ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w95 1/7 ገጽ 31
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሎሚ ንህዝቢ ኣምላኽ ዚመርሖም ዘሎ መን እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017
  • ሎሚ፡ ኣመሓዳሪ ኣካል ብኸመይ ይዓዪ፧
    ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧
  • “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ዘለዎ ግደ
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • “ብሓደ ወሲንና ኣለና”
    ‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ መስክር’
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
w95 1/7 ገጽ 31

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣምላኽ ነቶም ናይ መጀመርታ ኣማሓዳሪ ኣካል ዝዀኑ ሓደ ዓይነት ዓሌታውን ሃገራውን መበቈል ዘለዎም ሰባት​—⁠ኵሎም ኣይሁዳውያን​—⁠ብምምራጹ ኣድልዎ ከም ዝገበረ ድዩ ዘርኢ?

ኣይፋሉን: ብርግጽ ከምኡ ኣይነበረን። ኵሎም እቶም መጀመርያ የሱስ ከም ደቀ መዛሙርቱ ገይሩ ዝጸውዖም ኣይሁዳውያን ኢዮም ነይሮም። ብድሕሪኡ: ኣብ ጴንጠቈስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ኣይሁዳውያንን ኣይሁዳውያን ዝዀኑ ጵሮሴሊትን ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ንኽነግሱ ብቑዓት ብምዃን ብመንፈስ ቅዱስ እተቐብኡ ቀዳሞት ሰባት ነበሩ። ብድሕሪኡ ኢዮም ሳምራውያንን እተለወጡ ዘይተገዝሩ ኣህዛብን እተወሰኹ። ስለዚ: እቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበረ ኣማሓዳሪ ኣካል ከምቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 15:​2 ተጠቒሱ ዘሎ: በቶም ሽዑ ኣብ “የሩሳሌም” ዝነበሩ “ሃዋርያትን ሽማግሌታትን” ዝቘመ ምዃኑ ርዱእ ኢዩ። እዚኣቶም ዝሰፍሐ መሰረት ናይ ቅዱስ ጽሑፋዊ ፍልጠትን ኣብ ሓቀኛ ኣምልኾ ናይ ነዊሕ ዓመታት ተመኵሮን ዘለዎም: ከምኡውን ብሱላት ክርስትያን ሽማግለታት ንኽዀኑ ነዊሕ ግዜ ዝወሰዱ ሰብኡት ኢዮም ነይሮም።​—⁠ምስ ሮሜ 3:​1, 2 ኣነጻጽሮ።

እቲ ኣማሓዳሪ ኣካል ነቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ምዕራፍ 15 ተገሊጹ ዘሎ ኣኼባ ኣብ ዝገበረሉ ግዜ: ብዙሓት ኣህዛብ ክርስትያናት ኰይኖም ነይሮም ኢዮም። እዚኣቶም ኣፍሪቃውያን: ኣውሮጳውያን: ከምኡውን ካብ ካልእ ቦታታት ዝመጹ ሰባት ዘጠቓልሉ ኢዮም። እንተዀነ ግና: ክርስትና ኣብቶም ኣይሁዳውያን ዘይኰኑ ቅቡል ምእንቲ ክኸውን ተባሂሉ ዋላ ሓደ ካብዚኣቶም ኣብቲ ኣማሓዳሪ ኣካል ከም እተወሰኸ ዝገልጽ ጽሑፍ የለን። እዞም ሓደስቲ እተለወጡ ክርስትያን ኣህዛብ ማዕረ ኣባላት ናይቲ “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” ክነሶም ነቲ ብስለትን ዘለዓለ ተመኵሮን ናይቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ኣባላት ናይቲ ኣማሓዳሪ ኣካል ዝነበሩ: ከም ሃዋርያት ዝኣመሰሉ: ክርስትያን ኣይሁድ ከማስውሉ ኢዩ ዝነበሮም። (ገላትያ 6:16) እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ተመኵሮ ክሳዕ ክንደይ ዝለዓለ ግምት ይዋሃቦ ከም ዝነበረ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 1:​21, 22 ተመልከት።​—⁠እብራውያን 2:3፣ 2 ጴጥሮስ 1:18፣ 1 ዮሃንስ 1:​1-3

ኣምላኽ: ምስቲ የሱስ ሃዋርያቱ ዝመረጸሉ ህዝቢ እስራኤል: ንብዙሕ ዘበናት ብፍሉይ መገዲ ተመላሊሱ ኢዩ። ካብዚ ሕጂ ደቡብ ኣመሪካ ወይ ኣፍሪቃ ወይ ድማ ርሑቕ ምብራቕ ዝበሃል ዘሎ ሃዋርያት ዘይምምጻኦም ጌጋ ወይ ዘይፍትሓውነት ኣይነበረን። ሓደ ግዜ ካብዚ ቦታታት እዚ ዝመጹ ሰብኡትን ኣንስትን ኣብ ምድሪ ሃዋርያ ካብ ምዃን: ኣባል ናይቲ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ ዘበን ዝነበረ ኣማሓዳሪ ኣካል ካብ ምዃን: ወይ ድማ ሎሚ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽ ዝዀነ ካልእ ሓላፍነት ካብ ምህላው ዝዓቢ ሓለፋታት ክረኽቡ ይኽእሉ ነይሮም ኢዮም።​—⁠ገላትያ 3:​27-29

ሓደ ሃዋርያ ‘ኣብ ኵሉ ህዝቢ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ: ኣብኡ ቕቡል እዩ እምበር ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ የልቦን’ ኢሉ ንኽገልጽ ተደሪኹ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:​34, 35) እወ: እቲ ብናይ ክርስቶስ በጅነት ዝርከብ ጥቕምታት ብዘይ ኣድልዎ ንዅሉ ክፉት ኢዩ። ከምኡውን ካብ ነፍሲ ወከፍ ነገድን ቋንቋን ህዝብን ዝዀኑ ውልቀሰባት ኣብታ ሰማያዊት መንግስትን ኣብቲ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ክነብር ዘለዎ ዓቢ ጭፍራን ክህልዉ ኢዮም።

ብዙሓት ሰባት ብዓሌት: ቋንቋ: ወይ ድማ ሃገራዊ መበቈል ዝመጸ ተነቀፍቲ ኢዮም። እዚ በቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 6:​1 እንረኽቦ ኣብ መንጎ እቶም ቋንቋ ግሪኽ ዝዛረቡ ክርስትያናትን እብራይስጢ ዝዛረቡን ምጕርምራም ዘልዓለ ጉዳይ ብኣብነት ተገሊጹ ኢዩ። ብዛዕባ ቋንቋ: ዓሌት: ቀቢላዊ መበቈል: ወይ ድማ ብዛዕባ ጾታ ተነቃፊ ዝዀነ ኣረኣእያ ሒዝና ዓቢና ወይ ድማ በዚ ሎሚ ዘሎ ተነቃፊ ኣረኣእያታት ሕጂ ተጸሊና ክንከውን ንኽእል ኢና። ብመንጽር ናይዚ ከጋጥም ዝኽእል ሓቂ: ንስምዒታትናን ኣቀራርባናን በቲ ኵላቶም ሰባት: ደጋዊ ትርኢቶም ብዘየገድስ: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ማዕረ ምዃኖም ዝገልጽ ናይ ኣምላኽ ኣረኣእያ ገይርና ክንቀርጾ ብቈራጽነት እንተ ጸዓርና ጽቡቕ ንገብር። ኣምላኽ ነቲ ንሽማግለታትን ድያቆናትን ዝምልከት ብቕዓታት ክሰርዖ ከሎ: ብዛዕባ ዓሌት ወይ ሃገራዊ መበቈል ኣይጠቐሰን። ኣብ ክንዳኡስ: ኣብቲ መንፈሳዊ ብቕዓታት ናይቶም ከገልግሉ ድሉዋት ዝዀኑ ኢዩ ዘተኰረ። ልክዕ ከምቲ እቲ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ ዘበን ዝነበረ ኣማሓዳሪ ኣካል ዝነበሮ: ብዛዕባ እዞም ሎሚ ዘለዉ ናይ ከባቢ ሽማግለታትን ገየሽቲ ተዓዘብትን ከምኡውን ናይ ጨንፈር ፐርሰነልን እውን ከምኡ ኢዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ