ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w95 15/8 ገጽ 17-22
  • “ኣርዑተይ ፈኵሽ: ጾረይውን ቀሊል እዩ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ኣርዑተይ ፈኵሽ: ጾረይውን ቀሊል እዩ”
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ፈኵሽ ኣርዑት
  • ቀሊል ጾር
  • “ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ”
  • የሱስ ዕረፍቲ የምጽእ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2018
  • ካብ ውጥረት ዕረፍቲ እትረኽበሉ ግብራዊ መገዲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • “ናባይ ንዑ፡ ኣነ ድማ ከዕርፈኩም እየ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
  • “ኣርዑተይ ጹሩ”
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
w95 15/8 ገጽ 17-22

“ኣርዑተይ ፈኵሽ: ጾረይውን ቀሊል እዩ”

“ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩ።”​—⁠ማቴዎስ 11:⁠29

1, 2. (ሀ) ኣብ ህይወት ዕረፍቲ ዘምጽኣልካ እንታይ ተመኵሮ ኣሕሊፍካ፧ (ለ) ሓደ ሰብ ነቲ የሱስ እተመባጽዖ ዕረፍቲ ምእንቲ ክረክብ ግድን ክገብሮ ዘለዎ እንታይ ኢዩ፧

ሙቐትን ዳህርን ዝመልኦ መዓልቲ ምስ ወዓልካ ዝርከብ ናይ ዝሑል ማይ ካፋ ወይ ድማ ነዊሕን ኣድካምን ጕዕዞ ምስ ከድካ እትድቅሶ ጽቡቕ ናይ ለይቲ ድቃስ​—⁠ኣየ ከመይ ዝበለ ዕረፍቲ ኰን ኢዩ! ከቢድ ጾር ምስ ኣልገሰ ወይ ንሓጢኣትን ምጥሓስ ሕግን ይቕሬታ ክግበር ከሎ ኸኣ ልክዕ ከምኡ ኢዩ። (ምሳሌ 25:25፣ ግብሪ ሃዋርያት 3:19) እቲ ብኸምዚ ዝበለ ዘሕጕስ ተመኵሮታት ዝርከብ ዕረፍቲ: የሐድሰና ንቕድሚት ክንቅጽል ከኣ የሐይለና ኢዩ።

2 ኵሎም እቶም ጾር ዝኸበዶምን ዝደኸሙን ኰይኑ ዝስምዖም: ዕረፍቲ ስለ እተማባጻዓሎም ናብ የሱስ ክመጹ ይኽእሉ ኢዮም። ይኹን እምበር: ሓደ ሰብ ነዚ ኣዝዩ ተባሃጊ ዕረፍቲ እዚ ንኽረክብ ፍቓደኛ ኰይኑ ክገብሮ ዘለዎ ነገር ኣሎ። የሱስ “ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩ: ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም” በለ። (ማቴዎስ 11:​29) እዚ ኣርዑት እዚ እንታይ ኢዩ፧ ከመይ ኢሉ ኢዩኸ ዕረፍቲ ዘምጽእ፧

ፈኵሽ ኣርዑት

3. (ሀ) ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ከመይ ዝበሉ ኣርዑቱ ኢዮም ዝዝውተሩ ዝነበሩ፧ (ለ) እንታይ ምሳልያዊ ትርጕም ኢዩ ምስ ኣርዑት ዝተሓሓዝ፧

3 የሱስን ሰማዕቱን ኣብ ሓደ ብሕርሻ ዝነብር ማሕበረሰብ ስለ ዝነበሩ ምስ ኣርዑት ጽቡቕ ሌላ ነይርዎም ኢዩ። ብመሰረቱ: ኣርዑት መብዛሕትኡ ግዜ ንጽምዲ ኣብዑር ሓድሓደ ግዜ ድማ ንመጽዓኛ: ማሕረሻ: ዓረብያ: ወይ ካልእ ጽዕነት ንምጕታት ምእንቲ ክቝረኑ: ንኽሳዶም ብዝምችእ ኣገባብ ብሸነኽ ታሕቲ ኣብ ክልተ ቦታ እተሓርከመ ነዊሕ ናይ ዕንጨይቲ ገመል ኢዩ። (1 ሳሙኤል 6:⁠7) ኣርዑት ንሰባት እውን ይግበር ነይሩ ኢዩ። እዚ ኣብ መንኩብ ዝስከም ኣብ ክልተ ጫፉ ጾር ዘለዎ ቅልል ዝበለ ገመል ወይ ዓንዲ ኢዩ። ሸቃሎ በዚ ገይሮም ከቢድ ጾር ክስከሙ ይኽእሉ። (ኤርምያስ 27:2፣ 28:​10, 13) ኣርዑት ምስ ጾርን ሸቕልን ስለ ዝተሓሓዝ: መጽሓፍ ቅዱስ ብምሳ​ል⁠ያዊ መገዲ መግዛእትን ቍጽጽርን ንምምልካት ኢዩ ዝጥቀመሉ።​—⁠ዘዳግም 28:48፣ 1 ነገስት 12:4፣ ግብሪ ሃዋርያት 15:⁠10

4. እቲ የሱስ ነቶም ናብኡ ዝመጹ ዝህቦ ኣርዑት ብምንታይ ኢዩ ተመሲሉ ዘሎ፧

4 እምበኣር: እቲ የሱስ ነቶም ዕረፍቲ ምእንቲ ክረኽቡ ናብኡ ዝመጹ ሰባት ክስከምዎ ዝዓደሞም ኣርዑት እንታይ ኢዩ፧ “ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩ” ከም ዝበለ ዘክር። (ማቴዎስ 11:29) ሓደ ተማሃራይ ወደ መዝሙር ኢዩ። ስለዚ ብቐሊሉ: ኣርዑት የሱስ ምጻር ማለት ወደ መዝሙሩ ምዃን ማለት ኢዩ። (ፊልጲ 4:3) ይኹን እምበር: እዚ ንትምህርትታት የሱስ ካብ ምፍላጥ ንላዕሊ ዝሓትት ኢዩ። ምስ ትምህርትታቱ ዝሰማማዕ ተግባራት​—⁠ከምቲ ዝገበሮ ምግባርን ከምቲ ኣነባብራኡ ምንባርን​—⁠ኢዩ ዘድሊ። (1 ቈረንቶስ 11:1፣ 1 ጴጥሮስ 2:21) ንስልጣኑን ነቶም ስልጣን ዝሃቦምን ብፍቶት ምግዛእ ዝሓትት ኢዩ። (ኤፌሶን 5:21፣ እብራውያን 13:17) እዚ ውፉይ: እተጠምቀ ክርስትያን ምዃን: ነቲ ምስዚ ወፈያ እዚ ተተሓሒዙ ዝመጽእ ኵሉ መሰላትን ሓላፍነታትን ድማ ምቕባል ማለት ኢዩ። እቲ የሱስ ንዅሎም እቶም ምጽንናዕን ዕረፍትን ምእንቲ ክረኽቡ ናብኡ ዝመጹ ሰባት ዝህቦም ኣርዑት እዚ ኢዩ። ክትቅበሎ ፍቓደኛ ዲኻ፧​—⁠ዮሃንስ 8:​31, 32

5. ነቲ ናይ የሱስ ኣርዑት ምስካም መሪር ተመኵሮ ዘይከውን ስለምንታይ ኢዩ፧

5 ዕረፍቲ ምእንቲ ክትረክብስ ኣርዑት ምጻር​—⁠ዝጋጮዶ ኣይኰነን፧ የሱስ ኣርዑተይ “ፈኵሽ” ኢዩ ስለ ዝበለ: ብሓቂ ኣይጋጮን ኢዩ። እዛ ቓል እዚኣ ልኡም: ዘሐጕስ: ዝቃዶ ዝብል ትርጕም ኣለዋ። (ማቴዎስ 11:30፣ ሉቃስ 5:39፣ ሮሜ 2:4፣ 1 ጴጥሮስ 2:⁠3) የሱስ ከም ክኢላ ጸራባይ መጠን ማሕረሻን ኣርዑትን ሰሪሑ ክኸውን ኣለዎ: ከምኡውን ብዝከኣል መጠን ዝበዝሐ ስራሕ ብምቹእ ኣገባብ ምእንቲ ክግበር ኣርዑት ብልክዕ ገይርካ ብኸመይ ከም ዝቕረጽ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ነቲ ኣርዑት ጨርቂ ወይ ቅጻዕ ይገብረሉ ነይሩ ይኸውን። ነቲ ክሳድ ኣመና ምእንቲ ከይፍሕፍሖ ብዙሓት ከምዚ ይገብሩ ኢዮም። ብተመሳሳሊ: እቲ የሱስ ዝህበና ኣርዑት “ፈኵሽ” ኢዩ። ሽሕ’ኳ ወደ መዝሙሩ ምዃን ገለ ግዴታታትን ሓላፍነታትን ዘጠቓልል እንተዀነ: መሪር ወይ ጨቋኒ ተመኵሮ ዘይኰነስ ዕረፍቲ ዝህብ ኢዩ። እቲ ናይ ሰማያዊ ኣቦኡ: የሆዋ: ትእዛዛት እውን ከቢድ ኣይኰነን።​—⁠ዘዳግም 30:11፣ 1 ዮሃንስ 5:⁠3

6. የሱስ “ኣርዑተይ ጹሩ” ክብል ከሎ እንታይ ማለቱ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል፧

6 ንኣርዑት የሱስ “ፈኵሽ” ወይ ድማ ንኽትስከሞ ቀሊል ዝገብሮ ካልእ ነገር እውን ኣሎ። “ኣርዑተይ ጹሩ” ክብል ከሎ: ካብ ክልተ ነገራት ሓዲኡ ማለቱ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣብ ሓሳቡ እቲ ክልተ መጽዓኛ ነቲ ጾር ምእንቲ ክስሕቡ ብሓደ ዝቘርኖም ጽምዲ ኣርዑት እንተድኣ ነይሩ: ምስኡ ኣብ ትሕቲ ሓደ ዓይነት ኣርዑት ክንከውን ኢዩ ዝዕድመና ዘሎ። ጾርና ምሳና ኰይኑ እናሰሓበ የሱስ ብጎንና ክህሉስ ከመይ ዝበለ በረኸት ኰን ኢዩ! በቲ ኻልእ ወገን ከኣ: የሱስ ኣብ ሓሳቡ እቲ ተራ ሸቃሎ ዝጥቀምሉ መደሎ እንተድኣ ነይሩ: ዝዀነ ይኹን ጾር ብቐሊሉ ምስካሙ ወይ ምቁጽጻሩ ዘኽእለና መገዲ ይህበና ማለት ኢዩ። በዚ ይኹን በቲ: “ኣነ ለዋህ እየ: ልበይውን ትሑት” ብምባል ስለ ዘረጋግጸልና: ኣርዑቱ ምንጪ ናይ ሓቂ ዕረፍቲ ኢዩ።

7, 8. ገሊኦም እተጸቕጡ ኰይኑ ክስምዖም ከሎ እንታይ ጌጋ ኢዮም ዝገብሩ፧

7 እምበኣር: እቲ ተሰኪምናዮ ዘሎና ጾር ናይ ህይወት ግድላት: ዘይከኣልን ክሳዕ እንናወጽ ከም እተጸቐጥናን ኰይኑ እንተድኣ ተሰሚዑና እንታይ ኢና ክንገብር ዘሎና፧ ሽሕ’ኳ ከቢድዎም ዘሎ እቲ ሓልዮት ናይ መዓልታዊ ህይወት እንተዀነ: ገሊኦም ሰባት ብጌጋ ወደ መዝሙር የሱስ ክርስቶስ ምዃን ኣዝዩ ኣሸጋሪ ወይ ድማ ብዙሕ ዝሓትት ከም ዝዀነ ክስምዖም ይኽእል ኢዩ። ኣብ ከምዚ ኵነታት ዘለዉ ገለ ውልቀ-ሰባት ሒደት ዕረፍቲ ዝረኽቡ ኰይኑ ስለ ዝስምዖም ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምስታፍ የቋርጹ: ወይ ኣብቲ ኣገልግሎት ካብ ምክፋል ይቝጠቡ። ይኹን እምበር: እዚ ከቢድ ጌጋ ኢዩ።

8 እቲ የሱስ ዝህቦ ኣርዑት “ፈኵሽ” ብምዃኑ ነማሱ ኢና። ብዘይ ግቡእ እንተድኣ ተሰኪምናዮ ግን ዝሕርፍፍ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ከምኡ ምስ ዝኸውን ነቲ ኣብ መንኩብና ዘሎ ኣርዑት ተጠንቂቕና ክንምርምሮ ኣሎና። እቲ ኣርዑት ብገለ ወገን ምጽጋን ዘድልዮ ወይ ድማ ብግቡእ ዘይገጥም እንተድኣ ኰይኑ: ብእኡ ምጥቃም ብወገንና ብዙሕ ጻዕሪ ዝሓትት ጥራይ ዘይኰነስ: ከም ውጽኢት ናይዚ ገለ ስቓይ ከስዕበልና ኢዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ: ቲኦክራቲካዊ ንጥፈታት ጾር መሲሉ ክረኣየና እንተድኣ ጀሚሩ: በቲ ቅኑዕ ኣገባብ ሒዝናዮ እንተድኣ ኣሊና ከነረጋግጽ ኣሎና። ነቲ እንገብሮ ዘሎና ክንገብር ዝድርኸና እንታይ ኢዩ፧ ናብ ኣኼባታት ክንከይድ ከሎና እኹል ምድላውዶ ንገብር ኢና፧ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ክንካፈል ከሎና ብኣካልን ብኣእምሮን እተዳሎና ዲና፧ ምስቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ካልኦት ሰባት ጥብቅን ጥዑይን ዝምድና ነስተማቕር ዲና፧ ልዕሊ ዅሉ ድማ: ምስ የሆዋ ኣምላኽን ወዱ የሱስ ክርስቶስን ዘሎና ብሕታዊ ርክብ ከመይ ኢዩ፧

9. እቲ ናይ ክርስትያን ጾር ፈጺሙ ዘይጽወር ዘይከውን ስለምንታይ ኢዩ፧

9 ነቲ የሱስ ዝህበና ኣርዑት ብምሉእ ልብና ምስ እንቕበሎን ብግቡእ ንምስካሙ ድማ ምስ እንማሃርን: ዘይከኣል ኰይኑ ክርኣየና ዝኽእለሉ ምኽንያት ፈጺሙ የሎን። አረ ነቲ ኵነታት: የሱስ ምሳና ኣብ ትሕቲ ሓደ ኣርዑት ከም ዘሎ ገይርና ክንስእሎ እንተድኣ ክኢልና: እቲ ዝገዘፈ ጾር ብሓቂ መን ተሰኪምዎ ከም ዘሎ ንምርኣዩ ኣይክጽግመናን ኢዩ። ምስቲ ኣብ ጅረሎ ኰይኑ ንቕድሚት ዝደፍኣ ዘሎ ዝመስሎ ብሓቂ ግን ወላዲኡ ዝደፍኣሉ እግሪ ተኽሊ ክመሳሰል ይኽእል ኢዩ። ከም ፈቃር ኣቦ መጠን የሆዋ ኣምላኽ ናይ ዓቕምታትና ሕጽረትን ድኽመታትናን ጽቡቕ ገይሩ ይፈልጥን ንድልየታትና ኸኣ ብየሱስ ክርስቶስ ገይሩ ይምለሸሉን ኢዩ። ጳውሎስ “ኣምላኸይ ከኣ: ከምቲ መጠን ሃብቱ ብኽብሪ ብክርስቶስ የሱስ ገይሩ: ድሌትኩም ዘበለ ኺመልኣልኩም እዩ” በለ።​—⁠ፊልጲ 4:19፣ ምስ ኢሳይያስ 65:⁠24 ኣነጻጽሮ።

10. ተመኵሮ ናይታ ንወደ መዝሙር ምዃን ብዕቱብ ዝረኣየቶ እንታይ ኢዩ ነይሩ፧

10 ብዙሓት ህይወቶም ዝወፈዩ ክርስትያናት ካብ ብሕታዊ ተመኵሮኦም ተበጊሶም ነዚ ኣማስዮምሉ ኢዮም። ንኣብነት: ጀኒ: ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ሓጋዚት ፓይነር ኴንካ ምግልጋልን ኣብ ከቢድ ጸቕጢ ዘለዎ ዓለማዊ ስራሕ ምሉእ ግዜ ምዕያይን ኣብ ትሕቲ ከቢድ ጭንቀት ኣእተዋ። እንተዀነ ግን: ናይ ፓይነር ዕዮ ስምዒታዊ ሚዛና ንኽትሕሉ ዝሕግዛ ኰይኑ ተሰምዓ። ንሰባት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ክማሃሩ ምሕጋዝን ስምረት ኣምላኽ ምእንቲ ክረኽቡ ኢሎም ናብራኦም ክቕይሩ ከለዉ ምርኣይን: ኣብቲ ብስራሕ ትሑዝ ዝነበረ ህይወታ እቲ ዝዓበየ ሓጐስ ኣምጺኡላ ኢዩ። ብምሉእ ልባ ምስቲ “በረኸት እግዚአብሄር የሀብትም: ሽጋርውን ገለ ኣይውስኸሉን” ዝብል ናይ ምሳሌ ቃላት ኢያ እትሰማማዕ።​—⁠ምሳሌ 10:⁠22

ቀሊል ጾር

11, 12. የሱስ “ጾረይውን ቀሊል እዩ” ክብል ከሎ እንታይ ማለቱ ኢዩ ነይሩ፧

11 ኣብ ርእሲ እቲ “ፈኵሽ” ኣርዑት ምትስፋዉ: የሱስ “ጾረይውን ቀሊል እዩ” ብምባል የረጋግጸልና። “ፈኵሽ” ኣርዑት ድሮ ነቲ ስራሕ ቀሊል ኢዩ ዝገብሮ: እቲ ጾር ቀሊል እንተድኣ ኰይኑ ከኣ ብሓቂ እቲ ስራሕ ዘሐጕስ ኢዩ ዝኸውን። እንተዀነ ግን: የሱስ እዚ ሓሳብ እዚ ክህብ ከሎ እንታይ ማለቱ ኢዩ ነይሩ፧

12 ሓደ ሓረስታይ ነቶም እንስሳታቱ ስራሕ ክልውጠሎም ክደሊ ከሎ: ንኣብነት ካብ ማሕረስ ዓረብያ ምስሓብ: እንታይ ከም ዝገብር ርአ። መጀመርታ ነቲ ማሕረሻ የልግሶ: ብድሕሪኡ ነቲ ዓረብያ የተሓሕዞ። ነቲ ማሕረሻን ዓረብያን ክልቲኡ ብሓደ ምስቶም እንስሳታት ምትሕሓዝ ግን መስሓቕ ሰብ ኢዩ ዝኸውን። ብተመሳሳሊ ድማ: የሱስ ነቶም ህዝቢ ኣብ ልዕሊ እቲ ድሮ ተሰኪሞምዎ ዝነበሩ ጾር ናቱ ክውስኽሉ ኣይኰነን ዝዛረቦም ነይሩ። ንደቀ መዛሙርቱ “ሓደ ግዙእ ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦን” በሎም። (ሉቃስ 16:​13) ስለዚ: የሱስ ነቶም ህዝቢ ምርጫ ኢዩ ዝህቦም ነይሩ። ነቲ ዝነበሮም ከቢድ ጾር ተሰኪምካ ምቕጻል ድዮም ክመርጹ ወይስ: ንዕኡ ኣውሪዶም ነቲ ንሱ ዝህቦም ዝነበረ ኢዮም ክቕበሉ፧ የሱስ “ጾረይውን ቀሊል እዩ” ዝብል ፈቃር መተባብዒ ሃቦም።

13. እቶም ብግዜ የሱስ ዝነበሩ ሰባት እንታይ ጾር ኢዮም ዝስከሙ ዝነበሩ: ምስ እንታይ ፍረኸ፧

13 ኣብ ግዜ የሱስ: እቲ ህዝቢ ምስቲ በቶም ጨቈንቲ ሮማውያን ገዛእትን በቶም ኣምሰሉ ግቡዛት መራሕቲ ሃይማኖትን እተጻዕኖ ከቢድ ጾር ኢዩ ዝቃለስ ነይሩ። (ማቴዎስ 23:23) ገለ ሰባት ነቲ ናይ ሮማውያን ጾር ንምድርባይ ንነገራት ባዕላቶም ክቕይሩ ፈቲኖም ኢዮም። ኣብቲ ኣዕናዊ መወዳእታ ዘምጽኣሎም ፖለቲካዊ ቃልስታት ከኣ ኣተዉ። (ግብሪ ሃዋርያት 5:​36, 37) ካልኦት ድማ ኣብ ስጋዊ ሓርኮትኮት ብምጥሓል ናብራኦም ከመሓይሹ ወሰኑ። (ማቴዎስ 19:​21, 22፣ ሉቃስ 14:​18-20) የሱስ ደቀ መዛሙርቱ ብምዃን ቅሳነት ዝረኽብሉ መገዲ ክህቦም ዕድመ ከቕርበሎም ከሎ ክቕበልዎ ኵላቶም ቁሩባት ኣይነበሩን። ሽሕ’ኳ ተሰኪሞምዎ ዝነበሩ ጾር ከቢድ እንተነበረ ንዕኡ ኣውሪዶም ናቱ ክስከሙ ተጠራጠርቲ ኢዮም ነይሮም። (ሉቃስ 9:​59-62) ከመይ ዝበለ ዘሕዝን ጌጋ ኰን ኢዩ!

14. ናይ ህይወት ጭንቀታትን ስጋዊ ባህግታትን ብኸመይ ኢዩ ክኸብደና ዝኽእል፧

14 ጥንቁቓት እንተ ዘይኴንና: ሎሚውን ተመሳሳሊ ጌጋ ክንፍጽም ንኽእል ኢና። ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ምዃን: ከምቲ ናይ ዓለም ሰባት ዝገብርዎ ደድሕሪ ተመሳሳሊ ሸቶታትን ረብሓታትን ካብ ምስዓብ ናጻ የውጽኣና። ሽሕ’ኳ ነቲ መዓልታዊ ዘድልየና ነገራት ክንምእርር ክንሰርሕ እንተሎና: ነዚ ነገራት እዚ ግን ኣብ ህይወትና እቲ ቀንዲ ኣይንገብሮን ኢና። እንተዀነ ግን: ናይ ህይወት ጭንቀታትን መስድዒ ስጋዊ ምቾትን ብሓይሊ ዓትዒቱ ክሕዘና ይኽእል ኢዩ። እንተድኣ ኣፍቂድናሉ: ከምዚ ዝበለ ባህግታት ነቲ ተሃንጢና እተቐበልናዮ ሓቂ ክሓንቆ ይኽእል ኢዩ። (ማቴዎስ 13:22) ንኸምዚኦም ዝበሉ ባህግታት ንምምላእ ኣዚና ትሑዛት ንኸውን እሞ እቲ ክርስትያናዊ ሓላፍነታትና ኣድካሚ ግዴታታት ስለ ዝኸውን ከም ተገብረን ካብኡ ድማ ቀልጢፍና ክንገላገልን ንደሊ። በዚ መንፈስ እዚ እንተደአ ተገይሩ: ብርግጽ ካብቲ ንኣምላኽ እነቕርቦ ኣገልግሎት ዕረፍቲ ክመጽእ ክንጽበ ኣይንኽእልን ኢና።

15. የሱስ ንስጋዊ ባህግታት ዝምልከት እንታይ መጠንቀቕታ ኢዩ ዝሃበ፧

15 የሱስ ዕግበት ዘለዎ ህይወት ዝመጽእ ብዛዕባ እቲ ኣብ ህይወት ኣዝዩ ኣድላዪ ዝዀነ ነገራት ብምርካብ ደኣምበር: ንዅሉ ድልየታትና ከንመልእ ብምጽዓር ከም ዘይኰነ ኢዩ ዝሓበረ። “ካብ መብልዕሲ ህይወትዶ ኣይትበልጽን፧ ካብ ክዳንስ ስጋዶ ኣይበልጽን፧ ስለዚ ንህይወትኩም ብትበልዕዎን ብትሰትይዎን ወይስ ንስጋኹም ብትኽደንዎን ኣይትጨነቑ” ብምባል መዓደ። ናብ ኣዕዋፍ ሰማይ ብምምልካት ድማ “ናይ ሰማይ ኣቦኹም ደኣ ይምግበን እምበር: ኣይዘርኣ: ኣይዐጽዳ: ኣብ ማዕከንውን ኣይእክባን እየን” በለ። ንዕንባባታት መሮር ብምጥቃስ ከኣ “ኣይደኽሙ: ኣይፈትሉ። ምስናይዚ ግና ሰሎሞን እኳ በቲ ዅሉ ኽብሩ ኸም ሓደ ኻባታቶም ከም ዘይተኸድነ: እብለኩም አሎኹ” በለ።​—⁠ማቴዎስ 6:​25-29

16. ብዛዕባ ሳዕቤን ናይ ደድሕሪ ስጋዊ ነገራት ምስዓብ: ተመኵሮ እንታይ ኢዩ ዘርኢ፧

16 ካብዚ ቀሊል ናይ መምሃሪ ኣብነታት ገለ ነገር ክንማሃር ንኽእልዶ፧ ሓደ ሰብ ናብራኡ ብስጋ ከማሓይሽ ኣበርቲዑ ብዝጸዓረ መጠን ኣብቲ ዓለማዊ ሞያታት ብዝያዳ ይጠናነግ: እቲ ኣብ መንኩቡ ዘሎ ጾር ከኣ ዝኸበደ ይኸውን። ዓለም: በቶም ስጋዊ ዓወታቶም እተበታተነ ስድራቤታት: ዝፈረሰ መርዓታት: እተበላሸወ ጥዕናን ካልእን ዘስዓበሎም ኣካየድቲ ትካላት ዝመልአት ኢያ። (ሉቃስ 9:​25፣ 1 ጢሞቴዎስ 6:​9, 10) ናይ ኖበል ተሸላሚ ኣልበርት ኤንስተይን ሓደ ግዜ “ጥሪት: ናይ ላዕሊ ላዕሊ ዓወት: ተፈላጥነት: ምቾት​—⁠እዚኣቶም ኵሉ ግዜ ንዓይ ጽዩፋት ኢዮም። ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ቀሊልን ኣብ ግምት ዘይኣቱን ኣገባብ ናብራ እቲ ዝበለጸ ኢዩ ኢለ ኢየ ዝኣምን” በለ። ብሓጺሩ እዚ ነቲ ናይ ሃዋርያ ጳውሎስ ፈኲስ ምኽሪ ዘቃልሕ ኢዩ “ኣምልኾ ምስ ይአኽለኒ ምባል ዓብዪ ረብሓ እዩ።”​—⁠1 ጢሞቴዎስ 6:⁠6

17. መጽሓፍ ቅዱስ ከመይ ዝበለ ኣገባብ ናብራ ክህሉ ኢዩ ዝመክር፧

17 ሸለል ኢልና ክንሓልፎ ዘይብልና ሓደ ኣገዳሲ ነገር ኣሎ። ሽሕ’ኳ “ቀሊልን ኣብ ግምት ዘይኣቱን ኣገባብ ናብራ” ብዙሕ ጥቕምታት እንተ ኣለዎ: እዚ ግና ንበይኑ ዕግበት ኣየምጽእን ኢዩ። ኵነታት ገዲድዎም ኣገባብ ናብራኦም ቀሊል ዝዀነ: ግናኸ ፈጺሞም ዕጉባት ወይ ሕጕሳት ዘይኰኑ ብዙሓት ሰባት ኣለዉ። መጽሓፍ ቅዱስ ንስጋዊ ሓጐስ መኒንና ናብራ ባሕታዊ ክንነብር ኣይኰነን ዘተባብዓናን ዘሎ። እቲ ምግናን ኣብ ኣምላኻዊ ተወፋይነት ደኣምበር ኣብ ይኣኽለኒ ምባል ኣይኰነን ዘሎ። ንኽልቲኡ ምስ እነጣምሮ ኢዩ “ዓብዪ ረብሓ” ዝህልወና። ከመይ ዝበለ ረብሓ፧ ጳውሎስ ኣብታ መልእኽቲ እቲኣ ወሲኹ እቶም ኣብ ‘ኣምላኽ እምበር: በዚ ሓላፊ ሃብቲ ዘይእመኑ ናይ ሓቂ ህይወት ምእንቲ ኺረኽቡስ: ነቲ ዚመጽእ ዘሎ ጊዜ ጽቡቕ መሰረት ንርእሶም ኪእክቡ’ ምዃኖም ይሕብር።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 6:​17-19

18. (ሀ) ሓደ ሰብ ናይ ሓቂ ዕረፍቲ ብኸመይ ኢዩ ክረክብ ዝኽእል፧ (ለ) ነቲ ክንገብሮ ዘድልየና ለውጢ ብኸመይ ኢና ክንርእዮ ዘሎና፧

18 ነቲ የሱስ ዝህበና ቀሊል ጾር ምእንቲ ክንስከም ኢልና እተሰከምናዮ ብሕታዊ ከቢድ ጾር ምውራድ እንተድኣ ተማሂርና ዕረፍቲ ክመጸልና ኢዩ። ብዙሓት ኣብቲ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎት መሊኦም ክካፈሉ ምእንቲ ክኽእሉ ናብራኦም ዘተዓራረዩ ሰባት ነቲ ናብ ናይ ሓጐስን ዕግበትን ህይወት ዝወስድ መገዲ ረኺቦምዎ ኢዮም። ርግጽ ኢዩ: ንሓደ ሰብ ከምዚ ዝበለ ምትዕርራይ ክገብር እምነትን ትብዓትን ይሓቶ ኢዩ: ከምኡውን ኣብቲ መገዲ ዕንቅፋታት ክህሉ ይኽእል ይኸውን። ይኹን እምበር: መጽሓፍ ቅዱስ “ንንፋስ ዚምልከት ኣይዘርእን: ንደበና ዚጥምት ድማ ኣይዐጽድን እዩ” ብምባል የዘኻኽረና። (መክብብ 11:⁠4) ሓንሳእ ክንገብሮም ኢልና እንተድኣ ወሲንና ብዙሓት ነገራት ክሳዕ ክንድቲ ከበድቲ ኣይኰኑን። እቲ ዝኸበደ ዝመስል: ኣተሓሳስባና ምትዕርራይ ኢዩ። ነቲ ሓሳብ ኣብ ምቅላሱ ወይ ኣብ ምቅዋሙ ንስልኪ ንኸውን። ንኣተሓሳስባና ኣጽኒዕና ነቲ ብድሆ እንተድኣ ተቐቢልናዮ: ንበረኸት ኰይኑ ምስ ረኸብናዮ ክንድነቕ ኢና። እቲ ጻሓፍ መዝሙር “እግዚኣብሄር ሰናይ ምዃኑ ጥዐሙን ርአዩን” ኢሉ የተበባዕ።​—⁠መዝሙር 34:⁠8፣ 1 ጴጥሮስ 1:13

“ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ”

19. (ሀ) ኵነታት ዓለም እናኸፍአ ክኸይድ ከሎ እንታይ ኢና ክንጽበ እንኽእል፧ (ለ) ኣብ ትሕቲ ኣርዑት የሱስ ከሎና ብዛዕባ እንታይ ኢና ርግጸኛታት እንኸውን፧

19 ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ናይ ቀዳማይ ክፍለ ዘበን ደቀ መዛሙርቲ “ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ብብዙሕ ጸበባ ኽንአቱ ይግብኣና እዩ” ኢሉ ኣዘኻኸሮም። (ግብሪ ሃዋርያት 14:22) እዚ ሎሚውን እንተዀነ ሓቂ ኢዩ። ናይ ዓለም ኵነታት እናኸፍአ ክኸይድ ከሎ: ናብ ኵሎም እቶም ጽድቅን ኣምላኻዊ ተወፋይነትን ዘለዎ ናብራ ክነብሩ ዝወሰኑ ሰባት ዝመጽእ ጸቕጥታት ከኣ ዝበዝሐ ኢዩ ዝኸውን። (2 ጢሞቴዎስ 3:12፣ ራእይ 13:​16, 17) እንተዀነ ግን: ከምቲ ንጳውሎስ “ብዅሉ ወገን ንጽቀጥ: ግናኸ ኣይጸበናን: እንገብሮ ይጠፍኣና: ግናኸ ተስፋ ኣይንቐብጽን ኢና: ንስጐጕ: ድርቡያት ግና ኣይኰንናን። ይደፍኡና: ግናኸ ኣይንጠፍእን ኢና” ክብል ከሎ እተሰምዖ ይስምዓና ኢዩ። እቲ ምኽንያት ከኣ: ማእለያ ዘይብሉ ብርታዐ ክህበና ኣብ የሱስ ክንትኣማመን ስለ እንኽእል ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 4:​7-9) ነቲ ወደ መዝሙሩ ናይ ምዃን ኣርዑት ብምሉእ ልብና ብምቕባል ነቲ “ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም” ዝብል ናይ የሱስ መብጽዓ ፍጻሜ ከነስተማቕሮ ኢና።​—⁠ማቴዎስ 11:⁠29

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

◻ እቲ የሱስ ዝሃቦ ፈኵሽ ኣርዑት እንታይ ኢዩ፧

◻ ኣርዑትና ጾር ኰይኑ እንተድኣ ተሰሚዑና እንታይ ክንገብር ኢዩ ዘሎና፧

◻ የሱስ “ጾረይውን ቀሊል እዩ” ክብል ከሎ እንታይ ማለቱ ኢዩ፧

◻ ጾርና ቀሊል ከም ዝዀነ ብኸመይ ኢና ከነረጋግጽ እንኽእል፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ