዕ ግዜኡ ክወሃብ ከሎ ካልእ ዝዓበየ ሓገዝ ኢዩ። ብዛዕባ እቲ ሰብ ዝዝከረካ ኣወንታዊ ዛንታ ኣዕልል። ስም ናይቲ ዝሞተ ሰብ ንምልዓል ኣይትሰከፍ። እቲ ሞይቱ ዘሎ ፍቑር ሰብ ፈጺሙ ይነብር ከም ዘይነበረ ወይ ኣብ ህላዌ ከም ዘይመጸ ዘምስል ነገር ኣይትግበር። ካብ ሃርቫርድ ናይ ሕክምና ቤት ትምህርቲ እተረኽበ ጽሑፍ ዝብሎ ምፍላጥ ዘጸናንዕ ኢዩ:- “ኣብ መወዳእታ እቲ ሓዘንተኛ ብዛዕባ እቲ ዝሞተ ሰብ ብዘይ ዓብላሊ ጓሂ ክሓስብ ምስ ጀመረ ደሓን ናይ ምዃን መገዲ ይርከብ: . . . እዚ ሓድሽ ሓቂ እዚ ኣፍልጦ እናተዋህበሉን እናተዋሃሃደን ምስ ከደ ድማ: ሓዘን ናብ ክቡር ተዘክሮታት እናተቐየረ ይኸይድ።” “ክቡር ተዘክሮታት” ማለት ምስቲ ዝሞተ ሰብ ዘሕለፍካዮ ጽቡቕ እዋናት ክትዝክር ክሳዕ ክንደይ ዘጸናንዕ ኰን ኢዩ! ገለ ዓመታት ኣቢሉ ይገብር ሓደ ኣቦኡ ዝሞቶ ምስክር ከምዚ ይብል:- “እቲ ብፍላይ ዝዝከረኒ ኣቦይ ሓቂ ከጽንዕ ምስ ጀመረ እቲ ምስኡ ኴንካ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ ኢዩ። ካልእ ተዘክሮ ኸኣ ኣብ ደንደስ ርባ ኴንና ብዛዕባ ግድላተይ ክንመያየጥ ከሎና ኢዩ። ድሕሪ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ዓመታት ኣቢለ ጥራይ እርእዮ ብምንባረይ: እቶም እዋናት እቲኣቶም ንኣይ ኣዝዮም ክቡራት ኢዮም ነይሮም።”
15. ሓደ ሰብ ምእንቲ ክሕግዝ ተበግሶ ክወስድ ዝኽእል ከመይ ገይሩ ኢዩ?
15 ከድሊ ከሎ ተበግሶ ውሰድ:- ገሊኦም ሓዘንተኛታት ካብ ካልኦት ብዝሓሸ ክጻወሩ ይኽእሉ። ስለዚ: ከከም ኵነታቱ: ንኽትሕግዝ ተግባራዊ ስጕምቲ ውሰድ። ሓንቲ ኣብ ሓዘን ዝነበረት ክርስትያን ሰበይቲ ከምዚ ብምባል ትዝክር:- “ብዙሓት ‘ክገብሮ ዝኽእል ነገር እንተደኣ ኣልዩ ንገርኒ’ ኢሎም ኢዮም። ሓንቲ ሓብቲ ግና ኣይሓተተትን። ብቐጥታ ናብቲ መደቀሲ ብምኻድ ነቲ ዓራት ገንጺላ ነቲ ዝረስሐ ኣንሶላታት ሓጸበቶ። ካልእ ሓብቲ ከኣ ሳንኬሎን ማይን ንመጽረዪ ዝኸውን ነገራትን ወሲዳ ነቲ ሰብኣየይ ዝተፍኣሉ ምንጻፍ ፋሕፋሓቶ። እዚኣተን ናይ ሓቂ መሓዙት ኢየን: ፈጺመ ኸኣ ኣይርስዐንን ኢየ።” ኣብቲ ርኡይ ሓገዝ ዘድልየሉ—ምናልባት መግቢ ብምድላው: ኣብ ጽሬት ብምሕጋዝ: ወይ ካልእ ጠቓሚ ሓገዝ ብምሃብ—ተበግሶ ውሰድ። ርግጽ ኢዩ: እቲ ሰብ ክብሕት ምስ ዝደሊ ህሩግ በሃልቲ ከይንኸውን ክንጥንቀቕ ኣሎና። ስለዚ ነቲ “እምበኣርሲ ኸም ሕሩያት ኣምላኽን ቅዱሳንን ፍቑራትን ኴንኩም: ለዋህ ምፍታው ዘለዎ ድንጋጽ: ሕያውነት: ናይ ኣእምሮ ትሕትና: ልእመት: ነዊሕ ተጻዋርነት: ትዕግስቲ ልበሱ” ዝብል ናይ ጳውሎስ ቃላት ብቕንዕና ክንዓየሉ ክንጽዕር ኣሎና። ሕያውነት: ትዕግስቲ ከምኡውን ፍቕሪ ኣየቋርጻን ኢየን።—ቈሎሴ 3:12 ትሓዓ፣ 1 ቈረንቶስ 13:4-8
16. ደብዳበ ወይ ከኣ ካርድ ምጽንናዕ ክህብ ዝኽእል ስለምንታይ ኢዩ?
16 ደብዳበ ጸሓፍ ወይ ዘጸናንዕ ካርድ ለኣኽ:- መብዛሕትኡ ግዜ ዕሽሽ ዝበሃል ከኣ ናይ ጽንዓት ይሃብኩም ደብዳበ ወይ ጽቡቕ ናይ ሓዘን ካርድ ኢዩ። እቲ ጥቕሙኸ እንታይ ኢዩ? ደጋጊምካ ክንበብ ዝከኣል ብምዃኑ ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ደብዳበ ነዊሕ ክኸውን ኣየድልዮን ኢዩ: ኣብ ክንድኡ ድንጋጼኻ ዘርኢ ክኸውን ኢዩ ዘለዎ። ስብከት ዘይኰነስ መንፈሳዊ ነገር ዘንጸባርቕ ክኸውን ኣለዎ። እቲ መሰረታዊ “ኣሎናልካ” ዝብል መልእኽቲ ዘጸናንዕ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
17. ጸሎት ከመይ ኢሉ ኢዩ ምጽንናዕ ከምጽእ ዝኽእል?
17 ምስኦም ኴንካ ጸሊ:- ዋጋ ናይቲ ምስቶም ዝሓዘኑ ክርስትያን ብጾትካ ኴንካ እትገብሮ ጸሎትን ምእንትኦም ዝግበር ጸሎትን ኣትሒትካ ኣይትርኣዮ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ያእቆብ 5:16 “ጸሎት ጻድቕ. . . ብዙሕ ተስልጥ እያ” ኢዩ ዝብል። ንኣብነት: እቲ ሓዘንተኛ ኣብ ክንድኡ ኴንና ክንጽሊ ክሰምዓና ከሎ: ንኸም ጸጸት ዝኣመሰለ ኣሉታዊ ስምዒት ንኽቃወም ይሕግዞ ኢዩ። ኣብ ግዜ ድኽመትናን ሞራል ከነውድቕ ከሎናን ሰይጣን: በቲ “ፍሕሶታቱ” ወይ “ጕርሒ ዘለዎ ተግባራት” ገይሩ ክደቑሰና ኢዩ ዝፍትን። ከምቲ ጳውሎስ “ብዅሉ ጸሎትን ልማኖን ኵሉ ሳዕ ብመንፈስ እናጸሌኹም እሞ: ምስናይ እዚውን ብዅሉ እናተጸመምኩም: ስለ ዅሎም ቅዱሳን ብጸሎት ንቕሑ” ብምባል ገሊጽዎ ዘሎ: ኣብዚ ግዜ እዚ ኢዩ ምጽንናዕን ሓገዝ ናይ ጸሎትን ዘድልየና።—ኤፌሶን 6:11, 18: ኪንግዶም ኢንተርሊንያር፣ ምስ ያእቆብ 5:13-15 ኣነጻጽሮ።
ክውገድ ዘለዎ ነገር
18, 19. ኣብ ኣዘራርባና ሜላ ከነርኢ እንኽእል ከመይ ገይርና ኢና?
18 ሓደ ሰብ ኣብ ሓዘን ከሎ ክንገብሮምን ክንብሎምን ዘይብልና ነገራት እውን ኣለዉ። ምሳሌ 12:18 “ከም ዚቘርጽ ሰይፊ ገይሩ ዚዛረብ ሰብ አሎ: መልሓስ እቶም ጠቢባን ግና ጥዕና እዩ” እናበለ የጠንቅቕ። ሓድሓደ ግዜ ከይተረደኣና ሜላ ካብ ምርኣይ ንሰንፍ። ንኣብነት ከምዚ ክንብል ንኽእል:- “ከመይ ከም ዝስማዓካ ይርድኣኒ ኢዩ።” ግናኸ ሓቂ ድዩ? ልክዕ ከምኡ ዓይነት ተመኵሮ ኣሕሊፍካ ትፈልጥ ዲኻ? እንተዀነ እውን ሰባት ንሓዘን ብእተፈላለየ መገዲ ኢዮም ዝቕበልዎ። ምናልባት ግብረ–መልስኻ ልክዕ ከም ናይቲ ሓዚኑ ዘሎ ሰብ ከይከውን ይኽእል ኢዩ። “ገለ ዓመታት ይገብር. . . ክመውት ከሎ ልክዕ ከምኡ ስለ እተሰመዓኒ ናይ ሓቂ ኢኻ ኣደንጊጽካኒ” ምባል ኣዝዩ ከም እተሰመዓካ ዘርኢ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
19 ብዛዕባ ናይቲ ሞይቱ ዘሎ ሰብ ምትንሳእን ዘይምትንሳእን ርእይቶ ካብ ምሃብ ምቑጣብ እውን ድንጋጽካ ዘርኢ ኢዩ። ገሊኦም ኣሕዋትን ኣሓትን ብዛዕባ መጻኢ ተኽእሎታት ናይቲ ዘይኣማኒ ናይ መርዓ ብጻዮም ዝውሃብ ፍርዳዊ ርእይቶታት ጐዲእዎም ኢዩ። መን ይትንስእ መን ኣይተንስእን: ፈራዶ ንሕና ኣይኰናን። ካብቲ ንሕና ክንኰኖ እንኽእል ንላዕሊ: እቲ ልቢ ዝርኢ የሆዋ ኣዝዩ ምሕረተኛ ክኸውን ከም ዝኽእል ብምርዳእ ክንቀስን ንኽእል ኢና።—መዝሙር 86:15፣ ሉቃስ 6:35-37
ዘጸናንዑ ጥቕስታት
20, 21. ነቲ ሕዙን ከጸናንዑ ዝኽእሉ ገለ ገለ ጥቕስታት እንታይ ኢዮም?
20 እቶም ንምዉታት ዝምልከቱ ናይ የሆዋ መብጽዓታት: ኣብቲ ግቡእ ግዜኦም ክቐርቡ ከለዉ ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ምንጭታት ናይ ሓገዝ ኢዮም። እዞም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓሳባት እዚኣቶም እቲ ሓዘንተኛ: ድሮ ምስክር ይኹን ወይ ኣብ ኣገልግሎት ዝረኸብናዮ ሰብ: ጠቐምቲ ክዀኑ ኢዮም። ገለ ካብዞም ጥቕስታት እዚኣቶም እንታይ ኢዮም? የሆዋ “ኣነ: ኣነ እየ ዘጸናንዓኩም” ስለ ዝብል ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። “ከምቲ ኣደ ንውሉዳ እተጸናንዕ: ከምኡ ኸጸናንዓኩም እየ” እውን ይብል ኢዩ።—ኢሳይያስ 51:12፣ 66:13
21 እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ቃልካ ህያው ገይሩኒ እዩ እሞ: እዚ ኣብ መከራይ መጸናንዕየይ እዩ። ጐይታየ: ናይ ጥንቲ ፍርድታትካ እናሓሰብኩ እጸናናዕ አሎኹ። ከምቲ ንባርያኻ ዝበልካዮ ቓል: ጸጋኻ መጸናንዒ ይኹነኒ” ኢሉ ጸሓፈ። ኣብዘን ጥቕስታት እዚኣተን እታ “ምጽንናዕ” እትብል ቃል ብተደጋጋሚ ተጠቒሳ ከም ዘላ ኣስተብህል። እወ: ኣብ ግዜ ጓሂና ናብ ቃል ኣምላኽ ብምቕላብ ንዓናን ንኻልኦትን ዝኸውን ናይ ሓቂ ምጽንናዕ ክንረክብ ንኽእል ኢና። እዚ: ምስቲ ፍቕርን ድንጋጽን ናይ ኣሕዋትና ተሓዊሱ: ጓሂና ክንጸውርን ንህይወትና ድማ በቲ ናይ ክርስትያን ኣገልግሎት ገይርና ሓጐስ ክንመልኦን ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ።—መዝሙር 119:50, 52, 76
22. ኣብ ቅድሜና እንታይ ተስፋ ኢዩ ተነቢሩልና ዘሎ?
22 ንኻልኦት ሰባት ኣብቲ ጭንቀቶም ንምሕጋዝ ትሑዛት ብምዃን እውን ብመጠኑ ሓዘንና ክንዋጽኣሉ ንኽእል ኢና። ናብ ካልኦት ምጽንናዕ ዘድልዮም ቆላሕታ ክንገብር ከሎና: ብመንፈሳዊ መገዲ ንህብ ስለ ዘሎና: ናይ ሓቂ ሓጐስ ንረክብ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:35) እምበኣር ነቲ: ህዝብታት: ወለዶ ድሕሪ ወለዶ ነቶም ዘፍቅርዎም ሰባት ካብ ምዉታት ተንሲኦም ናብታ ሓዳስ ዓለም ክቕበልዎም ከለዉ ዝገልጽ ራእይ ምስኣቶም ኴንና ንካፈሎ። ከመይ ዝበለ ተስፋ ኰን ኢዩ! የሆዋ ብርግጽ “ንጥቑዓት ዜጸናንዕ” ኣምላኽ ከም ዝዀነ ክንዝክር ከሎናስ ከመይ ዝበለ ናይ ሓጐስ ንብዓት ኰን ክህሉ ኢዩ!—2 ቈረንቶስ 7:6
ትዝክሮዶ?
◻ የሆዋ “ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕ” ዝዀነ ብኸመይ ኢዩ?
◻ የሱስን ጳውሎስን ንሕዙናት ሰባት ዘጸናንዑ ብኸመይ ኢዮም?
◻ ገለ ካብቶም ንዝሓዘኑ ሰባት ንምጽንናዕ ክንገብሮም እንኽል ነገራት እንታይ ኣለዉ?
◻ ምስ ሓደ ዝሓዘነ ሰብ ክትዘራረብ ከሎኻ ክትገብሮ ዘይብልካ እንታይ ኢዩ?
◻ ኣብ ግዜ ሞት ንምጽንናዕ ዝዀኑ እትፈትዎም ጥቕስታት እንታይ ኢዮም?
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]
ነቶም ዝሓዘኑ ንምሕጋዝ ብሜላ ገይርካ ተበግሶ ውሰድ