ኣምላኽ ኣብ ስድራቤትካ ቀዳማይ ቦታ ድዩ ዘለዎ፧
“[ንየሆዋ ‘ትሓዓ ’] ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻ . . . ኣፍቅሮ።”—ማርቆስ 12:29, 30
1. ንየሆዋ ምፍቃርና ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ኢዩ፧
ሓደ ጸሓፊ ንየሱስ “ካብ ኵለን ትእዛዛትሲ ኣየነይቲ እያ ቐዳመይቲ” ኢሉ ሓተቶ። የሱስ ናይ ገዛእ ርእሱ ሓሳባት ኣብ ክንዲ ዝህብ: ንሕቶኡ ካብቲ ኣብ ዘዳግም 6:4, 5 ዘሎ ቃል ኣምላኽ: ብምጥቃስ: “እታ ቐዳመይቲ እዚኣ እያ፤ እስራኤል: ስማዕ፤ [የሆዋ ትሓዓ ] ኣምላኽና: ንሱ በይኑ እዩ [የሆዋ። ንየሆዋ ትሓዓ ] ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓሳብካን ብዅሉ ሓይልኻን ኣፍቅሮ” ኢሉ መለሰ።—ማርቆስ 12:28-30
2. (ሀ) የሱስ ንኸመይ ዝበለ ምጽራር ኢዩ ክጋጠሞ ዝነበሮ፧ (ለ) ሓድሓደ ግዜ ንየሆዋ ከተሐጕሶ ከቢድ ዝገብሮስ እንታይ ኢዩ፧
2 ነታ የሱስ ቀዳማይቲ ትእዛዝ ኢሉ ዝጸወዓ—እታ ኣዝያ ኣድላይት ትእዛዝ—ንኽንእዘዛ: ኵሉ ግዜ ንየሆዋ ባህ ዘብል ክንገብር የድሊ። የሱስ ዋላ እኳ ጴጥሮስ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ: ኣብ ካልእ ግዜ ድማ ናይ ቀረባ ኣዝማዱ: ነቲ መገዱ እንተ ተቓወምዎ: ኵሉ ግዜ ንየሆዋ ባህ ዘብል ኢዩ ገይሩ። (ማቴዎስ 16:21-23፣ ማርቆስ 3:21፣ ዮሃንስ 8:29) ንስኻኸ ኣብ ተመሳሳሊ ኵነታት እንተ ትህሉ እንታይ ምገበርካ፧ ንኣብነት: ኣባላት ስድራቤትካ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስካ ደው ከተብሎን ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘሎካ ሕብረት ከተቋርጾን ኢዮም ዝደልዩ ንበል። ንዕኡ ዘሐጕስ ብምግባር ንኣምላኽ ቀዳማይ ቦታዶ ክትህቦ ኢኻ፧ ኣባላት ስድራቤትካ ነቲ ንኣምላኽ ንኸተገልግሎ እትገብሮ ጻዕሪ ዝጻረርዎ እንተዀኑውን: ንኣምላኽ ቀዳማይ ቦታ ዲኻ እትህቦ፧
መፈንጠራ ናይ ስድራቤት ምጽራር
3. (ሀ) ትምህርቲ ክርስቶስ ንስድራቤት እንታይ ሳዕቤናት ኢዩ ዝህልዎ፧ (ለ) ኣባላት ስድራቤት ብዝበለጸ ንመን ከም ዝፈትዉ ብኸመይ ከርእዩ ይኽእሉ፧
3 ነቲ ንትምህርቱ እተቐበለ ሰብ እቶም ኣብታ ስድራቤት ዘለዉ ካልኦት ክጻረርዎ ከለዉ ክወርዶ ዝኽእል ሽግር የሱስ ኣቕሊሉ ኣይርኣዮን። የሱስ “ንሰብ እቶም ቤተሰቡ ጸላእቱ ኪዀኑ ኢዮም” በለ። እንተዀነ ግና: ከምዚ ዝኣመሰለ ዘሕዝን ሳዕቤን እናሃለወ: “እቲ ኻባይ ነቦኡን ኣዲኡን ዜፍቅር ንኣይ ኣይበቅዕን እዩ። ካባይሲ ንወዱ ወይስ ንጓሉ ዜፍቅር ድማ ንኣይ ኣይበቅዕን እዩ” ብምባል መን ቀዳማይ ቦታ ክወሃቦ ከም ዘለዎ የሱስ ኣርእዩ ኢዩ። (ማቴዎስ 10:34-37) ንትምህርትታት ናይቲ ‘ቅርጺ ባህሪኡ [ናይ ኣምላኽ]’ ዝዀነ ወዱ: የሱስ ክርስቶስ: ብምስዓብ ንየሆዋ ኣምላኽ ቀዳማይ ቦታ ንህቦ ኢና።—እብራውያን 1:3፣ ዮሃንስ 14:9
4. (ሀ) የሱስ ሰዓቢኡ ምዃን እንታይ ከም ዘጠቓልል ኢዩ እተዛረበ፧ (ለ) በየናይ መገዲ ኢዮም ክርስትያናት ንኣባላት ስድራቤት ክጸልኡ ዘለዎም፧
4 የሱስ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ: ናይ ሓቂ ሰዓቢኡ ምዃን እንታይ ከም ዘጠቓልል ክዛረብ ከሎ “ናባይ ዚመጽእ እንተሎ እሞ ኣቦኡን ኣዲኡን ሰበይቱን ደቁን ኣሕዋቱን ኣሓቱን: [ነፍሱውን ትሓዓ ] ከይተረፈት: እንተ ዘይጸልኤ: ወደ መዝሙረይ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ” በለ። (ሉቃስ 14:26) የሱስ: ሰባት ንጸላእቶም እውን ከይተረፈ ከፍቅሩ ኣዚዝዎም ስለ ዝነበረ: ሰዓብቱ ቃል ብቓሉ ንኣባላት ስድራቤቶም ክጸልኡ ኣለዎም ማለቱ ከም ዘይነበረ ግልጺ ኢዩ። (ማቴዎስ 5:44) ኣብ ክንድኡስ: የሱስ ሰዓብቱ ንኣባላት ስድራቤቶም ካብቲ ንኣምላኽ ዘፍቅርዎ ንታሕቲ ከፍቅርዎም ኣለዎም ማለቱ ኢዩ ነይሩ። (ምስ ማቴዎስ 6:24 ኣነጻጽሮ።) ምስ’ዚ ምርዳእ እዚ ብምስምማዕ መጽሓፍ ቅዱስ ያእቆብ ንልያ ከም ‘ዝጸልኣ’ ንራሄል ከኣ ከም ዝፈተዋ ይዛረብ: እዚ ድማ ንልያ ክንድቲ ንሓብታ ራሄል ዝፈትዋ ዝነበረ ገይሩ ኣይፈተዋን ማለት ኢዩ። (ዘፍጥረት 29:30-32) የሱስ ‘ነፍስና’ ወይ ህይወትና እውን ከይተረፈ ክንጸልኣ ከም ዘሎና ወይ ድማ ካብ የሆዋ ኣትሒትና ከነፍቅራ ከም ዘሎና ኢዩ እተዛረበ!
5. ሰይጣን ነቲ ናይ ስድራቤት ስርዓት ብጕርሒ ዝጥቀመሉ ከመይ ኢሉ ኢዩ፧
5 የሆዋ: ከም ፈጣርን ወሃብ ህይወትን መጠን: ካብ ኵሎም ኣገልገልቱ ምሉእ ተወፋይነት ዝግብኦ ኢዩ። (ራእይ 4:11) ሃዋርያ ጳውሎስ “ናብቲ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ ዅሉ [ስድራቤታት ትሓዓ ] ካብኡ ዚስመ ኣቦ ብብርከይ እምብርከኽ አሎኹ” ኢሉ ጸሓፈ። (ኤፌሶን 3:14, 15) የሆዋ ኣባላት ስድራቤት ኣብ ንሓድሕዶም ባህርያዊ ምፍታው ከም ዝህልዎም ብምግባር ነቲ ስርዓት ስድራቤት ብዘደንቕ መገዲ ኢዩ ፈጢርዎ። (1 ነገስት 3:25, 26፣ 1 ተሰሎንቄ 2:7) ይኹን እምበር: ሰይጣን ድያብሎስ: ነዚ ንእተፍቅሮም ሰባት ከተሐጕሶም ምብሃግ እውን ዘጠቓልል ባህርያዊ ምፍታው ስድራቤት: ብጕርሒ ኢዩ ዝምዝምዞ። ነዚ ከምዚ ዝበለ ናይ ስድራቤት ምጽራር ሃልሃልታ የንበድብዶ ኢዩ: ብዙሓት ድማ ኣብ ቅድሚ ከምዚ ዝኣመሰለ ምጽራር ብወገን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ኰይንኖም ጸኒዖም ክቘሙ ብድሆ ኰይኑ ረኺቦምዎ ኢዮም።—ራእይ 12:9, 12
ነቲ ብድሆ ብዓወት ምቅላሱ
6, 7. (ሀ) ኣባላት ስድራቤት ኣድላይነት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስን ናይ ክርስትያን ሕብረትን ንኸማስውሉ ብኸመይ ክሕገዙ ይኽእሉ፧ (ለ) ብሓቂ ንኣባላት ስድራቤትና ከም እነፍቅሮም ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧
6 ንኣምላኽ ምሕጓስዶ ወይስ ንኣባል ስድራቤት ምሕጓስ ካብ ዝብል ክትመርጽ ምስ እተግደድ: እንታይ ኢኻ ክትገብር፧ ቃሉ ምጽናዕን ስርዓታቱ ድማ ኣብ ግብሪ ምውዓልን ምስ ስድራቤት ምግርጫው ዝፈጥር ምስ ዝኸውን ኣምላኽ ከምኡ ክንገብር ኣይጽበየናን ኢዩ ኢልካዶ ከተመሳምስ ኢኻ፧ እንተዀነ ግን: ሕስብ እሞ ኣብሎ። ኢድካ እንተድኣ ሂብካን ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስካ ወይ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምሕባር እንተድኣ ኣቋሪጽካን: ከመይ ገይሮም ኢዮም እዞም እተፍቅሮም ሰባት ርጡብ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ: ናይ ህይወትን ሞትን ጕዳይ ምዃኑ ክርድኡ ዝኽእሉ፧—ዮሃንስ 17:3፣ 2 ተሰሎንቄ 1:6-8
7 ነቲ ኵነታት በዚ ዝስዕብ ከነብርሆ ንኽእል ኢና:- ምናልባት ሓደ ኣባል ስድራቤት ክቱር ሃንቀውታ ናይ ኣልኮል ይህልዎ ይኸውን። ነቲ ዘለዎ ናይ መስተ ጸገም ግዲ ዘይምግባር ወይ ሸለል ምባሉ ናይ ሓቂ ጥቕሚዶ ከምጽኣሉ ይኽእል ኢዩ፧ ስቕ ብምባልን ብዛዕባ እቲ ጸገሙ ድማ ምንም ነገር ብዘይ ምግባርን ነቲ ዘሎ ሰላም ምዕቃብዶ ይሓይሽ፧ ኣይፋሉን: ቍጥዓኡን ምፍርራሁን እውን ከይተረፈ እናተጻወርካ: ነቲ ናይ መስተ ግድሉ ንኸሸንፎ ክትሕግዞ ዝበለጸ ከም ዝኸውን ምናልባት ትሰማምዓሉ ትኸውን። (ምሳሌ 29:25) ብተመሳሳሊ: ንኣባላት ስድራቤትካ ብሓቂ ተፍቅሮም እንተድኣ ኰይንካ: በቲ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ምጽናዕ ንኸተቋርጽ ዝገብርዎ ጻዕርታት ኢድካ ኣይክትህብን ኢኻ። (ግብሪ ሃዋርያት 5:29) ጽኑዕ ኣቕዋም ብምውሳድ ጥራይ ኢኻ: ብትምህርቲ ክርስቶስ ምንባር ማለት እቲ ቀንዲ ህይወትና ምዃኑ ንኸማስውሉ ክትሕግዞም እትኽእል።
8. ካብቲ የሱስ ብተኣማንነት ፍቓድ ኣምላኽ ምግባሩ ብኸመይ ኢና እንጥቀም፧
8 ሓድሓደ ግዜ: ንኣምላኽ ቀዳማይ ቦታ ምሃብ ኣዝዩ ዘሸግር ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እንተዀነ ግና: ሰይጣን ንየሱስ እውን ፍቓድ ኣምላኽ ንምግባር ከም ዝኸብዶ ገይርዎ ኢዩ። ይኹን እምበር: የሱስ ፈጺሙ ኢዱ ኣይሃበን፣ ምእንታና ናይ ዕንጸይቲ ስቓይ ጻዕረ-ሞት እውን ከይተረፈ ተጸሚሙ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ‘የሱስ ክርስቶስ መድሓኒና ኢዩ:’ “ስሌና ሞተ” ይብል። (ቲቶስ 3:6፣ 1 ተሰሎንቄ 5:10) የሱስ ንምጽራር ኢዱ ብዘይ ምሃቡስ ኣይንሕጐስንዶ፧ መስዋእታዊ ሞት ብምጽማሙ: ኣብቲ ዝፈሰሰ ደሙ እምነት ብምርኣይ ኣብታ ሰላማዊት ናይ ጽድቂ ሓዳስ ዓለም ናይ ዘለኣለም ህይወት ተስፋ ኣሎና።—ዮሃንስ 3:16, 36፣ ራእይ 21:3, 4
ክርከብ ዝከኣል ክቡር ዓስቢ
9. (ሀ) ክርስትያናት ንኻልኦት ኣብ ምድሓን ብኸመይ ኢዮም ክካፈሉ ዝኽእሉ፧ (ለ) ኵነታት ስድራቤት ጢሞቴዎስ ከመይ ኢዩ ነይሩ፧
9 ነቶም ኣዚኻ እተፍቅሮም ኣዝማድ እውን ሓዊስካ ንኻልኦት ኣብ ምድሓን ንስኻውን ግደ ክህልወካ ከም ዝኽእል ኣስተውዒልካሉዶ ኢኻ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ “በዚ ነገር እዚ [በቲ እተማሃርካዮ] ጽናዕ። እዚ እንተ ገበርካስ: ንርእስኻን ነቶም ዚሰምዑኻን ከተድሕን ኢኻ” ኢሉ መዓዶ። (1 ጢሞቴዎስ 4:16 ሰያፍ ጽሑፍ ናትና።) እቲ ግሪኻዊ ኣቦኡ ዘይኣማኒ ስለ ዝነበረ: ጢሞቴዎስ ኣብ እተኸፋፈለት ስድራቤት ኢዩ ዝነብር ነይሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 16:1፣ 2 ጢሞቴዎስ 1:5፣ 3:14) ዋላ እኳ ኣቦኡ ንጢሞቴዎስ ዳሕራይ ኣማኒ ምዃኑን ዘይምዃኑን እንተ ዘይፈለጥና: እቲ ኣማኒ ክዀነሉ ዝኽእል ኣጋጣሚታት ግን በቲ እሙን ጠባይ ናይ ኤውኒቄ ሰበይቱን ጢሞቴዎስን ዝዓበየ ኢዩ ነይሩ።
10. ክርስትያናት ኣብ ክንዲ እቶም ዘይኣመንቲ ናይ መርዓ ብጾቶም ኰይኖም እንታይ ኢዮም ክገብሩ ዝኽእሉ፧
10 ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ኣጽኒዖም ዝሓዙ ሰብኡትን ኣንስትን: ነቶም ክርስትያናት ዘይኰኑ ናይ መርዓ ብጾቶም ኣመንቲ ንኽዀኑ ብምሕጋዝ: ከድሕንዎም ከም ዝኽእሉ ቅዱሳት ጽሑፋት ይገልጹ ኢዮም። ሃዋርያ ጳውሎስ “ሓደ ሓው ዘይኣማኒት ሰበይቲ እንተ አላቶ: ንሳ ድማ ምስኡ ኽትነብር እንተ ፈተወት: ኣይፍትሓያ: ሰበይቲውን ዘይኣማኒ ሰብኣይ እንተ አለዋ: ንሱ ኸኣ ምስኣ ኺነብር እንተ ፈተወ: ነቲ ሰብኣያ ኣይትፍትሓዮ። ኣቲ ሰበይቲ ንሰብኣይኪ እንተ ኣድሐንክዮ: እንታይ ትፈልጢ፧ ወይስ ኣታ ሰብኣይ: ንሰበይትኻ እንተ: ኣድሐንካያ እንታይ ትፍለጥ፧” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ቈረንቶስ 7:12, 13, 16) ሃዋርያ ጴጥሮስ: “ገለ ነቲ ቓል ዘይእዘዙ እንተ አለዉ: ነቲ ፍርሃት ዘለዎ ንጹህ ኣኻይዳኽን ምስ ረአዩ: በኻይዳ ኣንስቶም ብዘይ ቃል ከም ረብሓ ዀይኖም ምእንቲ ኺርከቡስ: ከምኡ ንሰብኡትክን ተአዘዛኦም” ኢሉ ብምምዓድ: ብሓቂ ኣንስቲ ንሰብኡተን ብኸመይ ከድሕና ከም ዝኽእላ ገለጸ።—1 ጴጥሮስ 3:1
11, 12. (ሀ) ኣሽሓት ክርስትያናት እንታይ ዓስቢ ኢዮም እተቐበሉ: ንኽረኽብዎኸ እንታይ ኢዮም ዝገበሩ፧ (ለ) ሓደ ኣባል ስድራቤት እሙን ኰይኑ ብምጽማሙ ዝረኸቦ ዓስቢ ዝገልጽ ተመኵሮ ኣዘንቱ።
11 ብዙሓት ኣሽሓት: ነዋርሕ ወይ ንዓመታት እውን ከይተረፈ ነቲ ክርስትያናዊ ንጥፈታት ናይቲ ምስክር ዘመዶም ክጻረርዎ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኖም ኢዮም። ኣየ እዝስ ነቶም ጽኑዓት ኰይኖም እተረኽቡ ክርስትያናት ከመይ ዝበለ ዓስቢ: ነቶም ሓደ ግዜ ተጻረርቲ ዝነበሩ ድማ ከመይ ዝበለ በረኸት ኰን ኢዩ! ሓደ 74 ዝዕድሜኡ ክርስትያን ሽማግለ: ኣብ ድምጹ ስምዒት ብዝተሓወሶ መገዲ ከምዚ እናበለ የዘንቱ:- “ንሰበይተይን ደቀይን እጻረሮም ኣብ ዝነበርኩሉ ዓመታት ኣብ ሓቂ ቀጥ ብምባሎም መብዛሕትኡ ግዜ ኢየ ዘመስግኖም።” ንሱ ብትዕቢት ንሰለስተ ዓመት ዝኣክል ንሰበይቱ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ክትዛረቦ እኳ ከይተረፈ ይነጽጋ ከም ዝነበረ ይዛረብ። “እንተዀነ ግን: ንሳ ምቹእ ግዜ ተጠቕመት: እግረይ ክትደርዘኒ ኸላ ድማ ክትምስክረለይ ትጅምር ነበረት። ክጻረራ ከለኹ ኢዳ ብዘይ ምሃባስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ሕጕስ ኢየ!” ይብል።
12 ካልእ ንስድራቤቱ እተጻረረ ድማ ከምዚ ኢሉ ጻሓፈ:- ‘ሓቂ ምስ ተቐበለት አፈራርሃ: ኵሉ ግዜ ድማ ባዕለይ ቈየቛ ብምጅማር መዓልቲ መዓልቲ ንጨቓጨቕ ስለ ዝነበርና ንሰበይተይ እቲ ዝኸፍኤ ጸላኢኣ ኢየ ነይረ። እንተዀነ ግን: ኵሉ ከንቱ ኢዩ ነይሩ፤ ሰበይተይ ኣብ ሓቂ ለገበት። በዚ ኸምዚ: ኣንጻር ሓቂ ከምኡውን ኣንጻር ሰበይተይን ውላደይን ዝገብሮ ዝነበርኩ ዘይግቱእ ቃልሲ ንዓሰርተው ክልተ ዓመታት ጸንሔ። ንኽልቲኦም ቍራጽ ሰይጣን ኢየ ነይረ።’ ኣብ መጨረሽታ ግን እቲ ሰብኣይ ህይወቱ ክምርምር ጀመረ። ‘ክሳዕ ክንደይ ሕሱም ከም ዝነበርኩ ተረዳኣኒ። ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢበዮ: ብሓገዝ መምርሒታቱ ድማ ሕጂ እተጠመቕኩ ምስክር ኢየ’ ብምባል ይገልጽ። እወ: ንዝገብሮ ዝነበረ ምጽራር ን12 ዓመታት ብእምነት ብምጽማም ‘ሰብኣያ ንኽድሕን’ ክትሕግዞ ብምኽኣላ እታ ሰበይቲ ዝረኸበቶ ብዙሕ ዓስቢ እሞ ሕሰቦ!
ካብ የሱስ ምምሃር
13. (ሀ) ካብቲ ናይ የሱስ ኣነባብራ: ሰብኡትን ኣንስትን ዝረኽብዎ ቀንዲ ትምህርቲ እንታይ ኢዩ፧ (ለ) እቶም ኣብ ትሕቲ ፍቓድ ኣምላኽ ኰይኖም ክግዝኡ ዘሸግር ኰይኑ ዝረኽብዎ ሰባት: ካብቲ ናይ የሱስ ኣብነት ብኸመይ ክጥቀሙ ይኽእሉ፧
13 ሰብኡትን ኣንስትን ካብ ኣነባብራ የሱስ ክማሃርዎ ዘለዎም ቀንዲ ትምህርቲ ንኣምላኽ ምእዛዝ ኢዩ። የሱስ “ኵሉ ሳዕ ባህ ዜብሎ እገብር እየ:” “ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እምበር: ፍቓደይ ኣይደልን እየ” በለ። (ዮሃንስ 5:30፣ 8:29) ሓደ ግዜ የሱስ ሓደ ፍሉይ መዳይ ናይ ፍቓድ ኣምላኽ ባህ ዘየብል ኰይኑ እኳ እንተረኸቦ: እዙዝ ኢዩ ነይሩ። “ፍቓድካ እንተ ዀይኑስ: ነዛ ጽዋእ እዚኣ ኻባይ ኣሕልፋ” ኢሉ ጸለየ። እንተዀነ ግና: ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ “ግናኸ ፍቓድካ እምበር: ፍቓደይሲ ኣይኹን” በለ። (ሉቃስ 22:42) የሱስ ንኣምላኽ ፍቓዱ ኽቕይር ኣይሓተቶን: ዝዀነ ይኹን ንዕኡ ዝምልከት ፍቓድ ኣምላኽ ብተኣዛዝነት ብምግዛእ ብሓቂ ንኣምላኽ ከም ዘፍቀሮ ኣርእዩ ኢዩ። (1 ዮሃንስ 5:3) ከምቲ የሱስ ዝገበሮ: ፍቓድ ኣምላኽ ምቕዳም: ንኽትዕወት ኣዝዩ ኣድላዪ ዝኸውን ኣብ ንጽል ናብራ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ናይ ምርዕዋትን ስድራቤትን ናብራ እውን ኢዩ። እዚ ስለምንታይ ከምኡ ከም ዝዀነ እስከ ርአ።
14. ገለ ክርስትያናት ከመይ ኢሎም ኢዮም ብዘይግቡእ ዘማኻንዩ፧
14 ከምቲ ቅድም ኢሉ እተገልጸ: እቶም ኣመንቲ ንኣምላኽ ቀዳማይ ቦታ ክህብዎ ከለዉ: ምስቶም ዘይኣመንቲ ብጾቶም ክነብሩ ኢዮም ዝደልዩ ከምኡውን መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ጐደና ድሕነት ክመጹ ይሕግዝዎም ኢዮም። ክልቲኦም ናይ ሓዳር ብጾት ኣመንቲ እንተዀኑ እውን ከይተረፈ: መርዓኦም ከምቲ ዝድለ ካብ ምዃን ዝረሓቐ ኢዩ። ብምኽንያት ሓጥእ ዝንባለታት: ሰብኡትን ኣንስትን ኵሉ ግዜ ኣይኰኑን ኣብ ንሓድሕዶም ፍቕራዊ ተገዳስነት ዘለዎም። (ሮሜ 7:19, 20፣ 1 ቈረንቶስ 7:28) ገሊኦም ዋላ እኳ ንኽፋትሑ ቅዱስ ጽሑፋዊ መሰረት እንተ ዘይብሎም: ክሳዕ ካልእ ናይ መርዓ ብጻይ ኣብ ምድላይ እውን ከይተረፈ ይበጽሑ ኢዮም። (ማቴዎስ 19:9፣ እብራውያን 13:4) እቲ ሰብኡትን ኣንስትን ብሓንሳእ ክነብሩ ኣለዎም ዝብል ፍቓድ ኣምላኽ ኣዝዩ ከቢድ ምዃኑ ብምምኽናይ ምፍልላይ ንዕኦም እቲ ዝበለጸ ምዃኑ ምኽንያት የቕርቡ። (ሚልክያስ 2:16፣ ማቴዎስ 19:5, 6) እዚ ብዘይ ገለ ሕቶ ካልእ መዳይ ናይቲ ኣብ ክንዲ ሓሳብ ኣምላኽ ምሕሳብ: ሓሳብ ሰብ ምሕሳብ ኢዩ።
15. ንኣምላኽ ቀዳማይ ቦታ ምሃብ ዕቝባ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
15 ንኣምላኽ ቀዳማይ ቦታ ምሃብስ ከመይ ዝበለ ዕቝባ ኰን ኢዩ! እቶም ከምኡ ዝገብሩ ምርዑዋት ጽምዲ: ብሓባር ጠቢቖም ክነብሩን ንግድላቶም ድማ ምኽሪ ኣምላኽ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ክፈትሕዎን ክፍትኑ ኢዮም። ስለዚ ድማ ነቲ ፍቓዱ ሸለል ብምባል ክስዕብ ዝኽእል ኵሉ ዓይነት ቃንዛታት የወግዱ። (መዝሙር 19:7-11) እዚ በቶም ዳርጋ ኣብ ምፍታሕ በጺሖም ዝነበሩ: ድሓር ግን ንምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ክስዕቡ ዝወሰኑ መንእሰያት ሰብኣይን ሰበይትን ክርአ ይኽእል ኢዩ። ዓመታት ጸኒሑ እታ ሰበይቲ: እቲ ኣብ መርዓኣ ዝነበራ ሓጐስ ክትገልጽ ከላ ከምዚ ትብል:- “ኣብዚ ኵሉ ዓመታት ካብ ሰብኣየይ ተፈልየ ክነብሮ ዝኽእል ዝነበርኩ ናብራ ክሓስብ ከሎኹ: ኮፍ ኢለ ኢየ ዝነብዕ። ድሓር ናብቲ ምኽሩን መምርሒኡን ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘሐጕስ ሕብረት ዝመለሰና የሆዋ ኣምላኽ እጽሊ: አመስግኖ ድማ።”
ሰብኡት: ኣንስቲ—ንክርስቶስ ምሰልዎ!
16. ንኽልቲኦም ሰብኡትን ኣንስትን: የሱስ ከመይ ዝበለ ኣብነት ኢዩ ገዲፉሎም፧
16 እቲ ኵሉ ግዜ ንኣምላኽ መጀመርያ ቦታ ዝህቦ ዝነበረ የሱስ: ንሰብኡትን ኣንስትን ዝኸውን ድንቂ ኣብነት ገዲፉ ኢዩ: ነዚ ውሕሉል ኣቓልቦ ምስ ዝገብርሉ ድማ ሰናይ ይገብሩ። ሰብኡት እቲ የሱስ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣባላት ናይታ ክርስትያዊት ማሕበር ዘርእዮ ዝነበረ ናይ ለዋህ ርእስነት ኣተገባብራ ክቐድሕዎ ተተባቢዖም ኣለዉ። (ኤፌሶን 5:23) ክርስትያናት ኣንስቲ ድማ ካብቲ የሱስ ኣብ ኣምላኽ ዘለዎ ኣበር ዘይብሉ ናይ ተኣዛዝነት ኣብነት ክማሃራ ይኽእላ ኢየን።—1 ቈረንቶስ 11:3
17, 18. ብኸመይ ዝበለ መገድታት ኢዩ የሱስ ንሰብኡት ሰናይ ኣብነት ዝገደፈሎም፧
17 መጽሓፍ ቅዱስ ‘ከምቲ ክርስቶስ ንማሕበሩ ዘፍቀራ: ርእሱ ድማ በጃኣ ዝሃበ ኣቱም ሰብኡት: ኣንስትኹም ኣፍቅሩ’ እናበለ ይእዝዝ። (ኤፌሶን 5:25) እቲ የሱስ ንማሕበር እቶም ስዓብቱ ዝነበሮ ፍቕሪ ዝገለጸሉ ሓደ ቀንዲ መገዲ ናይ ቀረባ ዓርኮም ብምዃን ኢዩ። የሱስ “እቲ ኻብ ኣቦይ ዝሰማዕክዎ ዘበለ ንኣኻትኩም ስለ ዘፍለጥኩኹም እየ ኣዕሩኸይ ዝበልኩኹም” በለ። (ዮሃንስ 15:15) ኵሉ እቲ የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ንኽዛረብ ዘሕለፎ ግዜ—ምስኦም ዝገበሮ ኣዝዩ ብዙሕ ምይይጥ—ከምኡውን ኣብኦም ኣንቢርዎ ዝነበረ ተኣማንነት እሞ ሕስብ ኣብሎ! እዝስ ንሰብኡት ብሉጽ ኣብነትዶ ከይኰነ፧
18 የሱስ ኣብቶም ደቀ መዛሙርቱ ናይ ሓቂ ተገዳስነትን ቅኑዕ ምፍታውን የርኢ ነይሩ ኢዩ። (ዮሃንስ 13:1) እቲ ትምህርትታቱ ምስ ዘይበርሃሎም: ግዜ ብምውሳድ ብትዕግስቲ ንበይኖም ገይሩ የብራሃሎም ነበረ። (ማቴዎስ 13:36-43) ኣቱም ሰብኡት: ናይ ኣንስትኹም መንፈሳዊ ድሕንነት ልክዕ ከምቲ ናይ ገዛእ ርእስኹም መንፈሳውነት ዘገደሰኩም ኣገዳሲ ድዩ፧ ክልቴኹም ኣብ ኣእምሮኹምን ልብኹምን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንጹር ምዃኑ ንምርግጋጽ ግዜ ትወስዱዶ፧ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ: ምናልባት ንነፍሲ ወከፎም በብውልቂ እናለማመደ: ኣብቲ ኣገልግሎት የሰንዮም ነይሩ ኢዩ። ንሰበይትኻ ኣብቲ ዝግበር ናይ ቤተ-ቤት ምብጻሕን ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምምራሕን ብምክፋል: ኣብ ኣገልግሎት ተሰንያ ዲኻ፧
19. እቲ የሱስ ምስቲ ናይ ደቀ መዛሙርቱ ተደጋጋሚ ድኽመታት: ዘርኣዮ ምምልላስ ብኸመይ ኢዩ ንሰብኡት ኣብነት ዝኸውን፧
19 የሱስ: ብፍላይ ኣብቲ ንናይ ደቀ መዛሙርቱ ዘይፍጽምና ዘርኣዮ ኣተሓሕዛ: ንሰብኡት ብሉጽ ኣብነት ኢዩ ገዲፍሎም። ኣብቲ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ዝገበሮ ናይ መወዳእታ መኣዲ: ተደጋጋሚ መንፈስ ምውድዳር ክዕዘብ ክኢሉ ኢዩ። ኣምሪሩዶ ወቒስዎም ኢዩ፧ ኣይፋሉን: ኣብ ክንድኡስ ብትሕትና ናይ ነፍሲ ወከፎም ኣእጋር ሓጺቡ ኢዩ። (ማርቆስ 9:33-37፣ 10:35-45፣ ዮሃንስ 13:2-17) ምስ ሰበይትኻ ከምዚ ዝበለ ትዕግስቲዶ ተርኢ ኢኻ፧ ኣብ ክንዲ በቲ ዝርአ ተደጋጋሚ ድኽመታት እተዕዘምዝም: ብትዕግስቲዶ ክትሕግዛን ብኣብነትካ ድማ ልባ ክትረክብን ትጽዕር ኢኻ፧ ከምቲ እቶም ሃዋርያት ኣብ መወዳእታ ዝገበርዎ: ኣንስቲ ነዚ ከምዚ ዝበለ ፍቕራዊ ድንጋጽ ከም ዝምልሳሉ ፍሉጥ ኢዩ።
20. ክርስትያን ኣንስቲ ፈጺመን ክርስዕኦ ዘይብለን እንታይ ኢዩ: ኣብነት ዝዀነንከ መን ተገሊጹ ኣሎ፧
20 ኣንስቲ እውን ነቲ ‘ርእሲ ክርስቶስ ኣምላኽ’ ምዃኑ ረሲዑ ዘይፈልጥ የሱስ ክዝክራኦ የድልየን ኢዩ። ንሱ ነቲ ሰማያዊ ኣቦኡ ኵሉ ግዜ ኢዩ ዝግዝኦ። ብተመሳሳሊውን: ኣንስቲ ‘ርእሲ ሰበይቲ ሰብኣይ’ ምዃኑ ክርስዓ የብለንን: እወ: ሰብኣየን ርእሰን ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 11:3፣ ኤፌሶን 5:23) ሃዋርያ ጴጥሮስ ንክርስትያን ኣንስቲ ኣብነት ናይተን ቀደም ዝነበራ “ቅዱሳት ኣንስቲ:” ብፍላይ ድማ ናይታ “ንኣብርሃም ጐይታይ እናበለት እተአዘዘቶ” ሳራ: ክዝክራ ምዒዱወን ኢዩ።—1 ጴጥሮስ 3:5, 6
21. እቲ ናይ ኣብርሃምን ሳራን ሓዳር ዕዉት ዝነበረ: ናይ ሎጥን ሰበይቱን ግን ዝፈረሰ ስለምንታይ ኢዩ፧
21 ሳራ ኣብ ሃገር ጓና ኣብ ድንኳን ንኽትነብር ኣብ ሓንቲ ሃብታም ከተማ ዝነበራ ምቾት ዘለዎ ቤት ብርግጽ ገዲፋ ኢያ። ስለምንታይ፧ ነቲ ኣገባብ ናብራ እቲ ስለ ዝፈተወቶ ድዩ፧ ዘይመስል ኢዩ። ሰብኣያ ንኽትከይድ ስለ ዝሓተታ ድዩ፧ ሳራ ንኣብርሃም በቲ ዝነበሮ ኣምላኻዊ ባህርያት ትፈትዎን ተኽብሮን ስለ ዝነበረት: እዚ ሓደ ረቛሒ ክኸውን ከም ዝኽእል ዘጠራጥር የብሉን። (ዘፍጥረት 18:12) እንተዀነ ግን: እቲ ምስ ሰብኣያ ክትከይድ ዝደረኻ ቀንዲ ምኽንያት: ንየሆዋ ዝነበራ ፍቕርን ንመምርሒታት ኣምላኽ ክትስዕብ ዝነበራ ዓሚቝ ባህግን ኢዩ። (ዘፍጥረት 12:1) ኣብ ምእዛዝ የሆዋ ሓጐስ ረኺባ ኢያ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ: ሰበይቲ ሎጥ: ፍቓድ ኣምላኽ ንምግባር ተጠራጠረት: ስለዚ ድማ ነቲ ኣብ ዓዳ: ሶዶም: ዝገደፈቶ ነገራት ክትርኢ ብምህንጣይ ንድሕሪት ጠመተት። (ዘፍጥረት 19:15, 25, 26፣ ሉቃስ 17:32) ነቲ ሓዳር እቲ—ብምኽንያት እቲ ንኣምላኽ ዘርኣየቶ ዘይምእዛዝ—ኣየ ከመይ ዝበለ ዘሕዝን መወዳእታ ኰን ኢዩ ኣጋጢምዎ!
22. (ሀ) ኣባላት ስድራቤት እንታይ ርእሰ-ምምርማር ኢዮም ብጥበብ ክገብሩ ዘለዎም፧ (ለ) ኣብታ እትቕጽል መጽናዕትና እንታይ ኢና ክንርኢ፧
22 ስለዚ ከም ሰብኣይ ወይ ከም ሰበይቲ መጠን: ንርእስኻ ‘ኣምላኽ ኣብ ስድራቤትና ቀዳማይ ቦታ ድዩ ዘለዎ፧ እቲ ኣምላኽ ንዓይ ሂቡኒ ዘሎ ናይ ስድራቤት ግደ ንኽፍጽም ብሓቂዶ እጽዕር ኣሎኹ ኢየ፧ ንናይ መርዓ ብጻየይ ንኸፍቅሮ ከምኡውን ምስ የሆዋ ጽቡቕ ዝዀነ ዝምድና ንኽገብር ወይ ንኽዕቅብ ቅንዕና እተሓወሶ ጻዕርዶ እገብር ኢየ፧’ ኢልካ ክትሓትት ኣድላዪ ኢዩ። ኣብ መብዛሕትአን ስድራቤታት ውሉዳት እውን ኣለዉ። ናይ ወለዲ ግደ ከምኡውን ክልቲኦም: ወለድን ውሉዳትን: ንኣምላኽ ቀዳማይ ቦታ ምሃቦም ኣድላይነቱ ቀጺልና ክንርእዮ ኢና።
ትዝክሮዶ፧
◻ ትምህርቲ ክርስቶስ ንብዙሓት ስድራቤታት እንታይ ሳዕቤን ኢዩ ከምጽእ ዝኽእል፧
◻ ኣሸሓት ጽኑዓት ክርስትያናት እንታይ ዓስቢ ኢዮም እተቐበሉ፧
◻ ናይ መርዓ ብጾት ዘይስነ-ምግባራዊ ተግባራትን ፍትሕን ንኸወግዱ እንታይ ክሕግዞም ኢዩ፧
◻ ሰብኡት ካብቲ ናይ የሱስ ኣብነት እንታይ ኢዮም ክማሃሩ ዝኽእሉ፧
◻ ኣንስቲ ንሕጕስ ሓዳር ብኸመይ ከበርክታ ይኽእላ፧
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]
ሳራ ንናይ ሓዳራ ዓወት ብኸመይ ኢያ ኣበርክቶ ዝገበረት፧