ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w95 15/12 ገጽ 3-4
  • ምሃብ ትጽቢት እተገብሮ ድዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምሃብ ትጽቢት እተገብሮ ድዩ፧
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብዝሒ ሃይማኖታት ዝፈጠሮ ብድሆ
    ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ትምህርትን
  • ኵሉ በዓላት ንኣምላኽ ባህ የብሎ ድዩ፧
    ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ብኸመይ ትጸንዕ፧
  • ናይ ምሃብ መንፈስ ኣሎካዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
w95 15/12 ገጽ 3-4

ምሃብ ትጽቢት እተገብሮ ድዩ፧

ህያባት ምሃብ: ብተደጋጋሚ ብልምዲ ዝምራሕ ምዃኑ ጽቡቕ ገይርካ ትፈልጦ ትኸውን ኢኻ። ኣብ መብዛሕትኡ ባህልታት: ህያባት እትጽበየሉ ኣጋጣሚታት ኣሎ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ህያባት ምናልባት ናይ ኣኽብሮት መርኣያ ወይ ናይ ፍቕሪ መግለጺ ይዀኑ ኢዮም። መብዛሕትኡ ካብቲ ህያባት እቲ ተቐባሊ ፈጺሙ ተጠቒምሉ ዘይፈልጥ ኢዩ፣ ካልኦት ህያባት ነቲ ናይ ሓቂ ዘድልየካ ነገራት ዝምልኡ ኰይኖም: ዓሚቝ ምስጋና ዝወሃቦም ከኣ ኢዮም።

ኣብ ዴንማርክ ቈልዓ ክውለድ ከሎ: ፈተውትን ኣዝማድን ይበጽሑ እሞ: ነቲ ህጻን ይጠቅም ኢዩ ዝብልዎ ነገራት ድማ ህያብ የምጽኡ። ኣብ ካልእ ሃገራት ድማ ፈተውቲ ነቲ ክውለድ ትጽቢት ዝግበረሉ ቈልዓ ህያባት ንምሃብ ኣጋጣሚ ዝኸውን ድግስ ይገብሩ።

ኣብ መብዛሕትኡ ፍጻሜታት: እቲ ህያባት ትጽቢት ዝግበረሉ ኣጋጣሚታት ኣብ ዓመት ዝግበር ጕዳያት ኢዩ። ሽሕ’ኳ ከምዚኣቶም ዝበሉ ፌስታታት በቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ዘይግበሩ እንተ ነበሩ: ኣብ መንጎ እቶም ክርስትያናት ኢና ዝብሉን ክርስትያናት ዘይኰኑን ብማዕረ ኣዝዮም ፍሉጣት ኢዮም ኰይኖም ዘለዉ። ኣብ ካልኦት ባህልታት እቲ ናይ መዓልቲ ልደት ህያባት ምሃብ እቶም ቈልዑት እናዓበዩ ምስ ከዱ ይሃስስ ይኸውን ኢዩ: እንተዀነ ግን: ኣብ መንጎ ግሪኻውያን ዘሎ ባህሊ በቲ ሓደ መልክዑ ኢዩ ዝእዝዝ። ኣብ ግሪኽ ንመዓልትታት ልደት ዝያዳ ኣቓልቦ ኢዩ ዝግበረሉ። ነቲ ሰብ ድማ ኣብ “መዓልቲ ስሙ” ህያባት ይህብዎ። እዚ እንታይ ኢዩ፧ እቲ ሃይማኖታዊ ልምዲ ንነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ናይታ ዓመት ምስ ሓደ እተፈልየ “ቅዱስ” የተሓሕዛ ኢዩ: ብዙሓት ሰባት ድማ ደድሕሪ እቶም “ቅዱሳት” ኢዩ ስም ዝወጾም። እታ “ናይቲ ቅዱስ” መዓልቲ ምስ በጽሐት ድማ: እቶም በታ ስም እቲኣ ዝጽውዑ ሰባት ህያባት ይቕበሉ።

ኮርያውያን ኣብ ርእሲ እቲ ናይ ደቆም ናይ መዓልቲ ልደት ምብዓል: መዓልቲ ቈልዑ ተባሂሉ ዝፍለጥ ሃገራዊ በዓል ኣለዎም። እዚ ግዜ እዚ ስድራቤት ንዙረት ዝኸድሉን ንቈልዑ ድማ ዕለተ-ልደቶም መዓስ ምዃኑ ብዘየገድስ ህያባት ዝወሃበሉን ግዜ ኢዩ። ኮርያውያን ውሉዳት ንወለዶም ህያባት ዝህብሉ መዓልቲ ወለዲ ዝበሃል: ከምኡውን ተማሃሮ ንመምህራኖም ዘኽብርሉን ህያባት ዝህብሉን መዓልቲ መምሃራን ዝበሃል እውን ኣለዎም። ብመሰረት እቲ ናይ ኮርያውያን ልምዲ: ሓደ ሰብ ዕድሜኡ 60 ክበጽሕ ከሎ: ዓቢ ድግስ ይግበር። ስድራቤትን ፈተውትን ናይ ነዊሕ ዕድመን ሓጐስን ሰናይ ትምኒቶም ክገልጹ ኣብቲ ድግስ ይሓብሩ: እቲ ኣብ ህይወቱ ኣብዚ ዕድመ እዚ ዝበጽሐ ሰብ ድማ ህያባት ይወሃብ።

ካልእ ፍሉጥ ህያባት ዝወሃበሉ ልምዲ ድማ ናይ መርዓ ኣጋጣሚ ኢዩ። ኣብ ኬንያ ሰብኣይን ሰበይትን ክምርዓዉ ከለዉ: ስድራቤት እቲ መርዓዊ ንስድራቤት እታ መርዓት ህያብ ክህቡ ትጽቢት ይግበረሎም ኢዩ። እቶም ኣጋይሽ እውን ህያባት የምጽኡ ኢዮም። እታ መርዓትን መርዓውን ነቲ ብልምዲ ዝእዘዝ ነገራት ዝስዕቡ እንተድኣ ኰይኖም: እቶም ኣጋይሽ ህያባቶም ከምጽኡ ከለዉ ንሳቶም ኣብ መድረኽ ኮፍ ይብሉ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ህያብ ከምጽእ ከሎ ድማ “እገለ እተባህለ ነዞም ሰብኣይን ሰበይትን ህያብ ኣምጺኡ ኣሎ” ተባሂሉ ይንገረሉ። መብዛሕትኦም እቶም ህያባት ዘምጽኡ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣፍልጦ ምስ ዘይረኽቡ ኣዝዮም ኢዮም ዝጕህዩ።

ኣብ መንጎ ሊባኖሳውያን ድማ: ሓደ ሰብ ክምርዖ እንተድኣ ኰይኑ ፈተውትን ጐረባብትን: ነቶም ዝምርዓዉ ኣጸቢቖም ዘይፈልጥዎም ሰባት እውን ከይተረፈ: ቅድሚ እቲ መርዓ ብዙሕ መዓልትታት ኣቐዲሞም ህያባት ሒዞም ምምጻእ ይጅምሩ። ካብ ግዜ ቍልዕነቶም ጀሚሮም ህያባት ምሃብ ልክዕ ዕዳ ከም ምኽፋል: ሓላፍነት ምዃኑ ተማሂሮም ኢዮም። ሓደ ሊባኖሳዊ ሰብኣይ “እንተድኣ ዘይጌርካዮ: ጽቡቕ ኣይስምዓካን። እዚ ልምዲ ኢዩ” በለ።

ይኹን እምበር: ካብ ኵሉ እቲ ህያባት ትጽቢት ዝግበረሉ ኣጋጣሚታት: ኣብ መብዛሕትኡ ሃገራት ልደት እቲ ቐንዲ ኢዩ። ኣብቲ እትነብረሉኸ ከምኡዶ ኣይኰነን፧ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ብ1990: ኣመሪካውያን ንናይ ልደት ህያባት መግዝኢ ኣብ ዓዓመት ልዕሊ $40 ቢልዮን ከም ዘጥፍኡ ተገመተ። እዚ በዓል እዚ ብኣመንቲ ቡድሃን ሺንቶንውን ኣብ ጃፓን ብውዕዉዕ ስምዒት ይበዓል ኢዩ: ኣብ ኣውሮጳን ደቡብ ኣመሪካን ገለ ክፍሊ ኣፍ​ሪቃን ድማ እተፈላለየ ናይ ኣበዓዕላ መልክዓት ኣሎ።

ልደት እቲ ሰባት ሕጕሳት ክዀኑ ዝጽበይዎ ግዜ ኢዩ: ይኹን እምበር: ብዙሓት ኣይሕጐሱን ኢዮም። እቲ ህያባት ክትገዝእ ከሎኻ ዘሎ ዕግርግርን ነቲ እትስከሞ ዕዳ ንምኽፋል ዘሎካ ሻቕሎትን: ነቲ ከሕልፍዎ ዝኽእሉ ዝዀነ ይኹን ናይ ሓጐስ ኣጋጣሚታት ዝዕብልሎ ኰይኑ ዝረኸብዎ ውሑዳት ኣይኰኑን።

መጽሓፍ ቅዱስ ግን: ኣብ ምሃብ ሓጐስ ኣሎ ኢዩ ዝብል። ብርግጽ: ኣብቲ ንኽትህብ ዝደፍኣካ መንፈስ እተመርኰሰ ኢዩ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 20:⁠35

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ