ክርስትያን መሰኻኽር ንመለኮታዊ ሉዓላዊነት
“ንስኻትኩም ግና ደግነት እቲ ኻብ ጸልማት ናብቲ ዜገርም ብርሃኑ ዝጸውዓኩም [ክትነግሩ ይግባእ ትሓዓ ]።”—1 ጴጥሮስ 2:9
1. ኣብቲ ቅድሚ ክርስትና ዝነበረ ግዜ ብዛዕባ የሆዋ ከመይ ዝበለ ብቑዕ ምስክርነት ኢዩ እተዋህበ፧
ኣብቲ ቅድሚ ክርስትና ዝነበረ ግዜ: እቲ ካብ ነዊሕ እዋን ተተሓሒዙ ዝመጸ ናይ መሰኻኽር ዝርዝር: የሆዋ በይኑ ሓቀኛ ኣምላኽ ምዃኑ ብትብዓት መስኪሩ ኢዩ። (እብራውያን 11:4–12:1) ኣብ እምነቶም ብምጽናዕ: ብትብዓት ሕግታት የሆዋ ተኣዚዞም ብኣምልኾ ዝመጸ ድማ ምልምማጥ ኣብዮም ኢዮም። ንጠቕላላዊ ሉዓላውነት የሆዋ ሓያል ምስክርነት ሂቦም ኢዮም።—መዝሙር 18:21-23፣ 47:1, 2
2. (ሀ) ዝዓበየ ናይ የሆዋ ምስክር መን ኢዩ፧ (ለ) ከም ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጠን ንህዝቢ እስራኤል ዝተከአ መን ኢዩ፧ ብኸመይ ንፈልጥ፧
2 እቲ ናይ መወዳእታን ዝዓበየን ናይ ቅድሚ ክርስትና ምስክር ዮሃንስ መጥምቕ ኢዩ ነይሩ። (ማቴዎስ 11:11) ምምጻእ ናይቲ ሕሩይ ከበስር መሰል ረኺቡ ኢዩ: ንየሱስ ድማ ከም ተስፋ እተገብረሉ መሲህ መጠን ኣፋለጦ። (ዮሃንስ 1:29-34) የሱስ እቲ ዝዓበየ ናይ የሆዋ ምስክር “እሙን ሓቀኛ ምስክር” ኢዩ። (ራእይ 3:14) ስጋውያን እስራኤል ንየሱስ ስለ ዝነጸግዎ: የሆዋ ኸኣ ነጸጎም: መሰኻኽሩ ምእንቲ ክዀኑ ኢሉ ድማ ሓድሽ ህዝቢ: መንፈሳውያን ናይ ኣምላኽ እስራኤል: መረጸ። (ኢሳይያስ 42:8-12፣ ዮሃንስ 1:11, 12፣ ገላትያ 6:16) ጴጥሮስ ሓደ ትንቢት ብዛዕባ እስራኤል ጠቒሱ ኣብ “ናይ ኣምላኽ እስራኤል:” እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ: ከም ዝውዕል ኣመልከተ። ከምዚ ድማ ይብል:- “ንስኻትኩም ግና ደግነት እቲ ኻብ ጸልማት ናብቲ ዜገርም ብርሃኑ ዝጸውዓኩም ምእንቲ ኽትነግሩ: ሕሩይ ወለዶ: ናይ መንግስቲ ኽህነት: ቅዱስ ህዝቢ: ጥሪት ኣምላኽ ዝዀነ ህዝቢ ኢኹም።”—1 ጴጥሮስ 2:9፣ ዘጸኣት 19:5, 6፣ ኢሳይያስ 43:21፣ 60:2
3. ናይ ኣምላኽ እስራኤልን ናይቶም “ዓቢ ጭፍራ”ን ቀንዲ ሓላፍነት እንታይ ኢዩ፧
3 ቃላት ጴጥሮስ: ናይ ኣምላኽ እስራኤል ቀንዲ ሓላፍነት ብዛዕባ ኽብሪ የሆዋ ህዝባዊ ምስክርነት ምሃብ ምዃኑ ኢየን ዘርእያ። ኣብ ግዜና: ንኣምላኽ ብግልጺ ዘኽብሩ ናይ “ዓቢ ጭፍራ” [ትሓዓ ] መሰኻኽር ነዚ መንፈሳዊ ህዝቢ እዚ ሓቢሮምዎ ኢዮም። ኵሉ ምእንቲ ክሰምዖ ድማ ዓው ብዝበለ ድምጺ “ምድሓን ናይቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ኣምላኽናን ናይቲ ገንሸልን እዩ” ብምባል ይጭድሩ። (ራእይ 7:9, 10፣ ኢሳይያስ 60:8-10) ናይ ኣምላኽ እስራኤልን ብጾቶምን ብኸመይ ኢዮም ምስክርነቶም ክፍጽሙ ዝኽእሉ፧ ብእምነቶምን ተኣዛዝነቶምን ኢዮም።
ሓሰውቲ መሰኻኽር
4. እቶም ኣብ ግዜ የሱስ ዝነበሩ ኣይሁድ ሓሰውቲ መሰኻኽር ዝነበሩ ስለምንታይ ኢዮም፧
4 እምነትን ተኣዛዝነትን ብኣምላኻዊ መምርሒታት ምንባር ዘጠቓለለ ኢዩ። ኣገዳስነት ናይዚ ድማ ኣብቲ የሱስ ብዛዕባ እቶም ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ ናይ ኣይሁድ መራሕቲ ሃይማኖት ዝበሎ ተራእዩ ኣሎ። እዚኣቶም ከም መምሃራን ሕጊ መጠን “ኣብ መንበር ሙሴ ተቐሚጦም” ኢዮም። ንዘይኣመንቲ ክልውጡ ሚስዮናውያን ከይተረፈ እውን ልኢኾም ኢዮም። ግናኸ የሱስ ከምዚ በሎም:- “ሓደ ጵሮሴሊት ክትገብሩ ባሕርን ምድርን ትዞሩ: ምስ ኰነ ኸኣ ካዕበትኩም ወዲ ገሃነም ትገብርዎ።” እዞም ሃይማኖተኛታት እዚኣቶም ሓሰውቲ መሰኻኽር—ትዕቢተኛታት: ግቡዛት: ከምኡውን ጨካናት—ኢዮም ነይሮም። (ማቴዎስ 23:1-12, 15) ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ የሱስ ንገለ ኣይሁድ “ንስኻትኩም ካብቲ ኣቦኹም ድያብሎስ ኢኹም: እታ ትምኒት ኣቦኹም ክትገብሩውን ትደልዩ አሎኹም” በሎም። ንኣባላት ናይቲ ሕሩይ ህዝቢ ኣምላኽ ከምዚ ዝበለ ነገር ዝበሎም ግን ስለምንታይ ኢዩ፧ ምኽንያቱ ንቓላት ናይቲ ዝዓበየ ናይ የሆዋ ምስክር ስለ ዘየቕለብሉ ኢዩ።—ዮሃንስ 8:41, 44, 47
5. ህዝበ ክርስትያን ብዛዕባ ኣምላኽ ናይ ሓሶት ምስክርነት ከም ዝሃበት ብኸመይ ንፈልጥ፧
5 ብተመሳሳሊ መገዲ: ካብ ግዜ የሱስ ኣትሒዙ ኣብ ዝነበረ ዘበናት: ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ህዝበ ክርስትያን: ደቀ መዛሙርቱ ምዃኖም ተዛሪቦም ኢዮም። ይኹን እምበር: ፍቓድ ኣምላኽ ኣይገበሩን ስለዚ ኸኣ ብየሱስ ኣፍልጦ ኣይረኸቡን። (ማቴዎስ 7:21-23፣ 1 ቈረንቶስ 13:1-3) ህዝበ ክርስትያን ብዘይጥርጥር ብዙሓት ካብኣቶም ቅኑዓት ዝነበሩ ሚስዮናውያን ልኢኻ ኢያ። እንተዀነ ግን: ንሰባት ነቲ ንሓጥኣን ኣብ ሲኦል ሓዊ ዘቃጽል ናይ ስላሴ ኣምላኽ ከምልኹ መሃርዎም: ብዙሓት ካብቶም ዝለወጥዎም ድማ ክርስትያናት ምዃኖም መረጋገጺ ዳርጋ ኣይህቡን ኢዮም። ንኣብነት: እታ ኣፍሪቃዊት ሃገር ሩዋንዳ ንናይ ሮማ ካቶሊክ ሚስዮናውያን ፍርያም ግራት ኢያ ነይራ። ይኹን እምበር: ሩዋንዳውያን ካቶሊክ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ነቲ ኣብ ሩዋንዳ እተፈጸመ ዓሌታዊ ውግእ ብምሉእ ልቦም ሓቢሮምዎ ኢዮም። እቲ ኣብቲ ሚስዮናዊ ግራት እተረኽበ ፍረ: ካብ ህዝበ ክርስትያን ሓቀኛ ክርስትያናዊ ምስክርነት ከም ዘይተቐበለ ኢዩ ዘርኢ።—ማቴዎስ 7:15-20
ብኣምላኻዊ መምርሒታት ምንባር
6. ቅኑዕ ጠባይ ምስክርነት ኣብ ምሃብ ኣጋዳሲ ተራ ዝህልዎ በየናይ መገድታት ኢዩ፧
6 በቶም ክርስትያን ኢና ዝብሉ ዝርአ ሕማቕ ጠባያት ኣብ ልዕሊ “እታ መገዲ ሓቂ” ጸርፊ ኢዩ ዘምጽእ። (2 ጴጥሮስ 2:2) ሓቀኛ ክርስትያን ብመሰረት ኣምላኻዊ መምርሒታት ኢዩ ዝነብር። ኣይሰርቕን: ኣይሕሱን: ኣየታልልን: ወይ ድማ ርኽሰት ኣይፍጽምን ኢዩ። (ሮሜ 2:22) ብርግጽ ንብጻዩ ኣይቀትልን ኢዩ። ክርስትያን ሰብኡት ንስድራቤታቶም ፍቕራዊ ምዕዛብ ይገብሩ ኢዮም። ኣንስቲ ነቲ ምዕዛብ እቲ ብኣኽብሮት ኢየን ዝድግፋኦ። ቈልዑ ብወለዶም ኢዮም ዝለማመዱ: በዚ ኸኣ ሓላፍነቶም ዝፈልጡ ብጹሓት ክርስትያናት ንምዃን ይዳለዉ። (ኤፌሶን 5:21–6:4) ሓቂ ኢዩ: ኵልና ዘይፍጹማትን እንጋገን ኢና። ይኹን እምበር ሓቀኛ ክርስትያን ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ የኽብር ኣብ ግብሪ ከውዕሎም ድማ ልባዊ ጻዕሪ ኢዩ ዝገብር። እዚ ንኻልኦት ግልጽን ጽቡቕ ምስክርነት ዝህብን ኢዩ። ሓድሓደ ግዜ: ቅድም ንሓቂ ዝጻረሩ ዝነበሩ ሰባት ነቲ ናይ ክርስትያን ቅኑዕ ጠባይ ተዓዚቦም ርዒሞም ኢዮም።—1 ጴጥሮስ 2:12, 15፣ 3:1
7. ክርስትያናት ኣብ ንሓድሕዶም ክፋቐሩ ኣገዳሲ ዝኸውን ብኸመይ ኢዩ፧
7 የሱስ “ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም: በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” ክብል ከሎ ኣገዳሲ መዳይ ናይ ክርስትያን ጠባይ ኣርእዩ ኢዩ። (ዮሃንስ 13:35) ናይ ሰይጣን ዓለም ብ“ዓመጻ ዘበለ: ሕሰም: ስስዔ: ክፍኣት ዝመልኦም: ምሉኣት ቅንኣት: ቅትለት: ባእሲ: ተንኰል: እከይ: መሕሸዅሸዅቲ: ሓመይቲ: ኣብ ኣምላኽ ጽሉኣት: ገፋዕቲ: ኵሩዓት: ተዘሃርቲ: ተጣበብቲ እከይ: ንወለዶም ዘይእዘዙ” እትፍለጥ ኢያ። (ሮሜ 1:29, 30) ኣብ ከምዚ ዝበለ ከባቢ: ሓደ ብፍቕሪ ዝፍለጥ ዓለምለኻዊ ማሕበር: መንፈስ ኣምላኽ—ኣስላጢ ምስክር—ይዓዪ ከም ዘሎ ሓያል መርትዖ ኢዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከምዚ ዝበለ ማሕበር ኢዮም።—1 ጴጥሮስ 2:17
መሰኻኽር ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዮም
8, 9. (ሀ) እቲ ጸሓፍ መዝሙር ቃል ኣምላኽ ብምጽንዑን ብምስትንታኑን ዝበርትዐ ከመይ ገይሩ ኢዩ፧ (ለ) ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕትን ምስትንታንን በየናይ መገድታት ኢዩ ምስክርነት ኣብ ምሃብ ንኽንቅጽል ዘበርትዓና፧
8 ጽቡቕ ምስክርነት ኣብ ምሃብ ምእንቲ ክዕወት: ሓደ ክርስትያን ጽድቃዊ መምርሒታት የሆዋ ክፈልጥን ከፍቅርን ኣለዎ: ነቲ ናይ ዓለም ብልሽውና ድማ ብሓቂ ክጸልኦ ኣለዎ። (መዝሙር 97:10) እዛ ዓለም እዚኣ ኣተሓሳስባኣ ኣብ ምድንፋዕ መታለሊት ኢያ: መንፈሳ ኸኣ ንኽትቃወሞ ዘሸግር ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (ኤፌሶን 2:1-3፣ 1 ዮሃንስ 2:15, 16) እቲ ቅኑዕ ናይ ኣእምሮ ኣመለኻኽታ ንኽህልወና እንታይ ክሕግዘና ምኸኣለ፧ ስርዓታውን ትርጕም ዘለዎን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ። እቲ ናይ መዝሙር 119 ጸሓፊ ንሕጊ የሆዋ ዝነበሮ ፍቕሪ ብዙሕ ግዜ ደጋጊምዎ ኣሎ። “ምሉእ መዓልቲ” የንብቦን ብቐጻሊ የስተንትኖን ነበረ። (መዝሙር 119:92, 93, 97-105) ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: ከምዚ ኢሉ ክጽሕፍ ከኣለ:- “ንሓሶት እጸልኦን እፍንፍኖን: ንሕግኻ ግና ኤፍቅሮ አሎኹ።” ኣብ ርእሲ እዚ: እቲ ዓሚቝ ፍቕሩ ንተግባር ኣለዓዓሎ። “ስለ ጽድቂ ፍርድኻ ኣብ መዓልቲ ሾብዓተ ሳዕ ኤመስግነካ አሎኹ” ድማ ይብል።—መዝሙር 119:163, 164
9 ብተመሳሰሊ መገዲ: ናይ ቃል ኣምላኽ ስርዓታዊ መጽናዕትናን ብእኡ ምስትንታንናን ንልብና ክትንክፎ: አረ “ኣብ መዓልቲ ሾብዓተ ሳዕ” እውን ከይተረፈ: ብተደጋጋሚ ‘ከነመስግኖ’—ብዛዕባ የሆዋ ክንምስክር— ክድርኸና ኢዩ። (ሮሜ 10:10) ምስዚ ብምስምማዕ: እቲ ጸሓፊ ናይታ ቀዳመይቲ መዝሙር: ሓደ ስርዓታዊ ኰይኑ ንቓል የሆዋ ዘጽንዕ ሰብ “ኸምታ ፍሬኣ በብግዜኣ እትህብ: ቈጽላ ኸኣ ዘይረግፍ: ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ እተተኽለት ኦም ይኸውን። ዚገብሮ ዅሉውን ይሰልጦ” ይብል። (መዝሙር 1:3) ሃዋርያ ጳውሎስ እውን “እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ: ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ: ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ: መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ: ንተግሳጽ: ንምቕናዕ: ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ” ኢሉ ክጽሕፍ ከሎ ሓይሊ ቃል ኣምላኽ ኣርእዩ ኢዩ።—2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17
10. ብዛዕባ እዞም ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ዘለዉ ህዝቢ የሆዋ ንጹር ዝዀነ እንታይ ኢዩ፧
10 ኣብዚ መበል 20 ክፍለ ዘበን ኣብቲ ቍጽሪ ናይቶም ሓቀኛታት ኣምለኽቲ ዝርአ ዘሎ ቅልጡፍ ወሰኽ በረኸት የሆዋ ዘመልክት ኢዩ። ብዘይ ገለ ጥርጥር: ከም ጕጅለ መጠን: እዞም ናይ ጠቕላላዊ ሉዓላውነት ዘመናውያን መሰኻኽር ኣብ ልቦም ናይ ሕግታት የሆዋ ፍቕሪ ኰስኲሶም ኢዮም። ከምቲ ጸሓፍ መዝሙር: ሕጉ ንኽእዘዙ ከምኡውን “ለይትን መዓልትን” ኽብሪ የሆዋ ብተኣማንነት ክምስክሩ ተለዓዒሎም ኢዮም።—ራእይ 7:15
ሓያል ግብርታት የሆዋ
11, 12. በቲ ብየሱስን ሰዓብቱን እተገብረ ተኣምራት: እንታይ ኢዩ እተፈጸመ፧
11 ኣብቲ ቀዳማይ ክፍለ ዘበን: መንፈስ ቅዱስ ነቶም እሙናት ክርስትያን መሰኻኽር ተኣምራት ክገብሩ ስልጣን ሂብዎም ኢዩ: እዚ ኸኣ ምስክርነቶም ሓቂ ምንባሩ ብርቱዕ መረጋገጺ ሃበ። ዮሃንስ መጥምቕ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከሎ ንየሱስ “እቲ ዚመጽእስ ንስኻ ዲኻ ወይስ ካልእ ክንጽበ ኢና፧” ኢሎም ክሓትዎ ደቀ መዛሙርቲ ለኣኸ። የሱስ እወ ወይ ኣይኰነን ኢሉ ኣይመለሰን። ኣብ ክንዳኡ ከምዚ በለ:- “ኬድኩም እዚ እትሰምዕዎን እትርእይዎን ዘሎኹም ንዮሃንስ ንገርዎ፤ ዕዉራት ይርእዩ: ሓንካሳት ይኸዱ: ለምጻማት ይነጽሁ: ጸማማት ይሰምዑ: ምዉታት ይትንስኡ: ንድኻታት ድማ ወንጌል ይስበኽ አሎ። ብኣይ ዘይዕንቀፍ ከኣ ብጹእ እዩ።” (ማቴዎስ 11:3-6) እዚ ሓያል ግብርታት እዚ የሱስ ብርግጽ “እቲ ዚመጽእ” ምንባሩ ንዮሃንስ ከም ምስክር ኰይኑ ዓይዩ ኢዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 2:22
12 ብተመሳሳሊ መገዲ: ገለ ካብቶም ሰዓብቲ የሱስ ሕሙማት ኣሕውዮም: ምዉታት እውን ከይተረፈ ኣተንሲኦም ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 5:15, 16፣ 20:9-12) እዚ ተኣምራት እዚ ልክዕ ከምቲ ኣብ ክንድኦም ካብ ኣምላኽ እተዋህበ ምስክርነት ኢዩ ነይሩ። (እብራውያን 2:4) ከምዚ ዝበለ ግብርታት ድማ ነቲ ኵሉ ዝኽእል ሓይሊ የሆዋ ዝገልጽ ኢዩ። ንኣብነት: ሰይጣን “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ:” ሞት ከስዕብ ከም ዝኽእል ፍሉጥ ኢዩ። (ዮሃንስ 14:30፣ እብራውያን 2:14) ይኹን እምበር ጴጥሮስ ነታ እምንቲ ሰበይቲ ዝነበረት: ዶርቃስ: ካብ ምዉታት ከተንስኣ ከሎ: ነዚ ብሓይሊ የሆዋ ጥራይ ኢዩ ክገብሮ ዝኸኣለ: ከመይሲ ንሱ ጥራይ ኢዩ ህይወት ክመልስ ዝኽእል።—መዝሙር 16:10፣ 36:9፣ ግብሪ ሃዋርያት 2:25-27፣ 9:36-43
13. (ሀ) እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተኣምራት በየናይ መገዲ ኢዩ ጌና ብዛዕባ ሓይሊ የሆዋ ዝምስክር ዘሎ፧ (ለ) እቲ ምፍጻም ናይ ትንቢት ንኣምላኽነት የሆዋ ኣብ ምሃብ ኣገዳሲ ግደ ዝህልዎ ብኸመይ ኢዩ፧
13 ሎሚ እዞም ተኣምራታዊ ግብርታት እዚኣቶም ኣይፍጸሙን ኢዮም ዘለዉ። ዕላማኦም ተወዲኡ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 13:8) እንተዀነ ግን: ብብዙሓት ተዓዘብቲ እተረጋገጸ: ናታቶም ጸብጻብ ጌና ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎና። ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ነዞም ታሪኻውያን ጸብጻባት እዚኣቶም ከቕልብሎም ከለዉ: እዞም ግብርታት እዚኣቶም ጌና ንሓይሊ የሆዋ ብቑዕ ምስክርነት ይህቡ ኢዮም ዘለዉ። (1 ቈረንቶስ 15:3-6) ብተወሳኺ: ንድሕሪት ተመሊስና ኣብ ግዜ ኢሳይያስ: ንሱ ሓቀኛ ኣምላኽ ምዃኑ ከም ቀንዲ መረጋገጺ ዝኸውን: የሆዋ ሓደ ቅኑዕ ትንቢት ሓቢሩ ኢዩ። (ኢሳይያስ 46:8-11) ሎሚ ብዙሓት ብመለኮት እተመርሑ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትንቢታት—መብዛሕትኦም ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ—ይፍጸሙ ኣለዉ። (ኢሳይያስ 60:8-10፣ ዳንኤል 12:6-12፣ ሚልክያስ 3:17, 18፣ ማቴዎስ 24:9፣ ራእይ 11:1-13) ከምኡውን ኣብተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ንነብር ከም ዘሎና ብምሕባር: ምፍጻም ናይዚ ትንቢታት እዚ ንየሆዋ ከም ሓደ በይኑ ሓቀኛ ኣምላኽ መጠን ሓቅነቱ ዘረጋግጽ ኢዩ።—2 ጢሞቴዎስ 3:1
14. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘመናዊ ታሪኽ በየናይ መገድታት ኢዩ የሆዋ ልዑል ጐይታ ምዃኑ ሓያል ምስክርነት ዝህብ፧
14 ኣብ መወዳእታ: የሆዋ ንህዝቡ ጌና ዓበይቲ ነገራት: ዘደንቕ ነገራት: ይገብረሎም ኣሎ። እቲ ኣብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ዝውስኽ ዘሎ ብርሃን ብመንፈስ የሆዋ ኢዩ ዝምራሕ። (መዝሙር 86:10፣ ራእይ 4:5, 6) እቲ ኣብ ዙርያ ዓለም ጸብጻብ ዝወሃበሉ ዘሎ ጕሉሕ ወሰኻት: የሆዋ ‘ብግዜኡ ቐልጢፉ ይገብሮ ከም ዘሎ’ ዘረጋግጽ ኢዩ። (ኢሳይያስ 60:22) ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ኣብ ሓንቲ ሃገር ድሕሪ ሓንቲ ሃገር መሪር ስደት ክለዓል ከሎ: ብምኽንያት ዘበርትዕ ደገፍ መንፈስ ቅዱስ: እቲ ናይ ህዝቢ የሆዋ ተባዕ ምጽማም ዝከኣል ኰይኑ ኢዩ። (መዝሙር 18:1, 2, 17, 18፣ 2 ቈረንቶስ 1:8-10) እወ: እዚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘመናዊ ታሪኽ ንባዕሉ: የሆዋ ልዑል ጐይታ ምዃኑ ሓያል ምስክርነት ኢዩ።—ዘካርያስ 4:6
እቲ ክስበኽ ዘለዎ ብስራት
15. በታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ከመይ ዝበለ ሰፊሕ ምስክርነት ኢዩ ክወሃብ ዘለዎ፧
15 የሆዋ ንእስራኤል ንህዝብታት ክምስክሩ ኢዩ መዚዝዎም። (ኢሳይያስ 43:10) ይኹን እምበር: ሒደት እስራኤላውያን ጥራይ ኢዮም እስራኤላውያን ንዘይኰኑ ክሰብኩ መለኮታዊ ትእዛዝ እተቐበሉ: እዚ ኸኣ መብዛሕትኡ ግዜ ፍርድታት የሆዋ ንምእዋጅ ኢዩ ነይሩ። (ኤርምያስ 1:5፣ ዮናስ 1:1, 2) እንተዀነ ግን: ኣብ ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘሎ ትንቢታት: የሆዋ ሓደ መዓልቲ ናብ ኣህዛብ ብስፍሕ ዝበለ መገዲ ቈላሕታኡ ክገብር ምዃኑ ኢዩ ዝሕብር: ነዚ ኸኣ ብመንፈሳውያን እስራኤል ገይሩ ይገብሮ ኣሎ። (ኢሳይያስ 2:2-4፣ 62:2) የሱስ ቅድሚ ንሰማይ ምዕራጉ: ንሰዓብቱ “ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” ኢሉ ኣዘዞም። (ማቴዎስ 28:19) የሱስ ናብተን “ጥፉኣት ኣባጊዕ ቤት እስራኤል” ኣተኲሩ እኳ እንተ ነበረ: ሰዓብቱ ግን ናብ ‘ኵሎም ኣህዛብ’ “ክሳዕ ወሰን ምድሪ” እውን ከይተረፈ ኢዮም ተላኢኾም። (ማቴዎስ 15:24፣ ግብሪ ሃዋርያት 1:8) እቲ ክርስትያናዊ ምስክርነት ብዅሎም ደቅሰብ ክስማዕ ነበሮ።
16. እታ ናይ ቀዳማይ ከፍለ ዘበን ክርስትያናዊት ጉባኤ እንታይ ትእዛዝ ኢያ ዝፈጸመት: ክሳዕ ክንደይከ፧
16 ጳውሎስ ነዚ ጽቡቕ ገይሩ ከም እተረድኦ ኣርእዩ ኢዩ። ኣብ ዓመት ናይ 61 ከ.ኣ.ዘ.: እቲ ብስራት “ኣብ ኵላ ዓለምውን እናፈረየን እናዐበየን ዚኸይድ ዘሎ” ክብል ይኽእል ነይሩ ኢዩ። እቲ ብስራት ከምቶም ኣብ ‘ስግደት ንመላእኽቲ’ እተሳተፉ ንሓደ ሃገር ወይ ንሓደ ኣንቈራ እተወሰነ ኣይነበረን። ኣብ ክንድኡ: ብግልጺ: ‘ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጡር ኢዩ ተሰቢኹ።’ (ቈሎሴ 1:6, 23፣ 2:13, 14, 16-18) ስለዚ: እቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ ዘበን ዝነበሩ ናይ ኣምላኽ እስራኤል ‘ደግነት እቲ ኻብ ጸልማት ናብ ዜገርም ብርሃኑ ዝጸውዖም ኽነግሩ’ እተዋህቦም ትእዛዝ ፈጺሞምዎ ኢዮም።
17. ማቴዎስ 24:14 ብኸመይ ኢያ ብዝዓበየ መገዲ ምፍጻም እትቕጽል ዘላ፧
17 እንተዀነ ግን: እቲ ናይ ቀዳማይ ክፍለ ዘበን ናይ ስብከት ዕዮ ናይቲ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ክፍጸም ዘለዎ ቅማሶ ጥራይ ኢዩ ነይሩ። የሱስ ኣማዕድዩ ብፍላይ ከኣ ናብ ግዜና ብምጥማት ከምዚ በለ:- “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ: ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ።” (ማቴዎስ 24:14፣ ማርቆስ 13:10) እዚ ትንቢት እዚ ይፍጸምዶ ኣሎ፧ ብርግጽ: ይፍጸም ኣሎ። ካብቲ ብ1919 ብሒደት ዝጀመረሉ እዋን ኣትሒዙ: እቲ ስብከት ናይቲ ብስራት ሕጂ ናብ ልዕሊ 230 ሃገራት ሰፊሑ ኣሎ። እቲ ምስክርነት ኣብ ቆራሪ ሰሜንን ናይ ትሮፒክ ሃሩርን ተሰሚዑ ኢዩ። ዓበይቲ ክፍለ-ዓለማት ተሰቢኹለን ኢዩ: ከምኡውን ኣብ ርሑቕ ዘለዋ ደሴታት ተቐማጦአን ምስክርነት ክቕበሉ ምእንቲ ክኽእሉ ቈላሕታ ተገይሩለን ኢዩ። ኣብ ማእከል እቲ ብርቱዕ ናዕቢ ዘለዎ: ኣብ ከም በዓል ቦዝንያ ከምኡውን ሄርዞጎቪና ዘሎ ውግእ: እቲ ብስራት ምስባኽ ይቕጽል ኣሎ። ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ ዘበን ዝነበረ: እቲ ምስክርነት “ኣብ ኵላ ዓለም” ፍረ ይፈሪ ኣሎ። እቲ ብስራት “ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጡር” ብግለጺ ይእወጅ ኣሎ። እቲ ፍረኸ፧ ቀዳማይ: እቶም ተረፍ ናይ ኣምላኽ እስራኤል “ኻብ ብዘሎ ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብን ኣህዛብን” ተኣከቡ። ካልኣይ: እቶም ሚልዮናት “ዓቢ ጭፍራ”[ትሓዓ ] “ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ካብ ብዘሎ ቛንቋታትን” ክመጹ ጀመሩ። (ራእይ 5:9፣ 7:9) ማቴዎስ 24:14 ብዓቢ ደረጃ ንኽትፍጸም ትቕጽል ኣላ።
18. ገለ ካብቶም በቲ ዓለምለኻዊ ስብከት ናይቲ ብስራት እተፈጸሙ ነገራት እንታይ ኢዮም፧
18 እቲ ዓለምለኻዊ ስብከት ናይቲ ብስራት ንጉሳዊ ህላዌ የሱስ ምጅማሩ ንምርግጋጽ ዝሕግዝ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:3) ብተወሳኺ: ንሰባት ናብታ እንኮ ሓቀኛ ተስፋ ደቅሰብ ዝዀነት: መንግስቲ የሆዋ ዝሕብሮም ብምዃኑ: “ፍረ ምድሪ” ዝዕጸደሉ ካልእ ኣገባብ ድማ ኢዩ። (ራእይ 14:15, 16) ኣብቲ ስብከት ናይ ብስራት ዝሳተፉ ሓቀኛታት ክርስትያናት ጥራይ ስለ ዝዀኑ: እዚ ኣገዳሲ ዕዮ እዚ ሓቀኛታት ክርስትያናት ካብቶም ሓሰውቲ ክርስትያናት ንምፍላይ ዝሕግዝ ኢዩ። (ሚልክያስ 3:18) በዚ መገዲ እዚ: ነቶም ዝሰብኩን ዝሰምዑዎምን ድሕነት የምጽኣሎም። (1 ጢሞቴዎስ 4:16) ዝያዳ ዘገደስ ድማ: ነቲ ብስራት ምስባኽ: ነቲ እዚ ኽግበር ዝኣዘዘ: ነቶም ዝገብርዎ ዝሕግዝ: ከምኡውን ከም ዝፈሪ ዝገብሮ: የሆዋ ኣምላኽ ምስጋናን ክብርን ዘምጽእ ኢዩ።—2 ቈረንቶስ 4:7
19. ነዚ ሓድሽ ዓመት ኣገልግሎት ክኣትውዎ ከለዉ ኵሎም ክርስትያናት እንታይ ቘራጽነት ክገብሩ ኢዮም ዝተባብዑ፧
19 ሃዋርያ ጳውሎስ “ወንጌል እንተ ዘይሰበኽኩ ግና ወይለይ” ክብል እንተ ተደረኸ ዘገርም ኣይኰነን። (1 ቈረንቶስ 9:16) ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ከምኡ ኢዩ ዝስምዖም። ኣብዛ ጸልሚታ ዘላ ዓለም: ብርሃን ሓቂ ብምብራህ “መዓይይቲ ኣምላኽ” ምዃን ዓቢ መሰልን ሓላፍነትን ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 3:9፣ ኢሳይያስ 60:2, 3) እቲ ኣብ 1919 ብሒደት ዝጀመረ ዕዮ: ሕጂ ኣብ ዘስደምም ዓቐን በጺሑ ኣሎ። ዳርጋ ሓሙሽተ ሚልዮን ኣቢሎም ዝዀኑ ክርስትያናት: ነቲ ናይ ድሕነት መልእኽቲ ንኻልኦት ንምክፋል ኣብ ዓመት ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ሰዓታት ከሕልፉ ከለዉ: ንመለኮታዊ ሉዓላዊነት ኢዮም ዝሰብኩ ዘለዉ። ኣብዚ ስም የሆዋ ናይ ምቕደስ ዕዮ ግደ ክህልወካስ ከመይ ዝበለ ሓጐስ ኰን ኢዩ! ናብቲ ናይ 1996 ዓመት ኣገልግሎት ክንኣቱ ከሎና: ንኸይንዝሕል ንቝረጽ። ኣብ ክንድኡ: ነቲ ንጢሞቴዎስ ዝጸሓፈሉ ‘እቲ ቓል ብህጹጽ ክትሰብኽ’ ዝብል ቃላት ጳውሎስ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝበለጸ ከነቕልበሉ ኢና። (2 ጢሞቴዎስ 4:2) ከምዚ ክንገብር ከሎና: የሆዋ ንጻዕርታትና በረኸት ምሃብ ምእንቲ ክቕጽል ብምሉእ ልብና ንጽሊ ኢና።
ትዝክሮዶ፧
◻ ንኣህዛብ ከም ናይ የሆዋ “ምስክር” መጠን ንህዝቢ እስራኤል ዝተክኦም መን ኢዩ፧
◻ ክርስትያናዊ ጠባይ ምስክርነት ኣብ ምሃብ ግደ ዝህልዎ ብኸመይ ኢዩ፧
◻ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕትን ምስትንታኑን ንክርስትያን መሰኻኽር ኣድላዪ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ ናይ የሆዋ መሰኻኸር ዘመናዊ ታሪኽ በየናይ መገድታት ኢዩ የሆዋ ሓቀኛ ኣምላኽ ምዃኑ ዘረጋግጽ፧
◻ ብስብከት ናይቲ ብስራት እንታይ ኢዩ እተፈጸመ፧
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]
እቲ ብስራት ኣብ ክንዲ ዝእሰር: ሕጂ “ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጡር” ኢዩ ዝስበኽ ዘሎ