ንመላእኽቲ ዝምልከት ሓቂ
ዝበዝሕ ግዜ: ምስ ሓደ ሰብ ምፍላጥ ማለት ብዛዕባ ስድራቤቱ እውን ገለ ነገር ምፍላጥ ዘጠቓልል ኢዩ። ንየሆዋ ኣምላኽ ምፍላጥውን ልክዕ ከምኡ ኢዩ። ስሙ ካብ ምፍላጥ ንላዕሊ ዘጠቓልል ኢዩ። ብዛዕባ እቶም ኣብ ሰማይ ዘለዉ “ስድራቤቱ” እውን ገለ ነገር ክንፈልጥ ይግባኣና ኢዩ። (ምስ ኤፌሶን 3:14, 15 “ትሓዓ” ኣረኣእዮ።) መጽሓፍ ቅዱስ ንመላእኽቲ “ደቂ” ኣምላኽ ኢሉ ኢዩ ዝጽውዖም። (እዮብ 1:6) ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ ፍሉጥ ግደኦም ኣብ ግምት ብምእታው ድማ: ኣብ ዕላማ ኣምላኽ ዘለዎም ቦታ ምእንቲ ክንርድኦ ብዛዕባኦም ዝያዳ ክንፈልጥ ክንብህግ ይግብኣና።
ሓ ደ ሓድሽ ንኡስ ባህሊ ይዓቢ ኢዩ ዘሎ። ብዙሓት ሰባት ኣብ መላእኽቲ ከም ዝኣምኑ ይዛረቡ ጥራይ ኣይኰኑን ዘለዉ: ቍጽሮም እናወሰኸ ዝኸይድ ሰባት ብገለ መገዲ ብኣኣቶም ከም እተተንከፉ ይዛረቡ ኢዮም። 500 ዝዀኑ ኣመሪካውያን “ብውልቅኻ ናይ መላእኽቲ ህላዌ ተሞኲርካዮዶ ትፈልጥ፧” ዝብል ሕቶ ምስ ተሓቱ: ዳርጋ ሲሶ ዝዀኑ እወ ዝብል መልሲ ኢዮም ሂቦም። እቲ ዘገርም ድማ: ቍጽሪ ናይቶም ኣብ መላእኽቲ ንኣምን ኢና ዝብሉ መንእሰያት ኢዩ:—ብመሰረት ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እተገብረ ናይ ድምጺ ፍቕድታት እቲ ቍጽሪ ምሉእ 76 ካብ ሚእቲ ኢዩ ነይሩ! ብግልጺ: ሰባት ኣብ መላእኽቲ ተገዳስነት የሕድሩ ኣለዉ። እንተዀነ ግን: እዚ ሕጂ ዘሎ ንመላእኽቲ ዝምልከት ሓሳብ ብናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ብኸመይ ኢዩ ዝርአ፧
ነቲ ናይ ሰይጣን ተራ ይዓባብጦ
ብዛዕባ መላእኽቲ ክንዛረብ ከሎና ነቶም እኩያት መላእኽቲ: መጽሓፍ ቅዱስ ኣንጻር ኣምላኽ ከም ዝዓለዉ ዝዛረበሎም ሰማያውያን ፍጡራት: ክንርስዖም ኣይግባኣናን ኢዩ። ካብዚኣቶም ቀንዲ ሰይጣን ኢዩ። ሓንቲ ኣስክ ዩር ኤንጅልስ (ንመላእኽትኻ ሕተቶም) እተባህለት ፍልጥቲ መጽሓፍ: ሰይጣን ንሰባት ብቐጻሊ ፈተና ገይሩ ነቲ “መንፈሳዊ ጭዋዳታቶም” ንምጥንካር ዝሕግዞም “ናይ ኣምላኽ ክፍሊ” ኢዩ ኢላ ሓሳብ ትህብ። ናይ ሰይጣን “ፍቕራዊ ሓሳብ” እኳ እንተሎ: ኣብዚ ዝሓለፈ ዘበናት ብጌጋ ከም ክፉእ ክፍለጥ ጸኒሑ ኢዩ ብምባል እቶም ደረስቲ ይገልጹ። ሰይጣንን የሱስን “ብልክዕ ሓደ ነቲ ሓደ ዝትክኦ እኳ እንተ ዘይኰኑ: እንተወሓደ ግን ኣብ ሓደ ወገን ኢዮም ዘለዉ: ዘይፈላለዩ ክፍልታት ናይ ሓደ ኣካል ድማ ኢዮም” ብምባል ይውስኹ። እዚኣቶም ዘገርሙ መግለጺታት ኢዮም: እንተዀነ ግን: መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
መጽሓፍ ቅዱስ ሰይጣን “ናይ ኣምላኽ ክፍሊ” ዘይኰነስ ጸላኢ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ኢዩ ግልጺ ዝገብሮ። (ሉቃስ 10:18, 19፣ ሮሜ 16:20) ንልዕልነት የሆዋ ኣበላሽይዎ ኢዩ: ኣብ ሰባት ዘለዎ ሓሳባት ኸኣ “ፍቕራዊ” ኢዩ ክበሃል ዘይከኣል ኢዩ። ንቝጥዓኡ ኣብ ልዕሊ እቶም ምድራውያን ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብጭከና ኢዩ ዘውጽኦ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ለይትን መዓልትን ኢዩ ዝኸሶም!a (ራእይ 12:10, 12, 15-17) እተኸፍለ ይከፈል: ሰይጣን ከበላሽዎም ኢዩ ዝደሊ። እቲ ኣብ እዮብ: እቲ ጻድቕ ሰብኣይ: ዝፈጸሞ ምሕረት ዘይብሉ መስጐጕቲ: ኣብ ልዕሊ ሰባት ብዝወርድ ስቓይ ቅጭጭ ዘይብሎ ምዃኑ ኣቃሊዕዎ ኢዩ።—እዮብ 1:13-19፣ 2:7, 8
“ኣብ ሓደ ወገን” ካብ ምዃን ኣዝዩ ዝረሓቐ: ሰይጣንን የሱስን ምሉእ ብምሉእ ኣንጻር ኢዮም። ምኽንያቱ ሄሮዶስ ጃምላዊ ቅትለተ-ናጽላ—ነቲ ንእሽቶ ህጻን ዝነበረ የሱስ ንምቕታል—ንኽእውጅ ዝደፋፍኦ ብዘይጥርጥር ሰይጣን ኢዩ ነይሩ! (ማቴዎስ 2:16-18) ከምኡውን እቲ ናይ ሰይጣን ዕረፍቲ ዘይብሉ መጥቃዕትታት ክሳዕ እታ የሱስ ዝሞተላ እዋን ቀጺሉ ኢዩ። (ሉቃስ 4:1-13፣ ዮሃንስ 13:27) ስለዚ: የሱስን ሰይጣንን ኣብ ክንዲ “ዘይፈላለዩ ክፍልታት ናይ ሓደ ኣካል” ዝዀኑ: ምሉእ ብምሉእ ተጻረርቲ ኢዮም። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትንቢት ጽልኦም ዘይተርፍ ምዃኑ ኢዩ ዘርኢ። (ዘፍጥረት 3:15) ብልክዕ ድማ: እቲ ዝተንስአ የሱስ ኢዩ ኣብቲ ናይ ኣምላኽ ግቡእ ግዜ ንሰይጣን ዘጥፍኦ።—ራእይ 1:18፣ 20:1, 10
ጸሎት ናብ መን፧
ገለ ተጣበቕቲ ናይቲ ናይ መልኣኽ ምንቅስቃስ: ምስ መላእኽቲ ንኽትራኸብ ምስትንታንን ካልእ ኣገባባትን ክትጥቀም ሓሳባት የቕርቡ። ሓንቲ መጽሓፍ: “ምስ ዝዀነ ኣባል ናይቲ ሰማያዊ ስድራቤት ንኽትራኸብ ብቕንዕና ዝግበር ሕቶ ኣቓልቦ ከይተገብረሉ ዝሕለፍ ኣይኰነን። ሕተት ክምለሰልካ ኸኣ ኢዩ” ትብል። ካብ መንጎ እቶም እታ መጽሓፍ ዝጠቐሰቶም ምኽሪ ደሊኻ እትቐርቦም መላእኽቲ ድማ ሚካኤል: ገብርኤል: ኡራኤል: ከምኡውን ሩፋኤል ይርከብዎም።b
ይኹን እምበር: የሱስ ንሰዓብቱ ናብ ኣምላኽ ድኣምበር ናብ መላእኽቲ ክጽልዩ ኣይማሃሮምን። (ማቴዎስ 6:9, 10) ብተመሳሳሊውን ጳውሎስ “ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ” ኢሉ ጸሓፈ። (ፊልጲ 4:6 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ስለዚ ድማ: ክርስትያናት ጸሎቶም ናብ የሆዋ እንተ ዘይኰይኑ ናብ ካልእ ኣየቕርቡን ኢዮም: ነዚ ድማ ብስም የሱስ ክርስቶስ ኢዮም ዝገብርዎ።c—ዮሃንስ 14:6, 13, 14
መላእኽቲ ስም ኣልቦ ድዮም፧
ብመሰረት እታ ናይ መላእኽቲ ምክትታል መርበብ እትዕዘብ ኢለን ኢልያስ ፍሪማን “መላእኽቲ ንነፍሲ ወከፍ ሃይማኖት: ንነፍሲ ወከፍ ፍልስፍና: ከምኡውን ንነፍሲ ወከፍ እምነት ዝሓልፉ ኢዮም። አረ: ከምቲ እንፈልጦስ መላእኽቲ ሃይማኖት የብሎምን።”
ይኹን እምበር: መጽሓፍ ቅዱስ መላእኽቲ ሃይማኖት ከም ዘለዎም ግልጺ ይገብሮ ኢዩ፣ ነቲ ካብ ካልኦት ኣማልኽቲ ዝዀነ ምውድዳር ዘይጻወር: ሓቀኛ ኣምላኽ የሆዋ: ኢዮም ዘምልኹ። (ዘዳግም 5:6, 7፣ ራእይ 7:11) ስለዚ: ሓደ ከምዚ ዝኣመሰለ መልኣኽ: “ከምቶም” ትእዛዛት ኣምላኽ ዝሕልዉ “ባርያ” ኢየ ኢሉ ንገዛእ ርእሱ ምስ ሃዋርያ ዮሃንስ ኣፋለጣ። (ራእይ 19:10) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዝዀነ ይኹን ክፍሊ እሙናት መላእኽቲ ንዝዀነ ካልእ ዓይነት ኣምልኾ ክብ ከብሉ ከለዉ ዝገልጽ ሓሳባት ኣይንረክብን ኢና። ንየሆዋ ምሉእ ተወፋይነት ኢዮም ዝህብዎ።—ዘጸኣት 20:4, 5
‘ኣቦ ሓሶት’
ብዙሓት ምስ መላእኽቲ ምርኻብ ተባሂሎም ዝጽውዑ: ምስ ምዉታት ምርኻብ እውን ዘጠቓልሉ ኢዮም። ሓንቲ ኤለስ እተባህለት ሰበይቲ: ምልክት ኢዩ እትብሎ ነገር ምስ ረኸበት ከምዚ ትብል:- “ኣኮይ (ሓዎቦይ) ክረኽበኒ ኣጋጣሚ ከም ዝረኸበ ኰይኑ ይስምዓኒ ከምኡውን ኣብ መወዳእታ ሕጕስ ከም ዝዀነ ኣፍሊጡኒ ኢዩ።” ተረ እውን ንሓደ ዝሞተ ክቡር ዓርካ ብተመሳሳሊ ትዝክሮ። ንሳ ከምዚ ትብል:- “ድሕሪ እቲ ናይ ቀብሪ ስነ-ስርዓት ሰሙን ጸኒሑ በቲ ሕልሚ ኢዩ ኢለ ዝሓሰብክዎ መጸኒ። ሕጕስን ኣብ ሰላም ድማ ስለ ዘሎን ብምፍላዩ ክሓዝን ከም ዘይብለይ ነገረኒ።”
እንተዀነ ግን: መጽሓፍ ቅዱስ ምዉታት “ገለ እኳ ኣይፈልጡን” ብምባል ኢዩ ዝገልጽ። (መክብብ 9:5) ከምኡውን ሓደ ሰብ ምስ ሞተ “ሃቐናኡ ይጠፍእ” ኢዩ ዝብል። (መዝሙር 146:4) ይኹን እምበር: ሰይጣን ‘ኣቦ ሓሶት’ ኢዩ። (ዮሃንስ 8:44) ነቲ ነፍሲ ሰብ ብድሕሪ ሞት ትነብር ኢያ ዝብል ሓሶት ዝመነጮ ንሱ ኢዩ። (ምስ ህዝቅኤል 18:4 ኣረኣእዮ።) ሎሚ ብዙሓት ሰባት ነዚ ምስ ዕላማ ሰይጣን ዝሰማማዕ: ኣብ ትንሳኤ እምነት ናይ ምግባር ኣድላይነት—ናይ ክርስትና መሰረታዊ ሰረተ-እምነት ዝዀነ—ዝጻረር ይኣምንዎ ኢዮም። (ዮሃንስ 5:28, 29) ስለዚ: ንምዉታት ምጥያቕ ወይ ብተመሳሳሊ ካብኣቶም መልእኽቲ ምቕባል: ካልእ ገጽ ናይቲ ስምረት ኣምላኽ ዘይብሉ ናይ መልኣኽ ምንቅስቓስ ኢዩ።
ናብ መላእኽቲዶ ወይስ ናብ ኣጋንንቲ ምቕራብ፧
ዝበዝሕ ካብዚ ሕጂ ዘሎ ናይ መላእኽቲ ምንቅስቃስ ኣብ ምስጢራዊ ነገር እተጠቓለለ ኢዩ። ናይ ማርስያ ተመኵሮ እሞ ርኣዮ። ንሳ ከምዚ ትብል:- “ካብ መስከረም ክሳዕ ታሕሳስ 1986 ዘሎ ግዜ ካብቲ ‘ክንዮ ሳልሳይ ማእዝን’ መልእኽትታት ክቕበል ጀመርኩ። ንመልኣከ ሞት ርእየ: እዚ ዘይብሃል ናይ ‘ሕሉፍ ህይወት’ ሕልምታት ድማ ነበረኒ። ዝሞቱ ኣዕሩኸይ ረኺበዮም ከምኡውን ብዛዕባ ረኺበዮም ዝነበርኩ ሰባት ዝፈልጦ ዝነበርኩ ብዙሕ ኣእምሮኣዊ ተዘክሮታት ድማ ነበረኒ። ብዘይውኖኻ ናይ ምጽሓፍ ክእለትን ካብቶም ዘይረኣዩ ኣካላት መልእኽትታት ናይ ምትሕልላፍ መሰልን ዝኣመሰለ ውህበት ብምርካበይ ተባሪኸ ኢየ። ገለ: ኣብ ግዜ ምድራዊ ህይወቶም ፈጺመ ረኺበዮም ዘይፈልጥ ሰባት: ብኣይ ገይሮም ናብ ካልኦት መልእኽቲ የተሓላልፉ ኢዮም።”
ምስ መላእኽቲ ን“ምርኻብ” ጥንቈላ ምጥቃም ዘይልሙድ ነገር ኣይኰነን። ሓደ ጽሑፍ: ንኣንበብቱ ናይ ሽሕር ኣእማን: ናይ ጥንቈላ ካርታ: ናይ ኢ ጂንግ ሰናቲም: ንባብ ኢድ: ከምኡውን ቈጸራ ኸዋኽብቲ ክጥቀሙ ብግልጺ የተባብዕ። እቶም ደረስቲ ከምዚ ኢሎም ይጽሕፉ:- “ናብቲ ኣማልኽቲ ቅኑዕ መልሲ ዝህብሉ ቦታ ምእንቲ ክመርሓካ ነቲ ውሽጣዊ እንታይነትካ ኣፍቅደሉ: ከምኡውን ኣብኡ ሓደ መልኣኽ ከም ዝረኽበካ እመን።”
ይኹን እምበር: ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ: ‘ኣብኡ ዝረኽበካ ዝዀነ ይኹን ነገር’ ብርግጽ ሓደ ካብ መላእኽቲ ኣምላኽ ኣይኰነን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ጥንቈላ ምስ ኣምላኽ ብቐጥታ ዝጻረር ኢዩ: ሓቀኛታት ኣምለኽቱ—ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘለዉ—ኸኣ ምስኡ ምንም ዘራኽብ የብሎምን። ስለዚ ኢዩ ኣብ እስራኤል ጥንቈላ ሞት ዘስዕብ ገበን ዝነበረ! እቲ ሕጊ “እዚ ነገር እዚ ዚገብር ኵሉ ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ” ኢሉ ይገልጽ።—ዘዳግም 13:1-5፣ 18:10-12
‘መልኣኽ ብርሃን’
ሰይጣን: ንጥንቈላ ጠቓሚ: ናይ መልኣኽ ተግባር እውን ከይተረፈ ከምስሎ ይኽእል ምዃኑ ከገርመና የብሉን። መጽሓፍ ቅዱስ ሰይጣን “ንመልኣኽ ብርሃን የምስል እዩ” ይብል። (2 ቈረንቶስ 11:14) ምልክታት ብምፍጣርን ድሓር ከኣ ከም ዝፍጸሙ ብምግባርን እውን ከይተረፈ ነቶም ዝረኣዮም እቲ ፋል ካብ ኣምላኽ ከም ዝመጸ ገይሮም ከም ዝሓስቡ ገይሩ ከታልሎም ይኽእል ኢዩ። (ምስ ማቴዎስ 7:21-23፣ 2 ተሰሎንቄ 2:9-12 ኣረኣእዮ።) እንተዀነ ግን: ኵሎም ግብርታት ሰይጣን—ክሳዕ ክንደይ ውሕሉላት ወይ ተንኮለኛታት መሲሎም ይረኣዩ ብዘየገድስ—ካብ ክልቲኡ ዕላማ ንሓዲኡ ማለት:- ንሰባት ኣንጻር የሆዋ ከም ዝኸዱ ንምግባር ወይ ድማ ‘እቲ ብርሃን ወንጌል ናይ ክብሪ ክርስቶስ ምእንቲ ኸየብርሃሎም’ ንሓሳባቶም ምዕዋር ኢዮም ዘገልግሉ። (2 ቈረንቶስ 4:3, 4) እቲ ካልኣይ ናይ ምትላል መገዲ መብዛሕትኡ ግዜ ዝያዳ ኣስላጢ ኢዩ።
መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሓንቲ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበረት ግዝእቲ ጓል ዝህቦ ጸብጻብ ርአ። እትህቦ ዝነበረት ትንቢታት ንጐይቶታ ብዙሕ ረብሓ የምጽኣሎም ነበረ። “እዞም ሰባት እዚኣቶም ባሮት ልዑል ኣምላኽ እዮም: መገዲ ምድሓን ከኣ ይምህሩኹም አለዉ” እናበለት ድማ ደድሕሪ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ንብዙሕ መዓልትታት ሰዓበት። እትብሎ ዝነበረት ሓቂ ኢዩ። እንተዀነ ግን: እቲ ጸብጻብ ብመልኣኽ ዘይኰነስ ብ“መንፈስ ጥንቈላ” ተታሒዛ ከም ዝነበረት ኢዩ ዝነግረና። ኣብ መወዳእታ ድማ ጳውሎስ “ግልጽ ኢሉ ነቲ መንፈስ፣ ካብኣ ኽትወጽእ: ብስም የሱስ እእዝዘካ አሎኹ: በሎ። በታ ጊዜ እቲኣውን ወጸ።”—ግብሪ ሃዋርያት 16:16-18
ስለምንታይ ኢዩ ጳውሎስ ነዚ መንፈስ እዚ ዘውጽኦ፧ ቅድም ቀዳድም: ንጐይቶት እታ ኣጋንንቲ ዝነበርዋ ጓል ብዙሕ ረብሓ ዘምጽኣሎም ኢዩ ነይሩ። ብልዕለ-ባህርያዊ ዝዀነ ሓይልታት ተጠቒማ ሓረስቶት መዓስ ከም ዝዘርኡ: ደናግል መዓስ ከም ዝምርዓዋ: ከምኡውን ዓደንቲ ወርቂ ኣበይ ክደልዩ ከም ዘለዎም ትነግሮም ነይራ ትኸውን ኢያ። አረ: እዚ መንፈስ እዝስ ነታ ጓል ብግልጺ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ብምምስጋን: ገለ ቃላት ሓቂ ንኽትዛረብ እውን ኣለዓዒልዋ ኢዩ!
ይኹን እምበር: “መንፈስ ጥንቈላ” ኢዩ ነይሩ። ጋኔን ብምዃኑ ድማ ብዛዕባ የሆዋን ንምድሓን ዝገበሮ ምድላውን ክእውጅ መሰል ኣይነበሮን። ምናልባት እቲ እተዛረቦ ናይ ናእዳ ዘረባ: ነቲ እታ ግዝእቲ ጓል እትንበዮ ዝነበረት ትንቢት ተቐባልነት ከም ዝህልዎ ንምግባር: ነቶም ረኣይቲ ድማ ካብቶም ሓቀኛታት ሰዓብቲ ክርስቶስ ንምዝንባል ነይሩ ይኸውን። ግቡእ ብዝዀነ ምኽንያት: ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ ‘ካብ መኣዲ ጐይታን ካብ መኣዲ ኣጋንንትን ክትምቀሉ ኣይከኣለኩምን ኢዩ’ ኢሉ ኣጠንቀቖም። (1 ቈረንቶስ 10:21) እቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ክርስትያናት ምስ ጥንቈላ እተተሓሓዘ ኵሉ መጽሓፍቶም እንተ ኣጥፍእዎስ ዘገርም ኣይኰነን።—ግብሪ ሃዋርያት 19:19
‘ኣብ ማእከል ሰማይ ዝዝንቢ መልኣኽ’
ከምቲ ዝረኣናዮ: መጽሓፍ ቅዱስ መብዛሕትኡ እዚ ሕጂ ዘሎ ናይ መልኣኽ ምንቅስቓስ ምስቲ ጸላኢ ኣምላኽ: ሰይጣን ድያብሎስ ኣጸቢቑ እተኣሳሰረ ምዃኑ ኢዩ ዘቃልዖ። እዚ ግን ቅዱሳት መላእኽቲ ኣብ ናይ ሰብ ጕዳያት እትዋት ኣይኰኑን ማለት ድዩ፧ ብኣንጻሩ እኳ ድኣ: ንሳቶም ሕጂ ኣብ ምድሪ ሓደ ዓቢ ዕዮ ይፍጽሙ ኢዮም ዘለዉ። እንታይ ኢዩ ንሱ፧ ነዚ ንምምላሽ ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽሓፍ ራእይ ክንርኢ ኣሎና። መላእኽቲ: ካብ ዝዀነ ይኹን ካልእ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽሓፍ: ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ኢዮም ብዙሕ ግዜ ተጠቒሶም ዘለዉ።
ኣብ ራእይ 14:6, 7 እቲ ሃዋርያ ዮሃንስ ተቐቢሉ ዝመዝገቦ ትንቢታዊ ራእይ ነንብብ:- “ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩን ንዅሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብታትን ኪሰብከሎም ድማ: ናይ ዘለኣለም ወንጌል ዘለዎ ኻልእ መልኣኽ ኣብ ማእከል ሰማይ ኪዝምቢ ኸሎ ርኤኹ። ብብርቱዕ ድምጺ ኸኣ፤ እታ ዚፈርደላ ጊዜ በጺሓ እያ እሞ: ንኣምላኽ ፍርህዎ ኽብሪውን ሀብዎ: ነቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ዓይኒ ማያትን ዝገበረ ስገዱሉ: በለ።”
እዚ ጥቕሲ እዚ እቲ ሎሚ ዘሎ ናይ መላእኽቲ ቀንዲ ስራሕ ዘጕልሕ ኢዩ። ኣብ ሓደ ልዕሊ ኵሉ ቀዳምነት ዝወሃቦ ዕዮ—ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምእዋጅ—ኢዮም ተጸሚዶም ዘለዉ። ነዚ ዕዮ እዚ ዝምልከት ከኣ ኢዩ የሱስ ንሰዓብቱ “ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ [ናይቲ ኣገባብ እቲ ትሓዓ ] ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ” ኢሉ እተመባጽዓሎም። (ማቴዎስ 28:18-20) የሱስ ከመይ ኢሉ ኢዩ ምስ ሰዓብቱ ዝኸውን፧ ሓደ መገዲ እዚ ሰፊሕ ዕዮ እዚ ምእንቲ ክፍጸም ናይ መላእኽቲ ሓገዝ ብምሃብ ኢዩ።
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምስባኽ ኣብ ዓመት ዓመት ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ሰዓታት የሕልፉ ኢዮም። ነዚ ዕዮ እዚ ክገብሩ ከለዉ ድማ ናይ መላእኽቲ መሪሕነት ከም ዘሎ መረጋገጺ ይረኽቡ ኢዮም። ኣብቲ ናይ ቤተ-ቤት ኣገልግሎቶም: ንዕላማታት ኣምላኽ ንኽርድእዎ ንኽሕግዞም ሓደ ሰብ ክሰደሎም ክጽልዩ ዝጸንሑ ውለቀ-ሰባት ከም ዘጋጠምዎም ብተደጋጋሚ ተራእዩ ኢዩ። ናይ መላእኽቲ ሓገዝ ምስቲ ናይቶም መሰኻኽር ናይ ገዛእ ርእሶም ተበግሶ ተደሚሩ: ዓመት ዓመት በማእታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ፍልጠት የሆዋ ይረኽቡ ኣለዉ!
ነቲ ኣብ ማእከል ሰማይ ዝዝምቢ ዘሎ መልኣኽ ትሰምዖዶ ኣሎኻ፧ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክበጽሑኻ ከለዉ ንምንታይ ነዚ ናይዚ መልኣኽ እዚ መልእኽቲ ዝያዳ ኣጸቢቕካ ምስኣቶም ዘይትመያየጠሉ፧
[እግረ-ጽሑፋት]
a እተን “ሰይጣን” ከምኡውን “ድያብሎስ” ዝብላ ቃላት “ተጻራሪ” ከምኡውን “መካፍኢ” ማለት ኢየን።
b ሚካኤልን ገብርኤልን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሱ ክዀኑ ከለዉ: እተን ሩፋኤልን ኡራኤልን ዝብላ ኣስማት ግን ኣብቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ቅዱሳት ጽሑፋት ክፍሊ ዘይኰነ: ሓቅነቱ ዘይተረጋገጸ መጻሕፍቲ ኢየን ዝርከባ።
c ጸሎት ብክርስቶስ ኣቢሉ ደኣምበር ናብኡ ኣይኰነን ዝቐርብ። እቲ ዝፈሰሰ ደሙ ናብ ኣምላኽ ንኽንቀርብ መገዲ ስለ ዝኸፈተልና: ጸሎት ብስም የሱስ ኢዩ ዝቐርብ።—ኤፌሶን 2:13-19፣ 3:12
[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ሳጹን]
መላእኽቲ መን ኢዮም፧
ኣንጻር እቲ ብዙሓት ዝኣምንዎ: መላእኽቲ ናይቶም ዝሞቱ ሰባት እተፈልያ ነፍሳት ኣይኰኑን። መጽሓፍ ቅዱስ ብግልጺ እቶም ምዉታት “ገለ እኳ ኣይፈልጡን” ኢሉ ይገልጽ። (መክብብ 9:5) እሞ እዞም መላእኽቲ ደኣ ካበይ ዝመጹ ኢዮም፧ መጽሓፍ ቅዱስ ምድሪ ቅድሚ ምስራታ ነፍሲ ወከፎም ብኣምላኽ ከም እተፈጥሩ ኢዩ ዝሕብር። (እዮብ 38:4-7) እቲ ስፍሓት ናይቲ ሰማያዊ ስድራቤት ኣምላኽ ኣማእታት ሚልዮናት: ምናልባትውን ቢልዮናት ወይ ዝያዳ ይኸውን ኢዩ! ገለ መላእኽቲ ንሰይጣን ኣብቲ ዕልወቱ ሓቢሮምዎ ኢዮም።—ዳንኤል 7:10፣ ራእይ 5:11፣ 12:7-9
የሆዋ: ኣምላኽ ስርዓት ብምዃኑ: እቲ ዓቢ ናይ መላእኽቲ ስድራቤቱ እተመሓደረ ምዃኑ ዘገርም ኣይኰነን።—1 ቈረንቶስ 14:33
• ብኽልቲኡ: ብሓይልን ስልጣንን ዝለዓለ መልኣኽ: ሊቀ-መላእኽቲ: ሚካኤል ተባሂሉውን ተጸዊዑ ዘሎ የሱስ ክርስቶስ ኢዩ። (1 ተሰሎንቄ 4:16፣ ይሁዳ 9) ኣብ ትሕቲ ስልጣኑ ድማ ሱራፌላት: ኪሩቤላት: ከምኡውን መላእኽቲ ኣለዉ።
• ሱራፌላት ኣብ ዝፋን ኣምላኽ ደው ዝብሉ ኢዮም። ብዘይጥርጥር መዝነቶም ቅድስና የሆዋ ምእዋጅን ንህዝቡ ድማ ጽፉፋት ገይርካ ምሓዝን ዘጠቓልል ኢዩ።—ኢሳይያስ 6:1-3, 6, 7
• ኪሩቤላት እውን ኣብ ህላዌ የሆዋ ይርኣዩ ኢዮም። ከም ጸወርትን ዓጀብትን ዝፋን ኣምላኽ ኰይኖም ድማ ዕብየት የሆዋ ክብ የብሉ።—መዝሙር 80:1፣ 99:1፣ ህዝቅኤል 10:1, 2
• መላእኽቲ (“ልኡኻት” ዝትርጕሙ) ናይ የሆዋ ፈጸምትን ወኪላትን ኢዮም። ንህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ምድሓን ይኹን ንእኩያት ኣብ ምጽናት መለኮታዊ ፍቓድ ዝፍጽሙ ኢዮም።—ዘፍጥረት 19:1-26
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
ነቲ ኣብ ማእከል ሰማይ ዝዝምቢ ዘሎ መልኣኽ ትሰምዖዶ ኣሎኻ፧