ምጽንናዕን ምትብባዕን ክቡር ስልማት ናይ ብዙሕ መዳያት
መብዛሕትና ኣዚና ድኻታት—ግድን ናይ ገንዘብ ምስኣን ዘይኰነስ ናይ ሓቦ ምስኣን—ዝዀንና ኰይኑ እተሰመዓና ግዜያት ኣሕሊፍና ኢና። ተስፋ ዝቈረጽና: አረ ኣዚና እተጨነቕና ኰይንና ኢና። እንተዀነ ግን: ኣብ ከምዚ ዝበለ ግዜያት ብዙሕ ክሕግዘና ዝኽእል እንረኽቦ ሰናይ ነገር ክህሉ ይኽእል ኢዩ። እዚ “ክቡር ስልማት” እዚ ምትብባዕ ኢዩ።
መጽሓፍ ቅዱስ ን“ምትብባዕ” ከምኡውን “ምጽንናዕ” ሓደ ዓይነት ናይ ግሪኽ ቃል ኢዩ ዝጥቀም። ክልቲአን ቃላት ትብዓት: ብርታዐ: ወይ ተስፋ ምሃብ ዝብል ሓሳባት ኢየን ዘማሓላልፋ። ብልክዕ እምበኣር: ድኹማት ወይ እተደቈስና ኰይኑ ክስማዓና ከሎ እቲ እንደልዮ ምጽንናዕ ከምኡውን ምትብባዕ ኢዩ። ኣበይ ክርከብ ይኽእል፧
መጽሓፍ ቅዱስ የሆዋ “ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕ” ምዃኑ የረጋግጸልና ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 1:3) ከምኡውን “ንሱ ኻብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሓቐ” ምዃኑ ይነግረና ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:27) ስለዚ እምበኣር: ምጽንናዕን ምትብባዕን ክርከብ ዝኽእል ነገር ኢዩ። እስከ እምበኣር: የሆዋ መተባብዒ ዘዳልወሉ ኣርባዕተ ሓፈሻዊ መገድታት ንርአ።
ምስ ኣምላኽ ብሕታዊ ርክብ ብምግባር
እቲ ዝዓበየ ምንጪ ናይ ምጽንናዕ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ብሕታዊ ርክብ ምግባር ኢዩ። እዚ ከምዚ ዝበለ ርክብ ዝከኣል ምዃኑ እውን ከይተረፈ መተባብዒ ኢዩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ: ኣየናይ ናይ ዓለም መራሒ ኢዩ ደዊልና ቴለፎን ዝቕበለና ወይ ኣብ ግድላትና ብሕታዊ ተገዳስነት ዘርኢ፧ የሆዋ ካብዞም ከምዚ ዝበሉ ሰባት ኣዝዩ ዝዓበየ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ትሑት ኢዩ—ምስቶም ትሑታት: ዘይፍጹማት ደቅሰብ ርክብ ንምግባር ፍቓደኛ ካብ ምዃን ንላዕሊ ኢዩ። (መዝሙር 18:35) የሆዋ ንዓና ፍቕሩ ኣብ ምግላጽ እውን ከይተረፈ ተበግሶ ወሲዱ ኢዩ። ቀዳማይ ዮሃንስ 4:10 ከምዚ ትብል:- “ኣምላኽ ባዕሉ ስለ ዘፍቀረና: ብናይ ሓጢኣትና መተዓረቒ ኪኸውን ኢሉ ድማ ወዱ ስለ ዝሰደደልና እዩ እምበር: ንሕና ንኣምላኽ ስለ ዘፍቀርናዮ ኣይኰነን: እታ ፍቕሪ በዚ እያ።” ብተወሳኺ ድማ: የሆዋ ፍቕሪ ብዘለዎ መገዲ ናብ ወዱ ገጹ የቕርበና ኢዩ።—ዮሃንስ 6:44
በቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎካ ዕርክነት ምጽንናዕ ንኽትረክብ መሊስካሉን ደሊኻዮን ዲኻ፧ (ምስ ያእቆብ 2:23 ኣረኣእዮ።) ንኣብነት: ሓደ እተኽብሮ: ናይ ቀረባ ዓርኪ እንተሎካ ምስኡ ብዛዕባ ሻቕሎትካን ዘገድሰካን: ተስፋኻን ሓጐስካን ናጻ ኰይንካ ንኽትዛረብ ገለ ግዜ ከተሕልፍሲ ባህ ዘብልዶ ከይኰነ፧ የሆዋ ድማ ምስኡ ልክዕ ከምኡ ክትገብር ኢዩ ዝዕድመካ። ብጸሎት ምስኡ ንኽንደይ ዝኣክል ግዜ ክትዛረብ ከም ዘሎካ ናይ ግዜ ደረት ኣይገብርን ኢዩ—ብሓቂ ድማ ጽን ይብል ኢዩ። (መዝሙር 65:2፣ 1 ተሰሎንቄ 5:17) የሱስ ስርዓታዊ ኰይኑን ኣበርቲዑን ጸልዩ ኢዩ። እኳ ድኣ ቅድሚ ነቶም 12 ሃዋርያት ምምራጹ: ምሉእ ለይቲ ክጽሊ ሓዲሩ ኢዩ።—ሉቃስ 6:12-16፣ እብራውያን 5:7
ካብ ግዜ ናብ ግዜ ነፍሲ ወከፍና በይንና ምስ የሆዋ ክንከውን ንኽእል ኢና። ኣብ መስኮት ዘለዎ ኮፍ ብምባል ወይ ቀስ ኢልካ ብእግሪ ብምጕዓዝ ጥራይ ብጸሎት ገይርና ንየሆዋ ልብና ክንከፍተሉ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኣሎና። ከምዚ ምግባር ናይ እዚ ዘይብሃል ዕረፍትን ምጽንናዕን ምንጪ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ከነስተንትን ከሎና ገለ ናይ የሆዋ ፍጥረት ክንርእየሉ እንኽእል ኣጋጣሚ—ተዘርጊሑ ዘሎ ሰማይ: ገለ ኣእዋም ወይ ኣዕዋፍ—እንተድኣ ኣሎና ኣብኡ ናይ የሆዋ ፍቕርን ንዓና ዘለዎ ተገዳስነትን ዝገልጽ ገለ ዘጸናንዕ መዘኻኸሪታት ክንረክብ ንኽእል ኢና።—ሮሜ 1:20
ናይ ቃል ኣምላኽ ብሕታዊ መጽናዕቲ ብምግባር
ይኹን እምበር: ባህርያት የሆዋ ብሓቂ ክግለጹልና ዝኽእሉ ብሕታዊ መጽናዕቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ብምግባር ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብተደጋጋሚ የሆዋ “መሓርን ጸጋውን ኣምላኽ: ንዅራ ደንጓይ: በዓል ብዙሕ ለውሃት” ምዃኑ ኢዩ ዝገልጾ። (ዘጸኣት 34:6፣ ነህምያ 9:17፣ መዝሙር 86:15) እቲ ንምድራውያን ኣገልገልቱ ንምጽንናዕ ዘለዎ ባህጊ ሓደ ካብቲ ቀንዲ ክፍሊ ባህርያት የሆዋ ኢዩ።
ንኣብነት ነቲ ኣብ ኢሳይያስ 66:13 ዘሎ ቃላት የሆዋ ርአ:- “ከምቲ ኣደ ንውሉዳ እተጸናንዕ: ከምኡ ኸጸናንዓኩም እየ።” የሆዋ ነቲ ኣደ ንውሉዳ ዘለዋ ፍቕሪ ርእሰ-መስዋእትነትን ተኣማንነትን ከም ዝህልዎ ገይሩ ኢዩ ኣዳልይዎ። ሓንቲ ፈቃር ኣደ ንእተጐድአ ውሉዳ ከተጸናንዕ ከላ ርኢኻ ትፍልጥ እንተድኣ ኰይንካ: የሆዋ ድማ ነቶም እሙናቱ ከጸናንዖም ኢየ ክብል ከሎ እንታይ ማለቱ ከም ዝዀነ ትፈልጦ ኢኻ።
ብዙሕ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻባት ንኸምዚ ዝበለ ምጽንናዕ ብተግባር ይገልጾ ኢዩ። ነቢዪ ኤልያስ እታ እክይቲ ዝነበረት ንግስቲ ኤዛቤል ክትቀትሎ ምስ ኣፈራርሃቶ: ጃጅዩ ህይወቱ ከድሕን ሃደመ። ኣዝዩ ተስፋ ቈሪጹ ድማ ማይ ይኹን ካልእ ዘድሊ ነገራት ከይተማልአ ናብ በረኻ ገጹ ናይ ምሉእ መዓልቲ ጕዕዞ ተጓዕዘ። ብጓሂ ዝኣክል ከኣ ኤልያስ ንየሆዋ ክመውት ከም ዝደሊ ነገሮ። (1 ነገስት 19:1-4) የሆዋኸ ንነብዪኡ ከጸናንዕን ከተባብዕን እንታይ ኢዩ ዝገበረ፧
የሆዋ ንኤልያስ ጽምዋ: ዋጋ ከም ዘይብሉ: ከምኡውን ፍርሂ ስለ እተሰምዖ ኣይገንሖን። ብኣንጻሩስ እቲ ነቢዪ “ህዱእ ቅሩብ ደሃይ” ኢዩ ዝሰምዐ። (1 ነገስት 19:12) ን1 ነገስት ምዕራፍ 19 እንተድኣ ኣንቢብካያ የሆዋ ንኤልያስ ከመይ ገይሩ ከም ዘጸናንዖ: ከመይ ገይሩ ከም ዘህድኦ: ከምኡውን ንእምነቱ ከመይ ገይሩ ከም ዝሃነጻ ክትግንዘብ ኢኻ። እዚ ምጽንናዕ እዚ ደጋዊ ጥራይ ኣይነበረን። እቲ ዝረኸቦ ምጽንናዕ ነቲ ነቢዪ ንኽቕጽል ብምብርታዕ: ናብቲ ተረቢሹ ዝነበረ ልቢ ኤልያስ ኢዩ ኣትዩ። (ምስ ኢሳይያስ 40:1, 2 ኣረኣእዮ።) ቀልጢፉ ኸኣ ናብ ስርሑ ተመልሰ።
የሱስ ክርስቶስ እውን ብተመሳሳሊ ነቶም እሙናት ሰዓብቱ የጸናንዕን የበራትዕን ኢዩ። አረ ኢሳይያስ እውን ብዛዕባ እቲ መሲሕ “እግዚኣብሄር . . . ንስቡራት ልቢ ኽዘንን . . . ንዅሎም ሕዙናት ከጸናንዕ [ልኢኹኒ ኢዩ]” ብምባል ተነብዩ ነይሩ ኢዩ። (ኢሳይያስ 61:1-3) የሱስ ኣብ ግዜ ምድራዊ ህይወቱ እዘን ቃላት እዚኣተን ኣብኡ ከም ዝውዕላ ብግልጺ ኣርእዩ ኢዩ። (ሉቃስ 4:17-21) ምጽንናዕ ምስ ዘድልየካ: ብዛዕባ እቲ የሱስ ነቶም እተጐድኡን ዘድልዮምን ዝገብሮ ዝነበረ ሕያውነትን ፍቕርን ዘለዎ ርክብ ኣስተንትን። ብርግጽ: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥንቁቕ መጽናዕቲ ምግባር ዝዓበየ ምንጪ ናይ ምጽንናዕን ምትብባዕን ኢዩ።
ብጉባኤ
ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ እቲ ክቡር ስልማት ናይ ምጽንናዕን ምትብባዕን ብእተፈላለየ መዳያት ኢዩ ዝንጸባረቕ። ሃዋርያ ጳውሎስ “ንሓድሕድኩም [“ተጸናንዑ:” ትሓዓ ] እሞ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ይህነጾ” ኢሉ ክጽሕፍ ብመንፈስ ተደሪኹ ኢዩ። (1 ተሰሎንቄ 5:11) ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ምጽንናዕን ምትብባዕን ክርከብ ዝኽእል፧
ልክዕ ኢዩ: ብቀዳማይ ደረጃ ኣብቲ ክርስትያናዊ ኣኼባታት እንካፈል “ካብ ኣምላኽ ምሁራት” ንምዃን: ብዛዕባኡን ብዛዕባ መገድታቱን መምርሒ ንምርካብ ኢዩ። (ዮሃንስ 6:45) ከምዚ ዝበለ መምርሒ ዘበራትዕን ዘጸናንዕን ኢዩ። ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 15:32 “ይሁዳን ሲላስን . . . ነቶም ኣሕዋት ብብዙሕ ቃል መዓድዎምን ኣበርትዕዎምን [“ኣበራትዕዎምን ኣሐየልዎምን:” ትሓዓ ]” ዝብል ነንብብ።
ናብ ጉባኤ ክትከይድ ከሎኻ ተስፋ ቈሪጽካ ነይርካስ ክትምለስ ከሎኻ ግን ሕሽ ኢሉካ እተመለስካሉ ግዜ ኣሎዶ፧ ምናልባት ኣብቲ ዝርርብ: ኣብቲ እተዋህበ ሓሳባት: ወይ ድማ ኣብ ጸሎት እተባህለ ነገር ልብኻ ተንኪፉካስ እቲ ዘድሊ ምጽንናዕን ምትብባዕን ረኺብካ ትኸውን። ስለዚ ካብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ኣይትትረፍ።—እብራውያን 10:24, 25
ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ኣገልግሎትን ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታትን ምሕባር ተመሳሳሊ ውጽኢት ክህልዎ ይኽእል ኢዩ። ብእብራይስጢ ብዙሓት “ብሓደ ምትእስሳር” ዝትርጕሞም ቃላት “ብርታዔ” ወይ “ምብርታዕ” ዝብል የመልክቱ ኢዮም—ትርጕሙ ድማ ነገራት ብሓደ ምስ ዝእሰሩ ዝያዳ ይተሩ ዝብል ንኸስምዕ ኢዩ። እዚ ኣበሃህላ እዚ ኣብታ ጉባኤ ዝርከብ ኢዩ። ብሓደ ብምሕባርና ተጸናኒዕና: ተበራቲዕና: እወ ደልዲልና ኢና። ከምኡውን ብፍቕሪ: በታ ካብ ኵሉ መእሰሪታት ዝደልደለት: ብሓደ ሓቢርና ኢና።—ቈሎሴ 3:14
ሓድሓደ ግዜ ናይ መንፈሳውያን ኣሕዋትና ወይ ኣሓትና ተኣማንነት ኢዩ ዘጸናንዓና። (1 ተሰሎንቄ 3:7, 8) ሓድሓደ ግዜ ኸኣ እቲ ዘርእይዎ ፍቕሪ ኢዩ። (ፊልሞን 7) ከምኡውን ሓድሓደ ግዜ ንኻልኦት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ክንነግር ከሎና ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ብሓደ ምዕያይና ዘበራትዕ ኢዩ። ብኣገልግሎት ዝመጸ ድኹም ወይ ምትብባዕ ዘድልየካ ኰይኑ ምስ ዝስማዓካ: ስለምንታይ ምስ ሓደ ዓቢ ወይ ዝያዳ ተመኵሮ ዘለዎ ናይ መንግስቲ ኣስፋሒ ኴንካ ክትዓዪ መደብ ዘይትገብር፧ ከምኡ ምግባርካ ብዙሕ ምጽንናዕ ክትረኽበሉ ትኽእል ኢኻ።—መክብብ 4:9-12፣ ፊልጲ 1:27
በቲ “እሙንን ኣስተውዓል ባርያ”
ነዚ ዘጸናንዕ መዳያት ናይ ኣምልኾና መን ኢዩ ዘመሓድሮ፧ የሱስ መንፈሳዊ ‘መግቢ በብግዜኡ’ ምእንቲ ክዝርግሕ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ኢሉ ዝጸውዖ ክፍሊ ሸይሙ ኣሎ። (ማቴዎስ 24:45 ትሓዓ ) ኣብቲ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. እዞም ብመንፈስ እተቐብኡ ናይ ክርስትያናት ጕጅለ ድሮ ይሰርሑ ነይሮም ኢዮም። እቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ብሽማግለታት ዝቘመ ኣማሓዳሪ ኣካል ናብተን ጉባኤታት ሓበሬታታትን መምርሒታትን ዝሓዘ ደብዳበታት ይልእኽ ነበረ። ከመይ ዝበለ ፍረኸ ነበሮ፧ መጽሓፍ ቅዱስ እተን ጉባኤታት ንሓደ ካብቲ ደብዳበታት ብኸመይ ከም እተቐበላኦ ጸብጻብ ይህብ:- “ምስ ኣንበብዋ ድማ: በቲ ምጽንናዕ ተሐጐሱ።”—ግብሪ ሃዋርያት 15:23-31
ብተመሳሳሊ: ኣብዘን ጽንኩራት ዳሕሮት መዓልትታት እቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ንህዝቢ የሆዋ ብዙሕ ምጽንናዕን ምብርታዕን ዝህብ መንፈሳዊ መግቢ ይዝርግሕ ኢዩ ዘሎ። ኣብዚ መግቢ እዚ ትካፈል ዲኻ፧ እዚ: ኣብቲ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከብ ክፍሊ እቲ ባርያ ዝሓትሞ ጽሑፋት ብቐሊሉ ዝርከብ ኢዩ። ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ እተሓትሞ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ከምኡ ድማ መጽሓፍትን ብሮሹራትን ትራክትታትን ንኣዝዮም ብዙሓት ኣንበብቲ ምጽንናዕ ኣምጺኡ ኢዩ።
ሓደ ገያሺ ተዓዛቢ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “መብዛሕትኦም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ቅኑዕ ዘበለ ክገብሩ ኢዮም ዝደልዩ: እንተዀነ ግን: መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ብስጭትን ፍርህን ከምኡውን ምስቲ ንገዛእ ርእሶም ዘይሕግዙ ድኹማት ኰይኑ ዝስምዖም ስምዒት ኢዮም ዝቃለሱ። ኣብ መጽሔታትና ዝወጹ ዓንቀጻት ንብዙሓት ሰባት ንኣነባብራኦምን ስምዒታቶምን ክቈጻጸሩ ይሕግዞም ኣሎ። ብተወሳኺ: እቲ ዓንቀጻት ንሽማግለታት ካብ ደጋዊ ምትብባዕ ምሃብ ንላዕሊ ክገብሩ ከም ዘለዎም ዝሕብር ኢዩ።”
ነቲ ካብ ክፍሊ እቲ እሙን ባርያ ዝመጽእ ጽሑፋት ምሉእ ብምሉእ ተጠቐመሉ። እዚ እዋናዊ ዝዀነ መጽሔታት: መጽሓፍቲ: ከምኡውን: ካልእ ሕታማት እቲ እዋን እናጸንከረ ክኸይድ ከሎ ምጽንናዕ ንኽንረክብ ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ። ብኻልእ ሸነኽ ድማ: ንሓደ እተጨነቐ ሰብ ምትብባዕ ክትህብ እንተ ድኣ ኰይንካ: ኣብዞም መጽሔታት እዚኣቶም ዘሎ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓበሬታ ተጠቐም። እቶም ዓንቀጻት ብጥንቃቐ: መብዛሕትኡ ግዜ ድሕሪ ናይ ሰሙናት ወይ ኣዋርሕ ዓሚቝ ምርምር: መጽናዕቲ: ከምኡውን ጸሎት እተጻሕፉ ኢዮም። እቲ ምኽሪ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ: እተፈተነ: ከምኡውን ሓቂ ኢዩ። ገሊኦም ምስ ሓደ ድርቡይ ኰይኑ ዝስምዖ ሰብ ሓደ ወይ ክልተ ዓንቀጽ ምንባብ ኣዝዩ ሓጋዚ ኰይኑ ረኺቦምዎ ኢዮም። እዚ ብዙሕ ምጽንናዕን ምብርታዕን ከምጽእ ዝኽእል ኢዩ።
ክቡር ስልማት ምስ እትረክብ: ትዓቝሮ ዲኻ ወይስ ገለ ካብቲ ሃብቲ ብልግሲ ምስ ካልኦት ትካፈሎ ኢኻ፧ ነቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን ምንጪ ናይ ምጽንናዕን ምትብባዕን ክትከውን ከም ዕላማ ገይርካ ሓዞ። ኣብ ክንዲ እተዕኑ ምስ እትሃንጽ: ኣብ ክንዲ እትወቅስ ምስ እትንእድ: ኣብ ክንዲ ‘ከም ዚቘርጽ ሰይፊ ገይርካ እትዛረብ’ ብ‘ናይ ምሁራት ልሳን ምስ እትዛረብ’ ኣብ ህይወት ካልኦት ለውጢ ከተምጽእ ትኽእል ኢኻ። (ኢሳይያስ 50:4፣ ምሳሌ 12:18) ብርግጽ ንስኻ ከም ክቡር ስልማት—ምንጪ ናይ ሓቂ ምጽንናዕን ምትብባዕን—ኰይንካ ክትርአ ኢኻ!
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
እቲ ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕ ሰማዕ ጸሎት እውን ኢዩ