ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w96 15/3 ገጽ 24-27
  • ክርስትያን ጓሶት ብኸመይ ከም ዘገልግሉኻ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ክርስትያን ጓሶት ብኸመይ ከም ዘገልግሉኻ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ካብ ምንታይ ኢዮም ዝከላኸሉ፧
  • ናይ ጕስነት ምብጻሕ እንታይ ማለት ኢዩ፧
  • ስለምንታይ ኢዩ ሓደ ጓሳ ዝበጽሓካ፧
  • ጥዕና ዘለወን ኣባጊዕ ሓልዮት ይደልያ ኢየን
  • ጕስነታዊ ምብጻሕ ንምግባር ግዜ ምምዳብ
  • ጕስነታዊ ምብጻሕ ካብ ምግባር ዝርከብ በረኸታት
  • ክርስትያን ጓሶት “ልብኹም ኣግፍሑ”!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ኣቱም ጓሶት፡ ነቶም ዓበይቲ ጓሶት ምሰልዎም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • በረኸት ክኸውን ዝኽእል ምብጻሕ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
  • “ነቲ መጓሰ ኣርኣያ” ዚዀኑ ጓሶት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
w96 15/3 ገጽ 24-27

ክርስትያን ጓሶት ብኸመይ ከም ዘገልግሉኻ

ኣብ ብዙሕ ቦታታት ጓሶት ንመጓሰኦም ብኸመይ ከም ዝሕዝወን ክረአ ይከኣል ኢዩ። ነተን ኣባጊዕ ይመርሕወን: ይከላኸሉለን: ከምኡውን ይኣልዩወን ኢዮም። እዚ ንክርስትያን ሽማግለታት የገድሶም ኢዩ ምኽንያቱ ዕዮኦም ናይ ጕስነት ዕዮ እውን ዘጠቓልል ኢዩ። ብርግጽ: ‘ንማሕበር ጐይታ [“ኣምላኽ:” ትሓዓ ] ክጓስዩ’ ከምኡውን ‘ንዅሉ መጓሰ ክሕልዉ’ ሓላፍነቶም ኢዩ።​—ግብሪ ሃዋርያት 20:28

ኣባል ናይ ክርስትያን ጉባኤ እንተድኣ ኴንካ: መንፈሳውያን ጓሶት ብኸመይ ኢዮም ከገልግሉኻ ዝኽእሉ፧ ብወገንካኸ ነቲ ኣብ ክንዳኻ ዝገብርዎ ጻዕሪ ብኸመይ ኢኻ ክትምልሰሉ ዘሎካ፧ እታ ጉባኤኸ ስለምንታይ ኢያ ሓገዝ ናይ ሽማግለታት እትደሊ፧

ካብ ምንታይ ኢዮም ዝከላኸሉ፧

ኣብ ግዜ ጥንቲ ኣናብስን ካልኦት እንስሳ ዘገዳምን ንመጓሰታት የስግኡ ነይሮም ኢዮም: ንበይነን ዝረኸብወን ኣባጊዕ ድማ ግዳይ ይገብርወን ነበሩ። ጓሶት ድማ ክከላኸሉለን ነይርዎም ኢዩ። (1 ሳሙኤል 17:34, 35) ሕጅውን ሰይጣን ድያብሎስ “ዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዚጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር አሎ።” (1 ጴጥሮስ 5:8) ብሓፈሻ ኣንጻር ምልእቲ ማሕበር ኣምላኽ ጥራይ ዘይኰነስ ኣንጻር ነፍሲ ወከፍ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ኢዩ ብቑጥዓ ውግእ ከፊቱ ዘሎ። ናይ ሰይጣን ዕላማ እንታይ ኢዩ፧ ንህዝቢ የሆዋ ተስፋ ከቝርጾም ከምኡውን ‘ንትእዛዝ ኣምላኽ ከይሕልዉ’ ብዛዕባ ‘የሱስ ናይ ምምስካር ዕዮ’ ከይፍጽሙ እውን ከይተረፈ ክልክሎም ኢዩ ዝደሊ።​—ራእይ 12:17 ትሓዓ

የሆዋ ነቶም ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበሩ ናይ ምምሕዳር ጓሶት ነተን መጓሰ ሸለል ብምባሎም ‘ንዅሎም ኣራዊት መሮር ከኣ ብልዒ ስለ ዝዀና’ ወቒስዎም ኢዩ። (ህዝቅኤል 34:⁠8) ይኹን እምበር: እቶም ክርስትያን ሽማግለታት ካብተን ኣብታ ጉባኤ ዘለዋ ኣባጊዕ ሓንቲ እኳ ትኹን ብሸለልትነት: ወይ ብጽልዋ ናይ ሰይጣን: ናይ ዓለም: ወይ ብጽልዋ ናይ ከሓድቲ “ተዃሉ” ምእንቲ ከይትጠፍእ ክከላኸሉ ካብ ልቢ ዝመነጨ ድሌት ኢዩ ዘለዎም። (ግብሪ ሃዋርያት 20:⁠29, 30) እቶም ጓሶት ንዅሎም ኣባላት ናይቲ መጓሰ ክነቕሑን ክጥንቀቑን ክሕግዝዎም ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧ ኣብቲ ናይ መንግስቲ ኣዳራሽ መድረኽ ኰይኖም ግቡእ ምድላው እተገብረሉ ቅዱስ ጽሑፋዊ ዝርርባት ምሃብ ሓደ ካብቲ ክሕግዝሉ ዝኽእሉ መገዲ ኢዩ። ካልእ መገዲ ድማ ቅድሚ ኣኼባታትን ድሕሪኡን ኣወንታውን መተባብዕን ዝዀነ ዕላላት ብምዕላል ኢዩ። ነተን ‘ኣባጊዕ’ ብብሕቲ ኣብ ኣባይተን ምብጻሕውን ጌና ካልእ ኣስላጢ ዝዀነ ሓገዝ ዝወሃብሉ መገዲ ኢዩ። (ምስ መዝሙር 95:⁠7 ኣረኣእዮ።) እንተዀነ ግን: ናይ ጕስነት ምብጻሕ ማለት እንታይ ማለት ኢዩ፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ምብጻሕከ ብኸመይ ኢዩ ክግበር ዘለዎ፧ መንከ ኢዩ ክብጻሕ ዘለዎ፧

ናይ ጕስነት ምብጻሕ እንታይ ማለት ኢዩ፧

ናይ ጕስነት ምብጻሕ ማለት ተራ ዕላል ከተዕልል ኢልካ ምኻድ ማለት ኣይኰነን። ሓደ ሽማግለ ከምዚ ኢሉ ይገልጽ:- “መብዛሕትኦም ኣስፋሕቲ ጥቕሲ ምንባብ ወይ ድማ ብዛዕባ ሓደ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሰብ ምዝርራብ ኣዝዮም ኢዮም ዝሕጐስሉ። ልክዕ ኢዩ: እቲ ሸማግለ ጥራይ ኣይኰነን ዝዛረብ። እቲ ዝብጻሕ ዘሎ ናይ መንግስቲ ኣስፋሒ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ሓሳባቱ ክገልጽ ይፈቱ ኢዩ: እዚ ድማ ንናይ ገዛእ ርእሱ እምነት ዘበራትዕ ኢዩ። እቲ ሽማግለ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ወይ ንቕሑ! መጽሔታት ምስኡ ብምምላእ ንሓደ ሃናጺ ዓንቀጽ ክመያየጠሉ ይኽእል ኢዩ። እዚ መንፈሳዊ ዕላል እዚ ድማ ኢዩ ንናይ ጕስነት ምብጻሕ ካብቲ ንኸተዕልል ኢልካ ዝግበር ተራ ምብጻሕ ዝፈልዮ።”

ተመኵሮ ዘለዎ ካልእ ሽማግለ ድማ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ሓሳባት ይህብ:- “ክበጽሕ ቅድሚ ምኻዱ: እቲ ሽማግለ ብዛዕባ እቲ ክበጽሖ መዲቡ ዘሎ ኣስፋሒ ኣቐዲሙ ይሓስብ። ነቲ ኣስፋሒ ክሃንጾ ዝኽእል እንታይ ኢዩ፧ ናይ ሓቂ ንእዶ ምሃብ ነቲ ሰብ ንኽጽመም ዘበርትዖ ስለ ዝዀነ ቀንዲ ክፍሊ ናይ ጕስነት ኢዩ።” እወ: ናይ ጕስነት ምብጻሕ ካብቲ ዝዀነ ኣብቲ ጉባኤ ዘሎ ሰብ ክገብሮ ዝኽእል ዕርክነታዊ ምብጻሕ ንላዕሊ ኢዩ።

ስለምንታይ ኢዩ ሓደ ጓሳ ዝበጽሓካ፧

ሓደ ሽማግለ ኣብ ሓደ ገዛ ክበጽሕ ከሎ: ንኣመንቲ ብጾት ከበራትዕ ከምኡውን ኣብ እምነት ድልዱላት ክዀኑ ክሕግዞም ኢዩ ዝዳሎ። (ሮሜ 1:⁠11) ስለዚ: ሓደ ወይ ክልተ ሽማግለታት ክበጽሑኻ ክደልዩ ከለዉ ብኸመይ ኢኻ እትርእዮ፧ ሓደ ገያሺ ተዓዛቢ ከምዚ ይብል:- “ናይ ጕስነት ምብጻሕ ገለ ሽግር ክፍጠር ከሎ ጥራይ ዝግበር እንተድኣ ኰይኑ: እቲ ክብጻሕ ተመዲቡ ዘሎ ሰብ ዘርእዮ ናይ መጀመርያ መልሲ ‘እንታይ ኢየ በዲለ፧’ ዝብል ኢዩ።” ፈቃራት መንፈሳውያን ጓሶት ንኣብነት ናይቲ ነቲ ጸሓፍ መዝሙር ዝሓልየሉ ዝነበረ: ኵሉ ግዜ ብፍላይ ከኣ ኣብ ግዜ ጓህን ፍሉይ ሓገዝ ከድልዮ ከሎን ‘ንነፍሱ ዘህድኣ’ ዝነበረ የሆዋ ኢዮም ዝቐድሑ።​—መዝሙር 23:⁠1-4

ዕላማ ናይ ጕስነታዊ ምብጻሕ ‘ንምህናጽ እምበር ንምፍራስ ኣይኰነን።’ (2 ቈረንቶስ 13:10) ነቲ እቲ ዝብጻሕ ዘሎ ሰብ ዘርኣዮ ምጽማም: ቅንኢ: ከምኡውን ዝገበሮ ናይ እምነት ተግባራት ንምግላጽ ሞሳ ዝገልጹ ቃላት ምጥቃም ብሓቂ ዘተባብዕ ኢዩ። ሓደ ሽማግለ ከምዚ በለ:- “ናይ ጕስነት ምብጻሕ ክትገብር ከሎኻ ግድላት ክትምርምርን ክትመያየጥን ኢልካ ነቲ ሰብ ትበጽሖ ከም ዘሎኻ ዘርኢ ስምዒት ከተንጸባርቕ የብልካን። ልክዕ ኢዩ: እቲ ኣስፋሒ ግን ባዕሉ ብዛዕባ ገለ ፍሉይ ጸገማት ክዘራረብ ይደሊ ይኸውን ኢዩ። ሓንቲ በጊዕ ለዅሰስ ትብል ወይ ድማ ካብቲ ዝተረፈ መጓሰ ርእሳ ትፈሊ እንተድኣ ኣላ እቶም ሽማግለታት ገለ ነገር ክገብሩ ከድልዮም ኢዩ።”

ክርስትያን ሽማግለታት ነቶም ከምዚ ኣብ ታሕቲ ተገሊጹ ዘሎ ዝዀኑ ዓይነት ሰባት ፍሉይ ሓልዮት ክገብሩሎም ምዃኖም ዘጠራጥር ኣይኰነን:- “[ኣነ የሆዋ] ዝጠፍኤት ክደሊ እተባረረት ክመልስ: እተሰብረት ክዘንን: ዝሐመቐት ከኣ ከጽንዕ . . . እየ።” (ህዝቅኤል 34:⁠16) እወ: በጊዕ ምክንኻን: ዕር ምባል: ምዝናን: ወይ ምብርታዕ የድልያ ይኸውን ኢዩ። ናይ እስራኤል ጓሶት ነዚ ሓላፍነታት እዚ ሸለል ኢሎምዎ ነይሮም ኢዮም። ከምዚ ዝበለ ዕዮ ንምፍጻም: ሓደ ጓሳ ናብታ በጊዕ ኣዝዩ ክቐርብን ድልየታ ክፈልጥን የድልዮ። ብመሰረቱ ድማ: ነዚ ሎሚ ዘሎ ናይ ጕስነት ምብጻሕ ፍሉይ ዝገብሮ እዚ ክኸውን ኣለዎ።

ጥዕና ዘለወን ኣባጊዕ ሓልዮት ይደልያ ኢየን

ሎሚ ዘለዉ መንፈሳውያን ጓሶት ነተን ጥዕና ዘለወን ኣባጊዕ ፍሉይ ዝዀነ ኣቓልቦ ክገብሩለን ኣየድልን ኢዩ ኢልና ክንድምድምዶ ኣሎና ኢዩ፧ ሓንቲ ቃል ብቓሉ በጊዕ ኣብ ሽግር ክትወድቕ ከላ ምሕጋዛ ኣዝዩ ቀሊል ዝኸውን እታ በጊዕ ኣብቲ ጓሳ እምንቶ ምስ ዝህልዋ ኢዩ። ሓንቲ መጽሓፍ “ኣባጊዕ ብተፈጥሮአን ካብ ሰብ ርሕቕ ኢየን ዝብላ: ከም ዝጽገዓኻ ገይርካ ከተለማምደን ቀሊል ዝኸውን ኵሉ ግዜ ኣይኰነን” ኢላ ትገልጽ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ: ካብ መንጎ እቲ ንኣባጊዕ ከም ዝጽገዓኻ ክትገብረሉ እትኽእል ካልእ ነገራት “ነተን እንስሳ ስርዓታዊ ኴንካ ተዛረበን። ነቲ ዝተኣማመናሉ ድምጺ ይለምዳኦ ኢየን። ኣብቲ ዝጓሰያሉ ቦታ ብዙሕ ግዜ ብጽሓየን” ብምባል ሓደ መሰረታዊ ዝዀነ መምርሒ ትህብ።​—⁠ኣለስ ፉር ዳስ ሻፍ። ሃንድቡኽ ፉር ዲ ኣርትጌረሽተ ሃልቱንግ (ኵሉ ነባጊዕ። ብኸመይ ክትሕዛ ከም ዘለወን እትገልጽ ንእሽቶ መጽሓፍ።)

ስለዚ እምበኣር: ኣብ መንጎ እቲ ጓሳን እተን ኣባጊዕን ጽቡቕ ርክብ ምእንቲ ክህሉ ብሕታዊ ርክብ ኣድላዪ ኢዩ። ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ እውን ከምኡ ኢዩ። ሓደ ሽማግለ ከምዚ ይብል:- “ኣብታ ጉባኤ ከም ሓደ ነተን ኣባጊዕ ኵሉ ግዜ ዝበጽሕ ሽማግለ ዝፍለጥ እንተድኣ ኰይኑ ነተን ሽግር ዘለወን ክበጽሐን ቀሊል ኢዩ ዝኸውን።” ስለዚ ድማ: መንፈሳውያን ጓሶት ነተን ኣባጊዕ ኣብ መንግስቲ ኣዳራሽ ጥራይ ክምግብወንን ክሓልዩለንን ክፍትኑ የብሎምን። ኵነታት ከም ዘፍቀዶ ሽማግለታት ነተን ኣባጊዕ ኣብ ኣባይተን ከይዶም ናይ ጕስነት ምብጻሕ ብምግባር ክፈልጥወን ኣለዎም። ሓደ ክርስትያን ሓው ሓድሽ ሽማግለ ኰይኑ ምስ ተሸመ: እቲ ኣቦ መንበር ተዓዛቢ ደዊሉ: ንሓደ ጓሉ ብዘሰቅቕ ሓደጋ መኪና ዝሞተቶ ሓው ክበጽሖን ከጸናንዖን ከም ዝነገሮ ይዝክር። እቲ ሽማግለ ከምዚ ኢሉ ይእመን:- “ነቲ ሓው በጺሐዮ ስለ ዘይፈልጥ: አረ ኣበይ ከም ዝነብር እውን ስለ ዘይፈልጥ ኣየ ሽዑ ዝሰንበድክዎ! ሓደ ብሱል ሽማግለ ምሳይ ክኸይድ ምስ መጸ ግን ቅሳነት ተሰመዓኒ።” እወ: ሽማግለታት ናይ ጕስነት ምብጻሕ ክገብሩ ከለዉ ይተሓጋገዙ ኢዮም።

ናይ ጕስነት ምብጻሕ ንምግባር ምድላው ክግበር ከሎን ኣብቲ ዝግበር ምብጻሕን: ሓደ ሽማግለ ምስ ሓደ ነቲ ሽማግለ ናይ ምዃን “ሰናይ ግብሪ” ክረክብ ዝመጣጠር ዘሎ ድያቆን ክኸይድ ይኽእል ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 3:​1, 13) እቲ ሽማግለ ኣብ ናይ ጕስነት ምብጻሕ ከመይ ገይሩ ነተን ኣባጊዕ ከም ዘገልግል ምርኣዩ እቲ ድያቆን ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ዘማስወሉ! ስለዚ ድማ ሽማግለታትን ድያቆናትን ዝያዳ ናብቲ ጉባኤ ብምጥባቕ ነቲ ማእሰር ናይ ክርስትያን ፍቕርን ሕብረትን ዝያዳ ከም ዝሕይል ይገብርዎ።​—ቈሎሴ 3:​14

ጕስነታዊ ምብጻሕ ንምግባር ግዜ ምምዳብ

ኣካል ሽማግለታት ናይ ጕስነት ምብጻሕ ምግባር ነቶም ናይ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ መራሕቲ ጥራይ እንተድኣ ገዲፎምዎ ኣብ ገለ ጕጅለ ዘለዉ ኵሎም ኣስፋሕቲ ኣብ ውሽጢ ሹድሽተ ኣዋርሕ ክብጽሑ ከለዉ ኣብ ካልእ ጕጅለ ዘለዉ ግና ምንም ኣይብጽሑን ይዀኑ። እዚ ንሓደ ሽማግለ ከምዚ ዝስዕብ ንኽብል ኣለዓዒልዎ ኢዩ:- “ገለ ሽማግለታት ተበግሶ ወሲዶም ብዙሕ ናይ ጕስነት ዕዮ ክገብሩ ከለዉ: ካልኦት ሽማግለታት ግን ከምኡ ክገብሩ ናይ ብጾቶም ሽማግለታት ምትብባዕ ዘድልዮም ኢዮም ዝመስሉ።” ስለዚ ድማ ገለ ኣካል ሽማግለታት ኵሎም ኣስፋሕቲ ኣብ እተወሰነ ግዜ በቶም ጓሶት ከም ዝብጽሑ ንምግባር መደብ የውጽኡ ኢዮም።

ልክዕ ኢዩ: ሓደ ሽማግለ ወይ ዝዀነ ካልእ ኣስፋሒ ፍሉይ መደባት ክግበር ከይተጸበየ ንገለ ኣብታ ጉባኤ ዘሎ ሰብ ክበጽሕ ይኽእል ኢዩ። ሓደ ሽማግለ ናይ ጕስነት ምብጻሕ ቅድሚ ምግባሩ ደዊሉ “ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ንሓንቲ ስድራቤት እበጽሕ ኢየ። ስለዚ ኣብ ዝቕጽል ዘሎ ወርሒ ኣብ ገለ ግዜ ንሰዓት ወይ ካብኡ ንላዕሊ ክበጽሓኩምዶ ምኸኣልኩ፧ መዓስ ኢዩ ዝጥዕመኩም፧” ይብል።

ጕስነታዊ ምብጻሕ ካብ ምግባር ዝርከብ በረኸታት

ካብዚ እኩይ ኣገባብ ዝመጽእ ጸቕጥታት እናወሰኸ ክኸይድ ከሎ: መስተውዓልቲ ጓሶት ዝገብርዎ ዘተባብዕ ምብጻሕ ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ዝያዳ ጠቓሚ ኢዩ። እቶም ኣብቲ መጓሰ ዘለዉ ኵሎም ሰባት ጕስነታዊ ምብጻሕ ብምግባር ምትብባዕን ሓገዝን እንተድኣ ተዋሂብዎም ነፍሲ ወከፍ በጊዕ ዕቑባን ድሕንነትን ኢዩ ዝስማዓ።

ብዛዕባ ሓንቲ ኵሎም እቶም ኣስፋሕቲ ናይታ መንግስቲ በቶም ጓሶት ብዘይ ምቍራጽ ዝብጽሑ ሰባት ዘለዉዋ ጉባኤ ከምዚ ዝብል ጸብጻብ ኣሎ:- “እቶም ኣስፋሕቲ ብዛዕባ ጕስነታዊ ምብጻሕ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኢዩ ዘለዎም። እቶም ኣስፋሕቲ ነቲ ኣብ ቀዳማይ ምብጻሕ ዝነበረ ዝሃንጽ ምይይጥ ስለ ዝሕጐስሉ: ንሓደ ካብቶም ሽማግለታት ቀሪቦም ካልእ ግዜ መዓስ ከም ዝበጽሖም ክሓቱ ልሙድ ነገር ኢዩ። ሓደ ካብቲ ንመንፈስ ናይታ ጉባኤ ንኽዓቢ ዝሓገዘ መገዲ ናይ ጕስነት ምብጻሕ ምግባር ኢዩ።” ካልእ ጸብጻባት ድማ ሽማግለታት ብኸምዚ ዝበለ መገዲ ነታ ጉባኤ ብፍቕሪ ምስ ዘገልግሉ: እታ ጉባኤ ብፍቕሪ: ብሕብረት: ከምኡውን ብሕውነት ከም እትዓቢ ዘመልክት ኢዩ። ከመይ ዝበለ በረኸት ኰን ኢዩ!

ክርስትያን ጓሶት ነቲ መንፈሳዊ ድሕንነት ናይተን ኣባጊዕ ንምዕባይ ኢዮም ዝበጸሑውን። ሽማግለታት ንኣመንቲ ብጾቶም ከተባብዑን ከባራትዑን ኢዮም ዝደልዩ። ኣብ ግዜ ምብጻሕ ሓደ ምኽሪ ዘድልዮ ከቢድ ጸገም ከም ዘሎ ምስ ዝፍለጥ ብፍላይ እቲ ሽማግለ ምስ ሓደ ድያቆን ምስ ዝህሉ ብዛዕባኡ ንምምይያጥ ንኻልእ ግዜ ቈጸራ ምግባር ዝበለጸ ኢዩ። ኣብ ዝዀነ ይኹን ኵነታት ግን: ነቲ ናይ ጕስነት ምብጻሕ ብጸሎት ክድምደም ግቡእ ኢዩ።

ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ቤትካ ክበጽሕ ዝደሊ መንፈሳዊ ጓሳ ኣሎዶ፧ እንተድኣ ኣሎ ኰይኑ: ነቲ ክትረኽቦ እትኽእል ምትብባዕ ብሓጐስ ተሃንጢኻ ተጸበዮ። ከገልግለካን ነቲ ኣብታ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት እትመርሕ መገዲ ንኽትጸንሕ ዝገበርካዮ ውሳነ ድማ ከደልድሎን ኢዩ ዝመጽእ ዘሎ።​—ማቴዎስ 7:​13, 14

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ሳጹን]

ናይ ጕስነት ምብጻሕ ኣብ ምግባር ዝሕግዝ ሓሳባት

□ ቈጸራ ግበር:- መብዛሕትኡ ግዜ ቈጸራ ክትገብር ጽቡቕ ኢዩ። እቲ ሽማግለ ከቢድ ግድል ንምፍታሕ መዲቡ እንተድኣ ኰይኑ: ብዛዕባ እዚ ነቲ ኣስፋሒ ኣቐዲሙ ክነግሮ ግቡእ ኢዩ።

□ ምድላው:- ናይቲ ሰብ ጠባይን ኵነታትን ኣብ ግምት የእቱ። ካብ ልቢ ንኣዶ። ዘተባብዕ: እምነት ዘሐይል “መንፈሳዊ ውህበት” ንኸተመሓላልፍ ዕላማኻ ግበሮ።​—ሮሜ 1:​11, 12

□ ምሳኻ መን ከም እትወስድ:- ካልእ ሸማግለ ወይ ብቕዓት ዘለዎ ድያቆን።

□ ኣብ ግዜ ምብጻሕ:- እቲ ሽማግለ ምቕሉል: ፈቃር: ሃናጺ: ከምኡውን ተዓጻፊ ክኸውን ኣለዎ። ብዛዕባ እቲ ስድራቤትን ካልእ ኵነታቶምን: ብዛዕባ ካልእ ነገራትን ሕተት። ጽን ኢልካ ስማዕ። ከቢድ ግድል ምስ ዝህሉ ካልእ ፍሉይ ምብጻሕ ንምግባር መደብ ክትገብር ዝበለጸ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

□ ንውሓት ናይቲ ምብጻሕ:- ክሳዕ እቲ እተሰማማዕካሉ ግዜ ጽናሕ: እቲ እትበጽሖ ዘሎኻ ሰብ ነቲ ምብጻሕ እናበሃጎ ከሎ ካብቲ ቤት ተበገስ።

□ ነቲ ምብጻሕ ምድምዳሙ:- ነቲ ምብጻሕ ብጸሎት ምድምዳሙ ግቡእን ብሓቂ ድማ ምስጋና ዝወሃቦን ኢዩ።​—ፊልጲ 4:​6, 7

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ሳጹን]

ክርስትያን ሽማግለታት መንፈሳዊ ዕቝባ ይህቡ ኢዮም

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ሳጹን]

ናይ ጕስነት ምብጻሕ መንፈሳዊ ምትብባዕ ንምሃብ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኢዩ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ