ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w95 15/12 ገጽ 11-16
  • ንሳቶም “ከምኡ ገበሩ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንሳቶም “ከምኡ ገበሩ”
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ መዓልትታት ኖህ
  • ሙሴ​—⁠እቲ ካብ ኵሎም ትሑት
  • እያሱ​—⁠ተባዕን ኣዝዩ ሓያልን
  • ነገስታት​—⁠እሙናትን ከናባትን
  • ብቓል ኣምላኽ ምንባር
  • መገድታት የሆዋ ምፍላጡ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • እያሱ ዘይረስዖ ነገራት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • እተዳሎኻ ኹን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ቃል የሆዋ ኸቶ ኣይወድቕን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
w95 15/12 ገጽ 11-16

ንሳቶም “ከምኡ ገበሩ”

“ፍቕሪ ንኣምላኽ ከኣ ትእዛዛቱ ኽንሕሉ እዩ።”​—⁠1 ዮሃንስ 5:⁠3

1. ንስፍሓት ፍቕሪ ኣምላኽ ዝምልከት እንታይ ኢዩ ክበሃል ዝከኣል፧

“ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ።” ኵሎም እቶም ንኣምላኽ ዝፈልጥዎን ትእዛዛቱ ዝሕልዉን ብዛዕባ ናይቲ ፍቕሪ እቲ ዕምቈት ጥልቕ ዝበለ ሞሳ ኣጥርዮም ኢዮም። “ኣምላኽ ባዕሉ ስለ ዘፍቀረና: ብናይ ሓጢኣትና መተዓረቒ ኪኸውን ኢሉ ድማ ወዱ ስለ ዝሰደደልና እዩ እምበር: ንሕና ንኣምላኽ ስለ ዘፍቀርናዮ ኣይኰነን: እታ ፍቕሪ በዚ እያ።” ኣብቲ ናይ የሱስ ክቡር በጅነታዊ መስዋእቲ እምነት ምስ እነርኢ: ‘ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ንነብር።’ (1 ዮሃንስ 4:​8-10, 16) ስለዚ ሕጂ ብልጽግና ዝመልኦ መንፈሳዊ በረኸታት: ኣብቲ ዝመጽእ ኣገባብ ድማ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከነስተማቕር ንኽእል ኢና።​—⁠ዮሃንስ 17:3፣ 1 ዮሃንስ 2:​15, 17

2. ትእዛዛት ኣምላኽ ምሕላው ንኣገልገልቱ ዝጠቕሞም ብኸመይ ኢዩ፧

2 ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻብ ብኣብነት ናይቶም ትእዛዛት ኣምላኽ ዝሓለዉን ከም ውጽኢቱ ድማ ብዙሕ እተባረኹን ሰባት ዝመልአ ኢዩ። እዚኣቶም ነቶም ቅድሚ ክርስትና ዝነበሩ መሰኻኽር ዘጠቓለሉ ኢዮም: ብዛዕባ ገሊኣቶም ኣመልኪቱ ሃዋርያ ጳውሎስ “እዚኦም ኵላቶም ነተን ተስፋታት ኣይረኸብወንን: ግናኸ ካብ ርሑቕ ርእዮም ተሳለምወን እሞ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ምዃኖም እናተአመኑ: ብእምነት ሞቱ” ኢሉ ጸሓፈ። (እብራውያን 11:13) ጸኒሖም: ውፉያት ክርስትያን ኣገልገልቲ ኣምላኽ ካብቲ ‘ብየሱስ ክርስቶስ ዝመጸ ጸጋን ሓቅን’ ተጠቒሞም ኢዮም። (ዮሃንስ 1:17) ኣብ ብምሉኡ እዚ ናይ 6,000 ዓመታት ኣቢሉ ዝኸውን ሰብኣዊ ታሪኽ: የሆዋ ነቶም ነቲ ብሓቂ ‘ከቢድ ዘይኰነ’ ትእዛዛቱ ዝሓለዉ እሙናት መሰኻኽር ዓስቦም ሂብዎም ኢዩ።​—⁠1 ዮሃንስ 5:​2, 3

ኣብ መዓልትታት ኖህ

3. ኖህ በየናይ መገድታት ኢዩ “ከምኡ” ዝገበረ፧

3 ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻብ ከምዚ ይብል:- “ኖህ ብዛዕባ እቲ ገና ዘይተራእየ ነገር ራእይ ምስ ረኣየ: ብፍርሃት ኣምላኽ ተደሪኹ ብእምነት እዩ ንምድሓን ቤቱ እትኸውን መርከብ ዘዳለወ። ብእኣ ገይሩ ንዓለም ኰነና: ነቲ ብእምነት ዝርከብ ጽድቂ ኸኣ ወራሲ ዀነ።” ከም “ሰባኽ ጽድቂ” መጠን ኖህ ነታ ቅድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረት ዓመጸኛ ዓለም ብዛዕባ እቲ ዝቐርብ ዝነበረ መሎኮታዊ ፍርዲ መጠንቀቕታ ብምሃብ ንኣምላኽ ብዘይምውልዋል ኢዩ ተኣዚዝዎ። (እብራውያን 11:7፣ 2 ጴጥሮስ 2:⁠5) ነታ መርከብ ንምህናጽ: ነቲ ብመሎኮታዊ መገዲ እተዋህቦ ንድፊ ብጥንቃቐ ስዒብዎ ኢዩ። ድሕርዚ ነተን እተረቝሓ እንስሳታትን ናይ መግቢ ቀረብን ናብታ መርከብ ኣእተወ። “ኖህ ድማ ከምኡ ገበረ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዞ ንዅሉ ነገር ከምኡ ገበረ።”​—⁠ዘፍጥረት 6:⁠22

4, 5. (ሀ) እኩይ ጽልዋ ንደቅሰብ ክሳዕ እዚ ግዜ እዚ ዝተንከፎም ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ንመለኮታዊ መምርሒታት ኣብ ምእዛዝ “ከምኡ” ክንገብር ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧

4 ኖህን ስድራቤቱን ምስቲ ናይቶም ዘይእዙዛት መላእኽቲ እኩይ ጽልዋ ክቃለሱ ነበሮም። እዞም ደቂ ኣምላኽ እዚኣቶም ስጋ ለቢሶምን ምስ ደቂ ኣንስትዮ ተኣታትዮምን: ንደቅሰብ ዝድህሉ ልዕለ⁠-​ሰብ ዝዀኑ ደቓሉ ደቂ ወለዱ። “ምድሪ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተባላሽያ ነበረት: ምድሪ ድማ ብዓመጻ መልኤት።” የሆዋ ኸኣ ነቲ እኩይ ወለዶ እቲ ንምጽራግ ማይ ኣይሂ ኣምጽአ። (ዘፍጥረት 6:​4, 11-17፣ 7:⁠1) ካብ ግዜ ኖህ ኣትሒ⁠ዞም ኣጋንንቲ ከም ናይ ሰብ ዝመስል ስጋ ክለብሱ ኣይተፈቕደሎምን። እንተዀነ ግን: ‘ብዘላ ዓለም በቲ እኩይ:’ ሰይጣን ድያብሎስ: ‘ተታሒዛ ኣላ።’ (1 ዮሃንስ 5:19፣ ራእይ 12:⁠9) ብትንቢታዊ መገዲ: የሱስ ነቲ ብመዓልትታት ኖህ ዝነበረ ዓለወኛ ወለዶ ምስቲ ካብ ምልክት “ህላዌኡ” (ትሓዓ) ኣብ 1914 ግሁድ ዝዀነሉ ግዜ ኣትሒዙ ዝነበረ እሞ ዝነጸጎ ናይ ደቅሰብ ወለዶ ኢዩ ኣመሳሲልዎ።​—⁠ማቴዎስ 24:​3, 34, 37-39፣ ሉቃስ 17:​26, 27

5 ሎሚ: ከምቲ ብግዜ ኖህ: ሰይጣን ንደቅሰብን ንፕላኔትናን ንምብልሻው ኢዩ ዝፍትን ዘሎ። (ራእይ 11:​15-18) ስለዚ ነቲ “[ጕርሒ ዘለዎ ተግባራት ትሓዓ] ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉስ: ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ” ዝብል መንፈስ ዝነፈሶ ምኽሪ ከነቕልበሉ ህጹጽ ኢዩ። (ኤፌሶን 6:​11: ትሓዓ  እግረ-ጽሑፍ) በዚ ኸምዚ: ቃል ኣምላኽ ብምጽናዕን ኣብ ናብራና ብምውዓልን ንብርትዕ ኢና። ብተወሳኺ: እትሓሊ ማሕበር የሆዋ: ምስቲ ቕቡእ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ:” ከምኡውን በቲ ክንከደሉ ዘሎና መገዲ ብትዕግስቲ ዝመርሑና ፈቃራት ሽማግለታት ኣለዉና። ክፍጸም ዘለዎ ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት ኣሎና። (ማቴዎስ 24:​14, 45-47 ትሓዓ ) ከምቲ ንመለኮታዊ መምርሒታት ብጥንቃቐ እተኣዘዘ ኖህ: ኵሉ ግዜ ‘ከምኡ እንገብር’ ይግበረና።

ሙሴ​—⁠እቲ ካብ ኵሎም ትሑት

6, 7. (ሀ) ሙሴ እንታይ ዓስቢ ዘለዎ ምርጫ ኢዩ ዝገበረ፧ (ለ) ሙሴ ከመይ ዝበለ ተባዕ መርኣያ ኢዩ ዝገደፈልና፧

6 ካልእ ነቲ ናይ እምነት ሰብኣይ ዝዀነ ሙሴ እሞ ርአ። ንሱ ኣብቲ ናይ ግብጺ ምቾት: ብልጹግ ናብራ ህይወት ከስተማቕር ምኸኣለ ነይሩ። ይኹን እምበር “ካብ ንጊዜኡ ብሓጢኣት ባህ ዚብሎስ ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ደኣ መከራ ኺጸግብ ሐረየ።” ከም ብየሆዋ እተመዘዘ ኣገልጋሊ መጠን “ናብቲ ዓስቢ ጠመተ እሞ: . . . ነቲ ዘይርኤስ ከም ዚርእዮ ዀይኑ ተዐጊሱ ጸንዔ።”​—⁠እብራውያን 11:​23-28

7 ኣብ ዘሁልቍ 12:​3: ከምዚ ነንብብ:- “እቲ ሰብኣይ: ሙሴ ግና ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ኻብ ዘሎ ሰብ [ትሑት ትሓዓ ] ነበረ።” ብኣንጻሩ: ናይ ግብጺ ፈርዖን ካብ ኵሉ ሰብ ዕቡይ ኢዩ ነይሩ። የሆዋ ንሙሴን ኣሮንን ኣብ ልዕሊ ፈርዖን ዝነበረ ፍርዱ ክእውጁ ምስ ኣዘዞም: ብኸመይ መለሹ፧ “ሙሴን ኣሮንን ድማ ከምኡ ገበሩ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዞም ገበሩ” ዝብል ኢና እንረክብ። (ዘጸኣት 7:​4-7) ንኣና ነዞም ሎሚ ፍርድታት ኣምላኽ እንእውጅ ሰባት ከመይ ዝበለ ተባዕ መርኣያ ኰን ኢዩ!

8. እስራኤላውያን “ከምኡ” ክገብሩ ዝድለዮም ዝነበረ ብኸመይ ኢዩ: እቲ ዝሰዓበ ሓጐስ ምስቲ ኣብዚ ቀረባ መጻኢ ዝህሉ ዝመሳሰልከ ብኸመይ ኢዩ፧

8 እስራኤላውያን ንሙሴ እሙን ደገፍ ሂቦምዎ ድዮም፧ የሆዋ ንግብጺ ካብቲ ዓሰርተ መዓታት: በቲ ትሽዓተ ገይሩ ድሕሪ ምውቅዑ: ንእስራኤል ንኣበዓዕላ ፋስጋ ዝምልከት ዝርዝር መምርሒታት ሂብዎም ኢዩ። “እቲ ህዝቢ ኸኣ ፍግም ኢሉ ሰገደ። ደቂ እስራኤል ድማ ከይዶም ከምኡ ገበሩ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣሮንን ዝአዘዞም ገበሩ።” (ዘጸኣት 12:​27, 28) ኣብ ፍርቂ ለይቲ ናይታ ታሪኻዊት መዓልቲ: 14 ኒሳን: 1513 ቅ.ኣ.ዘ.: መልኣኽ ኣምላኽ ንዅሉ በዅሪ ግብጺ ቀተለ: ንኣባይቲ እስራኤላውያን ግን ተሳገሮ። ናይ እስራኤላውያን በዅራት እተናሕፉ ስለምንታይ ኢዮም፧ ምኽንያቱ በቲ ኣብ ኣፍ ደጌታቶም እተለኽየ ደም ገንሸል ፋስጋ: ዕቝባ ረኺቦም ኢዮም። ከምቲ የሆዋ ንሙሴን ኣሮንን ዝኣዘዞም ከምኡ ገበሩ። እወ: “ከምኡ ገበሩ።” (ዘጸኣት 12:​50, 51) ኣብ ቀይሕ ባሕሪ: ንፈርኦንን ንሓያል ወተሃደራዊ ሰራዊቱን ከጥፍኦ ከሎ: የሆዋ ንህዝቡ ኣብ ምድሓን ተወሳኺ ተኣምራት ገይሩ ኢዩ። እስራኤላውያን ክሳዕ ክንደይ ኰን ተሓጒሶም ይዀኑ! ብተመሳሳሊ ሎሚ: ብዙሓት ንትእዛዛት የሆዋ ዝሓለዉ ሰባት ኣብ ኣርማጌዶን ናይ ሉዓላውነቱ ሓቅነት ክረጋገጽ ከሎ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ብምዃን ክሕጐሱ ኢዮም።​—⁠ዘጸኣት 15:​1, 2፣ ራእይ 15:​3, 4

9. በቲ እስራኤላውያን ምስቲ ማሕደር እተተሓሓዘ “ከምኡ” ምግባሮም ጽላሎት ኰይኑ ዘሎ ዘመናዊ መሰላት እንታይ ኢዩ፧

9 የሆዋ ንእስራኤላውያን ውጽኢት ክገብሩን ኣብቲ በረኻ ድማ ማሕደር ክሃንጹን ምስ ኣዘዞም: እቶም ህዝቢ ምሉእ ደገፎም ብልግሲ ሃቡ። ድሕርዚ: ክሳዕ እቲ ዝደቐቐ ዝርዝር እውን ከይተረፈ: ሙሴን እቶም ፍቓደኛታት ተሓጋገዝቱን ነቲ ብየሆዋ ዝቐረበ ናይ ስነ-ህንጻ መደብ ስዒቦም ኢዮም። “ከምኡ ዅሉ ዕዮ ማሕደር ድንኳን ምርኻብ ተወድኤ። ደቂ እስራኤል ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝአዘዞ ዅሉ ገበሩ: ከምኡ ገበሩ።” ብተመሳሳሊ: ኣብቲ ናይ ክህነት ጽምብል ከኣ: “ሙሴ ድማ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዞ ዅሉ ገበረ: ከምኡ ገበረ።” (ዘጸኣት 39:32፣ 40:16) ኣብዚ ዘመናዊ ግዜ: ንዕዮ ስብከትን ንመደባት ምስፋሕ መንግስትን ብምሉእ ልብና ክንድግፍ ኣጋጣሚ ኣሎና። ስለዚ ‘ከምኡ ንምግባር’ ክንሓብር መሰልና ኢዩ።

እያሱ​—⁠ተባዕን ኣዝዩ ሓያልን

10, 11. (ሀ) እያሱ ንኽዕወት ዘዕጠቖ እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ምስዚ ዘመናዊ ፈተናታት ምእንቲ ክንቃለስ ብኸመይ ኢና ክንብርትዕ እንኽእል፧

10 ሙሴ ንእስራኤላውያን ናብ ምድሪ ተስፋ ክመርሖም ንእያሱ ክእዝዞ ኸሎ: መንፈስ የሆዋ ዝነፈሶ እተጻሕፈ ቃል: ኣብ ናይ ሙሴ ሓሙሽተ መጻሕፍቲ: ኣብ ሓደ ወይ ክልተ መዛሙራት: ከምኡውን ኣብ መጽሓፍ እዮብ ጥራይ ኢዩ ዝርከብ ነይሩ። ሙሴ ንእያሱ ኣብ ምድሪ ተስፋ ምስ በጽሑ ነቶም ህዝቢ ክእክቦምን ‘ነዚ ሕጊ እዚ ኣብ ቅድሚ ዅሉ እስራኤል ከንብቦን’ ኣዘዞ። (ዘዳግም 31:​10-12) ኣብ ርእሲ እዚ: የሆዋ ባዕሉ ንእያሱ “ነቲ ኣብኡ እተጻሕፈ ምእንቲ ተጠንቂቕካ ኽትገብሮስ: መዓልትን ለይትን ኣስተንትኖ እምበር: እዚ መጽሓፍ ሕጊ እዚ ኻብ ኣፍካ ኣይትፍለ። ሽዑ መገድኻ ተቕንዕ እሞ: ሽዑ ድማ ኪሰልጠካ እዩ” ብምባል ኣዚዝዎ ኢዩ።​—⁠እያሱ 1:⁠8

11 ከምቲ ቃል የሆዋ: መጽሓፍ ቅዱስ: መዓልቲ መዓልቲ ምንባብ ነዞም ዘመናውያን መሰኻኽሩ ምስ ፈተናታት ናይዚ ጽንኩር “ዳሕሮት መዓልትታት” ንኽቃለሱ ዘሐይሎም: ናይ የሆዋ “መጽሓፍ” መዓልቲ መዓልቲ ምንባብ ንእያሱ ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ዝነበረ ፈተናታት ምእንቲ ክቘጻጸሮ ኣዕጢቕዎ ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠1) ብሓንቲ ዓመጸኛ ዓለም ተኸቢብና ብምህላውና: ንሕናውን ነቲ ንእያሱ እተዋህበ ናይ ኣምላኽ ምዕዶ ነቕልበሉ:- “ጽናዕ: ትባዕ: . . . እግዚኣብሄር ኣምላኽካ: ኣብ እትኸዶ ዅሉ ምሳኻ እዩ።” (እያሱ 1:⁠9) ነገዳት እስራኤል: ንከንኣን ድሕሪ ምስዓሮም: ኣብ ረርስቶም ምስ ሰፈሩ ብዙሕ ዓስቢ ረኺቦም ኢዮም። “ደቂ እስራኤል: ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝአዘዞ: ከምኡ ገበሩ።” (እያሱ 14:⁠5) ነቶም ቃል ኣምላኽ እነንብብ: ‘ከምኡ ብምግባር’ ድማ ብተኣዛዝነት ኣብ ናብራና እነውዕሎ ዘበልና ዅልና ተመሳሳሊ ዓስቢ ይጽበየና ኣሎ።

ነገስታት​—⁠እሙናትን ከናባትን

12. (ሀ) ነቶም ነገስታት እስራኤል እንታይ ትእዛዝ ኢዩ ዝወሃቦም ነይሩ፧ (ለ) ናይቶም ነገስታት ዘይምእዛዝ እንታይ ኢዩ ኣስዒቡ፧

12 ብዛዕባ እቶም ኣብ እስራኤል ዝነበሩ ነገስታትከ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ የሆዋ ነቲ ንጉስ ነዚ ዝስዕብ ተደላዪ ነገር ክእዘዝ ይሓቶ ነበረ:- “ኣብ ልዕሊ ዝፋን መንግስቱ ምስ ተቐመጠ: ካብቲ ኣብ ቅድሚ ሌዋውያን ካህናት ዘሎ ሕጊ ንእኡ ዚኸውን ቀዲሑ ኣብ መጽሓፍ ይጽሐፍ። ፍርሃት እግዚኣብሄር ኣምላኹ ምእንቲ ኺመሀር: . . . ናይ እዚ ሕጊ እዚ ቓላትን እዚ ትእዛዛት እዝን ተጠንቂቑ ኺገብሮስ: ምስኡ ይኹን: ኵሉ መዓልቲ ህይወቱ ኸኣ የንብቦ።” (ዘዳግም 17:​18, 19) ነገስታት እስራኤል ነቲ ሕጊ እቲ ተኣዚዞምዎዶ ኢዮም፧ እቲ ዘሕዝን መብዛሕትኦም ሰኒፎም ኢዮም: በዚ ኸኣ እቲ ኣብ ዘዳግም 28:​15-68 ኣቐዲሙ እተዘርበሉ መርገማት በጺሕዎም ኢዩ። ኣብ መወዳእታ: እስራኤል “ካብ ወሰን ምድሪ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ” ፋሕ በሉ።

13. ንቓል የሆዋ ፍቕሪ ብምርኣይ: ከምቲ ዳዊት እተጠቕሞ ብኸመይ ኢና ክንጥቀም እንኽእል፧

13 ይኹን እምበር: ዳዊት​—⁠እቲ ኣብ እስራኤል ዝነበረ ናይ መጀመርታ እሙን ሰብኣዊ ንጉስ​—⁠ንየሆዋ ፍሉይ ተወፋይነት ኣርእዩ ኢዩ። ናይቲ እናሰዓረ ዝስዕር “ኻብ ነገድ ይሁዳ ዝዀነ ኣንበሳ: እቲ ሱር ዳዊት:” የሱስ ክርስቶስ ጽላሎት ብምዃን: ኣብ “ይሁዳ ሽደን ኣንበሳ” ምዃኑ ኣረጋጊጹ ኢዩ። (ራእይ 5:⁠5፣ ዘፍጥረት 49:​8, 9) ናይ ዳዊት ሓይሊ ኣብ እንታይ እተመርኰሰ ኢዩ ነይሩ፧ ነቲ ናይ የሆዋ ጽሑፍ ቃል ዓሚቝ ሞሳ ነይርዎ ብእኡ ድማ ተመላሊሱ ኢዩ። ኣብ መዝሙር 19: “ናይ ዳዊት መዝሙር” ከምዚ ነንብብ:- “ሕጊ እግዚኣብሄር ፍጹም እዩ።” ነቲ ናይ የሆዋ መዘኻኸሪታት: ስርዓታት: ትእዛዝ: ከምኡውን ፍርዳዊ ውሳኔታት ድሕሪ ምጥቃሱ: ዳዊት ቀጺሉ ከምዚ ይብል:- “ካብ ወርቂ: ኤረ ኻብ ብዙሕ ጽሩይ ወርቂ እኳ ዚሕረ እዩ: ካብ መዓር: ኤረ ኻብ መዓር ወለላ ዚጥዕም እዩ። ባርያኻውን ብእኡ ተማሂሩ: ብምሕላዉ ዓብዪ ኻሕሳ አሎ።” (መዝሙር 19:​7-11) ቃል የሆዋ መዓልቲ መዓልቲ ምንባብን ምስትንታንን 3,000 ዓመታት ይገብር ዓስቢ ካብ ነበሮ: ሎሚኸ እዚ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ዝያዳ ዘድሊ!​—⁠መዝሙር 1:​1-3፣ 13:6፣ 119:​72, 97, 111

14. ናይ ሰሎሞን ስጕምቲ ካብ ፍልጠት ንላዕሊ ዘድሊ ነገር ከም ዘሎ ዘርኢ ብኸመይ ኢዩ፧

14 እንተዀነ ግን: ፍልጠት ምርካብ ጥራይ ኣኻሊ ኣይኰነን። ኣገልገልቲ ኣምላኽ ነቲ ፍልጠት እቲ ክዓይሉን ብመሰረት እቲ መለኮታዊ ፍቓድ ኣብ ግብሪ ከውዕልዎን​—⁠እወ: “ከምኡ” ክገብሩ​—⁠የድልዮም ኢዩ። እዚ ኣብ ጕዳይ ናይቲ የሆዋ “ኣብ ዝፋን መንግስቲ እግዚኣብሄር: ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኪቕመጥ” ዝሓረዮ ሰሎሞን ወዲ ዳዊት ክርአ ይከኣል ኢዩ። ሰሎሞን ነቲ ዳዊት “ብመንፈስ” እተቐበሎ ናይ ስነ-ህንጻ መደባት ተጠቒሙ: ቤት መቕደስ ክሃንጽ መዝነት ተቐቢሉ ኢዩ። (1 ዜና መዋእል 28:​5, 11-13) ሰሎሞን ነዚ ዓብዪ ዕዮ እዚ ብኸመይ ክፍጽሞ ከኣለ፧ ንጸሎቱ ብምምላሽ: የሆዋ ጥበብን ፍልጠትን ሂብዎ ኢዩ። በዝን ነቲ ብመለኮታዊ መገዲ እተዋህቦ መደባት ብምስዓብን: ሰሎሞን ነታ ብኽብሪ ኣምላኽ ዝመልአት ኣገራሚት ቤት ክሃንጽ ክኢሉ ኢዩ። (2 ዜና መዋእል 7:​2, 3) እንተዀነ ግን: ጸኒሑ ሰሎሞን ሰነፈ። በየናይ መዳይ፧ ሕጊ የሆዋ ኣብ እስራኤል ንዝነግስ ንጉስ ኣመልኪቱ “ልቡ ኸይሰድዕ ድማ ኣንስቲ ኣየብዝሕ” ኢዩ ዝብል ነይሩ። (ዘዳግም 17:17) ይኹን እምበር ሰሎሞን “ሾብዓተ ሚእቲ ንግስታት ኣንስትን ሰለስተ ሚእቲ ኣንስቲ ወሰንን ነበራኦ። . . . እተን ኣንስቱ ንልቡ ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ ኣዘንበላኦ።” ሰሎሞን ኣብ እርግንኡ: “ከምኡ” ካብ ምግባር ዘንበለ።​—⁠1 ነገስት 11:​3, 4፣ ነህምያ 13:⁠26

15. ዮስያስ “ከምኡ” ዝገበረ ብኸመይ ኢዩ፧

15 ኣብ ይሁዳ ሒደት እዙዛት ነገስታት ነበሩ: መወዳእታኦም ድማ ዮስያስ ነበረ። ብ648 ቅ.ኣ.ዘ.: ካብታ ሃገር ጣኦታት ክጸርግን ቤት መቕደስ የሆዋ ከሐድስን ጀመረ። እቲ ሊቀ ካህን ‘ነቲ ብኢድ ሙሴ እተዋህበ መጽሓፍ ሕጊ እግዚኣብሄር ዝረኸቦ’ ኣብዚ ኢዩ ነይሩ። ዮስያስ ብዛዕባ እዚ እንታይ ገበረ፧ “እቲ ንጉስን ኵሎም ሰብ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩን እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ብዘሎ ህዝቢ ኸኣ ካብ ዓብዪ ኽሳዕ ንእሽቶ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ደየቡ። ንዅሉ ቓላት እቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር እተረኽበ መጽሓፍ ኪዳን ኣንቢቡ ኸኣ ኣስምዖም። እቲ ንጉስ ከኣ ኣብታ ቦታኡ ደው ኢሉ: ብዅሉ ልቡን ብዅሉ ነፍሱን ደድሕሪ እግዚኣብሄር ኪኸይድ: ትእዛዛቱን ምስክራቱን ሕጋጋቱን ኪሕሉ: ነቲ ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ተጽሒፉ ዘሎ ቓላት ኪዳን ከኣ ኪገብሮ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኪዳን ኣቘመ።” (2 ዜና መዋእል 34:​14, 30, 31) እወ: ዮስያስ “ከምኡ ገበረ።” ከም ውጽኢት ናይዚ እሙን ስጕምቱ ድማ: እቲ ኣብ ልዕሊ እታ ዘይእምንቲ ይሁዳ ክወርድ ዝነበሮ ፍርዲ የሆዋ ክሳዕ ግዜ እቶም ጸየቕቲ ደቁ ደንጕዩ ኢዩ።

ብቓል ኣምላኽ ምንባር

16, 17. (ሀ) ኣሰር ኣሰር የሱስ ክንስዕብ ዘሎና በየናይ መዳያት ኢዩ፧ (ለ) ኣብነት ዝዀኑና ካልኦት እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከመይ ዝበሉ ኢዮም፧

16 ካብ ኵሎም እቶም ዝነብሩ ዝነበሩ ሰባት: ብቓል ኣምላኽ ናይ ምስትንታንን ብእኡ ናይ ምንባርን ዝበለጸ ኣብነት ዝዀነ: ጐይታ የሱስ ክርስቶስ ኢዩ። ቃል ኣምላኽ ንእኡ ከም መግቢ ኢዩ ነይሩ። (ዮሃንስ 4:34) ንሰማዕቱ ከምዚ በሎም:- “ወድስ ኣቦኡ ኺገብሮ ዝረአዮ እምበር: ካብ ርእሱ ሓንቲ ነገር እኳ ኺገብር ኣይከኣሎን። ነቲ ንሱ ዚገብሮ ግብሪ እቲ ወዲ ድማ ከምኡ ዝበለ ይገብር እዩ።” (ዮሃንስ 5:​19, 30፣ 7:28፣ 8:​28, 42) የሱስ “ኣነ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እምበር: ፍቓደይ ምእንቲ ኽገብር ኣይኰንኩን ካብ ሰማይ ወሪደ ዘሎኹ” ብምባል ‘ከምኡ ኢዩ ገይሩ።’ (ዮሃንስ 6:38) ንሕና ህይወትና ዝወፈና መሰኻኽር የሆዋ ኣሰር ኣሰር የሱስ ብምስዓብ “ከምኡ” ክንገብር ኢና ተጸዊዕና።​—⁠ሉቃስ 9:23፣ 14:27፣ 1 ጴጥሮስ 2:⁠21

17 ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር: ኣብ ኣእምሮ የሱስ ኵሉ ግዜ ዝለዓለ ቦታ ኢዩ ነይርዎ። ምስ ቃል ኣምላኽ ምሉእ ሌላ ነበሮ: ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ንምሃብ ድማ ዕጡቕ ኢዩ ነይሩ። (ማቴዎስ 4:​1-11፣ 12:​24-31) ንሕናውን ኣብ ቓል ኣምላኽ ቀጻሊ ኣድህቦ ብምግባር: ‘ንሰናይ ግብሪ ዘበለ እተዳለና ፍጹማት’ ክንከውን ንኽእል ኢና። (2 ጢሞቴዎስ 3:​16, 17) ኣብነት ናይቶም ኣብ ግዜ ጥንትን ድሕሪኡን ዝነበሩ እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ: ልዕሊ ዅሉ ድማ ኣብነት ናይቲ “ኣነ ነቦ ኸም ዘፍቅሮን: ከምታ ኣቦ ዝአዘዘኒውን ከም ዝገብርን: ዓለም ምእንቲ ኽትፈልጥሲ” ዝበለ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ንስዓብ። (ዮሃንስ 14:31) ንሕናውን “ከምኡ” እናገበርና ብምቕጻል ንኣምላኽ ፍቕርና ከነርኢ ንኽእል ኢና።​—⁠ሉቃስ 12:​29-31

18. ‘ገበርቲ ቓል ንምዃን’ ከለዓዕለና ዘለዎ እንታይ ኢዩ: ቀጺሉ ዝዝረበሉኸ እንታይ ኢዩ፧

18 ናይቶም ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዝወሰድዎ እሙን ስጕምቲ ከነስተንትን ከሎና: ኣብ ምውዳእ ናይዚ ናይ ሰይጣን እኩይ ኣገባብ እሙን ኣገልግሎት ከነቕርብ ኣይንተባባዕንዶ፧ (ሮሜ 15:​4-6) እዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ ክትዛረበሉ ከም ዘለዋ ምሉእ ብምሉእ ‘ገበርቲ ቓል ክንከውን’ ብርግጽ ክንለዓዓል ኣሎና።​—⁠ያእቆብ 1:22

ትዝክሮዶ

◻ “ፍቕሪ ንኣምላኽ” ንዓና እንታይ ማለት ክኸውን ኣለዎ፧

◻ ካብ ኣብነት ናይ ኖህ: ሙሴ: ከምኡውን እያሱ እንታይ ኢና እንማሃር፧

◻ እቶም ኣብ እስራኤል ዝነበሩ ነገስታት ክሳዕ ክንደይ ኢዮም “ንቃል” ኣምላኽ እተኣዘዙ፧

◻ “ከምኡ” ኣብ ምግባር የሱስ ኣብነትና ዝኸውን ብኸመይ ኢዩ፧

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ኖህን ሙሴን እያሱን “ከምኡ ገበሩ”

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ