‘ኣእዳውኩም ኣይትሓለላ’
‘ኣእዳውኩም ኣይትሓለላ: እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብ ማእከልኩም ዜድሕን ጅግና ኢዩ።’—ጸፎንያስ 3:16, 17
1. ሐደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር ንትንቢት ጸፎንያስ ኣመልኪቱ እንታይ ኢዩ ዝገለጸ፧
ትንቢት ጸፎንያስ ክንዮ እቲ ኣብ ሻብዓይን ሻድሻይን ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ዝነበራ ናይ መጀመርታ ፍጻሜ እተመልክት ኢያ። ፕሮፌሰር ሲ. ኤፍ. ካይል ብዛዕባ ጸፎንያስ ርእይቶ ክህብ ከሎ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ትንቢት ጸፎንያስ . . . ገለ ካብኡ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ብምኽንያት ሓጢኣታ: ኣብ ልዕሊ ናይ ዓለም ህዝብታት ድማ ብምኽንያት እቲ ንህዝቢ የሆዋ ዘርኣይዎም ጽልኢ ዝወረደ ፍርዲ እተበገሰሉ: ናይቲ ኣብ ልዕሊ ምልእቲ ዓለም ዝወርድ ኣድማሳዊ ፍርዲ ኣዋጅ እትጅምር ጥራይ ዘይኰነትስ ብዛዕባ እታ ዓባይን እተሰምብድን መዓልቲ የሆዋ ብምልእታ እውን ትዛረብ ኢያ።”
2. ኣብ መንጎ እቲ ብግዜ ጸፎንያስ ዝነበረን ሎሚ ድማ ኣብ ውሽጢ ህዝበ-ክርስትያን ዘሎ ኵነታት እንታይ ምምስሳል ኢዩ ዘሎ፧
2 ሎሚ: ናይ የሆዋ ፍርዳዊ ውሳነ ካብቲ ኣብ ግዜ ጸፎንያስ ዝነበረ ብዝዓበየ ደረጃ ንህዝብታት ንጥፍኣት ምእካብ ኢዩ። (ጸፎንያስ 3:8) እቶም ክርስትያን ኢና ዝብሉ ህዝብታት ብፍላይ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝውቀሱ ኢዮም። ከምቲ የሩሳሌም ንየሆዋ እምንቲ ብዘይ ምዃና ከቢድ መቕጻዕቲ እተቐበለት: ህዝበ-ክርስትያን እውን ብዛዕባ እቲ ብዕሉግ መገድታታ ንኣምላኽ ጸብጻብ ክትህብ ይግብኣ ኢዩ። እቲ ኣብ ግዜ ጸፎንያስ ኣንጻር ይሁዳን የሩሳሌምን እተኣወጀ መለኮታዊ ፍርድታት ብዝዓበየ ኣብተን ናይ ህዝበ-ክርስትያን ኣብያተ-ክርስትያናትን ኣንቈራታትን ዝውዕል ኢዩ። በቲ መብዛሕትኡ ኣረማዊ መበቈል ዘለዎ ንኣምላኽ ዘየኽብር ሰረተ-እምነታት ገይሮም ነቲ ጽሩይ ኣምልኾ ከይተረፈ ኣርኪሶምዎ ኢዮም። ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ጥዑያት ደቆም ኣብ ዘመናዊ መሰውኢ ናይ ውግእ ሰዊኦምዎም ኢዮም። ብተወሳኺ: ተቐማጦ ናይዛ ምሳልያዊት የሩሳሌም ነቲ ክርስትና ተባሂሉ ዝጽዋዕ ምስ ምቝጻር ከዋኽብቲ: ናይ ጥንቈላ ግብርታት: ከምኡውን ምስቲ ናይ በዓል ኣምልኾ ዘዘኻኽር ሕሱር ጾታዊ ርኽሰት ሓዋዊሶምዎ ኢዮም።—ጸፎንያስ 1:4, 5
3. ብዛዕባ እዞም ሎሚ ዘለዉ ዓለማውያን መራሕትን ፖለቲካውያን መንግስታትን እንታይ ኢዩ ክበሃል ዝከኣል: ጸፎንያስከ እንታይ ኢሉ ኢዩ እተነበየ፧
3 ብዙሓት ናይ ህዝበ-ክርስትያን ፖለቲካውያን መራሕቲ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ኣውራታት ምዃን ባህ የብሎም ኢዩ። ይኹን እምበር: ብዙሓት ካብኣቶም ልክዕ ከም ናይ ይሁዳ ‘መሳፍንቲ’ “ጓዘምቲ ኣናብስ” ከምኡውን ንሕስያ ዘይብሎም “ተዃሉ” ብምዃን ነቲ ህዝቢ መዝሚዞምዎ ኢዮም። (ጸፎንያስ 3:1-3) ናይ ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት: ፖለቲካውያን ኰራዅር ‘ንቤት ጐይተቶም ብዓመጽን ብጥበራን መሊኦምዋ’ ኢዮም። (ጸፎንያስ 1:9) ጉቦን ብልሽውናን ግኑን ኢዩ። ብዙሓት ካብቶም ኣብ ውሽጢ ህዝበ-ክርስትያንን ካብኣ ወጻእን ዘለዉ ፖለቲካውያን መንግስታት ድማ: ከም ንዑቓት “መናፍቕነት” ብምቝጻር ኣንጻር ህዝቢ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት: መሰኻኽሩ: ‘ተዓብዮም’ ኢዮም። (ጸፎንያስ 2:8፣ ግብሪ ሃዋርያት 24:5, 14) ንዅሎም ከምዚኣቶም ዝበሉ ፖለቲካውያን መራሕቲ ኣመልኪቱ: ጸፎንያስ ከምዚ ኢሉ ተነበየ:- “ነቶም ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ዅላቶም ብድንገት ጥራስ ከጥፍኦም እዩ እሞ: በታ መዓልቲ ቝጥዓ እግዚኣብሄርሲ ብሩሮም ወይስ ወርቆም ኣይከናግፎምን እዩ: ግናኸ ኵላ እታ ሃገር ብሓዊ ቕንኣቱ ኽትወሐጥ እያ።”—ጸፎንያስ 1:18
‘በታ መዓልቲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር እተሓብኡ’
4. ካብታ ዓባይ መዓልቲ የሆዋ ደሓንቲ ክህልዉ ምዃኖም ዘርኢ እንታይ ኢዩ: ይኹን እምበር እንታይከ ኢዮም ክገብሩ ዘለዎም፧
4 ኣብ ሻብዓይ ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ዝጠፍኡ ኵላቶም ተቐማጦ ይሁዳ ኣይኰኑን። ብተመሳሳሊ: ካብታ ዓባይ መዓልቲ የሆዋ እውን ደሓንቲ ክህልዉ ኢዮም። ንኸምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት የሆዋ ብነብዪ ጸፎንያስ ገይሩ “እቲ ትእዛዝ ከይወለደ: እታ መዓልቲ ኸኣ ከም ብቝቡቝ ከይሐለፈት: እቲ ርሱን ቍጥዓ እግዚኣብሄር ከይወረደኩም: እታ መዓልቲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ከይወረደትኩም: ተአከቡ: ተአከቡ። ኣቱም ፍርዱ እትገብሩ ትሑታት ምድሪ ዅላትኩም: ንእግዚኣብሄር ድለይዎ። ምናልባሽ በታ መዓልቲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር እንተ ተሓባእኩምሲ: ጽድቂ ድለዩ: ትሕትና ድለዩ።”—ጸፎንያስ 2:2, 3
5. ኣብዚ ናይ መወዳእታ ግዜ ነቲ ናይ ጸፎንያስ መጠንቀቕታ ብመጀመርታ ዘቕለብሉ መን ኢዮም: የሆዋኸ ብኸመይ ተጠቕመሎም፧
5 ኣብዚ ናይዛ ዓለም እዚኣ ናይ መወዳእታ እዋን: ነቲ ትንቢታዊ ዕድመ ብመጀመርታ ዘቕለብሉ እቶም ተረፍ መንፈሳውያን እስራኤል: ቅቡኣት ክርስትያናት ኢዮም ነይሮም። (ሮሜ 2:28, 29፣ 9:6፣ ገላትያ 6:16) ጽድቅን ትሕትናን ብምድላይ ከምኡውን ንፍርዳዊ ውሳነታት የሆዋ ክብሪ ብምርኣይ ካብታ ናይ ዓለም ናይ ሓሶት ሃይማኖት ሃጸይ ዝዀነት ዓባይ ባቢሎን ሓራ ወጹ: ብ1919 ድማ እንደገና መለኮታዊ ስምረት ረኸቡ። ካብቲ ግዜ እቲ: ብፍላይ ድማ ካብ 1922 ኣትሒዞም እዞም እሙናት ተረፍ እዚኣቶም ከይፈርሁ ኣንጻር ናይ ህዝበ-ክርስትያን ኣብያተ-ክርስትያናትን ኣንቈራታትን ከምኡውን ኣንጻር ፖለቲካውያን ህዝብታት ተቐሪቡ ዘሎ ፍርድታት የሆዋ ኣዊጆም ኢዮም።
6. (ሀ) ጸፎንያስ ነቶም እሙናት ተረፍ ዝምልከት እንታይ ኢሉ ኢዩ እተነበየ፧ (ለ) እዚ ትንቢት እዚ ብኸመይ ተፈጸመ፧
6 ጸፎንያስ ነዞም እሙናት ተረፍ ኣመልኪቱ ከምዚ ኢሉ ተነበየ:- “ኣብ ማእከልኪ ሽጉርን ድኻን ህዝቢ ኽሐድግ እየ: ንሳቶምውን ብስም እግዚኣብሄር ኪእመኑ [“ክዕቈቡ:” ትሓዓ ] እዮም። ኪጓሰዩን ኪድቅሱን እዮም: ዜሰምብዶም ድማ የልቦን እሞ: እቶም ተረፍ እስራኤል ኣይኪብድሉን ኣይኪሕስዉን እዮም: ኣብ ኣፎም ከኣ ጠላሚት ልሳን ኣይክትርከብን እያ።” (ጸፎንያስ 3:12, 13) እዞም ቅቡኣት ክርስትያናት እዚኣቶም: ብፍላይ ካብ 1931 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝብል ስም ካብ ዝሕዙ ጀሚሮም ኵሉ ግዜ ስም የሆዋ ልዕል ምስ ኣበሉ ኢዮም። (ኢሳይያስ 43:10-12) ነቲ ናይ የሆዋ ናይ ሉዓላውነት ጕዳይ ብምጕላሕ: ነቲ መለኮታዊ ስም ኣኽቢሮምዎ ኢዮም: እዚ ድማ ዕቝባ ኰይንዎም ኢዩ። (ምሳሌ 18:10) የሆዋ ብመንፈስ ኣብዚሑ ኢዩ ዝምግቦም: ኣብታ መንፈሳዊት ገነት ድማ ከይፈርሁ ኢዮም ዝነብሩ።—ጸፎንያስ 3:16, 17
‘ኣብ ኵላቶም ኣህዛብ ስሙያትን ክቡራትን’
7, 8. (ሀ) እንታይ ተወሳኺ ትንቢት ኢዩ ኣብ ልዕሊ እቶም ተረፍ መንፈሳውያን እስራኤል እተፈጸመ፧ (ለ) ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት እንታይ ኢዮም ክፈልጡ ዝኸኣሉ: በዚ ዝመጸኸ ናይ ገዛእ ርእስኻ ስምዒት ከመይ ኢዩ፧
7 እቶም ተረፍ ምስ ስም የሆዋን ምስቲ ናይ ቃሉ ጻድቕ ስርዓታትን ዘለዎም ጥብቂ ዝምድና ካልኦት ተገንዚቦምዎ ኢዮም። ቅኑዓት ሰባት ነቲ ኣብ መንጎ ናይቶም ተረፍ ጠባይን ኣብ መንጎ ናይቶም ናይዛ ዓለም እዚኣ ፖለቲካውያንን ሃይማኖታውያንን መራሕቲ ዝርአ ብልሽውናን ግብዝናን ዘሎ ፍልልይ ክርድእዎ ክኢሎም ኢዮም። የሆዋ ነቶም “ተረፍ [መንፈሳውያን] እስራኤል” ባሪኹዎም ኢዩ። ስሙ ኽጾሩ መሰል ብምሃብ ኣኽቢርዎም ኢዩ: ከምኡውን ኣብ መንጎ ህዝብታት ምድሪ ጽቡቕ ስም ከም ዝህልዎም ገይሩ ኢዩ። እዚ: ከምቲ ጸፎንያስ እተነበዮ ኢዩ:- “ነቶም ምሩኻትኩም ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹም ምስ መለስክዎም: ኣብ ኵላቶም ህዝብታት ምድሪ ስሙያትን ክቡራትን ክገብረኩም እየ እሞ: በታ ጊዜ እቲኣ ኸእትወኩም እየ: ይብል እግዚኣብሄር።”—ጸፎንያስ 3:20
8 ካብ 1935 ኣትሒዞም: ቃል ብቓሉ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ናይ የሆዋ በረኸት ኣብ ልዕሊ እቶም ተረፍ ከም ዘሎ ክፈልጡ ክኢሎም ኢዮም። “እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ከም ዝዀነ ሰሚዕና ኢና እሞ: ምሳኻትኩም ክንከይድ ኢና” ብምባል ነዞም መንፈሳውያን ኣይሁድ: ወይ እስራኤላውያን: ብሓጐስ ይስዕብዎም ኢዮም። (ዘካርያስ 8:23) እዞም “ካልኦት ኣባጊዕ” ነዞም ቅቡኣት ተረፍ “ኣብ ኵሉ [ምድራዊ] ገንዘቡ” ብክርስቶስ እተሸመ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ምዃኖም ኣፍልጦ ይህብሎም ኢዮም። ካብቲ በቲ ክፍሊ ባርያ “በብጊዜኡ” ዝዳሎ መንፈሳዊ መግቢ ብምስጋና ኢዮም ዝካፈሉ።—ዮሃንስ 10:16፣ ማቴዎስ 24:45-47 ትሓዓ
9. ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት እንታይ “ቋንቋ” ክዛረቡ ኢዮም እተማህሩ: እቶም ካልኦት ኣባጊዕከ ምስቶም ቅቡኣት ተረፍ ‘ብምሕባር’ ኣብ እንታይ ዕዮ ኢዮም ዘገልግሉ ዘለዉ፧
9 ኣብ ጐድኒ እቶም ተረፍ ብምዃን: እዞም ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ካልኦት ኣባጊዕ ምስቲ “ጽሩይ ከናፍር [“ቋንቋ:” ትሓዓ ]” ተሰማሚዕካ ምንባርን ብእኡ ምዝራብን ይማሃሩ ኣለዉ።a የሆዋ ብጸፎንያስ ገይሩ “ስለዚ ዅላቶም ንስም እግዚኣብሄር ኪጽውዑን ሐቢሮም ከኣ ኬገልግልዎንሲ: ሽዑ ንህዝብታት ጽሩይ ከናፍር [“ቋንቋ:” ትሓዓ ] ክመልሰሎም እየ” ብምባል ተነብዩ ኢዩ። (ጸፎንያስ 3:9) እወ: እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ኣብቲ “እዚ ወንጌል መንግስቲ . . . ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ” ዝስበኸሉ ህጹጽ ዕዮ ምስቶም ቅቡኣት ኣባላት ናይቲ “ሒደት መጓሰ” ብምዃን ንየሆዋ ‘ሓቢሮም የገልግልዎ’ ኣለዉ።—ሉቃስ 12:32፣ ማቴዎስ 24:14
‘መዓልቲ የሆዋ ኽትመጽእ ኢያ’
10. እቶም ቅቡኣት ተረፍ ኵሉ ግዜ ዝርድእዎ እንታይ ኢዩ: ከም ጕጅለ መጠንከ እንታይ ክርእዩ ኢዮም፧
10 እቶም ቅቡኣት ተረፍ ነቲ “ጐይታስ: ኵላቶም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር: ሓደ እኳ ኺጠፍእ ዘይፈቱ ስለ ዝዀነ: ምእንታኻትኩም ይዕገስ አሎ እምበር: ከምቲ ገሊኣቶም ዚድንጒ ዚመስሎም: ንተስፋኡ ኣየደንጕዮን እዩ” ዝብል መንፈስ ዝነፈሶ ናይ ሃዋርያ ጴጥሮስ ሓሳብ ብቐጻሊ ይዝክርዎ ኢዮም። (2 ጴጥሮስ 3:9, 10) ኣባላት ናይቲ እሙን ክፍሊ ባርያ መዓልቲ የሆዋ ኣብዚ ግዜና ክትመጽእ ምዃና ፈጺሞም ተጠራጢሮም ኣይፈልጡን ኢዮም። እታ ዓባይ መዓልቲ እቲኣ ኣንጻር እዛ ምሳልያዊት የሩሳሌም ዝዀነት ህዝበ-ክርስትያን: ከምኡውን ኣንጻር እቲ ዝተረፈ ክፍሊ ናይ ዓባይ ባቢሎን ፍርድታት ኣምላኽ ብምውራድ ክትጅምር ኢያ።—ጸፎንያስ 1:2-4፣ ራእይ 17:1, 5፣ 19:1, 2
11, 12. (ሀ) እንታይ ካልእ ክፋል ናይ ትንቢት ጸፎንያስ ኢዩ ኣብ ልዕሊ እቶም ተረፍ እተፈጸመ፧ (ለ) እቶም ቅቡኣት ተረፍ ነቲ ‘ኣእዳውኩም ኣይትሓለላ’ ዝብል ጻውዒት ብኸመይ ኢዮም ዘቕለብሉ፧
11 እቶም እሙናት ተረፍ ብ1919 ካብ መንፈሳዊ ምርኮ ናይ ዓባይ ባቢሎን: ናይ ዓለም ናይ ሓሶት ሃይማኖት ሃጸይ: ሓራ ምውጽኦም ተሓጒሶም ኢዮም። ንፍጻሜ ትንቢት ጸፎንያስ ተመኲሮምዎ ኢዮም:- “ኣቲ ጓል ጽዮን: ዘምሪ: ኣታ እስራኤል: እልል በል: ኣቲ ጓል የሩሳሌም: ብዅሉ ልብኺ ተሐጐሲ ባህ ከኣ ይበልኪ። እግዚኣብሄር ንፍርድኺ ኣርሐቖ: ንጸላኢኺ ሰጐጎ: እግዚኣብሄር ንጉስ እስራኤል ኣብ ማእከልኪ እዩ: ድሕርዚ ኸኣ ገለ ኽፉእ ዜፍርህ የብልክን። በታ መዓልቲ እቲኣ ንየሩሳሌም: ዎ ጽዮን: ኣይትፍርሂ: ኣእዳውኪ ኣይትሐለላ: እግዚኣብሄር ኣምላኽኪ ኣብ ማእከልኪ ዜድሕን ጅግና እዩ: ብኣኺ ሓጐስ ኪሕጐስ እዩ: ብፍቕሩ ኺሀድእ: ብኣኺ እልል እናበለ ኺሕጐስ እዩ: ኪብልዋ እዮም።”—ጸፎንያስ 3:14-17
12 እቶም ቅቡኣት ተረፍ የሆዋ ምስኦም ምዃኑ ብምርዳእን ኣኽል-ታርፍ መረጋገጺታት ብምርካብን ነቲ መለኮታዊ መዝነቶም ኣብ ምፍጻም ከይፈርሁ ንቕድሚት ቀጺሎም ኢዮም። ነቲ ብስራት ናይታ መንግስቲ ሰቢኾምዎ ከምኡውን ነቲ ኣንጻር ህዝበ-ክርስትያን: ዝተረፈ ክፍሊ ናይ ዓባይ ባቢሎን: ከምኡውን ኣንጻር ብምሉኡ ናይ ሰይጣን እኩይ ኣገባብ እተዋህበ ፍርድታት የሆዋ ኣፍሊጦም ኢዮም። ምስናይዚ ዅሉ ሽግራት: ካብ 1919 ኣትሒዙ ኣብ ዝነበረ ዓሰርተታት ዓመታት: ነቲ “ዎ ጽዮን: ኣይትፍርሂ: ኣእዳውኪ ኣይትሐለላ” ዝብል መለኮታዊ ትእዛዝ ሓልዮምዎ ኢዮም። ነቲ መንግስቲ የሆዋ ዝእውጅ ብቢልዮናት ዝቝጸር ትራክትታት: መጽሔታት: መጻሕፍቲ: ከምኡውን ናእሽቱ መጻሕፍቲ ንምዕዳል ኣእዳዎም ኣየስነፉን። ነቶም ካብ 1935 ኣትሒዞም ኣብ ጐድኖም እተሰለፉ ካልኦት ኣባጊዕ እምነት ዘበራትዕ ኣብነት ኢዮም ኰይኖምዎም።
‘ኣእዳውኩም ኣይትሓለላ’
13, 14. (ሀ) ገለ ኣይሁድ ንየሆዋ ካብ ምስዓብ ንድሕሪት እተመልሱ ስለምንታይ ኢዮም: እዚኸ ብኸመይ ኢዩ እተገልጸ፧ (ለ) እንታይ ምስ እንገብር ኢዩ ዕሽነት ዝኸውን: ኣበየናይ ዕዮ ኢናኸ ኣእዳውና ከነሕልል ዘይብልና፧
13 ነታ ናይ የሆዋ ዓባይ መዓልቲ ‘ብዘይ ምቍራጽ እናተጸበና’ ከሎና: ካብ ትንቢት ጸፎንያስ ተግባራዊ ሓገዝ ክንረክብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ቀዳማይ: ከምቶም ብዛዕባ ምቕራብ መዓልቲ የሆዋ ተጠራጢሮም ንየሆዋ ካብ ምስዓብ ንድሕሪት እተመልሱ: ኣብ ግዜ ጸፎንያስ ዝነበሩ ኣይሁድ ከይንኸውን ክንጥንቀቕ ኣሎና። ከምዚኣቶም ዝበሉ ኣይሁድ ነቲ ዝነበሮም ምጥርጣር ብጋህዲ ኣይኰኑን ገሊጾምዎ: ይኹን እምበር: እቲ ዝወሰድዎ ስጕምቲ ናይ የሆዋ ዓባይ መዓልቲ ምቕራባ ብሓቂ ከም ዘይኣምኑ ዘርኢ ኢዩ ነይሩ። ከየቋረጹ ንየሆዋ ኣብ ክንዲ ዝጽበዩ ሃብቲ ኣብ ምድላብ ኢዮም ኣተኲሮም ነይሮም።—ጸፎንያስ 1:12, 13፣ 3:8
14 ሎሚ ጥርጠራታት ኣብ ልብና ሱር ክሰድድ እነፍቅደሉ ግዜ ኣይኰነን። ብኣእምሮና ወይ ብልብና ንምምጻእ መዓልቲ የሆዋ ከነደንጕዮ ኣዝዩ ዕሽነት ኢዩ። (2 ጴጥሮስ 3:1-4, 10) ንየሆዋ ካብ ምስዓብ ንድሕሪት ምምላስ ወይ ኣብ ኣገልግሎቱ ‘ኣእዳውና ምሕላል’ ወጊድ ንበሎ። እዚ “ወንጌል” ክንሰብኽ ከሎና ‘ብህክይቲ ኢድ ዘይምዕያይ’ ዘጠቓለለ ኢዩ።—ምሳሌ 10:4፣ ማርቆስ 13:10
ነቲ ናይ ዘይምግዳስ ስምዒት ምቅላሱ
15. ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ኣእዳውና ከም እነሰልኪ ክገብረና ዝኽእል እንታይ ኢዩ: እዚ ግድል እዚኸ ኣቐዲሙ ኣብ ትንቢት ጸፎንያስ ብኸመይ ተዘሪብሉ ነበረ፧
15 ካልኣይ: ካብቲ ረሸሽ ዘብል ናይ ዘይምግዳስ ስምዒት ዘምጽኦ ሳዕቤናት ክንጥንቀቕ ኣሎና። ኣብ ብዙሓት ምዕራባውያን ሃገራት: ንመንፈሳዊ ነገራት ዘይምግዳስ ንገሊኦም ሰበኽቲ ናይቲ ብስራት ተስፋ ንኽቘርጹ ምኽንያት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ናይ ዘይምግዳስ ስምዒት ኣብ ግዜ ጸፎንያስ ነይሩ ኢዩ። የሆዋ ብነብይኡ ገይሩ ‘ነቶም እግዚኣብሄርሲ ጽቡቕ ኣይገብር: ክፉእውን ኣይገብር: ዚብሉ ሰባት ኪቐጽዖም ኢየ’ በለ። (ጸፎንያስ 1:12) ኤ. ቢ. ዳቪድሰን ኣብቲ ካምብሪጅ ባይብል ፎር ስኩልስ ኤንድ ኮለጅስ ብዛዕባ እዚ ሓሳባት እዚ ክጽሕፍ ከሎ: ነቶም “ናይ ምግዳስ ስምዒት ዘይብልካ ናብ ምዃን ዘንቈልቈሉ ወይ ሓደ ዝለዓለ ሓይሊ ኣብ ጕዳይ ደቅሰብ ጣልቃ ከም ዘእቱ ናብ ዘይምእማን ገጾም እውን ከይተረፈ ዝኸዱ” ሰባት ከም ዘመልክት ገለጸ።
16. ኣብ ብዙሓት ኣባላት ናይ ህዝበ-ክርስትያን ኣብያተ-ክርስትያናት እንታይ ኣተሓሳስባ ኢዩ ዘሎ: ይኹን እምበር የሆዋ እንታይ ምትብባዕ ኢዩ ዝህበና፧
16 ናይ ዘይምግዳስ ስምዒት ኣብ ብዙሕ ክፍልታት ምድሪ ብፍላይ ድማ ኣብተን ሃብታማት ሃገራት ሎሚ ገኒኑ ዘሎ ኣረኣእያ ኢዩ። ኣባላት ናይ ህዝበ-ክርስትያን ኣብያተ-ክርስትያናት የሆዋ ኣምላኽ ኣብዚ ግዜና ኣብ ጕዳይ ደቅሰብ ኢዱ ከም ዘእቱ ብፍጹም ኣይኣምኑን ኢዮም። ነቲ ናይታ መንግስቲ ብስራት ከነብጽሕ ኢልና እንገብሮ ጻዕሪ ብናይ ምጥርጣር ፍሽኽታ ወይ “ኣይግደስን ኢየ!” ዝብል ሓጺርን ዘይእዱብን መልሲ ብምሃብ ኢዮም ዝነጽግዎ። ኣብ ትሕቲ ከምዚ ዝበለ ኵነታት ኣብቲ ዕዮ ስብከት ምቕጻል ብሓቂ ብድሆ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ንምጽማምና ዝፍትን ኢዩ። ይኹን እምበር: የሆዋ ብነብይኡ ጸፎንያስ ገይሩ ነቶም እሙናት ህዝቡ ከምዚ ብምባል ኣበራቲዕዎም ኢዩ:- ‘ኣእዳውኩም ኣይትሓለላ: እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብ ማእከልኩም ዘድሕን ጅግና ኢዩ: ብኣኹም ሓጐስ ኪሕጐስ ኢዩ: ብፍቕሩ ኺሃድእ: ብኣኹም እልል እናበለ ኺሕጐስ ኢዩ።’—ጸፎንያስ 3:16, 17
17. እቶም ሓደስት ኣባላት ናይተን ካልኦት ኣባጊዕ ዝዀኑ ሰባት እንታይ ሰናይ ኣብነት ኢዮም ክስዕቡ ዘለዎም: ብኸመይከ፧
17 ኣብዚ ዘመናዊ ታሪኽ ናይ ህዝቢ የሆዋ እቶም ተረፍ: ከምኡ ድማ እቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ክፍሊ ናይተን ካልኦት ኣባጊዕ ዝዀኑ ሰባት: ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ዓቢ ናይ ምእካብ ዕዮ ከም ዝፈጸሙ ሓቂ ኢዩ። ኵሎም እዞም እሙናት ክርስትያናት እዚኣቶም ንልዕሊ ዓሰርተታት ዓመታት ተጸሚሞም ኢዮም። ከምቲ ኣብ መብዛሕትኦም ህዝበ-ክርስትያን ዘሎ: ናይ ዘይምግዳስ ስምዒት ተስፋ ከቝርጾም ኣየፍቀድሉን። ስለዚ እዞም ካብ መንጎ እተን ካልኦት ኣባጊዕ ዝዀኑ ሓደስቲ ሰባት በቲ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ሎሚ ገኒኑ ዘሎ ንመንፈሳዊ ነገራት ዘይምግዳስ ተስፋ ዘይቘርጹ ይግበሮም። ‘ኣእዳዎም ክሕለል’ ወይ ክህከዩ ዘየፍቅዱ ይግበሮም። ነቶም ኣባጊዕ መሰል ሰባት: ንመዓልቲ የሆዋን ነቲ ስዒቡ ዝመጽእ በረኸታትን ዝምልከት ሓቂ ክማሃሩ ንምሕጋዝ ተባሂሉ እተዳለወ ግምቢ ዘብዐኛ: ንቕሑ!: ከምኡውን ካልእ ጽሑፋት ንምዕዳል ንነፍሲ ወከፍ ኣጋጣሚ ዝጥቀምሉ ይግበሮም።
ንመዓልቲ የሆዋ እናተጸቤና ንቕድሚት ንቐጽል!
18, 19. (ሀ) ኣብ ማቴዎስ 24:13 ከምኡውን ኢሳይያስ 35:3, 4 ንኽንጽመም ዝሕግዘና እንታይ ምትብባዕ ንረክብ፧ (ለ) ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ብሕብረት ንቕድሚት እንተድኣ ቀጺልና ክሳዕ ክንደይ ኢና እንባረኽ፧
18 የሱስ “እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና ኪድሕን እዩ” ብምባል ገሊጹ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:13) ስለዚ ነታ ዓባይ መዓልቲ የሆዋ ክንጽበ ከሎና “ዝሰነፋ ኣእዳው” ወይ “ወለል ዝበላ ኣብራኽ” ነርሕቕ! (ኢሳይያስ 35:3, 4) ትንቢት ጸፎንያስ ብዛዕባ የሆዋ ደጊሙ ብምርግጋጽ “ዜድሕን ጅግና እዩ” ይብል። (ጸፎንያስ 3:17) እወ: ነቶም ኣንጻር ህዝቡ ‘እተዓበዩ’ ፖለቲካውያን ህዝብታት ክሓማሽሾም ንወዱ ክእዝዞ ከሎ: የሆዋ ነቶም “ዓቢ ጭፍራ” ካብቲ “ዓቢ ጸበባ” ከድሕኖም ኢዩ።—ራእይ 7:9, 14 ትሓዓ፣ ጸፎንያስ 2:10, 11፣ መዝሙር 2:7-9
19 እታ ዓባይ መዓልቲ የሆዋ እናቐረበት ክትመጽእ ከላ ‘ሓቢርና’ ንዕኡ ብምግልጋል ብቕንኢ ንቕድሚት ንቐጽል! (ጸፎንያስ 3:9) ከምዚ ብምግባርና: ንሕናን ካልኦት ብዙሓት ሰባትን ‘በታ መዓልቲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ክንሕባእን’: እቲ ቅዱስ ስሙ ክቕደስ ከሎ ድማ ክንምስክርን ንኽእል ኢና።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ብዛዕባ “ጽሩይ ቋንቋ” ምሉእ ሓሳባት ንምርካብ: ናይ 1 ሚያዝያ 1991 ገጽ 20-5 ከምኡውን ናይ 1 ግንቦት 1991 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 10-20 (እንግሊዝኛ) ርአ።
ብድግማ መልክዕ
◻ እቲ ኣብ ውሽጢ ህዝበ-ክርስትያን ዘሎ ሃይማኖታዊ ኵነታት በየናይ መዳይ ኢዩ ምስቲ ብግዜ ጸፎንያስ ዝነበረ ዝመሳሰል፧
◻ ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ፖለቲካውያን መራሕቲ ምስቶም ብግዜ ጸፎንያስ ዝነበሩ ዓለማውያን ‘መሳፍንቲ’ ዝመሳሰሉ ብኸመይ ኢዮም፧
◻ እንታይ ኣብ ትንቢት ጸፎንያስ ዝርከብ መብጽዓታት ኢዩ ኣብ ልዕሊ እቶም ተረፍ እተፈጸመ፧
◻ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት እንታይ ኢዮም ክፈልጡ ክኢሎም ዘለዉ፧
◻ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ኣእዳውና ክሕለላ ክንገድፈን ዘይብልና ስለምንታይ ኢዩ፧
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]
ከም ጸፎንያስ: እቶም ናይ ቅቡኣት ክርስትያናት እሙናት ተረፍ ነቲ ናይ የሆዋ ፍርድታት ከይፈርሁ ይእውጅዎ
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]
እቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” እቲ ኣብ ሰባት ዝርአ ናይ ዘይምግዳስ ስምዒት ተስፋ ከቝርጾም ኣየፍቅዱን ኢዮም