ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w95 1/6 ገጽ 17-22
  • ንኣምላኽ ከተገልግሎ ዝድርኸካ እንታይ ኢዩ?

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንኣምላኽ ከተገልግሎ ዝድርኸካ እንታይ ኢዩ?
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ግቡእ ድራኸ ንኸይህሉ ዝገብሩ ዕንቅፋታት
  • “ፍቕሪ ክርስቶስ ደሪኹና እዩ”
  • ‘ካብ ማይ ብሑቝ ፈሪሳውያን ተጠንቀቑ’
  • ‘ነፍሲ ወከፍ ከከም ዓቕሙ’
  • ካብ ምሳሌ እቲ ታለንት ተምሃር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ብዛዕባ ትግሃት እተዋህበ ትምህርቲ—ታለንት
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ነቲ ዜፍቅረካ ኣምላኽ ኣፍቅሮ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ብፍቕሪ ተሃነጽ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
w95 1/6 ገጽ 17-22

ንኣምላኽ ከተገልግሎ ዝድርኸካ እንታይ ኢዩ?

“ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓሳብካን ብዅሉ ሓይልኻን ኣፍቅሮ።”​—⁠ማርቆስ 12:⁠30

1, 2. ምስቲ ናይ ስብከት ዕዮ እተተሓሓዘ እንታይ ኣገራሚ ነገራት ኢዩ ዝፍጸም ዘሎ?

እቲ ናይ ሓቂ ዋጋ ናይ ሓንቲ መኪና ብደጋዊ ትርኢታ ጥራይ ዝውሰን ኣይኰነን። እቲ ተለኽያቶ ዘላ ሕብሪ ነቲ ደጋዊ ትርኢታ ከዕዝዞ ከምኡውን ውቁብ ንድፊ ንሓደ ዓቕሚ ዘለዎ ዓዳጋይ ክስሕቦ ይኽእል ኢዩ፣ ይኹን እምበር ዝያዳ ኣገዳስነት ዘለዎም እቶም ገና ዘይተራእዩ ነገራት ማለት እቲ ነታ መኪና ዘንቀሳቕስ ሞተር: ምስቶም ንዓኣ ዝቆጻጸሩ ካልኦት መሳርሒታት ሓዊስካ ኢዮም።

2 እዚ ምስቲ ክርስትያናት ንኣምላኽ ዘቕርብዎ ኣገልግሎት ዝመሳሰል ኢዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኣምላኻዊ ዕዮታት ዝመልኡ ኢዮም። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት: ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምስባኽ ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ሰዓታት ኢዩ ዝሓልፍ። ብተወሳኺ: ብሚልዮናት ዝቝጸር ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ይምራሕ: ከምኡውን ብኣማእታት ኣሻሓት ዝቝጸሩ ሰባት ከኣ ይጥመቑ። ኣዋጂ ናይዚ ብስራት እዚ እንተደኣ ኴንካ​—⁠ሒደት እውን ይምሰል​—⁠ኣብዚ ዘገርም ኣሃዛዊ ጸብጻብ ግደ ኣሎካ። ‘ኣምላኽ ንግብርኻን ንስሙ ዝገበርካዮ ፍቕርኻን ዝርስዕ ገፋዒ ከም ዘይኰነ’ ድማ ከተረጋግጽ ትኽእል ኢኻ።​—⁠እብራውያን 6:⁠10

3. ንክርስትያናት ብዘይካ ተግባር ካልእ ኣዝዩ ዘገድሶም እንታይ ኢዩ: ስለምንታይከ?

3 ይኹን እምበር: እቲ ናይ ሓቂ ዋጋ ናይ ኣገልግሎትና​—⁠ብሓባር ወይ ብውልቂ​—⁠ብቝጽሪ ጥራይ ኣይኰነን ዝዕቀን። ከምቲ ንሳሙኤል እተባህለሉ: “ሰብ ነቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዘሎ እዩ ዚርኢ: እግዚኣብሄር ግና ልቢ እዩ ዚርኢ።” (1 ሳሙኤል 16:⁠7) እወ: እቲ ኣምላኽ ዋጋ ዝህቦ ብውሽጢ ከመይ ምዃንና ኢዩ። ተግባር ብሓቂ ኣድላዪ ኢዩ። ናይ ኣምላኻዊ ተወፋይነት ተግባራት ነቲ ትምህርቲ የሆዋ ይስልሞ ደቀ መዛሙርቲ ክዀኑ ዝበቕዑ ሰባት ኸኣ ይስሕብ ኢዩ። (ማቴዎስ 5:​14-16፣ ቲቶስ 2:10፣ 2 ጴጥሮስ 3:11) ይኹን እምበር: ግብርና ምሉእ እንታይነትና ኣይገልጽን ኢዩ። እቲ ዝተንስአ የሱስ ብዛዕባ እታ ኣብ ኤፌሶን ዝነበረት ጉባኤ ዘተሓሳሰቦ ነገር ነይርዎ ኢዩ። ሽሕ’ኳ ናይ ሰናይ ተግባር ጸብጻብ እንተ ነበሮም: “ግብርኻ . . . እፈልጥ አሎኹ . . . ግናኸ ነታ ቐዳመይቲ ፍቕርኻ ሐዲግካያ ኢኻ እሞ እዚ ረኺበልካ አሎኹ” በሎም።​—⁠ራእይ 2:​1-4

4. (ሀ) እቲ ንኣምላኽ እነቕርቦ ኣገልግሎት ሓላፍነትካ ናይ ምፍጻም ልምዲ ክኸውን ዝኽእል በየናይ መገዲ ኢዩ? (ለ) ርእሰ–ምርመራ ዘድሊኸ ስለምንታይ ኢዩ?

4 ሓደጋ ኣሎ። ንነዊሕ እዋን እቲ ንኣምላኽ እነቕርቦ ኣገልግሎትና ግቡእካ ናይ ምፍጻም ልምዲ ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ሓንቲ ክርስትያን ሰበይቲ “ኣገልግሎት እኸይድ: ኣኼባታት እሳተፍ: አጽንዕ: እጽሊ ኢየ​—⁠ይኹን እምበር ነዚ ኹሉ ብዘይ ስምዒት ኢየ ዝገብሮ ነይረ” ብምባል ነዚ ገሊጻቶ ኢያ። ርግጽ ኢዩ: ኣገልገልቲ ኣምላኽ “ድርቡያት” ወይ “ጥቑዓት” ኢና ዝብል ስምዒት እናሃለዎም ክጽዕሩ ከለዉ ክንኣዱ ኣለዎም። (2 ቈረንቶስ 4:9፣ 7:⁠6) እንተኾነ ግን: ክርስትያናዊ ዕዮታትና ክዝሕል ከሎ: ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ናብ ውሽጢ እቲ ሞተር ከነተኵር የድልየና ኢዩ። ዝበለጻ መካይን እውን እንተዀና እዋናዊ ጽገና ይደልያ ኢየን፣ ብተመሳሳሊ: ኵሎም ክርስትያናት ከኣ ስርዓታዊ ርእሰ–ምርመራ ክገብሩ የድልዮም ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 13:⁠5) ካልኦት ንዕዮታትና ክርእይዎ ይኽእሉ ኢዮም: ንግብርታትና እንታይ ከም ዝድርኾ ግን ክርድእዎ ኣይክእሉን ኢዮም። ስለዚ እምበኣር: ነፍሲ ወከፍና ‘ንኣምላኽ ከገልግሎ ዝድርኸኒ እንታይ ኢዩ?’ ዝብል ሕቶ ከገድሰና ኣለዎ።

ግቡእ ድራኸ ንኸይህሉ ዝገብሩ ዕንቅፋታት

5. የሱስ እታ ካብ ኵሉ ቐዳመይቲ ዝዀነት ትእዛዝ ኣየነይቲ ኢያ ኢዩ ዝበለ?

5 የሱስ ካብተን ንእስራኤላውያን እተዋህባኦም ሕግታት እታ ቀዳመይቲ ኣየነይቲ ምንባራ ምስ ተሓተ: ነታ ኣብ ደጋዊ ትርኢት ዘይኰነስ ኣብ ውሽጣዊ ድራኸ እተተኵር ትእዛዝ ኢዩ ዝጠቐሰ:- “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓሳብካን ብዅሉ ሓይልኻን ኣፍቅሮ።” (ማርቆስ 12:​28-30) ስለዚ የሱስ ብድሕሪ እቲ ንኣምላኽ እነቕርቦ ኣገልግሎትና ክህሉ ዘለዎ ኣንቀሳቓሲ ሓይሊ ፍቕሪ ክኸውን ከም ዘለዎ ገሊጹ ኢዩ።

6, 7. (ሀ) ሰይጣን ነቲ ናይ ስድራቤት ዓንኬል ሰላሕ እናበለ ዘጥቅዖ በየናይ መገዲ ኢዩ: ስለምንታይከ? (2 ቈረንቶስ 2:11) (ለ) ናይ ሓደ ሰብ ኣተዓባብያ ነቲ ናብ መሎኮታዊ ስልጣን ዝህልዎ ኣረኣእያ ዝትንክፎ ብኸመይ ኢዩ?

6 ሰይጣን እታ ዝበለጸት ባህርይ ፍቕሪ ንኽንኵስኵስ ዘሎና ክእለት ክዓግቶ ኢዩ ዝደሊ። ሓደ ካብቲ ነዚ ንምግባር ዝጥቀመሉ ሜላ ኸኣ ነቲ ናይ ስድራቤት ዓንኬል ምጥቃዕ ኢዩ። ስለምንታይ? ምኽንያቱ እቲ ናይ መጀመርያን ነባርን ስምዒታት ናይ ፍቕሪ እነቝመሉ ቦታ እዚ ብምዃኑ ኢዩ። ሰይጣን ነቲ ብቝልዕነትካ እተማሃርካዮ ምስ ዓበኻ ክጠቕመካ ይኽእል ኢዩ ዝብል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መምርሒ ጽቡቕ ገይሩ ኢዩ ዝፈልጦ። (ምሳሌ 22:⁠6) ሰላሕ እናበለ ገና ብናእሽቱና ከሎና ነቲ ብዛዕባ ፍቕሪ ዘሎና ምርዳእ ከበላሽዎ ኢዩ ዝፍትን። ሰይጣን ከም “ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ” መጠን: ብዙሓት ቈልዑ ኣብተን ፍቕሪ ዘለወን ኣባይቲ ዘይኰነስ ኣብተን ምረትን ነድርን ታዕታዕን ዘለወን ኣባይቲ ክዓብዩ ከለዉ ዕላማኡ ጽቡቕ ገይሩ ከም ዝዓየየ ይዕዘብ ኢዩ።​—⁠2 ቈረንቶስ 4:4፣ ኤፌሶን 4:​31, 32፣ 6:⁠4: ትሓዓ እግረ–ጽሑፍ፣ ቈሎሴ 3:⁠21

7 እታ ንናብራ ስድራቤትካ ሕጕስ ምግባር እትበሃል መጽሓፍ: እቲ ኣቦ ነቲ ናይ ወላዲ ሓላፍነቱ ዝፍጽመሉ መገዲ “ኣብቲ እቲ ቈልዓ ደሓር ንሰብኣውን መለኮታውን ስልጣን ዝህልዎ ኣረኣእያ ነባሪ ጸለውታ ክህልዎ ይኽእል ኢዩ” ብምባል ትዕዝብታ ትገልጽ።a ሓደ ኣብ ትሕቲ ምልኪ ናይ ጨካን ኣቦ ዝዓበየ ክርስትያን ሰብኣይ “ንየሆዋ ምእዛዝ ንዓይ ቀሊል ኢዩ፣ ንዕኡ [ንየሆዋ] ምፍቃር ግና ኣዝዩ ጸገም ኢዩ” ብምባል ይእመን። ሓቂ ኢዩ: ኣብ ኣዒንቲ ኣምላኽ ‘ምእዛዝ ካብ መስዋእቲ ስለ ዝበልጽ’ ምእዛዝ ኣድላዪ ኢዩ። (1 ሳሙኤል 15:22) ይኹን እምበር: ኣብ ኣምልኾና ከም ደፋኢ ሓይሊ ኰይኑ ካብ ምእዛዝ ንላዕሊ ክንገብር ከምኡውን ኣብ የሆዋ ፍቕሪ ክንኵስኵስ እንታይ ክሕግዘና ይኽእል?

“ፍቕሪ ክርስቶስ ደሪኹና እዩ”

8, 9. ናይ የሱስ በጅነታዊ መስዋእቲ ነቲ ንየሆዋ ዘሎና ፍቕሪ ክቕስቅሶ ዘለዎ ከመይ ገይሩ ኢዩ?

8 ንየሆዋ ልባዊ ፍቕሪ ከም እንኹስኵስ ዝገብረና ዝለዓለ ሓይሊ እቲ ንበጅነታዊ መስዋእቲ ናይ የሱስ ክርስቶስ ዘሎና ሞሳ ኢዩ። “ኣምላኽ: ብእኡ ምእንቲ ብህይወት ክንነብር ኢሉ: ነቲ ሓደ ወዱ ናብ ዓለም ብምልኣኹ: እታ ፍቕሪ ኣምላኽ ንኣና በዚ ተገልጸትልና።” (1 ዮሃንስ 4:⁠9) ሓንሳእ ምስ ተረዳእናዮን ምስ ኣማሶናሉን: እዚ ናይ ፍቕሪ ተግባር እዚ ብግዲኡ ናይ ፍቕሪ ግብረ–መልሲ ከመንጭው ኢዩ። “ንሱ [የሆዋ] ቕድም ኣፍቂሩና እዩ እሞ: ንሕናውን ነፍቅር ኢና።”​—⁠1 ዮሃንስ 4:⁠19

9 የሱስ ነቲ ከም መድሓኒ ናይ ሰብ ኰይኑ ንኸገልግል እተዋህቦ መዝነት ብፍታው ኢዩ እተቐበሎ። “ንሱ ንህይወቱ ኣብ ክንዳና ስለ ዘሕለፈ: በዚ ንፍቕሪ ንፈልጣ ኣሎና።” (1 ዮሃንስ 3:16፣ ዮሃንስ 15:13) ናይ የሱስ ርእሰ–መስዋእታዊ ፍቕሪ ኣባና ናይ ሞሳ ምላሽ ከለዓዕል ኣለዎ። ንመረድኢ:- ካብ ምጥሓል ድሒንካ ንበል። ንገዛ ትኸይድ: ትነቅጽ ብድሕሪኡ ነቲ ዘጋጠመካ ትርስዖ ዲኻ? ርግጽ ኢዩ ኣይትርስዖን ኢኻ! ነቲ ዘድሓነካ ሰብ በዓል ዕዳ ምዃንካ ኢዩ ዝስምዓካ። ልዕሊ ዅሉ እቲ ሰብ እቲ ህይወትካ ኢዩ ዝእውደካ። የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስንከ ካብዚ ዝንእስ ድዮም ዝእውዱና? ብዘይ በጅነት: ነፍሲ ወከፍና ኣብ ሓጢኣትን ሞትን ምወደቕና ነይርና። ኣብ ክንዳኡ ግን: ብምኽንያት እዚ ዓቢ ተግባር ፍቕሪ እዚ: ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ኣሎና።​—⁠ሮሜ 5:​12, 18፣ 1 ጴጥሮስ 2:⁠24

10. (ሀ) ነቲ በጅነት ብሕታዊ ዝዀነ ነገር ክንገብሮ እንኽእል ብኸመይ ኢና? (ለ) ፍቕሪ ክርስቶስ ብኸመይ ኢዩ ዝድርኸና?

10 ብዛዕባ እቲ በጅነት ኣስተንትን። ከምቲ ጳውሎስ “እዚ ሕጂ ብስጋ ዝነብሮ ዘሎኹ ድማ: ብእምነት በቲ ዘፍቀረኒ ምእንታይውን ነፍሱ ዘሕለፈለይ ወዲ ኣምላኽ እየ ዝነብር ዘሎኹ” ብምባል ዝገበሮ ብብሕትኻ ተጠቐመሉ። (ገላትያ 2:20) ከምዚ ዝበለ ምስትንታን ልባዊ ድራኸ ዘለዓዕል ኢዩ: ምኽንያቱ ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ “ፍቕሪ ክርስቶስ ደሪኹና እዩ እሞ: . . . ድሕሪ ሕጂ እቶም ዘለዉ ነቲ ምእ⁠ንት​ኦም ዝሞተን ዝተንስኤን እምበር: ንርእሶም ምእንቲ ኸይነብሩ: ንሱ ኣብ ክንዲ ዅላቶም ሞተ” ኢሉ ጸሓፈ። (2 ቈረንቶስ 5:​14, 15) ዘ ጀሩሳሌም ባይብል ፍቕሪ ክርስቶስ “ዓብሊሉና ኢዩ” ይብል። ንፍቕሪ ክርስቶስ ከነስተንትነሉ ከሎና ንድረኽ: ብዕምቈት ንለዓዓል: ንዕብለል እውን ኢና። ንልብና ይትንክፎ እሞ ንኽንዓዪ ኸኣ ይድረኸና። ከምቲ ናይ ጀይ. ቢ. ፊሊፕስ ትርጕም ዝገልጾ “እቲ ምንጪ ናይ ግብርታትና ፍቕሪ ክርስቶስ ኢዩ።” ከምቲ ካብ ኣብነት ናይ ፈሪሳውያን እተራእየ: ዝዀነ ይኹን ካልእ ዓይነት ድራኸ ነባሪ ፍረ ኣየከምጽኣልናን ኢዩ።

‘ካብ ማይ ብሑቝ ፈሪሳውያን ተጠንቀቑ’

11. ብዛዕባቲ ፈሪሳውያን ንሃይማኖታዊ ግብርታት ዝነበሮም ኣረኣእያ ግለጽ።

11 ፈሪሳውያን ንዅሉ ናብራ ካብ ኣምልኾ ናይ ኣምላኽ ኣርሒቖምዎ ኢዮም ነይሮም። ኣብ ክንዲ ንኣምላኽ ፍቕሪ ምርኣይ ዘጕልሑ: ናይ መንፈሳውነት መዐቀኒ: ተግባር ምዃኑ ኢዮም ዘጕልሑ ነይሮም። ኣብቲ ዝርዝር ናይቲ ሕግታት ብምድሃቦም: ብደገ ጻድቃን መሲሎም ከም ዝረኣዩ ገበሮም: ብውሽጢ ግና “ኣዕጽምቲ ምዉታትን ርኽሰትን ዝመልኤ” ኢዮም ነይሮም።​—⁠ማቴዎስ 23:⁠27

12. የሱስ ነቲ ሰብኣይ ምስ ኣሕወዮ: ፈሪሳውያን ድርቅና ልቢ ከም ዝነበሮም ዘርኣዩ ብኸመይ ኢዮም?

12 የሱስ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ንሓደ ኢዱ ዝነቐጸት ሰብኣይ ብድንጋጸ ተደሪኹ ኣሕወዮ። እዚ ሰብኣይ እዚ ካብቲ ብዘይ ጥርጥር ኣካላውን ስምዒታውን ቀጨውጨው ዘስዕብ ሕማም ቅጽበታዊ ምሕዋይ ክረክብ ከሎስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ተሓጒሱ ክኸውን ኣለዎ! እንተዀነ ግና: እቶም ፈሪሳውያን ብእኡ ኣይተሓጐሱን። ኣብ ክንዳኡ: ነቲ የሱስ ብሰንበት ዝሃቦ ሓገዝ ኣትሪሮም ነቐፍዎ። ፈሪሳውያን ብናይ ርእሶም ኣተረጓጕማ ናይቲ ሕጊ ስለ እተዓብለሉ ነቲ መንፈስ ናይቲ ሕጊ ፈጺሞም ኣጥፊኦምዎ ኢዮም ነይሮም። የሱስ ‘በቲ ድርቅና ልቦም እንተ ጐሃየስ!’ ዘገርም ኣይኰነን። (ማርቆስ 3:​1-5) ብተወሳኺ: ንደቀ መዛሙርቱ “ካብ ማይ ብሑቝ ፈሪሳውያንን ሰዱቓውያንን ተጠንቀቑ” ኢሉ ኣጠንቀቖም። (ማቴዎስ 16:⁠6) እቲ ግብርታቶምን ኣረኣእያታቶምን ንጥቕምና ተባሂሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተቐሊዑ ኢዩ።

13. ካብ ኣብነት ናይ ፈሪሳውያን እንታይ ኢና እንማሃር?

13 እቲ ኣብነት ናይ ፈሪሳውያን: ብዛዕባ ተግባር ምስትውዓል ዘለዎ ኣረኣእያ ክህልወና ኣድላዪ ምዃኑ ኢዩ ዝምህረና። “እምነት ብዘይ ግብሪ ምውትቲ” ስለ ዝዀነት: ብርግጽ: ተግባር ኣድላዪ ኢዩ። (ያእቆብ 2:26) ይኹን እምበር: ዘይፍጹማት ሰባት ንኻልኦት ብእንታይነቶም ዘይኰነስ በቲ ግብሮም ናይ ምፍራድ ዝንባሌ ኣለዎም። አረ ሓድሓደ ግዜ ንገዛእ ርእስናውን ብኸምዚ ዘበለ መገዲ ንፈርዳ ንኸውን። ናይ መንፈሳውነትና መዐቀኒ ንሱ ጥራይ ከም ዝዀነ ብምሕሳብ: ብግብርና ንጭነቕ ንኸውን። ኣገዳስነት ናይቲ ንድራኼታትና ምምርማር ክንርስዖ ንኽእል ኢና። (ምስ 2 ቈረንቶስ 5:12 ኣነጻጽሮ።) ነቲ ፊደላት ናይቲ ሕጊ ብምእዛዝ ነቲ መንፈሱ ግና ብምጥሓስ ‘ቃርማ እነጽሪ: ገመል ከኣ እንውሕጥ’ ሰባት ብምዃን ብሕጊ እተዓብለልና ነቓጻት ክንከውን ንኽእል ኢና።​—⁠ማቴዎስ 23:⁠24

14. ፈሪሳውያን ልክዕ ከም ረሳሕ ዋንጫ ወይ ጻሕሊ ዝነበሩ ብኸመይ ኢዮም?

14 ፈሪሳውያን ዘይተረድእዎ ነገር: ሓደ ሰብ ንየሆዋ ብሓቂ እንተደኣ ኣፍቂርዎ: ተግባር ናይ ኣምላኻዊ ተወፋይነት ባዕሉ ዝመጽእ ምዃኑ ኢዩ። መንፈሳውነት ካብ ውሽጢ ንደገ ዝመጽእ ኢዩ። የሱስ “ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን: ዝባን ዋንጫ መሬትን ጻሕልን ትሓጽቡ: ውሽጡ ግና ከትርን ስስዔን ምሉእ እዩ እሞ: ወይለኹም[!]. . . ነቲ ዋንጫ መሬትን ጻሕልን ዝባኑ ድማ ጽሩይ ምእንቲ ኪኸውንሲ: ቅድም ነቲ ውሽጡ ኣጽርዮ” ብምባል ነቲ ኣብዚ ነገር እዚ ዝነበሮም ጉጉይ ኣተሓሳስባ ኰኒንዎ ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 23:​25, 26

15. የሱስ ካብቲ ደጋዊ ትርኢት ንላዕሊ ይርኢ ከም ዝነበረ ዝገልጽ ኣብነት ሃብ።

15 እቲ ደጋዊ ትርኢት ናይ ዋንጫ: ጻሕሊ: ወይውን ህንጻ ኵሉ ነገር ኣይገልጽን ኢዩ። ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ብጽባቐ ናይታ ብምኽንያት እቲ ኣብ ውሽጣ ዝግበር ዝነበረ: የሱስ “በዓቲ ጐሓሉት” ኢሉ ዝጸውዓ ቤት መቕደስ የሩሳሌም ተደኒቖም ነይሮም ኢዮም። (ማርቆስ 11:17፣ 13:⁠1) ከምቲ ጸብጻብ ናይ ህዝበ ክርስትያን ዘርእዮ: ናይ ሚልዮናት ክርስትያናት ኢና በሃልቲ ኩነታት ምስዚ ናይዛ ቤት መቕደስ እዚኣ ኵነታት ዝሰማማዕ ኢዩ። የሱስ ነቶም ብስሙ “ብዙሕ ሓይሊ” ዝገብሩ ሰባት ከም “ገበርቲ ዓመጻ” ክፈርዶም ምዃኑ ተዛሪቡ ነይሩ ኢዩ። (ማቴዎስ 7:​22, 23) ብኣንጻር ናይዚ ኸኣ: ብዛዕባ እታ ዳርጋ ዘይረብሕ ገንዘብ ንቤት መቕደስ ዘበርከተት መበለት ከምዚ በለ:- “እዛ ድኻ መበለት እዚኣ ኻብዞም ኣብዚ ሳጹን ምጽዋት ዘውደቑ ዅሎም ዚበዝሕ ከም ዘውደቐት . . . ኵሎም ካብ ተረፎም እዮም ዘውደቑ እሞ: እዚኣ ግና ካብ ድኽነታ ዘለዋ ዘበለ ዅሉ ምግባ እያ ዝሀበት።” (ማርቆስ 12:​41-44) እዝስ ተገራጫዊ ፍርዲ ድዩ? ፈጺሙ ኣይኰነን። ኣብ ክልቲኡ ኣጋጣሚታት: የሱስ ኣረኣእያ ናይ የሆዋ ኢዩ ዘንጸባረቐ። (ዮሃንስ 8:16) ነቲ ብድሕሪ እቲ ተግባር ዝነበረ ድራኼታት ብምርኣይ ኢዩ ፈሪዱ።

‘ነፍሲ ወከፍ ከከም ዓቕሙ’

16. ንጥፈታትና ኵሉ ግዜ ምስ ናይ ካልእ ክርስትያን ሓው ወይ ሓብቲ ከነወዳድሮ ዘየድልየና ስለምንታይ ኢዩ?

16 ድራኼታትና ቅኑዕ እንተደኣ ኰይኑ: ከነዋዳድር ኣየድልየናን ኢዩ። ንኣብነት: ምስቲ ካልእ ክርስትያን ሓው ኣብ ኣገልግሎት ዘሕለፎ ግዜ ብምውድ​ዳር ልክዕ ከምቲ ናቱ ክንገብር ወይ ድማ ነቲ ኣብ ስብከት ዝፈጸሞ ዓወታት ክንዳረጎ ንጽዕር እንተ ዀይንና እነፍርዮ ነገር የለን። የሱስ ንየሆዋ​—⁠ብናይ ካልእ ሰብ ዘይኰነስ​—⁠ብምሉእ ልብኻን ሓሳብካን ነፍስኻን ሓይልኻን ኣፍቅሮ ኢዩ ዝበለ። ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ክእለት: ሓቦ: ከምኡውን ኩነታት ይፈላለ ኢዩ። ኵነታትካ እንተደኣ ኣፍቂዱልካ: ፍቕሪ ኣብቲ ኣገልግሎት​—⁠ምናልባት ከም ናይ ምሉእ ግዜ ፓይ​ነር⁠—⁠ብዙሕ ግዜ ከተሕልፍ ክትድርኸካ ኢያ። ይኹን እምበር: ምስ ሓደ ሕማም ትቃለስ እንተደኣ ኣሊኻ: እቲ ኣብ ኣገልግሎት እተሕልፎ ግዜ ካብቲ እትደ⁠ልዮ ንታሕቲ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ተስፋ ኣይት⁠ቝረጽ። ንኣምላኽ ዘሎካ ተኣማንነት ብሰዓታት ዝዕ⁠ቀን ኣይኰነን። ንጹህ ድራኼ ብምህላው: ንኽትሕጐስ ምኽንያት ክህልወካ ኢዩ። ጳውሎስ “ነፍሲ ወከፍ ነታ ተግባር ርእሱ ይመርምር: ሽዑ ብናይ ካልእ ዘይኰነስ: በታ ናይ ርእሱ ጥራይ ትምክሕቲ ኺረክብ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ።​—⁠ገላትያ 6:⁠4

17. ብቓላትካ ገይርካ: እቲ ምሳልያዊ ዛንታ ናይተን መክሊት ንገር።

17 ከምቲ ኣብ ማቴዎስ 25:​14-30 ተመዝጊቡ ዘሎ: ነቲ ናይ የሱስ ምሳልያዊ ዛንታ ናይተን መክሊት እስከ ርአ። ሓደ ክገይሽ ዝደለየ ሰብኣይ ንባሮቱ ጸዊዑ ገንዘቡ ሃቦም። “ንነፍሲ ወከፎም ከከም ዓቕሞም: ንሓደ ሓሙሽተ መክሊት: ንኻልኣይ ክልተ: ነቲ ሳልሳይ ድማ ሓደ ሂብዎም ገሸ።” እቲ ጐይታ ምስ ባሮቱ ክጸባጸብ ምስ ተመልሰ: እንታይ ኢዩ ዝረኸበ? እቲ ሓሙሽተ መክሊት ተዋሂቡ ዝነበረ ባርያ ካልእ ሓሙሽተ ረብሐ። ብተመሳሳሊ: እቲ ክልተ መክሊት ተዋሂቡ ዝነበረ ባርያ ካልእ ክልተ ረብሐ። እቲ ሓንቲ መክሊት ተዋሂቡ ዝነበረ ባርያ ንዓኣ ቀቢሩ ገንዘብ ጐይታኡ ንምውሳኽ ሓንቲ ነገር ኣይገበረን። ብዛዕባ እዚ ኵነታት እዚ ኣረኣእያ ናይቲ ጐይታ እንታይ ነበረ?

18, 19. (ሀ) እቲ ጐይታ ነቲ ክልተ መክሊት እተዋህበ ባርያ ምስቲ ሓሙሽተ መክሊት እተዋህበ ባርያ ዘየወዳደሮ ስለምንታይ ኢዩ? (ለ) እቲ ምሳልያዊ ዛንታ ናይተን መክሊት ብዛዕባ ምንኣድን ምውድዳርን እንታይ ይምህረና? (ሐ) እቲ ሳልሳይ ባርያ ናይ ጥፍኣት ፍርዲ ዝወረዶ ስለምንታይ ኢዩ?

18 መጀመርታ: ነቶም ሓሙሽተን ክልተን መክሊት እተዋህቡ ባሮት በብሓደ ንርኣዮም። እቲ ጐይታ ንነፍሲ ወከፍ ባርያ “ኣታ ሕያዋይ: እሙን ባርያ” በሎ። እቲ ሓሙሽተ መክሊት እተዋህበ ባርያ ክልተ ጥራይ ወሲኹ ነይሩ እንተዝኸውን ከምዚ ምበሎዶ ነይሩ? ዘይመስል ኢዩ! በቲ ኻልእ ወገን ከኣ: ነቲ ክልተ መክሊት ዝወሰኸ ባርያ ‘ስለምንታይ ሓሙሽተ ዘይወሰኽካ? እቲ ብጻይካ ባርያ ክንደይ ከም ዝወሰኸለይ ርአ!’ ኣይበሎን። እቲ ንየሱስ ተመሲሉ ዘሎ ሕያዋይ ጐይታ ኣየወዳደረን። “ንነፍሲ ወከፎም ከከም ዓቕሞም” ኢዩ ነቲ መክሊት ዝሃቦም: ከምኡውን ካብቲ ነፍሲ ወከፍ ክህቦ ዝኽእል: ንላዕሊ ኣይተጸበየን። ክልቲኦም ባሮት ንጐይታኦም ብምሉእ ልቦም ስለ ዝዓየዩ: ማዕረ ናእዳ ኢዮም ረኺቦም። ኵልና ካብዚ ክንማሃር ንኽእል ኢና።

19 ሓቂ ኢዩ: እቲ ሳልሳይ ባርያ ኣይተናእደን። ብርግጽ: ናብ ናይ ወጻኢ ጸልማት ኢዩ ተደርብዩ። ሓንቲ መክሊት ጥራይ ስለ እተዋህበ: ክንድቲ ሓሙሽተ መክሊት እተዋህበ ባርያ ክውስኽ ትጽቢት ኣይተገብረሉን። ይኹን እምበር: ኣይፈተነን እውን! እቲ ዝወረዶ ፍርዲ ብሓቂ ብምኽንያት እቲ ንጐይታኡ ፍቕሪ ዘይነበሮ “ክፉእ ሃካይ” ዝንባለ ናይ ልቡ ኢዩ ነይሩ።

20. የሆዋ ንድሩትነትና ብኸመይ ኢዩ ዝርእዮ?

20 የሆዋ ነፍሲ ወከፍና ብምሉእ ሓይልና ከነፍቅሮ ኢዩ ዝጽበየና: ምስናይ እዚ ግን “ፍጥረትና ይፈልጥ እዩ እሞ: ሓመድ ምዃንና ይዝክር እዩ።” እዝስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ልቢ ዘምውቕ ኢዩ! (መዝሙር 103:14) ምሳሌ 21:2 ‘[የሆዋ ትሓዓ ]’ ኣሃዛዊ ቍጽሪ ዘይኰነስ ‘ልቢ እዩ ዚመዝን’ ይብል። ንሱ ናይ ገንዘብ: ኣካላዊ: ስምዒታዊ: ወይ ካልእ ክንቈጻጸሮም ዘይንኽእል ደረታት ይርዳእ ኢዩ። (ኢሳይያስ 63:⁠9) ምስናይዚ ድማ: ዘሎና ኵሉ “ሃብትና” ብዝከኣለና ክንጥቀመሉ ይጽበየና ኢዩ። የሆዋ ፍጹም ኢዩ: ይኹን እምበር ምስቶም ዘይፍጹማት ኣምለኽቱ ክመላለስ ከሎ ፍጽምና ኣይጽበን ኢዩ። ኣብቲ ምምልላሱ ዘየስተውዕል ወይ ድማ ዘይከውን ትጽቢት ዝገብር ኣይኰነን።

21. እቲ ንኣምላኽ እነቕርቦ ኣገልግሎት ብፍቕሪ እንተደኣ ተደሪኹ: እንታይ ጽቡቕ ፍረ ኢዩ ዝርከብ?

21 ንየሆዋ ብምሉእ ልብናን ነፍስናን ሓሳብናን ሓይልናን ምፍቃር: “ካብ ኵሉ ዚሐርር መስዋእትን ካብ መስዋእቲ ሕሩድን ዚዓቢ እዩ።” (ማርቆስ 12:33) ብፍቕሪ እንተደኣ ተደሪኽና: ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ክንገብሮ እንኽእል ዘበለ ኹሉ ክንገብር ኢና። ጴጥሮስ ኣምላኻዊ ባህርያት: ፍቕሪውን ወሲኽካ: “እንተ አሎኩም: እናማዕበለውን እንተ ኸደ: ንምፍላጥ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ሃካያትን ዘየፍርዩን ክትኰኑ ኣይሓድገኩምን እዩ” ኢሉ ጸሓፈ።​—⁠2 ጴጥሮስ 1:⁠8

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመ።

ብድግማ መልክዕ

◻ ብድሕሪ እቲ ንኣምላኽ እነቕርቦ ኣገልግሎት ክህሉ ዘለዎ ኣንቀሳቓሲ ሓይሊ እንታይ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ?

◻ ፍቕሪ ክርስቶስ ንየሆዋ ንኸነገልግል ዝድርኸና ብኸመይ ኢዩ?

◻ ከመይ ዝበለ ናይ ፈሪሳውያን መፈንጠራ ኢና ከነርሕቕ ዘሎና?

◻ ኣገልግሎትና ምስ ናይ ካልእ ክርስትያን ሓው ከነወዳድሮ ጥበባዊ ዘይከውን ስለምንታይ ኢዩ?

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

ናይ ውልቀ ሰባት ክእለት: ሓቦ: ከምኡውን ኩነታት ይፈላለ ኢዩ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ