ኣባጊዕ የሆዋ ለውሃት ዘለዎ ሓልዮት የድልየን ኢዩ
“እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ ምዃኑ ፍለጡ . . . ንሕናስ ህዝቡን ኣባጊዕ መጓሴኡን ኢና።”—መዝሙር 100:3
1. የሆዋ ንኣገልገልቱ ብኸመይ ኢዩ ዝሕዞም፧
የሆዋ እቲ ዓቢ ጓሳ ኢዩ። ኣገልገልቱ እንተድኣ ኴንና ድማ ከም ኣባጊዑ ይርእየና ከምኡውን ለውሃት ዘለዎ ሓልዮት ይገብረልና ኢዩ። ሰማያዊ ኣቦና የጸናንዓናን የሐድሰናን ከምኡውን “ምእንቲ ስሙ ኢሉ ብመገዲ ጽድቂ” ይመርሓና ኢዩ። (መዝሙር 23:1-4) እቲ ሕያዋይ ጓሳ: የሱስ ክርስቶስ: ኣዝዩ ስለ ዘፍቅረና ህይወቱ ኣብ ክንዳና ሂቡ ኢዩ።—ዮሃንስ 10:7-15
2. ህዝቢ ኣምላኽ ንገዛእ ርእሶም ኣብ ከመይ ዝበለ ኵነታት ኢዮም ዝርእይዋ ዘለዉ፧
2 ከም ተቐበልቲ ናይዚ ለውሃት ዘለዎ ሓልዮት መጠን: ምስቲ ጸሓፍ መዝሙር ኴንና “ንእግዚኣብሄር ብሓጐስ ተገዝእዎ። ኣብ ቅድሚኡ ብእልልታ ምጹ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃኑ ፍለጡ: ንሱ ገበረና: ባዕላትና ኣይኰንናን: ንሕናስ ህዝቡን ኣባጊዕ መጓሴኡን ኢና” ክንብል ንኽእል ኢና። (መዝሙር 100:2, 3) እወ: ሕጕሳትን ዕቝባ ዝስመዓናን ኢና። ኣብ ሓደ ካብ እኩያት ዘመቲ እንዕቈበሉ: ኣብ ውሽጢ ብእምኒ እተሰርሐ ጽኑዕ ግምቢ ዘሎ መጓሰ ከም ዘሎና ኢዩ።—ዘሁልቍ 32:16፣ 1 ሳሙኤል 24:4Text adjusted፣ ጸፎንያስ 2:6
ፍቓደኛታት ጓሶት ናይቲ መጓሰ
3. እቶም እተሸሙ ክርስትያን ሽማግለታት: ንመጓሰ ኣምላኽ ብኸመይ ኢዮም ዝሕዝዎ፧
3 ከም ኣባጊዕ ኣምላኽ መጠን ሕጕሳት ምዃንና ዘገርም ኣይኰነን! እተሸሙ ሽማግለታት ኣብ መንጎና ናይ መሪሕነት ቦታ ኣለዎም። ‘ኣይሽየሙን:’ ኣብ ልዕሌና ኣይጕይተቱን: ወይ ናይ እምነትና ጐይተት ኣይኰኑን ኢዮም። (ዘሁልቍ 16:13፣ ማቴዎስ 20:25-28፣ 2 ቈረንቶስ 1:24፣ እብራውያን 13:7) ኣብ ክንድኡስ: ነቲ ሃዋርያ ጴጥሮስ “ነቲ ምሳኻትኩም ዘሎ መጓሰ ኣምላኽ ጓስይዎ: ብፍታው ከም ፍቓድ ኣምላኽ እምበር: ብግዲ ኣይኹን: ብታሕጓስ እምበር: ምእንቲ ኸንቱ ረብሓውን ኣይኹን: ነቲ መጓሰ ኣርኣያ እናዀንኩምዎ እምበር: ኣብተን ማሕበራት ከም ጐይተት ኣይትኹኑ” ብምባል ዝሃቦ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ዘውዕሉ ፈቃራት ጓሶት ኢዮም። (1 ጴጥሮስ 5:2, 3) ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ብጾቱ ሽማግለታት “ንርእስኹምን ነታ ብገዛእ ደሙ [“ደም ወዱ:” ትሓዓ ] ዘጥረያ ማሕበር ጐይታን [“ኣምላኽ:” ትሓዓ ] ክትጓስዩ: መንፈስ ቅዱስ ኤጲስቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም ኵሉ መጓሰ ሐልዉ” በሎም። እዞም ብመንፈስ ቅዱስ እተሸሙ ሰብኡት ‘ነቲ መጓሰ ብፍታው ዝሕዝዎ ብምዃኖምስ’ እተን ኣባጊዕ ክሳዕ ክንደይ ኣመስገንቲ ኰን ኢየን!—ግብሪ ሃዋርያት 20:28-30
4. በየናይ ምስቲ መጓሰ ዝነበሮ ርክብ ኢዩ ቻርለስ ቲ. ራስል ኣዝዩ ፍሉጥ ዝነበረ፧
4 የሱስ ነቲ መጓሰ ለውሃት ብዘለዎ መገዲ ዝሕዙ ገሊኦም “ኣገልገልቲ” ወይ ጓሶት ብምግባር ነታ ጉባኤ “ውህበት ሰብኡት” ሂቡ ኢዩ። (ኤፌሶን 4:8, 11፣ ኪንግ ጀምስ ቨርሽን) ሓደ ካብዞም ሰብኡት እዚኣቶም እቲ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ቀዳማይ ፕረዚደንት ቻርለስ ቲ. ራስል ኢዩ። ብምኽንያት እቲ ኣብ ትሕቲ እቲ ቀንዲ ጓሳ: የሱስ ክርስቶስ: ኰይኑ ነተን መጓሰ ኣብ ምጕሳይ ዘርእዮ ዝነበረ ፍቕርን ድንጋጽን እተሓወሶ ዕዮታት ራስል ኣገልጋሊ ተባሂሉ ይጽዋዕ ነበረ። ሎሚ: ክርስትያን ሽማግለታት በቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣማሓዳሪ ኣካል ኣቢሎም ኢዮም ዝሽየሙ: ንኸም “ኣገልጋሊ” “ሽማግለ” ወይ “መምህር” ዝብሉ ስያመታት ድማ ከም መዓርግ ከይጥቀምሎም ጥንቃቐ ይግበር ኢዩ። (ማቴዎስ 23:8-12) እንተዀነ ግን: ሎሚ ዘለዉ ሸማግለታት ንጥቕሚ ናይተን ኣብ መጓሰ የሆዋ ዘለዋ ኣባጊዕ ኢሎም ናይ ኣገልጋሊ: ወይ ናይ ጕስነት ዕዮ ይዓዩ ኢዮም።
5. ሓደስቲ ሰባት ነቶም ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ እተሸሙ ሽማግለታት ክፈልጥዎም ዘለዎም ስለምንታይ ኢዩ፧
5 ሽማግለታት: ከም ጓሶት መጠን ኣብ መንፈሳዊ ዕቤት ናይቶም ሓደስቲ ሰባት ኣገዳሲ ግደ ኢዩ ዘለዎም። ስለዚ ድማ እያ እታ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት እትበሃል መጽሓፍ ኣብ ገጽ 168 ከምዚ እትብል:- “ነቶም ኣብታ ጉባኤ እተመዘዙ ሽማግለታት ተላለዮም። ከመይሲ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተሰሪዑ ዘሎ ንተዓዘብቲ ዝኸውን ብቕዓታት ስለ ዝበጽሕዎ: ብዛዕባ ኣወዓዕላ ፍልጠት ኣምላኽ ብዙሕ ተመኵሮ ዘለዎም ኢዮም። (1 ጢሞቴዎስ 3:1-7፣ ቲቶስ 1:5-9) ምስቲ ኣምላኽ ዝደልዮ ነገራት ዝጋጮ ልማድ ወይ ባህሪ ምእንቲ ከተሸንፍ መንፈሳዊ ሓገዝ ምስ እትደሊ ናብ ሓደ ኻባታቶም ንምቕራብ ኣይትወላወል። እቶም ሽማግለታት ነቲ ናይ ጳውሎስ ማዕዳ ከም ዝስዕብዎ ክትርኢ ኢኻ:- ‘ነቶም ሕሊናኦም ዝዐረቦም ኣፋጥንዎም: ነቶም ድኹማት ደግፍዎም: ንዅላቶም ተዐገስዎም።’—1 ተሰሎንቄ 2:7, 8፣ 5:14”
ሓደስቲ ሰባት ክሰብኩ ምስ ዝደልዩ
6. ሓደ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ዝገብር ሰብ ናይታ መንግስቲ ኣስፋሒ ክኸውን ምስ ዝደሊ ከመይ ዝበለ መስርሕ ኢዩ ዝሰዓብ፧
6 ሓደ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ዝገብር ሰብ ፍልጠት ምስ ሓዘ: ከምኡውን ንገለ ግዜ ኣኼባታት ምስ ተሳተፈ ናይታ መንግስቲ ኣስፋሒ: ሰባኺ ናይቲ ብስራት ንምዃን ይደሊ ይኸውን። (ማርቆስ 13:10) ከምኡ እንተድኣ ኰይኑ: እቲ ጽንዓት ዝመርሓሉ ምስክር ነቲ ኣቦ-መንበር ተዓዛቢ ይዛረቦ: ንሱ ድማ ንሓደ ካብቶም ናይታ ጉባኤ ናይ ኣገልግሎት ኮሚቴ ሽማግለን ካልእ ሽማግለን ምስቲ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ዝገብርን መምህሩን ንኽራኸቡ መደብ ይገብር። እቲ ምይይጥ ኣብታ ኣገልግሎትና ንምፍጻም እተመሓደርና እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ኣብ ገጽ 98ን 99ን እተመርኰሰ ይኸውን። እዞም ክልተ ሽማግለታት እዚኣቶም: እዚ ሓድሽ ሰብ እዚ ነቲ መሰረታዊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝኣምነሉን ምስ ስርዓታት ኣምላኽ ድማ ከም ዝሰማማዕን እንተድኣ ተገንዚቦም: ኣብቲ ህዝባዊ ኣገልግሎት ክካፈል ብቑዕ ምዃኑ ይንገሮ።a በቲ ናይ ግራት ኣገልግሎት ጸብጻብ ገይሩ ናይ ኣገልግሎቱ ጸብጻብ ምስ ሃበ ድማ ኣብቲ ብስሙ እተሰርሐ ናይ ጉባኤ ኣስፋሕቲ መዝገብ ካርድ ይሰፍር። ኣብዚ ደረጃ እዚ እቲ ሓድሽ ሰብ ምስቶም ብሓጐስ ‘ቃል ኣምላኽ ዝነግሩ’ ሚልዮናት ካልኦት ኰይኑ ናይ ምስክርነቱ ንጥፈት ጸብጻብ ክህብ ይኽእል ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 13:5) ዘይተጠምቀ ኣስፋሒ ምዃኑ ድማ ነታ ጉባኤ ምልክታ ክንገራ ኢዩ።
7, 8. ንሓደ ዘይተጠምቀ ኣስፋሒ ኣብ ኣገልግሎት ኣድላዪ ሓገዝ ክወሃቦ ዝኽእል ብኸመይ ዝበለ መገድታት ኢዩ፧
7 ሓደ ዘይተጠምቀ ኣስፋሒ ናይ ሽማግለታትን ካልኦት ብሱላት ክርስትያናትን ደገፍ የድልዮ ኢዩ። ንኣብነት: መንፈሳዊ ምዕባሌኡ ነቲ ኣብታ ንሱ ዝካፈለላ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ዘሎ መራሒ ዘገድሶ ኢዩ። እቲ ሓድሽ ኣስፋሒ ኣብቲ ካብ ቤት ናብ ቤት ዝግበር ኣገልግሎት ኣስላጢ ብዝዀነ መገዲ ክዛረብ ዘሸግር ኰይኑ ይረኽቦ ይኸውን። (ግብሪ ሃዋርያት 20:20) ስለዚ ብፍላይ ካብቲ መጽሓፍ ፍልጠት ጽንዓት ዝመርሓሉ ዘሎ ሰብ: ተሓጒሱ ሓገዝ ክቕበል ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ተግባራዊ ሓገዝ ግቡእ ኢዩ: ምኽንያቱ የሱስ እውን ንደቀ መዛሙርቱ ንኣገልግሎት ኣዳልይዎም ኢዩ።—ማርቆስ 6:7-13፣ ሉቃስ 10:1-22
8 ኣገልግሎትና ውጽኢት ዘለዎ ክኸውን እንተድኣ ኰይኑ ኣቐዲምካ ብጽቡቕ ምድላው ኣድላዪ ኢዩ። ስለዚ: እቶም ክልተ ኣስፋሕቲ ነቲ ኣብቲ ወርሓዊ ዝወጽእ ናይ መንግስትና ኣገልግሎት ዘሎ ኣቀራርባታት ምእንቲ ክለማመድሉ መጀመርያ ብሓንሳእ ይራኸቡ። ግራት ኣገልግሎቶም ምስ ጀመሩ ድማ እቲ ዝያዳ ተመኵሮ ዘለዎ ነተን ናይ መጀመርያ ሓደ ወይ ክልተ መዓጹ ይዅሕኵሐን። ምሕዝነታዊ መእተዊ ምስ ገበሩ: ክልቲኦም ኣስፋሕቲ ምስክርነት ኣብ ምሃብ ክካፈሉ ይኽእሉ ኢዮም። ንውሑዳት ሰሙናት ኣብ ግራት ኣገልግሎት ብሓንሳብ ምስራሕ ናብ ጽቡቕ ዝዀነ ተመላሊስካ ምብጻሕ ምግባር ወይ እውን በታ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት እትበሃል መጽሓፍ ገይርካ ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ናብ መምራሕ ክወስድ ይኽእል ኢዩ። እቲ ዝያዳ ተመኵሮ ዘለዎ ኣስፋሒ ንግዜኡ ነቲ ጽንዓት ይመርሖ ይኸውን: ድሓር ግን ናብቲ ሓድሽ ናይታ መንግስቲ ኣዋጂ ከመሓላልፎ ይኽእል ኢዩ። እቲ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ዝገብር ሰብ እንተድኣ ንፍልጠት ኣምላኽ ሞሳ ኣርእዩስ ክልቲኦም እቶም ኣስፋሕቲ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዮም ዝሕጐሱ!
9. ሓደ ኣስፋሒ ክጥመቕ ምስ ዝደሊ ከመይ ዝበለ ምድላዋት ኢዩ ዝግበር፧
9 ሓደ ዘይተጠምቀ ኣስፋሒ ብመንፈስ እናዓበየ ክኸይድ ከሎ: ብጸሎት ናብ የሆዋ ወፈያ ክገብርን ክጥመቕን ይደሊ ይኸውን። (ምስ ማርቆስ 1:9-11 ኣረኣእዮ።) ንኽጥመቕ ዘለዎ ድሌት ነቲ ናይታ ጉባኤ ኣቦ-መንበር ተዓዛቢ ከፍልጦ ኣለዎ: ንሱ ድማ ነቲ ኣብታ ኣገልግሎትና ንምፍጻም እተመሓደርና እትበሃል መጽሓፍ ኣብ ገጽ 175 ክሳዕ 218 ዘሎ ሕቶታት ምስኡ ኰይኖም ክደግምዎ ክልተ ሽማግለታት የዳልወሉ። እቲ ሕቶታት ተኸፊልሉ ዘሎ ኣርባዕተ ክፍልታት ኣብ ሰለስተ ግዜ: ዝከኣል እንተ ዀይኑ ብሰለስተ እተፈላለዩ ሽማግለታት: ክግበር ይኽእል ኢዩ። እቶም ሽማግለታት እቲ ዘይተጠምቀ ኣስፋሒ ብቑዕ ዝዀነ ምርዳእ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርትታት ከም ዘለዎን ብኻልእ መገድታት ድማ ብቑዕ ምዃኑን እንተድኣ ተሰማሚዖም ክጥመቕ ከም ዝኽእል ይነግርዎ። ከም ውጽኢት ናይ ወፈያኡን ጥምቀቱን ድማ ንድሕነት ‘እተሓትመ’ ይኸውን።—ህዝቅኤል 9:4-6
ነቲ ፍሉይ ድሌታት ምምላእ
10. ሓደ ሰብ ብመጽሓፍ ፍልጠት ጽንዓት ወዲኡ ምስ ተጠምቀ: ነቲ ብዛዕባ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘለዎ ፍልጠት ብኸመይ ኢዩ ከዕብዮ ዝኽእል፧
10 ሓደ ውልቀሰብ ብመጽሓፍ ፍልጠት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱሱ ወዲኡ ምስ ተጠምቀ: ካልኣይ መጽሓፍ: ከም ሓድነት ኣምልኾ ናይቲ ሓደ በይኑ ሓቀኛ ኣምላኽ ዝኣመሰለ ገይርካ ምስኡ ስርዓታዊ ጽንዓት ምግባር ኣድላዪ ከይከውን ይኽእል ኢዩ።b ልክዕ ኢዩ: እቲ ሓድሽ እተጠምቀ ሰብ ንክርስትያናዊ ኣኼባታት ክዳሎን ስርዓታዊ ኰይኑ ድማ ኣብ ኣኼባታት ክካፈልን ከሎ ብዙሕ ክማሃር ኢዩ። እቲ ንሓቂ ዘለዎ ጽምኢ ብብሕቱ ናይ ክርስትያን ጽሑፋት ከንብብን ከጽንዕን ከምኡውን ምስ ኣመንቲ ብጾቱ ብዛዕባ ቅዱስ ጽሑፋዊ ነገራት ክመያየጥ ምስ ደረኾ ተወሳኺ ፍልጠት ክረክብ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ፍሉይ ድልየታት ምስ ዝለዓልከ፧
11. (ሀ) ኣጵሎስ: ብኸመይ ኢዩ ብጵርስኪላን ኣኪላስን እተሓገዘ፧ (ለ) ንሓደ ክምርዖ ዝሓስብ ዘሎ ኣብዚ ቀረባ ግዜ እተጠምቀ መንእሰይ በጽሒ እንታይ ሓገዝ ኢዩ ክወሃቦ ዝኽእል፧
11 ኣጵሎስ: እቲ ‘ብጽሑፋት ስልጡን ዝነበረ’ ከምኡውን ብዛዕባ ክርስቶስ ብልክዕ እተማህረ እኳ ከይተረፈ እቶም ተመኵሮ ዝነበሮም ክርስትያናት ጵርስኪላን ኣኪላስን ‘ወሲዶም መገዲ ኣምላኽ ኣጸቢቖም ምስ ኣረድእዎ’ ተጠቒሙ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 18:24-26፣ ምስ ግብሪ ሃዋርያት 19:1-7 ኣረኣእዮ።) ስለዚ እምበኣር: እስከ ሓደ ኣብ ቀረባ ግዜ እተጠምቀ መንእሰይ በጽሒ ክሕጸ ከምኡውን ክምርዖ ይሓስብ ኣሎ ንበል። ብዛዕባ እዚ ኣርእስትታት እዚ ኣብ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ሕታማት ሓበሬታ ምእንቲ ክረክብ ዝያዳ ተመኵሮ ዘለዎ ሓደ ክርስትያን ይሕግዞ ይኸውን። ንኣብነት: ኣብታ መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታት—ተግባራዊ መልስታት እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ኣብ ክፍሊ 7 ነዚ ዝምልከት ጠቓሚ ነገር ይረክብ ኢዩ።c ዋላ እኳ ስርዓታዊ ጽንዓት እንተዘይኰነ: እቲ ጽንዓት ዝገብረሉ ዝነበረ ኣስፋሒ ምስኡ ኰይኑ ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ክመያየጥ ይኽእል ኢዩ።
12. ንሽግር ዘለዎም ሓደስቲ እተጠምቁ ናይ መርዓ ብጾት እንታይ ሓገዝ ኢዩ ክግበረሎም ዝኽእል፧
12 ካልእ ኣብነት እውን ርአ። ምናልባት ሓደስቲ እተጠምቁ ናይ መርዓ ብጾት ኣምላኻዊ ስርዓታት ኣብ ተግባር ኣብ ምውዓል ሽግር ይህልዎም ይኸውን። ንሓደ ውሑዳት ምሸት ምስኣቶም ኰይኑ ንቕዱሳት ጽሑፋት ዝመያየጥ ከምኡውን ኣቓልቦኦም ናብቲ ኣብ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ሕታማት ዘሎ ሓበሬታ ከም ዝገብሩ ዝገብሮም ሽማግለ የማኽርዎ ይዀኑ። ይኹን እምበር: እቲ ሽማግለ ምስቶም ሰብኣይን ሰበይትን እንደገና ስርዓታዊ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ኣይምስርትን ኢዩ።
ሓደ ሓድሽ እተጠምቀ ሰብ እንተ ተጋግዩ
13. ሸማግለታት ንሓደ ሓድሽ እተጠምቀ: ጌጋ ገይሩ ግናኸ እተናስሐ ሰብ ምሕረት ከርእይዎ ዘለዎም ስለምንታይ ኢዩ፧
13 ሽማግለታት ነቲ “ኣነ ባዕለይ ነባጊዔይ ክወፍረን [“ክምግበን:” ትሓዓ ] . . . እተሰብረት ክዘንን: ዝሐመቐት ከኣ ከጽንዕ” ዝበለ ዝዓበየ ጓሳ: የሆዋ: ኢዮም ዝመስልዎ። (ህዝቅኤል 34:15, 16፣ ኤፌሶን 5:1) ምስ እዚ መንፈስ እዚ ብምስምምማዕ: ወደ መዝሙር ይሁዳ እቶም ዝጠራጠሩ ወይ ኣብ ሓጢኣት ዝወደቑ ቅቡኣት ክርስትያናት ብምሕረት ክርኣዩ ከም ዘለዎም ኣተባቢዑ ኢዩ። (ይሁዳ 22, 23) ካብ ሓደ ተመኵሮ ዘለዎ ክርስትያን ብልክዕ ብዙሕ ንጽበ ካብ ኰንና: ብርግጽ ድማ ሓደ ሓድሽ እተጠምቀ: ጌጋ ዝገበረ ግናኸ እተናስሐ ክርስትያን—ንእሽቶ በጊዕ—ብምሕረት ክርአ ኣለዎ። (ሉቃስ 12:48፣ 15:1-7) ስለዚ ድማ: እቶም ‘ንየሆዋ ኢሎም ዝፈርዱ’ ሽማግለታት ንኸምዚኣ ዝበለት በጊዕ ለውሃት ዘለዎ ሓልዮት የርእዩ ከምኡውን ብናይ ልእመት መንፈስ የዐርይዋ።—2 ዜና መዋእል 19:6፣ ግብሪ ሃዋርያት 20:28, 29፣ ገላትያ 6:1d
14. ሓደ ኣብ ቀረባ ግዜ እተጠምቀ ኣስፋሒ ከቢድ ሓጢኣት ምስ ዝፍጽም እንታይ ኢዩ ክግበር ዘለዎ: ብኸመይከ ክሕገዝ ምተኻእለ፧
14 እሞ: ሓደ ኣቐድም ኣቢሉ ናይ መስተ ጸገም ዝነበሮ ኣብዚ ቀረባ ግዜ እተጠምቀ ኣስፋሒ ሓደ ወይ ክልተ ግዜ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ሰትዩ ንበል። ወይ ምናልባት ንነዊሕ ግዜ ዝጸንሐ ናይ ትምባኾ ልምዲ ዝሰዓረ: እንተዀነ ግን ሕጂ ንብሕቱ ኰይኑ ሽጋራ ከትክኽ ሓደ ወይ ክልተ ግዜ ኣብ ፈተና ዝወደቐ ይኸውን። እዚ ሓድሽ ሓውና ዋላ እኳ ምሕረት ኣምላኽ ክረክብ ኢሉ እንተ ጸለየ: እቲ ሓጢኣት ምእንቲ ልሙድ ከይከውን ሓገዝ ናይ ሓደ ሽማግለ ክደሊ ኣለዎ። (መዝሙር 32:1-5፣ ያእቆብ 5:14, 15) ንሓደ ካብቶም ሽማግለታት ጌጋኡ ምስ ዝነግሮ: እቲ ሽማግለ ነዚ ሓድሽ ሰብ ምሕረት ብዝመልኦ መገዲ ከዐርዮ ክፍትን ኣለዎ። (መዝሙር 130:3) ብድሕሪኡ: መገዱ ምእንቲ ከቕንዕ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ጥራይ ምሃብ ኣኻሊ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (እብራውያን 12:12, 13) እዚ ሽማግለ እዚ ቀጺሉ እንታይ ሓገዝ ክወሃብ ከም ዝኽእል ንምውሳን ነቲ ኵነታት ምስቲ ናይታ ጉባኤ ኣቦ-መንበር ተዓዛቢ ይመያየጠሉ።
15. ኣብ ገለ ገለ ጕዳያት: ሓደ ኣብ ቀረባ ግዜ እተጠምቀ ሰብ ምስ ዝሓጥእ እንታይ ክግበር ኢዩ ኣድላዪ ክኸውን ዝኽእል፧
15 ኣብ ገለ ኵነታት ካልእ ተወሳኺ ነገራት የድሊ ይኸውን። ነቲ መጓሰ ሕማቕ: ሓደገኛ ዝዀነ ወይ ካልእ ከቢድ ግድል ዘጠቓልል ምስ ዝኸውን: እቶም ኣካል ሽማግለታት ነቲ ኵነታት ንምምርማር ክልተ ሽማግለታት ይምድቡ። እዞም ሽማግለታት እዚኣቶም እቲ ነገራት ብሓቂ ናይ ፍርዲ ኮሚቴ ዘድልዮ ከቢድ ምዃኑ እንተድኣ ተገንዚቦም: ብዛዕባ እዚ ናብቶም ኣካል ሽማግለታት ጸብጻብ የቕርቡ። ሽዑ እቶም ኣካል ሽማግለታት ነቲ እተጋገየ ሰብ ንምሕጋዝ ናይ ፍርዲ ኮሚቴ ይምዝዙ። እቶም ናይ ፍርዲ ኮሚቴ ምስቲ ሰብ ብለውሃት ክመላለሱ ኣለዎም። ብቅዱሳት ጽሑፋት ገይሮም ከዐርይዎ ክጽዕሩ ኣለዎም። ነቲ ናይቶም ናይ ፍርዲ ኮሚቴ ሕያውነታዊ ጻዕርታት እንተድኣ መሊስሉ: ሽዑ ኣብቲ ኣብ መንግስቲ ኣዳራሽ ዝግበር ኣኼባታት ኣብ መድረኽ ወጺኡ ክፍልታት ከም ዘይወስድ ምግባር ወይ ኣብ ኣኼባታት ሓሳባት ክህብ ዝፍቀደሉ እንተድአ ኰይኑ ክውስኑ ይኽእሉ ኢዮም።
16. ሽማግለታት ንሓደ እተጋገየ ሰብ ንምሕጋዝ እንታይ ኢዮም ክገብሩ ዝኽእሉ፧
16 እቲ እተጋገየ ሰብ ነቲ ኵነታት ብጽቡቕ ምስ ዝምልሰሉ: ሓደ ወይ ክልተ ካብቶም ናይ ፍርዲ ኮሚቴ ሽማግለታት ነቲ ሰብ እምነቱ ንምብርታዕ ከምኡውን ነቲ ናይ ኣምላኽ ጽድቃዊ ስርዓታት ዘለዎ ሞሳ ንምህናጽ ናይ ጕስነት ምብጻሕ ይገብሩሉ። ነፍሲ ወከፎም ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ምስኡ ከገልግሉ ይኽእሉ ኢዮም። ምናልባት ምስኡ ዝሰማማዕ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ዓንቀጻት ብምጥቃም ምስኡ ሒደት ቅዱስ ጽሑፋዊ ምይይጥ ክገብሩ ይኽእሉ: ስርዓታዊ ዝዀነ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ግን ኣይገብሩን ኢዮም። በዚ ከምዚ ዝበለ ለውሃት ዘለዎ ሓልዮት: እቲ እተጋገየ ሰብ ኣብ ቀጻሊ ግዜ ንናይ ስጋ ድኻማት ክቃወሞ ክሕይል ይኽእል ኢዩ።
17. ሓደ እተጠምቀ ሰብ ጌጋ ፈጺሙ ምስ ዘይናሳሕ ከምኡውን ሓጥእ መገዱ ምስ ዘይገድፍ እንታይ ስጕምትታት ኢዩ ዝውሰድ፧
17 ልክዕ ኢዩ: ኣብዚ ቀረባ ግዜ እተጠመቕካ ምዃን ብዘይነስሓ ሓጢኣት ንኽትገብር ምኽንያት ኣይከውንን ኢዩ። (እብራውያን 10:26, 27፣ ይሁዳ 4) ዝዀነ ይኹን ጌጋ ዝፈጸመ እተጠምቀ ሰብ እንተድኣ ዘይተናሲሑ ከምኡውን ነቲ ሓጥእ መገዱ እንተድኣ ዘይገዲፉ: ካብታ ጉባኤ ይውገድ። (1 ቈረንቶስ 5:6, 11-13፣ 2 ተሰሎንቄ 2:11, 12፣ 2 ዮሃንስ 9-11) እዚ ከምዚ ዝበለ ስጕምቲ ኣድላዪ እንተድኣ መሲሉ ድማ: እቶም ኣካል ሽማግለታት ናይ ፍርዲ ኮሚቴ ይመርጹ። ምውጋድ እንተድኣ ኣጋጢሙ ድማ እዚ ዝስዕብ ሓጺር ምልክታ ይንገር:- “. . . እተባህለ ሰብ ተወጊዱ ኢዩ።”e
‘ናብ ብስለት ክሓልፉ’ ሓግዝዎም
18. ሓደስቲ እተጠምቁ ክርስትያናትን ካልኦትን ብዛዕባ የሆዋን ፍቓዱን ኵሉ ግዜ ዝያዳ ዝማሃርዎ ከም ዘለዎም ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧
18 ዝበዝሑ ካብ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣብቲ መጓሰ ክጸንሑ ኢዮም። ዘሐጕስ ድማ: ብዛዕባ እቲ ሰማያዊ ኣቦናን ፍቓዱን ኵሉ ግዜ ዝያዳ ናይ ምምሃር ኣጋጣሚ ስለ ዝህልወና ነፍሲ ወከፍና ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝያዳ ናብኡ ክንቀርብ ክንክእል ኢና። (መክብብ 3:11፣ ያእቆብ 4:8) እቶም ብጴንጠቈስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. እተጠምቁ ኣሸሓት ሰባት ብርግጽ ብዙሕ ዝማሃርዎ ነገር ነይርዎም ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:5, 37-41፣ 4:4) እቶም ቅድም ቅዱስ ጽሑፋዊ ፍልጠት ዘይነበሮም ኣህዛብ እውን ከምኡ ኢዮም ገይሮም። ንኣብነት: እዚ ኵነታት እዚ ኣብቶም ጳወሎስ ኣብ ናይ ኣቴንስ ኣርዮስፋጎስ ምስ ተዛረበ እተጠምቁ ሰባት ሓቂ ኢዩ ነይሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:33, 34) ሎሚ እውን ሓደስቲ እተጠምቁ ሰባት ብዙሕ ዝማሃርዎ ኣለዎም ከምኡውን ነቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ቅኑዕ ዘበለ ንምግባር ዘለዎም ውሳኔ ንምብርታዕ ግዜን ሓገዝን የድልዮም ኢዩ።—ገላትያ 6:9፣ 2 ተሰሎንቄ 3:13
19. እቶም እተጠምቁ ‘ናብ ብስለት ክሓልፉ’ ብኸመይ ኢዮም ክሕገዙ ዝኽእሉ፧
19 ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣሽሓት ሰባት ይጥመቑ ኢዮም: ‘ናብ ብስለት ክሓልፉ’ ድማ ሓገዝ የድልዮም ኢዩ። (እብራውያን 6:1-3 ትሓዓ) ብቓል: ብኣብነት: ከምኡውን ኣብ ኣገልግሎት ተግባራዊ ሓገዝ ብምሃብ: ንገሊኦም ነቲ ሓድሽ ሰብነት ክለብሱን ‘ብሓቂ ክመላለሱን’ ክትሕግዞም ትኽእል ትኸውን። (3 ዮሃንስ 4፣ ቈሎሴ 3:9, 10) ተመኵሮ ዘሎካ ኣስፋሒ እንተድኣ ኰይንካ: እቶም ሽማግለታት ንሓደ ሓድሽ ኣማኒ ብጻይ ኣብ ኣገልግሎት ክትሕግዞ ወይ ኣብ ኣምላኽ ዘለዎ እምነት ምእንቲ ክብርትዕ: ንክርስትያናዊ ኣኼባታት ዘለዎ ሞሳ ምእንቲ ክዓብን ካልእን: ንውሑዳት ሰሙናት ቅዱስ ጽሑፋዊ ነጥብታት ምስኡ ክትመያየጥ ይዕድሙኻ ይዀኑ። ጓሶት ምስተን ኣባጊዕ ዘለዎም ርክብ ልክዕ ከምቲ ናይ ዝምዕድ ኣቦ ከምኡውን ናይ ሕያወይቲ ኣደ ርክብ ኢዩ። (1 ተሰሎንቄ 2:7, 8, 11) እንተዀነ ግን: ውሑዳት ሽማግለታትን ድያቆናትን ንዅሉ እቲ ኣብታ ጉባኤ ዘድሊ ሓልዮት ክገብርዎ ኣይክእሉን ኢዮም። ኵላትና ከምቲ ኣባላቱ ንሓድሕዱ ዝተሓጋገዝ ስድራቤት ኢና። ነፍሲ ወከፍና ንኣምለኽቲ ብጾትና ክንሕግዝ ገለ ነገር ክንገብር ንኽእል ኢና። ንስኻውን ከተተባብዕ: ንእተጨነቑ ከተጸናንዕ: ንድኹማት ክትሕግዝ ትኽእል ኢኻ።—1 ተሰሎንቄ 5:14, 15
20. ንፍልጠት ኣምላኽ ክትዝርግሕን ነተን ኣብ መጓሰ ኣምላኽ ዘለዋ ኣባጊዕ ለውሃት ዘለዎ ሓገዝ ንምሃብን እንታይ ክትገብር ትኽእል፧
20 ደቅሰብ ፍልጠት ኣምላኽ የድልዮም ኢዩ: ከም ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር መጠን ድማ ነዚ ፍልጠት እዚ ኣብ ምስፋሕ ዘሐጕስ ግደ ክህልወካ ይኽእል ኢዩ። ኣባጊዕ የሆዋ ለውሃት ዘለዎ ሓልዮት የድልየን ኢዩ: ንስኻ ድማ ነዚ ነገር እዚ ንምድላው ኣብ ምሕጋዝ ፍቕራዊ ግደ ክህልወካ ይኽእል ኢዩ። የሆዋ ንኣገልግሎትካ ይባርኮ: ነተን ኣብ መጓሴኡ ዘለዋ ኣባጊዕ ንምሕጋዝ ኢልካ እትገብሮ ልባዊ ጻዕሪ እውን ይባርኮ።
[እግረ-ጽሑፋት]
a ኣብዚ ደረጃ እዚ ምስ በጽሐ: እቲ ሓድሽ ሰብ ቅዳሕ ናይታ ኣገልግሎትና ንምፍጻም እተመሓደርና እትበሃል መጽሓፍ ክረክብ ይኽእል ኢዩ።
b ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት።
c ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት።
d ከምዚ ዝበለ ንዘይተጠምቁ ክርስትያናት ዝምልከት ምድላው ኣብ ናይ 15 ሕዳር 1988 ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ትሕቲ “ካልኦት ንየሆዋ ከምልኽዎ ምሕጋዞም” ዝብል ዓንቀጽ ኣብ ገጽ 15-18 ወጺኡ ኣሎ።
e እቲ ውሳኔ ንምውጋድ እንተድኣ ኰይኑ: ይግባይ ድማ እንተድኣ ኢሉ: እቲ ምልክታ ተወንዚፉ ይጸንሕ። ኣብታ ኣገልግሎትና ንምፍጻም እተመሓደርና እትበሃል መጽሓፍ ኣብ ገጽ 147-8 ርአ።
ብኸመይ ምመለስካ፧
◻ የሆዋ ነባጊዑ ብኸመይ ኢዩ ዝሕዝ፧
◻ ሓድሽ ሰብ ክሰብኽ ክደሊ ኸሎ እንታይ ኢዩ ዝግበር፧
◻ ኣመንቲ ብጾት ነቶም ፍሉይ ነገር ዘድልዮም ሰባት ብኸመይ ክሕግዝዎም ይኽእሉ፧
◻ ሽማግለታት ነቶም ተጋግዮም ግናኸ እተናስሑ ሰባት እንታይ ሓገዝ ክገብሩሎም ይኽእሉ፧
◻ ንሓደ ሓድሽ እተጠምቀ ሰብ ‘ናብ ብስለት ክሓልፍ’ ብኸመይ ክትሕግዞ ምኸኣልካ፧
[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]
ቻርለስ ቲ. ራስል ከም ፈቃር ጓሳ ናይቲ መጓሰ መጠን ፍሉጥ ኢዩ ነይሩ
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]
ደንገጽቲ ጓሶት: ነቲ መጓሰ ናይ ኣምላኽ ብለውሃት ይሕዝዎ