ኣብ ሓደገኛ ዝዀነ ከባቢ ብመይ ክትነብር ትኽእል፧
ኵሉ ግዜ ምስ ሰጋእኩ ኢየ። ኣብ መልዓሊት እፈርህ። ኣብ መኪናይ እፈርህ። ኣብ መንበርየይ እፈርህ። ኣብ ኵሉ ቦታ ዓመጽ ኣሎ። ሰባት ኵሉ ግዜ ኢዮም ዝዝረፉ” ትብል ማርያ። ከምዚ ናይዛ ጓል ብራዚል ሰበይቲ ኣብ ከባቢኻ ብፍላይ ኣብ ጸልማት ለይቲ ፍርሂ ይስማዓካዶ፧
ናይ ገበን መርመራ ዛንታታት ከተንብብ ባህ የብል ይኸውን ኢዩ: ኣብ ናይ ሓቂ ህይወት ዘጋጥም ግን መብዛሕትኡ ግዜ መወዳእታኡ ዘሐጕስ ኣይኰነን። ሓደ እተፈጸመ ገበን ከይተፈትሐ ይተርፍ ይኸውን። ወይ ኣብ ናይ ቅትለት ሰብ ጉዳያት ክኸውን ከሎ ድማ: ገሊኦም ብዘይ ሰብኣይ: ኣቦ: ወይ ወዲ: ብዘይ ሰበይቲ: ኣደ: ወይ ጓል ይተርፉ። ኣብ ከባቢኻ ሕሱም ገበን እናወሰኸ ድዩ ዝኸይድ ዘሎ፧ ስድራቤትካ ዕቝባ ክረኽብሉ ዝኽእሉ ህዱእ ቦታ ክትረክብ ትብህግዶ፧ ወይ ድማ ደቅኻ ዓመጽ ኣብ ዝበዝሖ ቦታ ከተዕብዮም እንተድኣ ተገዲድካ: ንኽትነብር እንታይ ኢኻ ክትገብር እትኽእል፧
ሓቂ ኢዩ: ገና ውሑድ ገበን ዝፍጸመለን ከተማታት ኣለዋ። ኣብ ብዙሓት ሃገራት: ሰባት ገና ኣብ ህዱእ ገጠር ወይ ኣብ ምቹእ ኣቝሻት ይነብሩ ኣለዉ። እንተዀነ ግን: ኣብተን ኣቐድም ኣቢለን ገበን ዘይብለን ዝበሃላ ዝነበራ ቦታታት እውን ከይተረፈ እቲ ኵነታት ቀልጢፉ ኢዩ ዝልወጥ ዘሎ። ንኣብነት: ቅድሚ 50 ዓመታት ኣብ ብራዚል 70 ካብ ሚእቲ ናይቲ ህዝቢ ኣብ ገጠራት ኢዩ ዝነብር ነይሩ። ሕጂ 70 ካብ ሚእቲ ኣብ ከተማታት ይነብር ኣሎ። ምስቲ ስራሕ ናይ ምርካብ ኣጋጣሚታት ተተሓሒዙ ኣብ ከተማታት ከም ገበንን ዓመጽን ዝኣመሰለ ጸገማት ይውስኽ ኣሎ። ኣብ ሓደገኛ ቦታ ንበር ኣይትንብር ብዘየገድስ: ስራሕ ወይ ቤት ትምህርቲ ብምኻድ ካብ ገዛ ርሒቕካ ብዙሕ ነገራት ክትሰርሕ ናይ ግድን ኢዩ።
ሓደ ኣብ ሪዮ ዲ ጃነርዮ ዘሎ ሓለቓ ፖሊስ ብዛዕባ እቲ ዘሎ “ምልክት ራዕዲ” ኣፍልጦ ብምሃብ ማሕበራዊ ዘይፍትሓውነትን ጥርኑፍ ገበንን ኣስተዋጽኦ ዝገብሩ ረቛሒታት ምዃኖም ኣመልከተ። ከምኡውን ጋዜጣታትን ተሌቪዥንን “ንህዝቢ ብዘሰንብድ ዜና ገይረን መንፈሱ ብምትንካፍ” ነዚ ገኒኑ ዘሎ ፍርሂ ኣስተዋጽኦ ከም ዝገብራ ኣረጋገጸ። ወልፊ ሓሺሽ: ምብትታን ስድራቤታት: ከምኡውን ፍረ ዘይብሉ ሃይማኖታዊ ትምህርቲ እውን ነዚ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዓመጽ ኣስተዋጽኦ ይገብር ኢዩ። እሞ መጻኢ ግዜ ደኣ እንታይ ኢዩ ከምጽእ፧ ነዚ ኣቕሊልካ ብምርኣይ ኣብ መጽሓፍትን ፊልምታትን ከም መዘናግዒ ኰይኑ ዝቐርብ ዘሎ ስሩዕ ናይ ገበን ትርኢታት: ንሰባት ብዛዕባ ካልኦት ከም ዘይግደሱ ክገብሮም ድዩ፧ እቲ ገበን ዘይብሉ ዝበሃል ቦታታት እውን ከይተረፈ ሓደገኛ ክኸውን ድዩ፧
ዓመጽ ነቲ ግዳይ ዝዀነ ሰብ ዘየሐጕስ ብምዃኑ: ዕቝባ ክንረክብ ብርቱዕ ድሌት ኢዩ ዘሎና። ግዱሳት ዜጋታት ኣብ ጎደናታት ዝያዳ ፖሊስ ክህልዉ ከምኡውን ጽኑዕ ናይ ማእሰርቲ ፍርድታት ወይ ድማ ናይ ሞት ፍርዲ እውን ከይተረፈ ክህሉ እንተሐተቱ ዘገርም ኣይኰነን! ሓደጋ ዘስዕብ እኳ እንተዀነ: ገለ ንነፍሶም መከላኸሊ ጠበንጃ ይሕዙ። ካልኦት ኸኣ ንሰበ ስልጣናት ምሻጥ መሳርያ ክኽልክልዎ ይደልይዎም። እንተዀነ ግና: ዓመጽ ምህላዉ ዝገልጽ ሕማቕ ወረታት እኳ እንተሎ: ተስፋ ክንቘርጽ ኣየድልን ኢዩ። አረ: ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ከም በዓል ጆሃንስበርግ: ሜክሲኮ ሲቲ: ኒው ዮርክ: ሪዮ ዲ ጃነርዮ: ከምኡውን ሳው ፓውሎ ዘለዉ ብዙሓት ተቐማጦ ተዘሪፎም ኣይፈልጡን ኢዮም። ሰባት ንሓደገኛ ከባቢ ከመይ ኢሎም ብዓወት ከም ዝዋጽእሉ እሰከ ንርአ።
ኣወንታዊ ኣረኣእያ ምሓዝ
ዓመጽ ንዝበዝሖ ቦታ ኣመልኪቱ ሓደ ጸሓፊ ብዛዕባ እቲ “ኣሽሓት ብራዚላውያን ኣብ ሕማቕ ዝዀነ ኵነታት እናነበሩ ክብሪ ንክረኽቡን ምቕሉላት ንክዀኑን ዘርኣይዎ ውሕልነትን ጽንዓትን” ሓሳብ ሃበ። ጆርጅ ኣብ ሪዮ ዲ ጃነርዮ ን38 ዓመታት ምስ ተቐመጠ: ከምዚ በለ:- “ገለ ጐደናታትን ቦታታትን እገድፎም: ወጠምጠም ከኣ ኣይብልን ኢየ። ኣብ ጐደናታት ምሸት ምኻድ እገድፎ ከምኡውን መጠኑ ዝሓለፈ ፍርሂ ኣየርእን ኢየ። እጥንቀቕ እኳ እንተዀንኩ: ንሰባት ብኣኽብሮትን ግምትን ብምርኣይ ቅኑዓት ከም ዝዀኑ ገይረ ኢየ ዝርእዮም።”
እወ: ዘየድሊ ጸገም ኣወግድ። ኣብ ዘይመንጠቢትካ ኣይተእትዋ ኢድካ። ዓብላሊ ፍርሒ ንመትንታት ክትንክፎም ከም ዝኽእል: አረ ነቶም ጽቡቕ ጠባይ ዘለዎም ሰባትውን ከይተረፈ ዘይቅኑዕ ተግባራት ከም ዝገብሩ ይገብሮም ምዃኑ ፈጺምካ ኣይተናእሶ። ኦዳር ብዛዕባ እቲ ኣብ ሓደገኛ ቦታ ዘሎ ስርሑ ኣመልኪቱ “ዘየድሊ ውጥረትን ራዕድን ከምጽእ ስለ ዝኽእል ነእምሮይ በቶም ከጋጥሙ ዝኽእሉ ናይ ሕማቕ ነገራት ፍርሂ ከይመላእኩ ኣወንታዊ ክኸውን ኢየ ዝፍትን። ንዅሉ ሰብ ኣኽብሮት ከርኢ ኢየ ዝፍትን” ኢሉ ይገልጽ። ብዘይካ ንቑሕ ምዃንን ካብቶም ዝጥርጠሩ ሰባት ድማ ምርሓቕን: ካልእ ንስሚዒትካ ክትቘጻጸረሉ እትኽእል ሓገዝ: ብምጥቃስ “ልዕሊ ዅሉ: ካብ የሆዋ ዝኽወል ነገር ከም ዘየለን ኵሉ ዘጋጥም ድማ ብፍቓዱ ምዃኑን ብምዝካር ኣብ የሆዋ ዘሎኒ ተኣማንነት ኢየ ዝዅስኵስ” ኢሉ ይውስኽ።
ይኹን እምበር: ኣብ ቀጻሊ ፍርሂ ክነብር ዝፈቱ የለን። ብተወሳኺ ድማ: ካብ መጠን ዝሓለፈ ፍርህን ጸቕጥን ንስሚዒታውን ኣካላውን ጥዕና ጐዳኢ ምዃኑ ዝኽሕዶ መን ኢዩ፧ ስለዚ: ነቶም ኣብ ዝዀነ ግዜ ሓደጋ ከይረኽቦም ዝፈርሁ እንታይ ተስፋ ኢዩ ዘሎ፧ ብዙሓት ገና ዝኸፍአ ገበን ኣብ ቅድሜና ኣሎ ኢሎም ስለ ዝፈርሁስ ናይ ዓመጽ መወዳእታ ንርእዮዶ ኾን ንኸውን፧ ነዛ ቀጺላ ዘላ “መዓስ ኢዩ ፍርሂ ዘልግስ፧” እትብል ዓንቀጽ ከተንብባ ንዕድመካ ኣሎና።